ምዕራፍ 9
“ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ”
ተራእየ ዕዮ ስብከት ንዘይተገዝሩ ኣህዛብ ተኸፍተሎም
ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 10:1–11:30 እተመስረተ
1-3. ጴጥሮስ እንታይ ራእይ እዩ ርእዩ፧ ትርጉም እቲ ራእይ ኽንርድኦ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧
እዋኑ ቐውዒ 36 ድ.ክ. እዩ ነይሩ። ጴጥሮስ ኣብ ወደባዊት ከተማ ዮጴ፡ ጥቓ ባሕሪ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ቤት ነበረ፣ ናብ ናሕሲ እታ ቤት ደዪቡ ድማ ብጸሓይ እናሞቐ ኺጽሊ ጀመረ። ኣብታ ቤት ጋሻ ዀይኑ ኻብ ዚቕመጥ እተወሰነ መዓልትታት ኣሕሊፉ ነበረ። ኣብኣ ኺጸንሕ ፍቓደኛ ምዃኑ፡ ብእተወሰነ መጠን ኣቐዲሙ ዘይፈርድ ምዃኑ ዜርኢ እዩ ነይሩ። እቲ ዋና እታ ቤት፡ ስምኦን ዚብሃል ኣልፋዓይ እዩ ነይሩ፣ ኣብ ቤት ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ዚኣቱ ድማ ኵሉ ኣይሁዳዊ ኣይኰነን።a እንተዀነ ግና፡ ጴጥሮስ፡ ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኺምሃር የድልዮ ነበረ።
2 ጴጥሮስ ኪጽሊ ኸሎ፡ ተመሰጠ። እቲ ብራእይ ዝረኣዮ ነገር ንዝዀነ ይኹን ኣይሁዳዊ ዚርብሽ እዩ ነይሩ። ብሕጊ ሙሴ ርኹሳት ዝዀኑ እንስሳታት ዝሓዘ ኸም ክዳን ዝበለ ኣቕሓ፡ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ረኣየ። ሓሪዱ ኺበልዕ ምስ ተነገሮ፡ “ርኹስን ዘይንጹህን ዘበለ ኸቶ በሊዐ ስለ ዘይፈልጥ፡ ኣይከውንን እዩ” ኢሉ መለሰ። ሰለስተ ሳዕ ከኣ፡ “ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ፡ ደጊም ንስኻ ርኹስ ኣይትበሎ” ተባሂሉ ተነግሮ። (ግብ. 10:14-16) ጴጥሮስ በቲ ዝረኣዮ ራእይ ተገረመ፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ግና ትርጉሙ ነጸረሉ።
3 እቲ ጴጥሮስ ዝረኣዮ ራእይ እንታይ ትርጉም እዩ ነይርዎ፧ እቲ ራእይ እቲ፡ የሆዋ ንሰባት ብኸመይ ከም ዚርእዮም ዓሚቝ ሓቂ ዝሓዘ ስለ ዝዀነ፡ ትርጉሙ ንዓና ኣገዳስነት ኣለዎ። ንሰባት ከምቲ ኣምላኽ ዚርእዮም ጌርና እንተ ዘይርኢናዮም፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕና ኽንምስክር ኣይንኽእልን ኢና። ትርጉም እቲ ጴጥሮስ ዝረኣዮ ራእይ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ ነቲ ምስኡ እተተሓሓዘ ዜደንቕ ፍጻመታት እስከ ንመርምር።
“ኵሉ ሳዕ . . . ናብ ኣምላኽ ዚምህለል” (ግብሪ ሃዋርያት 10:1-8)
4, 5. ቆርኔሌዎስ እንታዋይ እዩ ነይሩ፧ ኪጽሊ ኸሎኸ እንታይ ኣጋጠሞ፧
4 ድሮ እታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣብታ ናብ ሰሜን 50 ኪሎ ሜተር ኣቢላ ርሒቓ እትርከብ ቂሳርያ፡ ቆርኔሌዎስ ዚብሃል ሰብኣይ መለኮታዊ ራእይ ከም ዝረኣየ፡ ጴጥሮስ ኣይፈለጠን ነይሩ። ቆርኔሌዎስ ኣብ ሰራዊት ሮሜ ዜገልግል ሓለቓ ሚእቲ ዀይኑ፡ “ንኣምላኽ ተወፋይነት ዝነበሮ” እዩ ነይሩ።b “ምስ ኵሉ ቤተ ሰቡ ንኣምላኽ ዚፈርህ” ስለ ዝነበረ፡ ንስድራ ቤቱ ብጽቡቕ ዚኣሊ ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ቆርኔሌዎስ፡ ጵሮሴሊት ኣይነበረን፣ የግዳስ፡ ካብ ዘይተገዝሩ ኣህዛብ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ንሽጉራት ኣይሁድ ረድኤት ብምሃብ፡ ርሕራሐ የርኢ ነበረ። እዚ ቕኑዕ ሰብኣይ እዚ፡ “ኵሉ ሳዕ . . . ናብ ኣምላኽ ዚምህለል” እዩ ነይሩ።—ግብ. 10:2።
