እታ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረት የሩሳሌም ስነ-ጥንቲ ብዛዕብኣ እንታይ ይገልጽ፧
ብፍላይ ካብ 1967 ኣትሒዙ: ኣብ የሩሳሌም ዘደንቕ ዓበይቲ ስነ-ጥንታዊ ንጥፈታት ተኻይዱ ኢዩ። ብዙሕ ካብቲ እተዃዕተ ታሪኻዊ ቦታታት ኣብዚ እዋን እዚ ንህዝቢ ክፉት ኰይኑ ኣሎ: ስለዚ ንገለ ካብቲ ቦታታት ንርኣዮ እሞ ስነ-ጥንቲ ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ታሪኽ ብኸመይ ከም ዝሰማማዕ ድማ ንረዳኣዮ።
ናይ ንጉስ ዳዊት የሩሳሌም
እቲ ጥንታዊት ከተማ ዳዊት ተሃኒጻትሉ ዝነበረት: መጽሓፍ ቅዱስ ከረን ጽዮን ብምባል ዝጠቕሶ ከባቢ: ኣብዛ ዘመናዊት ርእሰ-ኸተማ ዝዀነት የሩሳሌም ፈጺሙ ግምት ዘይወሃቦ ቦታ ኢዩ ዝመስል። ኣብ መንጎ 1978-85: ብመሪሕነት መዋቲ ፕሮፌሰር ዪገል ሺሎ ኣብ ከተማ ዳዊት እተገብረ ኵዕታ መሬት: ኣብቲ ምብራቓዊ ወገን ናይቲ ከረን ሓደ ገዚፍ: ናይ መደያይቦ እምኒ ዝመስል ቅርጺ ዘለዎ ህንጻ: ወይ ደጋፊ መንደቕ ረኸበ።
ፕሮፌሰር ሺሎ እዚ እተረኽበ ህንጻ: ዑናታት ናይቲ ይቡሳውያን (ዳዊት ከይማረኻ ከሎ ዝነበሩ ተቐማጦ እቲ ቦታ) ኣብ ልዕሊኡ ከተማ ዝሃነጽሉ ዓቢ መሰረት ብምዃን ነቲ ጸድፊ ከቢብዎ ዝነበረ ናይ ደረጃ ቅርጺ ዘለዎ መናድቕ ከም ዝዀነ ይዛረብ። እቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ናይ መናድቕ ዛላታት ዝርከብ እተተረኣኣሰ ኣእማን ዝመስል ህንጻ: ክፍሊ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ከተማ ይቡሳውያን ብዳዊት እተሰርሐ ሓድሽ ዕርዲ ምዃኑ ይገልጽ። ኣብ 2 ሳሙኤል 5:9 ከምዚ ነንብብ:- “ዳዊት ከኣ ኣብ እምባ ተቐመጠ እሞ ከተማ ዳዊት ኣውጽኣላ። ዳዊት ድማ ካብ ሚሎ ሒዙ ብዙርያኣን ብውሽጣን ነደቓ።”
ኣብ ጥቓ እዚ ህንጻ እዚ: ኣፍ ደገታት ናይቲ ጥንታዊ ስርዓተ-ማይ እታ ከተማ ይርከብ: ገለ ክፍልታቱ ድማ ካብ ግዜ ዳዊት ኣትሒዙ ዝነበረ ኢዩ ዝመስል። ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ስርዓት መትረብ ማይ ዝምልከት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ገሊኡ ሓሳባት ሕቶታት ኣልዒሉ ኢዩ። ንኣብነት: ዳዊት ነቶም ገላውኡ ‘ንየቡሳዊ ዝቐተለ ዘበለ ናብቲ መትረብ ማይ ደይቡ’ ምስ ጸላኢ ይግጠም በሎም። (2 ሳሙኤል 5:8) ናይ ዳዊት ሓለቓ ሰራዊት ዝነበረ ዮኣብ ከምኡ ገበረ። እቲ “መትረብ ማይ” ዝብል መግለጺ ብልክዕ እንታይ ማለት ኢዩ፧
ነቲ ኣብ መበል ሻምናይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ብመሃንድሳት ንጉስ ህዝቅያስ ተዃዒቱ ክኸውን ዝኽእል: ኣብ 2 ነገስት 20:20 ከምኡውን 2 ዜና መዋእል 32:30 ድማ ተጠቒሱ ዘሎ ውሩይ መትረብ ሰሊሆም ዝምልከት ካልእ ሕቶታት ድማ ተላዒሉ ኢዩ። እቶም ክልተ ጕጅለ ኰዓቲ ናይቲ መትረብ: ካብቲ ኣንጻር ዝዀነ ጫፋት እናዀዓቱ ክመጹ ኸለዉ ከመይ ኢሎም ክራኸቡ ከኣሉ፧ እቲ መትረብ ትኽ ዝበለ ኰይኑ ኣብ ክንዲ ዝሓጽር መሊሱ ዘናውሖ ጥውይዋይ ዝዀነ መገዲ ዝመረጹ ስለምንታይ ኢዮም፧ ብፍላይ ብዘይቲ ዝበርህ ቀነዲል ተጠቒሞም ክዀኑ ስለ ዝኽእሉ: ዘስተንፍስዎ እኹል ኣየርከ ብኸመይ ክረኽቡ ከኣሉ፧
