ብሽክለታ ንጥዕና እትጠቅምን ባህ እተብልን ኢያ
ብወኪል ንቕሑ! ካብ ብሪጣንያ
ካብ ካልኦት ዝሓሰረት: ኣብ ብዙሓት ኸተማታት ዝቐልጠፈት: ንጥዕናኻ እትጠቅም: ባህ እውን እተብል መጕዓዝያ እንታይ ኢያ፧ ብሽክለታ ኢያ። ብሽክለታ ምዝዋር ጠቓምን ባህ ዘብልን ዓይነት ምውስዋስ ኣካላት ኢዩ። ኣብዚ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ጥዕናኦም ዝጭነቑሉ ዘለዉ መዋእል: ብብሽክለታ ምንቅስቓስ ክትሓስበሉ ዘሎካ ጕዳይ ኢዩ።
ንመጀመርታ ግዜ ብሽክለታ ዝሰርሐ ባሮን ካርል ቮን ድሪስ ዝበሃል ጀርመናዊ መሃዚ ኢዩ። እታ ብ1817 ኣቢሉ ዝሰርሓ ብሽክለታ ቐሊል ንድፊ ኢዩ ነይርዋ። እዛ ድራይሲን ተባሂላ እትጽዋዕ ዓይነት ብሽክለታ ኽልተ መንኰርኰር: ኮረሻ: ከምኡውን ንምምራሕ ዘገልግል ማኖብርዮ ነይርዋ፣ ፔዳለ ግን ኣይነበራን። ኪርክፓትሪክ ማክሚላን ዝበሃል ስኮትላንዳዊ ሓጓዳይ ብ1839 ኣብቲ ዳሕረዋይ መንኰርኰር ከም ማኒኮ ዝኣመሰለ እተገጥማ ብሽግለታ ምስ ሰርሐ ፔዳለ ዘለዋ ብሽግለታ ተማህዘት። ድሕርዚ ኣብ ታሪኽ ብሽክለታ ሓደ ነጥበ-መቐይሮ መጸ። ፕዬር ሚሾን ኤርነስት ሚሾን ዝበሃሉ ፈረንሳውያን ኣቦን ወድን ቬሎሲፔድ (ካብ ናይ ላቲን ቬሎክስ “ፈጣን” ፔዲስ “እግሪ” ዝትርጕሙ እተወስደ) እትበሃል ኣብ ቀዳማይ መንኰርኰር ፔዳለ እተገጥመላ ዀይና ዝያዳ ፍጥነት ዘለዋን ብቐሊሉ እትምራሕን ዓይነት ብሽክለታ ሰርሑ።
እቲ ናይ ቅድሚት መንኰርኰር እናዓበየ ምስ ከደ እተን ብሽክለታታት ፍጥነት እናወሰኻ ኸዳ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ፔኒ-ፋርዚን እትበሃል 1.5 ሜትሮ ዝሰንጣቒቱ ዓብዪ ናይ ቅድሚት መንኰርኰርን ኣዝዩ ንእሽቶ ናይ ድሕሪት መንኰርኰርን ዘለዋ ብሽክለታ ተሰርሐት። ፔኒ-ፋርዚን ዝብል ስም እተዋህባ ድማ ኣብ መንጎ እታ ፔኒ እትበሃል ዓባይ ሳንቲምን ፋርዚን እትበሃል ንእሽቶ ሳንቲምን ዘሎ ፍልልይ ተመርኲስካ ኢዩ።
ድሕርዚ ነቶም ዝውጥሕዋ ምቾት ዘለዋ: ብቐሊሉ ንኸይወድቁ ድማ እትሕግዝ ኰይና እቲ መንኰራዅራታ ማዕረ ወይ ብዙሕ ዘይበላለጽ ብሽክለታ ተሰርሐት። ብ1879 እንግሊዛዊ ሃሪ ሎውሰን ኣብ ፓሪስ እቲ ናይ ድሕሪት መንኰርኰር ብካቴና ዝዝወር ብሽክለታ ሰርሐ። እዛ ሞደል እዚኣ ኸኣ ቢሲክለት ዝብል ስም ተዋህባ።
መብዛሕትአን ዘመናውያን ብሽክለታታት ናይ ቅድሚትን ናይ ድሕሪትን መንኰርኰረን ማዕረ ኢዩ። ስለዚ እቲ መሰረታዊ ንድፊ ብዙሕ ኣይተቐየረን። ኣብዚ ግዜ እዚ ዝስርሓ ብሽክለታታት ኣብ መንኰራዅረን ጐማ ስለ ዘለወን ምቹኣት ኢየን: ገለ ኻብተን እተፈላለያ ዓይነት ብሽክለታታት ከኣ ንዅሉ መዓላ ኸገልግላ እተሰርሓ: ንዙረት ዝዀና: ናይ ቅድድም ብሽክለታታት: ከምኡውን ማውንተይን ብሽክለታታት ኢየን።
ንጥዕና እትጠቅምን ባህ እተብልን
