‘ብሃረርታ’ ምጽባይ
“ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ አሎ። ”—ሮሜ 8:19
1. ኣብ መንጎ እዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናትን እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናትን ከመይ ዝበለ ተመሳሳሊ ኵነታት ኢዩ ዝርአ፧
እዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምስ ኵነታት ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝመሳሰል ኢዩ። ትንቢት: ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ የሆዋ መሲሕ መዓስ ከም ዝመጽእ ንኽፈልጡ ሓጊዝዎም ኢዩ። (ዳንኤል 9:24-26) እቲ ትንቢት እቲ ብዛዕባ ጥፍኣት የሩሳሌም እውን ኣቐዲሙ ነጊሩ ኢዩ: ይኹን እምበር እታ ኸተማ እቲኣ መዓስ ከም እትጠፍእ ክርስትያናት ክፈልጥሉ ዘኽእሎም ሓበሬታታት የብሉን። (ዳንኤል 9:26ለ, 27) ብተመሳሳሊ መገዲ: ትንቢት ነቶም ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ቅኑዓት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እውን እናተጸበዩ ክጸንሑ ሓጊዝዎም ኢዩ። ነተን ኣብ ዳንኤል 4:25 ተጠቒሰን ዘለዋ “ሾብዓተ ግዝያት” ምስ “ዘመናት ኣህዛብ” ብምትሕሓዝ ክርስቶስ ብ1914 ስልጣን መንግስቲ ክቕበል ምዃኑ ተጸብዮም ኢዮም። (ሉቃስ 21:24፣ ህዝቅኤል 21:25-27) መጽሓፍ ዳንኤል ብዙሕ ትንቢታት ዝሓዘት መጽሓፍ እኳ እንተዀነት: እዞም ሎሚ ዘለዉ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ብምልኡ መዓስ ከም ዝጠፍእ ብልክዕ ጸብጺቦም ንምፍላጥ ክሕግዞም ዝኽእል ትንቢት ግን የብላን። (ዳንኤል 2:31- 44፣ 8:23-25፣ 11:36, 44, 45) ይኹን እምበር: ኣብ “ዘመን መወዳእታ” ንነብር ስለ ዘሎና እዚ ቀልጢፉ ክፍጸም ኢዩ።—ዳንኤል 12:4a
ኣብ ግዜ ህላወ ክርስቶስ ንቑሕ ኴንካ ምጽናሕ
2, 3. (ሀ) ክርስቶስ ኣብ ንጉሳዊ ስልጣኑ ኣብ ዘለወሉ ግዜ ንነብር ከም ዘሎና ዘረጋግጸልና ዝዓበየ መርትዖ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ክርስትያናት ኣብ ህላወ የሱስ ክርስቶስ ንቑሓት ክዀኑ ከም ዘለዎም ዘርኢ እንታይ ኢዩ፧
2 ሓቂ ኢዩ: ክርስቶስ ብ1914 ናይ መንግስቲ ስልጣን ቅድሚ ምሓዙ: እናተጸበዩ ንኽጸንሑ ትንቢት ንክርስትያናት ሓጊዝዎም ኢዩ። እንተዀነ ግን እቲ የሱስ ብዛዕባ ህላወኡን መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዝን ንምሕባር ዝሃቦ “ትእምርቲ” ፍጻመታት ዝሓዘ ኢዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ካብዚ ድማ ህላወኡ ድሕሪ ምጅማሩ ኢዩ ክርአ ነይርዎ። እዚ ውግእ: ጥሜት: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ፌራ: ብዝሒ ዓመጻ: ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዝወርድ መስጐጕቲ: ዓለምለኻዊ ስብከት ብስራት መንግስቲ ዘጠቓለለ ፍጻመታት ክርስቶስ ንጉሳዊ ስልጣኑ ምሓዙ ዓቢ መረጋገጺ ኰይኑ ኢዩ ዘገልግል።—ማቴዎስ 24:3-14፣ ሉቃስ 21:10, 11
3 ይኹን እምበር: ናይቲ የሱስ ክፋኖ ኸሎ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሃቦም ምኽሪ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ‘ተጠንቀቑ: ንቕሑ’ ዝብል ኢዩ ነይሩ። (ማርቆስ 13:33, 37፣ ሉቃስ 21:36) ንትሕዝቶ ናይዚ ንምንቃሕ ዝምልከት ለበዋታት ተጠንቂቕና ምስ እነንብቦ: ክርስቶስ ብቐዳምነት ዝዛረበሉ ዝነበረ ነገር ህላወኡ ከም ዝጀመረ ዝሕብር ምልክታት ንምርካብ ምንቃሕ ከም ዘይኰነ ዝሕብር ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ነቶም ሓቀኛታት ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ግዜ ህላወኡ ክነቕሑ ኢዩ ዝእዝዞም ነይሩ። ሓቀኛታት ክርስትያናት ነየናይ ኢዮም ክነቕሕሉ ነይርዎም፧
