ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ኣምላኻዊ ኣረኣእያ ድዩ ዘሎካ፧
ዳርጋ 20 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር: ናይ ኵዕታ መሬት ተመራመርቲ ኣብ ጥቓ ከተማ ኡርሚያ: ኢራን: ንሓደ ካብ ናይ ጭቃ ሕጡብ እተሰርሐ ናይ ቀደም ዑና ፈሓርዎ። ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ድማ ካብ ካይላ እተሰርሐ ሳርማ ረኸቡ: እዚ ድማ ብመሰረት እቶም ሊቃውንቲ ዝበልዎ ናይ ኣሽሓት ዓመታት ዕድመ ነበሮ: ማለት እቶም ኣዝዮም ናይ ጥንቲ ሰባት እተጣየስሉ ቦታታት ኣብ እተመስረትሉ እዋን ኢዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ: ነቲ ሳርማ እዋናዊ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ምርምር ተገብረሉ። ሊቃውንቲ: ወይኒ ኣብ ምድላው ዝዝውተር ዝነበረ ጥንታዊ ናይ ስነ-ቕመም መረዳእታ ኣብ ውሽጢ እቲ ሳርማ ምስ ረኸቡ ተገሪሞም ኢዮም።
መጽሓፍ ቅዱስ እውን ካብ ግዜ ጥንቲ ኣትሒዙ ወይኒ: ቢራ: ከምኡውን ካልእ ኣልኮላዊ መስተ ይስተ ከም ዝነበረ ጽቡቕ ገይሩ የረጋግጽ ኢዩ። (ዘፍጥረት 27:25፣ መክብብ 9:7፣ ናሆም 1:10) የሆዋ ከም ውልቀ-ሰባት መጠን: ከምቲ ኣብ ካልእ መግብትታት እንገብሮ—ኣልኮላዊ መስተ ድማ ክንሰቲ ወይ ክንኣቢ—ምርጫ ሂቡና ኢዩ። የሱስ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ መግቡ ወይኒ ይሰቲ ነይሩ ኢዩ። ዮሃንስ መጥምቕ ግን ኣልኮላዊ መስተ ኣይሰትን ኢዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 11:18, 19
መጽሓፍ ቅዱስ ካብ መጠን ንላዕሊ መስተ ምስታይ ይኽልክል ኢዩ። ስኽራን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓጢኣት ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 6:9-11) ምስዚ ብምስምማዕ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዘይናስሑ ሰኽራማት ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ክቕጽሉ ኣየፍቅድሎምን ኢዮም። እቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ እሞ: ኣልኮላዊ መስተ ክሰትዩ ዝመርጹ ሰባት ነዚ ብምጡን ኣገባብ ክገብርዎ ኣለዎም።—ቲቶስ 2:2, 3
ዘይኣምላኻዊ ኣረኣእያ
ሎሚ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ኣምላኻዊ ኣረኣእያ የብሎምን። ሰይጣን ነዚ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ዝነበረ ፍርያት ብጌጋ ክዝውተር ከም ዝደፋፍእ ንምርድኡ ቀሊል ኢዩ። ንኣብነት: ደቡብ ፓስፊክ ኣብ ዝርከባ ገሊአን ደሴታት: ሰብኡት ኣብ ቤት እተዳለወ ዘስክር መስተ ተኣኪብካ ብዙሕ ናይ ምስታይ ልምዲ ኣለዎም። እዚ ተኣኪብካ ናይ ምስታይ ልምዲ ንነዊሕ ሰዓታት ክጸንሕን ብተደጋጋሚ ይግበርን ይኸውን: ብዙሓት ሰብኡት ድማ መዓልታዊ ካብ መጠን ንላዕሊ ናይ ምስታይ ልምዲ ኣለዎም። ገሊኦም ክፍሊ ናይቲ ባህሊ ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝወስድዎ። ሓድሓደ ግዜ ኣብ ክንዲ እቲ ኣብ ቤት ዝዳሎ መስተ ወይ ኣብ ርእሲኡ: ቢራን ኣልኮላዊ መስተን ይሰትዩ። ስኽራን ድማ ኵሉ ግዜ ዘሎ ኢዩ።
ኣብ ካልእ ናይ ፓስፊክ ሃገር ከኣ: ሰብኡት ኣልኮላዊ መስተ ብሚዛናዊ ኣገባብ ገይሮም ክሰትዩ ዳርጋ ዘይልሙድ ነገር ኢዩ። ከም ሓፈሻዊ ልምዲ: ክሰትዩ ከለዉ ክሰኽሩ ኢሎም ኢዮም ዝሰትዩ። ብፍላይ: ኣብ እዋን ደሞዝ ጕጅለ ሰብኡት ይእከቡ እሞ ነፍሲ ወከፉ 24 ጠራሙዝ ዝሓዘ ብዙሕ ካርቶናት ቢራ ይዕድጉ። እቲ ቢራ ምስ ተወድአ ጥራይ ኢዮም ምስታይ ደው ዘብሉ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ብጕጅለ ኴንካ ምስካር ኣዝዩ ልሙድ ነገር ኰይኑ ኣሎ።
ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም እኒ ፓልም ዋይንን ካልእ ባህላዊ ዘስክር መስተን ልሙድ ኢዩ። ኣብ ገሊኡ ማሕበረሰባት ዘሎ ልምዲ ድማ ኣጋይሽ ንምእንጋድ ኣልኮላዊ መስተ ክቕረብ ይእዝዝ ኢዩ። እቲ ተቐባል ጋሻ ዝዀነ ሰብ ብልምዲ ካብ ዓቕሚ እቶም በጻሕቲ ንላዕሊ ዝዀነ መስተ ኢዩ ዝቕርብ። ኣብ ሓደ ከባቢ: ንነፍሲ ወከፍ በጻሒ ኣብ ቅድሚኡ 12 ጠራሙዝ ቢራ ናይ ምቕራብ ልምዲ ኣሎ።
ብዙሓት ናይ ጃፓን ኩባንያታት ንሰራሕተኛታተን ብኣውቶቡስ ዝግበር ጕዕዞ የዳልዋሎም ኢየን። ኣዝዩ ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ምስኦም ይማልኡ: ስኽራን ድማ ሸለል ኢልካ ዝሕለፍ ነገር ኢዩ። ገለ ካብቲ እዘን ኩባንያታት እዚኣተን ዘዳልዋኦ ዙረት ክልተ ወይ ሰለስተ መዓልትታት ኢዩ ዝወስድ። ብመሰረት እቲ ኤሽያዊክ እተባህለ መጽሔት: (እንግሊዝኛ) ኣብ ጃፓን “ካብ ናይ ሩዝ ሓረስታይ ክሳዕ እቲ ሃብታም ፖለቲከኛ ብልምዲ ናይ ስብእነት መዐቀኒ ዝበሃል: እቲ ሰብ ክሰትዮ ዝኽእል ብዝሒ ኣልኮል ኢዩ።” ኣብ ካልኦት ሃገራት እስያ እውን ተመሳሳሊ ዝንባለታት ተራእዩ ኢዩ። ኤሽያዊክ “ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ሰተይቲ እቶም ዝበዝሐ ኣልኮላዊ መስተ ዝሰትዩ ደቂ ደቡብ ኮርያ ከም ዝዀኑ” ይገልጽ።
ካብ መጠን ንላዕሊ ምስታይ ኣብቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቀጽሪ ኮለጃት እናስፋሕፍሐ ዝኸይድ ልምዲ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ። ብመሰረት እቲ ዘ ጆርናል ኦቭ ዘ ኣመሪካን ሜዲካል ኣሶሰሽን (እንግሊዝኛ) “መብዛሕትኦም ካብ መጠን ንላዕሊ ዝሰትዩ ሰባት ንገዛእ ርእሶም ጸገም ይሰትዩ ከም ዘለዉ ኣይሓስቡን ኢዮም።”a እዚ ከገርም የብሉን: ምኽንያቱ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘሎ መራኸቢ ብዙሓን መስተ ምስታይ ናይ ድፍረት: ዘበን ዘምጽኦ: ከምኡውን ናይ ፈላጣት ተግባር ምዃኑ ኢዩ ዘቃልሕ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ እዚ ፕሮፖጋንዳ እዚ ብፍላይ ናብ መንእሰያት ዘቃንዐ ኢዩ።