ብሽክለታ ብዙሕ ድምጺ ዘይተውጽእ: ኣየር ዘይትብክል: ማካይን ኣብ ዝበዝሓሉ ኸባቢ ኣብ ሓጺር ርሕቐት ቀልጢፋ እተብጽሕ ስለ ዝዀነት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝነብሩ ሰባት ዘዘውትርዋ ጠቓሚት መጕዓዝያ ኢያ። ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ኣብ ካልኦት ቦታታትን ሰባት ዘድልዮም ጽዒኖም ተወጢሖማ ወይ እናደፍኡዋ ናብ ዕዳጋ ስለ ዝኸዱ ዅሉ ነገራት እትጽዕን መጕዓዝያ ዀይና ኣላ። መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ንኣዝማዶም ወይ ፈተውቶም ኣብ ቅድሚት ወይ ኣብቲ ናይ ድሕሪት መጽዓኒ ኣጐራቢቶም ስለ ዝኸዱ: ብሽክለታ ልዕሊ ሓደ ሰብ ኢዩ ዝውጥሓ።
ኣብተን ማካይን ብቐዳምነት ከም መጕዓዝያ ዘገልግላሉ ምዕራባውያን ሃገራት: ብዛዕባ ጥዕናኦም ዝግደሱን ካብቲ ኣብ ከተማ ዘሎ ናይ መጐዓዝያ ሃለኽለኽ ለውጢ ዝደልዩን ሰባት ብብሽክለታ ምንቅስቓስ ከም ብሓድሽ ህቡብ ይገብርዎ ኣለዉ። ንብሽክለታታት እተሓዝአ ሕንጹጽ መገድታት ኣብ ብዙሕ ጽርግያታት ይርአ ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ብሪጣንያ ብዙሓት ሰበ-ስልጣን ብብዝሒ ናይቲ ንዘወርቲ ብሽክለታ ዝሓዝእዎ ንውሓት ጐደናታት ይሕበኑ ኢዮም።
ብሽክለታ ትኪ ስለ ዘይተውጽእ ብከላ ብምቕናስ ንጥዕና ሓጋዚት ክትከውን ትኽእል ኢያ። ኣድረይን ዴቪስ ዝበሃል ናይ መጕዓዝያ ኣማኻሪ ንብሽክለታ “ነቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ጠንቂ ሞት ብምዃንን ዕምሪ ብምሕጻርን ቀዳምነት ሒዙ ዘሎ ሕማም ልብን ሰራውር ደምን ንኸየጥቅዓካ ትከላኸል ኢያ” ብምባል ገለጻ። ብሽክለታ ምዝዋር ምስ ብእግሪ ምኻድ ክወዳደር ከሎ ዝያዳ ጻዕቒ ዘለዎ ጻዕሪ ኢዩ ዝሓትት፣ ብሽክለታ ኣብ እትዝውረሉ እዋን 60 ክሳዕ 85 ሚእታዊት ዓቕምኻ ኽትጥቀም ከሎኻ: ብእግርኻ ኽትከይድ ከሎኻ ግን 45 ክሳዕ 50 ሚእታዊት ኢኻ እትጥቀመሉ። ብብሽክለታ ዝንቀሳቐስ ሰብ ንመሓውሩ ብዙሕ ጸቕጢ ስለ ዘይገብረሉ እውን: ከምቲ ብእግሩ ዝጐዓዝ ሰብ ነዕጽምቱ ብዙሕ ናይ ምጕዳእ ኣጋጣሚ የብሉን።
ብሽክለታ ምውጣሕ ኣብ ጥዕና ዘለዎ ኻልእ ጥቕሚ: ባህ ዘብል ስምዒት ስለ ዝፈጥር ኢዩ። ብመጽናዕቲ ኸም እተረኽበ ብሽክለታ ኽትዝውር ከሎኻ እትገብሮ ምውስዋስ ኣብ ኣእምሮኻ ኢንዶርፊን ዝበሃል ከሚካል ንኽፍኖ ይሕግዝ፣ እዚ ኸኣ ባህ ንኽብለካ ዝሕግዝ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ባህ ዘብል ስምዒት ድማ ብሽክለታ ምዝዋር ጽቡቕ ቅርጺ ኣካላት ንኽህልወካ ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ። ብኸመይ፧ ዘ ጋርድያን እትበሃል ጋዜጣ “ብማእከላይ ፍጥነት ዝጓዓዝ ዘዋሪ [ብሽክለታ] ኣብ ደቒቕ ሸውዓተ ካሎሪ ኣቢሉ: ወይ ኣብ ፍርቂ ሰዓት 200 ዝኸውን ካሎሪ የቃጽል” በለት። እዚ እንታይ ውጽኢት ኣለዎ፧ ምናልባት ሸጥ ዝበለ መዓንጣን ጽቡቕ ቅርጺ ዝሓዘ ሰለፍን ንኽህልወካ ይሕግዝ ኢዩ።
