ምዕራፍ 15
የሱስ ‘ፍትሒ ኣብ ምድሪ ኺምስርት እዩ’
1, 2. የሱስ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ እዩ እተቘጥዐ፧ ስለምንታይከ፧
ኣብ ገለ ኣጋጣሚ የሱስ ኣዝዩ ተቘጢዑ ነበረ፡ ንኪቝጣዕ ከኣ ብቑዕ ምኽንያት ነይርዎ እዩ። ልክዕ እዩ፡ ኣዝዩ ለዋህ ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ምቝጣዑ ንኽትቅበሎ ኼጸግመካ ይኽእል እዩ። (ማቴዎስ 21:5) የሱስ ምሉእ ብምሉእ ርእሱ ዚገትእ ሰብ ብምንባሩ፡ እዚ ቝጥዓ እዚ ብጽድቂ እተለዓዓለ ቝጥዓ ደኣ እምበር ነፍሱ ምቍጽጻር ብምስኣኑ ዘርኣዮ ባህርይ ኣይነበረን።a ይኹን እምበር፡ ነዚ ፈታው ሰላም ዝነበረ ሰብ ንኪቝጣዕ ዘለዓዓሎ እንታይ እዩ ነይሩ፧ እቲ ዝረኣዮ ኣዝዩ ኸቢድ ዘይፍትሓዊ ተግባር እዩ።
2 የሱስ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእያ ነይሩ። ካብ ምሉእ ዓለም ንኣምልኾ ሰማያዊ ኣቦኡ እተቐደሰት ስፍራ እታ ቤተ መቕደስ እቲኣ ጥራይ እያ ነይራ። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዚነብሩ ኣይሁድ ነዊሕ መገዲ ተጓዒዞም ኣብታ ቦታ እቲኣ መጺኦም የምልኹ ነበሩ። እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ኣህዛብ እውን ከይተረፉ፡ ኣብቲ ኺጥቀምሉ እተመደበ ኣጸድ ቤተ መቕደስ ኣትዮም ንየሆዋ የገልግሉ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ የሱስ ኣገልግሎት ዝጀመረሉ እዋን ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ኣተወ፡ ኣዝዩ ዜጕሂ ነገር ረኣየ። እወ፡ እቲ ቦታ ኣብ ክንዲ ቤት ኣምልኾ ናይ ዕዳጋ ቦታ እዩ መሲሉ ነይሩ። ብነጋዶን ኣሽረፍትን ቅጽጽ ዝበለ እዩ ነይሩ። ኣብ ምንታይ ደኣ እዩ እሞ ዘይፍትሓዊ ተግባር ተራእዩ፧ ነዞም ሰባት እዚኦም መቕደስ ኣምላኽ ንሰባት ዚምዝምዙሉን ዚዘርፉሉን ቦታ እዩ ነይሩ። ነዚ ግና ብኸመይ እዮም ዚገብርዎ ነይሮም፧—ዮሃንስ 2:14።
3, 4. ኣብ ቤት የሆዋ ኸመይ ዝበለ ስስዐ ዝመልኦ ተግባራት እዩ ዚካየድ ነይሩ፧ የሱስከ ነዚ ነገራት እዚ ንምዕራይ እንታይ ስጕምቲ እዩ ወሲዱ፧
3 መራሕቲ ሃይማኖት ቀረጽ ቤተ መቕደስ ብሓደ ፍሉይ ዓይነት ሰልዲ ጥራይ ኪኽፈል ኣለዎ ዚብል ስርዓት ኣውጽኡ። በጻሕቲ ነዚ ሰልዲ እዚ ንምርካብ ግድን ገንዘቦም ኬሽርፉ ነበሮም። ስለዚ፡ እቶም ኣሽረፍቲ ሰደቓኦም ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ መቕደስ ኣንቢሮም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምልውዋጥ ዝያዳ ገንዘብ የኽፍሉ ነበሩ። እንስሳታት ናይ ምሻጥ ንግዲ እውን ኣዝዩ ዜኽስብ እዩ ነይሩ። እቶም መስዋእቲ ኬቕርቡ ዚደልዩ በጻሕቲ ኣብታ ኸተማ ኻብ ዘሎ ዝዀነ ይኹን ነጋዳይ ኪዕድጉ ዚኽእሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ እቶም ኣሕሉቕ ቤተ መቕደስ ግና ንመስዋእቲ ኣይበቅዕን እዩ ብምባል ኣይቅበልዎን እዮም ነይሮም። ካብቲ ቤተ መቕደስ እተዓደገ መስዋእቲ ግና ብዘይ ጥርጥር ተቐባልነት ነበሮ። ስለዚ እቶም ነጋዶ ነቶም ህዝቢ፡ ‘ካባና ሓሊፎም ናብ ዝኸድዎ የብሎምን’ ብምባል ኣዝዩ ብዙሕ ዋጋ የኽፍልዎም ነበሩ።b እዚ ኸኣ ካብቲ ብስስዐ ብዙሕ ትርፊ ዚርከቦ ንግዲ ዝኸፍአ እዩ ነይሩ። ዳርጋ ስርቂ እዩ ነይሩ።
4 የሱስ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዘይፍትሓዊ ተግባር ኪጻወሮ ኣይከኣለን። ከመይሲ፡ እዚ ቦታ እዚ ቤት ኣቦኡ እዩ! ካብ ገመድ መግረፊ ሰሪሑ ነቲ መጓሰ ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣውጽኦ። ቀጺሉ ናብቶም ኣሽረፍቲ ኸይዱ ንሰደቓኦም ገልበጦ። ኵሉ እቲ ሰልዲ ኣብቲ ብእምነ በረድ እተሰርሐ ባይታ ፋሕ ኪብል ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! ነቶም ሸየጥቲ ረገቢት ከኣ “ነዚ ኻብዚ ኣልግስዎ!” ብምባል ኣትሪሩ ኣዘዞም። (ዮሃንስ 2:15, 16) ነዚ ተባዕ ሰብኣይ እዚ ደፊሩ እተቓወሞ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን።
“ነዚ ኻብዚ ኣልግስዎ!”
ልክዕ ከም ኣቦኡ
5-7. (ሀ) እቲ የሱስ ሰብ ኰይኑ ኸይተፈጥረ ኸሎ ዝነበሮ ህልውና፡ ነቲ ብዛዕባ ፍትሒ ዝነበሮ ባህርይ ዝጸለዎ ብኸመይ እዩ፧ ነቲ ዝገደፎ ኣብነት ብምጽናዕከ እንታይ ኢና ኽንምሃር እንኽእል፧ (ለ) የሱስ ምስቲ ሰይጣን ዘበገሶ ዘይፍትሓዊ ነገራት ንምቅላስ እንታይ እዩ ገይሩ፧ ኣብ መጻኢኸ ብኸመይ እዩ ኸምኡ ዚገብር፧
5 ይኹን እምበር፡ እቶም ነጋዶ ተመሊሶም እዮም። የሱስ ከኣ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ነዚ ዘይፍትሓዊ ተግባር እዚ እንደገና ተቓዊምዎ እዩ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ግና ነቲ ኣቦኡ፡ ‘ንቤተይ በዓቲ ጐሓሉት ጌርኩምዋ’ ብምባል ንምዅናን እተጠቕመሉ ቓላት እዩ ተጠቒሙ። (ኤርምያስ 7:11፣ ማቴዎስ 21:13) እወ፡ ሰባት ኪምዝመዙ፡ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ከኣ ክትረክስ ከላ ምስ ረኣየ፡ ከምቲ ኣቦኡ እተሰምዖ እዩ ተሰሚዕዎ። እዚ ድማ ዜገርም ኣይኰነን። የሱስ ንሚልዮናት ዓመታት ዚኣክል ካብ ሰማያዊ ኣቦኡ ስለ እተማህረ፡ ብዛዕባ ፍትሒ ኸምቲ ናይ ኣቦኡ ዓይነት ስምዒት እዩ ዘለዎ። ባህርዩ ልክዕ ከም ኣቦኡ እዩ። ስለዚ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዘለዎ ናይ ፍትሒ ባህርይ ንጹር ምርዳእ ኪህልወና ንደሊ እንተ ደኣ ዄንና፡ ነቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ካብ ምምርማር ንላዕሊ ኺሕግዘና ዚኽእል ካልእ የልቦን።—ዮሃንስ 14:9, 10።
6 ሰይጣን ንየሆዋ ሓሳዊ ኢሉ ኺጥቅኖ ኸሎን ነቲ ጽድቃዊ ኣገዛዝኣኡ ኸኣ ኣብ ሕቶ ኼውድቖ ኸሎን እቲ ሓደ ወዱ ዝዀነ የሱስ ይዕዘብ ነበረ። እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ጸለመ ዀን እዩ! ብዘይዚ እውን ንየሆዋ ብዘይ ስስዐ ኻብ ፍቕሪ ተላዒሉ ኸገልግሎ ዚኽእል ዋላ ሓደ ሰብ የልቦን ኢሉ ኪኸስሶ ኸሎ የሱስ ሰሚዕዎ እዩ። እዚ ጻድቕ ወዲ ኣምላኽ እዚ፡ ነዚ ኽስታት እዚ ኺሰምዕ ከሎ ልቡ ይጕሂ ነበረ። ስለዚ ነዚ ናይ ሓሶት ክስታት እዚ ኼደቅስ ዓብዪ ግደ ኺህልዎ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ኣየ ኽንደይ ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ! (2 ቈረንቶስ 1:20) ነዚ ግና ብኸመይ እዩ ኺፍጽሞ፧
7 ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 14 ዝረኣናዮ፡ የሱስ ክርስቶስ ነቲ ሰይጣን ብዛዕባ ንጽህና ፍጡራት የሆዋ ዘልዓሎ ኽሲ ብዘየዳግም መገዲ መሊስሉ እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እቲ የሆዋ ዚብል ቕዱስ ስም ኣምላኽ ካብ ኵሉ ጸለመ ናጻ ዚዀነሉ፡ እንተላይ እቲ ፍጹም ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ጕድለት ከም ዘለዎ ጌርካ ዝቐረበ ኽሲ ሓሶት ምዃኑ ዚረጋገጸሉ መሰረት ኣንበረ። ከም ወኪል የሆዋ መጠን ከኣ ኣብ ምሉእ ዩኒቨርስ መለኮታዊት ፍትሒ ኸም እትሰፍን ኪገብር እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:31) ኣብ ምድሪ መጺኡ ኸሎ እውን ብኣነባብራኡ መለኮታዊት ፍትሒ እዩ ዜንጸባርቕ ነይሩ። የሆዋ ብዛዕባኡ፡ “መንፈሰይ ኣብኡ ኸሕድር እየ፣ ንሱ ድማ ንኣህዛብ ፍትሒ ኼነጽረሎም እዩ” በለ። (ማቴዎስ 12:18) የሱስ ነዘን ቃላት እዚአን ብኸመይ እዩ ፈጺምወን፧
የሱስ ‘ፍትሒ ኣነጸረ’
8-10. (ሀ) እቲ ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ሃይማኖት ዘውጽእዎ ብቓል ዚመሓላለፍ ስርዓት ንኣህዛብን ንደቂ ኣንስትዮን ከም ዚንዓቑ ዚገብር ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እቲ ብቓል ዚመሓላለፍ ሕጊ ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ ሕጊ ሰንበት ጾር ከም ዚኸውን ዝገበሮ ብኸመይ እዩ፧
8 የሱስ ሕጊ ኣምላኽ የፍቅር፡ ኣብ ናብራ ህይወቱ ኸኣ ብእኡ ይመላለስ ነበረ። እቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ግና ነቲ ሕጊ ኸም ድላዮም ይጠዋውይዎን ዘይትርጉሙ ይህብዎን ነበሩ። የሱስ፡ “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ . . . ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ዝኸበደ ነገር፡ ማለት ፍትሕን ምሕረትን ተኣማንነትን . . . ሸለል ትብሉ ኣለኹም እሞ፡ ወይለኹም” በሎም። (ማቴዎስ 23:23) ብዘይ ጥርጥር እምበኣር እቶም መምህራን ሕጊ ኣምላኽ፡ ‘ፍትሒ ኣየነጸሩን።’ መሕልፎ እኳ ደኣ ንመለኮታዊት ፍትሒ ይደፍንዋ ነበሩ። ብኸመይ፧ ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።
9 የሆዋ ንህዝቡ ኻብቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣረማውያን ኣህዛብ ኪፍለዩ መምርሒ ሂብዎም ነበረ። (1 ነገስት 11:1, 2) ክንየው እቲ መምርሒ ዝኸዱ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ግና ነቶም ህዝቢ፡ ኣይሁዳውያን ንዘይኰኑ ዅሎም ሰባት ብንዕቀት ኪርእይዎም እዮም ዜተባብዕዎም ነይሮም። ሚሽናህ ሕሉፍ ሓሊፉ እኳ፡ “ኣህዛብ ምስ እንስሳ ጾታዊ ርክብ ከም ዚፍጽሙ ስለ ዚጥርጠሩ፡ ከብቲ ኣብ ደምበ መዕረፍ ኣጋይሽ ኣህዛብ ኪሓድራ የብለንን” ዚብል ሕጊ ኣውጺኡ እዩ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣንጻር ኵሎም ኣይሁዳውያን ዘይኰኑ ሰባት ዚርአ ኸይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህርይ ምስ መንፈስ ሕጊ ሙሴ ፈጺሙ ዚጻረር እዩ። (ዘሌዋውያን 19:34) ሰብ ዝሰርዖ ኻልእ ሕግታት ከኣ ንደቂ ኣንስትዮ ዜናእስ እዩ ነይሩ። እቲ ብቓል ዚመሓላለፍ ሕጊ፡ ሰበይቲ ማዕረ ማዕረ ሰብኣያ ዘይኰነስ ደድሕሪ ሰብኣያ ኽትከይድ ኣለዋ እዩ ዚብል። ሰብኣይ ኣብ ኣደባባይ ምስ ሰበይቲ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱ እውን ከይተረፈ፡ ኪዛረብ ኣይፍቀደሉን እዩ ነይሩ። ደቂ ኣንስትዮ ልክዕ ከም ባሮት ምስክርነት ኪህባ ኣይፍቀደለንን እዩ ነይሩ። አረ ሕሉፍ ሓሊፎምሲ ደቂ ተባዕትዮ ‘እንቋዕ ደቂ ኣንስትዮ ኣይኰንና’ ኢሎም ንኣምላኽ ዜመስግኑሉ ወግዓዊ ጸሎት ነይሩ እዩ።
10 እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንሕጊ ኣምላኽ ብናይ ሰብ ስርዓታትን ሕግታትን እዮም ቀቢሮምዎ ነይሮም። ንኣብነት፡ ሕጊ ሰንበት ኣብ መዓልቲ ሰንበት ስራሕ ከይስራሕ ይኽልክል ነበረ። እታ መዓልቲ እቲኣ ንኣምልኾ፡ ማለት ንመንፈሳዊ ዕረፍቲ እተመደበት እያ ነይራ። ፈሪሳውያን ግና ነቲ ሕጊ ጾር ከም ዚኸውን ገበርዎ። ብግዜ ሰንበት ዘይግበር ስራሕ ኣየናይ ምዃኑ ናይ ምውሳን ስልጣን ከም ዚህልዎም ገበሩ። ከም እኒ ዓጺድን ሃድንን ዝኣመሰለ 39 ዓይነት ዕዮ ብምትንታን ስራሕ እዩ ኢሎም ወሰንዎ። ከምኡ ብምግባሮም ከኣ እተፈላለየ ሕቶታት ኣልዓለ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ብመዓልቲ ሰንበት ቍንጪ እንተ ደኣ ቐቲሉ ኸም ዝሃደነ ድዩ ዚቝጸር፧ ኣብ መገዲ እናኸደ ኸሎ ሰዊት ምሕዩ ምስ ዚበልዕ፡ ከም ዝዓጸደ ድዩ ዚሕሰብ፧ ንዝሓመመ ሰብ ምስ ዚፍውስ ይሰርሕ ኣሎ ድዩ ኺብሃል፧ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት፡ ጽኑዕን ዝርዝር ዝበዝሖን መልሲ እዩ ዚውሃቦ ነይሩ።
11, 12. የሱስ እቶም ፈሪሳውያን ንዝገበርዎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ስርዓታት ብኸመይ እዩ ተቓዊምዎ፧
11 ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት የሱስ ነቶም ህዝቢ ፍትሒ እንታይ ምዃና ምእንቲ ኺርድኡ ብኸመይ እዩ ዚሕግዞም ነይሩ፧ ብኣመሃህራኡን ብኣነባብራኡን ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት ብትብዓት ተቓዊምዎም እዩ። ፈለማ ንገለ ኻብ ትምህርትታቱ እሞ ንርአ። ነቲ ባዕላቶም ዝሰርዕዎ ብዙሕ ስርዓታት ብግልጺ፡ “በቲ እተመሓላልፍዎ ስርዓት ንቓል ኣምላኽ ከንቱ ትገብርዎ” ብምባል ኰነኖ።—ማርቆስ 7:13።
12 የሱስ እቶም ፈሪሳውያን ብዛዕባ ሕጊ ሰንበት ዚህብዎ ዝነበሩ ሓሳባት ግጉይ ምንባሩ፡ ንመንፈስ ናይቲ ሕጊ እውን ምሉእ ብምሉእ ስሒቶምዎ ኸም ዝነበሩ ኣትሪሩ ተዛረቦም። መሲሕ፡ “ጐይታ ሰንበት” ስለ ዝዀነ፡ ንሰባት ብመዓልቲ ሰንበት ኬሕውዮም ምሉእ መሰል ከም ዘለዎ ገለጸ። (ማቴዎስ 12:8) ነዚ ንምጕላሕ ኢሉ እኳ ብመዓልቲ ሰንበት ኣግሂዱ ንሰባት ብተኣምራት ይፍውስ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 6:7-10) እዚ ተኣምራዊ ምፍዋስ እዚ መርኣያ ናይቲ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ኣብ ምልእቲ ምድሪ ብሰፊሑ ዚፍጽሞ ተኣምራት እዩ። ኵሎም እሙናት ደቂ ሰብ ኣብ መወዳእታ ኻብቲ ንዘመናት ዚኣክል ተሰኪሞምዎ ዝነበሩ ናይ ሓጢኣትን ሞትን ጾር ዕረፍቲ ስለ ዚረኽቡ፡ እታ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ካብ ኵሉ ዝዓበየት ሰንበት ክትብሃል ትኽእል እያ።
13. ክርስቶስ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ብምፍጻሙ ኸመይ ዝበለ ሕጊ ተሰርዐ፧ ካብቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ሕጊ እተፈልየ ዚኸውንከ ብኸመይ እዩ፧
13 የሱስ ኣብቲ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ምስ ወድአ እተሰርዐ “ሕጊ ክርስቶስ” እተባህለ ሕጊ እውን፡ ፍትሒ ኣነጺሩ ኣሎ። (ገላትያ 6:2) እዚ ሓድሽ ሕጊ እዚ ብዓብይኡ ኣብ መሰረታዊ ስርዓታት ደኣ እምበር፡ ከምቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ሕጊ ሙሴ፡ ኣብ ጽሑፍ ኣብ ዝሰፈረ ትእዛዛት ዘተኰረ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ገለ ቐጥታዊ ትእዛዛት እውን ዝሓቘፈ እዩ። የሱስ ንሓደ ኻብዚ ትእዛዛት እዚ “ሓድሽ ትእዛዝ” ኢልዎ ኣሎ። የሱስ ንዅሎም ሰዓብቱ ኸምቲ ንሱ ዘፍቀሮም ገይሮም ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ ምሂርዎም እዩ። (ዮሃንስ 13:34, 35) እወ፡ ኵሎም እቶም ብ“ሕጊ ክርስቶስ” ዚምርሑ ሰባት መለለዪቶም እታ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ እያ።
ናይ ፍትሒ ህያው ኣብነት
14, 15. የሱስ ስልጣኑ ድሩት ምዃኑ ይግንዘብ ከም ዝነበረ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧ እዚኸ እምንቶ ዜሕድረልና ስለምንታይ እዩ፧
14 የሱስ ብዛዕባ ፍቕሪ ይምህር ጥራይ ኣይኰነን ነይሩ። ብ“ሕጊ ክርስቶስ” እዩ ዚመላለስ ነይሩ። ኣብ ናብራ ህይወቱ ምሉእ ብምሉእ እዩ ዜንጸባርቖ ነይሩ። የሱስ በቲ ዝገደፎ ኣብነት ኣቢሉ፡ ንፍትሒ ዘነጸረሉ ሰለስተ መገድታት ንርአ።
15 ቀዳማይ፡ የሱስ ዘይፍትሓዊ ተግባር ምእንቲ ኸይፍጽም ኣዝዩ እዩ ዚጥንቀቕ ነይሩ። ዘይፍጹማት ሰባት እናተዓበዩ ብምኻድ ካብ ደረት ስልጣኖም ኪሓልፉ ኸለዉ ብዙሕ ዘይፍትሓዊ ተግባር ከም ዚፍጸም ኣስተብሂልካ ትኸውን ኢኻ። የሱስ ግና ከምኡ ኣይገብርን እዩ ነይሩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሓደ ሰብኣይ ናብ የሱስ ቀሪቡ፡ “መምህር፡ ንሓወይ ርስቲ ኺመቕለኒ ንገረለይ” ኢሉ ተወከሶ። የሱስከ እንታይ ኢሉ መለሰሉ፧ “ኣታ ሰብኣይ፡ ኣብ መንጎኹም ፈራዲ ወይስ ዳኛ ገይሩ መን ሸይሙኒ፧” በሎ። (ሉቃስ 12:13, 14) እዝስ ዜገርም መልሲ ደይኰነን፧ ፍልጠቱ፡ ምስትውዓሉ፡ ደረጃ እቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ስልጣን እውን