ጥዑይ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ
ንጽቡቕ ሓዳር ዝኸውን መፍትሕ
ብ1778 ሮበርት ባረን ነዚ ሎሚ እንጥቀመሉ ብመፍትሕ ዝዕጾን ዝኽፈትን ሰጋጥ መሰረት ኰይኑ ዘገልገለ: ኣብ ሓደ ግዜ ክልተ ተግባር ክፍጸም ዝጠልብ ሰጋጥ መሃዘ። ምህዝኡ ድማ ነተን ኣብቲ ነዃል ናይታ ሰጋጥ ብምእታው ንኸይንቀሳቐስ ዝሕዝኦ ክልተ ሓጻውን ብሓንቲ መፍትሕ ብሓንሳእ ካብኡ ኸም ዝወጻ ዝገብር ኢዩ።
ብተመሳሳሊ: ዕዉት ሓዳር ክህሉ እንተ ዀይኑ ሰብኣይን ሰበይትን ብሓድነት ኣብ ምዕያዮም እተመርኰሰ ኢዩ። ነቲ ኻብ ጽቡቕ ሓዳር ዝመጽእ ብዋጋ ዘይሽነን ሓጐስ ንምርካብ ነቲ ማዕጾ ምእንቲ ኸተርሕዎ ጥዑይ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ኣድላዪ ኢዩ።
ጥዑይ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ዘጠቓልሎ ነገራት
ጥዑይ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ፧ ሓደ መዝገበ-ቓላት ነታ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ተተርጒማ ዘላ ኮምዩኒኬሽን እትብል ናይ እንግሊዝኛ ቓል “ብዘረባ: ጽሑፍ: ወይ ምልክት ገይርካ ሓሳብ: ኣረኣእያ: ወይ ሓበሬታ ምሃብ ወይ ምልውዋጥ” ኢሉ ይገልጻ። ስለዚ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ: ስምዒት ከምኡውን ርእይቶ ምግላጽ ዘጠቓልል ኢዩ። ጥዑይ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ክብሃል ከሎ ሃናጺ: መንፈስካ ዘሐድስ: ውርዙው: ዝንኣድ: ከምኡውን ዘጸናንዕ ነገራት ዘጣመረ ኢዩ።—ኤፌሶን 4:29-32፣ ፊልጲ 4:8
ጥዑይ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ሃዋህው ክሰፍን ዝኽእል ምትእምማን: ትውክልቲ ምግባር: ክልትኣዊ ምርድዳእ ምስ ዝህሉ ኢዩ። እዚ ባህርያት እዚ ዝመጽእ ሓዳር ከም ናይ ምሉእ ህይወትካ ዝምድና ገይርካ ምስ ዝርአን ነዚ ንምሕላዉ ኸኣ ናይ ሓቂ ቘራጽነት ምስ ዝግበርን ኢዩ። እቲ ናይ መበል 18 ክፍለ-ዘበን ጸሓፊ ቴማ ጆሴፍ ኣዲሰን ብዛዕባ እዚ ዝምድና እዚ ሓሳብ ክህብ ከሎ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቶም ናይ ሓድሕድ ምጽንናዕን ደስታን ንምርካብ ይዀነኒ ኢዩ ትዀነኒ ኢያ ተበሃሂሎም ካብ ኵሉ ፈልዮም ንሓድሕዶም ዝመራረጹ ኽልተ ሰባት ነዚ ስጕምቲ እዚ ክወስዱ ኸለዉ ፍሽሑዋት: ምቕሉላት: መስተውዓልቲ: ይቕረ በሃልቲ: ዕጉሳት: ሕጉሳት ብምዃን ምስቲ ናይ ነፍሲ ወከፎም ድኹምን ብርቱዕን ጐድኒ ክሳዕ መወዳእታ ህይወቶም ተሰማሚዖም ንኽኸዱ ኢዮም ገዛእ ርእሶም ዘዳልዉ” ብምባል ጸሓፈ። ከምዚ ዝበለ ሓድነትሲ ክንደይ ኰን ዘሐጕስ ኢዩ! እዞም ከም ክቡራት ኣዕናቝ ዝኣመሰሉ ባህርያት እዚኣቶም ንሓዳርኩም እውን ስልማት ክዀንዎ ይኽእሉ ኢዮም: ከመይሲ ጥዑይ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ምስ ዝህልወኩም ነዞም ባህርያት እዚኣቶም ከተጥርይዎም ትኽእሉ ኢኹም።
ጥዑይ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ከም ዘይህሉ ዝገብር ነገራት
