መሊጦ ብዓል ሳርዴስ ተጣባቒ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ድዩ ነይሩ፧
ኣብ ዓዓመት ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብታ ብናይ እብራውያን ዓውደ-ኣዋርሕ 14 ኒሳን እትውዕል መዓልቲ ድራር ጐይታ የብዕሉ እዮም። ከምዚ ኺገብሩ ኸለዉ: ነቲ “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ዚብል ትእዛዝ የሱስ እዮም ዚሕልዉ። የሱስ ብ14 ኒሳን 33 ድ.ክ. ፋስጋ ድሕሪ ምብዓሉ እዩ ነቲ መስዋእታዊ ሞቱ በዓል ዝኽሪ ዘቘመ። እታ መዓልቲ እቲኣ ቕድሚ ምዝዛማ ኸኣ ሞተ።—ሉቃስ 22:19, 20፣ 1 ቈረንቶስ 11:23-28
ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ገሊኦም ሰባት ነታ በዓል ዝኽሪ እትበዓለላ ዕለትን ኣገባብ ኣበዓዕላኣን ኪቕይርዎ ጀመሩ። እታ የሱስ ዝሞተላ ዕለት ግን ኣብ ንእሽቶ እስያ ትበዓል ነበረት። ይኹን እምበር: ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዝሓበሮ: “ሮማን ኣለክሳንድርያን ኣብታ እትቕጽል ሰንበት [ፋስጋ ትንሳኤ ተባሂሉ ዚጽዋዕ] ትንሳኤ ናይ ምብዓል ልምዲ እዩ ነይርወን።” ኳርቶደሲማንስ (ዓሰርተው ኣርባዕታውያን) ተባሂሎም ዚጽውዑ ጕጅለ: ሞት የሱስ ክርስቶስ ብ14 ኒሳን ኪበዓል ከም ዘለዎ ይጣበቑ ነበሩ። መሊጦ ብዓል ሳርዴስ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ነበሮ። መሊጦ እንታዋይ እዩ፧ ነዝን ንኻልእን ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ተጣቢቑ፧
‘ዓብዪ ብርሃን’
ብመሰረት እቲ ዩሲቤስ ብዓል ቂሳርያ ዝጸሓፎ ኤክለስያስቲካል ሂስትሪ ዘርእስቱ ጽሑፍ: ኣብ መወዳእታ ኻልኣይ ዘመን: ጶሊክራጠስ ብዓል ኤፌሶን: “ብመሰረት እቲ ወንጌል: ንስርዓት እታ እምነት እናሰዓቡ እምበር: ካብኣ ኸይዘምበሉ: መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ እቲ ፋስጋ የብዕሉ ነበሩ” ብምባል ብዛዕባ እቲ በዓል ዚጣበቕ ደብዳበ ናብ ኤፌሶን ለኣኸ። ኣብታ ደብዳበ ተገሊጹ ኸም ዘሎ: እቲ ኣቡን እታ ኣብ ልድያ እትርከብ ሳርዴስ ዝነበረ መሊጦ: ሓደ ኻብቶም 14 ኒሳን ክትበዓል ከም ዘለዋ ዚድግፉ ሰባት እዩ ነይሩ። እታ ደብዳበ: ብግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ንመሊጦ ኸም ሓደ ኻብቶም ‘ዝደቀሱ ዓበይቲ ብርሃናት’ ገይሮም ይርእይዎ ምንባሮም ትጠቅስ። መሊጦ ኸም ዘይተመርዓወ ኸምኡውን “ምሉእ ብምሉእ ንመንፈስ ቅዱስ ይነብር ዝነበረን ካብ ሞት ዚትንስኣሉ ጽውዓ ኣብቲ ዝዓረፈሉ ሳርዴስ ኰይኑ ዚጽበን” ምዃኑ ጶሊክራጠስ ገለጸ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ: መሊጦ ሓደ ኻብቶም ክርስቶስ ክሳዕ ዚምለስ ትንሳኤ ኸም ዘይህሉ ዚኣምኑ ዝነበሩ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል ማለት እዩ።—ራእይ 20:1-6
መሊጦ እምበኣር ተባዕን ቈራጽን ሰብኣይ ዝነበረ እዩ ዚመስል። ነቲ ኻብ 161 ክሳዕ 180 ድ.ክ. ሃጸይ ሮማ ዀይኑ ዚገዝእ ዝነበረ ማርከስ ኣርልየስ እኳ ኸይተረፈ: ኣፖሎጂ ዚበሃል ንክርስትያናት ዚጣበቕ ብዓይነቱ ሓደ ኻብቲ ፈለማ እተመዝገበ ጽሑፍ ጽሒፉሉ እዩ። መሊጦ ንክርስትና ንምጥባቕ ከምኡውን ንእኩያትን ስሱዓትን ሰባት ንምዅናን ኣይፈርህን እዩ ነይሩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ንብረት ክርስትያናት ምእንቲ ኺሰርቁ ኢሎም: ኣብ ልዕሊኦም መስጐጕቲ ንምውራድን ብግፍዒ ንምዅናንን እተፈላለየ ኣዋጃት ንጉስ ከም መመኽነይታ ይጥቀሙ ነበሩ።
