ንድሕነት ድሉው ዲኻ፧
“ኣብዛ ወለዶ እዚኣ ኣብ ቅድመይ ጸዲቕካ ረኺበካ እየ እሞ: ምስ ብዘላ ቤትካ ናብ መርከብ እቶ።” —ዘፍጥረት 7:1
1. የሆዋ ብግዜ ኖህ ንድሕነት እንታይ ምድላው ገበረ፧
ብግዜ ኖህ: የሆዋ “ናብታ ናይ ሓጥኣን ዓለም ማይ ኣይሂ . . . ኣውረደ:” እንተዀነ ግን: ንድሕነት ዚኸውን ምድላው ገይሩ እዩ። (2 ጴጥሮስ 2:5) እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ነቲ ጻድቕ ኖህ ካብቲ ዓለምለኻዊ ምጥልቕላቕ ማይ: ህይወት እተድሕን መርከብ ብኸመይ ከም ዚሰርሕ ንጹር መምርሒታት ሃቦ። (ዘፍጥረት 6:14-16) ከምቲ ኻብ ጥንቁቕ ኣገልጋሊ የሆዋ እንጽበዮ: ኖህ “ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ንዅሉ ነገር ከምኡ ገበረ።” እወ: “ከምኡ ገበረ።” ብኸፊሉ ሳላ ተኣዛዝነት ኖህ: ሎሚ ንሕና ብህይወት ኣሎና።—ዘፍጥረት 6:22
2, 3. (ሀ) ብግዜ ኖህ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ኖህ ዝገበሮ ነገራት እንታይ ኣረኣእያ ነበሮም፧ (ለ) ኖህ ናብታ መርከብ ኪኣቱ ኸሎ እንታይ ምትእምማን ነበሮ፧
2 መርከብ ምስራሕ ቀሊል ዕዮ ኣይነበረን። ብዙሓት ሰባት በቲ ኖህን ስድራቤቱን ዚዓይዎ ዝነበሩ ተገሪሞም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እንተዀነ ግን: ካብዚ ተበጊሶም ድሕነቶም ኣብታ መርከብ ኣብ ምእታው ከም ዚምርኰስ እምነት ኣየሕደሩን። ኣብ መወዳእታ: ኣምላኽ ነታ እክይቲ ዓለም ዝነበሮ ትዕግስቲ ተወድአ።—ዘፍጥረት 6:3፣ 1 ጴጥሮስ 3:20
3 ኖህን ስድራቤቱን ንሓያሎ ዓመታት ከቢድ ዕዮ ድሕሪ ምዕያዮም: የሆዋ ንኖህ “ኣብዛ ወለዶ እዚኣ ኣብ ቅድመይ ጸዲቕካ ረኺበካ እየ እሞ: ምስ ብዘላ ቤትካ ናብ መርከብ እቶ” በሎ። ኖህ ኣብ ቃል የሆዋ እምነትን ምትእምማንን ስለ ዝነበሮ: “ኖህን ደቁን ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ከኣ ምስኡ . . . ናብ መርከብ አተዉ።” የሆዋ ንኣምለኽቱ ምእንቲ ኼዕቍብ ኢሉ ንማዕጾ እታ መርከብ ዓጸዎ። ማይ ኣይሂ ኣብ ምድሪ ምስ ዘነመ: እታ መርከብ: ኣምላኽ ንምድሓን ዘዳለዋ እተተኣማምን መሳርሒት ምዃና ኣመስከረት።—ዘፍጥረት 7:1, 7, 10, 16
ሎሚ ዘሎ ምስ ግዜ ኖህ ዚመሳሰል ኵነታት
4, 5. (ሀ) የሱስ ነቲ እዋን ህላወኡ ምስ ምንታይ እዩ ኣመሳሲልዎ፧ (ለ) ኣብ መንጎ ግዜ ኖህን ግዜናን እንታይ ምምስሳል እዩ ዘሎ፧
4 “ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ: ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ።” (ማቴዎስ 24:37) የሱስ በዘን ቃላት እዚኣተን ኣቢሉ: እቲ ብዓይኒ ዘይርአ ህላወኡ ምስ ግዜ ኖህ ተመሳሳሊ ኸም ዚኸውን ሓበረ: ብሓቂ ድማ ከምኡ ዀነ። ብፍላይ ካብ 1919 ኣትሒዙ: ምስቲ ኖህ ዝሃቦ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ዚመሳሰል ነገር ንዅሎም ኣህዛብ ተኣዊጁ እዩ። ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ: ምላሾም ምስቲ ብግዜ ኖህ ዝነበረ ምላሽ ዚመሳሰል እዩ።