4. እቲ የሱስ ዝሃቦ ትእምርቲ ንምንታይ ዕላማ ኢዩ ዝጠቅም፧
4 የሱስ ነቲ ዓቢ ትንቢቱ እተነበዮ “እዚ [ናብ ጥፍኣት ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ዝመርሕ ፍጸመታት] መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን [“ህላወኻን:” NW ] መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧” ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:3) እቲ ኣቐዲሙ እተነግረ ትእምርቲ ንህላወ ክርስቶስ ንምፍላጥ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ናብ መወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ዝመርሕ ፍጻመታት እውን ንምልላይ ዝሕግዝ ኢዩ።
5. የሱስ ብመንፈሳዊ መገዲ ኣብ ህላወ ክነሱ: ገና ‘ክመጽእ’ ምዃኑ ዝሓበረ ብኸመይ ኢዩ፧
5 የሱስ ኣብ ግዜ ‘ህላወኡ’ (ብግሪኽ ፓ·ሩ ·ሲʹያ ) ብሓይልን ብኽብርን ከም ዝመጽእ ሓቢሩ ኣሎ። ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ “ምምጻእ” (ካብታ እተፈላለየ ትርጕም ዝሓዘት ኢር ʹክሆ·ማይ እትብል ቃል እተወስደት) ከምዚ በለ:- “ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ: ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም። . . . ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩ። ጨነፍራ ምስ ለምለመ: ቈጽላውን ምስ ጠጥዔ: ክረምቲ ኸም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ምስ ርኤኹም: [ክርስቶስ] ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡ። . . . ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ: ንቕሑ። . . . ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ: ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ማቴዎስ 24:30, 32, 33, 42, 44
የሱስ ስለምንታይ ኢዩ ዝመጽእ፧
6. ጥፍኣት “ዓባይ ባቢሎን” ብኸመይ ኢዩ ዝመጽእ፧
6 ሽሕኳ ካብ 1914 ንነጀው ንጉስ ኰይኑ ኣብ ህላወ እንተሎ: የሱስ ክርስቶስ ነቶም እኩያት ኰይኖም ዝረኸቦም ናይ ጥፍኣት ፍርዲ ቅድሚ ምውራዱ ንስርዓታትን ንውልቀ-ሰባትን ክፈርዶም ኣለዎ። (ምስ 2 ቈረንቶስ 5:10 ኣረኣእዮ።) የሆዋ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ፖለቲካውያን መራሕቲ ነታ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት “ዓባይ ባቢሎን” ከጥፍእዋ ኣብ ሓሳቦም ከእትወሎም ኢዩ። (ራእይ 17:4, 5, 16, 17) የሱስ ክርስቶስ ነቲ በቶም ከሓድቲ ካህናት ናይታ ቀንዲ ክፍሊ ናይ “ዓባይ ባቢሎን” ዝዀነት ህዝበ-ክርስትያን ዝቘመ “ሰብኣይ ዓመጻ” ከጥፍኦ ምዃኑ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣነጺሩ ገሊጹ ኢዩ። ጳውሎስ “እቲ መፍረስ ሕጊ . . . ኺግለጽ እዩ። ንእኡ ጐይታና የሱስ ብመንፈስ ኣፉ ገይሩ ኼጥፍኦ: ብምግላጽ ምጽኣቱውን ከንቱ ኺገብሮ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—2 ተሰሎንቄ 2:3, 8
7. ወድሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ: እንታይ ዓይነት ፍርዲ ኢዩ ክህብ፧
7 ኣብዚ ቀረባ ግዜ: ክርስቶስ ንኣህዛብ ብመሰረት እቲ ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ኣሕዋቱ ዝገበርዎ ኣተሓሕዛ ክፈርዶም ኢዩ። ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ ወጸ: ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ: ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ። ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ: ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን: ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማኑ: ነተን አጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን። . . . እቲ ንጉስ ከኣ፤ [ነተን ኣባጊዕ] እቲ ካብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ: ኢሉ ይመልሰሎም። . . . እዚኣቶም [ኣጣል] ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ [“ምቝራጽ:” NW ]: ጻድቃን ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።”—ማቴዎስ 25:31- 46
8. ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ናይ ጥፍኣት ፍርዱ ከውርድ ዝመጽኣሉ ኵነታት ጳውሎስ ብኸመይ ኢዩ ዝገለጾ፧
8 ኣብቲ ናይ ኣባጊዕን ኣጣልን ምሳልያዊ ዛንታ ተራእዩ ከም ዘሎ የሱስ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ናይ መወዳእታ ፍርዲ ከውርድ ኢዩ። ጳውሎስ ነቶም ዝሳቐዩ ዝነበሩ ኣመንቲ ብጾቱ ከምዚ ብምባል ኣረጋገጸሎም:- “በቲ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ መላእኽቲ ስልጣኑን ንኣኻትኩም ጸቢብኩም ዘሎን ምሳና ዕረፍቲ: ነቶም ዜጻብቡልኩም ዘለዉን ጸበባ ኽፈዲ: ብኣምላኽ ቅኑዕ እዩ እሞ: ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም እዩ። . . . የሱስ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቕዱሳኑ [ኪኸብር] . . . ምስ መጸ: ንሳቶም ብመቕጻዕቲ: ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ካብ ቅድሚ ጐይታናን ክብሪ ስልጣኑን ርሒቖም: ኪቕጽዑ እዮም።” (2 ተሰሎንቄ 1:7-10) እዚ ዅሉ ዘሐጕስ ፍጻመታት እዚ ክኸውን ከሎ ክንርኢ ካብ ኰንና: እምነት ከነርእን ንምምጻእ ክርስቶስ ከኣ ብሃረርታ እናተጸበና ንቑሓት ክንከውንንዶ ኣይግብኣናን፧
ንምግላጽ ክርስቶስ ብሃረርታ ምጽባይ
9, 10. እቶም ገና ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅቡኣት ንምግላጽ የሱስ ክርስቶስ ብሃረርታ ዝጽበዩዎ ስለምንታይ ኢዮም፧
9 “ምግላጽ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ” ኣብ ልዕሊ እኩያት ጥፍኣት ከውርድ ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ጻድቃን እውን ዓስቦም ክህቦም ኢዩ። እቶም ገና ኣብ ምድሪ ተሪፎም ዘለዉ ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ ቅድሚ ምግላጹ ገና ስቓይ ዝህልዎም እኳ እንተዀነ በቲ ግርማዊ ሰማያዊ ተስፍኦም ይሕጐሱ ኢዮም። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንቕቡኣት ክርስትያናት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም:- “ብምግላጽ ግርማኡ ድማ ክትሕጐሱን ባህ ክትብሉን ኢኹም እሞ: ኣብቲ ስቓይ ክርስቶስ ሕቡራት ካብ እትዀኑስ: ተሐጐሱ ደኣ።”—1 ጴጥሮስ 4:13
10 እቶም ቅቡኣት: ክርስቶስ ‘ናብኡ [ክሳዕ] ዝእክቦም’ ‘እታ እተፈተነት’ እምነቶም ‘ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን ኰይና ምእንቲ ክትርከብ’ እሙናት ኰይኖም ክጸንሑ ቈሪጾም ኢዮም። (2 ተሰሎንቄ 2:1፣ 1 ጴጥሮስ 1:7) ብዛዕባ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ብመንፈስ እተወልዱ እሙናት ክርስትያናት “ከምቲ ምስክር ክርስቶስ ኣባኻትኩም ዝጸንዔ: ስለቲ ብክርስቶስ የሱስ እተዋህበኩም ጸጋ ኣምላኽ ብዅሉ ቓልን ብዅሉ ፍልጠትን ብዅሉ ብእኡ ስለ ዝሀብተምኩም: . . . ምግሃድ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹም: ብሓደ ውህበት ጸጋ እኳ ኸይጐደልኩም” ክበሃለሎም ይከኣል ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 1:6, 7
