ውዳሰ ድዩ ወይስ ሻሕራ፧
ገለ ሰብ ከምዚ ይብል ይኸውን:- “እዚ ሓድሽ ኣመሻሽጣኺ ኣየ ኸጸብቐልኪ!” ውዳሰ ድዩ ወይስ ሻሕራ፧ “እዚ ጁባን ስረን ኣየ ከመልክዓልካ!” ውዳሰ ድዩ ወይስ ሻሕራ፧ “ከምዚ ዝኣመሰለ መግቢ ጥዒመ ኣይፈልጥን ኢየ!” ውዳሰ ድዩ ወይስ ሻሕራ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ናእዳ ክንቅበል ከሎና ብቕንዕናን ብሓቅን ድዩ ወይስ ነቲ ዝብልዎ ዘለዉ ከይኣመንሉ ንኸሐጕሱና ጥራይ ኢሎም ኢዮም ዝዛረብዎ ዘለዉ ብምባል ንጠራጠር ንኸውን።
ሓደ ሰብ ዝብለና ነገር ውዳሰ ወይ ድማ ሻሕራ ምዃኑ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ ምፍላጡኸ የገድስ ድዩ፧ ነቲ እተባህለ ከምቲ ዘለዎ ተቐቢልና ነቲ ዘምጽኣልና ሓጐስ ከነስተማቕሮዶ ኣይንኽእልን ኢና፧ ንኻልኦት ክንውድስ ከሎናኸ ከመይ ኢና፧ ንድራኸታትና መርሚርናዮዶ ንፈልጥ ኢና፧ ብዛዕባ እዚ ሕቶታት እዚ ምሕሳብ መስተውዓልቲ ክንከውንን ንልሳንና ድማ በቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ውዳሰ ከምጽእ ዝኽእል መገዲ ክንጥቀመላን ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።
ውዳሰን ሻሕራን ክግለጽ ከሎ
ብመሰረት ወብስተርስ ዲክሸነሪ ውዳሰ ማለት ናይ ስምረት ወይ ናእዳ መግለጺ ኢዩ: እታ ቃል ንኣምልኾ ወይ ክብሪ ንምሃብ እውን ተስምዕ ኢያ ተባሂላ ኣላ። እተን ዳሕረዎት ክልተ ትርጕማት ነቲ ንየሆዋ ኣምላኽ እንህቦ ውዳሰ ጥራይ ከም ዘመልክታ ንጹር ኢዩ። ከምቲ ብመንፈስ ተደሪኹ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣተባቢዕዎ ዘሎ እዚ ክፍሊ ናይ ኣምልኾ ኢዩ:- “ብመዝሙር ምውዳስ ሰናይ እዩ: ጥዑም እዩ እሞ: ምስጋና ይግባእ።” “ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ [“ይወድሶ:” NW ]”።—መዝሙር 147:1፣ 150:6
እዚ ግን ንሰባት ውዳሰ ክወሃብ ኣይከኣልን ኢዩ ማለት ኣይኰነን። እዚ ብመልክዕ ናእዳ: ስምረት: ወይ ደገፍ ክግበር ይከኣል ኢዩ። ኣብቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ: ሓደ ጐይታ ንባርያኡ “ሕራይ [“ጽቡቕ ገበርካ:” NW ]: ኣታ ሕያዋይ: እሙን ባርያ” ኢልዎ ኣሎ።—ማቴዎስ 25:21
በቲ ኻልእ ወገን ድማ ሻሕራ ክበሃል ከሎ ሓሶት: ናይ ቅንዕና ዘይኰነ ወይ ከኣ መጠኑ ዝሓለፈ ውዳሰ ተባሂሉ ኢዩ ዝትርጐም: እቲ ዝሽሕር ዘሎ ሰብ መብዛሕትኡ እዋን ጥቕሚ ክረክብ ዝብል ድራኸ ኣለዎ። ውሕሉል ናእዳ ወይ ውዳሰ-ኸንቱ ዝወሃብ: ካብ ካልእ ሰብ ስምረት ወይ ስጋዊ ረብሓ ንምርካብ ወይ ድማ እቲ ዝሽሕር ዘሎ ሰብ በዓል ጽቡቕካ ኰይኑ ከም ዝስምዓካ ንምግባር ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ዝሽሕሩ ሰባት ብስስዐ ኢዮም ዝድረኹ። ብመሰረት ይሁዳ 16 ‘ምእንቲ ጥቕሚ ርእሶም ገጽ ሰብ ዝንእዱ’ ኢዮም።
ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣረኣእያ
ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ንሰባት ምውዳስ እንታይ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎ፧ በዚ መዳይ እዚ የሆዋ ክንስዕቦ ዘሎና ኣብነት ገዲፉልና ኣሎ። ፍቓድ የሆዋ እንተድኣ ገይርና ክንውደስ ምዃንና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተነጊርና ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ “ነፍሲ ወከፍ ነንእዶኡ [“ወውዳሴኡ:” NW ] ኻብ ኣምላኽ ኪቕበል እዩ” ይብል። ጴጥሮስ እታ እተፈተነት እምነትና “ንውዳሰ” ምኽንያት ከም እትኸውን ተዛሪቡ ኣሎ። ስለዚ የሆዋ ንሰባት ከም ዝውድሶም ምፍላጥ ናይ ሓቂ ውዳሰ ምሃብ ናይ ሕያውነት: ፍቕርን ረብሓ ዘለዎ ተግባርን: ከምኡውን ዕሽሽ ኢልካ ክሕለፍ ዘይብሉ ምዃኑ ዘርእየና ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 4:5፣ 1 ጴጥሮስ 1:7 NW
ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ውዳሰ ክንረኽበሉ እንኽእል ካልእ ምንጪ ድማ ካብቶም ሰናይ ጠባይና ርእዮም ብቕንዕና ዝንእዱና ናይ መንግስቲ ሰበ-ስልጣን ኢዩ። “ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ” ተባሂልና ኣሎና። (ሮሜ 13:3) ካብቶም ብቕንዕና ነቲ ዝብልዎ ዝኣምንሉ ከምኡውን ከም ዝውድሱና ዝገብሮም ስዉር ድራኸ ዘይብሎም ሰባት እውን ውዳሰ ክንቅበል ንኽእል ኢና። እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ምሳሌ 27:2 “ካልእ ይንአድካ [“ይወድስካ:” NW ] ኣፍካ ኣይኰነን” ኢዩ ዝብል። እዚ ካብ ሰባት ውዳሰ ምቕባል ግቡእ ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ።
እዚ ግን ንኻልኦት ኣብ ምሽሓር ወይ ድማ ካልኦት ንዓኻ ክሽሕሩኻ ከለዉ ዝውዕል ኣይኰነን። ናይ ሻሕራ ዘረባ ንየሆዋ ኣዝዩ ዘጕህዮ ስለምንታይ ኢዩ፧ ሓደ ካብቲ ምኽንያት ሻሕራ ናይ ቅንዕና ኣይኰነን: የሆዋ ድማ ዘይቅኑዕ ነገር ይዅንን ኢዩ። (ምስ ምሳሌ 23:6, 7 ኣረኣእዮ።) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ናይ ሓቂ ኣይኰነን። ነቶም ነቲ ኣምላኽ ዘይሰምሮ ነገራት ዝገብሩ ክገልጾም ከሎ: እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ይብል:- ‘ነፍሲ ወከፎም ምስ ብጻዩ ሓሶት ይዛረብ: ብዜቃባጥር ከንፈርን ብኽልተ ልብን ይዛረቡ ኣለዉ። እግዚኣብሄር ንዅላተን መቃባጠርቲ ኸናፍር ይመንቍሰን።’—መዝሙር 12:2, 3