እቲ ቢብሊካል ኣርክዮሎጂ ረቪው ዝበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሔት ነዚ ሕቶታት እዚ ክኸውን ዝኽእል መልስታት ሂብሉ ኣሎ። ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ኵዕታ መሬት ናይ ስነ-ጥንቲ ኣማኻሪ ብምዃን ዝዓየየ ዳን ጊል ከምዚ ዝሰዕብ ምባሉ ተጠቒሱ ኣሎ:- “ኣብ ትሕቲ ከተማ ዳዊት ኣብ ውሽጢ ነዊሕ እዋን ዝማዕበለ ባህርያዊ ናይ ካርስት ስርዓት ኣሎ። ካርስት ማለት ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዝርከብ ማይ ብመንጎ እቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዘሎ ኣኻውሕ ክልሕዅ ከሎ ዝፍጠር ጐዳጕዲ: በዓትታት ከምኡውን መትረባት ዝሓዘ ሓባጥ-ጎባጥ ከባቢ ንምግላጽ ዝውዕል ናይ ስነ-ምድሪ ስያመ ኢዩ። . . . ኣብ ትሕቲ ከተማ ዳዊት ኣብ ዝርከብ ማያዊ ስርዓት ትሕተ-ምድሪ ዝገበርናዮ ስነ-ጥንታዊ ምርምር: ነቲ ምስ ናይ ስርዓት ቀረብ ማይ ስራሕ ተወሃሂዱ ዘሎ ብባህርያዊ (ናይ ካርስት) መገዲ እተባሕጐጐ መትረባትን ጐዳጕድን ሰብኣዊ ክእለት ተጠቒምካ ብምስፋሕ መሰረታዊ ለውጢ ከም እተገብረሉ ኢዩ ዝሕብር።”
እዚ ምናልባት መትረብ ሰሊሆም ብኸመይ ከም እተዃዕተ ንምግላጽ ይሕግዝ ይኸውን። ኣብ ትሕቲ እቲ ከረን ንዘሎ ናይ ባህርያዊ መትረብ ጥውይዋይ መገዲ ብምስዓብ እተሃንጸ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ካብ ክልቲኡ ጫፍ እናዀዓቱ ዝመጹ ዝነበሩ ጕጅለታት ነቲ ሽዑ ዝነበረ በዓትታት እናተዓራረዩ ግዝያዊ መትረብ ኲዒቶም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ድሕርዚ እቲ ማይ ካብ ዓይኒ ማይ ጊሆን ናብቲ ምናልባት ብውሽጢ መናድቕ ናይታ ከተማ ዝርከብ ዝነበረ ሓጽቢ ሰሊሆም ምእንቲ ክፈስስ ንቑልቁል ገጹ ዝጥምት መትረብ ተዃዕተ። ንውሓቱ 533 ሜትሮ ኰይኑ ከብቅዕ: ኣብ መንጎ ክልቲኡ ጫፋት 32 ሰንቲ ሜተር ዝኸውን ናይ ቁመት ፍልልይ ጥራይ ብምንባሩ ብሓቂ ዓቢ ዕዮ ምህንድስና ኢዩ ነይሩ።
እታ ጥንታዊት ከተማ ማይ እትረኽበሉ ቀንዲ ምንጪ: ዓይኒ ማይ ጊሆን ምንባሩ ምሁራት ቅድሚ ነዊሕ ግዜ ፈሊጦም ነይሮም ኢዮም። ካብ መናድቕ እታ ከተማ ወጻኢ ዝርከብ እኳ እንተ ነበረ: ሓደ መትረብን 11 ሜትሮ ዝዕምቈቱ ጕድጓድን ዘዅዕት እኹል ቦታ ነይርዎ ኢዩ: እዚ ድማ ተቐማጦ እታ ኸተማ ካብቲ መከላኸሊ መናድቕ ከይወጹ ማይ ክቐድሑ ዘኽእሎም ኢዩ ነይሩ። እዚ ቦታ እዚ ብስም ናይቲ ብ1867 ነዚ ስርዓተ-ማይ እዚ ዝረኸቦ ቻርለስ ዋረን እተሰምየ: ዋረንስ ሻፍት ተባሂሉ ኢዩ ዝፍለጥ። እቲ መትረብን እቲ ጕድጓድን ግን መዓስ ኢዩ ተሰሪሑ፧ ኣብ ግዜ ዳዊት ነይሩ ድዩ፧ እቲ ዮኣብ እተጠቕመሉ መትረብከ እዚ ድዩ፧ ዳን ጊል ከምዚ ብምባል ይምልስ:- “እቲ ዋረንስ ሻፍት ዝበሃል ቦታ: ብሓቂ ባህርያዊ ጕድጓድ ምንባሩን ዘይምንባሩን ንምፍላጥ: ካብቲ ሓባጥ-ጎባጥ መናድቑ ናይ እምኒ ኖራ ቅላጥ ወሲድና ብካርቦን-14 ገይርና መርመርናዮ። ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይነበሮን: እዚ ድማ እቲ ቅላጥ ልዕሊ 40,000 ዓመታት ዕድመ ከም ዘለዎ ዝሕብር ኢዩ:- እዚ ኸኣ እቲ ጕድጓድ ሰብ ክዅዕቶ ከም ዘይክእል ዘየጠራጥር መርትዖ ዝህብ ኢዩ።”
