ዓንቀጽ መጽናዕቲ 43
ናይ ሓቂ ጥበብ ትጭድር ኣላ
“ናይ ሓቂ ጥበብ ኣብ ጐደና ትጭድር ኣላ። ኣብ ኣደባባያት ከኣ ድምጻ ዓው ተብል ኣላ።”—ምሳ. 1:20።
መዝሙር 88 ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ
መላለዪa
1. ብዙሓት ሰባት ነቲ ሎሚ ጥበብ እተቕርቦ ጻውዒት እንታይ ምላሽ ይህቡ ኣለዉ፧ (ምሳሌ 1:20, 21)
ኣብ መብዛሕትኡ ሃገራት፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዚውሕዙሉ ጐደናታት፡ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተሓጒሶም ንሓለፍቲ መገዲ ጽሑፋት ኬበርክቱ ይርኣዩ እዮም። ኣብዚ ዓይነት መሳጢ ኣገልግሎት እዝስ ተሳቲፍካዶ ትፈልጥ፧ ተሳቲፍካ ትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ዘሎ ስእላዊ ቓላት ሓሲብካ ኽትከውን ኣሎካ። ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ፡ ጥበብ ንሰባት ምኽራ ምእንቲ ኺሰምዕዎ ኢላ ኣብ ኣደባባያት ከም እትጭድር ተገሊጹ ኣሎ። (ምሳሌ 1:20, 21 ኣንብብ።) መጽሓፍ ቅዱስን ጽሑፋትናን “ናይ ሓቂ ጥበብ፡” ማለት ናይ የሆዋ ጥበብ ሒዙ ኣሎ። ሰባት ናብ መገዲ ህይወት ዚመርሕ ቀዳማይ ስጕምቲ ንምውሳድ፡ እዚ ሓበሬታ እዚ እዩ ዜድልዮም። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ካብ ጽሑፋትና ኺወስድ ከሎ፡ ደስ ይብለና እዩ። ኵላቶም ግና ኣይኰኑን ከምኡ ዚገብሩ። ገሊኦም ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኺፈልጡ ኣይደልዩን እዮም። ገሊኦም ከኣ ብኣና ይስሕቁ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግዜ ኸም ዝሓለፎ ገይሮም እዮም ዚሓስቡ። ገሊኦም ድማ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስነ ምግባር ዚምህሮ ትምህርቲ ይነቕፍዎ፡ እቶም ንዕኡ ዚስዕብዎ ሰባት ሕሱማትን ተመጻደቕትን ከም ዝዀኑ ገይሮም እውን ይወቕሱ እዮም። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ፡ ንዅሉ ሰብ ናይ ሓቂ ጥበብ ኣቕሪቡ ኣሎ። ብኸመይ፧
2. ሎሚ ናይ ሓቂ ጥበብ ኣበይ ኪርከብ ይከኣል፧ መብዛሕትኦም ሰባት ግና እንታይ እዮም ዚመርጹ፧
2 ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንናይ ሓቂ ጥበብ ከም እትስማዕ ዚገብረሉ መገዲ ብቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ እዩ። ዳርጋ ዅሉ ሰብ ነቲ መጽሓፍ ኪረኽቦ ይኽእል እዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትናኸ ዝርጋሐኡ ኽሳዕ ክንደይ እዩ፧ ሳላ በረኸት የሆዋ ብልዕሊ 1,000 ቋንቋ እዩ ዚርከብ። እቶም ዚሰምዑ፡ ማለት እቶም ኣንቢቦም ንእተማህርዎ ዚትግብሩ ይጥቀሙ እዮም። ኰይኑ ግና፡ መብዛሕትኦም ሰባት ንድምጺ ናይ ሓቂ ጥበብ ዕሽሽ ይብልዎ እዮም። ውሳነታት ኪገብሩ ኸለዉ፡ ኣብ ገዛእ ርእሶም ኪምርኰሱ ወይ ንብጻዮም ኪሰምዑ እዮም ዚመርጹ። ካብኡ ሓሊፎም እውን ንሕና ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ስለ እንስዕብ፡ ይንዕቁና ይዀኑ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሰባት ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዚገብሩ ኽትገልጽ እያ። ፈለማ ግና፡ ብኸመይ ካብ የሆዋ ጥበብ ከም እንረክብ እስከ ንርአ።