ልዕሊ ዅሉ ድማ ሻሕራ ፍቕራዊ ኣይኰነን። ብስስዐ እተለዓዓለ ነገር ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዳዊት ብዛዕባ እቶም ሸሓርቲ ምስ ተዛረበ ከምዚ ዝስዕብ ከም ዝብሉ ጠቒስዎም ኣሎ:- “ሳላ መልሓስና ንብርትዕ አሎና: ከናፍርና ናትና እየን: መን እዩኸ ጐይታና፧” የሆዋ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ስሱዓት ሰባት ‘ንጥቑዓት ዝገፍዑ’ ምዃኖም ገሊጽዎም ኣሎ። እቲ መቀባጠሪ መልሓሶም ንኻልኦት ንምህናጽ ዘይኰነስ ንምግፋዕን ንምጥቃዕን ኢዮም ዝጥቀምሉ።—መዝሙር 12:4, 5
ሻሕራ—መጻወድያ ኢዩ
“እቲ ንብጻዩ ዜቀባጥረሉ [“ዝሽሕሮ:” NW ] ነእጋሩ መጻወድያ ይገብረሉ።” እዚ እቲ ጥበበኛ ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን ዝበሎ ቃላት ኢዩ: ኣየ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ኰን ኢዩ! (ምሳሌ 29:5) እቶም ፈሪሳውያን ብሻሕራ ገይሮም ንየሱስ መጻወድያ ከንብርሉ ጸዓሩ። ከምዚ ድማ በሉ:- “መምህር: ሓቀኛ ምዃንካ: መገዲ እግዚኣብሄርውን ብሓቂ ኸም እትምህር: ንፈልጥ አሎና: ገጽ ሰብ ርኢኻ ኣይተዳሉን ኢኻ እሞ: ነዝን ነትን እኳ ኣይትብልን ኢኻ።” ኣየ እዝስ ክሳዕ ክንደይ ጥዑይ ሓሳብ ኰን ኢዩ ዝመስል! የሱስ ግን በቲ ልስሉስ መልሓሶም ኣይተጠልፈን። ነቲ ሓቀኛ ትምህርቱ ከም ዘይኣመንዎ: ኣብ ክንድኡስ ብዛዕባ ንቄሳር ግብሪ ምኽፋል ብዝብሎ ቃላት ክሕዝዎ ከም ዝደለዩ ፈለጠ።—ማቴዎስ 22:15-22
ምስቲ ናይ የሱስ ዝጻረር ስጕምቲ ዝወሰደ ድማ እቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ንጉስ ሄሮድስ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ከተማ ቂሳርያ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ መደረ ምስ ኣስምዐ: እቶም ሰባት “እዝስ ድምጺ ኣምላኽ እዩ እምበር: ድምጺ ሰብ ኣይኰነን” ኢሎም ተዛረቡ። እቶም ህዝቢ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕሉፍ ዝዀነ ናይ ሓሶት ውዳሰ ክገብሩ ኸለዉ ኣብ ክንዲ ዝገንሖም: ሄሮድስ ነቲ ሻሕራ ተቐበሎ። ሄሮድስ ሓሲኹ ከም ዝመውት ብምግባር መልኣኽ የሆዋ ብኡንብኡ ፍድኡ ኣውረደሉ።—ግብሪ ሃዋርያት 12:21-23
ሓደ ብሱል ክርስትያን እቲ ሻሕራ ንምንታይ ከም ዝዀነ ንምፍላጥ ንቑሕ ኢዩ። ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ብፍላይ ሓደ ኣብ ናይ ፍርዲ ጕዳይ ዘሎ ሰብ ናእዳ ምስ ዘብዝሕ: ምናልባት ንሓደ ሽማግለ ምስቲ ኻልእ ሽማግለ ብምውድዳር: እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ንላዕሊ ዝያዳ ሕያዋይ: ደንጋጺ ከም ዝዀነ ገይሩ ምስ ዝዛረብ ክጥንቀቑ ኣለዎም።
መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ጐበዝ ብሓንቲ መስድዒት ተታሊሉ ብኸመይ ናብ ዘይስነ-ምግባራዊ ነገር ከም ዝወደቐ ክገልጽ ከሎ: ሻሕራ ከስዕቦ ዝኽእል ካልእ ሓደጋ ኣነጺሩ የርኢ ኢዩ። (ምሳሌ 7:5, 21) እዚ መጠንቀቕታ እዚ ምስዚ ሎሚ ዘሎ ኵነታት ዝሰማማዕ ኢዩ። ካብ መንጎ እቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝውገዱ ሰባት: መብዛሕትኦም ብሰንኪ ዘይስነ-ምግባራውነት ኢዮም ዝውገዱ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ሓጢኣት ዝወደቑ ብሻሕራ ዝጀመረ ክኸውን ይኽእልዶ፧ ሰባት ክንኣዱን ጽቡቕ ክዝረበሎምን ኣዝዮም ዝደልዩ ብምዃኖም ካብ ዝሽሕራ ከናፍር ዝወጽእ ልስሉስ ቃላት ነቲ ሓደ ክርስትያን ንዘይግቡእ ኣካይዳ ንኽቃወም ዘለዎ ተኽእሎ ከዳኽሞ ይኽእል ኢዩ። እዚ እንተድኣ ዘይተጠንቂቕናሉ: ናብ ከቢድ ሳዕቤን ክመርሕ ይኽእል ኢዩ
ካብ ሻሕራ ንምድሓን ዝኸውን ዕቑባ
ሻሕራ ንፍቕሪ ወይ ድማ ንኸንቱነት እቲ ዝሽሕር ዘሎ ሰብ ዘዕግብ ኢዩ። ነቲ ሰብ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ እተጋነነ ኣረኣእያ ከም ዝህልዎ: ካብ ካልኦት ብገለ መገዲ ዝበለጸ ኰይኑ ከም ዝስምዖ ዝገብር ኢዩ። ፍራንስዋ ደ ላ ሮሽፉኮ እተባህለ ፈላስፋ ንሻሕራ ምስቲ “ንዕንወት እንተ ዘይኰይኑ ምንም ጥቕሚ” ዘይብሉ ናይ ሓሶት ገንዘብ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ስለዚ እምበኣር: ንገዛእ ርእስኻ ካብዚ ንኸተዕቁባ ነቲ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ቅኑዕ ማዕዳ ኣብ ግብሪ ምውዓል ኢዩ:- “ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዐደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ: ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር: ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ: ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ: . . . እብሎ አሎኹ።”—ሮሜ 12:3
ባህርያዊ ዝንባለና ደስ ዘብል ነገራት ናብ ምስማዕ ጥራይ ዝዘዘወ እኳ እንተዀነ: መብዛሕትኡ እዋን ብሓቂ ዘድልየና ነገር ግን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽርን ተግሳጽን ኢዩ። (ምሳሌ 16:25) ንጉስ ኣከኣብ ባህ ዘብሎ ነገር ጥራይ ኢዩ ክሰምዕ ዝደሊ ነይሩ፣ እቶም ኣገልገልቱ ንነብዪ ሚክያስ እውን ከይተረፈ “ዘረባኻ . . . ከም ዘረባ ሓደ ኻባታቶም [እቶም ናይ ኣከኣብ ሸሓርቲ ነብያት] ይኹን እሞ: ጽቡቕ ተዛረብ” በልዎ። (1 ነገስት 22:13) ኣከኣብ ነቲ ቅኑዕ ዝዀነ ዘረባ ሰሚዑ: ነቲ ናይ ዕልወት መገዱ ክልውጥ ፍቓደኛ እንተ ዝኸውን