ፍቓድ የሆዋ ገይሮም
እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ትሕትና ዝመልኦ ኣገልግሎት ፈጸመ
የሱስ እተን ምስ ሃዋርያቱ ዘሕልፈን ናይ መወዳእታ ሰዓታት ክቡራት ምዃነን ይፈልጥ ነበረ። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ክእሰር ኢዩ: እምነቱ ኸኣ ቅድሚኡ ኰይኑ ብዘይፈልጥ መገዲ ክትፍተን ኢያ። የሱስ ኣብ ቅድሚኡ ዓቢ በረኸት ይጽበዮ ከም ዝነበረ እውን ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ክብል ኢዩ: “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ . . . ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን” ክወሃቦ ኢዩ።—ፊልጲ 2:9, 10
እንተዀነ ግን: ጭንቀት ናይቲ ዝቐርብ ዝነበረ ሞቱ ኰነ ነቲ ክረኽቦ ዝጽበዮ ዓስቡ ዝነበሮ ህንጥዮት ብዛዕባ እቲ ንሃዋርያቱ ዘድልዮም ነገራት ካብ ምሕሳብ ኣይዓገቶን። ዮሃንስ ጸኒሑ ኣብቲ ዝጸሓፎ ወንጌል “ኽሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም” ብምባል መዝጊብዎ ኣሎ። (ዮሃንስ 13:1) የሱስ ኣብቲ ከም ፍጹም ሰብ ኰይኑ ዘሕለፎ ህይወቱ ዝነበራ ናይ መወዳእታ ወሰንቲ ሰዓታት ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ ማሃሮም።
ብዛዕባ ትሕትና እተዋህበ ትምህርቲ
እቶም ሃዋርያት ፋስጋ ከብዕሉ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ሓደ ደርቢ ምስ የሱስ ነበሩ። ኣቐድም ኣቢሉ መኖም ከም ዝዓቢ ክካራኸሩ ኸለዉ ሰሚዕዎም ነበረ። (ማቴዎስ 18:1፣ ማርቆስ 9:33, 34) የሱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ምስኦም ተመያይጥሉ ነይሩ: ከምኡውን ነቲ ዝነበሮም ኣረኣእያ ከዐርዮ ጻዕሪ ገይሩ ኢዩ። (ሉቃስ 9:46) ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ግን ነቲ ኣቐዲሙ ዝመሃሮም ነገራት ብእተፈልየ ዓይነት ኣቀራርባ ኢዩ ኣጕሊሕዎ። ብዛዕባ ትሕትና ምንጋር ጥራይ ዘይኰነስ ብመርኣያ ከቕርበሎም መረጸ።
ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ካብ ድራር ተንሲኡ ኽዳውንቱ ኣንበረ: ዓለባ ኣልዒሉውን ተዐጥቀ። ደሓር ማይ ኣብ ገበራ ኣዕሪቑ: ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኺሐጽብን በቲ እተዐጥቆ ዓለባ ገይሩ ኺደርዝን ጀመረ።”—ዮሃንስ 13:4, 5
ኣብቲ ምዉቕ ናይ ኣየር ኵነታት ዝነበሮ ናይ ቀደም ማእከላይ ምብራቕ: ሰባት ኣብቲ ዶራን መገዲ ክኸዱ ከለዉ መብዛሕትኡ ግዜ ሰንደል ኢዮም ዝወድዩ ነይሮም። ኣብ ቤት እንዳ ተራ ሰብ ክኣትዉ ከለዉ: እቲ በዓል ቤት ኣእጋሮም ምእንቲ ክሕጸቡ ሸሓንን ማይን ይቕርበሎም ነበረ። እቶም ሰብ ቤት ርኹባት ምስ ዝዀኑ ግን ምሕጻብ እግሪ ዕዮ ናይ ባርያ ኢዩ ነይሩ።—መሳፍንቲ 19:21፣ 1 ሳሙኤል 25:40-42
የሱስን ሃዋርያቱን ናብዚ ደርቢ ተዓዲሞም ኣይኰኑን መጺኦም። ሸሓኒ ዝቕርብ በዓል ቤት ኰነ እግሪ ዝሓጽብ ባርያ ኣይነበረን። የሱስ ኣእጋሮም ክሓጽብ ምስ ጀመረ: እቶም ሃዋርያት ሓፈሩ። እቲ ካብኦም ዝዓበየ ሰብኣይ ነቲ ዝተሓተ ዕዮ ክዓዪ ጀመረ!
