ምዕራፍ 15
“ነተን ጉባኤታት እናኣበራትዐ”
ገየሽቲ ኣገልገልቲ፡ ጉባኤታት ኣብ እምነት ምእንቲ ኺጸንዓ ይሕግዙ
ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 15:36–16:5 እተመስረተ
1-3. (ሀ) እቲ ሓድሽ መጋይሽቲ ጳውሎስ መን ይብሃል፧ ኣብቲ ግዜ እቲኸ እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ ነይሩ፧ (ለ) ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ እንታይ ክንምሃር ኢና፧
በቲ ኣብ መንጎ ኽልተ ኸተማታት ዘሎ ድንጉር መገዲ ኣብ ዚጐዓዙሉ ዝነበሩ እዋን፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ምስኡ ዚጐዓዝ መንእሰይ ብሓልዮት ጠመቶ። እቲ መንእሰይ፡ ጢሞቴዎስ ይብሃል። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ መወዳእታ 10ታት ወይ ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድሚኡ ነይሩ ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ ገና ኣብ ሰዊት ዕድሚኡ እዩ ነይሩ። ነፍሲ ወከፍ ስጕሚ፡ ካብ ዓዱ እያ እተርሕቖ ነይራ። ሰዓታት እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን፡ ካብ ዞባታት ልስጥራን ኢቆንዩምን እናረሓቑ ኸዱ። ኣብ ቅድሚኦም እንታይ እዩ ዚጽበዮም ነይሩ፧ ጳውሎስ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ይገብር ብምንባሩ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዕዞ ተመክሮ ነበሮ። ብዙሕ ሓደጋታትን ጸገማትን ከም ዜጋጥሞም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እቲ ምስኡ ዚጐዓዝ ዝነበረ መንእሰይ ግና፡ ነቲ ዜጋጥሞም ጸገማት ተጻዊርዎዶ፧
2 ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ይተኣማመነሉ ነበረ፣ ምናልባት እውን ካብቲ ጢሞቴዎስ ብዛዕባ ርእሱ ዝነበሮ ምትእምማን ንላዕሊ እዩ ዚተኣማመነሉ ነይሩ። ኣቐዲሙ ዘጋጠሞ ነገራት፡ ንፉዕ መጋይሽቲ ኸም ዜድልዮ ኣእሚንዎ ኪኸውን ኣለዎ። ነቲ ዚጽበዮም ዝነበረ ዕዮ ኺዓሙ፡ ማለት ንጉባኤታት ኪበጽሑን ኬበራትዑን እንተ ዀይኖም፡ እቶም ገየሽቲ ኣገልገልቲ ነቕ ዘይብል ቈራጽነትን ሓድነትን ኪህልዎም ከም ዘለዎ፡ ጳውሎስ ይፈልጥ ነበረ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ተሰሚዕዎ፧ ሓደ ምኽንያት፡ እቲ ንዕኡን ንበርናባስን ከም ዚፈላለዩ ዝገበሮም ዘይምስምማዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
3 ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ ዘይምስምማዓት ክንፈትሓሉ እንኽእል ብሉጽ መገዲ ኽንምሃር ኢና። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ መጋይሽቱ ኪኸውን ዝመረጸሉ ምኽንያት ክንርኢ ኢና። ሎሚ ዘለዉ ሓለውቲ ወረዳ ዜበርክትዎ ኣገዳሲ ተራ እውን ክንርዳእ ኢና።
“ሕጂ ንዓ ንመለስ እሞ . . . ኣሕዋት ከመይ ከም ዘለዉ ምእንቲ ኽንርኢ፡ ንብጽሓዮም” (ግብሪ ሃዋርያት 15:36)
4. ጳውሎስ ኣብ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ እንታይ ኪገብር እዩ ሓሊኑ ነይሩ፧
