ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለዲ ብምኽባር ዝርከብ ዓስቢ
ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኣምላኽ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዶም ስለ ዘፍቅርዎም የኽብርዎምን ይሓልዩሎምን ኢዮም። ክፍሊ ኣምልኾኦም ድማ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ገለ መበለት ግና ደቂ ወይስ ደቂ ደቂ እንተ አለውዋ: እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ እሞ: ንሳቶም ቅድም ንስድራ ቤቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ኬርእዩ ንወለዶምውን ውሬታ ኺመልሱ ይምሀሩ።” (1 ጢሞቴዎስ 5:4 ሰያፍ ዝገብርናዮ ንሕና ኢና።) ንኣሽቱ ንኹን ዓበይቲ: ንወለድና: ንኣባሓጎታትናን እኖሓጎታትናን “ውሬታ” ክንመልስ ግቡእ ኢዩ። በዚ መገዲ እዚ ድማ ነቲ ንብዙሕ ዓመታት ዘርኣዩና ፍቕሮም: ጻዕሮምን ሓልዮቶምን ሞሳና ንገልጽ። ከመይሲ ወለድና ህይወት ይእውዱና ኢዮም!
ንወለዲ: ንኣባሓጐታትን እኖሓጎታትን ውሬታ ምምላስ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል” ምዃኑ ኣይትረስዕ። ምስቲ ዘሎና “ፍርሃት እግዚኣብሄር” ተተሓሒዙ ኣሎ። ስለዚ እምበኣር: ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ንኣምላኽ ዘሐጕሶ ንገብር ምህላውና ስለ እንፈልጥ ዓስቢ ንረክብ። እዚ ምግባር ሓጐስ ኢዩ ዘምጽኣልና።
ንኻልኦት ብፍላይ ከኣ ነቶም ብልግሲ ዝሃቡና ሰባት ክንህብ ከሎና ሓጐስ ንረክብ ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ምስቲ “ኣቦኻን ኣዴኻን ባህ ይበሎም: እታ ዝወለደትካ ኸኣ ትተሐጐስ” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓት ተሰማሚዕካ ምኻድሲ ከመይ ዝበለ ዓስቢ ኰን ኢዩ ዘለዎ!—ምሳሌ 23:25
ንወለድና: ንኣባሓጎታትናን እኖሓጎታትናን ከመይ ገይርና ኢና ውሬታ ክንመልስ እንኽእል፧ ብሰለስተ መገድታት:- ስጋዊ: ስምዒታዊ: ከምኡውን መንፈሳዊ። ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናቱ ዓስቢ ኣለዎ።
ብስጋዊ መገዲ ምሃብ
ንኣምላኽ ዘገልግልዎ ሰባት ነቶም ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራቤቶም ስጋዊ ነገራት ምድላው ኣድላዪ ከም ዝዀነ ይፈልጡ ኢዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ይምዕድ:- “ሓደ እኳ ነቶም ናቱ: ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ: ዘይሐሊ እንተሎ: እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይአምንውን ዝገደደ እዩ።”—1 ጢሞቴዎስ 5:8
ቱንጂን ጆኢን ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኢዮም ዝነብሩ። ሽሕ’ኳ ናይ ገንዘብ ጸገም እንተነበሮም ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ ጆኢ ምስኦም ክነብሩ ጸውዕዎም። ኣቦ ጆኢ ሓሚሙ ስለ ዝነበረ ድማ ጸኒሑ ሞተ። ቱንጂ ከምዚ ብምባል ይዝክር:- “ሓሞይ ምስ ሞተ: ሓማተይ ንጆኢ ጓላ ሕቍፍ ኣቢላ ‘ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ገይርኩም ኢኹም። ብሞት ኣቦኺ ምንም ናይ በደል ስምዒት ክስምዓኪ የብሉን’ በለታ። ሽሕ’ኳ ሓሞይ ካባና ብምፍላዩ ዝስምዓና እንተዀነ: እቲ ዝበለጸ መድሃኒት ከም ዝዓደግናሉ: ዝፍቶን ዝድለን ኰይኑ ከም ዝስምዖ ክንገብር ድማ ወትሩ ንጽዕር ከም ዝነበርና ንፈልጥ ኢና። በዚ ኸኣ ቅሳነት ይስምዓና።”
