የሆዋ ረዳኢና እዩ
“ረዲኤተይሲ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” Nw] እዩ ዚመጸኒ።”—መዝሙር 121:2
1, 2. (ሀ) ሓድሓደ ግዜ ዅላትና ሓገዝ የድልየና እዩ ኺበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ኸመይ ዝበለ ረዳኢ እዩ፧
ካባና ረዳኢ ወይ ሓጋዚ ፈጺሙ ዘይደሊ መን እዩ፧ ከቢድ ጸገማት ንምጻር: ሞት ካብ ዜስዕቦ ሓዘን ንምጽንናዕ: ሓያል ፈተና እናወረደና ጸኒዕና ንምቕጻል ኵላትና ሓገዝ የድልየና እዩ። ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ረድኤት ወይ ሓገዝ ደልዮም ናብ ዚሓልየሎም ፈታዊ እዮም ዚኸዱ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ፈታዊ ሽግርካ ምክፋል: ነቲ ጸገም ንኽትጾሮ ዝቐለለ ይገብረልካ። እንተዀነ ግን: ብጻይካ ዚገብረልካ ሓገዝ ደረት ኣለዎ። ብዘይካዚውን ሓገዝ ኣብ ዜድልየካ እዋን ካልኦት ቀልጢፎም ኪሕግዙኻ ኣይክእሉን ይዀኑ።
2 እንተዀነ ግን: ደረት ዘይብሉ ሓይልን ክእለትን ዘለዎ ረዳኢ ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚውን ከቶ ኸም ዘይሓድገና መረጋገጺ ሂቡና እዩ። እዚ ድማ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብምሉእ ምትእምማን “ረድኤተይሲ ኻብ . . . እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW] እዩ” ብምባል እተዛረበሉ እዩ። (መዝሙር 121:2) እቲ ጸሓፍ መዝሙር: የሆዋ ኸም ዚረድኦ እተኣማመነ ስለምንታይ እዩ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ መዝሙር 121 ንመርምር። ከምዚ ምግባርና ንሕናውን ብምትእምማን ንየሆዋ ኸም ረዳኢና ጌርና ንኽንርእዮ የኽእለና።
ዘየቋርጽ ምንጪ ሓገዝ
3. እቲ ጸሓፍ መዝሙር ናብ ኣየናይ ኣኽራን እዩ ኣዒንቱ ኣልዒሉ: ስለምንታይከ፧
3 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ምትእምማን ዘሕደረሉ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ: የሆዋ ፈጣሪ ምዃኑ ብምሕባር ከምዚ ዚስዕብ በለ:- “ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል አሎኹ። ረዲኤተይ ካበይ እዩ ዚመጸኒ፧ ረዲኤተይሲ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ ዚመጸኒ።” (መዝሙር 121:1, 2) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ናብ ዝዀነ ይኹን ከረን ኣይኰነን ኣዒንቱ ኣልዒሉ። እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ እተጻሕፋሉ እዋን ቤተ መቕደስ የሆዋ ኣብ የሩሳሌም እዩ ነይሩ። እታ ኣብ ልዕሊ ኣኽራን ይሁዳ እተደኰነት ከተማ ኸኣ ምሳልያዊት መንበሪ የሆዋ እያ ነይራ። (መዝሙር 135:21) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብምትእምማን ካብ የሆዋ ረድኤት እናተጸበየ ኣዒንቱ ናብቲ ቤተ መቕደስ የሆዋ እተሃንጸትሉ ኣኽራን የሩሳሌም እዩ ኣልዒሉ ኪኸውን ዚኽእል። የሆዋ ኸም ዚሕግዞ ኽሳዕ ክንድዚ ርግጸኛ ኪኸውን ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ የሆዋ “ሰማይን ምድርን ዝገበረ” እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ‘ነቲ ዅሉ ዚኽእል ሓይሊ ዘለዎ ፈጣሪ ንዓይ ካብ ምሕጋዝ ኪዓግቶ ዚኽእል ነገር የልቦን’ እዩ ዚብል ነይሩ።—ኢሳይያስ 40:26