ኣብ ብሪጣንያ: ብዝሒ ጠለብ ቢራ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ብዕጽፊ ክውስኽ ከሎ: ብርቱዕ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ድማ ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ። እቶም ሰተይቲ ብንኣሽትኦም ከለዉ ኢዮም ዝጅምሩ: ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ድማ ብዙሓት ደቀ ኣንስትዮ ይሰትያ ኣለዋ። ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳን ላቲን ኣመሪካን ድማ ተመሳሳሊ ዝንባለታት ተራእዩ ኢዩ። እዚ ኸኣ ብመንጽር እቲ ቍጽሩ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወልፊ ኣልኮልን ምስ ኣልኮል እተተሓሓዘ ናይ ትራፊክ ሓደጋታትን ክርአ ከሎ ይጐልሕ ኢዩ። ብንጹር እምበኣር: ኣብ ምሉእ ዓለም ጌጋ ኣጠቓቕማ ኣልኮል ከም ዝወሰኸ ብሩህ ኢዩ።
ካብ መጠን ንላዕሊ ዝበሃል ክሳዕ ክንደይ ዝኣክል ኢዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ኣረኣእያ ሚዛናዊ እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ: ቅዱሳት ጽሑፋት ወይኒ “ንልቢ [“መዋቲ:” NW ] ሰብ ኬሐጕሶ” ካብ የሆዋ ኣምላኽ እተረኽበ ህያብ ኢዩ ዝብል። (መዝሙር 104:1, 15) በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ካብ መጠን ንላዕሊ ምብዛሕ ክኹንኖ ከሎ: ‘ስኽራን:’ ‘ካብ መጠን ንላዕሊ ምስታይ: ቀይዲ በተኽ ድግስ’ ‘ብዙሕ ናብ ምስታይ ምድሃብ’ ከምኡውን ‘ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባርያ’ ምዃን ዝብል መግለጺታት ኢዩ ዝጥቀም። (ሉቃስ 21:34፣ 1 ጴጥሮስ 4:3 NW፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:8፣ ቲቶስ 2:3) ‘ብዙሕ ወይኒ’ ዝበሃል ግን ክንደይ ዝኣክል ኢዩ፧ ሓደ ክርስትያን ንኣልኮላዊ መስተ ዝምልከት ኣምላኻዊ ኣረኣእያ እንታይ ምዃኑ ብኸመይ ክውስን ይኽእል፧
ስኽራን ንምፍላጡ ኣሸጋሪ ኣይኰነን። ሳዕቤናቱ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ በዚ ዝስዕብ ቃላት ተገሊጹ ኣሎ:- “ዋይዋይታ ንመን እዩ፧ ሓዘን ንመን እዩ፧ ባእሲ ንመን እዩ፧ ምስቍርቋር ንመን እዩ፧ ብዘይ ምኽንያት ምቝሳል ንመን እዩ፧ ምቕያሕ ዓይንስ ንመን እዩ፧ ነቶም ኣብ ምስታይ ወይኒ ዚድንጕዩ: ነቶም ዝደረቐ ወይኒ ኺመርጹ ዚእከቡ እዩ። . . . ኣዒንትኻ ሕውዝውዝ ይብላ: ልብኻውን ጠዋይ ነገር ይዛረብ።”—ምሳሌ 23:29-33
