“ነፍሰይ: ንእግዚኣብሄር ባርኺ”
ናንሲ “ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ ኣገልግሎተይ ዘሰልክን ዘየሐጕስን ኰይኑ ኣሎ” ትብል።a ፓይነር ማለት ናይ ምሉእ ግዜ ኣዋጂት እቲ ብስራት ኰይና ካብ እተገልግል ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ዀይኑ ኣሎ። እንተዀነ ግን: ቀጺላ ከምዚ ትብል:- “ኣጋጢሙኒ ዘሎ ኵነታት ባህ ዘየብል ኢዩ። ንመልእኽቲ እታ መንግስቲ ምዉቕ ብዘይኰነን ካብ ልቢ ብዘይመነጨን ስምዒት ዘቕርቦ ዘሎኹ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ። እንታይ እንተ ገበርኩ ይሕሸኒ፧”
ኵነታት ናይቲ ኣብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሽማግለ ኰይኑ ዘገልግል ኪት እውን ርአ። በዓልቲ ቤቱ “ኣብ ካልእ ትሓስብ ነይርካ ክትከውን ኣሎካ። ኣብዚ ሕጂ ዝጸለኻዮ ጸሎት: ኣብ መኣዲ እኳ እንተ ዘየሎና: ብዛዕባ መግቢ ኢኻ ኣመስጊንካ” ምስ በለቶስ ክንደይ ኰን ሰንቢዱ ይኸውን! ኪት “ጸሎተይ ከይሓሰብኩ የቕርቦ ከም ዝነበርኩ ክርዳእ ክኢለ ኢየ” ብምባል ይእመን።
እቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ንምውዳስ እተቕርቦ መግለጺ: ስምዒት ዘይብሉን ከይሓሰብካ ንኣመሉ ዝቐርብን ክኸውን ከም ዘይትደሊ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣ ካብ ናይ ምስጋና ስምዒት ዝፈልፈለ ልባዊ ጸሎት ክኸውን ኢኻ እትደልዮ። ስምዒት ግን ልክዕ ከምቲ ብቐሊሉ እትኽደኖ ወይ እተውጽኦ ክዳን ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ካብ ውሽጢ ዝምንጭ ክኸውን ኣለዎ። ሓደ ሰብ ኣብ ልቡ ናይ ምስጋና ስምዒት ክሓድሮ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ በዚ ጕዳይ እዚ ዝመጸ መዝሙር መበል 103 ዓሚቝ ምስትውዓል ትህበና።
ንመዝሙር መበል 103 ዝጸሓፋ እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ኢዩ። “ነፍሰይ: ንእግዚኣብሄር ባርኺ: ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዅሉውን ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ” ብዝብላ ቓላት ድማ ይጅምር። (መዝሙር 103:1) ሓደ መወከሲ ጽሑፍ “እታ ኣብ ኣምላኽ ውዒላ ዘላ ምብራኽ እትብል ቃል ምውዳስ: ኵሉ ግዜ ንዕኡ ሓያል ፍቕርን ምስጋናን ምርኣይ ማለት ኢያ” ይብል። ዳዊት ፍቕርን ሞሳን ብዝመልአ ልቢ ንየሆዋ ክውድሶ ስለ ዝበሃገ: ንነፍሱ ማለት ንገዛእ ርእሱ “ንእግዚኣብሄር ባርኺ” ብምባል ይምዕዳ። ነቲ ንሱ ዘምልኾ ኣምላኽ ብዝምልከት ኣብ ልቢ ዳዊት ከምዚ ዝኣመሰለ ምዉቕ ስምዒት ከም ዝፍጠር ዝገበረ ግን እንታይ ኢዩ፧