ንድሕንነትካ ጥንቃቐ ግበር
ኣብተን ማካይን ዝበዝሓሉ ሃገራት ድሕንነት ዘወርቲ ብሽክለታ ሓደ ኻብቲ ዘጨንቕ ጕዳያት ኢዩ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ንድሕንነቱ ዝሕግዝ ቍራዕ ርእሲ ኽወዲ ኣለዎ ድዩ፧ ኣቐዲምካ ጥንቃቐ ምግባር ጥበባዊ ኢዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ቍራዕ ርእሲ ምውዳይ ጥራይ ካብ ሓደጋ ናጻ ኣይገብርን ኢዩ። ኣዳላዊት ዓምዲ ሰልያ ሆል ኣብ 1,700 ዝዀኑ ኣብ እተፈላለየ ዕድመ ዝርከቡ ቝራዕ ርእሲ ዝወድዩ ዘወርቲ ብሽክለታ እተገብረ መጽናዕቲ ገሊጻ ኢያ። ሓደ ኻብቲ ኣብዚ መጽናዕቲ እተረኽበ ዘሰንብድ ርኽበታት: ቍራዕ ርእሲ ምውዳይ ድሕንነት ከም ዝረኸብካ ዘምስል ግጉይ ስምዒት ዝፈጥር ምዃኑ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን 6 ሚእታዊት ናይቶም ቍራዕ ርእሲ ዝገብሩ ማዕቀኖም ኣይኰነን ዝወድዩ። ሓደጋ ኸጋጥም ከሎ ዘይማዕቀንካ ጌርካ እንተ ጸኒሕካ ነቲ ጕድኣት ንኽወርደካ ዘለዎ ኣጋጣሚ ብ50 ሚእታዊት የዛይዶ ኢዩ። ቍራዕ ርእሲ ትወዲ እንተደኣ ዄንካ: ማዕቀንካ ምዃኑ ኣረጋግጽ። ናይ ውላድካ ቝራዕ ርእሲ ዅሉ ሳዕ ማዕቀኑ ምዃኑ ኣረጋግጽ። ኣጸቢቑ ዝዓብዮ እንተ ዀይኑ ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
መራሕቲ ማካይን መብዛሕትኡ ግዜ ብዘወርቲ ብሽክለታ ቕጭ ስለ ዝመጾም ኣየቕልቡሎምን ኢዮም። ስለዚ ብንጹር ከም እትረኣዮም ግበር። እትኽደኖ ኽዳን ንድሕንነትካ ኣበርክቶ ዝገብር ይኹን: ቀትሪ ዀነ ለይቲ ዘንጸባርቕ ክዳን ተኸደን። ብሽክለታኻ እውን ከይተረፈት ብጸልማት እትርአ ኽትከውን ኣለዋ። እቲ ኣብ ፔዳለ ዝግበር ዘንጸባርቕ ነገር ከምኡውን እቲ ኣብ ናይ ቅድሚትን ድሕሪትን ዝግጠም ብንጹር ዝርአ መብራህቲ ሓደ ኻብቲ ብሕጊ ኸተማልኦ ዝሕተት ነገር ኢዩ። ከምዚ ምግባር ጥበባዊ ከም ዝዀነ ዘተሓታትት ኣይኰነን። እቲ ንድሕንነትካ እትወስዶ ስጕምቲ: ናይታ ሃገር ሕጋዊ መለክዒታት ዘማልእ ምዃኑ ርግጸኛ ኹን።
ድሕንነት ንኽህልወካ ኵሉ ነገራታ ብግቡእ ዝዓዪ ብሽክለታ ምዝዋር ንድሕንነትካ ኣገዳሲ ኢዩ። በብእዋኑ እተበላሸወ ነገር ከይህልዋ ርኣያ: ኣጽርያ: ኣተዓራርያ። እዚ ዅሉ ጥንቃቐ ድሕሪ ምግባርካ: ካብቲ ዓበይቲ ጐደናታት ወጻኢ ምዝዋር ጥበባዊ ዀይኑ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። እዚ ዅሉ እናገበርካ እታ ብሽክለታ ማዕቀንካ እንተ ዘይኰይና ግን ኵሉ ብላሽ ኢዩ።—ነታ “ማዕቀንካ ብሽክለታ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
ብሽክለታ ምዝዋር ከም ስፖርት