ካብ መጠን ንላዕሊ ኣልኮል ምብዛሕ: ምድንጋር: ሃተውተው ምባል: ምብዕዛዝ: ከምኡውን ካልእ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ምምዝባላት ከስዕብ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ድፍኢት ኣልኮል: ሓደ ሰብ ንገዛእ ርእሱን ንኻልኦትን ጕድኣት ብምስዓብ ጠባዩ ከይቈጻጸር ይኽእል ኢዩ። ሰኽራማት መስሓቒ ዝዀነ: ጽዩፍ: ወይ ዘይስነ-ምግባራዊ ነገራት ከም ዝገብሩ ፍሉጥ ኢዩ።
ክሳዕ እትሰክር ምስታይ: ምስቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሳዕቤናቱ ብርግጽ ካብ መጠን ንላዕሊ ምስታይ ኢዩ ዝበሃል። ይኹን እምበር: ሓደ ሰብ ኵሉ እቲ ፍሉጥ ምልክታት ስኽራን ዝበሃል ነገራት ከየርኣየ ካብ መጠን ንላዕሊ ከም ዝሰተየ ክፍለጥ ይከኣል ኢዩ። ስለዚ: ሓደ ሰብ ካብ መጠን ንላዕሊ ሰትዩ ድዩ ኣይሰተየን ዝብል ሕቶ መብዛሕትኡ ግዜ ዘካትዕ ኢዩ። እቲ ኣብ መንጎ መጠን ምሕላውን ካብኡ ምሕላፍን ዘሎ መፈላለዪ መስመር ኣበይ ኢዩ ዘሎ፧
ክእለት ኣተሓሳስባኻ ሓሉ
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ውሽጢ ደም ዝርከብ ሚእታዊት ጻዕቂ ኣልኮል ወይ ካልእ ዓይነት መዐቀኒ ገይሩ ደረት ኣይገብርን ኢዩ። ዓቕሚ ምጽዋር ኣልኮል ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሎም ክርስትያናት ዝምልከት ኢዩ: ንኣልኮላዊ መስተ ዝምልከት ኣምላኻዊ ኣረኣእያ ከነማዕብል ድማ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።
የሱስ እታ ናይ መጀመርታ ትእዛዝ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ” ኢያ በለ። (ማቴዎስ 22:37, 38) ኣልኮል ኣብ ኣእምሮ ቀጥታዊ ሳዕቤን ኣለዎ: ካብ መጠን ንላዕሊ ምስታይ ድማ ነዛ ካብ ኵሉ ዝዓበየት ትእዛዝ ንኸይትሕልዋ ዝዓናቕፍ ኢዩ። ቅኑዕ ፍርዲ ንምሃብ: ንግድላት ናይ ምፍታሕ ክእለት: ገጽካ ንምዕታብ: ከምኡውን ንኻልእ ኣገዳሲ ዝዀነ ተግባራት ኣእምሮ ብኸቢድ ክትንክፎ ይኽእል ኢዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት “ንጥበብን ንምኽርን [“ተግባራዊ ጥበብን ክእለት ኣተሓሳስባን:” NW ] ተጠንቂቕካ ሐዘን። ንሳተን ንነፍስኻ ህይወት: ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ኪዀናኻ እየን” ብምባል ይምዕደና።—ምሳሌ 3:21, 22
ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ከምዚ ብምባል ይላበዎም:- ‘ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን [“በቲ ናይ ምስትውዓል ክእለትኩም ቅዱስ ኣገልግሎት ዝህብን:” NW ] መስዋእቲ ጌርኩም ኣቕርብዎ።’ (ሮሜ 12:1) ሓደ ክርስትያን ‘ክእለት ምስትውዓሉ’ ክሳዕ ዘጥፍእ መስተ ዝሰቲ እንተድኣ ኰይኑ ‘ንኣምላኽ ባህ ዘብል’ ክኸውን ይኽእልዶ፧ መብዛሕትኡ ግዜ: ካብ መጠን ንላዕሊ ዝሰቲ ሰብ በብቑሩብ ናይ ኣልኮል ተጻዋርነት የዕቢ ኢዩ። ብዙሕ ምስታዩ ካብቲ ናይ ስኽራን ደረጃ ንታሕቲ ከም ዝዀነ ይስምዖ ይኸውን። እንተዀነ ግን: ኣብ ኣልኮል ሕማቕ ትውክልቲ ከዕቢ ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ሰብ ንስጋኡ “ህያውን ቅዱስን መስዋእቲ” ገይሩ ከቕርብ ይኽእልዶ፧