5 የሆዋ ብማይ ኣይሂ ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ እታ “ዓመጻ መሊኣ” ዝነበረት ዓለም ስጕምቲ ወሰደ። (ዘፍጥረት 6:13) ኖህን ስድራቤቱን ኣብቲ ዓመጻ እቲ ዘይምስታፎም: ኣብ ክንዳኡስ ብሰላም መርከብ ምስራሖም: ንዅሉ ዚርእዮም ዘበለ ግሁድ እዩ ነይሩ። ኣብዚ እውን ምስዚ ግዜና ዘሎ ምምስሳል ንርኢ ኢና። ሎሚ ቕኑዓት ሰባት “ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን: ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዚግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ምፍልላይ” ኪርእዩ ይኽእሉ እዮም። (ሚልክያስ 3:18) እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜንጸባርቕዎ ቕንዕናን ሕያውነትን ሰላምን ትግሃትን: ካብቶም ጽልኢ ዘየሕደሩ ተመልከትቲ ኣድንቖት ይረክብ: ንህዝቢ ኣምላኽ ድማ ካብ ዓለም ብሓፈሻ እተፈልዩ ይገብሮም እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዅሉ ዓይነት ዓመጻ ይነጽጉ: ብመንፈስ የሆዋ ድማ ይምርሑ እዮም። ስለዚ ኸኣ እዩ ሰላም ዘለዎም ከምኡውን ጽድቂ ዚስዕቡ።—ኢሳይያስ 60:17
6, 7. (ሀ) ብግዜ ኖህ ዝነበሩ ሰባት እንታይ እዮም ዘየስተውዓሉ፧ እዚኸ ምስዚ ግዜና ብኸመይ ይመሳሰል፧ (ለ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓፈሻ እተፈልዩ ምዃኖም ከም ዚፍለጡ ዚሕብር እንታይ ኣብነታት ኣሎ፧
6 ብግዜ ኖህ ዝነበሩ ሰባት: ኖህ ደገፍ ኣምላኽ ከም ዘለዎን መምርሒ ኣምላኽ ይስዕብ ምንባሩን ኣየስተውዓሉን። ስለዚ: ንስብከቱ ኣርዚኖም ኣይረኣይዎን: በቲ ዝሃቦም መጠንቀቕታ ድማ ስጕምቲ ኣይወሰዱን። ሎሚኸ፧ ብዙሓት ብዕዮን ኣኻይዳን ናይ የሆዋ መሰኻኽር እኳ እንተ ተመሰጡ: መብዛሕትኦም ግን ነቲ ብስራት ኰነ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚወሃቦም መጠንቀቕታ ኣርዚኖም ኣይርእይዎን እዮም። ጐረባብቲ: መሳርሕቲ: ወይ ኣዝማድ ነቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዘለዎም ሰናይ ባህርያት የድንቑ እሞ: ኣስዕብ ኣቢሎም ግን “ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተ ዘይኰኑ ምሓሸ!” ይብሉ ይዀኑ። እዞም ተመልከትቲ እዚኣቶም: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም እኒ ፍቕሪ: ሰላም: ለውሃት: ሕያውነት: ርእስኻ ምግታእ ዝኣመሰለ ባህርያት ኬርእዩ ዝኸኣሉ: ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ስለ እተመርሑ ምዃኖም ይስሕትዎ እዮም። (ገላትያ 5:22-25) እዚ ባህርያት እዚ ሰባት ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜብጽሑሎም መልእኽቲ ንኺሰምዑ ኺድርኾም ነይርዎ።
7 ንኣብነት: ኣብ ሩስያ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይሃንጹ ነበሩ። ሓደ ሰብኣይ ንሓደ ኻብቶም ዓየይቲ: “ከመይ ዝበልዎ ዘይተለምደ ቦታ ህንጸት ኰን እዩ—ሽጋራ ዜትክኽ የልቦን: ገንጨርጨር ዚብል የልቦን: ዝሰኸረ እውን የልቦን! ንስኻኸ ኻብዞም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚበሃሉ ዲኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ዓያዪ: “ኣይኰንኩን እንተ ኢለካ: ትኣምነኒዶ፧” ምስ በሎ: እቲ ሰብኣይ ብኡንብኡ “ኣይኣምነካን” በሎ። ኣብ ካልእ ኣብ ሩስያ እትርከብ ከተማ: እቲ ኸንቲባ ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሃንጹ ምስ ረኣዮም ኣጸቢቑ ተመሰጠ። ኵለን ሃይማኖታት ሕደ ዚመስላኦ እኳ እንተ ነበራ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዘይስስዐ ኻብ ልቦም ኪዓዩ ብግብሪ ምስ ረኣየ ግን: ከምዚ ዓይነት ኣረአእያ የብሉን። እዚ ዝረኣናዮ ተመክሮታት: ህዝቢ የሆዋ ኻብቶም ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይስዕቡ ሰባት ከም ዚፍለዩ ዜርኢ ኽልተ ኣብነታት ጥራይ እዩ።
