ናይ ከባቢ ባህልን ክርስትያናዊ ስርዓታትን ዝሰማማዕ ድዩ፧
ስቲቨን መበቈሉ ካብ ሰሜናዊ ኣውሮጳ ክኸውን ከሎ ኣብ ሓንቲ ናይ ኣፍሪቃ ሃገር ሚስዮናዊ ኰይኑ ከገልግል እተመደበ ምስክር ኢዩ። ምስ ወዲ እቲ ሃገር ዝዀነ ሓው ኣብ ከተማ ክዛወር ከሎ: እቲ ሓው ብኢዱ ምስ ሓዞ ሰንበደ።
ኣብ ሓደ ብዙሕ ህዝቢ ዘለዎ ጐደና ምስ ካልእ ሰብኣይ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝካ ኣብ ከተማ ምዝዋር ንስቲቨን ዘሰንብድ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ናቱ ባህሊ ከምዚ ዝኣመሰለ ልምዲ ምስ ግብሪ ሶዶም ኢዩ ዝተሓሓዝ። (ሮሜ 1:27) ነቲ ኣፍሪቃዊ ሓው ግን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝካ ምኻድ ንጹህ ዝዀነ ናይ ዕርክነት ምልክት ኢዩ። ምትሕሓዝ ምእባይ ማለት ከኣ ነቲ ዕርክነት ምንጻጉ ኢዩ ዝሕሰብ።
ናይ ባህሊ ፍልልያት ከገድሰና ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧ ቅድም ቀዳድም ህዝቢ የሆዋ ነቲ ‘ካብ ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ክገብሩ’ እተነግሮም መለኮታዊ ትእዛዝ ክፍጽሙ ልባዊ ድሌት ኢዩ ዘለዎም። (ማቴዎስ 28:19) ገሊኣቶም ነዚ ዕማም እዚ ንምፍጻም ኣብቲ ዝያዳ ኣገልገልቲ ዝድለይሉ ቦታ ከይዶም ንምግልጋል ዓዲ ቀይሮም ኢዮም። ኣብቲ ሓድሽ ከባቢኦም ዕዉታት ኰይኖም ምእንቲ ክርከቡ ነቲ ዘጋጥሞም ፍሉይ ባህልታት ክርድእዎን ክለማመዱን የድልዮም። ከምዚ ምስ ዝገብሩ ምስቶም ብጾቶም ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ተሰማሚዖም ክዓዩ: ኣብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎቶም ከኣ ዝያዳ ስሉጣት ክዀኑ ይሕግዞም።
ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብዛ ህውከት ዝመልኣ ዓለም: ብዙሓት ሰባት ብምኽንያት ፖለቲካውን ቍጠባውን ቅልውላው ካብ ዓዶም ተሰዲዶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ይነብሩ ኣለዉ። ስለዚ እምበኣር ነዞም ሓደስቲ ጐረባብቲ ክንሰብከሎም ከሎና ምስ ሓድሽ ዓይነት ልምዲ ንጋጠም ከም ዘሎና ብርግጽ ክንግንዘብ ኢና። (ማቴዎስ 22:39) ኣብ ፈለማ ምስቲ ካብ ናትና እተፈለየ ሓድሽ ባህልታት ክንጋጠም ከሎና ምድንጋር ክፈጥረልና ይኽእል ኢዩ።
ብንጹር እተገልጸ መዳያት
ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ብባህሊ እተቐርጸ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: “እምብዛ ጻድቕ” ምዃንን ንነፍሲ ወከፍ ደቂቕ ልምዲ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሰማማዕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ምምርማርሲ ክሳዕ ክንደይ ፍረ ዘይብሉ ተግባር ኰን ኢዩ!—መክብብ 7:16