ከም ክርስትያን መጠን: ነቲ ‘ተግባራዊ ጥበብካን ክእለት ኣተሓሳስባኻን’ ዝሃሲ ዝዀነ ይኹን ዓቐን ኣልኮል ንዓኻ ካብ መጠን ንላዕሊ ኢዩ።
ነቲ ኣብ ኣልኮል ዘሎካ ኣረኣእያ ዝቐርጾ እንታይ ኢዩ፧
ሓደ ክርስትያን ንመስተ ዘለዎ ኣረኣእያ በቲ እዋናዊ ዝንባለታት ወይ ልምድታት ዝጽሎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክግምግም ይግብኦ። ብኣልኮላዊ መስተ ዝመጸ ድማ: ምርጫኻ ኣብ እዋናዊ ዝንባለ ወይ ኣብ ፕሮፓጋንዳ መራኸቢ ብዙሓን ክምሰረት ከም ዘይትደልዮ እተረጋገጸ ኢዩ። ንኣረኣእያኻ ክትግምግም ከሎኻ: ‘ብዛዕባ መስተ ዘሎኒ ኣረኣእያ ኣብቲ ማሕበረሰብ ቅቡል ብዝዀነ ነገር እተጸልወ ድዩ፧ ወይስ ኣሰታትያይ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እተቐየደ ኢዩ፧’ ብምባል ንገዛእ ርእስኻ ሕተት።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጸረ ባህሊ እኳ እንተ ዘይኰኑ: የሆዋ ነቲ ሎሚ ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎ ብዙሕ ልምድታት ከም ዝጸልኦ ይርድኡ ኢዮም። ገሊኡ ማሕበረሰባት ንጥንሲ ምስዳድ: ምትሕልላፍ ደም: ግብረ-ሶዶም: ወይ ብዙሓት ኣንስቲ ምምርዓው ሸለል ይብሎ ኢዩ። ይኹን እምበር ክርስትያናት ምስቲ ነዚ ነገራት እዚ ዝምልከት ኣረኣእያ ኣምላኽ ብምስምማዕ ኢዮም ዝመላለሱ። እወ: ብዓይኒ ባህሊ ተቐባልነት ይሃልዎም ኣይሃልዎም ብዘየገድስ: ሓደ ክርስትያን ንኸምዚኦም ዝበሉ ነገራት ክጸልእ ዝድርኾ ኣምላኻዊ ኣረኣእያ ኢዩ።—መዝሙር 97:10
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ‘ስኽራን’ ከምኡውን “መሳትይቲ ሰባት” (NW ) ዘጠቓልል “ፍቓድ ኣህዛብ” ይዛረብ ኢዩ። እታ ‘መሳትይቲ ሰባት’ እትብል ስያመ: ብዙሕ ዝዓቐኑ ኣልኮል ናይ ምስታይ ፍሉይ ዕላማ ብምሓዝ ዝዳሎ ምትእኽኻብ ዝብል ሓሳብ ኢያ እተመሓላልፍ። ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ገሊኦም ሰባት ንኻልኦት ክበልጽዎም ወይ መን ዝያዳ ክሰቲ ከም ዝኽእል ንኸርእዩ ብምፍታን በቲ ሳዕቤናቱ ከይተሰምዖም ብዙሕ ክሰትዩ ምኽኣሎም ይዀርዑ ከም ዝነበሩ ኢዩ ዝመስል። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነዚ ጠባይ እዚ ኢዩ “ዕያግ ርኽሰት” ምዃኑ ዝጠቐሶ: እተናስሑ ክርስትያናት ድማ ድሕሪ ደጊም ኣብዚ ኣይካፈሉን ኢዮም።—1 ጴጥሮስ 4:3, 4
ሓደ ክርስትያን ክሳዕ ዘይሰኸረ ኣበይ: መዓስ: ወይ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሰቲ ብሓቂ ኣየገድስን ኢዩ ዝብል ኣረኣእያ ክሕዝስ ምኽንያታዊ ድዩ፧ እዝስ ኣምላኻዊ ኣረኣእያ ድዩ፧ ኢልና ክንሓትት ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ “እንተ በላዕኩም: ወይስ እንተ ሰቴኹም: ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም: ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ኢዩ ዝብል። (1 ቈረንቶስ 10:31) ኣብ ቃልዕ ቦታ ኰይኖም ብዙሕ ዝዓቐኑ ኣልኮል ንምስታይ ዝእከቡ ጕጅለ ሰብኡት ኵላቶም ኣይሰኽሩን ይዀኑ: እቲ ኣገባቦም ግን ንየሆዋ ክብሪ የምጽኣሉዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ: ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር: ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ” ብምባል ኢዩ ዝምዕድ።—ሮሜ 12:2
ንኻልኦት ዝዕንቅፍ ኣይትግበር
እቲ ዘገርም: መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ካብ መጠን ንላዕሊ ምስታይ ዝጻወር ባህልታት: እቲ ሰታይ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኢየ ምስ ዝብል ይዅንኖ ኢዩ። ደቡብ ፓስፊክ ኣብ ዝርከብ ሓደ ንእሽቶ ማሕበረሰብ: ሓደ ተዓዛቢ ከምዚ ይብል:- “ንዓኻትኩም አድንቐኩም ኢየ። ሓቂ ኢኹም እትሰብኩ። እቲ እንርእዮ ጸገም ግን ሰብኡትኩም ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ይሰትዩ ኢዮም።” እቶም ውልቀ-ሰባት እቲኣቶም ከም ዘይሰኸሩ ፍሉጥ ኢዩ: ጌና ግን እቲ ዘይምስካሮም በቶም ኣብቲ ማሕበረሰብ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ኣይፍለጥን ኢዩ። ተዓዘብቲ: ከምቲ ካልኦት ብዙሓት ሰብኡት ኣብቲ ናይ መስተ እዋናት ዝሰኽሩ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ከም ዝሰኽሩ ብቐሊሉ ክድምድሙ ይኽእሉ አዮም። ኣብ ነዊሕ ናይ መስተ እዋናት ዝሳተፍ ሓደ ክርስትያን ኣገልጋሊ ጽቡቕ ስም ክህልዎን ንኣገልግሎቱ ድማ ናይ ምዝራብ ናጽነት ሃልይዎ ክፍጽምዶ ምኸኣለ፧—ግብሪ ሃዋርያት 28:31
ካብ ሓንቲ ኣውሮጳዊት ሃገር እተረኽበ ጸብጻብ: ሓድሓደ ግዜ ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ገንኢ ገንኢ እናሸተቱ ናብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ከም ዝመጹ ይሕብር። እዚ ንሕልና ካልኦት ዝርብሽ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ሓውካ ዚዕንቀፈሉ ዘበለ ዘይምግባር: ስጋ ዘይምብላዕ ወይስ ወይኒ ዘይምስታይ: ጽቡቕ እዩ” ብምባል ይምዕድ። (ሮሜ 14:21) ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ኣምላኻዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ንሓደ ብሱል ክርስትያን: ኣብ ትሕቲ ገለ ኵነታት ካብ ኣልኮል ምሕራም ማለት እውን እንተዀነ: ንሕልና ካልኦት ዝሓሊ ክኸውን ከለዓዕሎ ኢዩ።
ክርስትያናት ብዘይጥርጥር ፍሉያት ኢዮም