ብግዜ ህዝቅያስ ዝነበረ ተረፍ ዑናታት
ንጉስ ህዝቅያስ ሃገር ኣሶር ኣብ ቅድሚኡ ዝጸንሖ ዅሉ ነገር እናጐበጠ ይኸደሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ኢዩ ዝነብር ነይሩ። ኣብ መበል ሻድሻይ ዓመት ግዝኣቱ: ኣሶራውያን ንሰማርያ: ርእሰ-ኸተማ ናይታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ: ማረኽዋ። ሸሞንተ ዓመታት ጸኒሖም ድማ: (732 ቅ.ኣ.ዘ.) ኣሶራውያን ተመሊሶም ንይሁዳን የሩሳሌምን የፈራርህወን ነበሩ። ካልኣይ ዜና መዋእል 32:1-8 ነቲ ህዝቅያስ እተጠቕመሉ ናይ ምክልኻል ስትራተጂ ትገልጾ ኢያ። ካብቲ እዋን እቲ ዝተረፈ ገለ ዝርአ መርትዖታት ኣሎዶ፧
እወ: ፕሮፌሰር ነማን ኣቪጋድ ብ1969 ካብቲ ግዜ እቲ ዝተረፈ ዑናታት ረኺቡ ነበረ። እቲ ናይ መጀመርታ ክፋሉ 40 ሜትሮ ብ7 ሜትሮ ክኸውን ከሎ: ብገምጋም ድማ 8 ሜትሮ ብራኸ ዝነበሮ ናይ ሓደ ገዚፍ መንደቕ ክፋል ብዅዕታ መሬት ተረኽበ። እቲ መንደቕ ፍርቁ ኣብ ልዕሊ ናይ ከውሒ መሰረት: ፍርቁ ድማ ኣብ ልዕሊ ቀረባ ግዜ እተሃንጸ ገዛውቲ እተነድቀ ኢዩ ነይሩ። ነዚ መንደቕ እዚ መን ሃነጾ: መዓስከ፧ ሓንቲ ናይ ስነ-ጥንቲ መጽሔት “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከባ ክልተ ጥቕስታት ዕለትን ዕላማን ናይቲ መንደቕ ፈልዩ ንኽፈልጥ ንኣቪጋድ ከም ዝሓገዝኦ” ጸብጻብ ትህብ። እተን ጥቕስታት ከምዚ ይንበባ:- “ተቢዑ ድማ ንብዘሎ እቲ ፈሪሱ ዝነበረ መንደቕ ነደቖ: ነቲ ግምብታት ከኣ ኣንውሖ: ኣብ ወጻኢኡ ድማ ካልኣይ መንደቕ ነደቐ።” (2 ዜና መዋእል 32:5) “ነቲ ቐጽሪ ምእንቲ ኸተጽንዑ ኸኣ: ነቲ ኣባይቲ ኣፍረስኩምዎ።” (ኢሳይያስ 22:10) ሎሚ በጻሕቲ ነቲ ኣብታ ጥንታዊት ከተማ ዝነበረ ናይ ኣይሁድ ዞባ ዝርከብ ገፊሕ መካበብያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መንደቕ ክፋሉ ክርእይዎ ይኽእሉ ኢዮም።
እተፈላለየ ኵዕታ መሬት: የሩሳሌም ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝዋሃባ ዝነበረ ግምት ኣዝያ ዝገፍሐት ምንባራ እውን ይገልጽ ኢዩ: እዚ ድማ ምናልባት እቲ ሰሜናዊ መንግስቲ ብኣሶራውያን ድሕሪ ምስዓሩ ዋሕዚ ስደተኛታት ስለ ዘጋጠመ ክኸውን ይኽአል። ፕሮፌሰር ሺሎ: እዛ ናይ ይቡሳውያን ከተማ ዳርጋ 6 ሄክታር ዝስፍሓቱ ከባቢ ሸፊና ምንባራ ኢዩ ዝግምት። ኣብ ግዜ ሰሎሞን ድማ ዳርጋ 16 ሄክታር ሸፊና ነበረት። ኣብ ግዜ ንጉስ ህዝቅያስ: 300 ዓመታት ጸኒሑ: እቲ እተዓረደ ከባቢ ናይታ ከተማ ዳርጋ ናብ 60 ሄክታር ኣቢሉ ሰፍሐ።
ኣብ እዋን እታ ቀዳመይቲ ቤት መቕደስ ዝነበረ መካነ-መቓብራት