ዳዊት ቀጺሉ “ነቲ [ብየሆዋ] እተገብረልኪ ሰናይ ኵሉ ኸኣ ኣይትረስዒ” ይብል። (መዝሙር 103:2) ካብ ውሽጥኻ ንየሆዋ መመስገኒ ምዃንን ‘ንግብርታቱ’ ብሞሳ ምስትንታንን እተኣሳሰረ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ዳዊት ኣብ ኣእምሮኡ ሒዝዎ ዝነበረ ግብርታት የሆዋ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ንኸም ብኸዋኽብቲ ዝመልአ ደበና ዘይብሉ ሰማይ ዝኣመሰለ ፍጥረት የሆዋ ኣምላኽ ምዕዛብ: ብሓቂ ንኣልባብና ንፈጣሪ ብእነቕርቦ ምስጋና ክመልኦ ይኽእል ኢዩ። እቲ ብኸዋኽብቲ ዝመልአ ሰማይ ንዳዊት ስምዒቱ ተንኪፍዎ ኢዩ። (መዝሙር 8:3, 4፣ 19:1) ዳዊት ኣብ መዝሙር መበል 103 ግን ካልእ ዓይነት ንጥፈት የሆዋ ኢዩ ዝዝክር።
የሆዋ “ንዅሉ ኣበሳኺ ዚሐድገልኪ” ኢዩ
ዳዊት ኣብዛ መዝሙር እዚኣ ንግብርታት ፍቕራዊ ሕያውነት ኣምላኽ ይጽብጽብ። ነቲ ዝበለጸ መዳይ ፍቕራዊ ሕያውነት ኣምላኽ ብምምልካት: “[የሆዋ] ንዅሉ ኣበሳኺ ዚሐድገልኪ” ኢዩ ብምባል ይዝምር። (መዝሙር 103:3) ነቲ ሓጥእ ኵነታቱ ይፈልጦ ምንባሩ እውን እተረጋገጸ ኢዩ። ነብዪ ናታን ብዛዕባ እቲ ዳዊት ምስ ባትሴባ ዝገበሮ ዝሙት ኣመልኪቱ ናብኡ ድሕሪ ምምጽኡ: ዳዊት “ኣነ ንኣኻ [ንየሆዋ] ጥራይ በደልኩ: ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ” ብምባል ሓጥእ ምዃኑ ተኣመነ። (መዝሙር 51:4) ብስቡር ልቢ ከምዚ ዝብል ልመና ኣቕረበ:- “ዎ ኣምላኽ: ከም ሳህልኻ ምሐረኒ: ከምቲ ዓብዪ ርሕራሔኻ ኣበሳይ ደምስስ። ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ: ካብ ሓጢኣተይውን ኣጽርየኒ።” (መዝሙር 51:1, 2) ምሕረት ምስ ተገብረሉስ ክንደይ ኰን ኢዩ ኣመስጊኑ ክኸውን ዘለዎ! ዘይፍጹም ሰብ ብምዃኑ: ኣብ ህይወቱ ካልእ ሓጢኣት እውን ፈጺሙ ኢዩ: ንኽናሳሕን ተግሳጽ ንኽቕበልን መገድታቱ ንኸዐርን ግን ፈጺሙ ኣይሰነፈን። ነቲ ኣምላኽ ዝገበረሉ ዘደንቕ ግብርታት ሕያውነት ምስትንታኑ ንየሆዋ ክባርኾ ደሪኽዎ ኢዩ።
ንሕና እውን ሓጥኣንዶ ኸይኰንና፧ (ሮሜ 5:12) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ከይተረፈ ከምዚ ብምባል ተኪዙ ኢዩ:- “ብናይ ውሽጢ ሰብሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ። ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ: ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ አሎኹ። ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ: ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ እዩ፧” (ሮሜ 7:22-24) የሆዋ ብበደልና ዘይጸባጸበና ምዃኑስ ክንደይ ኰን ኢና መመስገንቲ ክንከውን እንኽእል! ምስ እንናሳሕን ምሕረት ምስ እንሓትትን: የሆዋ ተሓጒሱ ንበደልና ይድምስሶ።
ዳዊት ንገዛእ ርእሱ “[የሆዋ] ንዅሉ ሕማምኪ ዚፍውስ [ኢዩ]” ብምባል የዘኻኽራ። (መዝሙር 103:3) ምፍዋስ ንሓደ ነገር ናብ ዝነበሮ ናይ ምምላስ ተግባር ስለ ዝዀነ: ንበደል ይቕረ ካብ ምባል ንላዕሊ ዘጣምር ኢዩ። ‘ንሕማማት’—ጌጋ መገዲ ብምስዓብና ዝመጽእ ሕማቕ ሳዕቤናት—ምሕካኽ ዘጠቓልል ኢዩ። የሆዋ ንኸም ሕማምን ሞትን ዝኣመሰለ ኣካላዊ ሳዕቤናት ሓጢኣት ኣብታ ባዕሉ ዘዳልዋ ሓዳስ ዓለም ብሓቂ ካብ ስሩ ምሕዩ ከልግሶ ኢዩ። (ኢሳይያስ 25:8፣ ራእይ 21:1-4) ሎሚ እውን እንተዀነ ኣምላኽ ካብ መንፈሳዊ ሕማማት ይፍውሰና ኣሎ። እዚ መንፈሳዊ ሕማማት እዚ ንገሊኣቶም ሰባት ሕማቕ ሕልና ኣስዒቡሎም: ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ ድማ እተበላሸወ ከም ዝኸውን ገይርዎ ኢዩ። በዚ መዳይ እዚ ዝመጸ ነቲ የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና ብብሕቲ ድሮ ዝገበረልና ነገራት ‘ኣይትረስዓዮ።’