11. ቅቡኣት ክርስትያናት ነቲ ምግላጽ የሱስ ክርስቶስ እናተጸበዩ እንታይ ዕዮ ኢዮም ዝፍጽሙ፧
11 እቶም ቅቡኣት ተረፍ ከምቲ ናይ ጳውሎስ ስምዒት ኢዩ ዘለዎም: ንሱ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “[ስቓይ] እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ: እአምን አሎኹ።” (ሮሜ 8:18) እምነቶም ብናይ ግዜ ጸብጻባት ክዓግብ ዘድልዮ ኣይኰነን። ነቶም ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ብጾቶም ግሩም ኣብነት ብምዃን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑዛት ኰይኖም ኢዮም ዝርከቡ። (ዮሃንስ 10:16) እዞም ቅቡኣት እዚኣቶም መወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ከም ዝቐረበ ይፈልጡ ኢዮም: ነቲ “ሓቛ[ቝ] ልብኹም ተዐጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም: ነቲ ብምግሃድ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ” ዝብል ናይ ጴጥሮስ ማዕዳ የቕልብሉ ኢዮም።—1 ጴጥሮስ 1:13
“ሃረርታ ፍጥረት”
12, 13. ሰብኣዊ ፍጥረት ‘ንኸንቱ ተገዚኡ ዘሎ’ ብኸመይ ኢዩ: እቶም ካልኦት ኣባጊዕከ ነየናይ ኢዮም ብሃረርታ ዝጽበይዎ፧
12 እቶም ካልኦት ኣባጊዕከ ብሃረርታ ዝጽበይሉ ነገር ኣለዎምዶ፧ ብርግጽ ኣለዎም። ብዛዕባ ግርማዊ ተስፋ ናይቶም መንፈሳውያን ‘ውሉዳቱ’ ብምዃን ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ‘መዋርስቲ ክርስቶስ’ ክዀኑ ብየሆዋ ውልድነት ዝረኸቡ ሰባት ድሕሪ ምዝራቡ ጳውሎስ ከምዚ በለ:- “ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ አሎ እሞ: ከምኡ ኸኣ ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ: እአምን ኣሎኹ። እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ አሎ: ስለቲ ብተስፋ ዘግዝኦ እዩ እምበር: ብፍቓዱስ ኣይኰነን እሞ: እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ።”—ሮሜ 8:14-21፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:10-12
13 ብሰሪ ሓጢኣት ኣዳም ኵሎም ዘርኡ ባሮት ሓጢኣትን ሞትን ኰይኖም ብምውላድ ‘ንኸንቱ ተገዚኦም’ ኢዮም። ንገዛእ ርእሶም ካብዚ ባርነት እዚ ከውጽእዋ ኸኣ ኣይከኣሉን። (መዝሙር 49:7፣ ሮሜ 5:12, 21) እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ‘ካብ ባርነት ጥፍኣት ሓራ ክወጹ’ ኣየ ክንደይ ኰን ኢዮም ሃረር ዝብሉ! እዚ ቅድሚ ምፍጻሙ ግን ብመሰረት ናይ የሆዋ ዘመናትን ወርሓትን ክፍጸም ዘለዎ ሓድሓደ ነገራት ኣሎ።
14. “ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ” እንታይ ኢዩ ዘጠቓልል: ንደቅሰብ ‘ካብ ባርነት ጥፍኣት ሓራ ዘውጽኦምከ’ ብኸመይ ኢዩ፧