4 ኣብ ዝሓለፈት ምዕራፍ፡ ኣርባዕተ ልኡኻት፡ ማለት ጳውሎስን በርናባስን ይሁዳን ሲላስን ነታ ኣብ ኣንጾክያ ዝነበረት ጉባኤ በቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ብዛዕባ ግዝረት ዝገበሮ ውሳነ ገይሮም ብኸመይ ከም ዘበራትዕዋ ርኢና ኔርና። ጳውሎስ ቀጺሉ እንታይ ገበረ፧ ንበርናባስ፡ “ሕጂ ንዓ ንመለስ እሞ እቶም ኣብተን ቃል የሆዋ ዝሰበኽናለን ዘበላ ኸተማታት ዘለዉ ኣሕዋት ከመይ ከም ዘለዉ ምእንቲ ኽንርኢ፡ ንብጽሓዮም” በሎ። (ግብ. 15:36) ነቶም ሓደስቲ ክርስትያናት ማሕበራዊ ምብጻሕ ኪገብሩሎም ጥራይ ኣይኰነን ሓሳብ ዜቕርብ ነይሩ። ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት፡ ዕላማ እቲ ኻልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ጳውሎስ ብዝርዝር ተገሊጹ ኣሎ። ቀዳማይ፡ ነቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ዝሓገጎ ሕጋጋት ይሕብርዎም ነበሩ። (ግብ. 16:4) ካልኣይ፡ ጳውሎስ ከም ገያሺ ሓላዊ መጠን፡ ጉባኤታት ኣብ እምነት ምእንቲ ኺጸንዓ እናሓገዘ ብመንፈስ ንምህናጸን ቈሪጹ ተላዒሉ ነበረ። (ሮሜ 1:11, 12) ኣብዚ ግዜና ዘሎ ውድብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነዚ ብሃዋርያት እተሓድገ ኣብነት ብኸመይ ይስዕቦ ኣሎ፧
5. ኣብዚ ግዜና ዘሎ ኣመሓዳሪ ኣካል ንጉባኤታት መምርሕን መተባብዕን ዚህብ ብኸመይ እዩ፧
5 ሎሚ ክርስቶስ ብኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣቢሉ ንጉባኤኡ ይመርሓ ኣሎ። እቶም እሙናት ቅቡኣት ሰብኡት ብደብዳበታትን በቲ ብኢንተርነት ኰነ ብወረቐት ዚዳሎ ጽሑፋትን ብኣኼባታትን ብኻልእ መራኸቢ መገድታትን ገይሮም፡ ኣብ ኵላ ዓለም ንዚርከባ ጉባኤታት መምርሕን መተባብዕን ይህቡ እዮም። ኣመሓዳሪ ኣካል ምስ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ጥብቂ ርክብ ምእንቲ ኺህሉ ጻዕሪ ይገብር እዩ። ነዚ ንምፍጻም ድማ፡ ገየሽቲ ሓለውቲ እዩ ዚጥቀም። ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ሓለውቲ ወረዳ ዀይኖም ዜገልግሉ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ብቑዓት ሽማግለታት ብቐጥታ ሸይሙ ኣሎ።
6, 7. ገለ ኻብቲ ሓለውቲ ወረዳ ዘለዎም ሓላፍነታት እንታይ እዩ፧
6 ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ገየሽቲ ሓለውቲ ንዅለን እተን ዚበጽሕወን ጉባኤታት ብሕታዊ ቘላሕታን መንፈሳዊ መተባብዕን ይህቡ እዮም። ከመይ ገይሮም እዮም ከምኡ ዚገብሩ፧ ከም ጳውሎስ ዝኣመሰሉ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ንዝገደፍዎ ኣብነት ብምስዓብ እዮም ከምኡ ዚገብሩ። ንሱ ንሓደ ብጻዩ ዝዀነ ሓላዊ፡ “ነቲ ቓል ስበኽ፣ ብእዋን ራህዋን ብእዋን ጸበባን ብህጹጽ ግበሮ፣ ብዅሉ ዓቕልን ጥበብ ኣመሃህራን ከኣ ግናሕ፡ ውቐስ፡ ምዓድ” ኢሉ ድሕሪ ምትብባዑ፡ “ግብሪ ወንጌላዊ ግበር” ኢሉ ተማሕጺንዎ ኣሎ።—2 ጢሞ. 4:2, 5።