በቲ ሓደ ሸነኽ ግን ነቲ ምስ መለኮታዊ ስርዓታት ዝጻረር ናይ ከባቢ ልምድታት ፈሊና ከነለልዮ ኣድላዪ ኢዩ። ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ ግን እዚ ምግባር ከቢድ ኣይኰነን: ምኽንያቱ ቃል ኣምላኽ “ንምቕናዕ” ዝጠቅም ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ንኣብነት ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ብዙሓት ኣንስቲ ምእታው ብልምዲ ቅቡል ኢዩ: ንሓቀኛታት ክርስትያናት ግን እቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ መለክዒ ሓደ ሰብኣይ ሓንቲ ህያው ሰበይቲ ጥራይ ክትህልዎ ኣለዋ ዝብል ኢዩ።—ዘፍጥረት 2:24፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:2
ብተመሳሳሊ መገዲ: ገለ ናይ ቀብሪ ልምድታት እኩይ መንፈስ ንምርሓቕ ተባሂሉ ምስ ዝግበር: ወይ ከኣ ዘይትመውት ነፍሲ ኣብ ዝብል እምነት እተመስረተ ምስ ዝኸውን ብሓደ ሓቀኛ ክርስትያን ዘይቅቡል ኢዩ። ገለ ሰባት እኩይ መንፈስ ንምርሓቕ ብዝብል ዕላማ ነቲ ዝሞተ ሰብ ዕጣን ወይ ከኣ ጸሎት የዕርግሉ። ካልኦት ከኣ እቲ ዝሞተ ኣብቲ ‘ዝመጽእ ዓለም’ ንዘሕልፎ ናብራ ከዳልውዎ ብዝብል ዕላማ ንብዙሕ ሰዓታት ኮፍ ኢሎም ይሕልውዎ ወይውን ካልኣይ ቀብሪ ይገብሩሉ። ይኹን እምበር: ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህሮ ሓደ ሰብ ምስ ዝመውት ‘ገለ እኳ ስለ ዘይፈልጥ’ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ሕማቕ ወይ ጽቡቕ ክገብር ኣይክእልን ኢዩ።—መክብብ 9:5፣ መዝሙር 146:4
ርግጽ ኢዩ: ምስ ቃል ኣምላኽ ዝሰማማዕ ብዙሕ ልምድታት ኣሎ። ኣብቲ ብመሰረት ልምዲ ናይቲ ከባቢ ንሓደ ጋሻ ምዉቕ ሰላምታ ዝወሃበሉ: ኣድላዪ ምስ ዝኸውን እውን ዝእንገደሉ: ናይ ምቕባል ጋሻ ባህሪ ዘይጠፍኣሉ ባህልታት ከጋጥመና ከሎስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ መንፈስካ ዘሐድስ ኰን ኢዩ! ብብሕትኻ ከምዚ ዝበለ ኣቀባብላ ተገይሩልካ እንተድኣ ኰይኑ ነዚ ኣብነት እዚ ንምስዓብ ኣይትድረኽንዶ፧ ከምኡ እንተድኣ ገይርካ ንክርስትያናዊ ባህርያትካ ከም ዘመሓይሸልካ እተረጋገጸ ኢዩ።—እብራውያን 13:1, 2
መን ካባና ኢዩ ንሰብ ክጽበ ዝፈቱ፧ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ቈጸራ ምኽባር ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ገይርካ ስለ ዝርአ ምጽባይ ዝበሃል ዳርጋ ኣየጋጥምን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: የሆዋ ናይ ስርዓት ኣምላኽ ከም ዝዀነ ይነግረና። (1 ቈረንቶስ 14:33) ስለ ዝዀነ ኸኣ እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ዝውድኣሉ ‘መዓልትን ሰዓትን’ መዲቡ ኣሎ: እዚ ዝፍጸመሉ ግዜ ከም ‘ዘይድንጒ’ ኸኣ የረጋግጸልና። (ማቴዎስ 24:36፣ ኣንባቆም 2:3) ምኽንያታዊ ዝዀነ ቈጸራ ምኽባር ክህሉ ዘተባብዕ ባህሊ ብስርዓት ክንመላለስ: ንኻልኦት ሰባትን ግዜኦምን ከኣ ግቡእ ክብሪ ከነርኢ ይሕግዘና: እዚ ባህርያት እዚ ኸኣ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብርግጽ ዝሰማማዕ ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 14:40፣ ፊልጲ 2:4
ብዛዕባ እቲ ጐዳኢ ዘይኰነ ልምድታትከ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧
ገለ ልምድታት ምስ ክርስትያናዊ ናብራ ብንጹር ዝሰማማዕ ክኸውን ከሎ ገሊኡ ግን ኣይሰማማዕን ኢዩ። ይኹን እምበር: ብዛዕባ እቶም ከም ጽቡቕ ወይ ከም ሕማቕ ገይርካ ክርኣዩ ዘይክእሉ ልምድታትከ እንታይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል፧ መብዛሕትኡ ልምድታት ጕድኣት ዘይብሉ ኢዩ: እቲ ብዛዕብኡ ዘሎና ኣመለኻኽታ ኸኣ እንታይ ዓይነት መንፈሳዊ ሚዛን ከም ዘሎና ክገልጽ ይኽእል ኢዩ።
ንኣብነት ብዙሕ ናይ ሰላምታ ዓይነት ኢዩ ዘሎ። እዚ ኸኣ ከም ብኢድ ምጭብባጥ: ድንን ምባል: ምስዕዓም: ወይ ከኣ ምትሕቝቛፍ ዝኣመሰለ ኢዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ ንናይ መኣዲ ስርዓት ሓዊስካ ብዙሕ ዓይነት ልምድታት ኢዩ ዘሎ። ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ሰባት ኣብ ሓደ ናይ ሓባር መብልዒ እንጀራ ወይ ሸሓኒ ተኣኪቦም ኢዮም ዝበልዑ። ኣብ ሓድሓደ ሃገራት ምጕሳዕ ቅቡል ናይ ምምሳው መግለጺ ኢዩ: አረ ከም ተበሃጊ ነገር ጌርካ እውን ኢዩ ዝርአ: ኣብ ካልኦት ሃገራት ግን ተቐባልነት የብሉን: ከም ስድነት ከኣ ኢዩ ዝውሰድ።
ካብዚ ጐዳኢ ዘይኰነ ልምድታት እዚ ብብሕትኻ እትፈትዎን እትጸልኦን ኣብ ክንዲ ምውሳን ኣብዚ ልምድታት እዚ ግቡእ ኣመለኻኽታ ከተማዕብል ጸዓር። እቲ ግዜ ዘይግድቦ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ “ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዐመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ: ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርአዮ” ብምባል ይምሕጸነና። (ፊልጲ 2:3) ብተመሳሳሊ መገዲ ኤሊነር ቦኢኪን ኣብታ ዚስ ወይ ፕሊስ—አ ቡክ ኦቭ ማነርስ እትበሃል መጽሓፋ [እንግሊዝኛ] “ብቐዳምነት ክህልወካ ዘድሊ ነገር ሕያዋይ ልቢ ኢዩ” በለት።
