ድሕሪ ደጊም ስቓይ ዘይህልወሉ ግዜ
ስቓይ ክፍሊ ናይቲ ኣምላኽ: ንሰብኣዊ ስድራቤት ክኸውን ኢሉ ዝሓሰቦ ናይ መጀመርታ ዕላማ ኣይነበረን። ኣምላኽ ኣየምጽኦን: ኣይደልዮን እውን ኢዩ። ‘ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ ደኣ ከመይ ኢሉ ኢዩ ጀሚሩ: ስለምንታይከ ኢዩ ኣምላኽ ክሳዕ ሕጂ ክቕጽል ዘፍቀደ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።—ምስ እቆብ 1:13 ኣረኣእዮ።
እቲ መልሲ ኣብቲ ናይ መጀመርታ መዝገብ ታሪኽ ወድሰብ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ: ብፍላይ ከኣ ኣብ መጽሓፍ ዘፍጥረት ኢዩ ዝርከብ። እቶም ቀዳሞት ወለድና ኣዳምን ሄዋንን ንሰይጣን ድያብሎስ ኣብቲ ኣንጻር ኣምላኽ ዝገበሮ ዕልወት ከም እተጸንበርዎ ይነግረና። እቲ ዝወሰድዎ ስጕምቲ ኸኣ ነቲ ቐንዲ መሰረት ናይ ኣድማሳዊ ሕግን ስርዓትን ዝዝልፍ ሕቶታት ኣልዓለ። ጽቡቕን ሕማቕን ባዕልና ክንውስን መሰል ኣሎና ምስ በሉ ንሉዓላውነት ኣምላኽ በድህዎ። ነቲ ንኽገዝእ ዘለዎ መሰል ከምኡውን እንኮ ፈራዲ ናይ “ጽቡቕን ሕማቕን” ምዃኑ ኣብ ሕቶ ኣእተውዎ።—ዘፍጥረት 2:15-17፣ 3:1-5
ስለምንታይ ኢዩ ፍቓዱ ብቕልጡፍ ዘይተግበሮ፧
‘እሞኸ ደኣ ኣምላኽ ብቕልጡፍ ንፍቓዱ ዘይተግበሮ ስለምንታይ ኢዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ንብዙሓት ሰባት እቲ ጕዳይ ኣዝዩ ቐሊል ኢዩ ዝመስሎም። ከምዚ ኸኣ ይብሉ:- ‘ኣምላኽ ሓይሊ ነይርዎ ኢዩ። ነቶም ዓለወኛታት ንምጥፋእ ድማ ክጥቀመሉ ይግብኦ ነይሩ።’ (መዝሙር 147:5) ንገዛእ ርእስኻ ግን ከምዚ ኢለካ ሕተት: ‘ንዅሎም እቶም ፍቓዶም ንምትግባር ኢሎም ዝለዓለ ሓይሊ ዝጥቀሙ: ከይተጠራጠርኩ ምደገፍክዎምዶ፧ ሓደ ውልቀ-መላኺ ጸላእቱ ንምጥፋእ ኢሉ ናይ ቅትለት ኣሃዱታት ክጥቀም ከሎ: ብባህርያዊ መገዲ ናይ ጽልኢ ስምዒት ኣይመሕደረለይንዶ፧’ መብዛሕትኦም ምኽንያታውያን ዝዀኑ ሰባት ከምዚ ዝበለ ነገር የሸቝርሮም ኢዩ።
‘ኣምላኽ ነቲ ሓይሊ እቲ እንተ ዝጥቀም ነይሩ: በቲ ዝወስዶ ስጕምቲ ዋላ ሓደ ኣይምሓተቶን’ ትብል ትኸውን። ግናኸ ርግጸኛ ዲኻ፧ ሰባት ንኣጠቓቕማ ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ሕቶ ከም ዘእትውዎ ሓቂዶ ኣይኰነን፧ ከምቲ ንእከይ ኣብ ምዕጋስ ዘርኣዮ ስለምንታይ ኢዩ ዘይተጠቕመሉ ኢሎም ይሓቱ። ኣብ ካልእ ግዝያት ድማ ስለምንታይ ተጠቒምሉ ኢሎም ይሓቱ። እቲ እሙን ዝነበረ ኣብርሃም እውን ከይተረፈ ነቲ ኣምላኽ ኣንጻር ጸላእቱ ዘርኣዮ ኣጠቓቕማ ሓይሊ ዘይተረድኦ ነገር ነይሩ ኢዩ። ነቲ ኣምላኽ ንሶዶም ከጥፍኣ ዝወሰነሉ እዋን ዘክሮ። ኣብርሃም ቅኑዓት ሰባት ምስቶም እኩያት ዝጠፍኡ መሲልዎ ብጌጋ ፈሪሁ ኢዩ። “ንጻድቕ ምስቲ ረሲእ ምቕታል ከምዚ ዝበለ ነገር ምግባርሲ ኻባኻ ይርሐቕ” ብምባል ዓው ኢሉ ተዛረበ። (ዘፍጥረት 18:25) እቶም ከም ኣብርሃም ዝኣመሰሉ ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት እውን ከይተረፉ ፍጹም ሓይሊ ብዘይ ግቡእ ከም ዘይዝውተር መረጋገጺ የድልዮም ኢዩ።