8. እዛ እክይቲ ዓለም ክትጠፍእ ከላ: ድሕነት ምርካብ ኣብ ምንታይ እዩ ዚምርኰስ፧
8 እታ ብማይ ኣይሂ ዝጠፍአት “ቐዳመይቲ ዓለም” ናብ ጥፍኣታ ኣብ እትቐርበሉ ዝነበረ እዋን: ኖህ እሙን “ሰባኽ ጽድቂ” እዩ ነይሩ። (2 ጴጥሮስ 2:5) ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ኣገባብ እዚ: ህዝቢ የሆዋ ነቲ ጽድቃዊ ስርዓታት ኣምላኽ የፍልጡ: ናብ ሓዳስ ዓለም ብዛዕባ ምእታው ድማ ብስራት ይሰብኩ ኣለዉ። (2 ጴጥሮስ 3:9-13) ልክዕ ከምቲ ኖህን እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ስድራቤቱን በታ መርከብ ዝደሓኑ: ድሕነት ሎሚ ዘለዉ ውልቀ-ሰባት ከኣ ኣብ እምነቶምን ምስ ምድራዊት ክፋል እታ ማሕበር የሆዋ ብተኣማንነት ኣብ ምሕባሮምን እዩ ዚምርኰስ።
ንምድሓን እምነት ተድሊ
9, 10. ካብ መወዳእታ እዚ ናይ ሰይጣን ኣገባብ እዚ ኽንድሕን እንተ ዄንና: እምነት እተድልየና ስለምንታይ እያ፧
9 ሓደ ሰብ ካብቲ ቐሪቡ ዘሎ ጥፍኣት እዛ ኣብ ትሕቲ ሰይጣን ዘላ ዓለም ንኺድሕን እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧ (1 ዮሃንስ 5:19) ፈለማ: ዕቝባ ኸም ዜድልዮ ኺፈልጥ ኣለዎ። ድሕሪኡ: ነዚ ዕቝባ እዚ ኺጥቀመሉ ኣለዎ። ብግዜ ኖህ ዝነበሩ ሰባት ከምቲ ዝለመድዎ መዓልታዊ ናብራኦም ቀጸሉ: ካብቲ ኣንጠልጢሉ ዝነበረ ጥፍኣት ንምድሓን ዕቝባ ኸም ዜድልዮም ድማ ኣይተገንዘቡን። ሓንቲ ነገር ጐዲላቶም ነይራ: እዚኣ ኸኣ ኣብ ኣምላኽ እምነት ምሕዳር እያ።
10 በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: ኖህን ስድራቤቱን ዜዕቝቦም ኰነ ዜድሕኖም ከም ዜድልዮም ኣስተውዒሎም እዮም። ኣብቲ ልዑላዊ የሆዋ ኣምላኽ እውን እምነት ኣርእዮም እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ “ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከአልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ: ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን: ኪአምን ይግብኦ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ “ኖህ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገር ራእይ ምስ ረአየ: ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት እዩ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ዘዳለወ። ብእኣ ገይሩ ንዓለም ኰነና: ነቲ ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ ኸኣ ወራሲ ዀነ” በለ።—እብራውያን 11:6, 7
11. ካብቲ የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዕቝባ ዝገበረሉ ፍጻመታት እንታይ ኢና እንመሃር፧