ንሱ ‘ንህይወትኪ ዝብጀዋ’ ኢዩ
ዳዊት ‘[የሆዋ] ንህይወትኪ ካብ ጥፍኣት ይብጀዋ’ ኢሉ ይዝምር። (መዝሙር 103:4) “ጥፍኣት” ተራ መቓብር ወድሰብ: ሲኦል ወይ ሃደስ ማለት ኢዩ። ዳዊት ኣብ እስራኤል ንጉስ ቅድሚ ምዃኑ እውን ከይተረፈ: ካብ ኣፍ ሞት ኢዩ ወጺኡ። ንኣብነት: ሳኦል ንጉስ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ዳዊት ክሳዕ ኣብ ምቕታል ዘብጽሕ ጽልኢ ስለ ዘሕደረ: ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክቐትሎ ፈቲኑ ኢዩ። (1 ሳሙኤል 18:9-29፣ 19:10፣ 23:6-28፣ 24:1) ፍልስጥኤማውያን እውን ንዳዊት ክቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ። (1 ሳሙኤል 21:10-15) የሆዋ ግን ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚ ካብ “ጥፍኣት” ኣድሒንዎ ኢዩ። ዳዊት ነዚ ግብርታት የሆዋ እዚ ምስ ዘከሮስ ክንደይ ኰን ኢዩ ብምስጋና መሊኡ ክኸውን ዘለዎ!
ንስኻኸ፧ ኣብ እዋን ጭንቀት ወይ እተፍቅሮ ሰብ ብሞት ምስ ተፈለየካ የሆዋ ሓብሒቡካዶ ኢዩ፧ ወይ ነቲ የሆዋ ኣብዚ ግዜና ንህይወት እቶም እሙናት መሰኻኽሩ ካብ ሞት ዘናገፈሉ ኣጋጣሚታት ብዝምልከት ፍልጠት ረኺብካዶ ኢኻ፧ ምናልባትውን የሆዋ ዝፈጸሞ ተግባራት ድሕነት ዝምልከት ጸብጻብ ኣብዚ መጽሔት እዚ ብምንባብካ ተተንኪፍካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ግዜ ወሲድካ ነቲ እዚ ሓቀኛ ኣምላኽ እዚ ዝፈጸሞ ግብርታት ስለምንታይ ብሞሳ ዘይተስተንትኖ፧ የሆዋ ተስፋ ትንሳኤ ስለ ዝሃበና ኵላትና ንዕኡ ንኸነመስግኖ ምኽንያት ከም ዘሎና ድማ እተረጋገጸ ኢዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15
የሆዋ ህይወት ከምኡውን ንህይወት ዘሐጕስን ባህ ዘብልን ከም ዝኸውን ዝገብር ነገራት ይህበና ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር: ኣምላኽ ‘ብሳህልን ምሕረትን ይኽልለኪ’ ይብል። (መዝሙር 103:4) ሓገዝ ኣብ ዘድልየና እዋን የሆዋ በታ እትርአ ማሕበሩ ከምኡውን በቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ እተሸሙ ሽማግለታት ወይ ጓሶት ኣቢሉ ይሕግዘና ድኣ እምበር ኣይጥንጥነናን ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓገዝ ናይ ገዛእ ርእስና ክብሪ ከይቀነስና ንፈታኒ ኵነታት ክንዋጽኣሉ የኽእለና ኢዩ። ክርስትያን ጓሶት ነተን ኣባጊዕ ኣዝዮም ይሓልዩለን ኢዮም። ነቲ ዝሓመመን እተጨነቐን የተባብዕዎ: ነቶም ዝወደቑ ንምጥዓይ ድማ ዝከኣሎም ኵሉ ይገብሩ። (ኢሳይያስ 32:1, 2፣ 1 ጴጥሮስ 5:2, 3፣ ይሁዳ 22, 23) እዞም ጓሶት እዚኣቶም ነቲ መጓሰ ብድንጋጽን ፍቕርን ክሕዝዎ መንፈስ የሆዋ ይድርኾም ኢዩ። ‘ሳህልን ምሕረትን’ የሆዋ ብሓቂ ልክዕ ከምቲ ዝሽልመናን ዘኽብረናን ኣኽሊል ኢዩ! ንግብርታቱ ከይረሳዕና ንየሆዋን ነቲ ቕዱስ ስሙን ንባርኽ።
ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንገዛእ ርእሱ ክምዕዳ ኸሎ ቀጺሉ “[የሆዋ] ንድሌትኪ ብጽቡቕ ነገር ዜጽግብ እዩ: ንእስነትኪውን ከም ንስሪ ትሕደስ” ብምባል ይዝምር። (መዝሙር 103:5) እቲ የሆዋ ዝህቦ ህይወት ዘዕግብን ዘሐጕስን ነገር ኢዩ። እወ: ፍልጠት ሓቂ ንባዕሉ ዝወዳደሮ ዘይብሉ ሃብትን ምንጪ ሓለፍ ዝበለ ሓጐስን ኢዩ! እቲ የሆዋ ዝሃበና ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ክሳዕ ክንደይ ኣዝዩ ዘዕግብ ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ብዛዕባ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ንኽማሃር ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ምርካብ: እዚ ሰብ እዚ ንየሆዋ ክፈልጦን ክባርኾን ድማ ምሕጋዙ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! ገና ግን: ኣብ ዞባና ዘሎ ዝዀነ ይኹን ሰብ ይስምዓና ኣይስምዓና ብዘየገድስ: ኣብቲ ምስ ምቕዳስ ስም የሆዋን ምርግጋጽ ሉዓላውነቱን እተኣሳሰረ ዕዮ ምክፋል ዓቢ መሰል ኢዩ።
ኣብ ዕዮ ምእዋጅ መንግስቲ ኣምላኽ ጸኒዑ ዝካፈል እሞ ዘይደክም ወይ ዘይሕለል መን ኣሎ፧ የሆዋ ግን ንሓይሊ ኣገልገልቱ ልክዕ ከምቶም ክሳዕ ላዕሊ ሰማይ ምንፋር ዘኽእሎም ብርቱዕ መንፈርፈር ዘለዎም “ንስሪ” ገይሩ ብዘይ ምቍራጽ የሐድሶ ኢዩ። እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ኣገልግሎትና መዓልቲ መዓልቲ ብተኣማንነት ምእንቲ ኽንፍጽም ከምዚ ዝኣመሰለ “ብርታዔ” ስለ ዝህበና ክንደይ ኰን ኢና መመስገንቲ ክንከውን እንኽእል!—ኢሳይያስ 40:29-31
ንመረድኢ:- ክላራ ናይ ምሉእ ግዜ ዓለማዊ ስራሕ ኣለዋ: ብተወሳኺ ድማ ወርሒ ወርሒ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዳርጋ 50 ሰዓታት ተጥፍእ። ከምዚ ድማ ትብል:- “ሓድሓደ ግዜ ደኺመ ክነሰይ ምስ ካልኦት ንኸገልግል ቈጸራ ስለ ዝገበርኩ ጥራይ ሓቦ ገይረ ኣገልግሎት እኸይድ። ኣብ ኣገልግሎት ምስ ተጸመድኩ ግን ኵሉ ግዜ ኢየ ዝባራታዕ።” ንስኻ እውን ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ካብቲ መለኮታዊ ሓገዝ ብርታዐ ረኺብካ ትኸውን ኢኻ። ከምቲ ዳዊት ኣብ መእተዊ እዛ መዝሙር እዚኣ “ነፍሰይ: ንእግዚኣብሄር ባርኺ: ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዅሉውን ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ” ዝበሎ ቓላት ንኽትብል ተደሪኽካ ትኸውን ኢኻ።
የሆዋ ህዝቡ የድሕን
እቲ ጸሓፍ መዝሙር: ከምዚ ኢሉ እውን ይዝምር :- “እግዚኣብሄርሲ ንዅሎም ጥቑዓት ጽድቅን ፍትሕን ይገብር እዩ። መገድታቱ ንሙሴ: ግብርታቱ ንደቂ እስራኤል ኣፍለጠ።” (መዝሙር 103:6, 7) ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜ ሙሴ ንእስራኤላውያን ካብቶም ገፋዕቲ ግብጻውያን ዝወርዶም ዝነበረ ‘መጥቃዕቲ’ ዘኪሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። የሆዋ ብኸመይ ድሕነት ከም ዝፍጽም ንሙሴ ዝሓበረሉ መገዲ ምስትንታኑ: ኣብ ልቢ ዳዊት ናይ ምስጋና ስምዒት ከም ዝፍልፍል ገይሩ ክኸውን ኣለዎ።