ነይሩ: ነቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝወረደ ዘስካሕክሕ ናይ ውግእ ስዕረትን ናይ ገዛእ ርእሱ ሞትን ከወግድ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ነቶም ነእዛንና ባህ ብዘብል ናይ ሻሕራ ቃላት እናመልኡ ክሳዕ ክንደይ ንፉዓት ምዃንና ዝነግሩና ሰባት ኣብ ክንዲ እንሰምዕ ንመንፈሳዊ ድሕንነትና ኢልና: ነቲ ጽኑዕ: ግናኸ ፍቕራዊ ምኽሪ ናይቶም ኣብታ ቅንዕቲ መገዲ ሓቂ ክንነብር ዝደልዩና ክርስትያን ሽማግለታት ብቕልጡፍ ክንምልሰሉ ኣሎና!—ምስ 2 ጢሞቴዎስ 4:3 ኣረኣእዮ።
ክርስትያናት ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ፈጺሞም ኣብ ሻሕራ ኣይምርኰሱን ኢዮም። ልክዕ ከም ኤሊሁ ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም ክጽልዩ ቈሪጾም ኢዮም:- “ንምቅብጣር [“ንሻሕራ:” NW ] እኳ ኣይፈልጦን እየ እሞ: ንዝዀነ ይኹን ኣድልዎ ገጽ የብለይን: ንሓደ እኳ ብምቅብጣር [“ብሻሕራ:” NW ] ኣይዛረብን እየ። ከምኡ እንተ ዝኸውንሲ: ፈጣሪየይ ቀልጢፉ ምመንጠለኒ ነይሩ።” ድሕርዚ ከም ጳውሎስ ከምዚ ክብሉ ይኽእሉ:- “ብቓል ቅብጥር [“ሻሕራ:” NW ] ወይስ እናኣመሳመስና . . . ኣይመጻእናኩምን።”—እዮብ 32:21, 22፣ 1 ተሰሎንቄ 2:5, 6
ዝግባእ ክኸውን ከሎ ወድስ
እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ምስላ ውዳሰ መዐቀኒ ክኸውን ከም ዝኽእል ከርኢ ከሎ ከምዚ ይብል:- “መምከኺ ንብሩር: እቶን ንወርቂ እዩ: ሰብ በቲ ዚነአዶ [“ዝውደሶ:” NW ] ይፍለጥ።” (ምሳሌ 27:21) እወ: ውዳሰ ናብ ውድቀት ዝመርሕ ናይ ልዕልነት ወይ ድማ ናይ ትዕቢት ስምዒት ከዕቢ ይኽእል ኢዩ። በቲ ኻልእ ወገን ድማ: ከም ዝውደስ ዝገበሮ ዝዀነ ይኹን ነገር ብሓይሊ የሆዋ ከም ዝገበሮ ኣፍልጦ እንተድኣ ሂቡ ዓቕሙ ዝፈልጥን ትሑትን ምዃኑ ክገልጽ ይኽእል ኢዩ።
ንጽቡቕ ጠባይ ወይ ድማ ንእተዓመ ዕማማት ብቕንዕና ምውዳስ ነቲ ዝውድስን ዝውደስን ዝሃንጽ ኢዩ። ኣብ ንሓድሕድና ምዉቕን ጥዑይን ሞሳ ምውህሃብ ከም ዝህሉ ይገብር። ናእዳ ዘውህብ ሸቶታት ንምውጻእ የተባብዕ። ንመንእሰያት ዝወሃብ ግቡእ ውዳሰ ኣበርቲዖም ከም ዝዓዩ ክገብሮም ይኽእል ኢዩ። በቲ ክበጽሕዎ ትጽቢት ዝግበረሎም መለክዒታት ክነብሩ ዕላማ ክገብሩ ከለዉ ንጠባዮም ንምቕራጽ ይሕግዝ ኢዩ።
ስለዚ እምበኣር: ንኻልኦት ምሽሓር ወይ ካልኦት ክሽሕሩና ከለዉ ስቕ ኢልካ ምስማዕ ነርሕቕ። ውዳሰ ክንቅበል ከሎና ትሑታት ንኹን። ንየሆዋ ስርዓታውያን ኴንና ብኣምልኾ ክንውድስ ከሎና ከምኡውን “ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል ክንደይ ጽቡቕ” ምዃኑ ዘኪርና ንኻልኦት ብቕንዕና ክንእድን ሞሳ ክንህብን ከሎና ለጋሳትን ብምሉእ ነፍስና እንገብሮን ንኹን!—ምሳሌ 15:23