ታሪኽ ህይወት
ኣምላኽ መከራ ዝፈቐደሉ ምኽንያት ምፍላጠይ ንህይወተይ ቀየሮ
ሃሪ ፐሎያን ዘዘንተዎ
ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧ እዛ ሕቶ እዚኣ ኻብ ግዜ ቝልዕነተይ ኣትሒዛ ትርብሸኒ ነበረት። ወለደይ: ጻዕራማትን ሓቀኛታትን ብዛዕባ ስድራኦም ኣዝዮም ዚግደሱን ሰባት እዮም ነይሮም። እንተዀነ ግን: ኣቦይ ሃይማኖታዊ ኣይነበረን: ኣደይውን እንተዀነት ክሳዕ ክንድቲ ሃይማኖታዊት ኣይነበረትን። ስለዚ: ነታ ሕቶይ ኪምልሱለይ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም።
እ ዛ ሕቶ እዚኣ: ብሕልፊ ብግዜ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ንሰለስተ ዓመት ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን: ዝያዳ ኸተተሓሳስበኒ ጀመረት። እቲ ውግእ ድሕሪ ምዝዛሙ: ኣብታ ረድኤት ሒዛ ናብ ቻይና እትኸይድ መርከብ ተመደብኩ። ኣብኡ ንልዕሊ ዓመት ኣብ ዝጸናሕኩሉ እዋን ነቲ ዚወርድ ዝነበረ መጠነ-ሰፊሕ መከራ ተዓዚበዮ እየ።
ቻይናውያን ህርኩታትን መስተውዓልትን ህዝቢ እዮም። ብዙሓት ሰባት ግን ብሰንኪ ድኽነት ከምኡውን ብሰንኪ እቲ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ዘምጸኦ ዓመጻ: መከራ ይወርዶም ነበረ። ብሕልፊ ድማ እቶም እተመጣጠነ ምግቢ ዘይረኽቡን ዝበለየ ኽዳውንቲ ዝገበሩን ተፈተውቲ ቘልዑ: ናብ ገምገም ባሕሪ ኽንከይድ ከለና ኺልምኑና ኸለዉ: ከብደይ ይበልዑኒ ነበሩ።
ስለምንታይ፧
ብ1925 ኣብ ካሊፎርኒያ: ሕ.መ.ኣ. እየ ተወሊደ ዓብየ። ከምዚ ግን ርእየ ኣይፈልጥን እየ። ስለዚ ድማ እየ ደጋጊመ: ‘ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ እንተደኣ ኣልዩ: ከምዚ ዓይነት ኵነታት ንብዙሓት ሰባት ብሕልፊ ድማ ነዞም ክፍኣት ዘይብሎም ቈልዑ ንኺወርዶም ዜፍቅድ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢለ ዝሓትት ዝነበርኩ።
ብተወሳኺውን: ኣምላኽ ብርግጽ እንተደኣ ኣልዩ: እዚ ዅሉ ጥፍኣት: ጃምላዊ ቕትለት: ሞት: ከምኡውን እዚ ንዘመናት ኣብ ሰባት ዚወርድ ዘሎ መከራ—ብፍላይ ድማ ብግዜ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ልዕሊ 50 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ህይወቶም ኣብ ዝሰኣኑሉ እዋን: እዚ ዅሉ ንኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ ምዃኑ ይገርመኒ ነበረ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ኣብ ብምሉእ እቲ ውግእ ሓደ ዓይነት ሃይማኖት ዝነበሮም ሰባት: በቶም ኣቕሽሽቲ ተደሪኾም ዜግነቶም ጥራይ ስለ ዝፈላለ ነንሓድሕዶም ዚቃተሉ ስለምንታይ እዮም፧
እታ ተለስኮፕ
ብ1939 ካልኣይ ውግእ ዓለም ኪጅምር ከሎ ሰባት ብጅምላ ይሕረዱ ስለ ዝነበሩ: ኣምላኽ የለን ኢለ ኽሓስብ ጀመርኩ። ብድሕርዚ: ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ: ስነ-ፍልጠት ክንመሃር ከለና: ነፍሲ ወከፍና ምስ ስነ-ፍልጠት ዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ነገር ሰሪሕና ንኸነምጽእ ተኣዘዝና። ስነ-ኮኸብ እፈቱ ብምንባረይ: 20 ሰንቲ ሜተር ሰንጣቒት ዘለዋ መስትያት ገይረ ተለስኮፕ ክሰርሕ ጀመርኩ።
