ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ብኸመይ ሓጐስ ከም እትረክብ
ሓደ ካብቲ ሰብ ክረኽቦ ዝኽእል ዝለዓለ ሓጐስ መዓይይቲ ኣምላኽ ምዃን ኢዩ። ሎሚ ዕዮ ኣምላኽ ነቶም ናይ ጽድቂ ዝንባለ ዘለዎም ሰባት ኣብታ ክርስትያናዊ ጉባኤ ምእካብ ከምኡውን ሕጂ ንሓደ ክርስትያን ዝኸውን ናብራ ክነብሩን ኣብታ ሓዳስ ምድሪ ድማ ድሒኖም ንኽኣትዉን ምልምማድ ዘጠቓልል ኢዩ።—ሚክያስ 4:1-4፣ ማቴዎስ 28:19, 20፣ 2 ጴጥሮስ 3:13
እቶም ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ካብ 1980 ጀሚሩ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ክዀኑ ምርኣይ ናይ ዓቢ ሓጐስ ምንጪ ኰይኑዎም ኢዩ። ኣብዚ ብዙሓት ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘኽብሩን ዝኣምኑን ሰባት ዘለውዎ ፍርያም ቦታ: ገለ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ንደርዘናት ዝዀኑ ሰባት ህይወቶም ንየሆዋ ክውፍዩ ክሕግዝዎም ክኢሎም ኢዮም። ብዙሕ ተመኵሮታት ዘለዎም ብምዃኖም: ብዛዕባ እቲ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ዘሎ ሓጐስ ክነግሩና ይኽእሉ ኢዮም። ገለ ካብቲ ዝህብዎ ሓሳባት ነቲ ኣብቲ እትነብረሉ ቦታ ዘሎ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ክትሕጐሰሉ ይሕግዘካ ይኸውን ኢዩ።
ነቶም “ኣባጊዕ” ክዀኑ ዝኽእሉ ምልላዮም
የሱስ ንሃዋርያቱ ክሰብኩ ክልእኮም ከሎ “ኣብ ዝዀነ ኸተማ ወይስ ዓዲ አቲኹም: ኣብኡ እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ሕተቱ” በሎም። (ማቴዎስ 10:11) ንሰባት ክትበጽሖም ከሎኻ: እቶም ብመንፈስ ክሕገዙ ዝኽእሉ ብኸመይ ከተለልዮም ትኽእል፧ ንልዕሊ 50 ዓመታት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ኰይኑ ዝዓየየ ኤድዋርድ ከምዚ ይብል:- “በቲ ቅንዕና ዘለዎ ሕቶታቶምን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት መልሲ ምስ ሃብካዮም ምዕጋቦምን ይንጸባረቕ ኢዩ።” ካረል ከምዚ ኢላ ትውስኽ:- “ሓደ ሰብ ብሕታዊ ሽግሩ ወይ ሻቕሎቱ ኣባይ ምስ ዝድርቢ: ብሓቂ ሓገዝ ደልዩ ኢዩ ዝልምን ዘሎ። ኣብ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋት ሓጋዚ ዝዀነ ሓበሬታ ክረክብ እፍትን። ከምዚ ዝበለ ብሕታዊ ተገዳስነት ምርኣይ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሕ ኢዩ።” እንተዀነ ግን: ቅኑዓት ሰባት ንኸተላልዮም ኵሉ ግዜ ኣይኰነን ቀሊል። ሎዩዝ ከምዚ ኢሉ የዘንቱ:- “ገለ ኣዝዮም