7 ሓለውቲ ወረዳ ምስዘን ቃላት እዚአን ብምስማዕ፡ ንሳቶምን (እንተ ተመርዕዮም ከኣ) ኣንስቶምን ምስቶም ኣብ ጉባኤታት ዘለዉ ኣስፋሕቲ ብሓባር ኰይኖም ኣብ እተፈላለየ መዳያት ኣገልግሎት ወፍሪ ይሳተፉ እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ገየሽቲ ሰበኽቲ፡ ቀናኣት ኣገልገልትን ክኢላታት መምህራንን እዮም፣ እዚ ባህርያት እዚ ድማ ነተን መጓሰ ጽቡቕ ጽልዋ ይገብረለን እዩ። (ሮሜ 12:11፣ 2 ጢሞ. 2:15) እቶም ኣብ ዕዮ ወረዳ እተጸምዱ፡ በታ ጥቕሚ ርእሶም ብምስዋእ ዜርእይዋ ፍቕሪ እዮም ኣጸቢቖም ዚፍለጡ። ኣብ ዘይምሹእ ኵነታት ኣየርን ኣብ ሓደገኛ ቦታታትን እናተጓዕዙ፡ ብፍታው ንኻልኦት የገልግሉ እዮም። (ፊል. 2:3, 4) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተመስረተ መደረታት ገይሮም ከኣ፡ ንጉባኤታት የተባብዑን ይምህሩን ይምዕዱን እዮም። ኵሎም ኣብ ጉባኤታት ዘለዉ ክርስትያናት፡ ንናብራ እዞም ሓለውቲ ወረዳ እናተቛመቱ፡ ኣስኣሰር እምነቶም ብምስዓቦም ይጥቀሙ እዮም።—እብ. 13:7።
“ቈየቛ” (ግብሪ ሃዋርያት 15:37-41)
8. በርናባስ ነቲ ጳውሎስ ዘቕረበሉ ሓሳብ ብኸመይ ተቐበሎ፧
8 በርናባስ ነቲ ጳውሎስ፡ ነቶም “ኣሕዋት ንብጸሓዮም” ብምባል ዘቕረበሉ ሓሳብ ብሓጐስ ተቐበሎ። (ግብ. 15:36) ክልቲኦም ከም መጋይሽቲ ዀይኖም ጽቡቕ ዓይዮም እዮም፡ ነቲ ኺበጽሕዎ ዝሓሰቡ እተፈላለየ ዞባታትን ህዝብታትን እውን ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም። (ግብ. 13:2–14:28) ነዚ ዕዮ እዚ ብሓባር ኪዓይዎ ምብጋሶም እምበኣር፡ ጽቡቕን ግብራውን ሓሳብ ዝነበረ እዩ ዚመስል። ሓደ ጸገም ግና ተፈጥረ። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 15:37፡ “በርናባስ ነቲ ማርቆስ ዚብሃል ዮሃንስ ኪማልእዎ ቘረጸ” ዚብል ጸብጻብ ኣሎ። በርናባስ ሓሳብ ጥራይ ኣይኰነን ዜቕርብ ነይሩ። ነቲ ወዲ ሓው ኣቦኡ ዝዀነ ማርቆስ ከም መጋይሽቱ ገይሩ ኣብቲ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ኺማልኦ ቘሪጹ እዩ ተላዒሉ ነይሩ።
9. ጳውሎስ ምስ በርናባስ ዘይተሰማምዐ ስለምንታይ እዩ፧
9 ጳውሎስ በዚ ኣይተሰማምዐን። ስለምንታይ፧ እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ፡ “ጳውሎስ ግና ነዚ ኻባታቶም ኣብ ጰምፊልያ እተፈልየን ምሳታቶም ናብቲ ዕዮ ዘይከደን [ማርቆስ]፡ ኪማልእዎ ግቡእ ኣይመሰሎን” ይብል። (ግብ. 15:38) ማርቆስ ምስ ጳውሎስን በርናባስን ኣብቲ ቐዳማይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኦም እኳ እንተ ነቐለ፡ ክሳዕ መወዳእታ ግና ኣይቀጸለን። (ግብ. 12:25፣ 13:13) ገና ብዙሕ ከይከዱ ኣብ ጰምፍልያ ምስ በጽሑ፡ ማርቆስ ነቲ ዕዮኡ ገዲፉ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ። ስለምንታይ ከም እተመልሰ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጸልናን እዩ፣ ሃዋርያ ጳውሎስ ግና ነቲ ማርቆስ ዝገበሮ ተግባር ሓላፍነት ዝጐደሎ ኸም ዝዀነ ገይሩ ርእይዎ ኪኸውን ኣለዎ። ክሳዕ ክንደይ ዜተኣማምን ኣገልጋሊ ምዃኑ ሕቶ ፈጢሩሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
10. ኣብ መንጎ ጳውሎስን በርናባስን እተፈጥረ ዘይምስምማዕ ናብ ምንታይ ኣምርሐ፧