መሊጦ ነቲ ሃጸይ ብትብዓት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሉ:- “ነቶም ምኽንያት እዚ ናዕቢ ዝዀኑ [ክርስትያናት] መርሚርካ: ሞትን መቕጻዕትን ወይ ዕቝባን ውሕስነትን ዚግብኦም እንተ ዀይኑ ብቕንዕና ኽትፈርድ: ነዚኣ ጥራይ ንልምነካ። እዚ ንባርባራውያን ጸላእቲ እኳ ዘይግባእ መምርሕን እዚ ሓድሽ ኣዋጅን ካባኻ እንተ ዘይኰይኑ ግን: ኣብዚ ብጭፍራ ሰባት ዚግበር ዘሎ ዘረፋ ዕሽሽ ኢልካ ኸይትርእዮ ብጽኑዕ ንልምነካ።”
ንክርስትና ንምጥባቕ: ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቕመ
መሊጦ ኣብ መጽናዕቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዓብዪ ተገዳስነት ኣርእዩ እዩ። ብምሉኡ እቲ ጽሑፋቱ እኳ እንተ ዘይብልና: ገሊኡ ኣርእስታት ግን ብዛዕባ ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ከም ዝነበሮ ዚገልጽ እዩ። ገለ ኻብኡ ብዛዕባ ህይወት ክርስትያንን ነብያትን: ብዛዕባ እምነት ሰብ: ብዛዕባ ፍጥረት: ብዛዕባ ጥምቀትን ሓቅን እምነትን ውልደት ክርስቶስን: ብዛዕባ ምቕባል ኣጋይሽ: ብዛዕባ መፍትሕ: ከምኡውን ብዛዕባ ድያብሎስን ራእይ ዮሃንስን ይርከቦ።
መሊጦ ንብዝሒ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብልክዕ ምእንቲ ኺፈልጦ ኢሉ ምርምር ንምግባር: ብብሕቱ ናብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ዓድታት ከይዱ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “በዚ መሰረት እዚ: ናብ ምብራቕ ምስ ከድኩ እሞ: ኣብቲ እዚ ነገራት እዚ ዚሰብኩሉን ንናብራኦም ዚመርሑሉን ዝነበሩ ቦታ ምስ በጻሕኩ: ነቲ መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ብልክዕ ፈሊጠ ሓቅታት ድሕሪ ምምዝጋብ: ናባኻ ለኣኽክዎ።” እዚ ዝርዝር እዚ ንመጽሓፍ ነህምያን ኣስቴርን ዚጠቅስ እኳ እንተ ዘይኰነ: ብሓደ ኻብቶም ክርስትያን ዚበሃሉ እተጻሕፈ ቐኖናዊ መጻሕፍቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዝሓዘ ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ዚወሃቦ መዝገብ እዩ።
መሊጦ ምርምር ኣብ ዚገብረሉ እዋን: ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እተዋጽአ ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ ትንቢታት ዝሓዘ እተፈላለየ ጥቕስታት ኣከበ። እዚ ኣስተዋጽኦ ዘርእስቱ መሊጦ ዘዳለዎ ጽሑፍ: የሱስ እቲ ንነዊሕ ግዜ ትጽቢት እተገብረሉ መሲህ ምዃኑ: ሕጊ ሙሴን ነብያትን ከኣ ናብ ክርስቶስ ከም ዚሕብር ይገልጽ።
ንዋጋ እቲ በጃ ተጣበቐ
ኣብተን ኣገደስቲ ኸተማታት ንእሽቶ እስያ: ብዙሓት ኣይሁድ ነበሩ። እቶም ኣብታ መሊጦ ዚነብረላ ዝነበረ ሳርዴስ ዝነበሩ ኣይሁድ: ብ14 ኒሳን ፋስጋ እብራውያን የብዕሉ ነበሩ። መሊጦ እቲ ፋስጋ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ሕጋዊ ምንባሩ ዚሕብርን ነቲ ክርስትያናት ብ14 ኒሳን ዜብዕልዎ ድራር ጐይታ ዚጣበቐሉን ፋስጋ ዘርእስቱ ስብከት ጸሓፈ።