መብዛሕትኦም እቶም ዝምርዓዉ ሰብኡትን ኣንስትን ንሓዳር ብኣወንታዊ መገዲ: አረ ከም ዝለዓለ ፍስሃን ደስታን ዝርከቦ ገይሮም እውን ኢዮም ዝርእይዎ። ይኹን እምበር: ብዙሓት እቲ ፍስሃን ደስታን ብኡንብኡ በኒኑ ኽጠፍእ: እቲ ብዛዕባ ሓዳር ዝነበሮም ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኸኣ ክሃስስ ይርእይዎ። እቲ ዝነበሮም ርግጸኛ ናይ ምዃን መንፈስ ብተስፋ ምቝራጽ: ሕርቃን: ተጻብኦ ብእተሓወሶ ክቱር ጽልእን መሪር ስምዒትን ክትካእ ይኽእል ኢዩ። ሽዑ ነቲ ‘ክሳዕ ግዜ ሞትና ኣይንፋላለን ኢና’ ዝብል ማሕላ ንምሕላው ጥራይ እቲ ሓዳር ይቕጽል። ስለዚ እምበኣር: እቲ ጽቡቕ ሓዳር ንኽህሉ ዘድሊ ጥዑይ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ምእንቲ ኽመሓየሽ ወይ ክዕቀብ ገለ ዕንቅፋታት ክእለዩ ይግባእ።
ናይ መርዓ ብጻይ ገለ ነገር ክንገሮ ኸሎ ወይ ሓደ ነገር ክሕተት ከሎ እንታይ ዓይነት መልሰ-ግብሪ ከርኢ ኢዩ ዝብል ፍርሂ ጥዑይ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ከም ዘይህሉ ዝገብር ናይ ሓቂ ዕንቅፋት ኢዩ። ንኣብነት: ካብቶም ሰብ ሓዳር ሓዲኦም ከቢድ ኣካላዊ ስንክልና ከጋጥሞ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ናይ መርዓ ብጻዩ ከይሓድጎ ይፈርሕ ይኸውን። ሓደ ሰብ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትርኢቱ ወይ ኣብቲ ብግቡእ ናይ ምዕያይ ክእለቱ ዓቢ ለውጢ ዘምጽእ ነገር ንናይ መርዓ ብጻዩ ክገልጸሉ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ብቕንዕና ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥን ንመጻኢ ዝኸውን ብዓሚቝ እተሓስበሉ ውጥን ምግባርን የድሊ። ለውሃት እተሓወሶ ዘየቋርጽ ፍቕሪ ከም ዘሎካ ዘረጋግጽ ቃላት ምዝውታር ብሕታዊ ተገዳስነት ከም ዘሎካ ዝሕብር ኢዩ: እዚ ኸኣ ሓደ ብሓቂ ዘዕግብ ሓዳር ንኽህሉ ዝሕግዝ ኢዩ። እታ “ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር: ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ” እትብል ምስላ ኣብ ሓዳር ክትውዕል ኣለዋ።—ምሳሌ 17:17
ካልእ ጥዑይ ዝዀነ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ከም ዘይህሉ ዝገብር ዕንቅፋት ቂም ምሓዝ ኢዩ። ሕጉስ ሓዳር ናይ ክልተ ጽቡቕ ገይሮም ይቕረ ዝበሃሃሉ ሰባት ሕብረት ኢዩ ክበሃል ብሓቂ መስመሩ ዝሓዘ ኣዘራርባ ኢዩ። ምስዚ ኣገላልጻ እዚ ምእንቲ ኽሰማምዑ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ “ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም” ዝብል ተግባራዊ ምዕዶ ክስዕብዎ ብእተኻእሎም መጠን ኢዮም ዝጽዕሩ። (ኤፌሶን 4:26) ሕርቃንን ቂምን ሓዲግካ ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል: ልእመት ዘለዎ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ከም ዝሓትት ርግጽ ኢዩ። ጽቡቕ ሓዳር ዘለዎም ሰብኣይ ሰበይትን ወግሐ ጸብሐ ኣብ ሕርቃን: ቈየቛ: ቅርሕንቲ ኣይበጽሑን ኢዮም። (ምሳሌ 30:33) ነቲ ቒም ዘይሕዝ ኣምላኽ ክመስልዎ ኢዮም ዝደልዩ። (ኤርምያስ 3:12) እወ: ካብ ልቢ ኢዮም ይቕረ ዝበሃሃሉ።—ማቴዎስ 18:35