እዚ ትሕትና ዘለዎ ኣመለኻኽታ እዚ ነቲ ናይ ካልኦት ልምድታት ኣቃሊልና ንኸይንርእዮ ይሕግዘና። ንዅሉ እቲ ካብቲ ናትና እተፈለየ ዝመስል ነገር ብዓይኒ ጥርጠራ ኣብ ክንዲ እንርእዮ: ካልኦት ሰባት ብኸመይ ከም ዝነብሩ ንኽንፈልጥ ተበግሶ ክንወስድ: ከምቲ ልምድታቶም ክንገብር: ንመግቦም ከኣ ክንጥዕሞ ኢና። ሰፊሕ ኣመለኻኽታ ብምሓዝን ሓድሽ ነገራት ንምፍታን ከኣ ፍቓደኛታት ብምዃንን: ነቶም ዘአንገዱና ሰባት ወይ ከኣ ነቶም ወጻእተኛታት ጐረባብትና ክብሪ ከነርእዮም ንኽእል ኢና። ልብናን ኣተሓሳስባናን ‘ከነግፍሕ’ ከሎና ንገዛእ ርእስና እውን ንጠቅም ኢና።—2 ቈረንቶስ 6:13
እቲ ልምዲ ንመንፈሳዊ ዕቤት ዝዓናቕፍ ምስ ዝኸውን
ኣንጻር ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይኰኑ ክነሶም መንፈሳዊ ዕቤት ንምግባር ዘይሕግዙ ልምድታት ምስ ዘጋጥሙናኸ፧ ንኣብነት ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ዝነብሩ ሰባት ሎሚ ጽባሕ ዝብል ናይ ምድንጓይ ልምዲ ኣለዎም። ከምዚ ዝበለ ግዲ ዘይብልካ ኴንካ ምንባር ካብ ምጭናቕ ከድሕነካ ዝኽእል እኳ እንተዀነ ኣገልግሎትና ‘መሊእና’ ንኸይንፍጽም ዓቢ ጸገም ኢዩ ዝፈጥረልና።—2 ጢሞቴዎስ 4:5
ካልኦት ሰባት ነቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት “ጽባሕ” ክገብሮ ኢየ እናበልካ ናይ ምድንጓይ ልምዲ ንኸርሕቕዎ ብኸመይ ከነተባብዖም ንኽእል፧ “ብቐዳምነት ክህልወካ ዘድሊ ነገር ሕያዋይ ልቢ” ምዃኑ ኣይትረስዕ። ብፍቕሪ ተደሪኽና ኣብነት ክንገድፍ ንኽእል ኢና: ነቲ ሎሚ ክግበር ዘለዎ ነገር ናብ ጽባሕ ዘይምምሕልላፉ ዝህቦ ጥቕሚ ኸኣ ብሕያውነት ንግለጸሎም። (መክብብ 11:4) ምስናይዚ ግን ውጽኢት ንምርካብ ክንብል ነቲ ዝነበረና ናይ ሓድሕድ ምትእምማን ከይነጥፍኦ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ርእይቶታትና ብኻልኦት ብኡንብኡ ተቐባልነት እንተድኣ ዘይረኺቡ: ክንጕይተተሎም ወይ ከኣ መውጽእ ሕርቃንና ክንገብሮም የብልናን። ፍቕሪ ኵሉ ግዜ ካብቲ ክርከብ ተደልዩ ዘሎ ውጽኢት ንላዕሊ ክትርአ ኣለዋ።—1 ጴጥሮስ 4:8፣ 5:3
ነቲ ናይ ከባቢ ምርጫ ኣብ ግምት ምእታው
ዝዀነ ይኹን እነቕርቦ ርእይቶ መሰረት ዘለዎ ድኣ እምበር ናትና ምርጫ ተቐባልነት ከም ዝረክብ ንምግባር ከም ዘይኰነ ከነረጋግጽ ኣሎና። ንኣብነት: እተፈላለየ ኣገባብ ኣከዳድና ኢዩ ዘሎ። ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ወዲ ተባዕታይ ብስራት መንግስቲ ክሰብኽ ከሎ ክራባታ ገይሩ ክኸይድ ልሙድ ኢዩ: ኣብ ገለ ካብተን ኣብ ትሮፒክ ዝርከባ ሃገራት ግን ካብ መጠን ዝሓለፈ ወግዓዊ ኣከዳድና ከም ዝዀነ ገይርካ ኢዩ ዝርአ። እቲ ምስ ብዙሓት ሰባት ዝራኸብ ግምት ዝወሃቦ በዓል ሞያ ዝኽደኖ ግቡእ ኣከዳድና ከም ኣብነት ምውሳዱ ናይቲ ከባቢ ምርጫ ኣብ ግምት ንምእታው ጽቡቕ ክሕግዝ ዝኽእል ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ተኣፋፊ ዝዀነ ናይ ኣከዳድና ጕዳይ “ጥቁው ኣእምሮ” (NW ) ክህልወና ኣድላዪ ኢዩ።—1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10