ንሕናውን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ምስ እስራኤላውያን ዝገበሮ ርክብ ነስተንትን እንተድኣ ዄንና ከምኡ ዝኣመሰለ ምስጋና ክሓድረና ይኽእል ኢዩ። ከም ኣብታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ምዕራፍ 29ን 30ን ዘሎ ተመክሮታት ዘመናውያን ኣገልገልቲ የሆዋ ከየስተንተናዮ ክንሓልፍ የብልናን። እቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣን ኣብ ካልእ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋትን ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻባት: የሆዋ ነቶም ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ዘለዉ ህዝቡ ማእሰርቲ: ናዕቢ: እገዳታት: ኣብ መዳጐኒ ደምበታት: ከምኡውን ከቢድ ዕዮታት ዝዕየየሉ ደምበታት ንኽጽመሙ ዝሓገዞም መገዲ ንኽንርዳእ የኽእለና። ኣብ ከም ብሩንዲ: ላይቤርያ: ሩዋንዳ ከምኡውን ዩጐዝላቪያ ነበር ዝኣመሰላ ብውግእ እተናወጻ ሃገራት ፈተናታት ነይሩ ኢዩ። መስጐጕቲ ኣብ ዝወረደሉ እዋን: ኢድ የሆዋ ብዘይ ምቍራጽ ምስቶም እሙናት ኣገልገልቱ ነይራ ኢያ። ከምቲ ዳዊት ብዛዕባ እቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ብምውጻእ ዝረኸብዎ ድሕነት ዝገልጽ ጸብጻብ ብምስትንታኑ ልቡ ብምስጋና ዝመልአ: ንሕና እውን ኣብ ግብርታት እቲ ዓቢ ኣምላኽና ዝዀነ የሆዋ ኣዕሚቝና ምስ እንሓስብ ኣልባብና ብምስጋና ክጅርብብ ኢዩ።
የሆዋ ካብ ናይ ሓጢኣት ጾር ከመይ ገይሩ ብለውሃት ከም ዘድሕነና እውን ሕሰብ። ‘ንሕልናና ካብ ምዉት ግብሪ ንኸንጽሆ ደም ክርስቶስ’ ኣዳልዩ ኣሎ። (እብራውያን 9:14) ካብ ሓጢኣትና ምስ እንናሳሕን ብመሰረት እቲ ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ ምሕረት ምስ እንሓትትን: ኣምላኽ ከምቲ “ምብራቕ ካብ ምዕራብ . . . ዚርሕቕ” ንኣበሳና ካባና የርሕቖ እሞ ከም ብሓድሽ ስምረቱ ይህበና። ነቲ የሆዋ ብክርስትያናዊ ኣኼባታት: ሃናጺ ዝዀነ ሕብረት: ኣብታ ጉባኤ ብዘለዉ ጓሶት: ከምኡውን በቲ ካብቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብእንረኽቦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ኣቢሉ ዝገብረልና ምድላዋት ሕስብ እሞ ኣብሎ። (ማቴዎስ 24:45) ኵሉ እዚ ግብርታት የሆዋ እዚ ነቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ ንኸነሐይሎ ዝሕግዘናዶ ኸይኰነ፧ ዳዊት ከምዚ ብምባል ይነግር:- “እግዚኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ: ንዅራ ደንጓዪ: ብሳህሊ ድማ ምሉእ እዩ። . . . ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን: ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን እዩ።” (መዝሙር 103:8-14) ንፍቕራዊ ሓልዮት የሆዋ ምስትንታን ብርግጽ ንዕኡ ንኸነኽብሮን ነቲ ቕዱስ ስሙ ክብ ከነብሎን ክድርኸና ይኽእል ኢዩ።