ነዛ ተለስኮፕ እዚኣ ንምስራሕ 2.5 ሰንቲ ሜተር ዝርጕዱ 20 ሰንቲ ሜተር ዝስፍሓቱ ጥርሙዝ ዓዲገ: ብኽቢ ኣቝረጽክዎ። ብድሕርዚ: ነቲ ጥርሙዝ ኣብ ማእከሉ ጕድጕድ ወይ ድማ ዕሙቕ ዝበለ ንምግባር መፋሕፍሒ ገይረ ብኢደይ ክፍሕፍሖ ጀመርኩ: እዚ ድማ ኣዝዩ ኣድካሚ ነበረ። ኣብ ምሉእ ወቕቲ ትምህርቲ ኣብ ግዜ ዕረፍተይ ነዚ ጥራይ እየ ዝሰርሕ ነይረ። እቲ መስትያት ተሰሪሑ ምስ ተወድአ: ኣብ ውሽጢ ሓደ ነዊሕ ናይ ሓጺን ቱቦ ኣእተኽዎ: እተፈላለየ ለንስ እውን ኣብ በቦታኡ ገጠምኩሉ።
ደበናን ወርሕን ኣብ ዘይነበሮ ሓደ ምሸት: ነታ እተዛዘመት ተለስኮፕ ናብ ደገ ወሲደ ናብ ከዋኽብትን ናብተን ፕላነታት ስርዓተ-ጸሓይና ገጻ ኸም እተተኵር ገበርክዋ። ብዝሒ እቲ ሰማያዊ ኣካላት ከምኡውን ኵሉ ነገራት ክሳዕ ክንደይ እተወደበ ምዃኑ ምርኣየይ ኣዝዩ ገረመኒ። ብድሕርዚ: እቶም “ከዋኽብቲ” እዮም ኢለ ዝሓስቦም ዝነበርኩ: ልክዕ ከምዚ እንነብረሉ ዘለና ጸባዊ መገዲ ዚበሃል ጋላክሲ: ንሳቶምውን ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ኸዋኽብቲ ዝሓዙ ጋላክስታት ምዃኖም ምስ ፈለጥኩ እሞ ኸኣ ብዝያዳ እዩ ኣስደሚሙኒ።
‘መቸም እዚ ዅሉ ባዕሉ ኺመጽእ ኣይክእልን እዩ። ሓደ ብዚግባእ እተወደበ ነገር ብሃንደበት ኪመጽእ ኣይክእልን እዩ። እዚ ዩኒቨርስ ድማ ብዚግባእ እተመሓደረ ስለ ዝዀነ: ብሓደ በሊሕ ኣእምሮ ዘለዎ ኣካል እተሰርሐ ክኸውን ኣለዎ። ኣምላኽ ደዀን ይህሉ ይኸውን፧’ ኢለ ኽሓስብ ጀመርኩ። እቲ በዛ ተለስኮፕ ዝረኣኽዎ ነገር: ነቲ ቕድሚ ሕጂ ዝነበረኒ ኣምላኽ የለን ዚብል ደረቕ ኣረኣእያይ: ምልስ ኢለ ንኽሓስበሉ ገበረኒ።
ስለዚ ድማ ንርእሰይ: ‘ነዚ ዜደንቕ ዩኒቨርስ ኪፈጥር ዚኽእል ሓያልን ጥበበኛን ፈጣሪ እንተደኣ ኣልዩ: ኣብዛ ምድሪ ንዘሎ ዜሕዝን ኵነታት ኬዐርዮዶ ኣይክእልን እዩ፧ ንምዃኑኸ እዚ ዅሉ ሕሰም ንኺህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢለ እሓትት ነበርኩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ንሃይማኖታውያን ሰባት ሓተትክዎም: ንሳቶም ግን ዜዕግብ መልሲ ኺህቡኒ ኣይከኣሉን።
ካልኣይ ደረጃ ትምህርተይ ምስ ወዳእኩን ኣብ ኮሌጅ እተወሰነ ዓመታት ምስ ተመሃርኩን: ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ሕ.መ.ኣ. ዀንኩ። ይኹን እምበር: እቶም ናይ ሰራዊት ኣቕሽሽቲ እውን እንተዀኑ ነታ ሕቶይ ኪምልሱለይ ኣይከኣሉን። መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ሃይማኖታውያን ሰባት: “ጐይታ ብምስጢራዊ መገዲ እዩ ዚዓዪ” ይብሉኒ ነበሩ።
ምድላይ ቀጸልኩ
ካብ ቻይና ምስ ተመለስኩ እውን እንተዀነ: ስለምንታይ ኣምላኽ መከራ ኸም ዘፍቀደ ምሕሳበይ ኣየቋረጽኩን። ብፍላይ ድማ ብሰላማዊ ውቅያኖስ ጌርና ኽንምለስ ከለና: ኣብቲ ደው እንብለሉ ዝነበርና እተፈላለየ ደሴታት ናይ ወተሃደራት መቓብር ክርኢ ኸለኹ: እዛ ሕቶ መመሊሳ ትርብሸኒ ነበረት። ዳርጋ ዅሉ እቲ መቓብራት ናይቶም ኣብ ሰዊት ዕድሚኦም ዝሞቱ መንእሰያት እዩ ነይሩ።
ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ምስ በጻሕኩ: ካብ ሓይሊ ባሕሪ ተሰናበትኩ: ካብቲ ኣብ ካምብሪጅ: ማሳቹሰትስ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ንኽምረቕ ድማ ሓንቲ ዓመት ተሪፋትኒ ነበረት። ድሕሪ ሓደ ዓመት ተመሪቐ ዲግሪ ረኸብኩ: ናብ ካሊፎርኒያ ግን ኣይተመለስኩን። ኣብ ክንዳኡስ: ነታ ሕቶይ መልሲ እናኣናደኹ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ኣመሪካ ኽጸንሕ ወሰንኩ። ናብታ ብዙሕ ሃይማኖታት ዚርከበላ ኸተማ ኒው ዮርክ ከይደ: ኣብ ሓድሓደ ሃይማኖታዊ ኣኼባታት ክካፈልን እንታይ ከም ዚምህሩ ኽርእን ደለኹ።
ኣብ ኒው ዮርክ እትነብር ሓትኖይ ኢዛቤል ካፒጀን: ምስኣ ንኽነብር ሓተተትኒ። ንሳን እተን ሮዝን ሩትን ዝበሃላ ደቃን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበራ። እቲ እምነተን ብዙሕ ዜገድስ ኰይኑ ስለ ዘይተሰምዓኒ: ኣብ ካልእ ሃይማኖታዊ ኣኼባታት ክካፈልን ምስቶም ኣብኡ ዝረኽቦም ክዘራረብን ጽሑፋቶም ከንብብን ጀመርኩ። ስለምንታይ ኣምላኽ መከራ ኸም ዘፍቀደ ምስ ሓተትክዎም ግን ክምልሱለይ ኣይከኣሉን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ምናልባት ኣምላኽ የለን ኢለ ደምደምኩ።
መልሲ ረኸብኩ
ብድሕርዚ: ኣረኣእያ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ጽሑፋቶም ከንብብ እኽእል እንተ ዀይነ ንሓትኖይን ደቃን ሓተትክወን። ነቲ ጽሑፋቶም ምስ ኣንበብክዎ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ካልኦት ሃይማኖታት እተፈልዩ ምዃኖም ቀልጢፈ ኽፈልጥ ከኣልኩ። እቲ ዚህቦ መልሲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወስደን ዜዕግብን እዩ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ኣምላኽ መከራ ዝፈቐደሉ ምኽንያት ፈለጥክዎ።
እዚ ጥራይ ዘይኰነ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መልሶም ብግብሪ ኸም ዚድግፍዎ ኽርኢ ኸኣልኩ። ንኣብነት: እቶም ኣብ ጀርመን ዚነብሩ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ግዜ ኻልኣይ ውግእ ዓለም እንታይ ከም ዝገበሩ ንሓትኖይ ሓተትክዋ። ኣብ ውትህድርና ተኸቲቦምዶ፧ “ሃይል ሂትለር” ብምባል ነቲ ናይ ስዋስቲካ ኣርማ ዘለዎ ባንዴራ ሰላምታ ሂቦምዶ፧ እቲ መልሲ: ፈጺሞም ከምኡ ኣይገበሩን ዚብል ነበረ። ኣብ ክንዳኡስ: ብምኽንያት ገለልትነቶም ናብቲ ብዙሓት ካብኣቶም እተቐትሉሉ መዳጐኒ ደምበ ተላእኩ። ኣብ ግዜ እቲ ውግእ: ኣቕዋም እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ገለልትነት ምሕላው ምንባሩ ገለጸትለይ። ኣብተን ደሞክራስያውያን ሃገራት እውን ከይተረፈ: መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምኽንያት ገለልትነቶም ተኣሲሮም እዮም።
