የሆዋ ምንጪ ናይ ሓቂ ፍትሕን ጽድቅን ኢዩ
“ኵሉ መገዱ ፍርዲ [“ፍትሒ: ” NW ] እዩ እሞ: እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ: ዓመጽ [“ምጕዳል ፍትሒ: ” NW ] ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ። ”—ዘዳግም 32:4
1. ብተፈጥሮና ፍትሒ ናይ ምርካብ ድሌት ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
ልክዕ ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍቕሪ ዝደሊ ኰይኑ ዝውለድ: ኵላትና ፍትሓዊ ብዝዀነ ኣገባብ ክንርአ ኢና እንደሊ። ከምቲ ቶማስ ጀፈርሰን እተባህለ ናይ ኣመሪካ ፖለቲካዊ በዓል ስልጣን ዝጸሓፎ “[ፍትሒ] ልክዕ ከም ስምዒት: ምርኣይ: ወይ ምስማዕ . . . ብተፈጥሮ ዝርከብን ምስ ሓደ ሰብ ዝውለድን ክፍሊ ኣፈጣጥራና ኢዩ።” የሆዋ ብመልክዑ ስለ ዝፈጠረና እዚ ዘገርም ኣይኰነን። (ዘፍጥረት 1:26) ብሓቂ: ባህርያቱ ዘንጸባርቕ ነገራት ሂቡና ኢዩ: ሓደ ካብዚ ድማ ፍትሒ ኢዩ። ስለዚ ድማ ኢዩ ፍትሒ ንኽንረክብ ውሽጣዊ ድሌት ዘሎና: ከምኡውን ኣብ ሓንቲ ናይ ሓቂ ፍትሕን ጽድቅን ዝሰፈና ዓለም ንኽንነብር ሃርር እንብል።
2. ፍትሒ ንየሆዋ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኢዩ: ትርጕም ናይ መለኮታዊ ፍትሒ ክንርዳእ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢዩ፧
2 ብዛዕባ የሆዋ መጽሓፍ ቅዱስ “ኵሉ መገዱ ፍትሒ ኢዩ” ብምባል የረጋግጸልና። (ዘዳግም 32:4 NW ) እንተዀነ ግን: ኣብ ሓንቲ ምጕዳል ፍትሒ ዝመልኣ ዓለም እናነበርካ መለኮታዊ ፍትሒ እንታይ ማለት ምዃኑ ክትርዳእ ቀሊል ኣይኰነን። ካብ ቃል ኣምላኽ ብምንባብ ግን ኣምላኽ ብኸመይ ፍትሒ ከም ዝገብር ክንርዳእን ነቲ ዘደንቕ መገድታት ኣምላኽ ኣጸቢቕና ክንግንዘቦን ንኽእል ኢና። (ሮሜ 11:33) እቲ ብዛዕባ ፍትሒ ዘሎና ሓሳባት በቲ ናይ ሰባት ኣረኣእያ ኣጸቢቑ ክጽሎ ስለ ዝኽእል ፍትሒ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ክንርዳእ ኣድላዪ ኢዩ። ብሰብኣዊ ኣራኣእያ ፍትሒ ክበሃል ከሎ ሓደ ትርጕም ጥራይ ኢዩ ክህልዎ ዝኽእል: እዚ ድማ ሕጊ ንዅሉ ሰብ ሓደ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ኢዩ። ወይ ድማ ከምቲ ፍራንሲስ ቤከን እተባህለ ፈላስፋ ዝበሎ “ፍትሒ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘዝግብኦ ምሃብ የጠቓልል።” እቲ ናይ የሆዋ ፍትሒ ግን ካብዚ ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ።
ፍትሒ የሆዋ ልቢ ዘረስርስ ኢዩ
3. ነተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ፍትሕን ጽድቅን ተባሂለን እተጠቕሳ በዅሪ ቃላት ብምምርማር እንታይ ትምህርቲ ኢዩ ክርከብ ዝከኣል፧