ፍልጠት የሆዋ ናብ ጥበብ ይመርሕ
3. ናይ ሓቂ ጥበብ እንታይ ተጠቓልል፧
3 ጥበብ ነቲ ብፍልጠትና ጌርና ጽቡቕ ውሳነታት ንምግባር እንጥቀመሉ ኽእለት ኬመልክት ይኽእል እዩ። ናይ ሓቂ ጥበብ ግና ካብዚ ንላዕሊ እያ እተጠቓልል። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፍርሃት የሆዋ መጀመርታ ጥበብ እዩ፣ ፍልጠት እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ቕዱስ ከኣ ኣእምሮ እዩ” ይብል። (ምሳ. 9:10) ስለዚ፡ ኣገዳሲ ውሳነ ኽንገብር ከለና፡ ኣብ ኣተሓሳስባ የሆዋ፡ ማለት ኣብ “ፍልጠት እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ቕዱስ” ተመርኲስና ኽንገብሮ ኣሎና። ነዚ ድማ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስን ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ብምውካስ ኢና እንገብሮ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ናይ ሓቂ ጥበብ ኢና እነርኢ ዘለና።—ምሳ. 2:5-7።
4. ናይ ሓቂ ጥበብ ኪህብ ዚኽእል የሆዋ ጥራይ እዩ እንብል ስለምንታይ ኢና፧
4 የሆዋ ጥራይ እዩ ናይ ሓቂ ጥበብ ኪህበና ዚኽእል። (ሮሜ 16:27) ስለምንታይ እዩ ንሱ ምንጪ ጥበብ ዝዀነ፧ ቀዳማይ፡ ፈጣሪ ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ ፍጥረቱ ደረት ኣልቦ ፍልጠትን ርድኢትን ኣለዎ። (መዝ. 104:24) ካልኣይ፡ ኣብ ኵሉ ተግባራት የሆዋ፡ ጥበብ ይንጸባረቕ እዩ። (ሮሜ 11:33) ሳልሳይ፡ እቲ የሆዋ ዚህቦ ጥበባዊ ምኽሪ ነቶም ዚትግብርዎ ወትሩ ይጠቕሞም እዩ። (ምሳ. 2:10-12) ናይ ሓቂ ጥበብ ከነጥሪ እንተ ዄንና፡ ነዚ መሰረታዊ ሓቅታት ክንቅበል፡ ውሳነታት ክንገብርን ስጕምቲ ኽንወስድን ከለና ኸኣ ብእኡ ኽንምራሕ ኣሎና።
5. ሰባት ንየሆዋ ኸም ምንጪ ናይ ሓቂ ጥበብ ገይሮም እንተ ዘይተቐቢሎምዎ፡ እዚ እንታይ ሳዕቤን እዩ ዜምጽእ፧
5 ብዙሓት ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት፡ ኣብ ተፈጥሮ መስተንክር ንድፊ ኸም ዘሎ ይእመኑ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ይኽሕዱ፡ ብፍልቀት ከም ዝመጻእና ኸኣ ይኣምኑ እዮም። ገሊኦም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት ከኣ ብኣምላኽ ከም ዚኣምኑ ይዛረቡ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ንመለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ግዜ ኸም ዝሓለፎ ገይሮም ስለ ዚርእይዎ፡ ናቶም መገዲ እዮም ዚስዕቡ። እሞ ደኣ እዚ እንታይ ኣፍርዩ፧ ሰባት ንጥበብ ኣምላኽ ሓዲጎም፡ ንናይ ርእሶም ጥበብ ብምስዓቦም ዓለም ዝሓሸት ቦታ ዀይናዶ ኣላ፧ ናይ ሓቂ ሓጐስ ወይ ብዛዕባ መጻኢ ርግጽ ተስፋ ረኺቦምዶ ኣለዉ፧ እቲ ኣብ ዙርያና እንዕዘቦ፡ ነዚ ዚስዕብ ሓቂ እዩ ዜረጋግጸልና፦ “ንየሆዋ ዚጻረር ጥበብ ኰነ፡ ምስትውዓል ኰነ፡ ወይ ምኽሪ የልቦን።” (ምሳ. 21:30) እዚ መሸም ካብ የሆዋ ናይ ሓቂ ጥበብ ንምርካብ ኬለዓዕለና ኣለዎ። እቲ ዜሕዝን ግና መብዛሕትኦም ሰባት ከምኡ ኣይገብሩን እዮም። ስለምንታይ፧