10 ኰይኑ ግና፡ በርናባስ ንማርቆስ ኪማልኦ ቘሪጹ ነበረ። ጳውሎስ ከኣ ኪማልእዎ ኣይደለየን። ግብሪ ሃዋርያት 15:39፡ “ሽዑ፡ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚፈላለዩ፡ ኣብ መንጎኦም ቈየቛ ዀነ” ትብል። በርናባስ ንማርቆስ ሒዙ ናብ ዓዱ፡ ናብ ቆጵሮስ ብመርከብ ከደ። ጳውሎስ ከኣ መደባቱ ቐጸለ። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ፡ “ጳውሎስ ግና ንሲላስ ሓረየ፣ እቶም ኣሕዋት ንጸጋ የሆዋ ምስ ኣማዕቈብዎ ድማ ነቐለ” ይብል። (ግብ. 15:40) ምስ ሲላስ ኰይኑ “ነተን ጉባኤታት እናኣበራትዐ እውን፡ ብሶርያን ብቂልቅያን ሓለፈ።”—ግብ. 15:41።
11. ምስ ዘጕሃየና ሰብ ምእንቲ ኸይንባተኽ እንታይ ባህርያት የድልየና፧
11 እዚ ጸብጻብ እዚ ብዛዕባ ዘይፍጽምናና የዘኻኽረና ይኸውን። ጳውሎስን በርናባስን ፍሉያት ተወከልቲ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኖም እዮም ተሸይሞም ነይሮም። ምናልባት እውን ጳውሎስ ኣባል እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ግና፡ ጳውሎስን በርናባስን በቲ ዘይፍጽምናኦም ተሰነፉ። እዚ ዅነታት እዚ ኸም ዚባተኹ ገይርዎም ድዩ፧ ዘይፍጹማት እኳ እንተ ነበሩ፡ ሓሳብ ክርስቶስ ስለ ዝነበሮም፡ ትሑታት እዮም ነይሮም። ድሕሪ ግዜ ንሕድሕዶም ክርስትያናዊ ሕውነት ከም ዘርኣዩን ይቕረ ኸም እተባሃሃሉን ኣየጠራጥርን እዩ። (ኤፌ. 4:1-3) ጳውሎስን ማርቆስን ጸኒሖም ኣብ ካልእ ቲኦክራስያዊ ዕዮታት ብሓባር ዓየዩ።a—ቈሎ. 4:10።
12. ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሓለውቲ ኣብነት ጳውሎስን በርናባስን ብምስዓብ፡ እንታይ ባህርያት ኬርእዩ ኣለዎ፧
12 በርናባስን ጳውሎስን ተባኣስቲ ኣይኰኑን ነይሮም። በርናባስ ኣዝዩ ፈቃርን ለጋስን እዩ ነይሩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ሃዋርያት ብስሙ ዮሴፍ ኢሎም ኣብ ክንዲ ዚጽውዕዎ፡ በርናባስ፡ ማለት “ወዲ ምጽንናዕ” ዝትርጉሙ ስም ኣውጽኡሉ። (ግብ. 4:36) ጳውሎስ እውን ለዋህን ርሕሩሕን እዩ ነይሩ። (1 ተሰ. 2:7, 8) ኵሎም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሓለውቲ፡ እንተላይ ሓለውቲ ወረዳ፡ ኣብነት ጳውሎስን በርናባስን ብምስዓብ፡ ትሕትና ኼርእዩን ንብጾቶም ሽማግለታት ኰነ ንዅለን መጓሰ ብለውሃት ኪሕዙን ወትሩ ጻዕሪ ኺገብሩ ኣለዎም።—1 ጴጥ. 5:2, 3።
“ጽቡቕ እተመስከረሉ ነበረ” (ግብሪ ሃዋርያት 16:1-3)
13, 14. (ሀ) ጢሞቴዎስ እንታዋይ እዩ ነይሩ፧ ጳውሎስከ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዩ ምስኡ ተራኺቡ፧ (ለ) ጳውሎስ ብፍላይ ንጢሞቴዎስ ኬተኵረሉ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ (ሐ) ጢሞቴዎስ እንታይ ዕዮ እዩ እተዋህቦ፧
13 ጳውሎስ ኣብ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ፡ ናብታ እተወሰና ጉባኤታት ቈይመናላ ዝነበራ ኣብ ትሕቲ ሮሜ እትመሓደር ዝነበረት ገላትያ ኸደ። “ኣብ ደርቤን ኣብ ልስጥራን ድማ በጽሐ።” እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ፡ “ጢሞቴዎስ ዝስሙ ወደ መዝሙር ከኣ፡ ወዲ ሓንቲ ኣማኒት ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ነበረ፣ ኣቦኡ ግና ግሪኻዊ ነበረ” ይብል።—ግብ. 16:1።b