4. እቲ ጸሓፍ መዝሙር: የሆዋ ንህዝቡ ዜድልዮም ንምምላእ ወትሩ ንቑሕ ምዃኑ ብኸመይ ገለጸ: እዚኸ ዜጸናንዕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
4 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ቀጺሉ “ንሱ ንእግርኻ ኣየሰናኽልን: ሓላዊኻ ኣይታኸስን። እንሆ: እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ ኣይታኸስን ኣይድቅስን እዩ” ብምባል የሆዋ ወትሩ ነገልገልቱ ዜድሊ ነገር ንምምላእ ንቑሕ ምዃኑ ገለጸ። (መዝሙር 121:3, 4) ኣምላኽ ነቶም ኣብኡ ዚውከሉ ‘ንኺሰናኸሉ’ ወይ ከም ዘይትንስኡ ዀይኖም ንኺወድቁ ኣይፈቅድን እዩ። (ምሳሌ 24:16) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ የሆዋ ኸምቲ ነባጊዑ ዚሕሉ ንቑሕ ጓሳ እዩ። እዝስ ዜጸናንዕ ደይኰነን፧ ንህዝቡ ዜድልዮም ነገር ካብ ምምላእ ንሓንሳእ እውን እንተዀነ ኣዒንቱ ሰለም ኣየብልን እዩ። ለይትን ቀትርን ነቒሑ እዩ ዚዕዘቦም።
5. የሆዋ ኣብ “የማነይቲ ኢድካ” ኸም ዘሎ ገይሩ እተገልጸ ስለምንታይ እዩ፧
5 እቲ ጸሓፍ መዝሙር: የሆዋ ብተኣማንነት ንህዝቡ ኸም ዜዕቍቦም ብምትእምማን “እግዚኣብሄር ሓላዊኻ እዩ: እግዚኣብሄር ኣብ የማነይቲ ኢድካ ጽላልካ እዩ። ጸሓይ ብመዓልቲ: ወርሒውን ብለይቲ ኣይኪወቕዓካን እዩ” በለ። (መዝሙር 121:5, 6) ሓደ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብእግሩ ዚጐዓዝ ሰብ ጽላል ዘለዎ ቦታ ምስ ዚረክብ: ካብታ እተንድድ ጸሓይ ኬጽልል ይኽእል እዩ። የሆዋ ኸኣ ንህዝቡ ኻብቲ ኸም ዜንድድ ዋዒ ዝዀነ መዓት ዜጽልሎም ጽላል እዩ። ኣብ “የማነይቲ ኢድ” ኸም ዘሎ ጌርካ ኸም እተገልጸ እውን ኣስተብህል። ጥንቲ ኣብ ዚግበር ውግእ ሓደ ወተሃደር ንዋልታኡ ብጸጋመይቲ ኢዱ ስለ ዚሕዛ: የማነይቲ ኢዱ ብእተወሰነ ደረጃ ንሓደጋ እተቓልዐት እያ። ሓደ እሙን ፈታዊ ኣብ የማናይ እቲ ወተሃደር ቈይሙ ብምቅላስ ኪከላኸለሉ ይኽእል ነበረ። የሆዋ ልክዕ ከምዚ ኣብዚ እተጠቕሰ ዓይነት ፈታዊ: ወትሩ ንኣምለኽቱ ኺረድእ ድሉው ብምዃን ኣብ ጐድኖም እዩ ደው ዚብል።
6, 7. (ሀ) የሆዋ ንህዝቡ ኻብ ምሕጋዝ ፈጺሙ ኸም ዘየቋርጽ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብኸመይ መረጋገጺ ሂቡና፧ (ለ) ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ምትእምማን ኪህልወና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧
6 የሆዋ ንህዝቡ ኻብ ምሕጋዝ ዘቋረጸሉ እዋን ኣሎዶ፧ እዚ ኸቶ ዘይሕሰብ እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እግዚኣብሄር ካብ እከይ ዘበለ ኺሕልወካ: ንነፍስኻ ኺሕልዋ እዩ። እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘለኣለም ምውጻእካን ምእታውካን ኪሕሉ እዩ” ብምባል ዛዘመ። (መዝሙር 121:7, 8) ኣብዚ እቲ ጸሓፊ ኻብ ህሉው ግዜ ናብ መጻኢ ግዜ ኸመይ ከም ዝሰገረ ኣስተብህል። ኣቐዲሙ ኣብ ቍጽሪ 5 “እግዚኣብሄር ሓላዊኻ እዩ” ኢሉ ነይሩ: ኣብዘን ቍጽርታት እዚኣተን ግን “እግዚኣብሄር ካብ እከይ ዘበለ ኺሕልወካ . . . እዩ” በለ። እምበኣር ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኣብ መጻኢውን የሆዋ ኸም ዚሕግዞም መረጋገጺ ተዋሂብዎም ኣሎ። ኣብ ዝኸዱ ይኺዱ ወይውን ዝዀነ ይኹን ሓደጋ የጋጥሞም ብዘየገድስ: ንኺረድኦም ኢዱ ሓጻር ኣይክትከውንን እያ።—ምሳሌ 12:21