ኣብ መጀመርታ ጴጥሮስ ኣእጋሩ ብየሱስ ምሕጻብ ኣበየ። የሱስ ግን “ኣነ እንተ ዘይሐጸብኩኻስ: ምሳይ ግደ የብልካን” ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ናይ ኵሎም ሃዋርያቱ ኣእጋር ሓጺቡ ምስ ወድአ ከምዚ በሎም:- “እዚ ዝገበርኩልኩምሲ ትፈልጥዎዶ አሎኹም፧ . . . ንስኻትኩም መምህርን ጐይታን ትብሉኒ አሎኹም: ኣነ ኸምኡ እየ እሞ: ጽቡቕ በልኩም። ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ: ኣእጋርኩም ካብ ሐጸብኩስ: ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ: ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ እሞ: ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሐጽቡ ይግብኣኩም እዩ።”—ዮሃንስ 13:6-15
የሱስ ናይ እግሪ ምሕጻብ ልምዲ ኣይኰነን ዘተኣታቱ ዝነበረ። ኣብ ክንድኡስ ሃዋርያቱ ሓድሽ ኣረኣእያ ከማዕብሉ ኢዩ ዝሕግዞም ዝነበረ። እዚ ኸኣ ምእንቲ ኣሕዋቶም ኢሎም ነቲ ሕሱር ዝበሃል ዕዮ ንኽዓዩ ትሑታትን ፍቓደኛታትን ክዀኑ ኢዩ። ብርግጽ ከኣ እቲ ክመሓላለፍ እተደልየ ትምህርቲ ተረዲእዎም ኢዩ። ድሕሪ ገለ ዓመታት ብዛዕባ ግዝረት ሕቶ ምስ ተላዕለ እተፈጸመ ነገር እሞ ርአ። ሽሕኳ “ብዙሕ ክትዕ” እንተ ነበረ: እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ስርዓት ነበሮም: ሓደ ናይቲ ሓደ ኣረኣእያ ብኣኽብሮት ይሰምዕ ነበረ። ብተወሳኺውን: ነቲ ኣኼባ ዘወሃህድ ዝነበረ እቲ ወደ መዝሙር ያእቆብ ኢዩ ዝመስል። ያእቆብ ሓደ ካብቶም ሃዋርያት ብዘይምዃኑ እቶም ሃዋርያት ከለዉ ንሱ ነቲ ኣኼባ ከወሃህድ ንሕና ዘይንጽበዮ ነገር ኢዩ። እዚ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዝርከብ ጸብጻብ እቶም ሃዋርያት ትሕትና ኣብ ምርኣይ ዓቢ ምዕባለ ከም ዝገበሩ ዝሕብር ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:6-29
ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ
የሱስ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ብምሕጻብ ብዛዕባ ትሕትና ሓያል ትምህርቲ ኢዩ ሂቡ። ክርስትያናት ተደለይቲ ከም ዝዀኑ: ካልኦት ከኣ ከገልግልዎም ከም ዘለዎም ገይሮም ክሓስቡ ኰነ ክብረትን ዝናን ክረኽቡ ኢሎም ክምነዩ ከም ዘይብሎም ርግጽ ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ነቲ የሱስ ዝገደፈሎም ኣብነት ክስዕቡ ኣለዎም። ንሱ “ኼገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር: ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን።” (ማቴዎስ 20:28) እወ: ሰዓብቲ የሱስ ንሓድሕዶም እቲ ዝተሓተ ኣገልግሎት ክገብሩ ፍቓደኛታት ክዀኑ ኣለዎም።
ጴጥሮስ ‘ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓቶም: ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ: ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ: ትሕትና ተዐጠቑ’ ኢሉ ክጽሕፍ ዘኽእሎ ብቑዕ ምኽንያት ነይርዎ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 5:5) እታ “ተዐጠቑ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ካብ “ናይ ባርያ ግርምብያለ” ዝብል ትርጕም ዘለዋ ቃል ዝመጸት ኢያ። ኣብ ትሕቲ እዚ ግርምብያለ ኸኣ ካልእ ክዳን ይዕጠቑ ነበሩ። ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዓለባ ተዓጢቑ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ዝሓጸበሉ ፍጻመ ድዩ ዝጠቅስ ዘሎ፧ ብዛዕብኡ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ ኢልካ ኣርጊጽካ ክዝረብ ኣይከኣልን ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ናይ የሱስ ትሕትና ዝመልኦ ኣገልግሎት: ከምቲ ኣብ ልቢ ኵሎም ሰዓብቲ የሱስ ክገድፎ ዘለዎ: ኣብ ልቢ ጴጥሮስ እውን ዘይሃስስ ጦብላሕታ ገዲፉ ኢዩ።—ቈሎሴ 3:12-14