14 ጳውሎስ ብ47 ድ.ክ. ኣቢሉ ናብቲ ቦታ እቲ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ምስ ስድራ ቤት ጢሞቴዎስ ተራኺቡ ኪኸውን ኣለዎ። ድሕሪ ኽልተ ወይ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ኻልኣይ ምብጻሕ ኣብ ዝገበረሉ እዋን ከኣ፡ ብፍላይ ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ኣተኰረሉ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ጢሞቴዎስ በቶም “ኣሕዋት ጽቡቕ እተመስከረሉ ነበረ።” እቶም ኣብታ ዚነብረላ ኸተማ ዝነበሩ ኣሕዋት ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ካብ ጉባኤኡ ወጻኢ ዝነበሩ ኣሕዋት እውን ይፈትውዎ ነበሩ። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ፡ ኣብ ልስጥራን ኣብታ 30 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ርሒቓ እትርከብ ኢቆንዩምን ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ብዛዕባኡ ጽቡቕ ይዛረቡ ምንባሮም ይሕብር። (ግብ. 16:2) እቶም ሽማግለታት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም፡ ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ከቢድ ሓላፍነት ኣሰከምዎ፣ ከም ገያሺ ኣገልጋሊ ዀይኑ ንጳውሎስን ንሲላስን ኪሕግዞም ተሸመ።—ግብ. 16:3።
15, 16. ጢሞቴዎስ ጽቡቕ ስም ኬጥሪ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧
15 ከመይ ገይሩ እዩ ጢሞቴዎስ ብንእስነቱ ኸምዚ ዝበለ ጽቡቕ ስም ኬጥሪ ኽኢሉ፧ ሳላ ኣእምሮኣዊ ብልሓቱ፡ ኣካላዊ ትርኢቱ፡ ወይ ተፈጥሮኣዊ ኽእለቱ ድዩ፧ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት እዮም ዚምሰጡ። ነብዪ ሳሙኤል እውን ከይተረፈ፡ ብደጋዊ ትርኢት ኣመና ተጸልዩ ነይሩ እዩ። የሆዋ ግና፡ “ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ የሆዋ ግና ልቢ እዩ ዚርኢ እሞ፡ ኣምላኽሲ ኸምቲ ሰብ ዚርእዮ ኣይኰነን ዚርኢ” ኢሉ ኣዘኻኸሮ። (1 ሳሙ. 16:7) ጢሞቴዎስ ኣብ መንጎ ክርስትያናት ብጾቱ ጽቡቕ ስም ኪህልዎ ዝኸኣለ፡ ብተፈጥሮኣዊ ኽእለቱ ዘይኰነስ፡ ብውሽጣዊ ባህርያቱ እዩ።
16 ሃዋርያ ጳውሎስ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት፡ ንገሊኡ መንፈሳዊ ባህርያት ጢሞቴዎስ ጠቒሱ ነይሩ። ነቲ ጽቡቕ ዝንባለኡን ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሩን ንቲኦክራስያዊ ዕዮኡ ንምፍጻም ዘርኣዮ ትግሃቱን ገሊጽዎ ኣሎ። (ፊል. 2:20-22) ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ጢሞቴዎስ በታ ‘ግብዝና ዘይብላ እምነቱ’ ይፍለጥ ነበረ።—2 ጢሞ. 1:5።
17. ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ብኸመይ እዮም ንጢሞቴዎስ ኪመስልዎ ዚኽእሉ፧
17 ሎሚ ብዙሓት መንእሰያት ኣብነት ጢሞቴዎስ ብምስዓብ፡ ኣምላኻዊ ባህርያት የማዕብሉ ኣለዉ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ገና ብንእስነቶም ኣብ ቅድሚ የሆዋን ኣብ ቅድሚ ህዝቡን ጽቡቕ ስም የጥርዩ ኣለዉ። (ምሳ. 22:1፣ 1 ጢሞ. 4:15) ክልተ ዓይነት ህይወት ብዘይምምራሕ፡ ግብዝና ዘይብላ እምነት የርእዩ እዮም። (መዝ. 26:4) ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ብዙሓት መንእሰያት፡ ከም ጢሞቴዎስ ኣብ ጉባኤ ኣገዳሲ ግደ ይጻወቱ እዮም። ኣስፋሕቲ እቲ ብስራት ንምዃን ብቑዓት ኪዀኑ ኸለዉ፡ ጸኒሖም ከኣ ርእሶም ንየሆዋ ወፍዮም ኪጥመቑ ኸለዉ፡ ንዅሎም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ኣፍቀርቲ የሆዋ ብዙሕ የተባብዕዎም እዮም።