7 እወ: እቲ ንመዝሙር 121 ዝጸሓፋ: እቲ ዅሉ ዚኽእል ፈጣሪ ነገልገልቱ ኸም ሓላዪ ጓሳን ከም ንቑሕ ሓላውን ኰይኑ ኸም ዚሕልዎም ምትእምማን ነይርዎ እዩ። የሆዋ ስለ ዘይልወጥ: ንሕናውን ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር ምትእምማን ንኸነሕድር እኹል ምኽንያት ኣሎና። (ሚልክያስ 3:6) ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን ወትሩ ኣካላዊ ዕቝባ ኣሎና ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። እንተዀነ ግን: ወትሩ ኸም ረዳኢና ጌርና እንተ ርኢናዮ: ካብቲ መንፈሳዊ ጕድኣት ኬውርደልና ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ኬዕቍበና እዩ። ‘እሞ ደኣ የሆዋ ዚረድኣና ብኸመይ እዩ፧’ ዚብል ሕቶ ኺለዓል ግቡእ እዩ። ነዚ ዚገብረሉ ኣርባዕተ መገድታት ንርአ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ነገልገልቱ ብኸመይ ከም ዝረድኦም ክንርኢ ኢና። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ከኣ ሎሚ ንህዝቡ ብኸመይ ከም ዚሕግዞም ክንመሃር ኢና።
ካብ መላእኽቲ ዚወሃብ ሓገዝ
8. መላእኽቲ ብድሕንነት ምድራውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ዚግደሱ ምዃኖም ዜገርም ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧
8 የሆዋ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ መላእኽቲ ይእዝዝ እዩ። (ዳንኤል 7:9, 10) እዞም መንፈሳውያን ደቁ እዚኣቶም ብተኣማንነት ፍቓዱ ይፍጽሙ እዮም። (መዝሙር 103:20) ንሰብኣውያን ኣምለኽቱ ዓባይ ፍቕሪ ኸም ዘላቶን ኪረድኦም ከም ዚደልን ኣጸቢቖም ይፈለጡ እዮም። ስለዚ: መላእኽቲ ብድሕንነት ምድራውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ዚግደሱ ምዃኖም ዜገርም ኣይኰነን። (ሉቃስ 15:10) እምበኣር የሆዋ ንመላእኽቱ: ንደቅሰብ ኪሕግዙ ዚጥቀመሎም ምዃኑ የሐጕሶም ኪኸውን ኣለዎ። ብኸመይ ግን እዩ ንመላእኽቱ ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ ሰብኣውያን ኣገልገልቱ ንምሕጋዝ እተጠቕመሎም፧
9. መላእኽቲ ንእሙናት ሰባት ንኼዕቍቡ ኢሉ ኣምላኽ ሓይሊ ብዛዕባ ዝሃቦም እዋን ኣብነት ሃብ።
