ባህርያዊ ሓደጋታት ከቶ ኣይኪህሉን እዩ!
ሓደ ሰብ፡ “ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ባህርያዊ ሓደጋታት ከቶ ኣይኪህሉን እዩ” እንተ ዚብለካ፡ እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧ “እዚ ፈጺሙ ዘይከውን እዩ። ባህርያዊ ሓደጋታት ደኣ እሞ መናብርትና እንድዩ” ኢልካ ትምልስ ትኸውን። ወይ ከኣ ብልብኻ፡ ‘እንታይ እዩ ዜላግጽ ዘሎ፧’ ትብል ይኸውን።
ባህርያዊ ሓደጋታት ንሓዋሩ ዚቕጽል እኳ እንተ መሰለ፡ ለውጢ ኸም ዚህሉ ዚሕብር ናይ ሓቂ ተስፋ ግና ኣሎ። ይኹን እምበር፡ እቲ ለውጢ ብጻዕሪ ደቂ ሰብ ኣይኰነን ዚመጽእ። ከመይሲ፡ ደቂ ሰብ ይትረፍዶ ንተፈጥሮ ኺቈጻጸርዎ፡ እቲ ኣብ ተፈጥሮ ዜጋጥም ነገራት ብኸመይን ስለምንታይን ከም ዜጋጥም እውን ኣይፈልጡን እዮም። እቲ ብጥበቡን ብኣስተውዕሎኡን ህቡብ ዝነበረ ሰሎሞን ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል፡ “ሰብ ኪምርምሮ ኢሉ እንተ ጸዐረ፡ ኣይረኽቦን እዩ እሞ፡ ሰብ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ግብሪ ኺረኽቦ ኸም ዘይክእል፡ ርኤኹ። ጥበበኛውን ዚፈልጦ እንተ መሰሎ፡ ኪረኽቦስ ኣይክእልን እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ እዩ።—መክብብ 8:17።
ደቂ ሰብ ንባህርያዊ ሓደጋታት ኪቈጻጸርዎ ዘይክእሉ እንተ ዀይኖም ደኣ እሞ፡ መን እዩ ኺቈጻጸሮ ዚኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፈጣሪና ለውጢ ኸም ዜምጽእ ይገልጽ እዩ። ከመይሲ፡ ከም ዑደት ማይ ዝኣመሰለ ኢኮሎጅያዊ ስርዓተ ምድሪ ኸም ዚህሉ ዝገበረ፡ ኣምላኽ እዩ። (መክብብ 1:7) ብዘይካዚ፡ ካብ ደቂ ሰብ ንላዕሊ፡ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ኣለዎ። ነብዪ ኤርምያስ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እንሆ፡ በቲ ዓብዪ ሓይልኻን በቲ ዝርጉሕ ቅልጽምካን ሰማይን ምድርን ዝገበርካ ንስኻ ኢኻ። ንኣኻ ዘይከአለካ ነገር የልቦን” በለ። (ኤርምያስ 32:17) ኣምላኽ ንምድርን ንዅሉ ኣብኣ ዚርከብ ባእታታትን ካብ ፈጠረ፡ ