ኵላትና ንኣምላኽ ክንውድሶ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧
ሃሌሉያ! እዛ ቓል እዚኣ ነቶም ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ዘለዉ መብዛሕትኦም ምእመናን ኣዝያ ፍልጥቲ ኢያ። ገለ ካብኣቶም ኣብቲ ናይ ሰንበት ቅዳሴኦም ዓው ኢሎም ይጥቀሙላ ኢዮም። ይኹን እምበር: ክንደይ ዝኣኽሉ ኢዮም እታ ቓል ብሓቂ እንታይ ምዃና ዝፈልጡ፧ ን“ያህ ወድስዎ” ዝትርጕማ ናይ እብራይስጢ ቃል ምዃና ሓቂ ኢዩ! ናይቲ የሆዋ ዝስሙ ፈጣሪ ዘሐጕስ መቓልሕ ዘለዋ ውዳሰ ኢያ።a
እታ “ሃሌሉያ” እትብል ቃል ብተደጋጋሚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ትርከብ ኢያ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ የሆዋ ክውደሰሉ ዝኽእል ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ። ያህ (የሆዋ) ፈጣርን ሓብሓብን ናይዚ ሰፊሕ ኣድማስ ኢዩ። (መዝሙር 147:4, 5፣ 148:3-6) ነቲ ኣብ ምድሪ ህይወት ከም ዝህሉ ዝገብር ማሕበረሰብን ኣከባቢኡን ዘለዎ ምትእስሳራት ዝመነጨ ንሱ ኢዩ። (መዝሙር 147:8, 9፣ 148:7-10) ኣብ ደቅሰብ ድማ ፍሉይ ተገዳስነት ይገብር ኢዩ። ፍቓዱ እንተድኣ ገይርና: ኣብዛ ህይወት እዚኣ ይባርኸናን ይድግፈናን: ነቲ ኣብ መጻኢ ዝሓሸ ህይወት ዘለዎ ርግጽ ተስፋ ከይተረፈ እውን ይህበና ኢዩ። (መዝሙር 148:11-14) ነቲ “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ዝብል ቃላት: ብመንፈሱ ከም ዝጸሓፍ ዝገበረ ያህ (የሆዋ) ኢዩ።—መዝሙር 37:29
ስለዚ: እቲ “ሃሌሉያ:” “ኣቱም ህዝቢ ንያህ ወድስዎ!” ዝብል ለበዋ ንዅሉ ኢዩ። (መዝሙር 104:35 NW እግረ-ጽሑፍ) እቲ ዘሕዝን ግን: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣይኰነን ነዚኣ ክምልሰላ ከም ዘለዎ ዝስምዖ። ሎሚ ሰባት ይሳቐዩ ኢዮም ዘለዉ። ዝጠምዩ: ዝሓሙ: ወይ ዝግፍዑ ዘለዉ ብዙሓት ኢዮም። ብሰንኪ ጌጋ ኣጠቓቕማ ሓሽሽ ወይ ኣልኮል ወይ ብሰንኪ ሳዕቤን ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራቶም ወይ ዕልወቶም ብዙሓት መሪር ጓሂ የሕልፉ ኣለዉ። ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ንኣምላኽ ክውድስሉ ዘለዎም ገለ ምኽንያት ኣሎዶ፧
‘የሆዋ ጥራይ ኢዩ ተስፋ ክህበኒ ዝኽእል’
እወ: ንኣምላኽ ዝውድስሉ ምኽንያት ኣለዎም። የሆዋ ንዕኡ ክፈልጥዎ: ፍቓዱ ምግባር ክማሃሩ: ከምኡውን ነቲ ሰባት ንዕኡ ከም ዝውድስዎ ዝገብሮም በረኸታት ከስተማቕሩ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዘይምፍልላይ ይዕድም ኢዩ። ብዙሓት ድማ ነዚ ዕድመ እዚ መሊሶምሉ ኢዮም። ንኣብነት: ነታ ኣብ ጓቲማላ ዘላ ኣድሬና ርአ። ኣድሬና ጓል ሸውዓተ ዓመት ከላ ኣዲኣ ሞተት። ብድሕሪኡ ቑሩብ ጸኒሑ ኸኣ ኣቦኣ ጠንጢንዋ ከደ። ጓል ዓሰርተ ዓመት ምስ ኰነት ንኽትነብር ክትሰርሕ ጀመረት። ኣዲኣ ንኣምላኽን ነታ ቤተ-ክርስትያንን ከተገልግል ከም ዘለዋ ነጊራታ ስለ ዝነበረት: ኣድሬና ምስ እተፈላለያ ናይ ካቶሊክ ጕጅለታት ሓበረት: እንተዀነ ግን: ጓል 12 ዓመት ምስ ኰነት ተስፋ ቘረጸት: ምስቶም ናይ ጽርግያ ዓዋሉ ድማ ተጸንበረት። ሽጋራ ከተትክኽ: ሓሽሽ ክትወስድ: ከምኡውን ክትሰርቕ ጀመረት። ከምዚ ዝኣመሰለት መንእሰይ ጓል ንኣምላኽ ከትውድሶ እትደሊ ስለምንታይ ኢያ፧