9 መላእኽቲ ንእሙናት ሰባት ንኼዕቍቡን ንኼድሕኑን ኢሉ ኣምላኽ ሓይሊ ዝሃቦም እዋን ነይሩ እዩ። ክልተ መላእኽቲ ንሎጥን ኣዋልዱን ካብ ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን ንኼምልጡ ሓገዝዎም። (ዘፍጥረት 19:1, 15-17) ሓደ መልኣኽ ንበይኑ ነቶም ንየሩሳሌም ዜስግኡ 185,000 ወተሃደራት ኣሶር ቀተለ። (2 ነገስት 19:35) ዳንኤል ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ምስ ተደርበየ: የሆዋ “መልኣኹ ልኢኹ: ኣፍ ኣናብስ ዐጸወ።” (ዳንኤል 6:21, 22) ሓደ መልኣኽ እውን ንሃዋርያ ጴጥሮስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጽኦ። (ግብሪ ሃዋርያት 12:6-11) መጽሓፍ ቅዱስ ዕቝባ መላእኽቲ እተራእየሉ ሓያሎ ኻልእ ኣብነታት እውን ይጠቅስ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ መዝሙር 34:7 ዚርከብ “መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ እዩ” ዚብል ሓሳባት የረጋግጽ።
10. የሆዋ ብሓደ መልኣኽ ገይሩ ንነብዪ ዳንኤል ብኸመይ ኣበራትዖ፧
10 ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት የሆዋ ንመላእኽቲ: ንእሙናት ሰባት ንምትብባዕን ንምብርታዕን ተጠቒሙሎም እዩ። ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 10 ልቢ ዚትንክፍ ኣብነት ንረክብ ኢና። ኣብቲ ግዜ እቲ ዳንኤል ምናልባት 100 ዓመት ኪመልእ ቀሪቡ ነይሩ ይኸውን። የሩሳሌም ባዲማ ብምጽናሓን እቲ ቤተ መቕደስ ዚህነጸሉ እዋን ብምድንጓዩን ኣዝዩ ሓዚኑ ነበረ። ዜፍርህ ራእይ ድሕሪ ምርኣዩ እውን ተረቢሹ ነበረ። (ዳንኤል 10:2, 3, 8) ኣምላኽ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንኼተባበዖ ኢሉ መልኣኽ ሰደደሉ። በዚ ጥራይ ከይኣክል እውን እቲ መልኣኽ ንዳንኤል “ኣዚኻ እተፈቶኻ” ብምባል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚርአ ኣዘኻኸሮ። እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ነብዪ ነቲ መልኣኽ “ኣበርቲዕካኒ ኢኻ” በሎ።—ዳንኤል 10:11, 19
11. መላእኽቲ ነቲ ብስራት ኣብ ምስባኽ ከም ዚሓብሩ ዜርኢ እንታይ ኣብነት ኣሎ፧
11 የሆዋ ኣብቲ ብስራት ናይ ምስባኽ ዕዮ ሓበርቲ ንኪዀኑ እውን ንመላእኽቲ ተጠቒሙሎም እዩ። ፊልጶስ ንሓደ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ኺሰብከሉ ሓበሬታ እተዋህቦ ኻብ ሓደ መልኣኽ እዩ ነይሩ: እቲ ኢትዮጵያዊ እውን ብኡንብኡ ተጠምቀ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:26, 27, 36, 38) ድሕርዚ ቕሩብ ጸኒሑ እቲ ብስራት ንዘይተገዝሩ ኣህዛብ ኪስበኽ ፍቓድ ኣምላኽ ኰነ። ቆርኔሌዎስ ንዚበሃል ንኣምላኽ ዚፈርህ ካብ ኣህዛብ ዝዀነ ሰብኣይ መልኣኽ ተራእዮ: ናብ ሃዋርያ ጴጥሮስ ሰብ ኪልእኽ ድማ ሓበሮ። እቶም ቆርኔሌዎስ ዝለኣኾም ሰባት ንጴጥሮስ ምስ ረኸብዎ “ንቆርኔሌዎስ . . . ናብ ቤቱ ኺጽውዓካ ኻባኻውን ቃል ኪሰምዕ: ብቕዱስ መልኣኽ ተገሊጹሉ አሎ” በልዎ። ጴጥሮስ ከምቲ ዝደለይዎ ገበረ: በዚ ኸምዚ ድማ ካብ ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ንመጀመርታ ግዜ ኽፍሊ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዀኑ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:22, 44-48) ሓደ መልኣኽ ምስቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ንኽትራኸብ ከም ዝሓገዘካ ምፍላጥካ ኸመይ ከም ዚስምዓካ እሞ ሕስብ ኣብሎ!
ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢልካ ዚወሃብ ሓገዝ
12, 13. (ሀ) ሃዋርያት የሱስ: መንፈስ ቅዱስ ከም ዚረድኦም ንምእማን ብቑዕ ምኽንያት ዝነበሮም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) መንፈስ ቅዱስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብኸመይ እዩ ሓይሊ ዝሃቦም፧
12 የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ንደቀ መዛሙርቱ ብዘይ ረዳኢ ኸም ዘይሕደጉ ኣረጋጊጹሎም ነይሩ። ኣቦኡ ረዳኢ ወይ “መጸናንዒ: መንፈስ ቅዱስ” ኪህቦም ምዃኑ ገሊጹሎም ነበረ። (ዮሃንስ 14:26) እቶም ሃዋርያት መንፈስ ቅዱስ ከም ዚሕግዞም እምነት ንኼሕድሩ ብቑዕ ምኽንያት ነበሮም። ከመይሲ: እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቕዱሳት ጽሑፋት: የሆዋ ነቲ ኻብ ኵሉ ዝበርትዐ ሓይሊ ዝዀነ መንፈስ ቅዱሱ ንህዝቡ ንምድጋፍ ብኸመይ ከም እተጠቕመሉ ብዚገልጽ ኣብነታት ዝመልአ እዩ።
13 ኣብ ሓያሎ ኣጋጣሚታት መንፈስ ቅዱስ ንሰባት ፍቓድ ኣምላኽ ንኺገብሩ ሓይሊ ንምሃብ ኣገልጊሉ እዩ። መሳፍንቲ ንእስራኤላውያን ንኼድሕኑ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ይህቦም ነበረ። (መሳፍንቲ 3:9, 10፣ 6:34) እዚ መንፈስ እዚ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብዙሕ ምጽራር እናወረዶም ክነሶም ብትብዓት ኪሰብኩ ሓይሊ ሃቦም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8፣ 4:31) ኣገልግሎቶም ኣብ ምፍጻም ዝረኸብዎ ኣሳልጦ: መንፈስ ቅዱስ ከም ዝዓየየ ዜርኢ ሓያል መርትዖ እዩ። እቶም “ዘይተማህሩ ጭዋታት” ውልቀ-ሰባት ኣብ ምልእቲ እታ ሽዑ እትፍለጥ ዓለም ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪዝርግሑ ዝኸኣሉ በዚ መንፈስ እዚ እንተ ዘይኰኑ እሞ ብኻልእ ከመይ ኢሉ ይኸውን፧—ግብሪ ሃዋርያት 4:13፣ ቈሎሴ 1:23
14. የሆዋ ንመንፈስ ቅዱሱ: ንህዝቡ ምስትውዓል ንምሃብ ብኸመይ እዩ ተጠቒሙሉ፧
14 የሆዋ ንመንፈስ ቅዱሱ: ንህዝቡ ምስትውዓል ንምሃብ እውን ተጠቒሙሉ እዩ። ዮሴፍ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ትንቢታዊ ሕልምታት ፈርኦን ተርጐሞ። (ዘፍጥረት 41:16, 38, 39) የሆዋ ብመንፈሱ ኣቢሉ ዕላማኡ ንትሑታት ኪገልጽ ከሎ: ካብቶም ዕቡያት ግን ሓብኦ። (ማቴዎስ 11:25) ስለዚ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ “ነቶም ዜፍቅርዎ” ዘዳለወሎም ነገራት “ንኣና ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ ገለጸልና” በለ። (1 ቈረንቶስ 2:7-10) ሓደ ሰብ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ጥራይ እዩ ፍቓድ ኣምላኽ ኪርድኦ ዚኽእል።
ካብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓገዝ
15, 16. እያሱ መገዱ ንኺሰልጦ እንታይ ኪገብር እዩ እተነግሮ፧