11 ካብ መወዳእታ እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ንምድሓን: እዚ ኣገባብ እዚ ኸም ዚጠፍእ ብልብና ኻብ ምእማን ንላዕሊ ኽንገብር ኣሎና። ኣምላኽ ንድሕነት ዝገበሮ ምድላው ምሉእ ብምሉእ ብምጥቃም: እምነትና ኸነርኢ ኣሎና። እወ: ኣብ መስዋእታዊ በጃ እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዘላትና እምነት ከነርኢ ይግባእ። (ዮሃንስ 3:16, 36) ይኹን እምበር: እቶም ኣብ መርከብ ኖህ ዝኣተዉ ጥራይ ካብቲ ማይ ኣይሂ ኸም ዝደሓኑ ኽንዝክር ኣሎና። ብተመሳሳሊ: ኣብ ጥንታዊ እስራኤል ዝነበራ መዕቈቢ ኸተማታት ነቲ ኸይፈለጠ ሰብ ዝቐተለ ዕቝባ ዚህባኦ: ፈለማ እቲ ሰብ ናብ ሓንቲ ኸተማ ሃዲሙ እንተ ኸይዱን ክሳዕ ሞት እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብኡ እንተ ጸኒሑን እዩ። (ዘሁልቍ 35:11-32) ብግዜ ሙሴ ኣብ ግብጻውያን ዓስራይ መዓት ኣብ ዚወርደሉ እዋን: በዅሪ ግብጻውያን ኪቕተል ከሎ: እቶም እስራኤላውያን ግን ተናሕፉ። ስለምንታይ፧ የሆዋ ንሙሴ “ኣብታ ዚበልዓ ቤት ድማ: [እቶም እስራኤላውያን] ካብቲ ደሙ [ደም እቲ ገንሸል ፋስጋ] ወሲዶም: ንኽልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ነቲ ላዕላይ ልዳትን ይልከይዎ። . . . ክሳዕ ብጊሓት ድማ ካባኻትኩም ሓደ ሰብ እኳ ካብ ኣፍ ቤቱ ኣይውጻእ” ኢሉ መምርሒ ሃቦ። (ዘጸኣት 12:7, 22) ካብ በዅሪ እስራኤላውያን በቲ ብደም እተለኽየ ኽልተ ቐዋሚ ልዳትን ላዕላይ ልዳትን ሓሊፉ ብምውጻእ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መምርሒታት ዕሽሽ ኪብል ዚደፍር መን እዩ፧
12. ነፍሲ ወከፍና ንርእስና እንታይ ሕቶ ኢና ኽንሓትት ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧
12 ስለዚ: ብዛዕባ ብሕታዊ ዅነታትና ኣጸቢቕና ኽንሓስብ ኣሎና። ብሓቂዶ ኣብ ውሽጢ እቲ የሆዋ መንፈሳዊ ዕቝባ ንኽንረክብ ዝገበረልና ምድላው ኢና ዘሎና፧ ዓብዪ መከራ ምስ መጸ: ኣብ ምዕጕርቲ እቶም ከምዚ ዓይነት ዕቝባ ኺረኽቡ ዝጸዓሩ ናይ ሓጐስ ንብዓት ኪውሕዝ ከሎ: ኣብቶም ዝተረፉ ግን ናይ ጓህን ጣዕሳን ንብዓት እዩ ዚውሕዝ።
በብግዜኡ ዚግበር ምትዕርራያት የዳልወና
13. (ሀ) ኣብ ምምሕዳር እተገብረ ለውጥታት እንታይ ጠቐመ፧ (ለ) ገለ ኻብቲ በብቝሩብ እተገብረ ዅላዐ ግለጽ።
13 የሆዋ ኣብታ ምድራዊት ክፋል ማሕበሩ በብቝሩብ ምትዕርራያት ገይሩ እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ መንፈሳዊ ዕቝባ ኽንረክብ ዝገበረልና ምድላው ኣጸቢቕዎን ኣርጊእዎን ኣደልዲልዎን እዩ። ካብ 1870ታት ክሳዕ 1932: ሽማግለታትን ድያቆናትን ብኣባላት ጉባኤ እዮም ተመሪጾም ዚሽየሙ ነይሮም። ብ1932 ግን እቶም እተመርጹ ሽማግለታት: በቶም ብጉባኤ ዚምረጹ እሞ ንእተመዘዘ ናይ ኣገልግሎት ዳይረክተር ኪሕግዙ ዚኽእሉ ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ተቐየሩ። ብ1938 ኣብ ጉባኤ ዚርከቡ ዅሎም ኣገልገልቲ ብቲኦክራስያዊ መገዲ ንኺምዘዙ ስርዓት ተሰርዐ። ካብ 1972 ኣትሒዙ: እቶም ተዓዘብትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ዚዀኑ ዘበሉ ዚሕጸዩን እዚ እንተ ጸዲቑ ድማ እተን ጉባኤታት ንመዝነቶም ዚገልጽ ደብዳበታት ዚመጸንን: ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብቲኦክራስያዊ መገዲ ኣቢሉ እዩ። ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ: እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ዚዓዮ ዕዮ ጻዕቂ ስለ ዝነበሮ: ነዚ ዕዮ እዚ ንምቅልጣፍ ለውጥታት ተገይሩ እዩ።
