ናብ ምንባብ ኣቕልብ
እንስሳታት ነዚ ሕጂ እትገብሮ ዘለኻ ኺገብሩ ኣይክእሉን እዮም። ካብ ደቅሰብ እውን 1 ኻብ 6: መብዛሕኦም ናብ ቤት ትምህርቲ ናይ ምእታው ኣጋጣሚ ብዘይምርካቦም ኬንብቡ ኣይክእሉን እዮም: እቶም ዜንብቡ እንተ ዀኑ እውን ኣዘውቲሮም ኣይኰኑን ዜንብቡ። እንተዀነ ግን: ጽሑፋት ናይ ምንባብ ክእለት እንተ ኣልዩካ: ብእኡ ኣቢልካ ናብ ካልእ ዓድታት ንኽትጐዓዝ: ምስቶም ብዙሕ ክትመሃረሉ እትኽእል ታሪኽ ዘለዎም ሰባት ንኽትፋለጥ: ከምኡውን ኣብ ህይወትካ ንዜጋጥመካ ዜጨንቕ ነገራት ክትዋጽኣሉ ዚሕግዝ ፍልጠት ንኸተጥሪ የኽእለካ።
ናይ ምንባብ ክእለት ነቲ ሓደ ሰብ ካብ ቤት ትምህርቱ ዚረኽቦ ጥቕሚ ይጸልዎ እዩ። ነቲ ኺረኽቦ ዚኽእል ዓይነት ስራሕን ንመነባብሮኡ ዜድልዮ ንምምላእ ዚዓዮ መጠን ሰዓታትን እውን ኪጸልዎ ይኽእል እዩ። ኬንብባ ዚኽእላ ኣንስቲ: ብዛዕባ ግቡእ ምግብን ጽሬትን ክንክን ጥዕናን ብዚምልከት ንስድራቤተን ብዝሓሸ ኣገባብ እየን ዚኣልያ። ንፉዓት ኣንበብቲ ዝዀና ኣዴታት: ኣብ ኣእምሮኣዊ ምዕባለ ደቀን ኣወንታዊ ጽልዋ የሕድራ እየን።
ልክዕ እዩ: እቲ ኻብ ምንባብ ዚርከብ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ረብሓ: “ንምፍላጥ ኣምላኽ” ክንረኽቦ ዜኽእለና ምዃኑ እዩ። (ምሳ. 2:5) ሓያሎ ኻብቲ ንኣምላኽ እነገልግለሉ ኣገባብ ናይ ምንባብ ክእለት ዜጠቓልል እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ይንበብ እዩ። ኣብ ኣገልግሎት ዘሎካ ውጽኢታውነት: ብኣናብባኻ ኣጸቢቑ ይጽሎ እዩ። ነዚ ንጥፈታት እዚ ንምድላው እውን ከነንብብ ኣሎና። በዚ ምኽንያት እዚ መንፈሳዊ ዕቤትካ ብዓብዪኡ ኣብ ናይ ምንባብ ልማድካ ዚምርኰስ እዩ።
ነቲ ኣጋጣሚ ብዚግባእ ተጠቐመሉ
ገሊኦም መገድታት ኣምላኽ ዚመሃሩ ዘለዉ ሰባት እተወሰነ ዓለማዊ ትምህርቲ ጥራይ እዮም ረኺቦም። እዚኣቶም መንፈሳዊ ዕቤቶም ምእንቲ ኺመሓየሽ: ምንባብ ኪመሃሩ: ወይ ከኣ ናይ ምንባብ ክእለቶም ንኼመሓይሹ ናይ ብሕቲ ሓገዝ ኬድልዮም ይኽእል እዩ። ኣድላዪ ኣብ ዚዀነሉ ቦታታት: ጉባኤታት ናይ ምንባብ ትምህርቲ ንምሃብ መሰናድዎ ኺገብራ ይኽእላ እየን። ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ካብዚ መሰናድዎ እዚ ብዙሕ ተጠቒሞም እዮም። ጽቡቕ ጌርካ ምንባብ ኣገዳሲ ብምዃኑ: ገሊአን ጉባኤታት ምስ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተሳንዩ ዚኸይድ ንባብ ንምምሕያሽ ዚሕግዝ ክፍልታት ኣዳልየን እየን። ኣብቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኽፍልታት ዘይብለን ጉባኤታት እውን እንተ ዀነ: ሓደ ሰብ መዓልታዊ እተወሰነ ግዜ ብምውሳድ ዓው ኢሉ ብምንባብን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኣዘውቲሩ ብምስታፍን ጽቡቕ ምምሕያሽ ኪገብር ይኽእል እዩ።
እቲ ዜሕዝን ግን ገሊኡ ስእላዊ መጻሕፍትን ተለቪዥንን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራትን: ብዙሓት ሰባት ንንባብ ዕሽሽ ከም ዚብልዎ ገይሩ ኣሎ። ተለቪዥን ምርኣይን ብዙሕ ዘይምንባብን: ነቲ ሓደ ሰብ ንምንባብ: ብንጹር ንምሕሳብ: ንምምዝዛን: ከምኡውን ሓሳባቱ ብግቡእ ንምግላጽ ዘለዎ ኽእለት ንኸይመሓየሽ ዕንቅፋት ኪዀኖ ይኽእል እዩ።
እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ንመጽሓፍ ቅዱስ ንኽንርድኦ ዚሕግዘና ጽሑፋት የዳልወልና እዩ። እዚ ጽሑፋት እዚ ኸኣ ብዛዕባ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ጕዳያት ብዙሕ ሓበሬታ ይህበና። (ማቴ. 24:45፣ 1 ቈረ. 2:12, 13) ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ምዕባለታትን ትርጕሙን ይሕብረና: ንተፈጥሮ ኣጸቢቕና ንኽንፈልጦ ይሕግዘና: ከምኡውን ነቲ ዜጨንቐና ጕዳያት ብኸመይ ከም እንሰግሮ ይምህረና። ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣምላኽ ብዚቕበሎ መገዲ ብኸመይ ከም እነገልግሎን ሞገሱ ብኸመይ ከም እንረክብን የጕልሓልና። ከምዚ ዝኣመሰለ ጠቓሚ ንባብ: መንፈሳዊ ሰብ ኴንካ ንኽትዓቢ ይሕግዘካ እዩ።
ልክዕ እዩ: ጽቡቕ ናይ ምንባብ ክእለት ንባዕሉ ኻብ ክፉእ ኣይሕልወካን እዩ። ነዚ ኽእለት እዚ ብዚግባእ ክትጥቀመሉ ኣሎካ። ንባብ ከም ምብላዕ ብምዃኑ እናመረጽካ ኺግበር ኣለዎ። ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ ዘይብሉ ወይ ኪምርዘካ ዚኽእል ምግቢ ንምንታይ እትበልዕ፧ ብተመሳሳሊ: ዝዀነ ይኹን ንኣእምሮኻን ንልብኻን ኬበላሹ ዚኽእል ጽሑፍ ንምንታይ እተንብብ፧ እነንብቦ ጽሑፋት ክንመርጽ ከለና: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓታት መሰረት ኪዀነና ይግባእ። ሓደ ጽሑፍ ቅድሚ ምንባብካ: ከም እኒ መክብብ 12:12, 13፣ ኤፌሶን 4:22-24፣ 5:3, 4፣ ፊልጲ 4:8፣ ቈሎሴ 2:8፣ 1 ዮሃንስ 2:15-17፣ ከምኡውን 2 ዮሃንስ 10 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ዘክር።
ብግቡእ ድራኸ ኣንብብ
ኣብ ወንጌል ዚርከብ ጸብጻባት ክንምርምር ከለና: ኣብ እነንብበሉ እዋን ግቡእ ድራኸ ኣገዳሲ ምዃኑ ይጐልሓልና እዩ። ንኣብነት: ኣብ ወንጌል ማቴዎስ: የሱስ ንምሁራት መራሕቲ ሃይማኖት: ነቲ ብተንኰል ዚሓትዎ ሕቶታት ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ቅድሚ ምምላሱ: “ኣብ ኦሪትዶ ኣየንበብኩምን፧” ከምኡውን “ዚብልሲ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧” ኢሉ ኸም ዝሓተቶም ንረክብ ኢና። (ማቴ. 12:3, 5፣ 19:5adj.፣ 21:16, 42፣ 22:31) ካብዚ እንረኽቦ ትምህርቲ: እቲ እነንብበሉ ምኽንያት ግቡእ እንተ ዘይኰይኑ: ኣብ ግጉይ መደምደምታ ኽንበጽሕ ወይ ነቲ ነጥቢ ኽንስሕቶ ንኽእል ምዃንና እዩ። ፈሪሳውያን ናይ ዘለኣለም ህይወት በቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚረኽቡ መሲልዎም የንብብዎ ነበሩ። የሱስ ከም ዝሓበሮ ግን: ነቶም ንኣምላኽ ዘየፍቅሩን መገዲ ድሕነቱ ዘይቅበሉን እዚ ዓስቢ እዚ ኣይወሃቦምን እዩ። (ዮሃ. 5:39-43) እቶም ፈሪሳውያን ካብ ስስዐ ተደሪኾም እዮም ዜንብቡ ነይሮም፣ ስለዚ: መብዛሕትኡ ዚበጽሕዎ ዝነበሩ መደምደምታ ጌጋ ነበረ።
ፍቕሪ የሆዋ ነቲ ቓሉ ንምንባብ ዜድልየና ኻብ ኵሉ ዝነጽሀት ድራኸ እያ። “ብሓቂ ትሕጐስ” ስለ እተባህለላ: ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ፍቓድ ኣምላኽ ንኽንመሃር ተለዓዕለና። (1 ቈረ. 13:6) ኣብ ዝሓለፈ እዋን ምንባብ ባህ ዘይብለና እኳ እንተ ነበረ: ንየሆዋ ‘ብዅሉ ሓሳብና’ ምስ እነፍቅሮ: ፍልጠት ኣምላኽ ንምጥራይ ብኣእምሮና ጻዕሪ ንገብር ኢና። (ማቴ. 22:37) ፍቕሪ ተገዳስነት ተለዓዓል: ተገዳስነት ከኣ ነቲ ትምህርቲ ናይ ምቕሳም ክእለትና የነቓቕሖ።
ንፍጥነት ንባብካ ኣተኵረሉ
ንባብ ምስ ምፍላጥ ተተሓሒዙ ዚኸይድ እዩ። ሕጂ እተንብብ ዘለኻ እኳ: ነቲ ቓላት ትፈልጦን ትርጕሙ ትዝክሮን ብምዃንካ እዩ። ከተንብብ ከለኻ ኣስፍሕ ኣቢልካ ብምጥማት: ፍጥነት ንባብካ ኽትውስኽ ትኽእል። ንነፍሲ ወከፍ ቃል በብሓንቲ ኣብ ክንዲ እተንብባ: ብሓንሳእ ጕጅለ ቓላት ጠምት። ነዚ ኽእለት እዚ ምስ ኣማዕበልካዮ: ነቲ እተንብቦ ነገራት ብዝያዳ ኽትርድኦ ኢኻ።
ዕምቈት ዘለዎ ጽሑፋት ከተንብብ ከለኻ ግን: ብዙሕ ምእንቲ ኽትረብሕ እተፈልየ ሜላ ኽትጥቀም የድልየካ ይኸውን። የሆዋ ንእያሱ ብዛዕባ ንባብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኪምዕዶ ኸሎ: “ኣስተንትኖ እምበር: እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይትፍለ” በሎ። (እያ. 1:8) ሓደ ሰብ ኬስተንትን ከሎ: ኣዕሚቑ እዩ ዚሓስብ፣ ኣይህወኽን ከኣ እዩ። እናስተንተንካ ምንባብ ንቓል ኣምላኽ ኣብ ኣእምሮኻን ልብኻን ዝያዳ ጦብላሕታ ኸም ዚሓድግ ይገብሮ። መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት: ማዕዳ: ምስላ: ግጥሚ: ፍርዲ ኣምላኽ: ብዛዕባ ዕላማ የሆዋ ዚገልጽ ዝርዝር: ከምኡውን ኣኺሉ ዚተርፍ ናይ ሓቂ ታሪኽ ህይወት ዝሓዘ እዩ። እዚ ዅሉ ኸኣ ነቶም ብመገድታት የሆዋ ኺመላለሱ ዚደልዩ ኣገዳሲ እዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣእምሮኻን ልብኻን ሓያል ጦብላሕታ ኸም ዚገድፍ ጌርካ ምንባቡስ ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ዀን እዩ!
ምትኳር ተምሃር
ከተንብብ ከለኻ: ንርእስኻ ኣብቲ ተገሊጹ ዘሎ ታሪኽ ኣእትዋ። ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ሰባት ብኣእምሮኻ ኽትርእዮም ፈትን: እቲ ኣብ ህይወቶም ዜጋጥሞም ነገራት እውን ከም ዚስምዓካ ግበር። ከምቲ ኣብ 1 ሳሙኤል ምዕራፍ 17 ዚርከብ ብዛዕባ ዳዊትን ጎልያድን ዚገልጽ ዝኣመሰለ ጸብጻባት ከተንብብ ከለኻ: ከምዚ ምግባር ዝቐለለ እዩ። ኣብ ዘጸኣትን ዘሌዋውያንን ዚርከብ ብዛዕባ ምስራሕ እቲ ማሕደር ወይ ምቛም ክህነት ዝኣመሰለ ዝርዝር ነጥብታት እውን እንተ ዀነ: ነቲ ዓቐናትን ዓይነት ንዋትን: ነቲ ሽታ እቲ ዕጣን: ጨና እቲ ዚሓርር እኽሊ: ሽታ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ዀይኑ ዚቐርብ እንስሳ ብኣእምሮኻ ምስ እትስእሎ ወይ ምስ እተሽትቶ: ንባብካ ህያው ይዀነልካ እዩ። ካህን ኴንካ ምግልጋል ክሳዕ ክንደይ ዜደንቕ ምንባሩ እውን ሕሰበሉ! (ሉቃ. 1:8-10) ንህዋሳትካን ስምዒትካን በዚ ኸምዚ ምስ እተሳትፎ: ንኣገዳስነት እቲ እተንብቦ ንኽትግንዘቦን ንኽትዝክሮን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።
እንተ ዘይተጠንቂቕካ ግን: ከተንብብ ክትፍትን ከለኻ: ኣእምሮኻ ኺገይሽ ይኽእል እዩ። ኣዒንትኻ ናብቲ ጽሑፍ እናጠመተ ኽነሱ: ሓሳባትካ ግን ኣብ ካልእ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምናልባት ሙዚቃ ተኸፊቱዶ ኣሎ፧ ተለቪዥን ተወሊዓ ድያ ዘላ፧ ኣባላት ስድራቤትካ ይዘራረቡ ድዮም ዘለዉ፧ ዚከኣል እንተ ዀይኑ: ጸጥታ ኣብ ዘለዎ ቦታ ዄንካ እንተ ኣንበብካ ይሓይሽ። ይኹን እምበር: እቲ ሓሳባትካ ዚሰርቕ ነገራት ካብ ውሽጥኻ እውን ኪመጽእ ይኽእል እዩ። ምናልባት ብስራሕ ተዋጢርካ ውዒልካ ትኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን እቲ እትገብሮ ዝወዓልካ ብቐሊሉ ናብ ኣእምሮኻ ይመጸካ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኽትገብሮ ዝወዓልካ ምሕሳብ ጽቡቕ እኳ እንተ ዀነ: እናኣንበብካ ግን ኣይኰንካን ክትሓስብ ዘሎካ። ምናልባት ኣእምሮኻ ኣብቲ ንባብ ብምትኳር ወይ ድማ ብጸሎት ጀሚርካዮ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ከተንብብ ምስ ጀመርካ ግን: ሓሳብካ እናተበተነ የሸግረካ። ከምዚ ምስ ዜጋጥመካ ኣይትተሓለል። ሓሳብካ ኣብቲ እተንብቦ ጽሑፍ ንምትኳር: ንርእስኻ ገስጽ። በብቝሩብ ምምሕያሽ ክትርኢ ኢኻ።
ዘይትፈልጣ ቓል እንተ ረኺብካ: እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ገሊኡ ዘይትፈልጦ ቓላት ኣብቲ ጽሑፍ ይትርጐም ወይ ይግለጽ ይኸውን። ወይ ንትርጕም እታ ቓል ካብቲ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ሓሳባት ትርድኦ ትኸውን። በዚ እንተ ዘይተፈቲሑ ግን: መዝገበ-ቓላት እንተ ኣልዩካ: ነታ ቓል ኣብኡ ርኣያ: ወይ ካልእ ግዜ እንታይ ማለት ምዃና ንሰብ ምእንቲ ኽትሓትት ምልክት ግበረላ። እዚ ንማህደረ ቓላትካ ኼስፍሖ: ብምስትውዓል ንኸተንብብ ድማ ኣበርክቶ ኺገብር እዩ።
ንህዝቢ ምንባብ
ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ናብ ምንባብ ኬቐልብ ኪነግሮ ኸሎ: ብፍላይ ንኻልኦት ክትጠቅም ኢልካ ብዛዕባ ዚግበር ንባብ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (1 ጢሞ. 4:13) ንህዝቢ ዚግበር ጽቡቕ ንባብ: ነቲ እተጻሕፈ ቓላት ጥራይ ምድሃይ ማለት ኣይኰነን። እቲ ኣንባቢ ንትርጕም እቲ ቓላት ኪርድኦን ነቲ ዚገልጾ ሓሳባት ኪግንዘቦን ኣለዎ። ከምዚ ምስ ዚገብር ጥራይ እዩ ነቲ ሓሳባት ብዚግባእ ኬመሓላልፎን ቅኑዕ ስምዒት ኪሰዅዓሉን ዚኽእል። ከምዚ ንምግባር ድማ ጽቡቕ ምድላውን ልምምድን ከም ዜድልዮ ዜተሓታትት ኣይኰነን። ስለዚ ኸኣ እዩ ጳውሎስ “ናብ ምንባብ . . . ኣቕልብ” ኢሉ ዝመዓደ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኣገዳሲ ስልጠና ኽትረክብ ኢኻ።
እተንብበሉ ግዜ መድብ
“ሃቐና እቲ ትጉህ ብርግጽ ናብ ረብሓ የብጽሕ: እቲ ዚህወኽ ዘበለ ግና ናብ ስእነት ጥራይ ይህወኽ።” (ምሳ. 21:5) እዝስ ምስቲ ንምንባብ ዘሎና ባህጊ ብዚተሓሓዝ ሓቅነቱ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዚጐልሕ! “ረብሓ” ኽንረክብ እንተ ዄንና: ካልእ ንጥፈታት ንእነንብበሉ ግዜ ምእንቲ ኸየጻብቦ: ብትግሃት ክንህቅን ወይ መደብ ክንገብር ኣሎና።
መዓስ ኢኻ እተንብብ፧ ኣንጊህካ ተንሲእካ ምስ እተንብብ ዲኻ እትጥቀም፧ ወይስ ኣብ ካልእ እዋን ኢኻ ብዝያዳ እትነቅሕ፧ ንንባብ ኣብ መዓልቲ 15 ወይ 20 ደቒቕ ጥራይ እኳ እንተ መዲብካ: ክሳዕ ክንደይ ከም እትዓምም ኬገርመካ እዩ። እቲ ቐንዲ ነገር ኣዘውቲርካ ምግባሩ እዩ።
የሆዋ እቲ ዓብዪ ዕላማታቱ ኣብ መጽሓፍ ከም ዚጸሓፍ ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧ ሰባት ነቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ ምእንቲ ኺውከሱ ኢሉ እዩ። እዚ ድማ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ግብርታት የሆዋ ንኺሓስቡ: ነዚ ንደቆም ንኼዘንትዉ: ከምኡውን ተግባራት ኣምላኽ ንኺዝክሩ የኽእሎም። (መዝ. 78:5-8) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብዚ መዳይ እዚ ዝገበሮ ልግሲ ዘሎና ሞሳ: በቲ ህይወት ንዚህብ ቃሉ ንምንባብ እነቕልበሉ መገዲ እዩ ዚርአ።