15 እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል የሆዋ ‘ንትምህርቲ ይጠቅም:’ ነገልገልቲ ኣምላኽ እውን ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሞም እተዳለዉ: ፍጹማት ኪዀኑ’ የኽእሎም። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) መጽሓፍ ቅዱስ ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ በቲ ሽዑ ተመዝጊቡ ዝነበረ ኽፋል ቃሉ ብኸመይ ከም እተሓገዙ ዚገልጽ ብዙሕ ኣብነታት ኣለዎ።
16 ቅዱሳት ጽሑፋት ንኣምለኽቲ የሆዋ ጽቡቕ መምርሒ ይህቦም እዩ። እያሱ ንእስራኤላውያን ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ምስ ተዋህቦ: “ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስ: መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር: እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ [ሙሴ ዝጸሓፎ እዩ] ኻብ ኣፍካ ኣይትፍለ። ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ: ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ” ብምባል ተነግሮ። ኣምላኽ ንእያሱ ብተኣምር መገዱ ኸም ዜስልጠሉ ወይ ጥበብ ከም ዜስርጸሉ ኣይተመባጽዓሉን። የግዳስ: እያሱ ነቲ “መጽሓፍ ሕጊ” እንተ ኣንቢብዎን እንተ ኣስተንቲኑሉን እዩ መገዱ ዚሰልጦ።—እያሱ 1:8፣ መዝሙር 1:1-3
17. ዳንኤልን ንጉስ ዮስያስን በቲ ኺረኽብዎ ዚኽእሉ ዝነበሩ ኽፋላት ቅዱሳት ጽሑፋት እተሓገዙ ብኸመይ እዮም፧
17 እቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ንፍቓዱን ዕላማኡን ንምግላጽ እውን ሓጊዙ እዩ። ንኣብነት: ዳንኤል ምብዳም የሩሳሌም ኪፍጸም ክንደይ ከም ዝተረፎ ኻብ ጽሑፋት እዩ ኣስተውዒሉ። (ኤርምያስ 25:11፣ ዳንኤል 9:2) ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ዝነገሰሉ እዋን እንታይ ከም ዘጋጠመ እውን ርአ። ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ እዋን እቲ ህዝቢ ኻብ የሆዋ ርሒቑ ነይሩ: እቶም ነገስታት ከኣ ነቲ ሕጊ ንብሕቶም ካብ ምቕዳሕን ካብ ምስዓቡን ሰኒፎም ነበሩ። (ዘዳግም 17:18-20) እቲ ቤተ መቐደስ ኪጽገን ከሎ ግን እቲ ብኢድ ሙሴ እተጻሕፈ ኪኸውን ዚኽእል “መጽሓፍ ሕጊ” ተረኽበ። እዚ ምናልባት እቲ 800 ዓመት ይገብር እተዛዘመ በዅሪ ጽሑፍ እዩ ዚኸውን። ዮስያስ ነቲ ኣብታ መጽሓፍ እተጻሕፈ ኺንበበሉ ምስ ሰምዐ: እቲ ህዝቢ ኻብ ፍቓድ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝረሓቐ ኣስተውዓለ: ነቲ ኣብታ መጽሓፍ እተጻሕፈ ንምፍጻም ድማ ተሪር ስጕምቲ ወሰደ። (2 ነገስት 22:8፣ 23:1-7) ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ በቲ ኺረኽብዎ ዚኽእሉ ዝነበሩ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ከም እተሓገዙስ ንጹርዶ ኸይኰነ፧
ካብ ካልኦት ኣመንቲ ዚርከብ ሓገዝ
18. ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኺ ንኻልእ ኣብ ዚረድኣሉ እዋን ምንጪ እቲ ሓገዝ የሆዋ እዩ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
