ልድያ ንኣምላኽ እተምልኽ ዝነበረት ተቐባሊት ጋሻ
ካብ ግዜ ጥንቲ ጀሚሩ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብምቕባል ኣጋይሽ ፍሉጣት ኢዮም ነይሮም። (ዘፍጥረት 18:1-8፣ 19:1-3) እቲ ከም “ነጋይሽ ምፍቃር: ነጋይሽ ምቕራብ: ወይ ሕያውነት ምርኣይ” ተባሂሉ ተገሊጹ ዘሎ ካብ ቅኑዕ ልቢ ዝወጽእ ምቕባል ኣጋይሽ: ሎሚ እውን ናይ ሓቀኛ ክርስትና ምልክት ኢዩ። አረ: ኵሎም እቶም ንኣምላኽ ብቕቡል መገዲ ዘምልኽዎ ክህልዎም ዘለዎ ብቕዓት ኢዩ።—እብራውያን 13:2፣ 1 ጴጥሮስ 4:9
ኣብነት ክኸውን ብዝኽእል መገዲ ምቕባል ኣጋይሽ ዘርኣየት ሓንቲ ልድያ ኢያ ነይራ። ነቶም ንፊልጲ ዝበጽሑ ዝነበሩ ክርስትያን ሚስዮናውያን ኣብ ገዝኣ ከዕርፉ ‘ግዲ በለቶም።’ (ግብሪ ሃዋርያት 16:15) ሽሕ’ኳ ልድያ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብሓጺሩ ተጠቒሳ እንተሃለወት: እቲ ብዛዕብኣ ተባሂሉ ዘሎ ሓጺር ሓሳባት ንዓና መተባብዒ ክዀነና ይኽእል ኢዩ። በየናይ መገዲ፧ ልድያ እንታወይቲ ኢያ ነይራ፧ ብዛዕብኣኸ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧
“ሸያጢት ቀይሕ ሃሪ”
ልድያ ኣብታ ቀንዲ ከተማ ናይ መቄዶንያ ዝነበረት ፊልጲ ትነብር ነበረት። ይኹን እምበር: ካብታ ኣብ ምዕራባዊ ንእሽቶ እስያ ኣብ ኣውራጃ ልድያ እትርከብ ከተማ ትያትራ ዝመጸት ኢያ ነይራ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ: ገለ ሰባት “ልድያ” ዝብል ስም ኣብ ፊልጲ እተዋህባ ሳጓ ኢዩ ይብሉ። ብኻልእ ኣበሃህላ: ልክዕ ከምታ የሱስ ክርስቶስ ዝመስከረላ ሰበይቲ “እታ ሳምራዊት ሰበይቲ” ተባሂላ ክትጽዋዕ ዝኸኣለት: ንሳ ድማ “እታ ልድያዊት” ሰበይቲ ኢያ ነይራ ማለት ኢዩ። (ዮሃንስ 4:9) ልድያ “ቀይሕ ሃሪ” ወይ በዚ ሕብሪ እዚ እተኣልመ ክዳውንቲ ትሸይጥ ነበረት። (ግብሪ ሃዋርያት 16:12, 14) ኣብ ትያትራን ኣብ ፊልጲን ኣቃመምቲ ሕብሪ ከም ዝነበሩ በቲ ኳዓትቲ መሬት ዝረኸብዎ ጽሑፋት ተረጋጊጹ ኢዩ። ልድያ ናብ ፊልጲ ዝኸደትሉ ምኽንያት ምናልባት ብስራሕ: ብናይ ገዛእ ርእሳ ጕዳይ ወይ ከም ወኪል ናይ ሓንቲ ኣብ ትያትራ እትርከብ ናይ ሕብሪ ኩባንያ ኰይና ግዒዛ ክትከውን ትኽእል ኢያ።
ናይ ቀይሕ ሃሪ ሕብሪ ካብ እተፈላለየ ምንጭታት ክመጽእ ይኽእል ኢዩ። እቲ ኣዝዩ ክቡር ዓይነት ካብ ገለ ሞላስክ ዝብሃሉ ናይ ባሕሪ እንስሳታት ዝመጽእ ኢዩ። ብመሰረት እቲ ማርሽያል እተባህለ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ሮማዊ ጸሓፍ ግጥሚ ዝበሎ: እቲ ካብ ናይ ጢሮስ ቀይሕ ሃሪ (ካልእ ቀይሕ ሃሪ ዝርከበሉ ቀንዲ ማእከል) ዝስራሕ ካባ 10,000 ሰስተርስ ወይ 2,500 ዲናር ዘውጽእ ኢዩ: እዚ ኸኣ ንሓደ ሰራሕተኛ 2,500 መዓልትታት ሰሪሑ ዝኽፈሎ ደሞዝ ማለት ኢዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ክዳውንቲ: ውሑዳት ጥራይ ክገዝእዎ ዝኽእሉ ናይ ምቾት ክዳውንቲ ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ። ስለዚ ልድያ ብቑጠባ ዝመጸ ሃብታም ነይራ ክትከውን ትኽእል ኢያ። እዚ ኰይኑ እቲ: ንሃዋርያ ጳውሎስን ብጾቱን—ሉቃስ: ሲላስ: ጢሞቴዎስ: ምናልባት ካልኦት እውን ነይሮም ይዀኑ—ከም ኣጋይሽ ክትቅበሎም ትኽእል ነይራ ኢያ።