5 ሰዓት 3:00 ድ.ቀ. ኣቢሉ ቆርኔሌዎስ ኪጽሊ ኸሎ፡ ብራእይ ሓደ መልኣኽ ረኣየ፣ እቲ መልኣኽ ድማ፡ “ጸሎትካን ምጽዋትካን ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ንመዘከርታ ዓሪጉ እዩ” በሎ። (ግብ. 10:4) ድሕርዚ፡ ቆርኔሌዎስ ካብቲ መልኣኽ መምርሒ ተቐበለ፣ ከምቲ እተነግሮ ድማ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ዜምጽእዎ ሰባት ለኣኸ። ካብ ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ስለ ዝነበረ፡ ንዕኡ ዕጹው ዝነበረ ኣጋጣሚ ዚረሓወሉ ግዜ ኣኺሉ ነበረ። መልእኽቲ ድሕነት ዚቕበለሉ ግዜ ቐሪቡ ነበረ።
6, 7. (ሀ) ኣምላኽ ነቶም ብዛዕባኡ ሓቂ ኺፈልጡ ደልዮም ናብኡ ዚጽልዩ ሰባት ከም ዚምልሰሎም ዜርኢ ተመክሮ ኣዘንቱ። (ለ) ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮታት እንታይ ክንድምድም ንኽእል፧
6 ሎሚኸ ኣምላኽ ነቶም ብዛዕባኡ ሓቂ ኺፈልጡ ደልዮም ናብኡ ዚጽልዩ ሰባት ይምልሰሎም ድዩ፧ ሓደ ተመክሮ እስከ ንርአ። ሓንቲ ኣብ ኣልባንያ እትነብር ሰበይቲ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቘልዑ እትገልጽ ሓንቲ ቕዳሕ ግምቢ ዘብዐኛ ተዋህባ።c ነታ ዘበርከተትላ ናይ የሆዋ ምስክር ከኣ፡ “ኣብ ኣተዓባብያ ደቀይ፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺሕግዘኒ ኽጽሊ እኮ እየ ጸኒሐ። ንዓኺ ኸኣ ልኢኹኪ! ነታ እተድልየኒ ሓበሬታ ኢኺ ሂብክኒ!” በለታ። እታ ሰበይትን ደቃን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመራ፡ ሰብኣያ ድማ ጸኒሑ ኣብቲ መጽናዕቲ ሓበረን።
7 እዚ ሳሕቲ ዜጋጥም ኣብነት ድዩ፧ ኣይኰነን! ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮ ኣብ ብዘላ ዓለም ብተደጋጋሚ ስለ ዜጋጥም፡ ናይ ኣጋጣሚ ጕዳይ ጥራይ ጌርና ኽንርእዮ ኣይንኽእልን ኢና። ካብዚ ደኣ እሞ እንታይ ኢና ኽንድምድም እንኽእል፧ ቀዳማይ፡ የሆዋ ነቲ ንዕኡ ዚደልይዎ ቕኑዕ ዝልቦም ውልቀ ሰባት ዜቕርብዎ ጸሎት ይምልስ እዩ። (1 ነገ. 8:41-43፣ መዝ. 65:2) ካልኣይ፡ መላእኽቲ ኣብ ዕዮ ስብከትና ይድግፉና እዮም።—ራእ. 14:6, 7።
“ጴጥሮስ . . . ደንጽይዎ ኸሎ” (ግብሪ ሃዋርያት 10:9-23ሀ)
8, 9. መንፈስ ቅዱስ ንጴጥሮስ እንታይ እዩ ዝሓበሮ፧ ጴጥሮስከ እንታይ ገበረ፧