ገሊኦም ንናይ ሓቂ ጥበብ ዘይቅበሉ ስለምንታይ እዮም፧
6. ብመሰረት ምሳሌ 1:22-25፡ ንናይ ሓቂ ጥበብ ጸማም እዝኒ ዚህቡ መን እዮም፧
6 ብዙሓት ሰባት፡ ናይ ሓቂ ጥበብ ‘ኣብ ጐደና ኽትጭድር’ ከላ ጸማም እዝኒ ይህብዋ ኣለዉ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ንጥበብ ዘይቅበልዋ ሰለስተ ጕጅለ ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ “ዘይለበሙ፡” “መላገጽቲ፡” “ዓያሹ” ተባሂሎም ኣለዉ። (ምሳሌ 1:22-25 ኣንብብ።) እምበኣር፡ እዞም ሰባት እዚኦም ንኣምላኻዊ ጥበብ ስለምንታይ ከም ዘይቅበሉን ንሕና ኸማታቶም ምእንቲ ኸይንኸውን ካብ ምንታይ ክንርሕቕ ከም ዘሎናን እስከ ንርአ።
7. ገሊኦም “ዘይለበሙ” ዀይኖም ኪመላለሱ ዚመርጹ ስለምንታይ እዮም፧
7 እቶም “ዘይለበሙ” ተባሂሎም ዘለዉ፡ እቶም ገርህታት፡ ብቐሊሉ ዚኣምኑ፡ ወይ ብቐሊሉ ዚታለሉ ሰባት እዮም። (ምሳ. 14:15፡ እ.ጽ.) ኣብ ኣገልግሎት ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ብዙሕ ግዜ ንራኸብ ኢና። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቶም ብሃይማኖታውያን ወይ ብፖለቲካውያን መራሕቲ ዚታለሉ ዘለዉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት እሞ ሕሰብ። ገሊኦም በዞም መራሕቶም ከም እተዓሸዉ ምስ ፈለጡ፡ ይስምብዱ እዮም። እቶም ኣብ ምሳሌ 1:22 እተጠቕሱ ግና ዘይልብምና ስለ ዚፈትዉ፡ በቲ መገዲ እቲ ኺመላለሱ እዮም ዚመርጹ። (ኤር. 5:31) ናይ ርእሶም ዝንባለታት ኪስዕቡ ይደልዩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኺሰምዑ ኣይደልዩን፡ ወይ ድማ ብመለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሓተትቲ ኪዀኑ ኣይደልዩን እዮም። ብዙሓት ሰባት ከምቲ ሓንቲ ኣብ ኲበክ፡ ካናዳ እትነብር ሃይማኖተኛ ሰበይቲ እዩ ዚስምዖም። ንሳ ንሓደ ኺበጽሓ ዝኸደ ናይ የሆዋ ምስክር፡ “ካህንና እንተ ኣታሊሉና፡ እዚ ናቱ ጕድለት ደኣ እዩ ዚኸውን እምበር፡ ናትና ኣይኰነን” ኢላ እያ ተዛሪባቶ። መሸም ነዞም ኰነ ኢሎም ዚድንቍሩ ሰባት ክንመስሎም ኣይንደልን ኢና።—ምሳ. 1:32፣ 27:12።
8. ቅኑዕ ዓይነት ልብምና ንምርካብ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
8 በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይለበምና ዄንና ኽንነብር ዘይኰነስ፡ ‘ብኣእምሮ ብሱላት ክንከውን’ ዜተባብዓና። (1 ቈረ. 14:20) እምበኣር፡ ኣብ ህይወትና ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምትግባር፡ ቅኑዕ ዓይነት ልብምና ኸነጥሪ ንኽእል ኢና። በብቝሩብ ከኣ እዚ ስርዓታት እዚ ኻብ ጸገማት ከም ዚሰትረናን ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብር ከም ዚሕግዘናን ብተመክሮ ንርእዮ ኢና። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ዕቤትና ኸመይ ምዃኑ ኽንግምግም ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕን ኣብ ኣኼባታት ክንእከብን ካብ እንጅምር እተወሰነ ግዜ እንተ ሓሊፉ፡ ርእስና ንየሆዋ ኽንውፍን ክንጥመቕን ዜኽእለና ስጕምትታት ስለምንታይ ከም ዘይወሰድና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ኣሎና። ጥሙቓት እንተ ዄንና ኸኣ፡ ከም ሰበኽትን መምህራንን እቲ ብስራት ዕቤት ንገብርዶ ኣለና፧ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንምራሕ ኣብ ውሳነታትና ይርአ ድዩ፧ ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብከ ክርስትያናዊ ባህርያት ነርኢ ዲና፧ ከነመሓይሾ ዘሎና መዳያት እንተ ርኢና፡ ነቲ የሆዋ ዚህበና መዘኻኸሪታት ነቕልበሉ፣ ስለምንታይሲ፡ እዚ “ንዘይለበመ የጥብቦ” እዩ።—መዝ. 19:7።
9. “መላገጽቲ” ንጥበብ ከም ዘይቅበልዋ ብኸመይ እዮም ዜርእዩ፧
9 እቶም ንኣምላኻዊ ጥበብ ዕሽሽ ዚብሉ ኻልኣይ ጕጅለ፡ “መላገጽቲ” ተባሂሎም ኣለዉ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ዕዮ ስብከትና ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ንራኸብ ኢና። እዞም ሰባት እዚኦም ንኻልኦት ምብጫው ባህ እዩ ዚብሎም። (መዝ. 123:4) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ብዙሓት መላገጽቲ ኸም ዚመጹ የጠንቅቕ እዩ። (2 ጴጥ. 3:3, 4) ሎሚ ዘለዉ ገሊኦም ሰባት ከም ሰብኡት ኣዋልድ ሎጥ ንመለኮታዊ መጠንቀቕታ ኣየቕልቡሉን እዮም። (ዘፍ. 19:14) ብዙሓት ድማ በቶም ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚመላለሱ ይስሕቁ እዮም። መላገጽቲ “ብእኩይ ትምኒቶም” እዮም ዚድረኹ። (ይሁ. 7, 17, 18) እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መላገጽቲ ዚህቦ መግለጺ ንኸሓድትን ነቶም ንየሆዋ ዘይቅበልዎ ኻልኦትን ጽቡቕ ገይሩ እዩ ዚገልጾም።
10. ኣብ መዝሙር 1:1 ተጠቒሱ ኸም ዘሎ፡ ከመይ ጌርና ኢና ኻብ መገዲ መላገጽቲ ኽንርሕቕ እንኽእል፧
10 እሞ ደኣ መላገጽቲ ምእንቲ ኸይንኸውን ከመይ ጌርና ኢና ገዛእ ርእስና ኽንሕሉ እንኽእል፧ ሓደ መገዲ ምስቶም ናይ ምንቃፍ መንፈስ ዘለዎም ሰባት ብዘይምሕባር እዩ። (መዝሙር 1:1 ኣንብብ።) እዚ ድማ ካብ ከሓድቲ ዚመጽእ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይንሰምዕን ወይ ኣይነንብብን ማለት እዩ። እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ብቐሊሉ ናይ ነቐፌታ መንፈስ ከነማዕብልን ንየሆዋ ዀነ ነቲ ብውድቡ ኣቢሉ ዚመጽእ መምርሒ ኽንጥርጥርን ከም እንጅምር ንፈልጥ ኢና። ካብዚ መገዲ እዚ ንምርሓቕ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘ሓድሽ መምርሒ ወይ መብርሂ ኺውሃበና ኸሎ፡ ብዙሕ ግዜ ኣሉታዊ ነገር እዛረብ ድየ፧ ጕድለት እቶም ዚመርሑና እኣሪ ድየ፧’ ነዚ ዝንባለታት እዚ ቐልጢፍና ባዕልና እንተ ኣሪምናዮ፡ የሆዋ ብኣና ባህ ይብሎ እዩ።—ምሳ. 3:34, 35።
11. “ዓያሹ” ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ ስነ ምግባራዊ መለክዒታት ብኸመይ ይርእይዎ፧