ጳውሎስ ኣብ ፊልጲ ዝገበሮ ስብከት
ኣብ ከባቢ 50 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ይኸውን: ጳውሎስ ናብ ኣውሮጳ ናይ መጀመርታ ጕዕዝኡ ገበረ: ኣብ ፊልጲa ድማ ክሰብኽ ጀመረ። ኣብ ሓንቲ ሓዳስ ከተማ ምስ በጽሐ: ጳውሎስ ቅድም ነቶም ኣብ ቤት ጸሎት እተኣከቡ ኣይሁድን ጵሮሰሊትን ምስባኽ ልማዱ ኢዩ ነይሩ። (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 13:4, 5, 13, 14፣ 14:1 ኣረኣእዮ።) ይኹን እምበር: ገለ ምንጭታት ከም ዝብልዎ: እቲ ናይ ሮሜ ሕጊ ነቶም ኣይሁድ ኣብቲ ናይ ፊልጲ “ቅዱስ ወሰናስን” ኰይኖም ሃይማኖቶም ከይትግብሩ ዝኽልክሎም ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ኣብኡ “ሓያሎ መዓልቲ” ምስ ጸንሑ: እቶም ሚስዮናውያን ብመዓልቲ ሰንበት ካብታ ከተማ ወጻኢ ኣብ ዝነበረ ርባ: ጥቓኡ ቦታ ረኸቡ: እዚ ድማ ‘ጸሎት ዝግበሮ’ ቦታ መሲልዎም ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:12, 13) እዚ ርባ ጋንጌቴስ ምንባሩ ርግጽ ኢዩ። ኣብኡ ድማ እቶም ሚስዮናውያን ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ረኸቡ: ሓንቲ ካብአን ድማ ልድያ ኢያ ነይራ።
“ንኣምላኽ እተምልኽ”
ልድያ “ንኣምላኽ እትፈርህ [“እተምልኽ: ትሓዓ ]” ኢያ ነይራ: ምናልባት ግን ሃይማኖታዊ ሓቂ ደልያ ናብ ኣይሁድነት እተለወጠት ጵሮሰሊት ኢያ ነይራ እትኸውን። ሽሕ’ኳ ጽቡቕ ዝዀነ ስራሕ እንተ ነበራ: ልድያ ፍቕረ-ንዋይ ዝነበራ ሰብ ኣይነበረትን። ኣብ ክንድኡስ: ንመንፈሳዊ ኵነታት ዝኸውን ግዜ ትፈሊ ነበረት። “ናብቲ ጳውሎስ ዚብሎ ዝነበረ ኸተድህብ ከኣ: እግዚኣብሄር ልባ ኸፈተላ:” ልድያ ድማ ሓቂ ተቐበለት። አረ ‘ንሳ ምስ ስድራቤታ ተጠሚቓ ኢያ።’—ግብሪ ሃዋርያት 16:14, 15
እቶም ካልኦት ኣባላት ስድራቤት ልድያ መን ከም ዝነበሩ መጽሓፍ ቅዱስ ፈልዩ ኣይጠቅስን ኢዩ። ኣብቲ ጸብጻብ ንጹር ንክኸውንሰብኣያ ዝብል ስለ ዘይተጠቕሰ: ዘይተመርዓወት ወይ ድማ መበለት ነይራ ክትከውን ትኽእል ኢያ። ምናልባት “ስድራቤታ” በዝማድ ዝቘመ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: እንተዀነ ግን: እታ ስያመ ንባሮት ወይ ኣገልገልቲ እውን ተመልክት ኢያ። ዝዀነ ዀይኑ ግን: ልድያ ነቲ እተማህረቶ ነቶም ምስኣ ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት ብቕንኢ ነጊራቶም ኢያ። ነቲ ሓቀኛ እምነት ምስ ኣመንዎን ምስ ተቐበልዎን ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ ነይርዋ ዝኸውን!
