ብዛዕባ ግዜን ዘለኣለምነትን ብሓቂ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧
ሓደ ኢንሳክሎፔድያ “ግዜ ሓደ ካብቲ ኣብ ተመክሮ ወድሰብ ዘሎ ኣዝዩ ምስጢራዊ ዝዀነ ነገራት ኢዩ ዝመስል” ብምባል ይገልጽ። እወ: ንግዜ ብቐሊል ቃላት ገይርካ ምግላጹ ዳርጋ ኣይከኣልን ኢዩ። ግዜ “ይሓልፍ:” “ይኸይድ:” “ይጐዪ” ኣሎ: ንሕና እውን ምስ “ዋሕዚ ግዜ” ንጓዓዝ ኣሎና ንብል ንኸውን። ብዛዕባ እንታይ ንዛረብ ከም ዘሎና ግን ብሓቂ ኣይንፈልጥን ኢና።
ግዜ “ኣብ መንጎ ክልተ ፍጻመታት ዘሎ ርሕቀት” ዝብል ትርጕም ተዋሂብዎ ኣሎ። ገና ግን: ተመክሮና ግዜ ካብ ፍጻመታት እተፈልየ ምዃኑ ዝነግረና ኢዩ ዝመስል፣ ሓደ ነገር ይፈጸም ኣይፈጸም ብዘየገድስ ግዜ ቀጻሊ ኢዩ። ሓደ ፈላስፋ ግዜ ዝበሃል የለን: ኣብ ሓሳብ ጥራይ ዘሎ ነገር ኢዩ ብምባል ይዛረብ። እቲ ዝበዝሐ ተመክሮና እተሃንጸሉ ግዜስ ናይ ሓሳብ ምህዞ ጥራይ ክኽውንዶ ይኽእል ኢዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግዜ ዘለዎ ኣመለኻኽታ
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግዜ ዝዀነ ይኹን መግለጺ ኣይህብን ኢዩ: ከይተገልጸ ዝተረፈ ድማ ምናልባት ሰብ ብዛዕባ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ክርዳእ ልዕሊ ዓቕሙ ብምዃኑ ኢዩ ዝኸውን ዝብል ሓሳብ ከም ዝመጽእ ይገብር። ልክዕ ከምቲ ንመወዳእታ ዘይብሉ ናይ ጠፈር ስፍሓት ክንርድኦ ዝጽግመና: ግዜ እውን ከምኡ ኢዩ። ሓደ ካብቲ ኣምላኽ ጥራይ ምሉእ ብምሉእ ክርድኦ ዝኽእል ነገራት ምዃኑ ኸኣ ርዱእ ኢዩ: ከመይሲ “ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም” ዝነብር ንሱ ጥራይ ኢዩ።—መዝሙር 90:2
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግዜ ዘይገልጽ እኳ እንተዀነ: ግዜ ከም ዘሎ ግን ይዛረብ ኢዩ። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ‘ንብርሃናት’ ማለት ንጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ‘ንዘበናትን መዓልትታትን ዓመታትን ንመፈለጥታ ክዀኑ:’ መፈላለዪ ግዜያት ገይሩ ከም ዝፈጠሮም ይነግረና። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዝርከብ ሓያለይ ፍጻመታት ኣብ ውሽጢ ዋሕዚ ግዜ እተፈጸመ ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:14፣ 5:3-32፣ 7:11, 12፣ 11:10-32፣ ዘጸኣት 12:40, 41) መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ንዘለኣለም ዝቕጽል በረኸት ኣምላኽ—ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ—ንምርካብ ብቑዓት ምእንቲ ኽንከውን ንግዜ ብጥበብ ክንጥቀመሉ ከም ዘሎና እውን ይዛረብ ኢዩ።—ኤፌሶን 5:15, 16