መሊጦ ኣብ ዘጸኣት ምዕራፍ 12 ሓሳባት ድሕሪ ምሃቡን እቲ ፋስጋ ጽላሎት መስዋእቲ ክርስቶስ ከም ዝዀነ ድሕሪ ምሕባሩን: ክርስትያናት ፋስጋ ዘየብዕሉሉ ምኽንያት ገለጸ። እዚ ኸኣ ኣምላኽ ንሕጊ ሙሴ ስለ ዝሰዓሮ እዩ። ድሕሪኡ: መስዋእቲ ክርስቶስ ስለምንታይ ከም ዘድለየ ኺገልጽ ከሎ: ኣምላኽ ንኣዳም ኣብ ገነት ዘንበሮ ሓጐስ ዝመልኦ ህይወት ምእንቲ ኺነብር ምዃኑ ሓበረ። እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ ግን ነቲ ኻብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፈልጥ ኦም ከይበልዕ እተዋህቦ ትእዛዝ ኣፍረሰ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኸኣ በጃ ኣድለየ።
መሊጦ ቐጺሉ: የሱስ ንዚኣምኑ ደቅሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ንኺብጆ ኢሉ ናብ ምድሪ ኸም ዝመጸን ኣብ ዕንጨይቲ ኸም ዝሞተን ገለጸ። እቲ ዜገርም ከኣ: መሊጦ ብዛዕባ እታ የሱስ ዝሞተላ ዓንዲ ኺገልጽ ከሎ: ነታ “ዕንጨይቲ” ዝትርጕማ ዛይሎን እትብል ናይ ግሪኽ ቃል እዩ ተጠቒሙ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:30፣ 10:39፣ 13:29
መሊጦ ኣብ ስግር ንእሽቶ እስያ እውን ይፍለጥ ነይሩ እዩ። ተርቱልያን: ክለመንት ብዓል ኣለክሳንድርያ: ከምኡውን ኦሪጀን ንጽሑፋቱ ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም። ኰይኑ ግን: ራንየሮ ካንታላመሳ ዚበሃል ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝገለጾ: “ፋስጋ ሰንበት ልሙድ እናዀነ ድሕሪ ምኻዱ: እቶም ኳርቶደሲማንስ ከም መናፍቕ ጌርካ ኺርኣዩ ምስ ጀመሩ: መሊጦ እናኣንቈልቈለ ኸደ: ጽሑፋቱ ድማ ቀስ ብቐስ ጠፍአ።” ኣብ መወዳእታ: ጽሑፋት መሊጦ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ጠፊኡ ነይሩ እዩ።
ኣደዳ ኽሕደት ድዩ ነይሩ፧
ድሕሪ ሞት ሃዋርያት: እቲ ኣቐዲሙ ተነጊሩ ዝነበረ ኽሕደት ናብ ናይ ሓቂ ክርስትና ለሓዀ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30) እዚ ንመሊጦ ኸም ዝጸለዎ ንጹር እዩ። እቲ እተሓላለኸ ኣጸሓሕፋኡ: ንጽሑፋት ፍልስፍና ግሪኽን ናይ ሮማ ዓለምን ዜንጸባርቕ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚውን እዩ ዚኸውን መሊጦ ንክርስትና “ፍልስፍናና” ኢሉ ዝጸውዖ። ነቲ ናይ ሽዑ ክርስትና ምስ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮማ ምውህሃዱ: “ከም እተዓወተ ዜርኢ . . . ካብ ኵሉ ዝዓበየ መርትዖ” ገይሩ ገለጾ።
መሊጦ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ: “ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ: ብልማድ ሰብ: ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ: ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ: ተጠንቀቑ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ብርግጽ ኣብ ልቡ ኣየንበሮን። ስለዚ: መሊጦ ብእተወሰነ መዳይ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተ ተጣበቐ: ኣብ ብዙሕ መዳያት ግን ሓዲግዎ እዩ።—ቈሎሴ 2:8
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ብ14 ኒሳን የሱስ ድራር ጐይታ ኣቘመ