ሓትኖይ ነታ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” እትብል ዮሃንስ 13:35 ከንብባ ሓተተትኒ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ እታ መለለዪት ዝዀነት ፍቕሪ ኽትህልዎም ኣለዋ። ዜግነቶም ስለ ዚፈላለ: ኣብ ውግእ ኣብ ክልተ ተቓወምቲ ወገናት ኰይኖም ነንሓድሕዶም ኣይቃተሉን እዮም። “የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ውግእ ሮሜ ኣብ ክልተ ተቓወምቲ ወገናት ኰይኖም ነንሓድሕዶም ምተቓተሉዶ፧” ብምባል ሓተተትኒ።
ብተወሳኺውን: 1 ዮሃንስ 3:10-12 ከንብባ ሓተተትኒ። ከምዚ ድማ ትብል:- “ጽድቂ ዘይገብርን ንሓዉ ዘየፍቕርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን: ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚ እዮም ዚግለጹ። ንሓድሕድና ኽንፋቐር [ኣሎና]: . . . ከምቲ ኻብ እኩይ ዝነበረ: ንሓዉ ኸኣ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን።”
መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ ኸም ዘለዎም እዩ ዚምህር። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዮም ንመንፈሳዊ ሓዎም ይኹን ንኻልእ ሰብ ዘይቀትሉ። የሱስ ንሰዓብቱ ብዚምልከት: “ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” በለ።—ዮሃንስ 17:16
ዝፈቐደሉ ምኽንያት
ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን: ኣምላኽ መከራ ዘፍቀደሉ ምኽንያት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚነግረና ፈለጥኩ። ብዘይካዚውን: ኣምላኽ ነቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ኺፈጥሮም ከሎ: ፍጹማን ገይሩ ኸም ዝፈጠሮምን ኣብ ገነት ከም ዘቐመጦም ይገልጽ። (ዘፍጥረት 1:26፣ 2:15) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ነቲ ኣዝዩ ተበሃጊ ህያብ ዝዀነ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሃቦም። ነዚ ግን ብጥንቃቐ ኺጥቀሙሉ ነበሮም። ንኣምላኽን ንሕግታቱን እንተ ዚእዘዙ ነይሮም: ፍጹማን ኰይኖም ኣብ ገነት ምንባር ምቐጸሉ ነይሮም። ንዶባት እታ ገነት ክሳዕ ንምድሪ ዚመልኣ መስፍሕዎ ነይሮም። ውሉዳቶም ከምኦም ፍጹማት ምዀኑ ነይሮም: በዚ ኸምዚ ድማ መላእ ምድሪ በቶም ፍጹማትን ሕጉሳትን ዝዀኑ ሰባት ዝመልአት ግርማዊት ገነት ምዀነት ነይራ።—ዘፍጥረት 1:28
ይኹን እምበር: ኣዳምን ሄዋንን ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ብርእሶም ኪምርሑ እንተደኣ መሪጾም: ንሱ ድማ ፍጹማት ኰይኖም ንኪቕጽሉ ኣይፈቕደሎምን እዩ። (ዘፍጥረት 2:16, 17) እቲ ዜሕዝን ግን እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቶም ብዘይ ግቡእ ተጠቕሙሉ: ካብ ኣምላኽ ኪፍለዩ ድማ መረጹ። በቲ ደሓር ሰይጣን ድያብሎስ ተባሂሉ እተፈልጠ ዓመጸኛ መንፈሳዊ ፍጡር እዮም ተደሪኾም። ንሱ ኻብ ኣምላኽ ተፈሊኻ ናይ ምንባርን ነቲ ንኣምላኽ ጥራይ ዚግባእ ኣምልኾ ናይ ምርካብን ባህጊ ሓደሮ።—ዘፍጥረት 3:1-19፣ ራእይ 4:11