ከይተረፈ ኻብ ዝዀነ ይኹን ኣብ ምድሪ ዘሎ ሰብ ሓለፍ ዝበለ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብዚ ፍሉይ ጕዳይ እዚ ግና ስልጣን ስለ ዘይተዋህቦ፡ ኢዱ ኼእቱ ፍቓደኛ ኣይነበረን። የሱስ ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ኣብ ዝነበረ ኣሽሓት ዓመታት እውን ከይተረፈ ወትሩ ቦታኡን ዓቕሙን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ይሁዳ 9) ቅኑዕ እንታይ ምዃኑ ንምውሳን ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ምውካሉ ጥራይ እኳ፡ የሱስ ኣዝዩ ተፈታዊ ባህርያት ከም ዘለዎ ዚገልጽ እዩ።
16, 17. (ሀ) የሱስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪነግር ከሎ ፍትሒ ዘንጸባረቐ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ፍትሒ የሱስ ምሕረት ዝመልኣ ኸም ዝነበረት ብኸመይ እዩ ተራእዩ፧
16 ካልኣይ፡ የሱስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኽ ከሎ እውን ፍትሒ ኣንጸባሪቑ እዩ። ንዅሎም ሰባት፡ ሃብታማት ይኹኑ ድኻታት ብዘይ ኣድልዎ ንምንጋር ጻዕሪ ይገብር ነበረ። እቶም ፈሪሳውያን ግና ነቶም ድኻታትን ተራን ሰባት ዓም ሃኣረጽ ወይ “ህዝቢ እዛ ምድሪ” ኢሎም ብንዕቀት እዮም ዚጽውዕዎም ነይሮም። የሱስ ነዚ ዘይፍትሓዊ ተግባር እዚ ብትብዓት ተቓዊምዎ እዩ። ንሰባት ብዛዕባ ብስራት ኪምህሮም ከሎ፡ ወይ ከኣ ምእንቲ ኺምህሮም ኢሉ ምሳታቶም ሓቢሩ ኺበልዕ ከሎ፡ ከምኡ እውን ኪምግቦም፡ ኬሕውዮም፡ ወይ ከኣ ካብ ሞት ኬተንስኦም ከሎ እውን ከይተረፈ ንፍትሒ እቲ “ዅሉ ዓይነት ሰብ” ብስራት ኪበጽሖ ዚደሊ ኣምላኽ እዩ ዜኽብር ነይሩ።c—1 ጢሞቴዎስ 2:4።
17 ሳልሳይ፡ ፍትሒ የሱስ ምሕረት ዝመልኣ እያ ነይራ። ንሓጥኣን ንምሕጋዝ ብዙሕ ጻዕሪ እዩ ዚገብር ነይሩ። (ማቴዎስ 9:11-13) ነቶም መዕቈቢ ዘይብሎም ሰባት ንምሕጋዝ ድሉው እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ የሱስ ምስቶም መራሕቲ ሃይማኖት ብምትሕብባር ንዅሎም ኣህዛብ ምጥርጣር ዚብል ሓሳብ ኣይነበሮን። ብቐዳምነት ናብ ኣይሁድ እኳ እንተ ተላእከ ንገለ ኻብዚኣቶም ብምሕረት ተላዒሉ ይሕግዞምን ይምህሮምን ነበረ። እቲ ሮማዊ ሓለቓ ሚእቲ ብተኣምራዊ መገዲ ወዱ ኼሕውየሉ ምስ ሓተቶ፡ ፍቓደኛ ብምዃን “ከምዚኣ ዝበለት ዓባይ እምነት ዘላቶስ፡ ሓደ እኳ ኣብ እስራኤል ኣይረኸብኩን” በለ።—ማቴዎስ 8:5-13።
18, 19. (ሀ) የሱስ ንደቂ ኣንስትዮ ምኽባር ዜተባብዕ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሱስ በቲ ዝገደፎ ኣብነት ኣብ መንጎ ትብዓትን ኣብ መንጎ ፍትሕን ዘሎ ምትሕሓዝ ዘርኣየና ብኸመይ እዩ፧
18 የሱስ ነቲ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ዝነበረ ልሙድ ኣመለኻኽታ እውን ኣይደገፎን። ኣብ ክንዳኡስ ብትብዓት ፍትሓዊ ተግባር እዩ ዚገብር ነይሩ። ሳምራውያን ደቂ ኣንስትዮ ልክዕ ከም ኣህዛብ ዘይንጹሃት እየን ዚቝጸራ ነይረን። የሱስ ግና ነታ ኻብ ዒላ ሲካር ማይ እትቐድሕ ዝነበረ ሰበይቲ ኻብ ምስባኽ ድሕር ኣይበለን። እቲ እተተስፈወ መሲሕ ምዃኑ ብግህዶ ንመጀመርታ ግዜ ዝገለጸላ እኳ ነዛ ሰበይቲ እዚኣ እዩ። (ዮሃንስ 4:6, 25, 26) እቶም ፈሪሳውያን፡ ደቂ ኣንስትዮ ሕጊ ኣምላኽ ኪምሃራ የብለንን ዚብሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ የሱስ ግና ንኣንስቲ ንምምሃር ኢሉ ብዙሕ ግዜን ሓይልን የጥፍእ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 10:38-42) ኣንስቲ ርጡብ ምስክርነት ንምሃብ ትውክልቲ ዘይግበረለን እኳ እንተ ነበራ፡ የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ቕድሚ ደቂ ተባዕትዮ ንኺርእያኦ መሰል ብምሃብ ንገለ ኻብ ደቂ ኣንስትዮ ኣኽቢርወን እዩ። አረ፡ ነዚ ዜደንቕ ብስራት እዚ ናብቶም ደቂ ተባዕትዮ ሰዓብቱ ኸይደን ኬበስራኦም እውን ነጊርወን እዩ።—ማቴዎስ 28:1-10።
19 እወ፡ የሱስ መብዛሕትኡ ግዜ ንርእሱ ኣብ ሓደጋ ብምውዳቕ ፍትሒ እንታይ ማለት ምዃና ነቶም ህዝቢ የነጽረሎም ነበረ። እቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ናይ ሓቂ ፍትሒ ንኺህልወካ ትብዓት ከም ዚሓትት ንኽንግንዘብ ሓጊዙና እዩ። “ካብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ” ኺብሃል ከኣ ዚግብኦ እዩ። (ራእይ 5:5) ኣንበሳ ነታ ትብዓት እትሓትት ፍትሒ ኸም ዜመልክት ንዘክር። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ቐረባ ግዜ የሱስ ዝዓበየት ፍትሒ እውን ኬምጽእ እዩ። ምሉእ ብምሉእ “ፍትሒ ኣብ ምድሪ” ኺምስርት እዩ።—ኢሳይያስ 42:4።
እቲ መሲሓዊ ንጉስ ‘ፍትሒ ኣብ ምድሪ ይምስርት’
20, 21. ኣብዚ ግዜና፡ እቲ መሲሓዊ ንጉስ ኣብ ምልእቲ ምድርን ኣብ ውሽጢ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤን ፍትሒ ዚምስርት ዘሎ ብኸመይ እዩ፧
20 የሱስ ካብቲ ብ1914 መሲሓዊ ንጉስ ዝዀነሉ ግዜ ኣትሒዙ ኣብ ምድሪ ፍትሒ ኸም ዚሰፍን ይገብር ኣሎ። ብኸመይ፧ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 24:14 እተነበዮ ትንቢቱ ኸም ዚፍጸም ብምግባር እዩ። ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰዓብቲ የሱስ ነቲ ብዛዕባ መንግስቲ የሆዋ ዚገልጽ ሓቂ ንዅሎም ሰባት ይምህርዎም ኣለዉ። ልክዕ ከም የሱስ ንኣሽቱ ይኹኑ ዓበይቲ፡ ሃብታማት ይኹኑ ድኻታት፡ ደቂ ተባዕትዮ ይኹኑ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ኣምላኽ ፍትሒ ዝዀነ የሆዋ ንኺፈልጥዎ ኣጋጣሚ ብምሃብ ንዅሉ ሰብ ብዘይ ኣድልዎ ይነግሩ ኣለዉ።
21 የሱስ ኣብታ ርእሲ ዀይኑ እተሸመላ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ፍትሒ ኸም ዚሰፍን ይገብር ኣሎ። ከምቲ ብትንቢት እተነግረ ኣብታ ጉባኤ ምእንቲ ኺመርሑ ኢሉ “ውህበት ሰባት” ዝዀኑ እሙናት ክርስትያን ሽማግለታት ሰርዐ። (ኤፌሶን 4:8-12) እዞም ሰባት እዚኦም ነቲ ኽቡር መጓሰ ኣምላኽ ኣብ ዚጓስዩሉ ግዜ ኣብነት የሱስ ብምስዓብ ፍትሒ የንጸባርቑ እዮም። የሱስ ኣባጊዑ—ቦታአን፡ ተፈላጥነተን፡ ወይ ቍጠባዊ ዅነታተን ብዘየገድስ—ብፍትሓዊ መገዲ ኺእለያ ኸም ዚደሊ ወትሩ ይዝክሩ እዮም።