“ግዲውን በለትና”
ንልድያ ቅድሚ ምርካቦም: እቶም ሚስዮናውያን ምናልባት በቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ወጻኢታት ዝረኸብዎ መንበሪ ዕጉባት ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። እንተዀነ ግን: መንበሪ ክትህቦም ምኽኣላ ሕጕስቲ ኢያ ነይራ። ይኹን እምበር: ግዲ ምባላ ጳውሎስን ብጾቱን መጀመርታ ኣብዮምዋ ከም ዝነበሩ ዘርኢ ኢዩ። ስለምንታይ ኣብዮምዋ፧ ጳውሎስ ‘ነቲ ብወንጌል ዝነበሮ መሰል ከይወሰደ:’ ከምኡውን ንዝዀነ ይኹን ሰብ ሰኸም ከይኰነ ‘ነቲ ወንጌል ብኸምኡ ክነግር’ ኢዩ ዝደሊ ነይሩ። (1 ቈረንቶስ 9:18፣ 2 ቈረንቶስ 12:14) ሉቃስ ግን ከምዚ ኢሉ ይውስኽ:- “ንሳ ምስ ስድራቤታ ምስ ተጠምቀት ከኣ፤ ከም ኣማኒት ጐይታ ርኢኹምኒ እንተ ዄንኩምሲ: ናብ ቤተይ አቲኹም ተቐመጡ: ኢላ ለመነትና ግዲውን በለትና።” (ግብሪ ሃዋርያት 16:15) ልድያ ልዕሊ ዅሉ ዘገድሳ ዝነበረ ንየሆዋ እምንቲ ምዃና ኢዩ: ኣጋይሽ ክትቅበል ፍቓደኛ ምዃና ድማ መርትዖ ናይ እምነታ ኢዩ ነይሩ። (ምስ 1 ጴጥሮስ 4:9 ኣረኣእዮ።) ኣየ ከመይ ዝበለ ብሉጽ ኣብነት ኰን ኢዩ! ንሕናኸ ንዘሎና ንብረት ነቲ ብስራት ዘድሊ ነገራት ንምዕባይ ንጥቀመሉዶ ኢና፧
ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ኣሕዋት
ጳውሎስን ሲላስን ብምኽንያት እቲ ነታ ኣጋንንቲ ዝሓደርዋ ጓል ዝምልከት ዝገበርዎ ተኣሲሮም ምስ ተፈትሑ: ናብ ገዛ ልድያ ተመልሱ: ኣብኡ ድማ ገለ ኣሕዋት ረኸቡ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:40) እቶም ኣብታ ሓዳስ እተመስረተት ናይ ፊልጲ ጉባኤ ዝነበሩ ኣመንቲ: ንናይ ልድያ ገዛ ከም ስርዓታዊ ኣኼባኦም ዝገብሩላ ቦታ ገይሮም ይጥቀሙላ ነይሮም ይዀኑ ኢዮም። ገዝኣ ማእከል ናይቲ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታት ኰይና ከም ዝቐጸለት ክንሓስብ ቅቡል ኢዩ።
እቲ መጀመርታ ልድያ ዘርኣየቶ ውዕዉዕ ምቕባል ኣጋይሽ: ባህሪ ናይ ምልእቲ እታ ጉባኤ ኰይኑ ከም ዝቐጸለ ተረጋጊጹ ኢዩ። ድኽነት እኳ እንተነበሮም: ሰብ ፊልጲ ንጳውሎስ ዘድልዮ ልኢኾምሉ ኢዮም: እቲ ሃዋርያ ድማ በዚ ኣመስጋኒ ኢዩ ነይሩ።—2 ቈረንቶስ 8:1, 2፣ 11:9፣ ፊልጲ 4:10, 15, 16
ኣብታ ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ ብ60-61 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ይኸውን ዝሰደዳ መልእኽቲ ልድያ ኣይተጠቕሰትን። ብድሕሪ እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 16 ብዛዕብኣ ተገሊጹ ዘሎ ፍጻመታት እንታይ ከም ዝዀነት ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይገልጽን ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ብሓጺሩ ተጠቒሱ ዘሎ ናይዛ ሓያል ሰበይቲ ዛንታ ‘ንምቕባል ኣጋይሽ ክንቀዳደም’ ከም እንደሊ ዝገብረና ኢዩ። (ሮሜ 12:13) ከም ልድያ ዝኣመሰሉ ክርስትያናት ኣብ ማእከልና ክህልዉናስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነመስግን! እቲ መንፈሶም: ጉባኤታት ንኽብሪ የሆዋ ኣምላኽ ዝኸውን ምዉቕን ምቕሉልን መንፈስ ንኽህልወን ብዙሕ ዝሕግዝ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ካብ መንጎ እተን ኣዝየን ኣገደስቲ ከተማታት መቄዶንያ: ፊልጲ ብዩስ ኢታሌኩም (ሕጊ ጥንታዊት ኢጣልያ) እተማሓደር ዝነበረት ብተዛማዲ ሃብታም ናይ ወተሃደራዊ ግዝኣት ኢያ ነይራ። እዚ ሕጋውነት እዚ ንሰብ ፊልጲ ምስቲ ሮማውያን ዜጋታት ዘስተማቕርዎ ዝነበሩ ዝወዳደር መሰል ክህልዎም ዋሕስ ዝዀኖም ኢዩ ነይሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:9, 12, 21
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን]
ኣይሁዳውያን ኣብ ፊልጲ ዝነበሮም ናብራ
ንኣይሁዳውያንን ነቶም ናብ ኣይሁድነት እተቐየሩ ጵሮሰሊትን: ኣብ ፊልጲ ምንባር ቀሊል ኣይነበረን። ድሕሪ ናይ ጳውሎስ ምብጻሕ ብዙሕ ከይጸንሐ ሃጸይ ቅላውዴዎስ ኣይሁዳውያን ካብ ሮሜ ክለቁ ስለ ዝኣዘዘ: ገለ ኣንጻር ኣይሁድ ዝዀነ ስምዒታት ነይሩ ይኸውን ኢዩ።—ምስ ግብሪ ሃዋርያት 18:2 ኣረኣእዮ።
ፍሉጥ ዝዀነ ነገር ድማ: ጳውሎስን ሲላስን ነታ መንፈስ ጥንቈላ ዝነበራ ጓል ምስ ኣሕወይዋ: ተጐቲቶም ኣብ ቅድሚ እቶም ሹማምንቲ ተወሲዶም ኢዮም። እቶም ጐይተታ ኣዝዩ ብዙሕ እቶት ዘውህቦም ዝነበረ ምንጪ ምስ ጐደሎም “እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣይሁድ እዮም: ንኸተማና ኸኣ የናዕብዋ አለዉ: ንሕና ሮማውያን ክንቅበሎን ክንገብሮን ዘይተፈቕደልና ስርዓትውን ይሰብኩ አለዉ” ብምባል ነቲ እቶም ብጾቶም ሮማውያን ንጹር ንክኸውንብዛዕባ ኣይሁዳውያን ዝነበሮም ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ልምዲ ተጠቒሞም ከሰስዎም። ስለዚ ድማ ጳውሎስን ሲላስን ብሽመል ተዘብጡ: ኣብ ቤት ማእሰርቲ እውን ተደርበዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:16-24: ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኣብ ከምዚ ዝበለ ሃዋሁ ንየሆዋ: ነቲ ናይ ኣይሁዳውያን ኣምላኽ ከተምልኽ ትብዓት ዝሓትት ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ልድያ ፍልይቲ ምዃና ከም ዘየገደሳ ንጹር ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ፍልጲ ዘሎ ዑናታት