እዮብ
2 ሓይሊ ኣእዳዎም እንታይ ጠቒሙኒ፧
ሓይሎም ጠፊኡ እዩ።
3 ብስእነትን ብጥሜትን ዝማህመኑ እዮም፣
ዝዓነወን ዝባደመን
ኣጻምእ ይሓይኩ።
4 ተኽሊ ጨው ካብ ቈጥቋጣት ይእክቡ፣
ምግቦም ሱር ቈጥቋጥ ሮተም እዩ።
5 ካብ ሕብረተ ሰብ ይስጐጉ፣+
ሰባት ከም ንሰራቒ ገይሮም ይጭድሩሎም።
6 ኣብ ኣጻድፍ ስንጭሮታት፡*
ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ኣኻውሕን ይነብሩ።
7 ካብ ቈጥቋጣት ይጭድሩ፣
ኣብ መንጎ ኣምዐ እጕድጕድ ይብሉ።
8 ደቂ ዓያሹን ስም ኣልቦን ብምዃኖም፡
ካብታ ምድሪ ተሰጒጎም* ኣለዉ።
12 ኣብ የማነይ ከም ጭፍራ ይትንስኡ፣
የህድሙኒ፡
ዕንቅፋት ጥፍኣት ድማ ኣብ መገደይ ይገብሩ።
14 ከም ብገፊሕ ፍሩስ መንደቕ ይመጹ፣
ኣብ ማእከል ጥፍኣት የንከራርዉ።
15 ሽበራ ይውሕጠኒ፣
ክብረይ ከም ንፋስ ይበርር፣
ድሕነተይ ድማ ከም ደበና ይሽረብ።
18 ብዓብዪ ሓይሊ ኽዳነይ ተበላሽዩ፣*
ከም ክሳድ ክዳነይ ይሓንቀኒ።
19 ኣምላኽ ናብ ጭቃ ደርብዩኒ፣
ከም ሓመድን ሓምዅሽትን ኰይነ።
20 ናባኻ አእዊ ኣለኹ፣ ግናኸ፡ ኣይትምልሰለይን፣+
ደው ኢለ ኣለኹ፣ ግናኸ፡ ትጥምተኒ ጥራይ ኣለኻ።
21 ናብ ጨካን ተለዊጥካኒ፣+
ብምሉእ ሓይሊ ኢድካ ኣጥቂዕካኒ።
22 ኣልዒልካ ብንፋስ ትወስደኒ፣
ኣብ ህቦብላ ኸኣ ትድርብየኒ።*
23 ናብቲ ዅሉ ህያው ዚራኸበሉ ቤት፡
ናብ ሞት ከም እተውርደንስ እፈልጥ እየ።
25 ጽንኩር ግዜ ንዘጓነፎምዶ* ኣይበኸኹሎምን፧
26 ጽቡቕ እኳ ተስፋ እንተ ገበርኩ፡ ሕማቕ መጺኡ፣
ብርሃን እኳ እንተ ተጸበኹ፡ ጸልማት መጺኡ።
27 ኣምዑተይ ካብ ምሕቋን ኣይዓረፈን፣
መዓልትታት ጸበባይ ድማ ተጓኒፈናኒ።
28 ጕህየ እመላለስ ኣለኹ፡+ ብርሃን ጸሓይ የልቦን፣
ኣብ ኣኼባ ተንሲአ አእዊ ኣለኹ።