14 ቅድም ‘ክግለጹ’ ዘለዎም ተረፍ ናይቶም “ደቂ ኣምላኽ” ዝዀኑ ቅቡኣት ኢዮም። እዚኸ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧ ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ: እቶም ቅቡኣት ከም ‘እተሓትሙን’ ምስ ክርስቶስ ንኽገዝኡ ድማ ከም ዝኸበሩን ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ ግልጺ ክዀነሎም ኢዩ። (ራእይ 7:2-4) እቶም ዝተንስኡ ‘ደቂ ኣምላኽ’ ነዚ ናይ ሰይጣን እኩይ ኣገባብ ንምጥፋእ ምስ ክርስቶስ ክሓብሩ ከለዉ ‘ክግለጹ’ ኢዮም። (ራእይ 2:26, 27፣ 19:14, 15) ድሕርዚ ኣብቲ ሽሓዊ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ: ነቲ ካብ በጅነታዊ መስዋእቲ ክርስቶስ ዝርከብ ረብሓታት ንሰብኣዊ “ፍጥረት” ዝዝርግሑ ካህናት ኰይኖም እንደገና ‘ክግለጹ’ ኢዮም። እዚ ምግላጽ እዚ ድማ ንደቅሰብ ‘ካብ ባርነት ጥፍኣት ሓራ ኣውጺኡ ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ’ ከእትዎም ኢዩ። (ሮሜ 8:21፣ ራእይ 20:5፣ 22:1, 2) እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓበይቲ ተስፋታት ካብ ሃለዎም: “ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ” ‘ብሃረርታ’ እንተ ተጸበይዎስ ዘገርምዶ ኢዩ፧—ሮሜ 8:19
ትዕግስቲ የሆዋ ክበሃል ከሎ ድሕነት ማለት ኢዩ
15. ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንፍጻመታት ዝምድበሉ ግዜ ፈጺምና ክንርስዖ ዘይብልና ነገር እንታይ ኢዩ፧
15 የሆዋ እቲ ዝዓበየ ግዜኡ ዝሕሉ ኣካል ኢዩ። ኵነታት ንኽፍጸም ዝመደበሉ ግዜ ፍጹም ምዃኑ ክረጋገጽ ኢዩ። ነገራት ኵሉ ግዜ ከምቲ ንሕና ብብሕትና ክኸውን እንደልዮ ኰይኑ ይርከብ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ኵሉ መብጽዓታት ኣምላኽ ክፍጸም ምዃኑ ምሉእ እምነት ክህልወና ይኽእል ኢዩ። (እያሱ 23:14) ነዚ ኣገባብ እዚ ካብቲ ብዙሓት ሰባት እተጸበይዎ ንላዕሊ ክጸንሕ የፍቅደሉ ይኸውን። እንተዀነ ግን: መገድታቱ ክንርዳእን ጥበቡ ከነድንቕን ሃለው ንበል። ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ወዳጄ: መዓሙቝ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን: ክንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ ፍርዱ: ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብከ እዩ መገዱ። ሓሳብ እግዚኣብሄር ዚፈልጥ መን እዩ፧ ወይስ መን እዩ ዘማኸሮ፧”—ሮሜ 11:33, 34
16. ካብ ትዕግስቲ የሆዋ ክጥቀም ዝኽእል መን ኢዩ፧
16 ጴጥሮስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ኣቱም ፍቁራተይ: ነዚ [ጥፍኣት ናይቲ ኣረጊት “ሰማይን” ኣረጊት “ምድርን” ከምኡውን በቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ “ሓድሽ ሰማይን” “ሓድሽ ምድርን” ዝትክኣሉ ግዜ] እናተጸቤኹምሲ: [“ኣብ መወዳእታ: ” NW ] ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርከቡ ተጋደሉ። . . . ነቲ ትዕግስቲ ጐይታና ንምድሓንኩም ቊጸርዎ።” ሳላ ትዕግስቲ የሆዋ: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ካብታ “ከም ሰራቒ” ኰይና ሃንደበት እትመጽእ “መዓልቲ ኣምላኽ” ክድሕኑ ኣጋጣሚ ተኸፊቱሎም ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 3:9-15) ትዕግስቱ ንነፍሲ ወከፍና እውን ‘ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንና ክንፍጽም’ የፍቅደልና ኣሎ። (ፊልጲ 2:12) ኣብቲ ንፍርዲ ዝመጽኣሉ ግዜ ስምረት ረኺብና ‘ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ክንብል’ ንደሊ እንተድኣ ዄንና ‘ንርእስና ክንጥንቀቕን’ ‘ክንነቅሕን’ ከም ዘሎና የሱስ ተዛሪቡ ኢዩ።—ሉቃስ 21:34-36፣ ማቴዎስ 25:31-33
እናተጸመምካ ምጽባይ ቀጽል
17. ነየናይ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ቃላት ኢና ከነቕልበሉ ዘሎና፧