8 “ጴጥሮስ፡ እቲ ዝረኣዮ ራእይ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ደንጽይዎ ኸሎ፡” እቶም ካብ ቆርኔሌዎስ እተላእኩ ሰባት ናብታ ቤት ቀረቡ። (ግብ. 10:17) እቲ ብመሰረት ሕጊ ሙሴ ርኹሳት እንስሳታት ከይበልዕ ሰለስተ ሳዕ ዝኣበየ ጴጥሮስ፡ ምስዞም ሰባት እዚኦም ኪኸይድን ናብ ቤት ኣህዛብ ኪኣቱን ፍቓደኛ ዀይኑዶ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ፡ መንፈስ ቅዱስ ገለጸሉ። ንጴጥሮስ፡ “እንሆ፡ ሰለስተ ሰብኡት ይደልዩኻ ኣለዉ። ኣነ ስለ ዝለኣኽክዎም፡ ተንስእ እሞ ወሪድካ ኸይተጠራጠርካ ምሳታቶም ኪድ” በሎ። (ግብ. 10:19, 20) እቲ ጴጥሮስ ብዛዕባ ኸም ክዳን ዚመስል ኣቕሓ ዝረኣዮ ራእይ፡ ንመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ኪቕበል ከም ዘዳለዎ ኣየጠራጥርን እዩ።
9 ጴጥሮስ፡ ቆርኔሌዎስ ንዕኡ ልኢኹ ኼምጽኦ ኻብ ኣምላኽ መምርሒ ኸም እተዋህቦ ምስ ፈለጠ፡ ነቶም ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ልኡኻት ናብ ቤት ኣእትዩ “ኸም ኣጋይሹ ተቐበሎም።” (ግብ. 10:23ሀ) እቲ እዙዝ ሃዋርያ ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ሓድሽ ምዕባለታት ድሕሪ ምግንዛቡ፡ ድሮ ኣረኣእያኡ ኼዐሪ ጀመረ።
10. የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ እዩ ዚመርሖም፧ ንርእስናኸ እንታይ ሕቶታት ክንሓትት ኣሎና፧
10 ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ፡ የሆዋ ንህዝቡ ኺመርሖም ከሎ፡ በብቝሩብ እዩ ዕላማኡ ዚገልጸሎም። (ምሳ. 4:18) ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ነቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ይመርሖ ኣሎ። (ማቴ. 24:45) ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብቲ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ዘሎና ምርዳእ ዝነጸረ መብርሂ ይውሃበና እዩ፡ ወይ ከኣ ኣብ ገሊኡ ውድባዊ ኣሰራርሓ ለውጥታት ይግበር እዩ። እምበኣር፡ ‘ንኸምዚ ዝኣመሰለ ምትዕርራያት ብኸመይ እየ ዝቕበሎ፧ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብዚ መዳያት እዚ ዚህቦ መምርሒ ብተኣዛዝነት እቕበሎ ድየ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ኣሎና።
ጴጥሮስ፡ “ኪጥመቑ . . . ኣዘዘ” (ግብሪ ሃዋርያት 10:23ለ-48)
11, 12. ጴጥሮስ ኣብ ቂሳርያ ምስ በጽሐ እንታይ ገበረ፧ እንታይከ ተማህረ፧
11 ጴጥሮስ ራእይ ድሕሪ ምርኣዩ፡ ምስ ትሽዓተ ሰባት፡ ማለት ምስቶም ቆርኔሌዎስ ዝለኣኾም ሰለስተ ልኡኻትን ምስቶም ካብ ዮጴ ዝነቐሉ “ሽዱሽተ [ኣይሁዳውያን] ኣሕዋት”ን ናብ ቂሳርያ ኸደ። (ግብ. 11:12) ቆርኔሌዎስ ንጴጥሮስ ይጽበዮ ስለ ዝነበረ፡ ነቶም ካብ ኣህዛብ ኪዀኑ ዘለዎም “ኣዝማዱን ናይ ቀረባ ፈተውቱን” ኣኪቡ ጸንሖ። (ግብ. 10:24) ጴጥሮስ ኣብኡ ምስ በጽሐ፡ ቅድሚኡ ሓሲብዎ ዘይፈልጥ ነገር ገበረ፣ እወ፡ ናብ ቤት ሓደ ኻብ ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ዝዀነ ሰብኣይ ኣተወ። ጴጥሮስ፡ “ኣይሁዳዊ ምስ ካልእ ዝዓሌቱ ኺሕወስ ወይ ኪቐርብ ከም ዘይተፈቕደ፡ ንስኻትኩም ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም፣ ግናኸ፡ ንሓደ ሰብ እኳ ርኹስ ወይ ዘይንጹህ ከይብል፡ ኣምላኽ ኣርእዩኒ እዩ” በሎም። (ግብ. 10:28) እቲ ኣቐዲሙ ዝረኣዮ ራእይ ብዛዕባ ኺብላዕ ዘለዎን ኪብላዕ ዘይብሉን ምግቢ ንምምሃር ጥራይ ከም ዘይኰነ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣስተውዒሉ ነይሩ እዩ። “ንሓደ ሰብ እኳ [ንኣህዛብ እውን ከይተረፈ] ርኹስ ወይ ዘይንጹህ ከይብል” እዩ መምርሒ ተዋሂብዎ።