ዝግደሱ ዝመስሉ ጸኒሖም ፈጺሞም ዘይግደሱ ኰይኖም ይርከቡ: ካልኦት ኣብ መጀመርያ ዝጻረሩ ዝመስሉ ሰባት ግን ድሓር ብሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ምስ ሰምዑ ተለዊጦም ኢዮም።” ብዙሓት ደቂ ላቲን ኣመሪካ ንመጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘኽብርዎ: ወሲኹ “ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ምስ ኣርኣኽዎም ክቕበሉ ቅሩባት ዝዀኑ ሰባት ብመንፈስ ክሕገዙ ዝኽእሉ ምዃኖም የለልዮም።” ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ‘ብቑዓት’ ሰባት ብመንፈስ ክዓብዩ ምሕጋዞም: ናይ ሓቂ ሓጐስን ዕግበትን የምጽእ ኢዩ። ብኸመይ ኢኻ ክትሕግዞም እትኽእል፧
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓታት ምጅማር
መብዛሕትኡ ግዜ “እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዘውጽኦ ናይ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒ ሓገዛት ገይርካ ንሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኽርድኡ ምሕጋዞም እቲ ዝበለጸ መገዲ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45 ትሓዓ) ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሕግዙ ነገራት ዘሎካ ሞሳ ብኸመይ መዕበኻዮ፧ ኤድዋርድ ከምዚ ይብል:- “ናይ ሰባት ኵነታት: ጠባይ: ከምኡውን ኣረኣእያ ኣዝዩ ዝፈላለ ብምዃኑ ጽንዓታት ክጅምር ከሎኹ ተዓጻጻፊ ክኸውን ኢየ ዝፍትን።” ምስ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓደ ዓይነት ኣገባብ ክትጥቀም ኣይትኽእልን ኢኻ።
ምስ ገሊኦም: ንጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝኸውን መጽሓፍ ቅድሚ ምጅማርና ብዙሕ ስርዓታዊ ዘይኰነ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ምይይጥ ክንገብር ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ሚስዮናውያን ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ ብምባል ጸብጻብ ይህቡ:- “መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ቀዳማይ እግርና መጽናዕቲ ክጅምሩ ንዕድሞም።” ብተመሳሳሊ ድማ ሓንቲ 55 ሰባት ህይወቶም ኣብ ምውፋይ ንኽበጽሑ ዝሓገዘት ምስክር “ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ዝጥቀመሉ ኣገባብ ብቐጥታ ናብታ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ እትበሃል መጽሓፍ ኢየ ዘእትዎም” ትብል። ሽሕ’ኳ ገለ ሰባት ዝዀነ ይኹን ነገር ምጽናዕ ዝጸልእዎ እንተዀኑ: ካልኦት ግን ኣብ ናብራኦም ዝሕግዞም ኰይኑ ዝስምዖም ዝዀነ ነገር ከጽንዑ ይህንጠዩ ኢዮም። ነዞም ሰባት እዚኣቶም ናጻ ዝዀነ ናይ ቤት መጽናዕቲ ክገብሩ ዝግበረሎም ዕድመ ይስሕቦም ኢዩ። ገለ ሚስዮናውያን ነዚ ዕድመ እዚ ብምቕራብ ደሓር “ከመይ ገይርና ከም እንገብሮ ከርእየካ እደሊ ኢየ። ባህ እንተድኣ ኢሉካ ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ። እንተዘይኰነ ድማ ናትካ ምርጫ ኢዩ” ይብልዎም። ብኸምዚ ዝበለ መገዲ ምስ እተቕርበሎም: ክቕበሉኻ ፍርሂ ኣይክስምዖምን ኢዩ።
ብዙሓት ውሑድ እቶትን ትሑት ትምህርትን ዘለዎም ሰባት ዝሓገዘ ካልእ ምስክር ድማ ከምዚ ይብል:- “ብፍላይ ትራክት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ሓገዘቲ ኰይነን ረኺበየን ኢየ።” ዝዀነ ይኹን ጽሑፋት ይጠቀሙ: እዞም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ መምሃራን: ንመጽሓፍ ቅዱስ ቀንዲ ኣትኩሮ ክገብሩላ ኢዮም ዝጽዕሩ። ካሮላ ከምዚ ትብል:- “እቲ ቀንዲ ነጥቢ ምእንቲ ክጐልሕን መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ምእንቲ ከቢድ ከይመስልን: ኣብታ ናይ መጀመርያ መጽናዕቲ እቲ ስእልታትን ገለ ሓሙሽተ ዝዀኑ ጥቕስታትን ጥራይ ኢየ ዝጥቀም።”
ነቲ ዘሎ ተገዳስነት ህያው ገይርካ ምሓዙ
ሰባት እናወስኽካ ምኻድ ስለ ዘሐጕሶም: ጀኒፈር ከምዚ ትብል:- “ነቲ መጽናዕቲ ህያው ግበሮ። እናወሰኸ ከም ዝኸይድ ግበሮ።” ነቲ መጽናዕቲ ሰሙናት ከየቋረጽካ ስርዓታዊ ኰይንካ ምግባር እናወሰኹ ይኸዱ ምህላዎም ንኽስምዖም ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ኣብ ገጠራት ዝዓበየ ፍሉይ ፓይነር እቶም ሒደት ትምህርቲ ዘሎዎም እውን ከይተረፈ ምእንቲ ክዓብዩ ክኽእሉ ነቲ መግለጺታት ምፍዃሱን ናብቲ ቀንዲ ነጥብታት ምትኳርን ኣድላይነቱ ይገልጽ። ከምዚ ይብል:- “ኣብ ዓድና ዘርኢ ምስ ዘራእና ነቲ መሬት ማይ ክንርብርበሉ ኣሎና። ብማይ እንተድኣ ኣጠለቕሊቕናዮ እቲ መሬት ሓመዱ ይኸይድ እሞ እቲ ዘርኢ ክሓልፎ ዘይክእል መሬት ይፈጥር: ኣብ መወዳእታ ድማ ይመውት። ብተመሳሳሊ ድማ ሓደስቲ ተገደስቲ ሰባት ብዙሕ ነጥብታት ገይርካ ዓቕሎም ከም ዝጸቦም ምስ እትገብር ከቢድ መሲሉ ይረኣዮም እሞ ተስፋ ይቘርጹ።” ዋላ እቶም ሕቶ ዝሓቱ ንፉዓት ሰባት እውን ከይተረፈ ብምርዳእ ክዓብዩ እንተድኣ ዀይኖም ኣብ ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ኣርእስቲ ጥራይ ምትኳር ክማሃሩ ኣለዎም። የሱስ ንሃዋርያቱ “ዝነግረኩም ካልእ ብዙሕ ዘረባ ገና አሎኒ: ግናኸ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም።—ዮሃንስ 16:12