እቲ ዘሕዝን: እዛ ዓለም እዚኣ: ንኣልኮላዊ መስተ ሓዊስካ: ነቲ ንደቅሰብ ዝሃቦ ጽቡቕ ነገራት ብጌጋ ብምዝውታር ንየሆዋ ዘጕሂ ብዙሕ ነገራት ትገብር ኢያ። ነፍሲ ወከፍ ህይወቱ ዝወፈየ ክርስትያን ነቲ ግኑን ኰይኑ ዘሎ ዘይኣምላኻዊ ኣረኣእያ ንምርሓቕ ክጽዕር ኣለዎ። በዚ ኸምዚ ድማ ሰባት “ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን: ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዚግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ምፍልላይ [ምርኣይ]” ክኽእሉ ኢዮም።—ሚልክያስ 3:18
ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ዝመጸ ኸኣ: እቲ ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ዓለምን ዘሎ ‘ፍልልይ’ ዘየደናግር ክኸውን ኢዩ ዝግብኦ። ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ኣብ ናብራ ሓቀኛ ክርስትያናት እቲ ቐንዲ ነገር ኣይኰነን። ሓደገኛ ብዝዀነ መገዲ ጥቓ ስኽራን ብምብጻሕ: በቲ ንኣልኮል ክጻወሩ ዘለዎም ዓቕሚ ፈተነ ኣይገብሩን ኢዮም፣ ኣልኮላዊ መስተ ክሃስዮም ወይ ድማ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ንኣምላኽ ብምሉእ ነፍሶምን ብጽሩይ ሓሳቦምን ከየገልግልዎ ክዓናቕፎም ኣየፍቅዱን ኢዮም።
ብጕጅለ ደረጃ ክርኣዩ ከለዉ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ኣምላኻዊ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም። ንስኻኸ፧ ነፍሲ ወከፍና ነቲ “ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና: ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር” ዝምህረና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መመርሒ ክንስዕብ ከሎና በረኸት የሆዋ ክንረክብ ንኽእል ኢና።—ቲቶስ 2:12
[እግረ-ጽሑፍ]
a “ካብ መጠን ንላዕሊ ምስታይ: ንሰብኡት ሓሙሽተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ንደቀ ኣንስትዮ ድማ ኣርባዕተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ብተኸታታሊ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ከም ዝዀነ ኢዩ ዝግለጽ።”—ዘ ጆርናል ኦቭ ዘ ኣመሪካን ሜዲካል ኣሶሴሽን።
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]
ነቶም ፍቑራትካ ስምዓዮም
ካብ መጠን ንላዕሊ ሰታይ ዝዀነ ሰብ: መብዛሕትኡ ግዜ ጸገም ከም ዘለዎ ዝርዳእ ኣብ መወዳእታ ኢዩ። ኣዝማድ: ኣዕሩኽ: ከምኡውን ክርስትያን ሽማግለታት ነቲ ዓቐን ዘይሕሉ ፍቑር ሓው ሓገዞም ንምሃብ ድሕር ክብሉ የብሎምን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: እቶም ፍቑራትካ ኣልኮል ናይ ምስታይ ኣመልካ ከም ዘሻቕሎም እንተድኣ ገሊጾምልካ: ከምኡ ክገብሩ ቅቡል ምኽንያት ኣለዎም። ነቲ ዝብልዎ ሕሰበሉ።—ምሳሌ 19:20፣ 27:6