ሓደ ልምዲ ዘይፍተወና ምስ ዝኸውንከ፧ ከይተዘራረብና ብኡንብኡ ክንነጽጎዶ ይግብኣና ኢዩ፧ ኣይግብኣናን ኢዩ። ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ: ብፍላይ ኣብቲ ናይ ኣፍሪቃ ማሕበረሰብ ደቂ ተባዕትዮ ኣእዳዎም ተተሓሒዞም ክኸዱ ምሉእ ብምሉእ ተቐባልነት ዘለዎ ልምዲ ኢዩ። እቲ ሚስዮናዊ: ካልኦት ሰብኡትውን ኣእዳዎም ተተሓሒዞም ክኸዱ ምስ ረኣየ ፍዅስ ኢልዎ ኢዩ።
ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ እዋን እቲ ሰፊሕ ዝዀነ ሚስዮናዊ ጕዕዝኡ: እተፈላለየ መበቈል ብዝነበሮም ሰባት ዝቘማ ጕባኤታት በጺሑ ኢዩ። ብተደጋጋሚ ናይ ባህሊ ግጭት ከም ዝነበረ ኣይጠራጥርን ኢዩ። ስለዚ ድማ ጳውሎስ: ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ጠቢቑ እናሰዓበ ምስ ኵሉ ዓይነት ባህልታት ተሰማሚዑ ይመላለስ ነበረ። “ብዅሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኸድሕን: ንዅላቶም ኵሉ ዀንኩ” በለ።—1 ቈረንቶስ 9:22, 23፣ ግብሪ ሃዋርያት 16:3
ሓድሽ ልምዲ ከጋጥመና ከሎ ብኸመይ ክንርእዮ ከም ዘሎና ንምውሳን ክሕግዘና ዝኽእል ገለ ኣገደስቲ ሕቶታት እንሆ:- ንሓደ ዓይነት ልምዲ ብምቕባልና—ወይ ከኣ ብዘይምቕባልና—ኣብቶም ተዓዘብቲ እንታይ ዓይነት ድራኸ ኢና እነሕድር፧ ምስቲ ባህሎም ክንለማመድ ምፍታንና ብምርኣዮም በቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ መልእኽቲ ይሰሓቡ ደዀን ይዀኑ፧ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ናይቲ ከባቢ ልምዲ ብምቕባልና ‘ኣገልግሎትና ይጽረፍ’ ደዀን ይኸውን፧—2 ቈረንቶስ 6:3
‘ንዅላቶም ዅሉ ክንከውን’ ንጽዕር እንተድኣ ዄንና: ብዛዕባ እቲ ግቡእን ዘይግቡእን ነገራት ዘሎና ኣዕሚቑ ሱር ዝሰደደ ኣመለኻኽታ ክንቀያይር ከድልየና ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ: ሓደ ነገር ንምግባር “ቅኑዕ” ወይ ከኣ “ጌጋ” ኢዩ ክበሃል ዝከኣል ኣብቲ እንነብረሉ ዘሎና ከባቢ እተመርኰሰ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ሓደ ሃገር ሰብኡት ኣእዳዎም ተተሓሒዞም ክኸዱ ናይ ዕርክነት ምልክት ክኸውን ከሎ: ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ግን ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ዕንቅፋት ክኸውን ከም ዝኽእል እተረጋገጸ ኢዩ።
ኣብ ብዙሕ ቦታታት ተቐባልነት ዘለዎ እሞ ክርስትያናት እንተ ኣንጸባረቕዎ እውን ጽቡቕ ዝዀነ ግናኸ ጥንቃቐ ክንገብረሉ ዝግብኣና ካልእ ልምድታት ከኣ ኣሎ።
ካብ ደረት ከይትሓልፍ ተጠንቀቕ!