12 ኵሎም እቶም ኣብኡ እተኣከቡ ሰባት፡ ንጴጥሮስ ኪሰምዕዎ ይደልዩ ነበሩ። ቆርኔሌዎስ ንጴጥሮስ፡ “ኵሉ እቲ ኻብ የሆዋ እተኣዘዝካዮ ኽንሰምዕሲ፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እነና” በሎ። (ግብ. 10:33) ካብ ሓደ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቓላት እንተ ትሰምዕ፡ ከመይ ከም ዚስምዓካ እሞ ገምቶ! ጴጥሮስ ከምዚ ኢሉ ኺዛረብ ጀመረ፦ “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ሕጂ ብሓቂ ተረዲኡኒ፣ የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ።” (ግብ. 10:34, 35) ኣምላኽ ብዛዕባ ሰባት ዘለዎ ኣረኣእያ፡ ብዓሌት፡ ብዜግነት፡ ወይ ብኻልእ ደጋዊ ረቛሒታት ከም ዘይውሰን፡ ጴጥሮስ ኬስተውዕል ክኢሉ እዩ። ቀጺሉ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎትን ሞትን ትንሳኤን የሱስ መስከረሎም።
13, 14. (ሀ) ብ36 ድ.ክ. ቆርኔሌዎስን ካልኦት ኣህዛብን ክርስትና ምቕባሎም እንታይ ኣገዳስነት ነበሮ፧ (ለ) ንሰባት ብደጋዊ ትርኢቶም ክንፈርዶም ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
13 ድሕርዚ፡ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘፈልጥ ነገር ኰነ፣ “ጴጥሮስ ገና . . . ኺዛረብ ከሎ፡” መንፈስ ቅዱስ “ኣብ ኣህዛብ” ፈሰሰ። (ግብ. 10:44, 45) ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ጥራይ እዩ ቕድሚ ጥምቀት፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝፈሰሰ ተሓቢሩ ዘሎ። ጴጥሮስ ከኣ፡ እዚ ነገር እዚ ስምረት ኣምላኽ ዚሕብር ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ፡ ነቶም ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ሰባት “ኪጥመቑ . . . ኣዘዘ።” (ግብ. 10:48) ብ36 ድ.ክ. እቶም ኣህዛብ ክርስትና ምቕባሎም፡ ኣይሁድ ፍሉይ ሞገስ ዚረኽቡሉ ዝነበሩ እዋን ከም ዘብቅዐ ዚሕብር ነበረ። (ዳን. 9:24-27) ጴጥሮስ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ መሪሕ ግደ ብምብርካት፡ ነታ ሳልሰይትን ናይ መወዳእታን ‘መፍትሕ መንግስተ ሰማያት’ ተጠቕመላ። (ማቴ. 16:19) እታ መፍትሕ እቲኣ፡ ነቶም ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ኪዀኑ ኸፈተትሎም።