ልክዕ ኢዩ: ንኻልኦት ብስጋዊ መገዲ ክሕግዝ ዓቕሚ ዘለዎ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን። ሓደ ኣብ ናይጀርያ ዝነብር ሰብኣይ “ሓደ ርእሱ ክናቢ ዘይክእል ሰብ: ከመይ ገይሩ ኢዩ ንኻልእ ሰብ ክናቢ ዝኽእል፧” በለ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ከኣ እቲ ኵነታት ኣብዚ ዝቕጽል ዓመታት መሊሱ ክገድድ ይኽእል ኢዩ። ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ዝመጽእ ከም ዝበሎ: ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዘሎ ክፍሊ ኣፍሪቃ ዝነብር ህዝቢ ኣብ ክቱር ድኽነት ክነብር ኢዩ።
ብቝጠባዊ ኵነታት ኣብ ድኽነት ትርከብ እንተድኣ ኣሊኻ: ካብቲ ብዛዕባ ሓንቲ ድኻ መበለት ዝገልጽ ናይ ሓቂ ታሪኽ ምጽንናዕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ: ሓንቲ መበለት ኣብ ሳጹን ምጽዋት ቤት መቕደስ ሒደት ወፈያ ክትህብ ከላ ተዓዘበ። “[“ኣዝዩ ዝተሓተ ዋጋ ዝነበረን:” NW ] ኽልተ ለብጦን” ጥራይ ሃበት። የሱስ ግን ኵነታታ ስለ እተረድአ “ካብ ኵላቶም እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኣብዚሓ ኸም ዘውደቐት: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እዚኣቶምሲ ዅላቶም መባእ ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ: እዚኣ ግና ካብ ስእነታ ዘለዋ ዅሉ ምግባ እያ ዘውደቐት” በለ።—ሉቃስ 21:1-4
ብተመሳሳሊ: ንወለድና ወይ ከኣ ንኣባሓጎታትናን እኖሓጎታትናን ሒደትውን ይኹን ብስጋዊ መገዲ ንምሕላይ ዝከኣለና ንገብር እንተድኣ ኴንና: የሆዋ ይዕዘቦን የማስወሉን ኢዩ። ካብቲ ክንገብሮ እንኽእል ንላዕሊ ክንገብር ኣይጽበየናን ኢዩ። ወለድና ወይ ከኣ ኣባሓጎታትናን እኖሓጎታትናን እውን ምናልባት ከምኡ ዓይነት ስምዒት ክህልዎም ይኽእል ይኸውን።
ስምዒታዊ ደገፍ ምሃብ
ንወለድና: ንኣባሓጎታትናን እኖሓጎታትናን ዘድልዮም ነገራት ምሃብ ክበሃል ከሎ ብስጋዊ ነገራት ዘድልዮም ካብ ምሕላይ ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ። ኵላትና ስምዒታዊ ደገፍ የድልየና ኢዩ። ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ሓዊስካ ኵሉ ሰብ ክፍቀር: ከም ዝድለን ከም ዝፍቶን ክስምዖ: ዋጋ ዘለዎ ኣባል ናይቲ ስድራቤት ክኸውን ይብህግ ኢዩ።
ማሪ እተባህለት ኣብ ኬንያ እትነብር ሰበይቲ ነታ ብዕድመ ሸምጊላ ዝነበረት ሓማታ ንሰለስተ ዓመት ዝኣክል ናበየታ። ማሪ ከምዚ ትብል:- “ኣብ ርእሲ እቲ ብስጋዊ ነገራት እንገብረላ ሓልዮት: ኵሉ ግዜ ምስኣ ንዛረብ። ኣደይ ኣብቲ ገዛ ብዙሕ ክትዓዪ ኣይትኽእልን ኢያ: እንተዀነ ግን ነዕልል ኢና ናይ ማሕርሮ መሓዙት ድማ ኰንና። ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ ኣምላኽ: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ብዛዕባ እቶም ኣብ ገዛውትና ዝነብሩ ሰባት ነዕልል። ሽሕ’ኳ ዕድሚኣ ልዕሊ 90 ዓመት እንተዀነ: ጽቡቕ ገይራ ክትዝክር ትኽእል ኢያ። ቅድሚ 1914 ንእሽቶ ጓል ከላ ዝነበረ ናብራ ዘኪራ ትዛረብ።”