ርግጽ ኢዩ: ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ሰይጣንን ብቕጽበት ከጥፍኦም ይኽእል ነይሩ ኢዩ። እዚ ግን ነቶም ዳሕራይ ነቲ ዝወሰዶ ስጕምትታት ክግንዘብዎ ዝኽእሉ ካልኦት መላእኽቲ ወይ ናይ መጻኢ ፍጡራት ክሳዕ ክንደይ ክትንክፎም ይኽእል ከም ዝነበረ እሞ ሕሰበሉ። ኣብ ኣእምሮ ናይቶም ፍጡራት ንቕንዕና ኣምላኽ ዝምልከት ዝርብጽ ሕቶታት ኣይምገደፈንዶ፧ እዝስ ከምቲ ኒችዝስኪ ዝገለጾ: ንዝዀነ ይኹን ዝቃወሞ ብጭከና ዘጥፍእ ውልቀ-መላኺ ተባሂሉ ከም ዝኽሰስ ኣይገብሮንዶ፧
ሰባት ቅኑዕ ዘበለ ከም ዝዓዩ ስለምንታይ ዘይገብሮም፧
ገለ ሰባት ‘ኣምላኽ ቅኑዕ ዘበለ ከም ዝዓዩ ክገብሮም ኣይክእልን ድዩ፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። ግናኸ ነዚ ዝስዕብ እውን ኣብ ግምት ኣእትዎ። ኣብ ታሪኽ: መንግስታት ንሰባት ምስቲ ናታተን ኣተሓሳስባ ከም ዝሰማምዑ ንኽገብርኦም ፈቲነን ኢየን። ገለ መንግስታት ወይ ገለ ውልቃውያን መራሕቲ ንግዳያቶም እቲ ዘደንቕ ናይ ናጻ ድሌት ተውህቦኦም ምናልባት: ሓሽሽ ወይ መጥባሕቲ ገይሮም ብምዝራፍ እተፈላለየ ናይ ኣእምሮ ምቍጽጻር ሜላታት ተጠቒሞም ኢዮም። ንምግሃስ እተቓለዐ እኳ እንተዀነ: ነቲ ዘሎና ናጻ ስነ-ምግባራዊ ኣተሓሳስባ ኣይንዕቅቦንዶ ኢና፧ ዝዀነ ይኹን መንግስቲ ወይ መራሒ ነዚ ናጽነት እዚ ንኸሕድገና ዝገብሮ ፈተነታት ሸለል ንብሎዶ ኢና፧
ስለዚ እምበኣር ኣምላኽ ሽዑ ንሽዑ ነቲ ሕጊ ንምትግባር ብሓይሉ ኣብ ክንዲ ዝጥቀም እንታይ ካልእ ኣማራጺ ኢዩ ዝነበሮ፧ የሆዋ ኣምላኽ: ነቶም ሕግታቱ ዝነጸጉ ፍጡራት ንግዚኡ ካብ ምምሕዳሩ ናጻ ኰይኖም ዝነብርሉ እዋን ብምፍቃድ ነቲ ዕልወት ምሓዙ እቲ ዝበለጸ መገዲ ምዃኑ ወሰነ። እዚ ኸኣ ነቶም ካብ ኣዳምን ሄዋንን ዝወጹ ኣባላት ሰብኣዊ ስድራቤት: ንሕጋጋት ኣምላኽ ከይተገዝኡ ንእተወሰነ ግዜ ገዛእ ርእሶም ባዕላቶም ከማሓድሩ የፍቅደሎም። ስለምንታይ ኢዩ ኣምላኽ ከምዚ ዝገበረ፧ ምኽንያቱ ድሕሪ ገለ ግዜ: ፍቓዱ ንምፍጻም ነቲ ደረት ዘይብሉ ሓይሉ ክጥቀም ከሎ እውን ከይተረፈ: ኣገባብ ኣመሓዳድርኡ ኵሉ ግዜ ቅኑዕን ጽድቃውን ከም ዝዀነ: ኣንጻር ኣምላኽ ዝግበር ዝዀነ ይኹን ዕልወት ድማ እንተ ቐልጢፉ እንተ ደንጕዩ ሳዕቤኑ መዓት ከም ዝኸውን ዘየተሓታትት መርትዖ ከም ዝርከብ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ።—ዘዳግም 32:4፣ ኢዮብ 34:10-12፣ ኤርምያስ 10:23
ብዛዕባ እቶም ንጹሃት ግዳያትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧
‘እሞ ብዛዕባ እቶም ኣብ መንጎ እዚ እዋን እዚ ግዳያት ዝዀኑ ዘለዉኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ‘ንገለ ክፋል ናይቲ ሕጊ ምርግጋጽ ምስቲ ቃንዝኦም ዝዳረግ ድዩ፧’ ርግጽ ኢዩ: ኣምላኽ ንገለ ሕቡእ ክፋል ናይ ሕጊ ንምርግጋጽ ጥራይ ኢሉ እከይ ንኽህሉ ኣይፈቐደን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ: ነቲ ንሱ በይኑ ሉዓላዊ ከም ዝዀነ: ንሕጋጋቱ ተኣዛዝነት ምርኣይ ድማ ንነባሪ ሰላምን ሓጐስን ናይ ኵሎም ፍጡራቱ ኣድላዪ ከም ዝዀነ ዝገልጽ መሰረታዊ ሓቂ: ሓንሳብን ንሓዋሩን ከም ዝረጋገጽ ክገብር ኢሉ ኢዩ።
ኣብ ኣእምሮና ክንሕዞ ዘሎና ኣውራ ነገር: ኣምላኽ ነቲ ናይ እከይ ህላወ ንሰብኣዊ ስድራቤት ከምጽኣሉ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ጕድኣት ምሉእ ብምሉእ ከጥፍኦ ከም ዝኽእል ይፈልጥ ምዃኑ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ: እቲ ግዝያዊ ናይ ቃንዛን ስቓይን እዋን ጠቓሚ ውጽኢት ክህልዎ ኢዩ። ብዛዕባ እታ ንወዳ ክቐትሎ ካብ ዝኽእል ሕማማት ዝከላኸለሉ ክትባት ምእንቲ ከተውግኦ ኢላ ሓኪም እናሳቐዮ ከሎ ኣጽኒዓ እትሕዞ ኣደ እሞ ሕሰብ። ቈልዓኣ ክቕንዞ እትደሊ ኣደ የላን። ንሕሙሙ ጭንቀት ከምጽኣሉ ዝደሊ ሓኪም እውን የለን። ኣብቲ ግዜ እቲ: እቲ ቘልዓ ምኽንያት ናይቲ ቃንዛ ኣይርድኦን ኢዩ: ጸኒሑ ግን ስለምንታይ ክቕንዞ ከም እተፈቕደሉ ከስተውዕል ኢዩ።
ነቶም ዝሳቐዩ ዝኸውን ናይ ሓቂ መጸናንዒ ኣሎዶ፧
ገለ ሰባት ነዚ ነገራት እዚ ምፍላጡ ጥራይ ነቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ምጽንናዕ ክዀኖም ከም ዘይክእል ይስምዖም ይኸውን። ሃንስ ኩንግ ንህላወ ስቓይ ምኽንያታዊ መግለጺ ምሃብ “ንሓደ ዝሳቐ ዘሎ ሰብ ክሕግዞ ዝኽእል ዳርጋ ከምቲ ንሓደ ብጥሜት ዝሰሓግ ዘሎ ሰብ ብዛዕባ ምውህሃድ ቀመማት መግቢ ኣስተምህሮ ምሃብ ገይሩ ዝሕግዞ ኢዩ” ብምባል ይዛረብ። “እዚ ዅሉ ብዛዕባ ስቓይ ዝቐርብ ናይ ብልሂ ምኽንያት ነቲ ዳርጋ ብስቓይ ተዋሒጡ ዘሎ ወድሰብ ብሓቂ ምትብባዕ ይህቦዶ ኢዩ፧” ርግጽ ኢዩ: ኵሉ እቲ “ብልሂ ምኽንያት” ናይቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ንቓል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ዕሽሽ ዝብሉ ሰባት ምትብባዕ ኣይህቦምን ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ሰብኣዊ ምኽንያት: ኣምላኽ ንሰብ ክሳቐ ከም ዝደልዮ ከምኡውን ምድሪ ናይ ንብዓት ስንጭሮ ወይ ነቶም ዳሕራይ ኣብ ሰማይ ህይወት ዝረኽቡ ሰባት መፈተኒት መድረኽ ክትከውን ከም እተፈጥረት ሓሳብ ብምቕራብ ነቲ ሽግር ዘግድዶ ጥራይ ኢዩ። ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ጸርፊ ኰን ኢዩ!
ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ መጸናንዒ ይህበና ኢዩ። ንህላወ ስቓይ ዝምልከት ኣብ ንሓድሕዱ ዝሰማማዕ መግለጺ ዝህብ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብቲ ንግዚኡ ስቓይ ክህሉ ብምፍቃዱ ዝመጸ ጕድኣት ከጥፍኦ ምዃኑ ኣምላኽ ዝኣተዎ ርግጸኛ ተስፋ: እምንቶ ንኽህልወና ይገብር።
እቲ “ምሕዳስ ናይ ኵሉ ነገር”
ድሕሪ ኣዝዩ ቐረባ ግዜ ኣምላኽ ንነገራት ናብቲ እቶም ቀዳሞት ሰብኣውያን ፍጥረታቱ ቅድሚ ምዕላዎም ሓሲብዎ ዝነበረ መገዲ ክመልሶ ኢዩ። እቲ ንሰብ ንገዛእ ርእሱ ባዕሉ ከመሓድር መዲቡሉ ዝነበረ ግዜ ዳርጋ ተወዲኡ ኢዩ። ኣብቲ ኣምላኽ “ክሳዕ እቲ: . . . ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነብያቱ እተዛረቦ ዘመን ምቕናዕ ኵሉ: [“ምሕዳስ ናይ ኵሉ ነገር:” NW ] ሰማይ . . . ክትቅበሎ ይግባእ እዩ” እተባህለሉ የሱስ: ዝልእከሉ ግዜ ኢና እንነብር ዘሎና።—ግብሪ ሃዋርያት 3:20, 21
የሱስ ክርስቶስ እንታይ ኢዩ ክገብር፧ ንምድሪ ካብ ኵሎም ጸላእቲ ኣምላኽ ከጽርያ ኢዩ። (2 ተሰሎንቄ 1:6-10) እዚ ከምቲ ሰብኣውያን ውልቀ-መለኽቲ ዝወስድዎ መቕጻዕቲ ቅልጡፍ ናይ ምቕንጻል ስጕምቲ ኣይኰነን። እቲ ብሰንኪ ናይ ሰብ ሕማቕ ምምሕዳር ዝመጸ ቀዛፊ ሳዕቤናት ዘረጋግጽ ማእለያ ዘይብሉ መርትዖ: ኣምላኽ ሕጂ ፍቓዱ ንምትግባር ኢሉ ነቲ ደረት ዘይብሉ ሓይሉ ቀልጢፉ ክጥቀመሉ ምሉእ ብምሉእ ቅኑዕ ከም ዝዀነ ከርኢ ኢዩ። (ራእይ 11:17, 18) ኣብ መጀመርታ እዚ ከምቲ ምድሪ ቅድሚ ሕጂ ፈጺማ ተመኪራቶ ዘይትፈልጥ: ነቲ ብመዓልቲ ኖህ ዝዀነ ማይ ኣይሂ ዝመሳሰል ግናኸ ካብኡ ዝዓቢ “ጸበባ” (NW ) ክኸውን ኢዩ ማለት ኢዩ። (ማቴዎስ 24:21, 29-31, 36-39) እቶም ካብቲ “ዓቢ ጸበባ” ዝድሕኑ ፍጻሜ ናይቲ ኣምላኽ “ብኣፍ ቅዱሳን ነብያቱ” ዝሃቦ ኵሉ መብጽዓታት ዝርእይሉ “ዘመን ዕረፍቲ” ከስተማቕሩ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 3:19፣ ራእይ 7:14-17) ኣምላኽ እንታይ ኢዩ ተመባጺዑ ዘሎ፧
ርግጽ እዩ: ናይ ጥንቲ ነብያት ኣምላኽ ብውግእን ምፍሳስ ደምን ንዝመጽእ ስቓይ መወዳእታ ከም ዝህልዎ ተዛሪቦም ኢዮም። ንኣብነት: መዝሙር 46:9 “ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ” ብምባል ትነግረና። ድሕሪ ደጊም ንጹሃት ግዳያት ከምኡውን ዘሕዝኑ ስደተኛታት: ብጾታዊ ርክብ ዝዕመጹ: ዝስንክሉ: ኣብ ደማዊ ውግኣት ዝቕተሉ ሰባት ኣይክህልዉን ኢዮም! ነብዪ ኢሳይያስ “ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ: ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም” ይብል።—ኢሳይያስ 2:4
እቶም ነብያት ብገበንን ምጕዳል ፍትሕን ንዝመጽእ ስቓይ መወዳእታ ከም ዝህልዎ እውን ኣቐዲሞም ነጊሮም ኢዮም። ምሳሌ 2:21,22 “እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ” እቶም ቃንዛን ስቓይን ዘምጽኡ ግን “ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም” ብምባል ትመባጻዕ። ድሕሪ ደጊም “ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ [ኣይክገዝእን]” ኢዩ። (መክብብ 8:9 NW ) ኵሎም እኩያት ንዘለኣለም ክጽረጉ ኢዮም። (መዝሙር 37:10,38) ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብ ስቓይ ናጻ ኰይኑ ብሰላምን ደሓንን ምንባር ክኽእል ኢዩ።—ሚክያስ 4:4
ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: እቶም ነብያት ብኣካላውን ስምዒታውን ሕማማት ንዝመጽእ ስቓይ መወዳእታ ከም ዝህልዎ እውን ተመባጺዖም ኢዮም። (ኢሳይያስ 33:24) ኢሳይያስ ዕዉራት: ጸማማት: ኣካለ-ስንኩላን: ከምኡውን ኵሎም እቶም ብምጽላእን ሕማምን እተወጽዑ ሰባት ክሓውዩ ምዃኖም ይመባጻዕ። (ኢሳይያስ 35:5, 6) ኣምላኽ ንበሰላታት ሞት እውን ከይተረፈ ከጥፍኦ ኢዩ። የሱስ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ: . . . ኺወጹ [ኸኣ] እዮም” ብምባል ኣቐዲሙ ነገረ። (ዮሃንስ 5:28,29) ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብቲ ናይ “ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን” ራእይ: “ኣምላኽውን ባዕሉ . . . ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። . . . ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ብምባል ተነጊርዎ ነይሩ ኢዩ። (ራእይ 21:1-4) ሕስብ እሞ ኣብሎ! ቃንዛ የለን: ንብዓት የለን: ኣውያት የለን: ሞት የለን—ድሕሪ ደጊም ስቓይ የለን!
ኣብዚ ግዝያዊ ንእከይ ናይ ምጽዋር እዋን: ዝዀነ ይኹን ዘሰቅቕ ነገራት እኳ እንተ ተፈጸመ ኵሉ ክዕረ እዩ። እቲ ፈጺሙ ዕላማ ኣምላኽ ዘይነበረ ተዘክሮታት ሰብኣዊ ቃንዛን ስቓይን እውን ከይተረፈ ክድምሰስ ኢዩ። ኢሳይያስ “እቲ ናይ ቀደም ጸበባ ተረሲዑ . . . እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን” ኢዩ ብምባል ተነበየ። (ኢሳይያስ 65:16,17) እቲ ፍጹም ሰብኣዊ ስድራቤት ምሉእ ሰላምን ሓጐስን ረኺቡ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንምንባር ዝነበረ ናይ መጀመርታ ዕላማ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ክገሃድ ኢዩ። (ኢሳይያስ 45:18) ኣብ ሉዓላውነት ኣምላኽ ምሉእ እምንቶ ክህሉ ኢዩ። ኣብቲ ኣምላኽ ንዅሉ ሰብኣዊ ስቓይ መወዳእታ ዝገብረሉ ግዜ: ኣብቲ ከምቲ ኒችዝስኪ ገይሩ ዝኸሰሶ “ውልቀ-መላኺ: መታለሊ: ጉሒላ: ቀታሊ” ዘይኰነስ: ንሱ ኵሉ ግዜ ፈቃር: ጥበበኛ: ከምኡውን ኣብ ኣጠቓቕማ ናይቲ ፍጹም ሓይሉ ቅኑዕ ምዃኑ ዘርእየሉ ግዜ ክትነብርሲ ኣየ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ!
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ገለ መራሕቲ ነቲ ናይ ግዳያቶም ናጻ ድሌት ብምግሃስ ንኣእምሮ ተቘጻጺሮምዎ ኢዮም
[ምንጪ ስእሊ]
UPI/Bettmann
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ኣብቲ ስቓይ ዘይህልወሉ ግዜ ኵሉ ሰብ ንህይወት ምሉእ ብምሉእ ከስተማቕራ ኢዩ