14 ንሕና እውን ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን፡ ‘ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዘየልቦ’ ንፈልጥ ኢና። (ሮሜ 2:11) ኣምላኽ፡ “ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕን” እዩ ዚደሊ። (1 ጢሞ. 2:4) ስለዚ፡ ንሰባት ብደጋዊ ትርኢቶም ፈጺምና ኽንፈርዶም የብልናን። ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕና ኽንምስክር እዩ መዝነት ተዋሂቡና፣ ከምዚ ኺብሃል ከሎ ድማ፡ ዓሌት፡ ዜግነት፡ ትርኢት፡ ወይ ሃይማኖት ከይፈለና፡ ንዅሎም ሰባት ክንሰብኽ ኣሎና ማለት እዩ።
“ምቅዋሙ ሓደጉ እሞ፡ . . . ንኣምላኽ ኣሞገስዎ” (ግብሪ ሃዋርያት 11:1-18)
15, 16. ገሊኦም ኣይሁድ ዝዀኑ ክርስትያናት ምስ ጴጥሮስ እተባእሱ ስለምንታይ እዮም፧ ንሱ ቕኑዕ ከም ዝገበረ ዝገለጸኸ ብኸመይ እዩ፧
15 ጴጥሮስ ነቲ ዘጋጠሞ ነገር ንምሕባር፡ ናብ የሩሳሌም ንምኻድ ተሃንጥዩ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እንተዀነ ግና፡ ዘይተገዝሩ ኣህዛብ “ቃል ኣምላኽ ከም እተቐበሉ” ዚሕብር ወረ ቐዲምዎ ጸንሐ። ጴጥሮስ ናብ የሩሳሌም ምስ በጽሐ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ “እቶም ደገፍቲ ግዝረት ነቐፍዎ።” እቲ ዝረበሾም ነገር ኪገልጹ ኸለዉ፡ “ናብ ቤት ዘይተገዝሩ ሰባት ኣቲኻ፡ ምሳታቶም ከኣ በሊዕካ” በልዎ። (ግብ. 11:1-3) ኣህዛብ ሰዓብቲ ክርስቶስ ኪዀኑ ይኽእሉ እንተ ዀይኖም ኣይኰኑን ኣብ ሕቶ ዜእትውዎ ነይሮም። የግዳስ፡ ኣህዛብ ንየሆዋ ብቕቡል መገዲ ምእንቲ ኼምልኽዎ፡ ነቲ ንግዝረት እውን ዜጠቓልል ሕጊ ሙሴ ኺሕልዉ ኸም ዘለዎም እዮም ዚማጐቱ ነይሮም። ገሊኦም ኣይሁድ ዝዀኑ ደቀ መዛሙርቲ ንሕጊ ሙሴ ምሕዳጉ ኸቢድዎም ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።
16 ጴጥሮስ ቅኑዕ ከም ዝገበረ ብኸመይ እዩ ገሊጹ፧ ብመሰረት ግብሪ ሃዋርያት 11:4-16፡ ሰማያዊ መምርሒ ኸም እተዋህቦ ዚሕብር ኣርባዕተ መርትዖታት ሃበ፣ እዚ ድማ፦ (1) እቲ ዝረኣዮ መለኮታዊ ራእይ (ፍቕዲ 4-10)፣ (2) መንፈስ ዝሃቦ ትእዛዝ (ፍቕዲ 11, 12)፣ (3) መልኣኽ ንቆርኔሌዎስ ዝገበረሉ ምብጻሕ (ፍቕዲ 13, 14)፣ (4) መንፈስ ቅዱስ ኣብቶም ኣህዛብ ምፍሳሱ እዩ። (ፍቕዲ 15, 16) ድሕሪኡ፡ ጴጥሮስ ኣብ መደምደምታ፡ “እምበኣር፡ ኣምላኽ ከምቲ ንዓና [ንኣይሁድ] ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንዝኣመንና ዝሃበና፡ ንዓታቶም [ንዝኣመኑ ኣህዛብ] እውን ሕደ ናጻ ውህበት [መንፈስ ቅዱስ] ካብ ዚህቦም፡ ኣነ መን እየ ንኣምላኽ ክኽልክሎ ዝኽእል፧” ብምባል ባይታ ዘይወድቕ ዘረባ ተዛረበ።—ግብ. 11:17።
17, 18. (ሀ) ጴጥሮስ ዝሃቦ ምስክርነት፡ ንኣይሁድ ዝዀኑ ክርስትያናት እንታይ ፈተና እዩ ዘንበረሎም፧ (ለ) ንሓድነት ጉባኤ ዓቂብካ ምምልላስ በዳሂ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ ንርእስናኸ እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትት ዘሎና፧