11 እቶም ንጥበብ ዘይቅበልዋ ሳልሳይ ጕጅለ፡ “ዓያሹ” ተባሂሎም ኣለዉ። በቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ስነ ምግባራዊ ሕግታት ምምልላስ ስለ ዝኣበዩ እዮም ዓያሹ እተባህሉ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ቅኑዕ ኰይኑ እተራእዮም እዮም ዚገብሩ። (ምሳ. 12:15) እዞም ሰባት እዚኦም ነቲ ምንጪ ናይ ሓቂ ጥበብ ዝዀነ የሆዋ ኣይቅበልዎን እዮም። (መዝ. 53:1) ኣብ ዕዮ ስብከት ምስዞም ሰባት እዚኦም ክንራኸብ ከለና፡ ንመለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምኽባርና ኣትሪሮም ይነቕፉና እዮም። ኰይኑ ግና፡ ንሳቶም ዝሓሸ ነገር የብሎምን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዓሻ ንናይ ሓቂ ጥበብ ኪረኽባ ኣይክእልን፣ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ዚብሎ የብሉን” ይብል። (ምሳ. 24:7) ዓያሹ፡ ናይ ሓቂ ጥበብ ዝሓዘለ ቓላት ኪዛረቡ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ፡ የሆዋ፡ “ካብ ዓሻ ርሓቕ” ዚብል መጠንቀቕታ ኺህብ ሓቁ እዩ።—ምሳ. 14:7።
12. ንመገዲ ዓያሹ ንምንጻግ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
12 ንሕና ኸምቶም ካብ ኣምላኽ ንዚመጽእ ምኽሪ ዚጸልኡ ሰባት ኣይኰንናን። የግዳስ፡ ንመገድታት ኣምላኽ፡ እንተላይ ነቲ ስነ ምግባራዊ መለክዒታቱ ንፈትዎ ኢና። ተኣዛዝነት ዜፍርዮ ፍረ ምስቲ ዘይተኣዛዝነት ዜፍርዮ ፍረ ምስ እነነጻጽሮ፡ ንመገድታቱ ብዝያዳ ኽንፈትዎ ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ነቲ ሰባት ብሰንኪ ዕሽነቶም ንጥበባዊ ምኽሪ የሆዋ ብዘይምቕባሎም ኣብ ርእሶም ዜምጽእዎ ጸገማት ተዓዘብ። ድሕሪኡ፡ ንኣምላኽ እዙዝ ብምዃንካ፡ ህይወትካ ኽሳዕ ክንደይ ዝሓሸ ኸም ዝዀነ ሕሰብ።—መዝ. 32:8, 10።
13. የሆዋ ንጥበባዊ ምኽሩ ኽንእዘዝ ይግድደና ድዩ፧
13 የሆዋ ንዅሉ ሰብ ጥበብ የቕርብ እዩ፣ ንዋላ ሓደ ሰብ ግና ብግዲ ኸም ዚቕበሎ ኣይገብርን እዩ። እንተዀነ ግና፡ እቶም ንጥበብ ዘይሰምዑ እንታይ ሳዕቤናት ከም ዚዓጽዱ ይገልጸልና እዩ። (ምሳ. 1:29-32) እቶም ንየሆዋ ዘይእዘዝዎ፡ ‘ሳዕቤናት መገዶም ይስከሙ’ እዮም። ውዒሉ ሓዲሩ፡ እቲ ኣነባብራኦም ጭንቂ፡ ሽግር፡ ኣብ መወዳእታኡ እውን ጥፍኣት እዩ ዜስዕበሎም። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ነቶም ነቲ የሆዋ ዚህቦ ጥበባዊ ምኽሪ ዚሰምዑን ኣብ ህይወቶም ዚትግብርዎን ሰባት፡ “እቲ ዚሰምዓኒ . . . ብደሓን ኪነብር፡ መዓት ከይፈርሀ ኸኣ ኪሃድእ እዩ” ዚብል ቃል ተኣትዩሎም ኣሎ።—ምሳ. 1:33።
ናይ ሓቂ ጥበብ ትጠቕመና
14-15. ካብ ምሳሌ 4:23 እንታይ ንምሃር፧
14 ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚመጽእ ጥበብ እንተ ተግቢርናዮ፡ ወትሩ ኢና እንጥቀም። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ የሆዋ ብናጻ እዩ ጥበባዊ ምኽሪ ዚህበና። ንኣብነት፡ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ፡ ንህይወትና ዜመሓይሽ ግዜ ዘይሓልፎ ማዕዳ ሂቡ ኣሎ። ካብዚ ጥበባዊ ምኽሪ እዚ ኣርባዕተ ኣብነት ጥራይ ንርአ።