የሱስ ክርስቶስ: ደቀ መዛሙርቱ ካብ ዓለም ክወጹ ዘይክእሉ እኳ እንተዀኑ ‘ካብ ዓለም ብዘይምዃን’ ክመላለሱ ከም ዘለዎም ተዛሪቡ ኢዩ። (ዮሃንስ 17:15, 16) ይኹን እምበር: ሓድሓደ ግዜ ኣብ መንጎ እቲ ቀንዲ ክፍሊ ናይ ሰይጣን ዓለምን ኣብ መንጎ እቲ ተራ ባህልን ዘሎ ደረት ንምፍላጡ ቀሊል ኣይኰነን። ንኣብነት ሙዚቃን ሳዕስዒትን እንተድኣ ወሲድና ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ገይርካ እኳ ዝውሰድ እንተዀነ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ባህልታት ሰሪጹ ዝርከብ ኢዩ።
ኣብ ክንዲ ኣብቲ ርጡብ ዝዀነ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያታት ኣብ ኣተዓባብያና ተመርኲስና ውሳነ ክንገብር ይቐለና ይኸውን። ኣሌክስ እተባህለ ጀርመናዊ ሓው: ኣብ እስጳኛ ከገልግል ተመደበ። ኣብቲ ቅድም ዝነብረሉ ዝነበረ ቦታ ሳዕስዒት ክሳዕ ክንድቲ ልሙድ ኣይነበረን: ኣብ እስጳኛ ግን ክፍሊ ናይቲ ባህሊ ኢዩ። ሓደ ሓውን ሓንቲ ሓብትን ብርቱዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘለዎ ናይቲ ዓዲ ባህላዊ ሳዕስዒት ክስዕስዑ ምስ ረኣዮም ደንጸዎ። እዚ ሳዕስዒት እዚ ጌጋ ድዩ: ወይ ከኣ ምናልባት ናይ ዓለም ድዩ፧ ነዚ ልምዲ እዚ እንተድኣ ተቐቢልዎኸ ንክርስትያናዊ መለክዒታቱ የሕስር ደዀን ይኸውን፧ ኣሌክስ: ሽሕኳ እቲ ሙዚቃን ሳዕስዒትን ካብቲ ንሱ ዝፈልጦ እተፈልየ ኰይኑ እንተ ረኸቦ: እቶም ደቂ እስጳኛ ዝዀኑ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ንክርስትያናዊ መለክዒታት የሕስሩ ኣለዉ ኢሉ ዝፈርደሉ ምንም ምኽንያት ከም ዘይብሉ ተማህረ። ክድንጽዎ ዝኸኣለ ካብቲ ናቱ እተፈልየ ባህሊ ብምዃኑ ጥራይ ኢዩ።
ይኹን እምበር: ነቲ ባህላዊ ናይ እስጳኛ ሳዕስዒት ዝፈቱ ኤሚልዮ እተባህለ ሓው: ሓደጋ ከም ዘሎ ክግንዘብ ክኢሉ ኢዩ። ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ከም እተዓዘብክዎ መብዛሕትኡ ዓይነት ሳዕስዒታት ነቶም ኣንጻር ጾታ ዝዀኑ ሰባት ንሓድሕዶም ክተናኸፉ ዝሓቶም ኢዩ። ንጽል ከም ምዃነይ መጠን ከኣ እዚ ካብቶም ሓቢሮም ዝስዕስዑ ኣንጻር ጾታ እንተወሓደ ንሓዲኦም ስምዒቱ ከለዓዕለሉ ከም ዝኽእል ተገንዚበ ኢየ። ሓድሓደ ግዜ ሳዕስዒት ንሓንቲ ዝሰሓበትካ ሰብ ከም ዝፈተኻያ ክትገልጸሉ እትኽእል ኣጋጣሚ ገይርካ ክዝውተር እውን ይከኣል ኢዩ። እቲ ሙዚቃ ንጹህ ምዃኑን ኣካላዊ ምትንኻፍ ድማ ደረት ዘለዎ ምዃኑ እንተድኣ ተረጋጊጹ: ዕቝባ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ንጽል ዝዀኑ መንእሰያት ኣሕዋትን ኣሓትን ብጕጅለ ዀይኖም ሓቢሮም ዝስዕስዑ እንተድኣ ኰይኖም: ቲኦክራሲያዊ ሃዋሁ ክሰፍን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።”