18 የሆዋ ብዙሕ ግዜ ብኻልኦት ኣመንቲ ኣቢሉ ሓገዝ ይህብ እዩ። ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኺ ንኻልእ ኪረድእ ከሎ: ምንጪ እቲ ረድኤት ኣምላኽ እዩ። ከምዚ እንብል ስለምንታይ ኢና፧ ክልተ ምኽንያታት ኣሎና። ቀዳማይ: ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣብዚ ግደ ኣለዎ። እቲ መንፈስ ኣብቶም ብእኡ ኺምርሑ ዚደልዩ ሰባት ከም እኒ ፍቕርን ሕያውነትን ዝኣመሰለ ፍረ የፍሪ። (ገላትያ 5:22, 23) ስለዚ: ሓደ ኻብ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንኻልእ ኪሕግዝ እንተ ተደሪኹ: እዚ መንፈስ የሆዋ ኺዓዪ ኸሎ ዜርኢ እዩ። ካልኣይ: ንሕና ብመልክዕ ኣምላኽ ኢና ተፈጢርና። (ዘፍጥረት 1:26) እዚ ኸኣ ባህርያቱ: እንተላይ ሕያውነቱን ድንጋጹን ንኸነንጸባርቕ ክእለት ኣሎና ማለት እዩ። ስለዚ: ሓደ ኣገልጋሊ የሆዋ ንኻልእ ኣብ ዚረድኣሉ እዋን: እቲ ናይ ሓቂ ምንጪ እዚ ሓገዝ እዚ እቲ መልክዑ እነንጸባርቖ ዘሎና ኣምላኽ እዩ።
19. ብመሰረት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻባት: የሆዋ ብኣመንቲ ኣቢሉ ዚረድእ ብኸመይ እዩ፧
19 ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ ብኣመንቲ ኣቢሉ ኸመይ ገይሩ እዩ ዝረድአ፧ የሆዋ መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ ኻብ ኣገልገልቱ ንኻልእ ኣገልጋሊ ተግሳጽ ከም ዚህቦ ይገብር ነበረ። ሓደ ኣብነት: ኤርምያስ ንባሩኽ ዝሃቦ ተግሳጽ ኪጥቀስ ይከኣል። (ኤርምያስ 45:1-5) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ንኻልኦት ኣመንቲ ስጋዊ ሓገዝ ኪህቡ ተደሪኾም እዮም። ንኣብነት: ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ዝነበሩ ክርስትያናት ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ድኻታት ኣሕዋቶም ንምሕጋዝ ዘርኣይዎ ፍታው ኪጥቀስ ይከኣል። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ዝኣመሰለ ልግሲ “ንኣምላኽ ምስጋና” ኸም ዜምጽእ ጠቒሱ ኣሎ።—2 ቈረንቶስ 9:11
20, 21. ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ትሕቲ ኸመይ ዝኣመሰለ ዅነታት እዩ በቶም ካብ ሮሜ ዝኸዱ ኣሕዋት እተበራትዐ፧
20 ብፍላይ እቲ ኣገልገልቲ የሆዋ ንሓድሕዶም ንምብርታዕን ንምትብባዕን ዝገበርዎ ጻዕሪ ልቢ ዚትንክፍ እዩ። ንኣብነት: ንሃዋርያ ጳውሎስ ዝገበሩሉ እሞ ርአ። ተኣሲሩ ናብ ሮሜ ኣብ ዚኸደሉ እዋን: በቲ ሮማውያን ዝሰርሕዎ መገዲ ኣጵዩስ ኣቢሉ ተጓዕዘ። ኣብ ናይ መወዳእታ ኽፋል ጕዕዞኡ በቲ ትሑት ዝብራኸኡ ዓዘቕቲ ዝመልኦ ቦታ ስለ ዚሕለፍ: ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ።a ኣብ ጉባኤ ሮሜ ዝነበሩ ኣሕዋት: ጳውሎስ ይመጽእ ከም ዘሎ ሰምዑ። እንታይ ደኣ ገበሩ፧ ክሳዕ ዚመጾም ኣብቲ ምሾት ዘለዎ ቤቶም ድሕሪ ምጽናሕ ሰላምታ ጥራይ ድዮም ሂቦምዎ፧