14. ብ1959 እንታይ ናይ ስልጠና መደብ እዩ ዝጀመረ፧
14 ብ1950 መዝሙር 45:16 ብጥንቃቐ ስለ እተሓስበላ: ቀጻሊ ናይ ስልጠና መደብ ተጀመረ። እታ ጥቕሲ እቲኣ “ውሉድካ ኣብ ክንዲ ኣቦታትካ ኪዀኑ: ኣብ ብዘላ ምድሪውን መሳፍንቲ ኽትገብሮም ኢኻ” ትንበብ። ሎሚ ኣብ ጉባኤ ቦታ መሪሕነት ዘለዎም ሽማግለታት ንሕጅን ነቲ ድሕሪ ኣርማጌዶን ዚግበር ቲኦክራስያዊ ንጥፈታትን እዮም ዚስልጥኑ ዘለዉ። (ራእይ 16:14, 16) ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ብ1959 እዩ ተጀሚሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: እቲ ሓደ ወርሒ ዚወስድ ኮርስ ብቐዳምነት ነቶም ኣወሃሃድቲ ተዓዘብቲ እዩ ዚወሃቦም ነይሩ። ሕጂ ግን እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ንዅሎም ተዓዘብትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ንምምሃር ሰፊሑ ኣሎ። እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም እውን ብግዲኦም ኣብ ገጉባኤኦም ንዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ምስልጣን መሪሕ ግደ ይህልዎም። በዚ ኸምዚ: ኵላቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ደገፍ ይረኽቡ: ኣብ ኣገልግሎቶም ከም ኣወጅቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ኣስለጥቲ ንኪዀኑ ድማ ይሕገዙ።—ማርቆስ 13:10
15. ንጽህና ክርስትያናዊት ጉባኤ እተዓቀበሉ ኽልተ መገድታት እንታይ እዩ፧
15 ክፍሊ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኪዀኑ ዚደልዩ ክርስትያናት እተወሰነ ብቕዓታት ኬማልኡ ኣለዎም። ከምቲ መላገጽቲ ኣብ መርከብ ኖህ ቦታ ዘይነበሮም: ኣብዚ ግዜና ዘለዉ መላገጽቲ እውን ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኪዀኑ ኣይክእሉን እዮም። (2 ጴጥሮስ 3:3-7) ብፍላይ ካብ 1952 ኣትሒዙ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ንዘይንስሑ ሓጢኣተኛታት ብምውጋድ ንጉባኤታት ንምዕቋብ እተገብረ ምድላው ብዝያዳ ደጊፎምዎ እዮም። ልክዕ እዩ: ናይ ሓቂ ዚንስሑ ኣበሰኛታት ‘ነእጋሮም ትኽ ዝበለ መገዲ ንኺገብሩ’ ብፍቕራዊ መገዲ ደገፍ ይወሃቦም እዩ።—እብራውያን 12:12, 13፣ ምሳሌ 28:13፣ ገላትያ 6:1
16. መንፈሳዊ ዅነታት ህዝቢ የሆዋ ኸመይ እዩ፧
16 እቲ ህዝቢ የሆዋ ብመንፈሳዊ መዳይ ረኺቦምዎ ዘለዉ ብልጽግና: ትጽቢት ዘይተገብረሉ ወይ ሃንደበታዊ ኣይኰነን። የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ ኸምዚ ኢሉ ነይሩ እዩ:- “እንሆ: ባሮተይ ኪበልዑ: ንስኻትኩም ግና ክትጠምዩ ኢኹም: እንሆ: ባሮተይ ኪሰትዩ: ንስኻትኩም ግና ክትጸምኡ ኢኹም: እንሆ: ባሮተይ ኪሕጐሱ: ንስኻትኩም ግና ክትሐፍሩ ኢኹም። እንሆ: ባሮተይ ብሓጐስ ልቢ እልል ኪብሉ: ንስኻትኩም ግና ብጓሂ ልቢ ኽትግዕሩ: መንፈስኩም ስለ እተሰባበረ ኸኣ: ዋይዋይ ክትብሉ ኢኹም።” (ኢሳይያስ 65:13, 14) የሆዋ ብመንፈሳዊ ዜበርትዓና እዋናውን ንጥዕና ዚጠቅምን ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ ይህበና ኣሎ።—ማቴዎስ 24:45
ንድሕነት ተዳሎ
17. ንድሕነት ንኽንዳሎ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧
17 ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ: “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። . . . ንሓድሕድና ንመዓዐድ እምበር: ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ: ኣኼባና ኣይንሕደግ።” (እብራውያን 10:23-25) ኣብ ሓንቲ ኻብተን ልዕሊ 98,000 ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምልጋብናን ንጡፋት ምዃንናን: ርእስና ንድሕነት ንኸነዳሉ ይሕግዘና እዩ። ነቲ “ሓድሽ ሰብ” ንምንጽብራቕ ክንጋደልን ንኻልኦት ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንምድሓን ዝገበሮ ምድላው ንኸነፍልጦም ብምሉእ ልብና ኽንጽዕርን ከለና: ደገፍ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኽንረክብ ኢና።—ኤፌሶን 4:22-24፣ ቈሎሴ 3:9, 10፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:16
18. ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ለጊብካ ንምምልላስ ዝቘረጽካ ስለምንታይ ኢኻ፧
18 ሰይጣንን እታ እክይቲ ዓለሙን ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንኽንርሕቕ ኬስሕቱና እዮም ኣጸቢቖም ዚደልዩ። ይኹን እምበር: ክፍሊ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዄንና ኽንቅጽልን ካብ መወዳእታ እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ኽንድሕንን ንኽእል ኢና። ካብቲ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕርን ነቲ ፍቕራዊ ምድላዋቱ ዘሎና ሞሳን ተላዒልና: ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ንጻዕርታት ሰይጣን ንምፍሻል ቈራጽነት ንግበር። ብዛዕባ ኣብዚ እዋን እዚ እንረኽቦ በረኸት ምስትንታን ንቘራጽነትና የድልድሎ እዩ። ገለ ኻብዚ በረኸት እዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንመያየጠሉ ኢና።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• እዚ ግዜና ምስ ግዜ ኖህ ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧
• ንድሕነት እተድሊ እንታይ ባህሪ እያ፧
• ነቲ የሆዋ ንኼዕቍበና ዝገበረልና ምድላው ዘደልደሎ እንታይ በብቝሩብ እተገብረ ምትዕርራያት እዩ፧
• ብብሕትና ንድሕነት ክንዳሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ እስሊ]
ብግዜ ኖህ ዝነበሩ ሰባት ንኖህ ኣርዚኖም ኣይረኣይዎን
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ እስሊ]
ኣምላኽ ዝሃቦ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ኣርዚንካ ኺርአ ኣለዎ
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ እስሊ]
ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ንምንታይ ዕላማ የገልግል፧
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ እስሊ]
ሕጂ ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ለጊብና እንመላለሰሉ እዋን እዩ