3 እተን ፍትሒ ዝትርጕመን በዅሪ ቃላት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኣትየን ከም ዘለዋ ብምርኣይ ፍትሒ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ሰፊሕ ምዃኑ ብዝሓሸ መገዲ ክንርዳእ ንኽእል ኢና።a ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ መንጎ ፍትሕን ጽድቅን ብዙሕ ፍልልይ የለን። አረ ከምቲ ኣብ ኣሞጽ 5:24 እነንብቦስ ሓድሓደ ግዜ እተን ናይ እብራይስጢ ቃላት ጐኒ ንጐኒ ኢየን ዝኣትዋ። ኣብኡ የሆዋ ንህዝቡ “ፍርዲ [“ፍትሒ:” NW ] ኸም ማያት: ጽድቂ ድማ ከም ዘይነጽፍ ርባ ይውሐዝ” ብምባል ምዒድዎም ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ እተን “ፍትሕን ጽድቅን” ዝብላ ስያመታት ንምጕላሕ ተባሂለን ብተደጋጋሚ ብሓባር ኣትየን ኣለዋ።—መዝሙር 33:5 NW ፣ ኢሳይያስ 33:5 NW ፣ ኤርምያስ 33:15፣ ህዝቅኤል 18:21 NW ፣ 45:9 NW
4. ፍትሒ ምዝውታር ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ: እቲ ዝለዓለ መለክዒ ፍትሒኸ እንታይ ኢዩ፧
4 እዘን ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቃላት እንታይ ትርጕም ኢየን ዘመሓላልፋ፧ ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ፍትሒ ምዝውታር ክበሃል ከሎ ቅኑዕ ምግባርን ዘይምድላውን ማለት ኢዩ። ናይ ስነ-ምግባር ሕግታትን ስርዓታትን ወይ ቅኑዕን ርትዓውን ነገር እንታይ ምዃኑ ዘቘመ የሆዋ ብምዃኑ: እቲ ናቱ ኣሰራርሓ እቲ ዝለዓለ ናይ ፍትሒ መለክዒ ኢዩ። እቲ ቴኦሎጂካል ዎርድቡክ ኦቭ ዘ ኦልድ ተስታመት (እንግሊዝኛ) እታ ጽድቂ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል (ጸ ʹደክ ) “ነቲ ናይ ስነ-ምግባር መለክዒ እተመልክት ኢያ: ኣብ ብሉይ ኪዳን ድማ እዚ መለክዒ እዚ እቲ ናይ ኣምላኽ ባህርን ፍቓድን ኢዩ” ብምባል ይገልጽ። ስለዚ ድማ እቲ ኣምላኽ ንስርዓታቱ ኣብ ግብሪ ዘውዕለሉ ኣገባብ: ብፍላይ ድማ እቲ ምስ ዘይፍጹማት ሰባት ዘለዎ ርክብ: ናይ ሓቂ ፍትሕን ጽድቅን እንታይ ምዃኑ ዝገልጽ ኢዩ።
5. ምስ ናይ ኣምላኽ ፍትሒ እተተሓሓዘ ባህርያት ኣየናይ ኢዩ፧
5 ኣምላኻዊ ፍትሒ ጭከና ዘለዎን ተሪርን ዘይኰነስ ልቢ ዘረስርስ ምዃኑ ቅዱሳት ጽሑፋት ብግልጺ የርኢ ኢዩ። ዳዊት “እግዚኣብሄር ፍርዲ [“ፍትሒ:” NW ] ይፈቱ: ንቕዱሳኑ ኸኣ ኣይሐድጎምን” ብምባል ዘመረ። (መዝሙር 37:28) ፍትሑ ነገልገልቱ ተኣማንነትን ድንጋጽን ንኸርእዮም የለዓዕሎ። መለኮታዊ ፍትሒ ድሌትና ዘማልእን ነቲ ዘሎና ዘይፍጽምና ድማ ኣብ ግምት ዘእቱን ኢዩ። (መዝሙር 103:14) እዚ ግን ኣምላኽ ንእከይ ሸለል ይብሎ ማለት ኣይኰነን: ከመይሲ ከምዚ ምግባር ምጕዳል ፍትሒ ከም ዝህሉ ዝገብር ኢዩ። (1 ሳሙኤል 3:12, 13፣ መክብብ 8:11) የሆዋ “መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን” ምዃኑ ንሙሴ ገለጸሉ። ኣምላኽ ጌጋን በደልን ይቕረ ንምባል ፍቓደኛ እኳ እንተዀነ: ነቶም ዝግብኦም ግን ከይቀጽዐ ኣይገድፎምን ኢዩ።—ዘጸኣት 34:6, 7
6. የሆዋ ምስቶም ምድራውያን ደቁ ከመይ ዝበለ ርክብ ኢዩ ዘለዎ፧
6 የሆዋ ብኸመይ ፍትሒ ከም ዘውጽእ ከነስተንትን ከሎና: ከም ሓደ ንበደለኛታት ኣብ ምቕጻዕ ጥራይ ዝግደስ ጨካን ፈራዲ ገይርና ክንሓስቦ የብልናን። ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣ ከም ሓደ ምስ ደቁ ብእተኻእለ መጠን ብዝሓሸ መገዲ ንኽመላለስ ዝጽዕር ፈቃር ግን ጽኑዕ ኣቦ ገይርና ክንርእዮ ኣሎና። ነብዪ ኢሳይያስ “ዎ እግዚኣብሄር: ንስኻ ኣቦና ኢኻ” በለ። (ኢሳይያስ 64:8) የሆዋ ልክዕ ከም ሓደ ፍትሓውን ጻድቕን ኣቦ: ምስቶም ብሰንኪ ከቢድ ኵነታት ወይ ስጋዊ ድኽመት ሓገዝ ወይ ይቕረታ ዝደልዩ ምድራውያን ደቁ ኣብ ዝገብሮ ርክብ ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ጽኑዕ እኳ እንተዀነ: ለውሃት ዘለዎ ድንጋጽ ብምንጽብራቕ ሚዛናዊ ኢዩ ዝገብሮ።—መዝሙር 103:6, 10, 13