ኣብ እዋን እታ ቀዳመይቲ ቤት መቕደስ ማለት ባቢሎናውያን ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ንየሩሳሌም ቅድሚ ምጥፍኦም ዝነበረ መካነ-መቓብራት ድማ ካልእ ምንጪ ሓበሬታ ኢዩ። ብ1979/80 ኣብቲ ኣጻዳፍ ሽንጭሮ ሄኖም ብርክት ዝበለ ናይ መቓብር በዓትታት ብዅዕታ መሬት ምስ ተረኽበ ዘገርም ነገራት ክፍለጥ ተኻእለ። ናይ ስነ-ጥንቲ ተመራማሪ ጋብሪየል ባርካይ “ኣብ ምሉእ ታሪኽ ናይቲ ኣብ የሩሳሌም እተኻየደ ስነ-ጥንታዊ ምርምር: እዚ ሓደ ካብቶም ንመጀመርታ ግዜ ምስ ኵሉ ትሕዝትኦም እተረኽቡ ኣዝዮም ሒደት መኽዘናት ናይታ ቀዳመይቲ ቤት መቕደስ ኢዩ። ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝኸውን ኣቕሑ ዝሓዘ ኢዩ” በለ። ቀጺሉ ድማ ከምዚ ይብል:- “ኣብ እስራኤል: ብፍላይ ድማ ኣብ የሩሳሌም ዝዓዪ ነፍሲ ወከፍ ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ: ዝዓበየ ሕልሙ እተጻሕፈ ነገር ምርካብ ኢዩ።” ካብ ብሩር እተሰርሐ ክልተ ንኣሽቱ ብራናታት ተረኺቡ ኢዩ: እዚኸ እንታይ ዝሓዘ ነበረ፧
ባርካይ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ነቲ ዘይተጠቕለለ ነዊሕ ናይ ብሩር ቁራጽ ርእየ ኣብ ትሕቲ መጕልሒ ምስ ኣንበርኩዎ: ኣብቲ ላዕላዩ ብጥንቃቐ እተጻሕፈ ፊደላት ክርኢ ከኣልኩ: እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣዝዩ ረቂቕን ተሰባርን ዝዀነ ናይ ብሩር ጽላት ብበሊሕ ነገር እተጻሕፈ ኢዩ። . . . እቲ ኣብቲ እተቐርጸ ጽሑፍ ብንጹር ዝርአ መለኮታዊ ስም ከኣ በቲ ኣብ ጥንታዊ ቋንቋ እብራይስጢ ዝነበረ ናይ ኢድ ጽሕፈት ናይተን ኣርባዕተ ፊደላት እብራይስጢ: ዮድ-ሄ-ዋው -ሄ እተጻሕፈ ኢዩ።” ባርካይ ጸኒሑ ኣብ ዘዳለዎ ጽሑፍ ከምዚ ኢሉ ይውስኽ:- “ኣብ ክልቲኡ ናይ ብሩር ጽላት ዳርጋ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ካህናት በረኸት ዝባርኽሉ ቃላት ዝመሳሰል ናይ ምርቓ መምርሒ ተጻሒፉ ምጽንሑ ኣገሪሙና ኢዩ።” (ዘሁልቍ 6:24-26) ኣብ የሩሳሌም ኣብ ሓደ እተቐርጸ ጽሑፍ ስም የሆዋ ክርከብ እዚ ንመጀመርታ ግዜ ነበረ።
ምሁራት ንዕለት ናይዚ ጥቕላላት ብሩር ከመይ ገይሮም ኢዮም ዝፈልጥዎ፧ ብቐንዱ በቲ ስነ-ጥንታዊ ናይ ምርምር ኣገባብ ገይርካ እተረኽበ ምስኡ ዝዛመድ ነገራት ኢዩ ዝፍለጥ። ዕለቱ ክፍለጥ ዝከኣል ልዕሊ 300 ዝኸውን ስርሓት ዓታሩ ኣብቲ መኽዘን ተረኺቡ ኢዩ: እዚ ድማ ኣብ መበል ሻብዓይን ሻዱሻይን ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ከም ዝነበረ ዝሕብር ኢዩ። እቲ ጽሑፍ ምስ ካልእ ዕለቱ እተፈልጠ ቅሩጽ ጽሕፈታት ምስ ተራኣኣየ ኸኣ: ልክዕ ናብዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዕለት ሓበረ። እቲ እተቐርጸ ጽሑፋት ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ናይ እስራኤል ቤተ-መዘክር ንምርኢት ቀሪቡ ኢዩ።
ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. እተፈጸመ ጥፍኣት የሩሳሌም
መጽሓፍ ቅዱስ ሰራዊት ነቡካድነጻር ነታ ከተማ ብሓዊ ከም ዘባርዕዋ ጸብጻብ ብምሃብ: ኣብ 2 ነገስት ምዕራፍ 25፣ 2 ዜና መዋእል ምዕራፍ 36፣ ከምኡውን ኤርምያስ 39 ብዛዕባ እቲ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. እተፈጸመ ጥፍኣት የሩሳሌም ይነግረና ኢዩ። ናይ ቀረባ ግዜ ኵዕታ መሬታ ነዚ ታሪኻዊ ጸብጻብ እዚ ኣረጋጊጽዎዶ፧ ብመሰረት ፕሮፌሰር ዪጋል ሺሎ “እቲ [ባቢሎናውያን ንዘውረድዎ ጥፍኣት] ዝምልከት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መርትዖ . . . በቲ ርግጽ ዝዀነ ስነ-ጥንታዊ መርትዖ እተደገፈ ኢዩ፣ እቲ እተፈላለየ ህንጻታት ምሉእ ብምሉእ ምዕናዉ: ከምኡውን እቲ ንብዙሕ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ክፍልታት ናይቲ ኣባይቲ ዘንደዶ ባርዕ: ብርግጽ ተፈጺሙ ኢዩ።” ቀጺሉ ድማ “ናይዚ ጥፍኣት እዚ ኣሰር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይቲ ኣብ የሩሳሌም እተኻየደ ኵዕታ መሬት ተረኺቡ ኢዩ” ብምባል ሓሳብ ሃበ።
በጻሕቲ ነቲ ካብቲ 2,500 ዓመታት ይገብር እተፈጸመ ጥፍኣት ዝተረፈ ዑናታት ክርእይዎ ይኽእሉ ኢዮም። ግምቢ እስራኤላዊ: ዝነደደ ክፍሊ: ከምኡውን ገዛ ኣቑሑ ማሕተም ፍሉጥ ስማት ናይቲ እተዓቀበን ንህዝቢ ድማ ክፉት ዝዀነን ስነ-ጥንታዊ ቦታታት ኢዩ። ጃን ኤም. ካሂል ከምኡውን ዴቪድ ታረለር እተባህሉ ናይ ስነ-ጥንቲ ተመራመርቲ ኣብታ ኤንሸንት ጀሩሳሌም ረቪልድ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ከምዚ ዝስዕብ ገይሮም ጸሚቘሙዎ ኣለዉ:- “እቲ ባቢሎናውያን ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዘውረድዎ ዓቢ ጥፍኣት ኣብ ትሕቲ እቲ ከም ዝነደደ ክፍሊ ከምኡውን ገዛ ኣቑሑ ማሕተም እተባህለ ህንጻታት እተረኽበ ናይ ዝሓረረ ዑናታት ረጒድ ቀጸላታት ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብቲ ካብ ዝፈረሰ ህንጻታት ወዲቑ ነቲ ምብራቓዊ ጸድፊ ሸፊንዎ እተረኽበ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስብርባር ኣእማን እውን ብግልጺ ይርአ ኢዩ። ብዛዕባ ጥፍኣት ናይታ ከተማ ዝነግር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መግለጺታት: . . . ነቲ ስነ-ጥንታዊ መርትዖ ይድግፎ ኢዩ።”
ስለዚ: እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ግዜ ዳዊት ኣትሒዙ ክሳዕ እቲ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ዝጠፍኣትሉ እዋን ብዛዕባ የሩሳሌም ዘቕርቦ ስእሊ: በቲ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት እተኻየደ ስነ-ጥንታዊ ኵዕታ መሬት ብብዙሕ መገድታት ተረጋጊጹ ኢዩ። ብዛዕባ እታ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረት የሩሳሌምከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧
የሩሳሌም ኣብ ግዜ የሱስ
ኵዕታ መሬት: መጽሓፍ ቅዱስ: እቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ጆሰፉስ እተባህለ ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ: ከምኡውን ካልእ ምንጭታት ንምሁራት ስእሊ ናይታ ኣብ 70 ከ.ኣ.ዘ. ብሮማውያን ቅድሚ ምጥፍኣ ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበረት የሩሳሌም ክህልዎም ይሕግዝ ኢዩ። ኣብ ከተማ የሩሳሌም ብድሕሪ ሓደ ሆቴል ንኤግዚብሽን ዝቐረበ ሞዴል ኣሎ: እዚ ሞዴል እዚ ብዅዕታ መሬት ሓድሽ ነገር ኣብ እተረኽበሉ ቍጽሪ ወትሩ እዋናዊ ምትዕርራይ ይግበረሉ ኢዩ። ኣብታ ከተማ ጐሊሑ ዝርአ ነገር እታ ሄሮድስ ካብቲ ኣብ ግዜ ሰሎሞን ዝነበረ መጠን ብዕጽፊ ዝወሰኸላ ኣብ ከረን ዝነበረት ቤት መቕደስ ኢያ ነይራ። ዳርጋ 480 ሜትሮ ብ280 ሜትሮ ስፍሓት ዘለዋ ኰይና ኣብቲ ጥንታዊ ዓለም ብሰብ ካብ እተዳለዉ ንድፍታት እታ ዝዓበየት ኢያ ነይራ። ገለ ካብቲ ተሃኒጻትሉ ዝነበረት ኣእማን 50 ቶን ዝምዘን ነበረ: አረ ሓደ እምንስ ናብ 400 ቶን ኣቢሉ ዝምዘን ኢዩ ነይሩ: ብመሰረት ሓደ ምሁር ዝበሎ ድማ “ኣብቲ ጥንታዊ ዓለም ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ብግዝፊ ዝወዳደሮ ኣይነበረን።”
ገለ ሰባት የሱስ “ነዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኣፍርስዋ: ኣነ ኸኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕላ እየ” ክብል ምስ ሰምዕዎ እንተ ሰምበዱስ ዘገርም ኣይኰነን። ንሱ “ብዛዕባ መቕደስ ስጋኡ” ይዛረብ እኳ እንተ ነበረ: ንሳቶም ነቲ ዓቢ ህንጻ ቤት መቕደስ ኢዮም ሓሲቦም። ስለዚ ድማ “እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ በርብዓን ሹድሽተን ዓመት እያ እተሀንጸት: ንስኻዶ ብሰለስተ መዓልቲ ኸተልዕላ ኢኻ፧” በልዎ። (ዮሃንስ 2:19-21) ከም ውጽኢት ናይቲ ኣብ ከባቢ እታ ኣብ ከረን ተሃኒጻ ዝነበረት ቤት መቕደስ እተገብረ ኵዕታ መሬት: ሎሚ በጻሕቲ ነቲ ካብ ግዜ የሱስ ኣትሒዙ ዝነበረ ክፋላት ናይቲ መንደቕን ካልእ ስነ-ህንጻዊ መዳያትን ክርእዩ ኣብቲ የሱስ ተመላሊስሉ ክኸውን ዝኽእል ቦታ ማለት ክሳዕ እቲ ምዕራባዊ ኣፍ ደገ ቤት መቕደስ እውን ከይተረፈ ብእግሮም ክኸዱ ይኽእሉ ኢዮም።
ኣብቲ ዞባ ኣይሁድ ዝበሃል ናይታ ጥንታዊት ከተማ ቦታ: ማለት ካብቲ ምዕራባዊ መንደቕ ናይታ ኣብ ከረን ዝነበረት ቤት መቕደስ ብዙሕ ከይረሓቕካ: ዝነደደ ገዛ ከምኡውን ናይ ሄሮድስ ዞባ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ክልተ ብጽቡቕ ኣገባብ እተዓረየ ናይ ኵዕታ መሬት ቦታታት ኣሎ። እቲ ዝነደደ ገዛ ምስ ተረኽበ: ናይ ስነ-ጥንቲ ተመራማሪ ነማን ኣቪጋድ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እዚ ህንጻ እዚ ሮማውያን ንየሩሳሌም ብ70 ዓ.