ባሮት ሰባትዶ ወይስ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፧
“ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይብዛሕ ይውሓድ ክንኣዱ ዘለዎም ሰባት ኢዮም።” ዘይር: ግርብለር: ኤንቱዚያስተን እተባህለት ናይ ቋንቋ ጀርመን መጽሓፍ ከምኡ ኢላ ገለጸቶም። ብዛዕባ መሰኻኽር ነቐፌታዊ ርእይቶ ትህብ እኳ እንተዀነት: ከምዚ ብምባል ግን ትእመን:- “ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ: መንቅብ ዘይብሉ: ማእከላይ ናብራ ኢዮም ዝነብሩ። ኣብ ስርሖም ህርኩታትን ጥቁዋትን: ሰላማውያን ዜጋታትን ሓቀኛታት ከፈልቲ ግብርን ኢዮም። ደድሕሪ ሃብቲ ኣመና ካብ ምጕያይ እውን ይቝጠቡ ኢዮም። . . . እቲ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ዘርእይዎ ኣደብ ናእዳ ዝግብኦ ኢዩ። ምስቲ ኣብኣቶም ዝርአ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ እትዳረግ ዝዀነት ትኹን ካልእ ሃይማኖታዊት ጕጅለ የላን፣ ብኣገልግሎቶም ዝመጸ ድማ ልዕሊ ዅለን ኢዮም። ኣብዚ ግዜና ካብ ዘለዋ ኵለን ናይ ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያንን ጕጅለታትን ሓለፍ ዘብሎም ግን: መብዛሕትኦም ኣብ ትሕቲ ኵሉ ዓይነት ኵነታትን ኵሉ ዓይነት ሓደጋታት እናሃለዉ ክነሶም ሰረተ-እምነታቶም ንምእዋጅ ዘርእይዎ እቲ ፈጺሙ ዘይብተኽ ቈራጽነቶም ኢዩ።”a
ከምዚ ዝበለ ኣወንታዊ ገምጋም እኳ እንተሎ: ገሊኡ ርእይቶታት ግን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ፈጺሙ ብኻልእ መልክዕ ከቕርቦም ኢዩ ዝፍትን። ኣብ ዙርያ ዓለም ኣብ ዝርከባ መብዛሕትአን ሃገራት: መሰኻኽር ንዓሰርተታት ዓመታት ብዘይ ዕንቅፋት ሃይማኖታዊ ኣገልግሎቶም ብግልጺ ኢዮም ከካይዱ ጸኒሖም። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ይፈልጥዎም: የኽብርዎም: ከምኡውን ሃይማኖቶም ከካይዱ መሰል ከም ዘለዎም ይሰማምዑ ኢዮም። ብዛዕባ መንነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገለ ጥርጣረ ዝርአ ድኣ እሞ ስለምንታይ ኢዩ፧
ምናልባት ነቲ ዘሎ ጥርጣረ ሓደ ካብቲ ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል ነገር: ኣብዚ ቐረባ እዋናት ብርክት ዝበላ ካልኦት ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ንቘልዓ ብጾታዊ ርክብ ኣብ ናይ ምህሳይ ተግባር: ኣብ ጃምላዊ ርእሰ-ቕትለት: ከምኡውን ኣብ ናይ ፈጠርቲ ራዕዲ መጥቃዕትታት ኢደን ኣእትየን ስለ እተረኽባ ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: ከምዚ ዝበለ ነውራም ተግባራት ኣብ መንጎ ሃይማኖታውያን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ኵሉ ቦታ ኢዩ ዘሎ። ይኹን እምበኣር: ብሃይማኖት ዝመጸ ብዙሓት ሰባት ተጠራጠርቲ: አረ ገሊኣቶምሲ ጸላእቲ ሃይማኖት እውን ከይተረፈ ኰይኖም ኣለዉ።
ንሰባት ብምስዓብ ዝመጽእ ሓደጋታት
“ኣንቈራ” ክበሃል ከሎ “ንሓደ እተወሰነ ሰረተ-እምነት ወይ መራሒ ዝድግፍ ጕጅለ” ተባሂሉ ኢዩ ዝግለጽ። ብተመሳሳሊ: እቶም ኣባላት ናይ ሓደ “ሃይማኖታዊ ጕጅለ” ዝዀኑ ሰባት “ንሓደ ውልቀ-ሰብ: ንሓደ ሓሳብ: ወይ ንሓደ ነገር ዓቢ ተወፋይነት ኣለዎም።” ንሰብኣውያን መራሕትን ሓሳባቶምን ጽኑዕ ደገፍ ዘለዎም ኣባላት ናይ ዝዀነ ይኹን ሃይማኖታዊ ጕጅለ ብሓቂ ባሮት ሰባት ኣብ ናይ ምዃን ሓደጋ ኢዮም ዘለዉ። ኣብ ሰብኣዊ መራሒ እተወከለ ጽኑዕ ርክብ ናብ ዘይጥዑይ ስምዒታውን መንፈሳውን ጽግዕተኛ ምዃን ክመርሕ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ሰብ ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ናይ ኣንቈራ መንፈስ ኣብ ዘለዎ ሃዋሁ ምስ ዝዓቢ እቲ ሓደጋ ክደራረብ ይኽእል ኢዩ።
እቶም ብዛዕባ ሃይማኖት ከምዚ ዝኣመሰለ ሻቕሎት ዘለዎም ሰባት ርጡብ ሓበሬታ የድልዮም ኢዩ። ገሊኦም ሰባት መሰኻኽር ክፍሊ ናይ ሓንቲ ንኣባላታ ባሮት እትገብሮም: ገባሪትን ሓዳጊትን ብምዃን እትቈጻጸሮም: ብዘየድሊ ናጽነቶም እትቕይድ: ምስቲ ዝበዝሐ ሕብረተሰብ ከም ዘይሰማምዑ እትገብሮም ሃይማኖታዊት ማሕበር ኢዮም ዝብል ተነጊርዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዚ ሻቕሎት እዚ ርጡብ ኣብ ዘይኰነ ሓበሬታ ምምርኳሱ ይፈልጡ ኢዮም። ስለዚ ባዕልኻ ክትምርምር ይዕድሙኻ። ብጥንቃቐ ድሕሪ ምምማይካ: ናይ ገዛእ ርእስኻ መደምደምታ ግበር። መሰኻኽር ከምቲ ባዕላቶም ዝብልዎ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ድዮም ወይስ ባሮት ሰብ፧ ምንጪ ብርታዐኦም እንታይ ኢዩ፧ እተን ኣብ ገጽ 12-23 ዘለዋ ክልተ ዓንቀጻት ንኸምዚ ዝበለ ሕቶታት ዘዕግብ መልሲ ክህባሉ ኢየን።
[እግረ-ጽሑፍ]
a እታ ብ1950 እተጻሕፈት በዅሪ ሕታም ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳባት ኣይነበራን። ብ1982 ዳግማይ ሕታም ኰይና ምስ ወጸት ግን ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሎ ምርዳእ ዝሓሸ ምዃኑ ዝእምት ሓሳብ ገለጸት።