ፍትሒ እንታይ ምዃኑ ምግላጽ
7. (ሀ) ካብ ትንቢት ኢሳይያስ ብዛዕባ መለኮታዊ ፍትሒ እንታይ ኢና እንማሃር፧ (ለ) የሱስ ንኣህዛብ ብዛዕባ ፍትሒ ኣብ ምምሃር ከመይ ዝበለ ግደ ኢዩ ነይርዎ፧
7 እቲ ናይ የሆዋ ፍትሒ ድንጋጽ ዘለዎ ምዃኑ: ብምምጻእ ናይቲ መሲሕ ኢዩ ጐሊሑ። ከምቲ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ እተነግረ የሱስ ብዛዕባ መለኮታዊ ፍትሒ ይምህርን ምስኡ ተሰማሚዑ ይነብርን ነበረ። ፍትሒ ኣምላኽ ነቶም እተደቝሱ ሰባት ብለውሃት ምርኣይ እውን ዘጠቓልል ምዃኑ ግልጺ ኢዩ። በዚ ድማ ካብቲ ዝወደቕዎ ከም ዘይትንስኡ ኰይኖም ኣይድቈሱን። እቲ ‘ባርያ’ የሆዋ ዝዀነ የሱስ: ፍትሒ ኣምላኽ እዚ ትርጕም እዚ እውን ዘጠቓልል ምዃኑ “ነህዛብ ከነጽረሎም” ኢሉ ኢዩ ናብ ምድሪ ዝመጸ። መለኮታዊ ፍትሒ እንታይ ማለት ምዃኑ ህያው ዝዀነ ኣብነት ብምሃብ ነዚ ብዝለዓለ ደረጃ ኣርኣዮ። የሱስ ናይ ዳዊት “ጨንፈር ጽድቂ” ከም ምዃኑ መጠን: “ቅንዕና [“ፍትሒ:” NW ] ዚደልን ጽድቂ ንምግባር ዚፈጥንን” ኢዩ።—ኢሳይያስ 16:5፣ 42:1-4፣ ማቴዎስ 12:18-21 NW ፣ ኤርምያስ 33:14, 15
8. ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ሓቀኛ ፍትሕን ጽድቅን ሃሲሱ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧
8 ፍትሒ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ከምዚ ገይርካ ንጹር ምግባር ብፍላይ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ኣድላዪ ኢዩ ነይሩ። እቶም ናይ ኣይሁድ ዓበይትን ሃይማኖታውያን መራሕትን—ጸሓፍቲ: ፈሪሳውያን: ከምኡውን ካልኦት—ብዛዕባ ፍትሕን ጽድቅን ጠዋይ ዝዀነ ትምህርትን ኣብነትን ይህቡ ነበሩ። ስለዚ ድማ እቶም ምስቲ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዘውጽእዎ መዐቀኒታት ተሰማሚዖም ክነብሩ ዝኸበዶም ተራ ሰባት ጽድቂ ኣምላኽ ክብጻሕ ዘይከኣል ኢዩ ኢሎም ሓሲቦም ይዀኑ ኢዮም። (ማቴዎስ 23:4፣ ሉቃስ 11:46) የሱስ ግን ከምኡ ከም ዘይኰነ ኣርኣየ። ሃዋርያት ዝዀንዎ ካብ መንጎ እቶም ተራ ሰባት መረጸ: ጽድቃዊ መለክዒታት ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ድማ ማሃሮም።—ማቴዎስ 9:36፣ 11:28-30
9, 10. (ሀ) እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ብኸመይ ኢዮም ጽድቆም ከንጸባርቑ ዝደልዩ ዝነበሩ፧ (ለ) የሱስ ተግባራት ናይቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዋጋ ከም ዘይነበሮ ዘቃልዖ ብኸመይን ስለምንታይን ኢዩ፧