ም. ከጥፍእዋ ከለዉ ከም ዝነደደ ሕጂ ዝያዳ ንጹር ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ታሪኽ ናይቲ ኣብዛ ኸተማ እተኻየደ ኵዕታ መሬት ሕጂ ንመጀመርታ ግዜ: እታ ከተማ ብሓዊ ምንዳዳ ዝሕብር ንጹርን ርግጸኛን ስነ-ጥንታዊ መርትዖ ግሉጽ ኰይኑ ኣሎ።”—ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእልታት ርአ።
ገለ ካብዞም እተረኽቡ ነገራት ንገለ ካብቲ ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበረ ፍጻመታት ዘነጽሩ ኢዮም። እቲ ህንጻታት ኣብቲ ነቶም ሊቃውንቲ ካህናት ሓዊስካ ሃብታማት ሰብ የሩሳሌም ዝቕመጥሉ ላዕለዋይ ክፋል ናይታ ከተማ ኢዩ ዘርከብ። ኣብ ውሽጢ እቲ ኣባይቲ ብርክት ዝበለ ቍጽሪ ዘለዎ ጽምብላዊ መሕጸቢ ጋብላታት ተረኽበ። ሓደ ምሁር ከምዚ ይብል:- “እቲ ብርክት ዝበለ ቍጽሪ ዘለዎ መሕጸቢ ጋብላታት በቶም ኣብ እዋን እታ ካልኣይቲ ቤት መቕደስ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ናይታ ከተማ ዝነበሩ ተቐማጦ ዝግበር ዝነበረ ጽምብላዊ ናይ ምጽራይ ተግባር ብጽኑዕ ይኽበር ምንባሩ ኢዩ ዘረጋግጽ። (እዚ ሕግታት እዚ ኣብቲ ብዛዕባ ዝርዝራት ሚክቨህ ጥራይ ዓሰርተ ምዕራፋት ዝሓዘ ሚሽናህ ተመዝጊቡ ኣሎ።)” እዚ ሓበሬታ እዚ ነቲ የሱስ ነዚ ጽምብላት እዚ ኣመልኪቱ ብዛዕባ ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ዝሃቦ ሓሳባት ክንርድኦ ይሕግዘና ኢዩ።—ማቴዎስ 15:1-20፣ ማርቆስ 7:1-15
ኣዝዩ ብርክት ዝበለ ቍጽሪ ዘለዎ ካብ እምኒ እተሰርሐ ኣቕሑ እውን ኣብ የሩሳሌም ተረኺቡ ኢዩ። ነማን ኣቪጋድ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እዚ ኣቕሑ እዚ ሃንደበትን ክንድዚ ዝኣክል ብዝሒ ዘለዎ ብምዃንን ኣብ ኣባይቲ የሩሳሌም እተረኽበ ድኣ ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ መልሲ ኣብ ገጻት ናይ ሃላክሃህ: ንጽምብላዊ ጽርየት ዝምልከት ሕጊ ኣይሁድ: ኢዩ ዝርከብ። ሚሽናህ እዞም ካብ እምኒ እተሰርሑ ኣቕሑ ካብቶም ርስሓት ዝጻወሩ ኣቕሑ ምዃኖም ኢዩ ዝነግረና። . . . እምኒ ነቲ ጽምብላዊ ምርካስ ዝጻወር ነገር ኢዩ ነይሩ።” እቲ የሱስ ናብ ወይኒ ዝቐየሮ ማይ ኣብ ክንዲ ካብ መሬት ኣብ እተሰርሐ ኣጋንእ ካብ እምኒ ኣብ እተሰርሐ ኣጋንእ እተቐመጠሉ ምኽንያት እዚ ምንባሩ ኢዩ ሓሳብ ተዋሂብሉ ዘሎ።—ዘሌዋውያን 11:33፣ ዮሃንስ 2:6
