ፍቓድ የሆዋ ገይሮም
ሓቀኛ ኣምልኾ ንምድንፋዕ ዝግበር ወለንታዊ መስዋእቲ
እስራኤላውያን ነቲ የሆዋ ብሓይሉ ዝገበሮ ምድሓን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኢዮም ነይሮም። ማያት ቀይሕ ባሕሪ ብተኣምራታዊ መገዲ ክምቀል ከሎ ርእዮም ኢዮም: እዚ ኸኣ ካብ ሰራዊት ግብጺ ኣምሊጦም ብንቑጽ ምድሪ ኽሓልፉ ኣኽኣሎም። በቲ ሓደ ወገን ድማ እቲ ማያት ነቶም ደድሕሪኦም ዝስዕቡ ዝነበሩ ሰጐጕቶም ክደፍኖም ከሎ ኣማዕድዮም ተዓዚቦም ኢዮም። የሆዋ ንህይወቶም ብሓቂ ኣድሒንዋ ኢዩ!—ዘጸኣት 14:21-31
እቲ ዘሕዝን ግን ገለ ካብ እስራኤላውያን ነቲ ኣምላኾም ዝገበረሎም ተግባር ኣቕሊሎም ረኣይዎ። ሙሴ ኣብ ከረን ሲና ኸሎ: ስልማት ወርቆም ንኣሮን ሃብዎ እሞ ንኣምልኾ ዝኸውን ምስሊ ክሰርሓሎም ከኣ ግዲ በልዎ። ሙሴ ምስ ተመልሰ እቶም ጭፍራ ዓለወኛታት: ክበልዑን ክሰትዩን ክስዕስዑን ነቲ ኻብ ወርቂ እተሰርሐ ምራኽ ክሰግድሉን ጸንሕዎ! ብመሪሕነት የሆዋ ኸኣ ኣስታት 3,000—ምናልባት እቶም ቀንዲ መለዓዓልቲ ናይቲ ዕልዋ ኢዮም ዝዀኑ—ከም ዝቕተሉ ተገብረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ህዝቢ ኣምላኽ: ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ እተወፈኻ ምዃን ኣድላዪ ምዃኑ ተማህሩ።—ዘጸኣት 32:1-6, 19-29
ድሕሪ እዚ ፍጻመ እዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ሙሴ ነቲ የሆዋ ማሕደር ንኽሰርሕ ዝሃቦ ትእዛዝ ንምትግባር ተዳለወ: እዚ ናብ ዝደለኻዮ ቦታ ኸተግዕዞ እትኽእል ድንኳን ኣምልኾ ኢዩ ነይሩ። እዚ ፕሮጀክት ህንጻ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዘለዎ ናውትን ውሕሉላት ክኢላታትን ዝሓትት ኢዩ ነይሩ። እዚ ዅሉ ኻበይ ኢዩ ክርከብ፧ ካብዚ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ ጸብጻብ እዚኸ እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧
ንዋታዊ ህያብን ወለንተኛታት ክኢላታትን
የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም:- “ንእግዚኣብሄር ህያብ ውሰዱ። ነፍሲ ወከፍ ፍታው ልቢ ዘለዎ ንእግዚኣብሄር ህያብ የምጽእ።” እንታይ ዓይነት ህያብ ኢዮም ከምጽኡ፧ ካብ መንጎ እቲ ሙሴ ብዝርዝር ዘስፈሮ ነገራት ከም ወርቂ: ብሩር: ኣስራዚ: እተፈላለየ ዓይነት ቅጥንታት: እተፈላለየ ዓይነት ዓለባታት: እተፈላለየ ቈራብቲ: ኣዕጫው: ኣዕናቝ ይርከቦ።—ዘጸኣት 35:5-9
እስራኤላውያን ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ብዙሕ ህያባት ንምሃብ ምሉእ ዘይጕዱል ትሕዝቶ ነይርዎም ኢዩ። ካብ ግብጺ ክወጹ ኸለዉ ኣቓሑ ወርቅን ኣቓሑ ብሩርን ብዙሕ ክዳውንትን ከም ዝወሰዱ ኣይትርስዖን ኢኻ። ብርግጽ ‘ንግብጻውያን ገፊፎምዎም’ ኢዮም።a (ዘጸኣት 12:35, 36) ኣቐዲሞም እስራኤላውያን ንናይ ሓሶት ኣምልኾ ዝኸውን ምስሊ ንምስራሕ ስልማቶም ቀንጢጦም ሂቦም ኢዮም። ሕጂኸ ነቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ንምድንፋዕ ከምኡ ዝበለ ህንጥዮት ከም ዘለዎም ከርእዩ ድዮም፧
ሙሴ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከምጽኦ ዘለዎ ህያብ ክንደይ ምዃኑ ብምስላዕ ዘይምጽዓኑ ወይ ድማ ህያብ ንኸምጽኡ ናይ ገበንን በደልን ስምዒት ክድርኾም ከም ዘይገበረ ኣስተብህል። ኣብ ክንድኡስ “ነፍሲ ወከፍ ፍታው ልቢ ዘለዎ” ዘበለ ብዘይ ገለ ስክፍታ ክመጽእ ኢዩ ጸዊዑ። ሙሴ ንህዝቢ ኣምላኽ ምግዳድ ኣድላዪ ከም ዘይኰነ ተገንዚብዎ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዓቕሙ ዘፍቅደሉ ከም ዝህብ ምሉእ ምትእምማን ነይርዎ ኢዩ።—ምስ 2 ቈረንቶስ 8:10-12 ኣረኣእዮ።