ማሪ ቀጺላ “ንሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ክትኣሊ ቀሊል ኣይኰነን: ግናኸ ምሳና ስለ ዝሓዝናያ ብዙሕ ዓስቢ ረኺብና ኢና። ኣብቲ ስድራቤት ሰላምን ስምምዕን ኣሎና። እቲ ንዓኣ ዝገበርኩላ ልግሲ ኣብ ካልኦት ኣባላት ስድራቤትና ናይ ምልጋስ መንፈስ ኣለዓዒሉ ኢዩ። ብዓል ቤተይ ኣጸቢቑ ኢዩ ዘኽብረኒ። ኣደይ ዝዀነ ይኹን ሰብ ትርር ኢሉ እንተድኣ ተዛሪቡኒ: ኣብ ክንዳይ ኰይና ትጣበቕ ነበረት። ኣብ ቅድሚኣ ደፊሩ ክዛረበኒ ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን!”
ብመንፈሳዊ መገዲ ምሃብ
ልክዕ ከምቲ ብስጋውን ስምዒታውን መገዲ ምሃብ ነቲ ዝህብ ሰብ ዓስቢ ዘምጽኣሉ: ብመንፈሳዊ መገዲ እውን ከምኡ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነታ ኣብ ሮሜ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈላ:- “ንምጽናዕኩም ገለ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩም: ክርእየኩም እናፍቕ አሎኹ: ማለት: በታ ኣብ ሓድሕድና ዘላ እምነት:—ናትኩምን ናተይን: ኣባኹምን ምሳኹምን:—ምእንቲ [ኽንጸናናዕ]።”—ሮሜ 1:11, 12
ብተመሳሳሊ መገዲ: ነቶም ንኣምላኽ ዘገልግሉ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት መንፈሳዊ ውህበት ክትህብ ከሎኻ: መብዛሕትኡ ግዜ ንሓድሕድካ ትተባባዕ ኢኻ። ኣብ ናይጀርያ ዝነብር ኦሶንዱ ዝበሃል ሰብ ከምዚ ብምባል የዘንቱ:- “ብዛዕባ ኣባሓጎይን ዓባየይን ኣዝዩ ዝምስጠኒ ነገር: ነቲ ዝሓለፈ ግዜ ክጥምት ኣጋጣሚ ስለ ዝህቡኒ ኢዩ። ኣባሓጎይ: ብዛዕባ እቲ ኣብ ’50ታትን ’60ታትን ከም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ኰይኑ ዝዓየዮ ዞባታት ፍሽኽ እናበለ ይነግረና። ነዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ጉባኤ ኣሰራርሓ ምስቲ ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ከሎ ዝነበረ ኣሰራርሓ የነጻጽሮ። እዚ ተመክሮታት እዚ ከም ፓይነር ኰይነ ኣብ ዝገብሮ ኣገልግሎተይ ይሕግዘኒ ኢዩ።”
ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ካልኦት እውን ብዕድመ ንዝደፍኡ ሰባት ኣብ ምሃብ ክሕግዙ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ቱንጂ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጉባኤኡ ዝዀነ ነገር ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ሓደ ህዝባዊ ዝርርብ ክህብ እተመዘዘ መንእሰይ ፓይነር ሓው: ብሓንሳእ ኰይኖም ምእንቲ ክዳለዉሉ ነቲ እተዋጽአ ጽሑፍ ሒዙ ናብ ሓሞይ መጸ። እቲ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዝመርሕ ሓው ድማ ናብ ገዛ መጺኡ ንሓሞይ ከምዚ በሎ ‘ተመክሮ ኣሎካ። ንኽመሓየሽ ክሕግዘኒ ዝኽእል እንታይ ሓሳባት ምሃብካኒ።’ ሓሞይ ነቲ ሽማግለ ገለ ተግባራዊ ምኽሪ ክህቦ ኸኣለ። እቶም ኣሕዋት ንሓሞይ ኣብ ናይ ጉባኤ ጸሎት ብዙሕ ግዜ ይጠቕስዎ ነበሩ። ኵሉ እዚ ነገራት እዚ ይፍቶ ምዃኑ ከም ዝስምዖ ገበረ።”
ሰናይ ጠባይ ንሰባት ናብ ኣምላኽ ከም ዝቐርቡ ይገብሮም