ናብ ቤተ-መዘክር እስራኤል እንተድኣ በጺሕካ ክልተ ፍልይ ዝበለ ጋህስታት ትርኢ። ቢብሊካል ኣርኪዮሎጂ ረቪው ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ጋህስታት ኣውራ ዝዝውተር ዝነበረ ሮማውያን ንየሩሳሌም ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ከየጥፍእዋ ከለዉ ዳርጋ ቅድሚ ሚእቲ ዓመታት ኣቢሉ ኢዩ። . . . ነቲ ዝሞተ ሰብ ኣብ መንደቕ ናይቲ መቕበሪ በዓቲ ንውሽጢ ኣትዩ ኣብ እተዃዕተ ሃጓፍ ቦታ ኢዮም ዘንብርዎ፣ እቲ ስጋ መሽሚሹ ምስ ተወድአ: እቲ ኣዕጽምቲ ተኣኪቡ ኣብ ጋህሲ—መብዛሕትኡ ግዜ ብእምኒ ኖራ እተሰለመ መአከቢ—ይቕመጥ።” እቶም ክልተ ንምርኢት ዝቐረቡ ጋህስታት ሕዳር 1990 ኣብ ሓደ ናይ መቓብር በዓቲ ኢዮም ተረኺቦም። ናይ ስነ-ጥንቲ ተመራማሪ ዝቪ ግሪንሀት ከምዚ ብምባል ጸብጻብ ይህብ:- “እታ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ውሽጢ መቓብር ዝርከብ ክልቲኡ ጋህስታት ዘላ ‘ቀያፋ’ . . . እትብል ቃል ኣብ ስነ-ጥንታዊ ምርምር ንመጀመርታ ግዜ ኢያ ተረኺባ። ምናልባት ስም ስድራቤት ናይቲ ኣብ . . . ሓድሽ ኪዳን ተጠቒሱ ዘሎ ሊቀ ካህናት ቀያፋ ኢያ እትኸውን። የሱስ ካብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤት ቀያፋ ኢዩ ናብቲ ሮማዊ ምስሌኔ ጶንጥዮስ ጲላጦስ እተወስደ።” ሓደ ካልእ ጋህሲ ድማ ናይ ሓደ ወዲ 60 ዓመት ኣቢሉ ዝኸውን ሰብኣይ ኣዕጽምቲ ሒዙ ነበረ። ምሁራት እዚ ብልክዕ ናይ ቀያፋ ኣዕጽምቲ ምዃኑ ኢዮም ዝግምቱ። ሓደ ምሁር እቲ እተረኽበ ነገር ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበረ ምዃኑ ይጠቅስ:- “ኣብ ሓደ ካብቲ ካልእ ጋህስታት እተረኽበ ናይ ሓጺን ሰልዲ: ብግዜ ሄሮድስ ኣግሪጳ (37-44 ከ.ኣ.ዘ.) እተሰርሐ ኢዩ። እቲ ክልተ ናይ ቀያፋ ጋህስታት ኣብ ምጅማር ናይቲ ክፍለ-ዘበን እቲ ዝነበረ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።”
ዊልያም ጂ. ዴቨር: ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣሪዞና ናይ ማእከላይ ምብራቕ ስነ-ጥንቲ ፕሮፌሰር: ንየሩሳሌም ዝምልከት እዚ ዝስዕብ ሓሳብ ሃበ:- “ብዛዕባ ስነ-ጥንታዊ ታሪኽ ናይዚ ኣገዳሲ ቦታ: ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ 150 ዓመታት ተደሚሩ እተማሃርናዮ: ኣብዘን ዝሓለፋ 15 ዓመታት ዝያዳ ተማሂርና ኢና እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኰነን።” መብዛሕትኡ ካብቲ ኣብዚ ቐረባ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ የሩሳሌም እተገብረ ስነ-ጥንታዊ ንጥፈታት ብርግጽ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዛረበሉ ታሪኽ ዘነጽር እተረኽበ ነገራት ኢዩ ኣቕሪቡ።
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ኣብ ቀጽሪ ናይ ሆሊላንድ ሆቴል ዝርከብ ሞዴል ናይታ ኣብ እዋን እታ ካልኣይቲ ቤት መቕደስ ዝነበረት ከተማ የሩሳሌም
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእልታት]
ላዕለዋይ:- ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ናይታ ኣብ ከረን ዝነበረት ቤት መቕደስ የሩሳሌም ዘሎ ኵርናዕ
የማን:- ናብ ዋረንስ ሻፍት ምውራድ