17 ጴጥሮስ ዝሃቦ ምስክርነት፡ ንኣይሁድ ዝዀኑ ክርስትያናት ወሳኒ ፈተና ኣንበረሎም። ንዅሉ እቲ ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ባህርዮም ኣርሒቖም፡ ነቶም ሓደስቲ እተጠምቁ ኣህዛብ ከም ክርስትያናት ብጾቶም ገይሮም ተቐቢሎምዎምዶ፧ እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ኢሉ ይሕብረና፦ “[ሃዋርያትን ካልኦት ኣይሁድ ዝዀኑ ክርስትያናትን] እዚ ምስ ሰምዑ፡ ምቅዋሙ ሓደጉ እሞ፡ ‘እምበኣርከስ ኣምላኽ ንኣህዛብ እውን ናብ ህይወት ዚመርሕ ንስሓ ፈቒዱሎም’ እናበሉ ንኣምላኽ ኣሞገስዎ።” (ግብ. 11:18) ኣወንታዊ ኣረኣእያኦም ከኣ ነታ ጉባኤ ሓድነታ ዓቂባ ኽትቅጽል ኣኽኣላ።
18 ሎሚ እውን ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ፡ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን ቋንቋታትን እተኣከቡ” ስለ ዝዀኑ፡ ሓድነቶም ዓቂቦም ምንባር በዳሂ ኪዀኖም ይኽእል እዩ። (ራእ. 7:9) ኣብ ሓያሎ ጉባኤታት እተፈላለየ ዓሌታትን ባህልታትን ኣተዓባብያን ዘለዎም ሰባት ኢና እንረክብ። እምበኣር፡ ንርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና፦ ‘ንዅሉ እቲ ኣብ ልበይ ዘሎ ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ባህርይ ካብ ሱሩ ምሕየዮ ድየ፧ እቲ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ዅሉ ፈላላዪ ባህርያት፡ እንተላይ ሃገራውነትን ቀቢላውነትን ብባህልኻ ምሕባንን ዓሌትነትን፡ ነቲ ምስ ክርስትያን ኣሕዋተይ ዘሎኒ ርክብ ፈጺሙ ኸይጸልዎ ቘሪጸ ድየ፧’ ኣህዛብ ክርስትያናት ድሕሪ ምዃኖም እተወሰነ ዓመታት ጸኒሑ፡ ንጴጥሮስ (ኬፋ) ዘጋጠሞ ነገር ኣይንረስዕ። በቲ ኻልኦት ዝነበሮም ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ባህርይ ተጸልዩ፡ ካብቶም ክርስትያናት ዝዀኑ ኣህዛብ ‘ርእሱ ስለ ዝፈለየ፡’ ካብ ጳውሎስ መአረምታ ተዋህቦ። (ገላ. 2:11-14) እምበኣር፡ ንሰባት ኣቐዲምና ምእንቲ ኸይንፈርድ፡ ወትሩ ኽንጥንቀቕ ኣሎና።
“ብዙሕ ዝቝጽሮም ድማ ኣሚኖም” (ግብሪ ሃዋርያት 11:19-26ሀ)
19. ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ኣይሁድ ዝዀኑ ክርስትያናት ንመን ኪሰብኩ ጀመሩ፧ እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧
19 ሰዓብቲ የሱስ ንዘይተገዝሩ ኣህዛብ ኪሰብኩ ጀሚሮም ድዮም፧ ጸኒሑ ኣብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ዘጋጠመ ነገር እሞ ንርአ።d እታ ኸተማ ብዙሓት ኣይሁድ ነበርዋ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ኣህዛብን ግና ብዙሕ ጽልኢ ኣይነበረን። ስለዚ፡ ኣብ ኣንጾክያ ንኣህዛብ ንምስባኽ ጽቡቕ ሃዋህው ነበረ። ገሊኦም ኣይሁድ ዝዀኑ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ “ነቶም ግሪኽኛ ዝቛንቋኦም” ብስራት ኪሰብኩሎም ጀመሩ። (ግብ. 11:20) ነቶም ግሪኽኛ ዝቛንቋኦም ኣይሁድ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዘይተገዝሩ ኣህዛብ እውን ተሰቢኹሎም እዩ። የሆዋ ነቲ ዕዮ ባረኾ፡ “ብዙሕ ዝቝጽሮም ድማ ኣሚኖም” ደቀ መዛሙርቲ ዀኑ።—ግብ. 11:21።
20, 21. በርናባስ ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ ኣገልግሎትና ኽንፍጽም ከለና ተመሳሳሊ ትሕትና ኸነርኢ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧
20 እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ ነቲ ጽቡቕ ሃዋህው ምእንቲ ኽትጥቀመሉ ኢላ ንበርናባስ ናብ ኣንጾክያ ለኣኸቶ። ብዙሓት ተገዳስነት ዘሕደሩ ሰባት ስለ ዝነበሩ፡ በርናባስ በይኑ ነቲ ዕዮ ዚኽእሎ ኣይነበረን። ስለዚ፡ እቲ ጸኒሑ ንኣህዛብ ሃዋርያ ዝዀነ ሳውል፡ ኣብቲ ዕዮ እቲ ሓገዙ ኣበርከተ። (ግብ. 9:15፣ ሮሜ 1:5) እሞኸ በርናባስ ንሳውል ከም መቐናቕንቲ ገይሩ ርእይዎ ድዩ፧ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ በርናባስ ትሕትና እዩ ኣርእዩ። ናብ ጠርሴስ ከይዱ ንሳውል ደልዩ ረኸቦ፡ ናብ ኣንጾክያ እውን ኣምጸኦ። ክልቲኦም ብሓባር ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ እናሃነጹ ንሓደ ዓመት ጸንሑ።—ግብ. 11:22-25።
21 ኣገልግሎትና ኽንፍጽም ከለና፡ ከመይ ጌርና ኢና ትሕትና እነርኢ፧ እዛ ባህርይ እዚኣ እንተ ኣልያትና፡ ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ንእመን ኢና። ኵላትና እተፈላለየ ብርታዐን ክእለትን ኣሎና። ንኣብነት፡ ገሊኦም ኣስፋሕቲ ብዘይወግዓዊ ወይ ኣብ በቤት እናኸዱ ኣብ ምምስካር ውጽኢታውያን ክነሶም፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር ወይ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር ግና የጸግሞም ይኸውን። ኣብ ገሊኡ መዳያት ኣገልግሎት ከተመሓይሽ እንተ ደሊኻ፡ ስለምንታይ ሓገዝ ዘይትሓትት፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ፍረን ሓጐስን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።—1 ቈረ. 9:26።
ነቶም “ኣሕዋት ረድኤት” ሰደዱሎም (ግብሪ ሃዋርያት 11:26ለ-30)
22, 23. እቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ኣሕዋት ብኸመይ እዮም ሕውነታዊ ፍቕሪ ኣርእዮም፧ ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽከ ተመሳሳሊ ተግባር ዚገብሩ ብኸመይ እዮም፧
22 “እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብመለኮታዊ መምርሒ፡ ክርስትያናት ተባሂሎም እተሰምዩ” ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣንጾክያ እዩ ነይሩ። (ግብ. 11:26ለ) እዚ ኣምላኽ ዝሰመሮ ስም፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ዚበቅዕ ስያመ እዩ ነይሩ። ኣህዛብ ክርስትያናት ምስ ኰኑ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ኣህዛብን ኣመንቲ፡ ሕውነት ተፈጢሩ ድዩ፧ ብ46 ድ.ክ. ኣቢሉ ብርቱዕ ጥሜት ምስ ኰነ፡ እንታይ ከም እተገብረ እስከ ንርአ።e ብግዜ ጥንቲ፡ ጥሜት ኪኸውን ከሎ፡ እቶም ገንዘብ ኰነ ምግቢ ኼዋህልሉ ዘይክእሉ ድኻታት ኣጸቢቖም ይህሰዩ ነበሩ። እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ብርቱዕ ጥሜት ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ከኣ፡ እቶም መብዛሕትኦም ድኻታት ኪዀኑ ዚኽእሉ ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያናት ተሸጊሮም ነበሩ። ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ እንተላይ እቶም ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ክርስትያናት፡ ነዚ ምስ ፈለጡ፡ “ነቶም ኣብ ይሁዳ ዚነብሩ ኣሕዋት ረድኤት” ሰደዱሎም። (ግብ. 11:29) ናይ ሓቂ ሕውነታዊ ፍቕሪ እዮም ኣርእዮም።
23 ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ እውን ከምኡ እዮም ዚገብሩ። ኣብ ካልእ ሃገር ወይ ኣብ ከባቢና ዘለዉ ኣሕዋትና ኸም እተሸገሩ እንተ ፈሊጥና፡ ብፍታው ንሕግዞም ኢና። ኮሚተ ጨንፈር ብቕልጡፍ ኮሚተ ዕዮ ረድኤት ኣቚሙ፡ ነቶም ብኸም ህቦብላን ምንቅጥቃጥ ምድርን ሱናሚን ዝኣመሰለ ባህርያዊ ሓደጋታት እተጐድኡ ኣሕዋትና ይከናኸኖም እዩ። ኵሉ እቲ ዚግበር ጻዕርታት፡ ናይ ሓቂ ሕውነት ከም ዘሎና ዜረጋግጽ እዩ።—ዮሃ. 13:34, 35፣ 1 ዮሃ. 3:17።
24. ነቲ ጴጥሮስ ዝረኣዮ ራእይ ኣርዚንና ኸም እንርእዮ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧
24 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ነቲ ጴጥሮስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ዮጴ ኣብ ዚርከብ ናሕሲ ሓንቲ ቤት ዝረኣዮ ራእይ ኣርዚንና ንርእዮ ኢና። ነቲ ዘየዳሉ ኣምላኽ ኢና እነምልኽ። ንሱ ድማ ብዛዕባ መንግስቱ ኣጸቢቕና ኽንምስክር እዩ ዚደልየና፣ እዚ ኸኣ ዓሌት፡ ሃገር፡ ወይ ማሕበራዊ ደረጃ ኸይፈለና ንዅሉ ንሰብኽ ማለት እዩ። ሃየ እምበኣር፡ ንዅሎም እቶም ዚሰምዑና ነቲ ብስራት ምእንቲ ኪቕበሉ ኣጋጣሚ ንኽፈተሎም!—ሮሜ 10:11-13።
a ኣልፋዓይ ብምኽንያት ስራሑ ምስ ቘራብቲ፡ ምስ ገምቢ እንስሳታት፡ ነቲ ዕዮ ምስ ዜድሊ ዜፈንፍን ነገራት ይተናኸፍ ስለ ዝነበረ፡ ገሊኦም ኣይሁድ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ኣትሒቶም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም። ኣልፋዕቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪኣትዉ ኸም ዘይክእሉ ጌርካ ይርአ ነበረ፣ ዚሰርሑሉ ቦታ ኸኣ ካብ ከተማ እንተ ወሓደ 50 እመት ወይ 22 ሜተር ኣቢሉ ኺርሕቕ ነበሮ። ቤት ስምኦን “ኣብ ጥቓ ባሕሪ” ዝነበረት እውን በዚ ምኽንያት እዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ግብ. 10:6።
b “ቆርኔሌዎስን ሰራዊት ሮሜን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
c እታ ዓንቀጽ፡ ኣብ ናይ 1 ሕዳር 2006 ሕታም፡ ካብ ገጽ 4 ኽሳዕ 7 ዝወጸት፡ “ውሉዳት ንምዕባይ ዚኸውን ዜተኣማምን ምኽሪ” ዘርእስታ እያ።
d “ኣንጾክያ ናይ ሶርያ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
e ጆሰፈስ ዚብሃል ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ነቲ ብዘመን ሃጸይ ቅላውዴዎስ (41-54 ድ.ክ.) ዘጋጠመ “ብርቱዕ ጥሜት” ጠቒስዎ ኣሎ።