ንገሊኣቶም ሰባት ብሽክለታ ምዝዋር ስፖርት ኢዩ። እቲ ህቡብ ቱር ዲ ፍራንስ ዝበሃል ቅድድም ብሽክለታ ምስ ሓሽሽ ምውሳድን ምትላልን ስለ እተተሓሓዘ ተባላሽዩ ኢዩ ዘሎ። መጽሔት ታይም ኣብታ “እቲ ዝበለጸ ሓሽሽ ይዕወት!” ዘርእስቱ ዓንቀጻ: እቲ ቕድድም ስርዓት ዘይብሉ ምንባሩ ገለጸት። ሓሽሽ ምውሳድን ክእለትካ ዘመሓይሽ ከሚካላት ምጥቃምን ክርክራት ስለ ዘበገሰ ናይዚ ስፖርት ስም ይበላሾ ኣሎ።
መስተውዓልቲ ዘወርቲ ብሽክለታ ኣብዚ ስፖርት እዚ ኽንደይ ዝኣክል ግዜን ጻዕርን ከሕልፉ ኸም ዘለዎም ይፈልጡ ኢዮም። ብሽክለታ ምዝዋር ንጥዕና ዝጠቅም ብምዃኑ ዝስሕብ እኳ እንተዀነ: ሚዛናውያን ሰባት ግን ምውስዋስ ኣካላት ነዊሕ ዕምርን ጥዕናን ንኽህልዎም ዘኽእል ሓደ ረቛሒ ጥራይ ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም። ይኹን እምበር: ኣብ ዝቕጽል እዋን ብሽክለታ ኽትውጣሕ ከሎኻ ንጥዕናኻ ዝጠቅምን ባህ ዘብልን ምዃኑ ዘክር!
[ሳጹን/ስእሊs ኣብ ገጽ 29]
ማዕቀንካ ብሽክለታ
ማውንተይን ብሽክለታ ንእስ ዝበለት: ተሪር ሓጻውን ዘለዋ: ትኽ ዝበለ ማኖብርዮ ዘለዋ: ፔዳለኣ ኻብቲ ልሙድ ብርኽ ዝበለ: ጐማኣ ድማ ረጒድ ብምዃኑ ኣብ ኵሉ ቦታታት እተገልግል ዓይነት ብሽክለታ ኢያ። ኣብዛ ብሽክለታ እዚኣ እተፈላለየ ማርሻ ኽትቅይር ስለ እትኽእል ዓቐብ ክትከይድ ከሎኻ ኣይትሽገርን ኢኻ።
ኣብ ጽርግያን ኣብ ኵርኳሕ መገድን እትጐዓዝ እንተ ዄንካ: ብገለ መዳይ ኣሰራርሓኣ ከም ናይ ማውንተይን በቲ ኻልእ መዳይ ከኣ ከም ናይ ተራ ብሽክለታ ሞዴል ዘለዋ ኢያ እተድልየካ። ከምዚኣ ዓይነት ብሽክለታ ቕጥን ዝበለ ጐማን ትሕት ዝበለ ፔዳለን ኣለዋ። ተራ ብሽክለታታት ቅንዕ ኢልካ ከም እትዝውረን ኰይነን ኢየን ተዳልየን: ዝወሓደ ማርሻ ኸኣ ኣለወን።
እትመርጾ ሞዴል ብዘየገድስ እታ ብሽክለታ ማዕቀንካ ምዃና ኣረጋግጽ። ቅድሚ ምዕዳግካ ፈትና። ነቲ ማኖብርዮ: ኮረሻ: ከምኡውን ፔዳለ ኸም ዝጥዕመካ ጌርካ ኣመዓራርዮ። እቲ ኣብ መንጎ ኾረሻን ማኖብርዮን ዘሎ ዘንጊ ደው ክትብል ከሎኻ ኽትንክፈካ የብሉን (ኣብ ላዕሊ ርአ)።
ቍመት ናይቲ ኾረሻ ብምትዕርራይ ነቲ ፔዳለ ንታሕቲ ገጹ ምስ ኰነ እግርኻ ትኽ ከተብል ዘኽእለካ እንተ ዀይኑ: ንድሕንነትካ ዝሓሸን ዝመችአን ኢዩ (ጸጋም ርአ)። ብሓፈሻ ኽርአ ኸሎ ብራኸ እቲ ማኖብርዮ ማዕረ እቲ ኾረሻ ክኸውን ኣለዎ።—ምንጪ:- መጽሔት ዊች፧
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
ፔኒ-ፋርዚን
[ምንጪ ስእሊ]
Police Gazette, 1889
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
ቬሎሲፔዲ
[ምንጪ ስእሊ]
Men: A Pictorial Archive from Nineteenth-Century Sources/ Dover Publications, Inc.
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ገሊኡ ቦታታት ቍራዕ ርእሲ ንኽትወዲ ብሕጊ ትግደድ ኢኻ
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ብሽክለታ ኣብ ብዙሓት ሃገራት እተገልግል መጕዓዝያ ኢያ