በዚ ኸምዚ ድማ ሰይጣን “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ዀነ። (2 ቈረንቶስ 4:4) መጽሓፍ ቅዱስ “ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ” ይገልጽ እዩ። (1 ዮሃንስ 5:19) የሱስ ንሰይጣን “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (ዮሃንስ 14:30) ሰይጣንን እቶም ናይ መጀመርታ ወለድናን ዘርኣይዎ ዘይምእዛዝ: ንዅሎም ደቅሰብ ዘይፍጽምና: ዓመጻ: ሞት: ስቓይ: ከምኡውን መከራ ኣምጸኣሎም።—ሮሜ 5:12
‘መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኣይኰነን’
ኣምላኽ ንሕግታት ፈጣሪ ዕሽሽ ምባል እንታይ ከም ዜምጽእ ንደቅሰብ ንምርኣይ: እቲ ሳዕቤኑ ንኣሽሓት ዓመታት ንኪቕጽል ፈቐደ። ኣብዚ ዓመታት እዚ ደቅሰብ ንሓቅነት እቲ “ጐይታየ: መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ። ጐይታየ: ቅጽዓኒ” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓሳብ ንኺዕዘቡ ኣጋጣሚ ሂብዎም እዩ።—ኤርምያስ 10:23, 24
ሕጂ: ድሕሪ እዚ ዅሉ ዘመናት: ካብ ኣምላኽ ተፈሊኻ ምንባር ሓደገኛ ምዃኑ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ስለዚ: ኣምላኽ: ነዚ ደቅሰብ ካብኡን ካብ ሕጉን ተፈልዮም ዚገብርዎ ዘለዉ ኣዕናዊ ፈተነ መወዳእታ ኺገብረሉ ዕላማ ኣለዎ።
ዜደንቕ ተስፋ
ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ኣብ ቀረባ እዋን ነዚ እኩይን ጨካንን ኣገባብ መወዳእታ ኺገብረሉ ምዃኑ ኺሕብር ከሎ: “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን: . . . ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ይብል።—መዝሙር 37:10, 11
እቲ ኣብ ዳንኤል 2:44 ዚርከብ ትንቢት ከምዚ ብምባል ይእውጅ:- “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም [ሕጂ ዘሎ ዅሉ ዓይነት ግዝኣታት] ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን: ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።” ድሕሪ ደጊም ሰብኣዊ ግዝኣት ንኺገዝእ ኣይኪፍቀደሉን እዩ። መላእ ምድሪ ብመንግስቲ ኣምላኽ ክትግዛእ እያ። ኣብ ትሕቲ ምምሕዳራ: ምድሪ ብምልእታ ገነት ክትከውን ከምኡውን ደቅሰብ ብሓጐስ ንዘለኣለም ንኺነብሩ ናብ ፍጽምና ኺበጽሑ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ: “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። . . . ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ብምባል ይመባጻዕ። (ራእይ 21:4) ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ተስፋ ዀን እዩ ኣዳልዩልና ዘሎ!