17 ጳውሎስ ነቶም መንፈሳውያን ኣሕዋቱ “ነቲ ዘይርኤ እምበር: ነቲ ዚርኤ” ከይጥምቱ ተላብይዎም ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:16-18) እቲ ኣብ ቅድሚኦም እተዘርግሓሎም ሰማያዊ ተስፋ ብዝዀነ ይኹን ነገር ክጽልምት ኣይደለዮን። ቅቡኣት ክርስትያናት ንኹን ካብተን ካልኦት ኣባጊዕ ብዘየገድስ ነቲ ኣብ ቅድሜና ተዘርጊሑልና ዘሎ ዘደንቕ ተስፋ ኣብ ኣእምሮና ንሓዞ: ኣይንተሓለል እውን። ‘ምስቶም ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚኣምኑ እምበር: ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዚምለሱ ከም ዘይኰንና’ ብምርግጋጽ ‘ብትዕግስቲ [“እናተጸመምና:” NW ] ንጸበ።’—ሮሜ 8:25፣ እብራውያን 10:39
18. ንዘመናትን ወርሓትን ብተኣማንነት ኣብ ኢድ የሆዋ ክንሓድጎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
18 ንዘመናትን ወርሓትን ብተኣማንነት ኣብ ኢድ የሆዋ ክንሓድጎ ንኽእል ኢና። ብመሰረት ናይ ግዜ መደቡ መብጽዓታቱ ዝፍጸመሉ እዋን ‘ኣይክድንጕን እዩ።’ (ኣንባቆም 2:3) ክሳዕ ሽዑ ግን: እቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝሃቦ ማዕዳ ንዓና ተወሳኺ ትርጕም ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ከምዚ በለ:- “እቲ ቓል ክትሰብኽ: ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን . . . ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ንምዉታንን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስን በቲ ምግላጹን መንግስቱን ኤማሕጽነካ አሎኹ። . . . ግብሪ ወንጌላዊ ግበር: ኣገልግሎትካ መልእ።”—2 ጢሞቴዎስ 4:1-5
19. ህዝቢ የሆዋ እንታይ ንምግባር ኢዩ ገና ግዜ ዘለዎም: ስለምንታይከ፧
19 ህይወትናን ህይወት ብጾትናን ኣብ ሓደጋ ኢዩ ዘሎ። ጳውሎስ “ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ: በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ: ንርእስኻን ነቶም ዝሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጢሞቴዎስ 4:16) እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ክውዳእ ተሪፍዎ ዘሎ ግዜ ኣዝዩ ሓጺር ኢዩ። ነቲ ድሕሪ ቀረባ እዋን ዝርአ ዘሐጕስ ፍጻመታት ብሃረርታ እናተጸበና: ህዝቡ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኩ የሆዋ ዝመደቦ ዘመንን ወርሓትን ምዃኑ ወትሩ ኣይንረስዕ። እቲ ዕዮ እቲ ንዕኡ ብዘዕግብ መገዲ ክፍጸም ኣለዎ። ከምቲ የሱስ ዝበሎ ድማ “ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።”—ማቴዎስ 24:14
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 10 ከምኡውን 11 ርአ።
ብመልክዕ ድግማ
◻ ብዛዕባ ናይ ግዜ ጸብጻባት ዝመጸ: ኵነታትና ምስ ኵነታት ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝመሳሰል ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ክርስትያናት ኣብ ግዜ ህላወ ክርስቶስ እውን ከይተረፈ ‘ክነቕሑ’ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም፧
◻ ሰብኣዊ ፍጥረት ‘ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ብሃረርታ ዝጽበዮ ዘሎ’ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ንዘመናትን ወርሓትን ብተኣማንነት ኣብ ኢድ የሆዋ ክንሓድጎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ክርስትያናት ንምምጻእ ክርስቶስ ብምጽባይ ንቑሓት ክዀኑ ይግባእ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ቅቡኣት ተረፍ ንእምነቶም ኣብ ናይ ግዜ ጸብጻባት ከየመርኰሱ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑዛት ክዀኑ ይግባእ