“ብእምነት ይጸንዓ” (ግብሪ ሃዋርያት 16:4, 5)
18. (ሀ) ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ከም ገየሽቲ ኣገልገልቲ መጠን እንታይ ፍሉይ መሰል እዩ ነይርዎም፧ (ለ) እተን ጉባኤታት ብኸመይ እየን ዚባረኻ ነይረን፧
18 ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ንሓያሎ ዓመታት ብሓባር ኣገልጊሎም እዮም። ከም ገየሽቲ ኣገልገልቲ መጠን፡ ተወከልቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ብምዃን እተፈላለየ ተልእኾ ፈጺሞም እዮም። ብዛዕባኦም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ብኸተማታት ኪሓልፉ ኸለዉ፡ ነቲ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ዝወሰንዎ ትእዛዛት ኪሕልዉ ይነግርዎም ነበሩ።” (ግብ. 16:4) እተን ጉባኤታት ነቲ ኻብቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ዝመጾም ዝነበረ መምርሒ ይስዕባ ነይረን ኪዀና ኣለወን። እዙዛት ስለ ዝነበራ ድማ፡ “እተን ጉባኤታት ብእምነት ይጸንዓ፡ መዓልቲ መዓልቲ ድማ ብቝጽሪ ይውስኻ ነበራ።”—ግብ. 16:5።
19, 20. ክርስትያናት ነቶም ‘ዚመርሕዎም’ እዙዛት ኪዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧
19 ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ‘ዚመርሕዎም’ ተገዛእቲ ብምዃኖም፡ በረኸት ይረኽቡ እዮም። (እብ. 13:17) ናብራ እዛ ዓለም እዚኣ ተቐያያሪ ስለ ዝዀነ፡ ክርስትያናት ዘበልና ማዕረ ማዕረ እቲ ብ“እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዚቐርበልና መንፈሳዊ ምግቢ ኽንስጕም ኣሎና። (ማቴ. 24:45፣ 1 ቈረ. 7:29-31) ከምኡ ምግባርና፡ ካብ መንፈሳዊ ሓደጋ ኸነምልጥን ካብ ርኽሰት ዓለም ክንሕሎን የኽእለና።—ያእ. 1:27።
20 ልክዕ እዩ፡ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ክርስትያን ሓለውቲ፡ እንተላይ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ከም ጳውሎስን በርናባስን ማርቆስን ካልኦት ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ቕቡኣት ሽማግለታትን ዘይፍጹማት እዮም። (ሮሜ 5:12፣ ያእ. 3:2) እንተዀነ ግና፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ተጠንቂቑ ቓል ኣምላኽ ስለ ዚስዕብን ናብቲ ሃዋርያት ዝሓደግዎ ኣብነት ስለ ዚለግብን፡ ዚእመኑ ምዃኖም ኣመስኪሮም እዮም። (2 ጢሞ. 1:13, 14) ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ጉባኤታት ይበራትዓን ብእምነት ይጸንዓን ኣለዋ።
a “ማርቆስ ሓያሎ ፍሉይ መሰላት ነበሮ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
b “ጢሞቴዎስ—‘ነቲ ብስራት ንምግልጋል’ ዝተግሀ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።