ዘዳግም
33 ሙሴ፡ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ቅድሚ ሞቱ ንእስራኤላውያን ዝመረቖም ምርቓ እዚ እዩ።+ 2 ከምዚ በለ፦
“የሆዋ ኻብ ሲና መጺኡ፡+
ካብ ሰዒር ከኣ ኣብሪሁሎም።
4 (ሙሴ ርስቲ ጉባኤ ያእቆብ ገይሩ፡
ትእዛዝ፡ ሕጊ ሂቡና።)+
7 ንይሁዳ ድማ ከምዚ ኢሉ መረቖ፦+
“ኦ የሆዋ፡ ድምጺ ይሁዳ ስማዕ፡+
ናብ ህዝቡ ኸኣ ምለሶ።
8 ብዛዕባ ሌዊ ኸምዚ በለ፦+
ከመይሲ፡ ቃልካ ሓልዮም፡
ኪዳንካ ድማ ኣጽኒዖም።+
11 ኦ የሆዋ፡ ሓይሉ ባርኽ፡
ብግብሪ ኣእዳዉ ኸኣ ባህ ይበልካ።
እቶም ዚጸልእዎ መሊሶም ከይትንስኡስ፡
ኣእጋር* እቶም ዚትንስእዎ ሓምሽሽ።”
12 ብዛዕባ ብንያም ከምዚ በለ፦+
“እቲ ፍቑር የሆዋ ምስኡ ብደሓን ይንበር፡
ምሉእ መዓልቲ ድማ የጽልሎ፡
ኣብ መንጎ መንኵቡ ኸኣ ይንበር።”
13 ብዛዕባ ዮሴፍ ከምዚ በለ፦+
“ምድሩ ብየሆዋ ትባረኽ፡+
ብናይ ሰማይ ሕሩይ ነገራት፡
ብኣውልን ካብ ናይ ታሕቲ ዓይኒ ማያት ብዚፍልፍል ማያትን፡+
14 ጸሓይ ብእተፍርዮ ሕሩይ ነገራት፡
በቲ ናይ ወወርሒ ሕሩይ ምህርቲ፡+
15 በቲ ኻብ ጥንታውያን ኣኽራን* ዚርከብ ሕሩይ ነገራት፡+
በቲ ናይ ነባሪ ዅርባታት ሕሩይ ነገራት፡
16 በቲ ናይ ምድሪ ሕሩይ ነገራትን በቲ ንዓኣ ዚመልኣን፡+
ብተቐባልነት እቲ ኣብ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ዝነበረ ትባረኽ።+
እዚ ኣብ ርእሲ ዮሴፍ፡
ኣብ መንበስበስታ እቲ ኻብ ኣሕዋቱ እተፈልየ ይምጻእ።+
17 ግርማኡ ኸም በዅሪ ብዕራይ፡
ኣቕርንቱ ድማ ከም ኣቕርንቲ ጐባይ እዩ።
ብእኡ ንህዝብታት፡
ብሓባር ክሳብ ወሰናት ምድሪ ኺደፍኦም* እዩ።
እዚ ኣእላፋት ኤፍሬም፡+
ኣሽሓት ምናሴ እውን እዩ።”
18 ብዛዕባ ዛብሎን ከምዚ በለ፦+
“ኣታ ዛብሎን፡ ብምውጻእካ ተሓጐስ፡
ኣታ ይሳኮር ከኣ፡ ኣብ ድንኳናትካ።+
19 ንህዝብታት ናብ ከረን ኪጽውዕዎም እዮም።
ኣብኡ መስዋእቲ ጽድቂ ኺስውኡ እዮም።
ንሳቶምሲ ብዙሕ ሃብቲ ባሕርታት፡
ኣብ ሑጻ እተሓብአ መዝገብ ኪረኽቡ* እዮም።”
20 ብዛዕባ ጋድ ከምዚ በለ፦+
“ዶባት ጋድ ዜግፍሕ ብሩኽ እዩ።+
ቅልጽም፡ እወ፡ መንበስበስታ ኺሰላልዕ ተዳልዩ፡
ኣብኡ ኸም ኣንበሳ በጥ ይብል።
ርእስታት ህዝቢ ብሓባር ኪእከቡ እዮም።
ምስ እስራኤል ኰይኑ ጽድቂ የሆዋን
ፍርድታቱን ኪፍጽም እዩ።”
22 ብዛዕባ ዳን ከምዚ በለ፦+
“ዳን ኵርኵር ኣንበሳ እዩ።+
ካብ ባሳን ዘሊሉ ኺወጽእ እዩ።”+
23 ብዛዕባ ንፍታሌም ከምዚ በለ፦+
“ንፍታሌም ብተቐባልነት ዝጸገበ፡
በረኸት የሆዋ ድማ ዝመልኦ እዩ።
ምዕራብን ደቡብን ተረስተ።”
24 ብዛዕባ ኣሴር ከምዚ በለ፦+
“ኣሴር ብደቂ ብሩኽ እዩ።
ካብ ኣሕዋቱ ሞገስ ይርከብ፡
ኣእጋሩ ኸኣ ኣብ ዘይቲ የጥልቕ።*
29 ኦ እስራኤል፡ ሕጉስ ኢኻ!+
ንሱ ዚከላኸል ዋልታኻን+
ግርማዊ ሰይፍኻን እዩ።