ንኣድሬና ሓብታ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት: ኣድሬና ግን ሰሓቐታ። ድሕርዚ ሓትኖአን (ምናልባት እውን ኣሞአን ክትከውን ትኽእል) ሞተት። ኣብቲ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ኣድሬና ኣጨነቕቲ ብዝዀኑ ሕቶታት ተዋጠረት። ሓትኖኣ (ኣሞኣ) ኣበይ ኢያ ከይዳ፧ ኣብ ሰማይ ድያ ነይራ፧ ኣብ ናይ ሓዊ ሲኦል ድያ ከይዳ፧ ኣዝዩ ዘጨንቕ ኢዩ ነይሩ: ኣድሬና ድማ ሓገዝ ክወሃባ ከምቲ ሓብታ ዝማሃረታ ገይራ ስም ኣምላኽ ብምጥቃም ክትጽሊ ኣብቲ መቓብር ናብ ዝነበረ ቤት ጸሎት ከደት።
ብዙሕ ከይጸንሐት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብርን ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣኼባታቶም ክትካፈልን ጀመረት። እዚ ድማ ብዛዕባ ህይወት ጥዑይ ዝዀነ ሓድሽ ኣረኣእያ ክህልዋ መገዲ ከፈተላ: ምስቶም ናይ ጽርግያ ዓዋሉ ዝነበራ ሕብረት ድማ ብትብዓት ገደፈቶ። ሕጂ ዕድሜኣ ኣብ መፋርቕ 20ታት ዘላ ኣድሬና ከምዚ ትብል:- “ከምዚ ዝበለ ሕማቕ ናብራ ከም ዝገድፍ ዝገበረኒ ንየሆዋ ዘሎኒ ፍቕሪ ጥራይ ኢዩ። የሆዋ ጥራይ ኢዩ በቲ ዓቢ ምሕረቱ ገይሩ ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋ ክህበኒ ዝኽእል።” ኣድሬና ኣብ ህይወታ ሕማቕ ኣጀማምራ እኳ እንተነበራ: ንኣምላኽ ክትውድሶ ግን ብሉጽ ዝዀነ ምኽንያታት ኣለዋ።
ካብ ዩክረይን እተረኽበ ዝገደደ ተስፋ ዘይብሉ ዝመስል ኵነታት ዝገልጽ ጸብጻብ ኣሎ። ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ ክቕተል ይጽበ ነበረ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ድዩ ዘስቈርቍር ነይሩ፧ መንፈስ ጭንቀትዶ ሒዝዎ፧ ኣይፋሉን: ኣንጻር እዚ ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝረኸብዎ: ከምኡውን ብዛዕባ የሆዋ ገለ ፍልጠት ስለ ዝሓዘ: ነቶም መሰኻኽር ነዲኡ ክረኽብዋ ሓተቶም። ነቲ ዝሓተቶም ከም ዝፈጸምዎ ስለ ዝሰምዐ ድማ ደብዳበ ይጽሕፈሎም። ከምዚ ይብል:- “ነደይ ስለ ዝበጻሕኩምዋ አመስግነኩም: ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝሰማዕክዎ ወረ: እቲ ዝበለጸ ዘሐጕስ ወረ ኢዩ ነይሩ።”
ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ብዛዕባ እቶም ምስኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ዝመስከረሎም ሰባትን “ሕጂ ኣብ ኣምላኽ እምነት ኣሎና: በቲ ዝኣመናዮ ክንመላለስ ድማ ንፍትን ኣሎና” ኢሉ ይጽሕፍ። ንደብዳበኡ “ፍቕሪ እንታይ ምዃኑን እምነት ክንረክብን ንኽንማሃር ስለ ዝሓገዝኩምና ነመስግነኩም። ብህይወት እንተድኣ ጸኒሐ ኣነውን ክሕግዘኩም ኢየ። ብህይወት ምህላውኩም ንኻልኦት ድማ ንኣምላኽ ከፍቅሩን ኣብኡ እምነት ክገብሩን ምሕጋዝኩምን ንኣምላኽ አመስግኖ” ብምባል ይዓጽዋ። እዚ ሰብኣይ እዚ ብዛዕባ ናይ ሞት ፍርዱ ይግባይ ኢሉ ኣሎ። ይኹን እምበር: ይቀተል ወይ ድማ ብዙሕ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ የሕልፍ ብዘየገድስ: ብንጹር ንኣምላኽ ንኽውድሶ ምኽንያት ኣለዎ።
‘ዓይነ-ስዉር እኳ እንተ ዀንኩ: ክርኢ እኽእል ኢየ’
ሕጂ ድማ ሓንቲ ብሃንደበት ዝዖረት መንእሰይ ኰተቴ ርአ። እዚ ነታ ኣብ ኣርጀንቲና እትነብር ግሎርያ ዘጋጠማ ኢዩ። ግሎርያ ጓል 19 ዓመት ከላ ብሃንደበት ዓወረት: ደጊማ ድማ ክትርኢ ፍጹም ኣይከኣለትን። ጓል 29 ዓመት ምስ ኰነት ንሓደ ሰብኣይ ውሽምኡ ኰነት: ብዙሕ ከይጸንሐት ድማ ጠነሰት። ሕጂ ህይወታ ትርጕም ዘለዎ ኰይኑ ተሰምዓ። እንተዀነ ግን: ውላዳ ምስ ሞተ ሕቶታት ክትሓትት ጀመረት። ‘ንዓይ ከምዚ ዘጋጥምኒ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ እንታይ ኢየ ገይረ፧ እምበርዶ ኣምላኽ ብሓቂ ኣሎ ኢዩ፧’ ኢላ ክትሓትት ጀመረት።
ኣብ ከምዚ ኵነታት ከላ: ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ገዝኣ መጻ። መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት: ኣብ ሓዳስ ዓለም ኣዒንቲ ዕውራት እንደገና ከም ዝኽፈታ ዝገልጽ መብጽዓ ድማ ተማህረት። (ኢሳይያስ 35:5) እዝስ ንግሎርያ ኣየ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ተስፋ ኰን ኢዩ! ብፍላይ ከኣ ሰብኣያ ንመርዓኦም ሕጋዊ ክገብሮ ምስ ተሰማምዐ ኣዝያ ተሓጐሰት። ድሕርዚ ሰብኣያ ሓደጋ ኣጋጠሞ እሞ ብብሽግለታ ስንኩላት ጥራይ ከም ዝንቀሳቐስ ኰነ። ሎሚ እዛ ዓይነ-ስዉር ሰበይቲ እዚኣ ንኽትነብር ኣበርቲዓ ክትሰርሕ ኣለዋ። ኣብ ርእሲ እዚ ኵሉ ዕዮ ገዛ ትዓዪ: ንሰብኣያ ድማ ትከናኸኖ። ጌና ግን ግሎርያ ንየሆዋ ትውድሶ ኢያ! ብሓገዝ ናይቶም ክርስትያናት ኣሕዋታን ኣሓታን ናይ ብረይል መጽሓፍ ቅዱስ ተጽንዕ: በቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዝግበር ክርስትያናዊ ኣኼባታት ድማ ኣዝያ ትተባባዕ ኢያ። ከምዚ ትብል:- “ንኽትገልጾ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኢዩ: እንተዀነ ግን: ዓይነ-ስዉር እኳ እንተዀንኩ: ዳርጋ ክርኢ ዝኽእል ኢየ።”
ሰባት ንኣምላኽ ክውድሱ ከለዉ ሓድሓደ ግዜ ይስጐጉ ኢዮም። ኣብ ክርኦሽያ ሓንቲ ሰበይቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ምስ ተማህረት ተሓጐሰት: ሰብኣያ ግን ነቲ ዝረኸበቶ ሓድሽ እምነት ተቓወሞ: ነታ ጓል ሓደ ዓመት ጓሎም ብምውሳድ ድማ ጠንጠና። ብሰብኣያን ስድራኣን ተነጺጋ: ብዘይ ገዛ: ብዘይ ስራሕ: ብዘይ ጓላ እውን ከይተረፈ: መንበሪ ዘይብላ ብምዃን ኣብ መጀመርታ ድርብይቲ ነበረት። እታ ንእሽቶ ጓላ ክሳዕ እትዓቢ ምስኣ ውሱን ርክብ እኳ እንተ ነበራ: እቲ ንኣምላኽ ዝነበራ ፍቕሪ ግን ኣናቢርዋ ኢዩ። እዛ ሰበይቲ እዚኣ “ኽብርቲ ዕንቊ” ረኺባ ኢያ: ከተጥፍኣ ድማ ኣይደለየትን። (ማቴዎስ 13:45, 46) ኣብዚ ኵሉ ከቢድ ኵነታት ሓጐሳ ክትዕቅብ ዝኸኣለት ብኸመይ ኢያ፧ ከምዚ ትብል:- “ሓጐስ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ኢያ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ግሪን ሃውስ ዘሎ ተኽሊ ናይ ወጻኢ ኵነታት ኣየር ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ ዝዓቢ: ሓጐስ ድማ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኵነታት ብዘየገድስ ክትኵስኰስ ትኽእል ኢያ።”
ኣብ ፊንላንድ: ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ማርከስ: ተመርሚሩ ክሓዊ ዘይክእል ናይ ጭዋዳ ሕማም ከም ዘለዎ ተነግሮ። ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ ብብሽግለታ ስንኩላት ጥራይ ከም ዝንቀሳቐስ ኰነ። ገለ ዓመታት ጸኒሓ: ኣዲኡ ናብ ሓደ ሕሙማት የሐዊ ኢዩ ብምባል ውሩይ ዝነበረ ናይ ጴንጠቈስጠ ኣማኒ ወሰደቶ። እንተዀነ ግን: ብትኣምራታዊ መገዲ ኣይሓወየን። ስለዚ ድማ ማርከስ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ ተገዳስነት ኣጥፍአ: ስነ-ፍልጠትን ካልእ ዓለማዊ ትምህርትታትን ክከታተል ጀመረ። ድሕርዚ ዳርጋ ሓሙሽተ ዓመታት ኣቢሉ ይገብር: ሓንቲ ብብሽግለታ ሰንኩላት እትንቀሳቐስ ሰበይቲ ምስ ሓደ መንእሰይ ኰይና ናብቲ ማርከስ ዝነብረሉ ገዛ መጸት። ናይ የሆዋ መሳኻኽር ኢዮም ነይሮም። ሕጂ ማርከስ ኢዘሀራዊ ኢዩ: ብዛዕባ ሃይማኖት ክመያየጥ ግን ምንም ተቓውሞ ኣየርኣየን: ክኣትዉ ድማ ዓደሞም።
ድሕርዚ: ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን በጽሕዎ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ጀመረ። ቀስ እናበለ: እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዘለዎ ሓይሊ ነቲ ማርከስ ብዛዕባ ነገራት ዘለዎ ኣረኣእያ ለወጦ: ዋላ እኳ ስንኩል እንተዀነ ብሓቂ ንኣምላኽ ክውድሶ ምኽንያታት ከም ዘለዎ ተገንዘበ። ከምዚ በለ:- “ንሓቅን ነታ የሆዋ ዝጥቀመላ ማሕበርን ስለ ዝረኸብኩ ኣዝየ ሕጕስ ኢየ። ሕጂ ህይወተይ መምርሕን ትርጕምን ኣለዋ። ሓንቲ ካልእ ዝጠፍአት በጊዕ ተረኺባ ኣላ: ንመጓሰ የሆዋ ድማ ክትገድፍ ኣይትደልን ኢያ!”—ምስ ማቴዎስ 10:6 ኣረኣእዮ።
ኵሎም ‘ንያህ ይወድስዎ’
እዚ: ካብቲ ሎሚ ሰባት ኵነታቶም ብዘየገድስ ንኣምላኽ ክውድስዎ ምኽንያት ክህልዎም ከም ዝኽእል ንምርኣይ ዝጥቀስ እዚ ዘይብሃል ተመክሮታት ሒደት ጥራይ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብኸምዚ ገለጾ:- “ኣምልኾ . . . ንዅሉ ይጠቅም: ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ አለዎ።” (1 ጢሞቴዎስ 4:8) ፍቓድ ኣምላኽ እንተድኣ ገይርና: ‘ናይዛ ሕጂ ዘላ ህይወት ተስፋ’ ከማልኣልና ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: ኣብዚ ኣገባብ እዚ ንድኻታት ሃብታማት ኣይገብሮምን ኢዩ ወይ ድማ ንሕሙማት ጥዕና ኣይህቦምን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ደጋዊ ኵነታቶም እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ሓጐስን ዕግበትን ምእንቲ ክረኽቡ ነቶም ዘገልግልዎ መንፈሱ ይህብ ኢዩ። እወ: ኣብዛ “ሕጂ ዘላ ህይወት” እውን ከይተረፈ ሕሙማት: ግፉዓት: ከምኡውን ድኻታት ንኣምላኽ ክውድስዎ ምኽንያት ኣለዎም።
እንተዀነ ግን: ናይታ ‘እትመጽእ ህይወትከ’፧ እወ: ብዛዕብኡ ምሕሳብ ጥራይ ብዓሚቝ ውዕዉዕ ስምዒት ንኣምላኽ ከም እንውድሶ ክገብረና ኣለዎ! ብዛዕባ እቲ ድኽነት ዘይህልወሉ፣ ‘ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ: ሕማቕ [“ሕሙም:” NW ] ኢየ ዘይብለሉ’ እዋን ክንሓስብ ከሎና ብሓጐስ ንሰራሰር ኢና፣ ከምኡውን የሆዋ ኣምላኽ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ: እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ኢሳይያስ 33:24፣ ራእይ 21:3, 4፣ መዝሙር 72:16) ነዚ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ መብጽዓታት ብኸመይ ትርእዮ፧
ኣብ ኤል ሳልቫዶር ሓደ ጐበዝ ንገለ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ተስፋታት ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትራክት ተቐበለ። ነታ ትራክት ዝሃበቶ ምስክር ድማ “ኣቲ ሓብተይ: እቲ እዛ ትራክት እትብሎ ዘላ ሓቂ እንተድኣ ኰይኑ ኣዝዩ ጽቡቕ ኢዩ” በላ። ብዙሓት ከምዚ ዝኣመሰለ መልሲ ይህቡ። ጌና ግን: እዚ ናይቲ ንኣድማስ ዝፈጠረ: ነቲ ባህርያዊ ዑደት ናይ ምድርና ከም ዝንቀሳቐስ ዝገብር: ከምኡውን ነቶም ድኻታትን ሕሙማትን እውን ከይተረፈ ሓጐስ ንኽረኽቡ ዝሕግዝ ኣምላኽ ዝሃቦ መብጽዓታት ኢዩ። ነቲ ዝብሎ ዘበለ ክንኣምኖ ንኽእል ኢና። እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ጐበዝ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዐ: ሓቂ ኰይኑ ድማ ረኸቦ። ቅድሚ ሕጂ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይጀመርካ እንተድኣ ኴንካ: ከምዚ ንኽትገብር ነተባብዓካ። እዚ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ ሓሊፉ: ኵሉ ፍጥረት ድማ “ሃሌሉያ:” “ኣቱም ህዝቢ ንያህ ወድስዎ” ክብል ከሎ: ኣብኡ እትህሉ ይግበርካ!—መዝሙር 112:1፣ 135:1 NW
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “የሆዋ” ሓድሓደ ግዜ “ያህ” ብዝብል ሓጺር ኣጸሓሕፋ ተጻሒፉ ኣሎ።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ኵሉ ፍጥረት ኣብቲ “ሃሌሉያ ! ” ዝብል ጭድርታ ክካፈል ከሎ ኣብኡ እትህሉ ይግበርካ