ነቲ ተገዳስነት ህያው ገይርካ ክትሕዘሉ እትኽእል ካልእ መገዲ ድማ ነቶም እትበጽሖም ሰባት ብድሕሬኻ ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ምሕሳብ ክቕጽሉ ምትብባዖም ኢዩ። ዮላንዳ ከምዚ ኢላ ሓሳብ ትህብ:- “ሕቶ ጠልጠል ኣቢልካ ግደፍ። ገለ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቡ: ወይ ብዛዕባ ዘገድሶም ኣርእስቲ ክምርምሩ ዕዮ ገዛ ሃቦም።”
ኣብ የሆዋ ፍቕሪ ከም ዘዕብዩ ምግባር
ንተማሃሮኻ ‘ሰማዕቲ ጥራይ ዘይኰነስ ገበርቲ ቃል ክዀኑ’ ምስ እትሕግዞም ሓጐስካ ክውስኽ ኢዩ። (ያእቆብ 1:22) ነዚ ብኸመይ ምገበርካዮ፧ ሓቀኛታት ክርስትያን በቲ ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ ኢዮም ዝለዓዓሉ። ፔትሮ እተባህለ ኣብ ሜክሲኮ ዝነብር ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ሰባት ንዘይፈልጥዎ ኣካል ከፍቅሩ ኣይክእሉን ኢዮም: ስለዚ ካብ መጀመርያ ናይቲ መጽናዕቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ስም ኣምላኽ ይምህሮም: ከምኡውን ንባህርያት ኣምላኽ ንኽጸቕጠሉ ድማ ኣጋጣሚታት እደሊ።” ኣብ ዕላል ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎካ ስምዒት ብምግላጽ ሞሳ ከተዕቢ ትኽእል ኢኻ። ኤልሳቤጥ ከምዚ ትብል:- “ኵሉ ግዜ ናይ የሆዋ ሕያውነት ክጠቅስ ኢየ ዝፍትን። ጽንዓት ክገብር ከሎኹ ጽብቕቲ ዕንባባ: ጽብቕቲ ዑፍ: ወይ ዝጻወት ዘሎ ውላድ እንስሳ: ምስ ዝርኢ ኵሉ ግዜ ስራሓት የሆዋ ምዃኑ ኢየ ዝጠቅስ።” ጀኒፈር ድማ “ከምቲ ንስኻ እትርድኦ ብዛዕባ እታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም ተዛረብ። ኣብታ ሓዳስ ዓለም እንታይ ክገብሩ ከም ዝደልዩ ሕተቶም” ኢላ ሓሳባት ትህብ።
ሓደ ሰብ ብሞሳ ነቲ ብዛዕባ የሆዋ እተማህሮ ነገር ምስ ዘስተንትነሉ: ናብ ልቡ ይወርድ እሞ ኣብ ተግባር ንኸውዕሎ ድማ ይደፋፍኦ። እንተዀነ ግን: እንተ ዘይዘኪሩ ከስተንትን ኣይክእልን ኢዩ። ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ቀንዲ ነጥብታት ገይርካ ሕጽር ዝበለ ድግማ ምግባር ንመዘኻኸሪ ሓገዝ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብዙሓት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምሃራን ንሓደስቲ ሰባት ኣብቲ ናይ ድሕሪት መጽሓፍ ቅዱሶም ቀንዲ ጥቕስታት ምስ ሓጺር መዘኻኸሪ ከም ዝጽሕፉ ይገብርዎም። ሓንቲ ኣብ ኢንግላድ ዘላ ሚስዮናዊት ድግማ ናይ ምግባር ካልእ ጥቕሚ ከምዚ ኢላ ትገልጽ:- “እቲ ትምህርቲ ብኸመይ ከም ዝጠቐሞም እሓቶም። እዚ ድማ ብሞሳ ብዛዕባ መገድታትን ሕግታትን የሆዋ ከም ዘስተንትኑ ይገብሮም።”