ንዝዀነ ይኹን ዓይነት ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ዕንቅፋት ዝኸውን ካልእ ፍሉጥ ረቛሒ ኸኣ ገጽ ምኽላእ ኢዩ። እዚ ኸኣ ምጽዋግ: እህህ ምባል: ስምዒት ኣልቦ ተግባራት ምግባር: ከምኡውን ኰርፈፍ ምባል ዘጠቓልል ኢዩ። ሓደ ብኸምዚ ዝኣመሰለ መገዲ ስምዒቱ ዝገልጽ ናይ መርዓ ብጻይ ባህ ዘየበሎ ነገር ከም ዘሎ ኢዩ ዝሕብር። ይኹን እምበር: ኣብ ሓዳር ብጋህድን ብዘቃዱን መገዲ እሂን ምሂን ተበሃሂልካ ብሕታዊ ስምዒትካ ምግላጽ ካብ ስጕድም ምባልን ምጽዋግን ንላዕሊ እቲ ዘድሊ ምትዕርራይ ከም ዝመጽእ ዝገብር ኢዩ።
ኣብ ሓዳር ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ጽቡቕ ሃዋህው ከም ዘይህሉ ዝገብር ክእለ ዘለዎ ካልእ ነገር ናይ መርዓ ብጻይ ክዛረብ ከሎ ጽን ኢልካ ዘይምስማዕ ወይ ጸማም እዝኒ ምሃብ ኢዩ። ምናልባት ኣዚና ስለ ዝደኸምና ወይ ኣዚና ብስራሕ ትሑዛት ስለ ዝዀንና ጽን ኢልና ንኽንሰምዕ ሓሳብናን ስምዒትናን ኣይጥርነፈልናን ይኸውን። እቲ ሓደ ናይ መርዓ ብጻይ ኣጸቢቖም እተረዳድእሉ ዝመስሎ እቲ ሓደ ግን በዅሪ እዝነይ ኢዩ ዝብሎ ጕዳይ ክርክር የልዕል ይኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ከም ዝለዓል ዝገብር ድኹም ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ።
ጥዑይ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ሃዋህው ዝሰፍነሉ መገዲ
ፍቕራውን ጥዑይን ዝዀነ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ርክብ ምእንቲ ኽትገብር ግዜ ምውሳድ ክንደይ ኣድላዪ ዀን ኢዩ! ገሊኦም ኣብ ቅድሚ ተሌቪዥን ኵድም ኢሎም ናብራ ኻልኦት ሰባት ኣብ ምርኣይ ኣዝዩ ብዙሕ ግዜ ስለ ዘጥፍኡ ንናብርኦም ዝኸውን ግዜ ይስእኑ። ስለዚ እምበኣር: ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ጥዑይ ርክብ ንኽህሉ ብዙሓት ሰባት ክወስድዎ ዘለዎም ኣድላዪ ስጕምቲ ተሌቪዥን ምጥፋእ ኢዩ።
ይኹን እምበር: ልክዕ ከምቲ ንምዝራብ ግቡእ ግዜ ዘለዎ ስቕ ንምባል እውን ግዜ ኣለዎ። እቲ ጥበበኛ ሰብኣይ “ንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ: . . . ስቕ ንምባል ጊዜ አለዎ: ንምዝራብ ድማ ጊዜ አለዎ” ብምባል ገለጸ። ክትዛረብ ከሎኻ ግቡእ ቃላት ክትጥቀም ኣድላዪ ምዃኑ እውን ፍሉጥ ኢዩ። “ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል ክንደይ ጽቡቕ እዩ” ዝብል ምስላ ኣሎ። (መክብብ 3:1, 7፣ ምሳሌ 15:23) ስለዚ ነገርካ ከተፍስሰሉ ወይ ናይ ውሽጥኻ ክትገልጸሉ እትኽእል ምቹእ እዋን ኣየናይ ምዃኑ ኣስተብህል። ንገዛእ ርእስኻ ከምዚ ኢልካ ሕተታ:- ‘ናይ መርዓ ብጻየይ ደኺሙ ድዩ ዘሎ ወይስ ሃዲኡን ደስ ኢልዎን ኢዩ ዘሎ፧ እዚ ክዛረበሉ ደልየ ዘለኹ ጕዳይ ምጕት ከልዕል ዝኽእል ድዩ፧ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ክንዘራረብ ከሎና ኣየናይ እተጠቐምኩሉ ቃል ኢዩ ንናይ መርዓ ብጻየይ ነቲ ሓሳብ ከም ዝቃወሞ ዝገበሮ፧’
ሰባት ነቲ ኻብኦም ዝጥለብ ዘሎ ነገር ብዝበለጸ ዘማልእዎን ዝሰማምዕሉን: ከምኡ ምግባር ዘምጽኣሎም ረብሓ ክርድኡ ምስ ዝኽእሉ ምዃኑ ምዝካር ጽቡቕ ኢዩ። ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ምስሕሓብ እንተድኣ ተፈጢሩ ሓዲኦም “ኣነ ብሕሙም ከብደይ ክሓድር ኣይክእልን ኢየ: ሕጂ ንሕጂ ኽንፈትሖ ኣሎና!” ናብ ምባል ይዝምብል ይኸውን። ርግጽ ኢዩ ነቲ ልክዕ ኣበሃህላ እቲ ዅነታት ዝውስኖ እኳ እንተ ዀነ “ፍቕርተይ/ፍቑረይ: ብዛዕባ እቲ ተዘራሪብናሉ ዝነበርና ጕዳይን ብኸመይ ክዕረ ኸም ዝኽእልን ኢየ ኽሓስብ ጸኒሐ” ኢልካ ኽትዛረብ ግን ዝሓሸ ምዀነ። ንናይ መርዓ ብጻይካ ኣየናይ ኣቀራርባ ባህ መበሎ፧