ህይወተይ ተቐየረ
ነቲ ዝነበረኒ ሕቶታት ዜዕግብ መልሲ ብምርካበይ ህይወተይ ተቐየረ። ካብ ሽዑ ጀሚረ: ንኣምላኽ ከገልግል ከምኡውን ካልኦት ሰባት መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ንኪረኽቡ ኽሕግዝ ደለኹ። ርዝነት እቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 2:17 ዚርከብ ከምዚ ዚብል ሓሳብ ይርድኣኒ እዩ:- “ዓለም [እዚ ብሰይጣን ዚግዛእ ዘሎ ኣገባብ] ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።” ኣብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ክነብር እየ ዝደሊ። ኣብ ኒው ዮርክ ንኽጸንሕን ምስ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽሓብርን ወሰንኩ: እዚ ድማ ነቲ ኣነ እተመሃርክዎ ኻልኦት እውን ንኺመሃርዎ ኣብ ምሕጋዝ ዜሐጕስ ተመክሮ ንኽረክብ ኣኽኣለኒ።
ብ1949 ምስ ሮዝ መሪ ሉዊስ ተላለኹ። ንሳ: ኣዲኣ ሳዲ: ከምኡውን እተን ሽዱሽተ ኣሓታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበራ። ሮዝ ኣብቲ ናይ ስብከት ዕዮ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰይና እያ ንኣምላኽ ተገልግሎ ነይራ። ብዙሕ ጽቡቕ ባህርያት ነበራ: እዚ ድማ ቀልጢፈ ንክቐርባ ገበረኒ። ኣብ ሰነ 1950 ተመርዒና ኣብ ኒው ዮርክ ንነብር ነበርና። በቲ እንገብሮ ዝነበርና ዕዮን በቲ ኣብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋናን ሕጉሳት ነበርና።
ብ1957 ኣነን ሮዝ መሪን ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ንኽንከውን ተዓደምና። ካብ እንምርዖ: ሰነ 2004: 54 ዓመት እዩ ዀይኑና: ካብዚ ድማ ነቲ 47 ዓመት ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኴንና ኢና ኣሕሊፍናዮ። እተን ዓመታት ንየሆዋ ኣብ ምግልጋልን ምስቶም በሽሓት ዚቝጸሩ ኣመንቲ ብጾትና ሓቢርና ብምዕያይን ዘሕለፍናየን እተባረኻ ዓመታት እየን ነይረን።
ዝኸፍአ መከራ ኣጋጠመኒ
እቲ ዜሕዝን ግን: ኣብ ታሕሳስ 2004 ሮዝ መሪ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ሳናቡኣ መንሽሮ ኸም ዘለዋ ተፈልጠ። እቶም ክኢላታት ሕክምና እዚ ጥረ እዚ ብቕልጡፍ ዚዓቢ ብምዃኑ ኼልግስ ከም ዘለዎ ተሰማምዑ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ታሕሳስ እቲ መጥባሕቲ ተገብረ: ድሕሪ ሓደ ሰሙን ድማ እቲ መጥባሕቲ ዝገበረላ ዶክተር ናብቲ ኣብ ሆስፒታል ደቂሳትሉ ዝነበረት ክፍሊ መጺኡ: “ሮዝ መሪ: ሕጂ ሓዊኺ ኢኺ: ንገዛኺ ኺዲ!” በላ።
ይኹን እምበር: ናብ ገዛ ኻብ እተመጽእ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት: ኣብ ከብዳ ኸምኡውን ኣብ ካልእ ቦታ ከቐንዝዋ ጀመረ። እቲ ቓንዛ ስለ ዘይሓሻ: ተወሳኺ ምርመራ ንኽትገብር ተመሊሳ ናብቲ ሆስፒታል ከደት። እቲ ቐንዲ ኽፍልታት ኣካላታ ንደማ ኼርግኦ ጀመረ: እዚ ድማ ኣካላታ ነቲ ኣድላዪ ኦክስጅን ንኸይረክብ ይዓግቶ ነበረ። እቶም ዶክተራት ነዚ ንምክልኻል ዚከኣሎም እኳ እንተ ጸዓሩ: ዕዉታት ግን ኣይነበሩን። ብ30 ጥሪ 2005 ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ኣብ ህይወተይ እቲ ዝኸፍአ ሓዘን ኣጋጠመኒ። እታ ዘፍቅራ ሮዝ መሪ ሞተት።
