ትምህርቲ 31
መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
ቀንዲ ፍረ ነገር እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ ምስ መንግስቲ ኣምላኽ እተኣሳሰረ እዩ። የሆዋ በታ መንግስቲ እቲኣ ኣቢሉ እቲ ንምድሪ ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማኡ ኺፍጽም እዩ። እሞ ደኣ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ትገዝእ ከም ዘላኸ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧ ክሳዕ ሕጂ እንታይ ገይራ ኣላ፧ ኣብ መጻኢኸ እንታይ ክትገብር እያ፧ ኣብዚ ትምህርቲ እዝን ኣብ ዚቕጽል ክልተ ትምህርትታትን፡ እዚ ሕቶታት እዚ ኺምለስ እዩ።
1. መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ንጉሳኸ መን እዩ፧
መንግስቲ ኣምላኽ ብየሆዋ ኣምላኽ ዝቘመት መንግስቲ እያ። ንጉሳ የሱስ ክርስቶስ ከኣ ኣብ ሰማይ ኰይኑ እዩ ዚገዝእ። (ማቴዎስ 4:17፣ ዮሃንስ 18:36) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ፡ “ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ” ይብል። (ሉቃስ 1:32, 33) የሱስ ከም ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅላቶም ኪገዝእ እዩ።
2. ምስ የሱስ ኰይኖም ዚገዝኡ መን እዮም፧
የሱስ በይኑ ኣይኰነን ዚገዝእ። “ካብ ብዘሎ ነገዳትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኣህዛብን . . . ኣብ ልዕሊ ምድሪ . . . ኺነግሱ እዮም።” (ራእይ 5:9, 10) እሞ ደኣ ምስ ክርስቶስ ኰይኖም ዚገዝኡ ሰባት ክንደይ እዮም፧ የሱስ ናብ ምድሪ ኻብ ዚመጽእ ኣትሒዙ፡ ሚልዮናት ክርስትያናት ሰዓብቱ ዀይኖም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ካባታቶም 144,000 ጥራይ እዮም ምስ የሱስ ኰይኖም ንምግዛእ ናብ ሰማይ ዚኸዱ። (ራእይ 14:1-4 ኣንብብ።) ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዚተርፉ ክርስትያናት ተገዛእቲ እታ መንግስቲ እዮም ዚዀኑ።—መዝሙር 37:29።
3. መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ሰብኣውያን መንግስትታት እትበልጽ ብኸመይ እያ፧
ሰብኣውያን ገዛእቲ ጽቡቕ ኪገብሩ ኣብ ዚፍትኑሉ እዋን እኳ እንተ ዀነ፡ ዝደለይዎ ዅሉ ንምግባር ዓቕሚ የብሎምን። ውዒሎም ሓዲሮም እውን፡ ንተገዛእቶም ዘይሓልዩ ኻልኦት ገዛእቲ ንዓታቶም ይትክእዎም እዮም። እቲ ገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ግና፡ ብኻልእ ኣይትካእን እዩ። ኣምላኽ፡ “ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ መንግስቲ” ኣቚሙ ኣሎ። (ዳንኤል 2:44) የሱስ ኣብ ልዕሊ ብዘላ ምድሪ ኺገዝእ እዩ፣ ኣድልዎ ድማ የብሉን። ፈቃርን ለዋህን ፍትሓውን እዩ፣ ንሰባት ድማ ኣብ መንጎኦም ፍቕርን ለውሃትን ፍትሕን ኬስፍኑ ኺምህሮም እዩ።—ኢሳይያስ 11:9 ኣንብብ።
ኣዕሚቝካ ዅዓት
መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ኵለን ሰብኣውያን መንግስትታት ስለምንታይ ከም እትበልጽ ርአ።
4. ኣብ ልዕሊ ብዘላ ምድሪ ሓያል መንግስቲ ኽትገዝእ እያ
የሱስ ክርስቶስ ኣብ ታሪኽ ካብ ዘለዉ ዅሎም ገዛእቲ ንላዕሊ ስልጣን ኣለዎ። ማቴዎስ 28:18 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ስልጣን የሱስ ካብ ናይ ዝዀነ ሰብኣዊ ገዛኢ ዚበልጽ ብኸመይ እዩ፧