“ኵሉ ግብርታቱ . . . ንእግዚኣብሄር ባርኹ”
ነቲ ዘይመውት: “ዘለኣለማዊ ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ ርኢኻ: ‘መዓልትታት እቲ [“መዋቲ:” NW ] ሰብ’ ብሓቂ “ኸም ሳዕሪ” ሓጺር ኢዩ። ዳዊት ግን ብሞሳ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ምሕረት እግዚኣብሄር ግና ኣብቶም ዚፈርህዎ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ትነብር። ጽድቁ ኸኣ ነቶም ኪዳኑ ዚሕልዉ: ንትእዛዛቱ ምእንቲ ኺገብርዎ ዚዝክርዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ።” (ዘፍጥረት 21:33፣ መዝሙር 103:15-18) የሆዋ ነቶም ዝፈርህዎ ኣይርስዖምን ኢዩ። ኣብቲ ዝመደቦ ግዜ ድማ ዘለኣለማዊ ህይወት ክህቦም ኢዩ።—ዮሃንስ 3:16፣ 17:3
ዳዊት ንንግስነት የሆዋ ዝነበሮ ሞሳ ክገልጽ ከሎ “እግዚኣብሄር ንዝፋኑ ኣብ ሰማይ ኣቘመ: መንግስቱውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ትገዝእ አላ” ይብል። (መዝሙር 103:19) ንግስነት የሆዋ ኣብ መንግስቲ እስራኤል ብዝርአ መገዲ ንግዚኡ ተገሊጹ እኳ እንተ ነበረ: ዝፋኑ ግን ብሓቂ ኣብ ሰማይ ኢዩ። የሆዋ ፈጣሪ ብምዃኑ: ኣብ ኣድማስ ሉዓላዊ ገዛኢ ኢዩ: ብመሰረት ዕላማታቱ ድማ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን መለኮታዊ ፍቓዱ ይፍጽም።
ዳዊት ንሰማያውያን ፍጡራት መላእኽቲ እውን ከይተረፈ ይምዕድ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ይዝምር:- “ኣቱም መላእኽቱ: ንድምጺ ቓሉ እትእዘዙ: ንቓሉ እትፍጽሙ ሓያላትን ስልጡናትን: ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ። ኣቱም ሰራዊት ዅሉኹም፤ ኣቱም ንፍቓዱ እትፍጽምዎ ኣገልገልቱ: ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ። ኵሉ ግብርታቱ ኣብ ኵሉ ስፍራ ግዝኣቱ: ንእግዚኣብሄር ባርኹ። ነፍሰየ: ንእግዚኣብሄር ባርኺ።” (መዝሙር 103:20-22) ብዘይዚውን ነቲ የሆዋ ብፍቕራዊ ሕያውነት ዝገበረልና ግብርታት ኣብ ግምት ብምእታው ንኽንውድሶ ክድርኸና ዝግባእዶ ኸይኰነ፧ እወ: ክድርኸና ይግብኦ ኢዩ! እቲ ብብሕትና ንኣምላኽ ንምውዳስ እነስምዖ ቓላት ኣብ ማእከል እቲ ነቶም ጻድቃን መላእኽቲ እውን ከይተረፈ ዘጠቓልል ሓያል ድምጺ ጕጅለ ወደስቲ ከይተሰምዐ ከም ዘይተርፍ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኵሉ ግዜ ሰናይ ነገራት ብምዝራብ ብምሉእ ልብና እንውድሶ ይግበረና። ብርግጽ እምበኣር: ነቲ “ነፍሰይ: ንእግዚኣብሄር ባርኺ” ዝብል ቃላት ዳዊት ኣብ ልብና ነሕድሮ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ገሊኡ ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ዳዊት ብግብርታት ሳህሊ የሆዋ ኣስተንተነ። ንስኻኸ፧