ኣብቲ እዋን እቲ ዕድመይ ናብ 80 ዓመት ተቐራሪቡ ብምንባሩ: ብዙሓት ሰባት መከራ ኺወርዶም ከሎ ተዓዚበ ነይረ እየ፣ እዚ ግን ፍልይ ዝበለ እዩ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኣነን ሮዝ መሪን “ሓደ ስጋ” ኢና ኔርና። (ዘፍጥረት 2:24) ካልኦት ሰባት መከራ ኺወርዶም ከሎ ርእየ እየ: ኣነ እውን ኣዕሩኽተይን ኣዝማደይን ኪሞቱ ኸለው መከራ ርእየ እየ። ሰበይተይ ክትመውት ከላ ዘጋጠመኒ ሓዘን ግን ኣዝዩ ኸቢድ እዩ። ፍቑራትካ ብሞት ምስኣን ክሳዕ ክንደይ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ዓብዪ ጓሂ ኸም ዜምጽአ ሕጂ እዩ ምሉእ ብምሉእ ተረዲኡኒ።
ይኹን እምበር: ምንጪ መከራ እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ከም ዜልግስን ምፍላጠይ ብሓዘን ንኸይርመስ ሓጊዙኒ እዩ። መዝሙር 34:18 “እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ: ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም” ትብል። ነዚ መከራ እዚ ኽትጻወሮ ዜኽእል ፍታሕ: ትንሳኤ ኸም ዘሎ: እዚ ድማ እቶም ኣብ መቓብር ዘለዉ ወጺኦም ኣብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ኸም ዘለዎም መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚምህር ምፍላጥ እዩ። ግብሪ ሃዋርያት 24:15 “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” ምዃኑ ትገልጽ። ሮዝ መሪ ንኣምላኽ ኣዝያ ተፍቅሮ ነበረት። ንሱውን ብተመሳሳሊ ኸም ዜፍቅራን ኣብቲ ንሱ ዝመደቦ ግዜ ዘኪሩ እንደገና ህያው ከም ዚገብራን ርግጸኛ እየ።—ሉቃስ 20:38፣ ዮሃንስ 11:25
ዋላኳ እትፈትዎ ሰብ ክትስእን ከለኻ ዚስምዓካ ሓዘን መሪር ይኹን: እቲ መሊስካ ብትንሳኤ ኽትቅበሎ ኸለኻ ዚስምዓካ ሓጐስ ግን ዝዓበየ እዩ። (ማርቆስ 5:42) ቃል ኣምላኽ: “ምውታትካ ህያዋን ኪዀኑ . . . ምድሪውን ንምዉታት ከተውጽኦም እያ” ኢሉ መብጽዓ ኣትዩ ኣሎ። (ኢሳይያስ 26:19) ብዙሓት ካብቶም ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ተጠቒሶም ዘለዉ “ጻድቃን” ኣቐዲሞም ከም ዚትንስኡ ኣየጠራጥርን እዩ። ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ግዜ ዀን እዩ ኪኸውን! ሮዝ መሪ ኻብ መንጎ እቶም ሽዑ ዚትንስኡ ሰባት ክትከውን እያ። እቶም ዜፍቅርዋ ሰባት ክሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ብሓጐስ ኪቕበልዋ! ሽዑ ኣብታ መከራ ዘይብላ ዓለም ምንባር ኣዝዩ ዜሐጕስ ኪኸውን እዩ!
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ቻይና ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ሰባት መከራ ኺወርድ ከሎ ርእየ እየ
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ካብ 1957 ኣትሒዘ ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር አገልግል ኣለኹ
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
ብ1950 ምስ ሮዝ መሪ ተመርዓና
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
ብ2000 ኣብ መበል 50 ዝኽሪ ዓመት መርዓና