15 ንምሳልያዊ ልብኻ ሓልዎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምንጭታት ህይወት ካብኡ እዩ እሞ፡ ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ” ይብል። (ምሳ. 4:23) ቃል ብቓሉ ንልብና ንምሕላው እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና እሞ ሕሰብ። ንጥዕናና ዚሰማማዕ ምግቢ ኽንምገብ፡ እኹል ምውስዋስ ኣካላት ክንገብር፡ ሕማቕ ኣመላት እውን ከነወግድ ኣሎና። ንምሳልያዊ ልብና ንምሕላው እውን ተመሳሳሊ ነገራት ኢና ኽንገብር ዘሎና። መዓልቲ መዓልቲ ቓል ኣምላኽ ክንምገብ ኣሎና። ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንዳሎን ኣብኡ ኽንእከብን ክንሳተፍን ኣሎና። ኣብ ኣገልግሎት ኣዘውቲርና ዚከኣለና ብምግባር እውን ንጡፋት ክንከውን ኣሎና። ብዘይካዚ፡ ንኣተሓሳስባና ኼበላሽዎ ኻብ ዚኽእል ከም ርኹስ መዘናግዕን ሕማቕ ዕርክነትን ዝኣመሰለ ነገራት ብምርሓቕ፡ ሕማቕ ኣመላት ከይነማዕብል ክንጥንቀቕ ኣሎና።
16. ምሳሌ 23:4, 5 ሎሚ ኣዝያ ሓጋዚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
16 ብዘሎካ ዕገብ። መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ዚስዕብ ምኽሪ ይህብ፦ “ሃብቲ ኽትረክብ ኢልካ ኣይትድከም። . . . ብርግጽ ከም ንስሪ ኣኽናፍ ኣውጺኡ ናብ ሰማይ ኪነፍር እዩ እሞ፡ ኣዒንትኻ ምስ ኣውደቕካሉ፡ ኣብኡ ኣይህሉን።” (ምሳ. 23:4, 5) ስጋዊ ሃብቲ ብቐሊሉ ኺጠፍእ ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ ሎሚ ሃብታማትን ድኻታትን ገንዘብ ንምርካብ ሃነፍነፍ ይብሉ ኣለዉ። እዚ ኣተሓሳስባኦም እዚ ድማ ንስሞም፡ ንርክባቶም፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ንጥዕናኦም ብዚጐድእ መገዲ ኸም ዚመላለሱ ይገብሮም ኣሎ። (ምሳ. 28:20፣ 1 ጢሞ. 6:9, 10) በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ጥበብ እንተ ኣልዩና፡ ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኢና እንሕዝ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ፡ ካብ ስስዐ ይሕልወና፡ ናብ ዕግበትን ሓጐስን ድማ ይመርሓና።—መክ. 7:12።
17. ከምቲ ኣብ ምሳሌ 12:18 ተጠቒሱ ዘሎ፡ ከመይ ጌርና ኢና “ልሳን ጥበበኛታት” ከነጥሪ እንኽእል፧
17 ቅድሚ ምዝራብካ፡ ሕሰብ። እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ብቓላትና ዓብዪ ጕድኣት ከነስዕብ ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዘይ ሓልዮት ዚዝረብ ዘረባ ኸም ሰይፊ ይወግእ፣ ልሳን ጥበበኛታት ግና የሕዊ” ይብል። (ምሳ. 12:18) ምስ ሰባት ዘሎና ጽቡቕ ርክብ ክንዕቅብ እንተ ደሊና፡ ብዛዕባ ጕድለታት ካልኦት ኣይነውርን ኢና። (ምሳ. 20:19) ዘረባና ዚጐድእ ዘይኰነስ፡ ዜሕዊ ምእንቲ ኪኸውን፡ ንልብና በቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ፍልጠት ክንመልኦ ኣሎና። (ሉቃ. 6:45) ንቓላት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣስተንቲንናሉ፡ ቃላትና ኸምቲ ንኻልኦት ዜሐድስ “ምንጪ ጥበብ” እዩ ዚኸውን።—ምሳ. 18:4።