ይኹን እምበር: እቲ ፕሮጀክት ህንጻ ካብቲ ብመልክዕ ንዋት ዝግበር ወፈያ ንላዕሊ ዝሓትት ኢዩ ነይሩ። የሆዋ ንእስራኤላውያን “ኣባኻትኩም ጥበበኛ ልቢ ዘለዎም ኵላቶም ይምጽኡ: እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ዅሉ ድማ ይግበሩ” ብምባል ነጊርዎም ነይሩ ኢዩ። እወ: እዚ ፕሮጀክት እዚ ክኢላዊ ዓቕሚ ሰብ ዝሓትት ኢዩ ነይሩ። ብርግጽ: ነዚ ፕሮጀክት እዚ ንምዕማም ንጽርበት ዕንጸይቲ: ምቕጥቃጥ ሓጺን: ምስላምን ዘጣመረ “ኵሉ ዓይነት ዕዮ” የድሊ ነበረ። የሆዋ ንኽእለት እቶም ዓየይቲ ከም ዝመርሖ ፍሉጥ ኢዩ: ስለዚ ድማ በቲ ዕዉት ፕሮጀክት ክኸብር ዝግብኦ የሆዋ ኢዩ።—ዘጸኣት 35:10, 30-35፣ 36:1, 2
እስራኤላውያን ነቲ ንዋታውን ክኢላውን ዓቕሞም ክህቡ ዝቐረበሎም ዕድመ ብውዕዉዕ መንፈስ ምላሽ ሃብሉ። ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ነፍሲ ወከፍ ልቡ ዝደፍኦ መጸ: ኵሉ መንፈሱ ፍቓድ ዘልዐለሉ ንመስርሒ ድንኳን ምርኻብን ንዅሉ ኣገልግሎቱን ንቕዱሳት ኣልባስን ንእግዚኣብሄር ህያብ ኣምጽኤ። ፍታው ልቢ ዘለዎም ዘበሉ ሰብኡትን ኣንስትን [መጹ]።”—ዘጸኣት 35:21, 22
ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ
እቲ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ዝካየድ ዘሎ መጠነ-ሰፊሕ ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ በቲ ብወለንታ ዝግበር ወፈያታት ኢዩ ዝፍጸም። እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይቲ ወፈያታት ብመልክዕ ገንዘብ ዝግበር ኰይኑ: ብኻልእ መዳይ ድማ ክርስትያን ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ሃብታም ሞያዊ ተመክሮኦም ኣደራሻት መንግስትን ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሻትን ህንጻታት ጨናፍር ኣብያተ-ጽሕፈትን ኣብ ምህናጽ ንኽሕግዙ ይጥቀምሉ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ ሚእቲ ዝዀና ኣባይቲ ቤትኤል ዝግበር ዕዮ ኣሎ: እዚ ዕዮ እዚ እተፈላለየ ክእለታት ዝሓትት ኢዩ። ኵሎም እቶም ብፍታው ልቢ ኸምዚ ዝኣመሰለ መስዋእቲ ዝገብሩ ወለንተኛታት: የሆዋ ነቲ ዝገብርዎ ጻዕሪ ከም ዘይርስዖ ርግጸኛታት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም!—እብራውያን 6:10
እቲ ነፍሲ ወከፍና ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት እንገብሮ ግደ እውን ተመሳሳሊ ጻማ ኢዩ ዘለዎ። ኵሉ ሰብ ኣብ ስብከት ንኽሳተፍ ግዜ ኽዕድግ ተተባቢዑ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ ኤፌሶን 5:15-17) ገሊኦም ወለንተኛታት ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን ወይ ድማ ፓይነራት ብምዃን ኣብቲ ዕዮ ይሳተፉ። ካልኦት ብምኽንያት ህሉው ኵነታቶም ከምቲ ናይ ፓይነራት ዝምብዝሑ ግዜ ኣብቲ ኣገልግሎት ከውዕሉ ኣይክእሉን ኢዮም። ይኹን እምበር: ንሳቶም እውን እንተዀኑ ንየሆዋ የሐጕስዎ ኢዮም ዘለዉ። ከምቲ ነቲ ማሕደር ዝኸውን ውጽኢት ክግበር ከሎ እተራእየ: የሆዋ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክንደይ ክህብ ከም ዘለዎ ኣይስልዕን ኢዩ። ንሱ ኻባና ዝደልዮ ነፍሲ ወከፍና ብምሉእ ልብና: ነፍስና: ሓሳብና: ሓይልና ከነገልግሎ ኢዩ። (ማርቆስ 12:30) ልክዕ ከምዚ ንገብር እንተድኣ ኣሊና: ኣምላኽ ዓስቢ ናይቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ንምድንፋዕ ኢልና እንገብሮ ወለንታዊ መስዋእቲ ኸም ዝህበና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—እብራውያን 11:6
[እግረ-ጽሑፍ]
a እዚ ዘመተ ኣይነበረን። እስራኤላውያን ህያብ ንኽህብዎም ንግብጻውያን ለሚኖምዎም ኢዮም: ንሳቶም ከኣ ብፍታው ሃብዎም። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ግብጻውያን ብመጀመርትኡ እውን እንተዀነ ንደቂ እስራኤል ባሮቶም ክገብርዎም መሰል ኣይነበሮምን: ንህዝቢ ኣምላኽ ንብዙሕ ዓመታት ከቢድ ስራሕ ስለ ዘስርሕዎም ክኽሕስዎም ነበሮም።