ሓንቲ ካብ ናይ ጊልዓድ መበል ሳልሳይ ክፍሊ እተመረቐት እምንቲ ሓብቲ ከምዚ ትብል:- “ውዕዉዓት ክንከውን ኣሎና። ተማሃሮና እቲ እንምህሮም ዘሎና ከም እንኣምነሉ ክግንዘቡ ኣለዎም።” እቲ ሕጕስ “ግብሪ ዚገብር” ንኽትከውን ዝገብረካ እምነት እንተድኣ ገሊጽካዮ ናብኣቶም ክመሓላለፍ ይኽእል ኢዩ።—ያእቆብ 1:25
ሓንቲ ብዙሓት ሰባት ንየሆዋ ከምልኹ ዝሓገዘት ምስክር ከምዚ ትብል:- “ንናይ ጸሎቶም መልሲ ከለልይዎ ምስ ዝሕግዞም ሰባት ናብ ኣምላኽ ዝያዳ ከም ዝቐርቡ ይዀኑ። ካብ ናይ ገዛእ ርእሰይ ተመኵሮታት ኣብነት ይህቦም። ንኣብነት:- ኣነን ብጸይተይን ከም ፓይነራት ኰይንና ኣብቲ እተመደብናሉ ሓድሽ ቦታ ምስ በጻሕና ሒደት ኣሕምልቲ: ውሑድ ጠስሚ ነበረና: ገንዘብ ከኣ ኣይነበረናን። ነቲ መግቢ ንድራር ወዳእናዮ: ከምዚ ድማ በልና:- ‘ሕጂ ንጽባሕ ዝኸውን ዋላ ሓንቲ የብልናን።’ ብዛዕባኡ ጸሊና ድማ ደቀስና። ንጽባሒቱ ንግሆ ሓንቲ ኣብቲ ከባቢ ዘላ ምስክር መጺኣ ‘የሆዋ ፓይነራት ክሰደልና ጸልየ። ሕጂ ዝበዝሕ ግዜ ከሰንየክን ኢየ: እንተዀነ ግን ካብ ከተማ ወጻኢ ስለ ዝነብር ምሳኽን ምሳሕ ምእንቲ ክበልዕ እዚ መግቢ ንዅላትና ክኸውን ኢለ ኣምጽኤዮ ኣሎኹ’ በለት። ብዙሕ ስጋን ኣሕምልትን ኢዩ ነይሩ። ኵሉ ግዜ ንተማሃሮይ ቅድም መንግስቱ እንተድኣ ኣቐዲምና የሆዋ ፈጺሙ ከም ዘይገድፈና እነግሮም።”—ማቴዎስ 6:33
ተግባራዊ ሓገዝ ሃብ
ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ምግባር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምምራሕ ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ። ሓደ ንብዙሕ ዓመታት ገያሺ ተዓዛቢ ኰይኑ ዝሰርሐ ሚስዮናዊ ከምዚ ይብል:- “ግዜ ሃቦም። ጽንዓት ምስ ተወድአ ብድድ ኢልካ ተሃዊካ ኣይትኺድ። ዝጥዕም እንተድኣ ኰይኑ ቁሩብ ብምጽናሕ ኣዕልል።” ኤልሳቤጥ ከምዚ ትብል:- “ናይ ህይወት ጕዳይ ብምዃኑ ኣብኣቶም ተገዳስነት የርኢ። ልክዕ ከም ውሉደይ ብዛዕባኦም ብዙሕ ግዜ እጭነቕ ኢየ።” ካልኦት መሰኻኽር ድማ ከምዚ ዝብል ሓሳባት ሃቡ:- “ክሓሙ ከለዉ ብጽሓዮም።” “ጥቓ ገዝኦም እንተድኣ ኣሎኻ: ንኣብነት ኣብ ኣገልግሎት ከሎኻ: ምስ ካልኦት መሰኻኽር ከተፋልጦም ኣላግስ።” ኤቫ ከምዚ ትብል:- “ናይቲ ሰብ መበቈልን ናይ ናብራ ኵነታትን ንኽትርዳእ ጽን ኢልካ ስማዕ። እዚ ነቲ ሰባት ንሓቂ ዘርእይዎ መልሰ-ግብሪ ይትንክፎ: ንዕቤቶም ድማ ከተዓናቕፎ ይኽእል ኢዩ። ብዛዕባ ግድላቶም ክዛረቡ እምንቶ ምእንቲ ክስምዖም ዓርኮም ኩን።” ካረል ድማ ከምዚ ኢላ ትውስኽ:- “እቲ ሓቂ ኣብ ህይወቱ ዘምጽኦ ለውጢ ሓድሓደ ግዜ ካብ ስድራቤትን ኣዕሩኽን ምፍላይ ክኸውን ስለ ዝኽእል ኣብቲ ሰብ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ምርኣይ ኣድላዪ ኢዩ። ብሓፈሻ እቲ ሰብ ኣበይ ከም እንነብር ምስ ዝፈልጥን ኣብ ዝዀነ ግዜ ናባና ክመጽእ ድማ እምንቶ ምስ ዝህልዎን ጽቡቕ ኢዩ።” ነታ ጉባኤ ከም ሓዳስ ስድራቤቱ ገይሩ ክርእያ ሓግዞ።—ማቴዎስ 10:35፣ ማርቆስ 10:29, 30
ዮላንዳ ድማ “ተግባራዊ ሓገዝ ንምሃብ ንቑሕ ኩን። ኣብ ኣኼባታት ምስኣቶም ኮፍ በል: ንደቆም ኣብ ምእላይ እውን ሓግዞም” ትብል። ንሓደስቲ ሰባት ደቆም ብኸመይ ከም ዘለማምዱ: ጽሬቶም ንኸመሓይሹ: ኣብ ኣኼባታት ሓሳባት ንምሃብ ክዳለዉ: ከምኡውን ኣብቲ ናይ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክፍልታት ክህቡ ምሕጋዞም: ኵሉ ክፍሊ ናይቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ኢዩ። ካልእ ሓብቲ ድማ ከምዚ ኢላ ትውስኽ:- “ሓደስቲ ሰባት ኣብ ኣገልግሎት ከተለማምዶም ኣድላዪ ኢዩ። እዚ ናይ ልምምድ መዳይ እዚ ሸለል ምስ ዝበሃል ገሊኣቶም ኣብቲ ናይ ስብከት ዕዮ ክካፈሉ ፈራሃት ኰይኖም ይተርፉ: ንየሆዋ ብምግልጋል ዝረኽብዎ ሓጐስ የጥፍኡ: ከምኡውን ምጽማም ይስእኑ።” ስለዚ ኣብቲ ናይ ቤተ-ቤት ዕዮ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምግባር: ከምኡውን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ጽቡቕ ምልምማድ ሃቦም። ተማሃሮኻ ብናትካ ሓገዝን መምርሕን ክዓብዩ ክትርእዮም ከሎኻ ሓጐስካ ዓቢ ክኸውን ኢዩ።
ንኽጽመሙ ኣበርትዓዮም
ሓንቲ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ተመኵሮ ዘለዋ ሓብቲ “እቲ ተማሃራይ ምስ ተጠምቀ መጽናዕቲ ንምግባር ሸለል ናይ ምባል ዝንባለ ኣሎ” እናበለት ተጠንቅቕ። እቲ መምህርን እቲ ጽንዓት ዝገብርን ክልቲኦም ሓደ ሓድሽ እተጠምቀ ክርስትያን ብመንፈስ ብሱል ካብ ምዃን ኣዝዩ ዝረሓቐ ምዃኑ ክዝክሩ ኣለዎም። እምነቱ: ንሕግታት ኣምላኽ ዘለዎ ሞሳ: ከምኡውን ንየሆዋ ዘለዎ ፍቕሪ ኣብ ምዕባይ ብዙሕ ዝገብሮ ነገራት ኣለዎ። ዕብየት ኣብ ምግባር ምእንቲ ክቕጽል ጽቡቕ ልምዲ ናይ ብሕታዊ መጽናዕቲ ክገብር ኣተባብዓዮ።—1 ጢሞቴዎስ 4:15
እቲ ሓድሽ ሰብ ክዓብን ምቕሉል ዝዀነ ኣባል ናይ ሕብረት ኣሕዋት ምእንቲ ክኸውንን ሓገዝ ይደሊ ይኸውን ኢዩ። ናብቶም ኣሕዋት ኣጸቢቑ እናቐረበ ክኸይድ ከሎ ድማ ነቲ ዘለዎም ዘይፍጽምና ምእንቲ ክዋጽኣሉ መምርሒ የድልዮ ይኸውን። (ማቴዎስ 18:15-35) ናይ ገዛእ ርእሱ ምርምር ዝገብር ክኢላ መምህር ምእንቲ ክኸውን ሓገዝ የድልዮ ይኸውን። ሓንቲ ሚስዮናዊት ከምዚ ኢላ ተዘንቱ:- “ሓንቲ ተማሃሪት ድሕሪ ጥምቀታ ነቲ ከም መምህር ዘለዋ ክእለት ከተማዕብል ደለየት: ስለዚ ድማ ከምዚ በለትኒ:- ‘ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ሰሙን ሓድሽ ጽንዓት ክመርሕ ኢየ: እንተዀነ ግን: ናይታ ዘጽናዕክዋ መጽሓፍ ናይ መጀመርያ ምዕራፋት ክዘኻኸር እደሊ ኢየ። ስለዚ ነቲ ናይ ጥቕስታት መግለጺታትን ኣብነታትን ኣሕጺረ ጽሒፈ ናብ ጽንዓተይ ክኸይድ ከሎኹ ምእንቲ ክጥቀመሉ በጃኺ ነዘን ምዕራፋት እዚኣተንዶ ምገበርከለይ፧’” ኣርባዕቲኦም ተማሃሮኣ ኣብ ሓደ ኣኼባ ዘጠመቐት ብልጽቲ መምህር ኰነት።
ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ክሳዕ ክንድዚ ጻዕሪ ዘድልዮ ስለምንታይ ኢዩ
ፓሜላ “ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ማለት ንየሆዋ ብዙሓት ወደስቲ ከም ዝህልውዎ ምግባር ማለት ኢዩ። ነቶም ንሓቂ ዝቕበልዎ ድማ ህይወት ማለት ኢዩ። ንኻልኦት ሓቂ ምምሃር ብሓቂ እፈትዎ ኢየ—ኣዝዩ ጽቡቕ ኢዩ! ሓደ ሰብ እቶም ተማሃሮ በብቑሩብ ምዕባለ ክገብሩ: ኣብ ህይወቶም ለውጥታት ክገብሩ ከምኡውን ብመንፈስ የሆዋ እንተ ዘይኰይኑ ክስገር ዘይክእል ዝመስል ዕንቅፋታት ክሰግሩ እርእዮም። ብዙሓት ካብቶም ንየሆዋ ዘፍቀርዎ ኣዝዮም ክቡራት ኣዕሩኸይ ኰይኖም ኢዮም” ትብል።
ሓንቲ ኣብ ጀርመን ዘላ ሚስዮናዊት ከምዚ ኢላ ተዘንቱ:- “ብዛዕባ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ክዀኑ ዝሓገዝክዎም ሰባት ክሓስብ ከሎኹ: ክኣምኖ ዘጸግመኒ: ገለ ኣዝዮም ሓፋራት ዝነበሩ ሰባት ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን ብዙሕ ምዕባለ ገይሮም ምርኣይ ኢዩ። ብናይ የሆዋ ሓገዝ ብርቱዕ ዕንቅፋታት እተዋጽእሉ ሰባት እርኢ። ሓደ ግዜ ተበታቲነን ዝነበራ ስድራቤታት ሕጂ ግን ሕጕሳት ውሉድ ምስ ሓላፍነት ዝስምዖም ወለዲ ብምዃን ሓቢረን እርኢ። ሰባት ንየሆዋ እናወደሱ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ከስተማቕሩ እርኢ። እዚ ኢዩ ካብ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ዝርከብ ሓጐስ።”
እወ: ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ መዓይይቲ የሆዋ ኣምላኽ ክትከውን ምንጪ ናይ መዘና ዘይብሉ ሓጐስ ኢዩ። ከምኡ ምዃኑ ተመኵሮ ናይ ሚስዮናውያንን ፓይነራትን ኣረጋጊጹዎ ኢዩ። ነዚ ተዋሂቡ ዘሎ ሓሳባት ኣብ ተግባር እንተ ኣውዒልካዮን ብእኡ ድማ ብምሉእ ልብኻ እንተ ሰሪሒካን ንስኻውን ከምኡ ሓጐስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብበረኸት የሆዋ ሓጐስካ ምሉእ ክኸውን ኢዩ።—ምሳሌ 10:22፣ 1 ቈረንቶስ 15:58