9 በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ እቶም ፈሪሳውያን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብምጽላይን ብምምጽዋትን ‘ጽድቆም’ ዘርእይሉ ኣጋጣሚታት ይደልዩ ነበሩ። (ማቴዎስ 6:16) ማእለያ ንዘይብሉ ሕግታትን ስርዓታትን—መብዛሕትኡ ካብኡ ባዕሎም ዝሰርዕዎ—ብምሕላው እውን ጽድቆም ከርእዩ ይጽዕሩ ነይሮም ኢዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕርታት ድማ ‘ፍትሕን ፍቕሪ ኣምላኽን ሸለል [ከም] ዝብሉ’ ገበሮም። (ሉቃስ 11:42) ብደጊኦም ጻድቃን መሲሎም ይረኣዩ ይዀኑ: ውሽጦም ግን ‘ዓመጻ ዝመልአ’ ወይ ካብ ጽድቂ ዝረሓቐ ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 23:28) ብሓጺር ኣገላልጻ ብዛዕባ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይፈልጡን ኢዮም ነይሮም።
10 በዚ ምኽንያት እዚ የሱስ ንሰዓብቱ ከምዚ ኢሉ ኣጠንቀቖም:- “ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዝዩ እንተ ዘይበዝሔ: ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትአትዉን ኢኹም።” (ማቴዎስ 5:20) እቲ የሱስ ዘንጸባረቖ መለኮታዊ ፍትሕን እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዘርእይዎ ዝነበሩ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዝሓዘ ርእስኻ ናይ ምጽዳቕ ባህርይን ኣዝዩ እተረሓሓቐ ብምንባሩ ኣብ መንጎኦም ተደጋጋሚ ምስሕሓባት የስዕብ ነበረ።
መለኮታዊ ፍትሕን ጠዋይ ፍትሕን
11. (ሀ) ፈሪሳውያን ንየሱስ ብዛዕባ ብሰንበት ምሕዋይ ዝሓተትዎ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) መልሲ ናይ የሱስከ እንታይ ኢዩ ዝገለጸ፧
11 የሱስ ብ31 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ እዋን ጽድያ ኣብ ገሊላ ከገልግል ከሎ ኣብቲ ቤት ጸሎት ሓደ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ረኣየ። ሰንበት ብምንባሩ እቶም ፈሪሳውያን ንየሱስ “ብሰንበት ምፍዋስዶ ግቡእ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። እዚ ድኻ ሰብኣይ እዚ ይሳቐ ብምህላዉ ናይ ሓቂ ሓልዮት ኣብ ክንዲ ዝስምዖም: እቲ ዝሓተትዎ ሕቶ ከም ዝሕብሮ ንየሱስ ንምዅናን ምኽንያት ኢዮም ዝደልዩ ነይሮም። የሱስ ነቲ ዋላ ሓንቲ ርሕራሐ ዘይብሉ ልቦም ርእዩ ምጕሃዩ ዘገርም ኣይኰነን! ንሱ ድማ “ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባርዶ . . . ይግባእ፧” ብምባል ተመሳሳሊ ሕቶ ሓተቶም። ምስ ኣጽቀጡ ድማ: ንሓንቲ ብሰንበት ኣብ ጕድጓድ ዝወደቐት በጊዕ የውጽእዋ እንተ ዀይኖም ብምሕታት ንሕትኡ ባዕሉ መለሶ።b የሱስ ከኣ ክከሓድ ብዘይክእል ሓሳባት ገይሩ “ካብ በጊዕሲ ሰብዶ ግዳ ኣዝዩ ኣይበልጽን፧” በሎም። እምበኣርሲ “ብሰንበት ጽቡቕ ምግባር ግቡእ [ቅኑዕ] እዩ” ብምባል ደምደመ። ፍትሒ ኣምላኽ ብሰብኣዊ ልምድታት ክቕየድ የብሉን። የሱስ ነዚ ነጥቢ እዚ ብምብራህ: ንኢድ እቲ ሰብኣይ ኣሕወየ።—ማቴዎስ 12:9-13፣ ማርቆስ 3:1-5
12, 13. (ሀ) ምስቲ ናይ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ብምንጽጻር: የሱስ ንሓጥኣን ንምሕጋዝ ተገዳስነት ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብ መንጎ መለኮታዊ ፍትሕን ርእስኻ ምጽዳቕን እንታይ ፍልልይ ኢዩ ዘሎ፧