18. ንምሳሌ 24:6 እንተ ተግቢርናያ፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣሳልጦ ኽንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
18 መምርሒ ስዓብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣሳልጦ ንምርካብ ዚሕግዝ እዚ ዚስዕብ ጥበባዊ ምኽሪ ሂቡ ኣሎ፦ “ብጥበባዊ መምርሒ ተዋጋእ፣ ብብዙሓት ኣማኸርቲ ኸኣ ኣሳልጦ ይርከብ።” (ምሳ. 24:6፡ እ.ጽ.) እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ዕዮ ብኸመይ ናብ ኣሳልጦ ኸም ዚመርሕ እሞ ሕሰብ። ኣገልግሎትና ብናትና መገዲ ኣብ ክንዲ እንፍጽም፡ ነቲ እተዋህበና ሓሳባት ክንስዕብ ንፍትን ኢና። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ጥበባዊ መምርሒ ንረክብ ኢና። ምኩራት ኣማኸርቲ ንዓና ንምስልጣን፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መደረታትን ካልእ ክፍልታትን የቕርቡ እዮም። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ውድብ የሆዋ ብጽሑፋትን ብቪድዮታትን ገይራ ጠቓሚ ናውቲ ተዳሉ እያ። እዚ ድማ ንሰባት፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪርድእዎ ይሕግዞም እዩ። እሞ ደኣ ነዚ ናውቲ እዚ ኸመይ ጌርካ ብውጽኢታዊ መገዲ ኸም እትጥቀመሉስ ትምሃርዶ ኣለኻ፧
19. ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዚህበና ጥበብ እንታይ ይስምዓካ፧ (ምሳሌ 3:13-18)
19 ምሳሌ 3:13-18 ኣንብብ። ስለቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ጥዑይ ምኽሪ፡ ኣዚና ኢና እነመስግን። ብዘይ ብእኡ ኣበይ ምሃሎና፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ሒደት ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ዚርከብ ግብራዊ ጥበብ ኢና ርኢና። የሆዋ ኣብ ብምሉኡ ቕዱሳት ጽሑፋት ጥበባዊ ቓላት ኣስፊሩ ኣሎ። እምበኣር፡ ወትሩ በቲ የሆዋ ዚህበና ጥበብ ንምምላስ ቈራጽነት ንግበር። ዓለም ብዛዕባ እዛ ጥበብ እዚኣ ዘለዋ ኣረኣእያ ኣይግድሰናን እዩ። ስለምንታይሲ፡ ‘ኣጽኒዖም ዚሕዝዋ ዘበሉ ሕጉሳት ከም ዚብሃሉ’ ንኣምን ኢና።
መዝሙር 36 ንልብና ንሓልዎ
a እቲ የሆዋ ዚህቦ ዓይነት ጥበብ ካብ ዝዀነ ይኹን ዓለም እተቕርቦ ዓይነት ጥበብ ይበልጽ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ብዛዕባ ዚርከብ መሳጢ ስእላዊ ቓላት ክንርኢ ኢና። ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ፡ ጥበብ ኣብ ኣደባባይ ትጭድር ከም ዘላ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። ስለዚ፡ ብኸመይ ናይ ሓቂ ጥበብ ከም እነጥሪ፡ ገሊኦም ንጥበብ ስለምንታይ ጸማም እዝኒ ኸም ዚህብዋ፡ ንጻውዒታ ኽንቅበል ከለና እውን ብኸመይ ከም እንጥቀም ክንርኢ ኢና።