22. የሆዋ ብዛዕባ እዚ ሎሚ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ዘይፍትሓዊ ተግባር ከመይ እዩ ዚስምዖ፧ ንወዱኸ ብዛዕባ እዚ እንታይ ኪገብር እዩ ሓላፍነት ሂብዎ ዘሎ፧
22 ይኹን እምበር፡ የሱስ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ቕድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ኣብ ምድሪ ፍትሒ ኺምስርት እዩ። ኣብዛ ብልሽውና ዝመልኣ ዓለም ዘይፍትሓዊ ተግባር ኣስፋሕፊሑ ኣሎ። ቈልዑ ብጥሜት እናሞቱ ኸለዉ ናይ ውግእ ኣጽዋር ንምስራሕን ንድሌት እቶም ተድላ ዚፈትዉ ስሱዓት ሰባት ንምዕጋብን ብዙሕ ገንዘብን ግዜን ምጥፋእ ግሁድ ዘይፍትሓዊ ተግባር እዩ። ኣብ ዓዓመት ብሚልዮናት ዚቝጸር ህይወት ሰብ ብኸንቱ ምጥፍኡ፡ ካብቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ሓደ ኣብነት ጥራይ እዩ። እዚ ዅሉ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ከኣ ነቲ ጽድቃዊ ቝጥዓ የሆዋ ዜለዓዕል እዩ። ምስዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ብምሉኡ ብምውጋእ ንዅሉ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ንሓዋሩ ምእንቲ ኼጥፍኦ ኢሉ ንወዱ ሸይምዎ እዩ።—ራእይ 16:14, 16፣ 19:11-15።
23. ክርስቶስ ድሕሪ ኣርማጌዶን ንዘለኣለም ፍትሒ ኸም ዚሰፍን ዚገብር ብኸመይ እዩ፧
23 ይኹን እምበር፡ ፍትሒ የሆዋ ንእኩያት ካብ ምጥፋእ ንላዕሊ እተጠቓልል እያ። ንወዱ “መስፍን ሰላም” ገይሩ እውን ሸይምዎ ኣሎ። ድሕሪ ውግእ ኣርማጌዶን፡ የሱስ ኣብ ምድሪ ሰላም ኬስፍን እዩ፡ “ብፍትሒ” ድማ ኪገዝእ እዩ። (ኢሳይያስ 9:6, 7) የሱስ ነዚ ኣብ ዓለም ብዙሕ ስቓይን መከራን ዘምጽአ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኬዐርዮ እዩ። ነታ ፍጽምቲ ፍትሒ የሆዋ ንዘለኣለም ኬኽብራ እዩ። ስለዚ ሕጂ ንፍትሒ የሆዋ ኽንቀድሓ ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ብኸመይ ክንገብሮ ኸም እንኽእል ንርአ።
a የሱስ ናይ ጽድቂ ቝጥዓ ብምርኣይ ዝመጸ ኸምቲ ብሰሪ ዅሉ እከይ “ነድሩ ንምግላጽ ድሉው” ዝዀነ የሆዋ እዩ። (ናሆም 1:2) ንኣብነት፡ ነቶም ፋሉል ከይዶም ዝነበሩ ህዝቡ ንቤቱ “በዓቲ ጐሓሉት” ከም ዝገበርዋ ምስ ነገሮም “ቍጥዓይን ነድረይን ኣብዛ ቦታ እዚኣ፡ . . . ኪክዖ እዩ” በለ።—ኤርምያስ 7:11, 20።
b ሚሽናህ ከም ዝበሎ፡ ድሕሪ ገለ ዓመታት ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ንረገቢት ዚኽፈል ብዙሕ ገንዘብ ተቓውሞ ተላዒሉ እዩ። ሽዑ እቲ ዋጋ ብ99 ሚእታዊት ቀነሰ። ካብዚ ስስዐ ዝመልኦ ንግዲ እዚ መን እዩ ዚጥቀም ነይሩ፧ ገሊኦም ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ ንዕዳጋ እቲ ቤተ መቕደስ እትውንኖ ስድራ ቤት ሃና እቲ ሊቀ ኻህናት ከም ዝነበረት እሞ መብዛሕትኡ ሃብቲ እታ ስድራ ቤት እተደለበ በዚ መኽሰብ እዚ ምዃኑ እዮም ዚገልጹ።—ዮሃንስ 18:13።