ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
እቲ ኣብ ምሳሌ 8:22-31 ብዛዕባ ጥበብ ተጠቒሱ ዘሎ መግለጺ: ነቲ የሱስ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዜመልክት ከም ዝዀነ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧
እቲ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ዚርከብ ብዛዕባ ጥበብ ዚገልጽ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ከምዚ ይብል:- “እግዚኣብሄር ኣብ መጀመርታ መገዱ: ቅድሚ እቲ ጥንታዊ ግብሩ ተገንዘበኒ [“ወለደኒ:” ትርጕም 1990]። . . . ኣኽራን ከይተሰረተ: ቅድሚ ዀረቢት ኣነ ተወለድኩ። . . . ንሰማያት ኬቝሞ ኸሎ: ኣብኡ ነበርኩ። . . . ሽዑ ሰራሕተኛ ዀይነ ምስኡ ነበርኩ: ብየዕለቱ ኤሐጕሶ: ኵሉ ጊዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ። . . . ተድላይ ከኣ ብደቂ ሰብ ነበረ።”
እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዛዕባ ጥበብ ኣምላኽ ወይ ብዛዕባ ሓንቲ ዘይትጭበጥ ጥበብ ኣይኰነትን እትገልጽ ዘላ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ: እታ ኣብዚ ተጠቒሳ ዘላ ጥበብ ኣብ መጀመርታ መገዲ የሆዋ ‘እተወልደት’ ወይ እተፈጥረት እያ። የሆዋ ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ዘሎን ኵሉ ግዜ ጥበበኛን እዩ። (መዝሙር 90:1, 2) ጥበቡ መጀመርታ የብላን: ፈጺማ ድማ ኣይተፈጥረትን። እወ: ‘ኣይተወልደትን።’ ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ: እዛ ጥበብ እዚኣ ንሓደ ሰብ ወኪላ ኸም እትዛረብን ሓደ ነገር ከም እትገብርን ተገሊጹ ኣሎ።—ምሳሌ 8:1
ብመሰረት መጽሓፍ ምሳሌ: ጥበብ ነዊሕ ይገብር ምስቲ ፈጣሪ ዝዀነ የሆዋ ኸም “ሰራሕተኛ” ዀይና ምስኡ ነበረት። እዚ ብሓቂ ንየሱስ እዩ ዜመልክት። ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ነዊሕ ይገብር ምስ የሆዋ ብቐረባ ይዓዪ ስለ ዝነበረ: ቃል ኣምላኽ “ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዅሉ እዩ: ኵሉውን ብእኡ ቘይሙ አሎ” ይብል።—ቈሎሴ 1:17፣ ራእይ 3:14
ንወዲ ኣምላኽ ብጥበብ ምግላጹ ግቡእ እዩ፣ ከመይሲ: ነቲ ጥበባዊ ዕላማታትን ሕግታትን የሆዋ ዘፍለጠ ንሱ እዩ። የሱስ: ሰብ ቅድሚ ምዃኑ: ቃል ኣምላኽ ወይ ኣፈኛ ነበረ። (ዮሃንስ 1:1) “ሓይሊ ኣምላኽን ጥበብ ኣምላኽን” ከም ዝዀነ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 1:24, 30) ነቲ ንደቅሰብ ካብ ዘለዎ ፍቕሪ ተላዒሉ ኣብ ክንዳኦም በጃ ንኽትከውን ኢሉ ህይወቱ ንኺህብ እተደፋፍአ ወዲ ኣምላኽ: በዚ መገዲ እዚ ምግላጽ ክሳዕ ክንደይ ዚስሕብ ኰን እዩ!—ዮሃንስ 3:16
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
“ኣኽራን ከይተሰረተ: . . . ኣነ ተወለድኩ”