እወ: እቲ ሓደ ነገር ዝግለጸሉ መገዲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን” ብምባል ጸሓፈ። (ቈሎሴ 4:6) ኣብ ቃና ድምጽኻን እትጥቀመሉ ቃላትን ሕያውነት ከተንጸባርቕ ጽዓር። ‘ልኡም ዘረባ መዓር ወለላ: ንነፍሲ ጥዑም: ነዕጽምቲ ኸኣ ጥዕና’ ምዃኑ ኣይትረስዕ።—ምሳሌ 16:24
ንገሊኦም ሰብ ሓዳር ብሓንሳብ ኴንካ ኣብ ቤት ምዕያይ ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ሃዋህው ክፈጥረሎም ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምትሕግጋዝ ኣብ ርእሲ እቲ ንምልዛብ ዝኸውን ግዜ ምሃቡ ንኽትውሃሃድ እውን ኣጋጣሚ ዝኸፍት ኢዩ። ንኻልኦት ሰብ ሓዳር ከኣ ብዘይ ገለ ስራሕ ንበይኖም ብሕት ኢሎም ግዜ ከሕልፉ: ጥዑይ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ኣጋጣሚ ንኽረኽቡ እቲ ዝሓሸን ምቹእን ኢዩ።
ካልኦት ስኒት ዘለዎም ሰብኣይን ሰበይትን ሰብ ሓዳር ብኸመይ ሓሳብ ንሓሳብ ከም ዝለዋወጡ ብምርኣይ እውን ብዙሕ ትምህርቲ ክርከብ ይከኣል ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓዳር ክህልዎም ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧ ስኒትን ብዘይ ስክፍታ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብን ክህልዎም ዝኸኣለ ካብ ብሕታዊ ጻዕሪ: ትዕግስቲ: ፍቕራዊ ሓልዮት ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ንሳቶም ንባዕሎም ብዙሕ ክማሃርዎ ዝነበሮም ነገራት ነይርዎም ኢዩ: ከመይሲ ጽቡቕ ሓዳር ብቕጽበት ዝመጽእ ኣይኰነን። ስለዚ ንኣረኣእያ ናይ መርዓ ብጻይካ ኣብ ግምት ምእታው: ንድሌቱ ወይ ድሌታ ምግንዛብ: ከምኡውን ምስሕሓብ ከምጽኡ ንዝኽእሉ ኵነታት ምስትውዓል ብዝመልኦ ቃላት ከም ዝሃድእ ምግባር ሸለል ክበሃል ዘይግብኦ ኢዩ። (ምሳሌ 16:23) በዓል ሓዳር እንተድኣ ዄንካ እምበኣር ንመናብርትኻ ጥዑምን ጌጋኻ ንምእማን ድልውን ክትከውን ጽዓር። እዚ ጽቡቕ ሓዳር ንኽህልወካ ብርግጽ ዝሕግዝ ኢዩ።
የሆዋ ኣምላኽ: ሰባት ሓዳሮም ዘሐጕስን ነባርን ክኸውን ኢዩ ዝደሊ። (ዘፍጥረት 2:18, 21) እቲ መፍትሕ ግን ኣብ ኢድ እቶም ብማእሰር ሓዳር እተጸምዱ ኢዩ ዘሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓዳር ንኽህሉ: በቲ ጥዑይ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ክእለቶም ገይሮም ነቲ ናብ ዕዉት ሓዳር ዘእቱ ማዕጾ ንምርሓው ሓቢሮም ካብ ልቢ ዝዓዩ ክልተ ፍቑራት የድሊ።
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]
ተሌቪዥን ምጥፋእ ሓሳብ ንሓሳብ ንኽትለዋወጥ ዘኽእል ዝያዳ ግዜ ከም እትረክብ ይገብር
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ጥዑይ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ንኣልባብ ሰብ ሓዳር ብነባሪ ፍቕሪ ከም ዝጥመር ይገብሮ