ናይ ዘለኣለም ህይወት—ዝከኣል ድዩ፧
ልክዕ ከምቲ ግዜ ብሓቂ እንታይ ምዃኑ ክትርድኦ ምፍታን ተስፋ ዘቝርጽ ዝዀነ: እቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወይ ንዘለኣለም ምንባር ዝብል ሓሳባት ንብዙሓት ሰባት ንኽርድእዎ ዘሸግር ኢዩ ዝዀኖም። ሓደ ካብቲ ከምዚ ከም ዝኸውን ዝገበሮ ኸኣ እቲ ብዛዕባ ግዜ ዘሎና ተመክሮ ኵሉ ግዜ ምስ ናይ ምውላድ: ምዕባይ: ምእራግን ሙማትን ዑደት እተተሓሓዘ ስለ ዝዀነ ክኸውን ይኽእል። ስለዚ ኸኣ ዋሕዚ ግዜ ምስ ናይ ምእራግ መስርሕ ነመሳስሎ። ንብዙሓት ሰባት ካብዚ ብእተፈልየ ኣገባብ ምሕሳብ ነቲ ናይ ግዜ ኣምር ምጥሓስ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም። ‘ብናይ ምእራግ መስርሕ ዝመጸ ሰባት ካብ ካልኦት ህያዋን ፍጥረታት ኣዝዮም ፍሉያት ዝዀኑ ስለምንታይ ኢዮም፧’ ኢሎም ድማ ይሓቱ ይዀኑ።
መብዛሕትኡ ግዜ ኣብዚ ኣተሓሳስባ እዚ ሸለል ዝበሃል ነገር: ሰባት ካብ ካልኦት ፍጥረታት ብብዙሕ መዳያት ድሮ ፍሉያት ምዃኖም ዝሕብር ሓቂ ኢዩ። ንኣብነት: እንስሳታት ከምቲ ሰባት ዘለዎም ናይ ኣእምሮ ክእለት የብሎምን። ሓድሓደ ሰባት ናይ ኣእምሮ ክእለት ኣለዎም ዝብሉ እኳ እንተዀኑ: ካብቲ ገለ ነገር ንኽገብሩ ዝድርኾም ባህርያዊ ዝንባለ ሓሊፎም መሃዝቲ ክዀኑ ኣይክእሉን ኢዮም። ከምቲ ሰባት ዘለዎም ዝኣመሰለ ስነ-ጥበባዊ ተውህቦ ይኹን ፍቕርን ሞሳን ናይ ምግላጽ ክእለት የብሎምን። ሰባት ንህይወት ትርጕም ከም ዝህልዎ ዝገብር ብዙሕ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያትን ክእለታትን ተዋሂብዎም እንተድኣ ዀይኑ: ብህይወት ምንባር ዝመጸ ነዊሕ ግዜ ክዋሃቦም ዘይከኣለ ድኣ ስለምንታይ ኢዩ፧
በቲ ኻልእ ሸነኽ: እቶም ክሓስቡ ዘይክእሉ ኣእዋም ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ንኣሽሓት ዓመታት ክነብሩ ምኽኣሎም: እቶም ናይ ኣእምሮ ክእለት ዘለዎም ሰባት ግን ብገምጋም ካብ 70 ክሳዕ 80 ዓመታት ጥራይ ምንባሮም ዘገርምዶ ኸይኰነ፧ እቲ ናይ ምምሃዝ ኰነ ስነ-ጥበባዊ ክእለት ዘይብሉ ጎብየ ልዕሊ 200 ዓመት ክነብር ምኽኣሉ: እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ብዙሕ ክእለታት እተዋህቦም ሰባት ግን ትሕቲ ፍርቂ ካብቲ ናይ ጎብየ ዕድመ ምንባሮምሲ ግርምቢጥዶ ኸይኰነ፧
ሰብ ንግዜን ዘለኣለምነትን ምሉእ ብምሉእ ክርድኦ ዘይክእል እኳ እንተዀነ: መብጽዓ ናይ ዘለኣለም ህይወት ግን ገና መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ ተስፋ ኢዩ። እታ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” እትብል ስያመ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዳርጋ 40 ግዜ ኢያ እትርከብ። ሰባት ንዘለኣለም ክነብሩ ዕላማ ኣምላኽ እንተድኣ ዀይኑ: ክሳዕ ሕጂ ዘይተፈጸመ ስለምንታይ ኢዩ፧ እዛ ስዒባ ዘላ ዓንቀጽ ነዚ ሕቶ እዚ ክትምርምሮ ኢያ።