ዓለማዊ ጠባያት ንምንጽብራቕ ኢልና ነቲ ዘሎና ባህሊ ከም ምኽንያት ክንጥቀመሉ ኣይንደልን ኢና። መዝሙርን ሳዕስዒትን ኣብ ናይ እስራኤላውያን ባህሊ ቦታ ነይርዎ ኢዩ: እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ወጺኦም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓርነት ምስ ረኸቡ: ነቲ ዘብዓልዎ በዓል ብደርፍን ሳዕስዒትን ኣሰነይዎ። (ዘጸኣት 15:1, 20) ይኹን እምበር: ሙዚቃኦምን ሳዕስዒቶምን ካብታ ኣብ ዙርያኦም ዝነበረት ኣረማዊት ዓለም እተፈልየ ኢዩ ነይሩ።
እቲ ዘሕዝን ግን: እስራኤላውያን ንሙሴ ካብ ከረን ሲና ክምለስ ክጽበይዎ ከለዉ ትዕግስቶም ተወድአ እሞ ወርቃዊ ምራኽ ገበሩ: ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ድማ “ኪስሓቑ . . . ተንስኡ።” (ዘጸኣት 32:1-6) ሙሴን እያሱን ነቲ ድምጺ ደርፎም ምስ ሰምዕዎ: ተረበሹ። (ዘጸኣት 32:17, 18) እቶም እስራኤላውያን ነቲ “ደረት” እቲ ጠሓስዎ: ደርፎምን ሳዕስዒቶምን ከኣ ነታ ኣብ ዙርያኦም ዝነበረት ኣረማዊት ዓለም ከንጸባርቕ ጀመረ።
ሎሚውን ብተመሳሳሊ: ሙዚቃን ሳዕስዒትን ብሓፈሻዊ መገዲ ኣብ ከባቢና ተቐባልነት ዘለዎ: ንሕልና ናይ ካልኦት ሰባት ድማ ዘይዕንቀፍ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ነቲ መብራህቲ ጭልምልም ከም ዝብል ብምግባር ካልእ ውልዕ ጥፍእ ዝብል መብራህቲ ምስ ዝውሰኾ ወይ ከኣ ኣወቓቕዓ ናይቲ ሙዚቃ እተፈልየ ምስ ዝኸውን: እቲ ቅድሚ ሕጂ ቅቡል ገይርካ ዝርአ ዝነበረ ሎሚ መንፈስ ዓለም ዘንጸባርቕ ክኸውን ይኽአል ኢዩ። “ባህልና ኢዩ” ኢልና ንካታዕ ንኸውን። ኣሮን ብጌጋ “ንእግዚኣብሄር በዓል እዩ” ኢሉ ብምግላጽ ነቲ ኣረማዊ መልክዕ ዝነበሮ መዘናግዕን ኣምልኾን ክቕበሎ ኸሎ ተመሳሳሊ ዝዀነ ምኽንያት ኣቕሪቡ ኢዩ። እዚ ዕባራ ምኽንያት እዚ መሰረት ኣይነበሮን። ከመይሲ እቲ ጠባዮም “ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ንመነወሪ” ከም ዝዀኖም ኢዩ ዝርአ ነይሩ።—ዘጸኣት 32:5, 25
ባህሊ ቦትኡ ኣለዎ
ካብቲ ናትና እተፈልየ ባህሊ ከጋጥመና ከሎ መጀመርታ የሰንብደና ይኸውን: ይኹን እምበር: ኵሉ ተቐባልነት የብሉን ማለት ኣይኰነን። በቲ ‘እተለማመደ ናይ ምስትውዓል’ ክእለትና ተጠቒምና ምስ ክርስትያናዊ ስርዓታት ዝሰማማዕን ዘይሰማማዕን ባህሊ ክንፈላሊ ንኽእል ኢና። (እብራውያን 5:14 NW ) ንብጾትና ብፍቕሪ ዝመልአ ሕያዋይ ልቢ ነርእዮም እንተድኣ ዄንና: ጕድኣት ዘይብሉ ልምዲ ከጋጥመና ኸሎ ግቡእ ዝዀነ ምላሽ ክንህብ ኢና።
ኣብ ከባቢና ንዘለዉ ሰባት ወይ ከኣ ኣብ ወጻኢ ሃገር ኬድና ብስራት መንግስቲ ክንሰብኽ ከሎና ንዘጋጥመና እተፈላለየ ዓይነት ባህልታት ብሚዛናዊ መገዲ ምስ እንምልከቶ “ንዅላቶም ኵሉ” ክንከውን ከኽእለና ኢዩ። ነቲ እተፈላለየ ባህልታት ምስ እንቕበሎ ድማ: ትርጕም ዘለዎን ባህ ዘብልን ዝማርኽን ህይወት ንኽህልወና ከም ዝሕግዝ ኣየጠራጥርን ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
ክርስትያናዊ ሰላምታታት ግቡእ ብዝዀነ ብዙሕ መገድታት ክግለጽ ይከኣል ኢዩ
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ንእተፈላለየ ባህልታት ሚዛናዊ ዝዀነ ኣመለኻኽታ ምሓዝ ትርጕም ዘለዎን ባህ ዘብልን ህይወት ንኽህልወካ ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