ሓድሓደ ግዜ: ንወለድና: ንኣባሓጐታትና ከምኡውን ንእኖሓጎታትና ክብርን ፍቕርን ከነርእዮም ከሎና ንሰባት ናብ ኣምላኽ ከም ዝቐርቡ ንገብሮም ኢና። ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሐምዩኹም ዘለዉ: ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ: ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ።”—1 ጴጥሮስ 2:12
ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝነብር ኣንድሩ እተባህለ ክርስትያን ሽማግለ: ነቲ ኣማኒ ዘይነበረ ሕሙም ኣቦኡ ንኽኣሊ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ 95 ኪሎ ሜተር ይጓዓዝ ነበረ። ከምዚ ብምባል ከኣ የዘንቱ:- “ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ኰንኩ ኣቦይ ብጽኑዕ ይጻረር ነበረ። ኣብ ግዜ ሕማሙ ከመይ ገይረ እከናኸኖ ከም ዝነበርኩ ምስ ተዓዘበ ግን: ነቶም ንኣሽቱ ኣሕዋተይን ኣሓተይን: ‘ኣብ ናይ ሓውኩም ሃይማኖት ክትሓብሩ ኣሎኩም!’ እናበለ ወትሩ ይላበዎም ነበረ። እዚ ድራኸ ኣሕዲሩሎም ኢዩ: ሕጂ ድማ ትሽዓተ ደቂ ኣቦይ ብምሉኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም።”
ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለድና ምኽባርን ምእላይን: ብፍላይ ኣብ ጽንኩር ቍጠባዊ ኵነታት ብድሆ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ግናኸ ክርስትያናት ከምዚ ንምግባር ክጽዕሩ ከለዉ ብዙሕ ዓስቢ ኢዮም ዝረኽቡ። ልዕሊ ዅሉ ድማ: ነቲ ‘ኣቦ ዅሉ’ ዝዀነ የሆዋ የሐጕስዎ ከም ዘለዉ ብምፍላጦም ዕግበት ኣብ ርእሲ ምርካቦም ካብ ምሃብ ዝርከብ ሓጐስ ከኣ የስተማቕሩ።—ኤፌሶን 4:6
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]
ነቶም ሓልዮት ዝግበረሎምን ሓልዮት ዝገብሩን ዝኸውን ኣምላኻዊ ምኽሪ
መተባባዕቲ ኩኑ:- “ነፍሲ ወከፍና: ንብጻዩ ምእንቲ ኺሀንጾ: ብሰናይ ነገር ባህ የብሎ።”—ሮሜ 15:2
ጽኑዓት ኩኑ:- “እንተ ዘይተጸልኣናስ: ብጊዜኡ ኽንዐጽድ ኢና እሞ: ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ።”—ገላትያ 6:9
ትሑታት ኩኑ:- “ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዐመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ: ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርአዮ።”—ፊልጲ 2:3
ገበርቲ ሰናይ ኩኑ:- “ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር: ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።”—1 ቈረንቶስ 10:24
ምኽንያታውያን ኩኑ:- “እቲ ለውሃትኩም [“ምኽንያታውነትኩም:” NW ] ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ።”—ፊልጲ 4:5
ደንገጽቲ ኩኑ:- “ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም: ይቕረ ተባሃሀሉ።”—ኤፌሶን 4:32
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ብዕድመ ንእስ ዝበሉ ሽማግለታት ካብ ናይ ዓበይቲ ተመክሮ ክጥቀሙ ይኽእሉ ኢዮም