ሰብኣውያን መንግስትታት ብዙሕ ሳዕ ይቀያየራ እየን፣ ነፍሲ ወከፍ ገዛኢ እውን እተወሰነ ኽፋል ምድሪ እዩ ዚገዝእ። መንግስቲ ኣምላኽ ግና ከመይ እያ፧ ዳንኤል 7:14 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
መንግስቲ ኣምላኽ ‘ዘይትጠፍእ’ ምዃና ጽቡቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ኣብ ልዕሊ ብዘላ ምድሪ እትገዝእ ምዃና ጽቡቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
5. ሰብኣዊ ግዝኣት ኪትካእ ኣለዎ
መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኣውያን መንግስትታት ክትትክአን ዘለዋ ስለምንታይ እያ፧ ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ሰብኣዊ ግዝኣት እንታይ ፍረ እዩ ኣፍርዩ፧
መክብብ 8:9 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኣውያን መንግስትታት ክትትክአን ዘለዋዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧
6. መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንዓና ዚርድኡና ገዛእቲ ኣለውዋ
ንጉስና የሱስ፡ ሰብ ኰይኑ ይነብር ስለ ዝነበረ፡ “ብድኻምና ኺድንግጸልና” ይኽእል እዩ። (እብራውያን 4:15) እቶም ምስ የሱስ ዚገዝኡ 144,000 እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ከኣ፡ የሆዋ “ኻብ ብዘሎ ነገዳትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኣህዛብን” ዝሓረዮም እዮም።—ራእይ 5:9።
የሱስን ኵሎም እቶም መጋዝእቱን ንናብራ ሰብ ዚፈልጥዎ ምዃኖምሲ የጸናንዓካዶ፧ ስለምንታይ፧
7. መንግስቲ ኣምላኽ ብሉጽ ሕግታት ኣለዋ
መንግስትታት ንዜጋታተን ዚጠቅምን ዜዕቍብን ዚብላኦ ሕግታት የውጽኣ እየን። መንግስቲ ኣምላኽ እውን ዜጋታታ ኺሕልውዎ ዘለዎም ሕግታት ኣለዋ። 1 ቈረንቶስ 6:9-11 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ኵሉ ሰብ ንሕግታት ኣምላኽ እንተ ዚስዕቦ፡ ዓለም ከመይ እትኸውን ይመስለካ፧a
የሆዋ ንዜጋታት መንግስቱ፡ ነዚ ሕግታት እዚ ኺሕልዉ ምጽባዩስ ግቡእዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧
እቶም ነዚ ሕግታት እዚ ዘይሕልዉ ዘለዉ ሰባት ኪቕየሩ ኸም ዚኽእሉ ዜርኢ እንታይ እዩ፧—ፍቕዲ 11 ርአ።
ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧”
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
ጽማቝ
መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ብዘላ ምድሪ እትገዝእ ኣብ ሰማይ ዝቘመት ናይ ሓቂ መንግስቲ እያ።
ክለሳ
ገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ መን እዮም፧
መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ሰብኣውያን መንግስትታት እትበልጽ ብኸመይ እያ፧
ገለ ኻብቲ የሆዋ ኻብ ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ዚጽበዮ ነገራት እንታይ እዩ፧
ዳህስስ
መንግስቲ ኣምላኽ ኣበይ ከም ዘላ ብዚምልከት የሱስ እንታይ ከም ዝመሃረ ርአ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ንሰብኣውያን ገዛእቲ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ እሙናት ኪዀኑ ዚደልዩ ስለምንታይ እዮም፧
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ምስ የሱስ ኪገዝኡ ብየሆዋ እተሓርዩ 144,000 እንታይ ከም ዚብል መርምር።
ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸላ፡ ኣምላኽ ጥራይ ኣብ ዓለም ፍትሒ ኸም ዜስፍን ዘእመና እንታይ እዩ፧