12 ፈሪሳውያን ነቶም ኣካላዊ ጕድለት ዘለዎም ብዙሕ ዘይሓልዩሎም እንተድኣ ነይሮም: ነቶም ብመንፈስ ዝጠምዩ ዝነበሩ ካብኡ ዝተሓተ ኢዮም ዝገብርሎም ነይሮም። እቲ ብዛዕባ ጽድቂ ዝነበሮም ጠዋይ ኣረኣእያ ነቶም ተገውትን ሓጥኣንን ከም ዝንዕቅዎም ገበሮም። (ዮሃንስ 7:49) ይኹን እምበር ብዙሓት ከምዚኣቶም ዝነበሩ ሰባት ንትምህርቲ የሱስ ተቐቢሎምዎ ኢዮም: ከምዚ ዝገበሩ ድማ ንሰባት ናይ ምፍራድ ዘይኰነስ ናይ ምሕጋዝ ባህጊ ከም ዝነበሮ ስለ እተረድኡ ኢዮም። (ማቴዎስ 21:31፣ ሉቃስ 15:1) እቶም ፈሪሳውያን ግን ነቲ የሱስ ብመንፈሳዊ መገዲ ሕሙማት ንምፍዋስ ኢሉ ዝገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ኣናኢሶምዎ ኢዮም። “እዝስ ንሓጥኣን ደኣ ይቕበል ምሳታቶምውን ይበልዕ” ብምባል ኣጕረምረሙ። (ሉቃስ 15:2) የሱስ ነዚ ክሲ እዚ ክምልሰሉ ከሎ ናይ መጓሰ ኣብነት ተጠቕመ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ጓሳ ዝጠፍኣቶ በጊዕ ምስ ረኸበ ዝሕጐስ: እቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ መላእኽቲ ድማ ሓደ ሓጥእ ምስ ዝናሳሕ ይሕጐሱ ኢዮም። (ሉቃስ 15:3-7) የሱስ ባዕሉ እውን ንዘኬዎስ ካብቲ ናይ ቅድም ሓጥእ መገዱ ንኽምለስ ምስ ሓገዞ ተሓጒሱ ኢዩ። “ወዲ ሰብ ንጥፉእ ኪደልን ኬድሕንን እዩ ዝመጸ” በለ።—ሉቃስ 19:8-10
13 እዚ ምስሕሓባት እዚ ኣብ መንጎ እቲ ብዛዕባ ምሕዋይን ምድሓንን ዝግደስ መለኮታዊ ፍትሕን እቲ ንውሑዳት ኣልዕል ኣቢሉ ብምርኣይ ንብዙሓት ክዅንን ዝደሊ ርእስኻ ናይ ምጽዳቕ ባህርይን ዘሎ ፍልልይ ብግልጺ ዘርኢ ኢዩ። ዋጋ ዘይብሉ ጽምብላትን ሰብ ዝገበሮ ልምድታትን ነቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ናብ ትዕቢትን ርእስኻ ምኽባርን መርሖም: የሱስ ግን ብዝሰማማዕ መገዲ ‘እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር ፍርዲ [“ፍትሒ:” NW ] ምሕረት: እምነት ትሓድጉ’ ብምባል ሓበሮም። (ማቴዎስ 23:23) ንሕናውን ኣብ ኵሉ እንገብሮ ነገራት ናይ ሓቂ ፍትሒ ብምዝውታር ከምኡውን ካብ ናይ ርእስኻ ምጽዳቕ ሓደጋ ብምጥንቃቕ ንየሱስ ንምሰሎ።
14. ሓደ ካብቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት መለኮታዊ ፍትሒ ናይ ሰብ ኵነታት ኣብ ግምት ዘእቱ ምዃኑ ዘብርሀ ብኸመይ ኢዩ፧
14 የሱስ ነቲ እቶም ፈሪሳውያን ተሰማሚዖም ዘቘምዎ ስርዓታት ክነጽጎ ከሎ: ንሕጊ ሙሴ ግን ሓልይዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 5:17, 18) ከምዚ ክገብር ከሎ ግን ኣብቲ እተጻሕፈ ሕጊ ጥራይ ድርቕ ብምባል እቲ መሰረታዊ ስርዓት ናይዚ ጻድቕ ሕግዚ ክዕብለል ኣየፍቀደን። ሓንቲ ን12 ዓመታት ደም ዝፈሳ ዝነበረት ሰበይቲ ክዳኑ ተንኪፋ ምስ ሓወየት: የሱስ “ኣጆኺ ጓለይ: እምነትኪ ኣሕወየትኪ: ብሰላም ኪዲ” በላ። (ሉቃስ 8:43-48) እቲ ድንጋጽ ዝነበሮ ናይ የሱስ ቃላት ፍትሒ ኣምላኽ ንዅነታታ ኣብ ግምት ከም ዘእተወ ዘረጋግጽ ኢዩ ነይሩ። ቃል ብቓሉ ክረአ ኸሎ ዘይንጽህቲ ክነሳ ኣብ መንጎ እቲ እኩብ ህዝቢ ብምሕዋሳ ንሕጊ ሙሴ እኳ እንተ ኣፍረሰት: እምነታ ግን ዓስቢ ዘውህባ ኢዩ ነይሩ።—ዘሌዋውያን 15:25-27፣ ምስ ሮሜ 9:30-33 ኣረኣእዮ።