21 እቲ ምስ ጳውሎስ ኣብዚ ጕዕዞ እዚ ዝኸደ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ሉቃስ: ድሕሪኡ እንታይ ከም ዝዀነ ኺገልጽ ከሎ “እቶም [ኣብ ሮሜ ዚነብሩ] ኣሕዋት ወሬና ምስ ሰምዑ ኸኣ: ክሳዕ ኣጵዩስ ፎሩስን ክሳዕ ሰለስተ መሓድርን ኪቕበሉና መጹ” በለ። ነዝስ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎ ትኽእልዶ፧ ጳውሎስ ከም ዚመጸእ ምስ ፈለጡ: ኣሕዋት ንኪቕበልዎ ኻብ ሮሜ መጹ። ገለ ኻብቶም ኪቕበልዎ እተላእኩ ኣብቲ ኻብ ሮሜ 74 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ርሒቑ ዚርከብ ዕዳጋ ኣጵዩስ ኪጽበይዎ ኸለዉ: እቶም ዝተረፉ ኸኣ ኣብቲ ኻብታ ኸተማ 58 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዚርከብ ሰለስተ መሓድር ዚበሃል መዕረፊ ቦታ ተጸበይዎ። ጳውሎስ ከመይ ተሰምዖ፧ ሉቃስ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ “ጳውሎስ ከኣ ምስ ረአዮም: ንኣምላኽ ኣመስገነ ልቡውን ሀድኤ” ኢሉ ጸሓፈ። (ግብሪ ሃዋርያት 28:15) ሕስብ እሞ ኣብሎ። ጳውሎስ ነቶም ነዚ ዅሉ ርሕቀት እተጓዕዙ ኣሕዋት ምስ ረኣዮም ጥራይ እዩ እተበራትዐን እተጸናንዐን! እዚ ሓገዝ እዚ ስለ እተገብረሉኸ ንመን እዩ ኣመስጊኑ፧ ነቲ ምንጪ እዚ ረድኤት እዚ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እዩ ኣመስጊኑ።
22. ናይ 2005 ዓመታዊት ጥቕሲ እንታይ እያ እትብል: ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽከ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧
22 የሆዋ መወዳድርቲ ዘይብሉ ረዳኢ ምዃኑ እቲ ብዛዕባ ዝገበሮ ነገራት ዚገልጽ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻባት ይሕብር እዩ። እምበኣር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 2005 ካብ መዝሙር 121:5 እተወስደት ‘ረዲኤተይ ካብ የሆዋ እዩ ዚመጸኒ’ እትብል ዓመታዊት ጥቕሲ ኺትህልዎም ግቡእ እዩ። እንተዀነ ግን: ሎሚ የሆዋ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ እዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።
[እግረ-ጽሑፍ]
a እቲ ተመሳሳሊ ጕዕዞ ዝገበረ ሆረስ ዚበሃል ሮማዊ ገጣሚ (65—8 ቅ.ኣ.ዘ.): ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ጕዕዞ ዘጋጠሞ ሽግራት ገሊጹ ኣሎ። ሆረስ ነቲ ኣብ ኣጵዩስ ዘሎ ዕዳጋ “ብሰብ ጃልባን ጠማዓት ሓለውቲ መዕረፍ ኣጋይሽን ዝመልአ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። በቲ ኣብኡ ዘጋጠሞ “እተረግሙ ጽንጽያን እንቍርዖብን” በቲ “ገለገለ ዚጥዕም” ማይን እውን ተመሪሩ እዩ።
ትዝክሮዶ፧
የሆዋ በዚ ዚስዕብ ኣቢሉ ኸመይ ገይሩ እዩ ሓገዝ ዝሃበ:-
• ብመላእኽቲ፧
• ብመንፈስ ቅዱሱ፧
• በቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ፧
• ብኻልኦት ኣመንቲ፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ናይ 2005 ዓመታዊት ጥቕሲ:- ‘ረዲኤተይ ካብ የሆዋ እዩ ዚመጸኒ።’—መዝሙር 121:2
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ጳውሎስ ካብቶም ካብ ሮሜ ዝኸዱ ኣሕዋት ሓገዝ ብምርካቡ ንኣምላኽ ኣመስገነ