ጽድቂ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኢዩ
15, 16. (ሀ) እቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝጠቐሶ ምሳሌ ብዛዕባ ፍትሒ እንታይ ኢዩ ዝምህረና፧ (ለ) ‘እምብዛ ጻድቃን’ ምዃን ከነወግዶ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
15 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ መለኮታዊ ፍትሒ ድንጋጽ ከም ዘለዎ ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሎም ዓይነት ሰባት እውን ከም ዝሓቍፍ ምሂርዎም ኢዩ። ንሱ “ነህዛብ ፍትሒ ኼውጽኣሎም” ፍቓድ የሆዋ ኢዩ። (ኢሳይያስ 42:1) የሱስ ነቲ ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝገልጽ ፍሉጥ ኣብነት ክህብ ከሎ ከመሓላልፎ ዝደለየ ነጥቢ እዚ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ሓደ ‘ርእሱ ከጽድቕ ዝደለየ’ ፈላጥ ሕጊ ምስ ሓተቶ ክምልስ ከሎ ዝጠቐሶ ምሳሌ ኢዩ ነይሩ። ንሱ “ብጻየይከ መን እዩ፧” ክብል ንየሱስ ሓተቶ። ከምዚ መበሊኡ ድማ ብጾቱ ኣይሁዳውያን ጥራይ ምዃኖም ንምርኣይ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይነበረን። ኣብቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳሌ ዘሎ ሳምራዊ ሰብኣይ ንሓደ ካብ ካልእ ህዝቢ ዝዀነ ሰብ ንምሕጋዝ ግዜኡን ገንዘቡን ከጥፍእ ፍቓደኛ ብምንባሩ ኣምላኻዊ ጽድቂ ኣንጸባሪቑ ኢዩ። የሱስ ነቲ ዝሓተቶ ሰብ “ንስኻውን ከምኡ ግበር” ኢሉ ብምምዓድ ነቲ ዘቕረቦ ምሳሌ ደምደሞ። (ሉቃስ 10:25-37) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ዓሌታዊ ወይ ቀቢላዊ መበቈሎም ብዘየገድስ ንዅሎም ሰባት ጽቡቕ ምስ እንገብር ንፍትሒ ኣምላኽ ንቐድሖ ኣሎና ማለት ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35
16 በቲ ኻልእ ወገን ድማ ናይቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣብነት: መለኮታዊ ፍትሒ ከነንጸባርቕ እንተድኣ ኴንና ‘እምብዛ ጻድቃን’ ክንከውን ከም ዘይግብኣና የዘኻኽረና ኢዩ። (መክብብ 7:16) ንኻልኦት ንምምሳጥ ኢልካ ዝግበር ናይ ርኣዩለይ ጽድቂ: ወይ ሰብ ንዝገበሮ ሕግታት ካብ መጠን ንላዕሊ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ገይርካ ምርኣይ ስምረት ኣምላኽ ኣየውህበናን ኢዩ።—ማቴዎስ 6:1
17. ኣምላኻዊ ፍትሒ ከነዘውትር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
17 የሱስ ፍትሒ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ነቶም ሰባት ግልጺ ዝገበረሉ ሓደ ምኽንያት ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ባህርይ እዚ ምንጽብራቕ ክማሃሩ ኢሉ ኢዩ። እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት “ንኣምላኽ ምሰልዎ” ብምባል ኢዩ ዝምዕደና: ኵሉ መገድታት ኣምላኽ ድማ ፍትሒ ኢዩ። (ኤፌሶን 5:1 NW ) ብተመሳሳሊ ሚክያስ 6:8 ሓደ ካብቲ የሆዋ ዝደልዮ ብቕዓታት ምስኡ ክንመላለስ ከሎና ‘ፍትሒ ክንገብር’ (NW ) ምዃኑ ትገልጽ። ኣብ ርእሲ እዚ ጸፎንያስ 2:2, 3 ካብ ቍጥዓ የሆዋ ክንሕባእ እንተድኣ ዄንና እታ መዓልቲ እቲኣ ቅድሚ ምምጽኣ ‘ጽድቂ ክንደሊ’ ከም ዘሎና ተዘኻኽረና።
18. ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ እንታይ ሕቶ ኢዩ ክምለስ፧
18 ስለዚ እምበኣር: እዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት ፍትሒ ከነዘውትረለን እንኽእል ‘ቅቡላት ግዝያት’ ኢየን። (2 ቈረንቶስ 6:2) ከም እዮብ ‘ንጽድቂ ንለብሳ’ ከምኡውን ‘ንፍትሒ ከም ባርኖስ’ ንኽደና እንተድኣ ዄንና የሆዋ ከም ዝባርኸና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (እዮብ 29:14) ኣብ ፍትሒ የሆዋ እምነት ምግባር ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ኵነታት እሙንቶ ከነሕድር ክሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ነታ ጽድቂ ዘለዋ ‘ሓዳስ ምድሪ’ ክንጽበ ከሎና: ኣምላኻዊ ፍትሒ ብመንፈሳዊ መገዲ ከዕቍበና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ (2 ጴጥሮስ 3:13) እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ክትህበሉ ኢያ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኣብቲ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ሰለስተ ቀንዲ ቃላት ኣትየን ኣለዋ። ሓንቲ ካብዚኣተን (ሚሽ ·ፓት ʹ ) መብዛሕትኡ እዋን “ፍትሒ” ተባሂላ ኢያ እትትርጐም። እተን ዝተረፋ ክልተ (ጸ ʹድክ ከምኡውን ምስኣ እትመሳሰል ጸደ ·ካህ ʹ እትብል ቃል) መብዛሕትኡ እዋን “ጽድቂ” ተባሂለን ኢየን ዝትርጐማ። እታ “ጽድቂ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል (ዱ ·ካይ ·ኦ ·ሳይ ʹን ) “ቅኑዕ ወይ ልክዕ ናይ ምዃን ባህርይ” ተባሂላ ኢያ እትግለጽ።
b እዚ የሱስ ዝሃቦ ኣብነት ዝሰማማዕ ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ እቲ ብኣፍ ዝግለጽ ሕጊ ኣይሁድ እንስሳ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ኣብ ሓደጋ ምስ ዝወድቕ ክሕገዝ ከም ዘለዎ ፈልዩ ኢዩ ዘፍቅድ። ኣብ ካልእ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ድማ በዚ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምሕዋይ ይግባእ ኢዩ ወይ ኣይግባእን ዝብል ኣርእስቲ ምስሕሓባት ነይሩ ኢዩ።—ሉቃስ 13:10-17፣ 14:1- 6፣ ዮሃንስ 9:13-16
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
◻ መለኮታዊ ፍትሒ ከመይ ዝበለ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፧
◻ የሱስ ንህዝብታት ፍትሒ ዝማሃሮም ብኸመይ ኢዩ፧
◻ እቲ ናይ ፈሪሳውያን ጽድቂ ጠዋይ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ፍትሒ ከነዘወትር ዘድልየና ስለምንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ መለኮታዊ ፍትሒ ሰፊሕ ምዃኑ ኣነጸረ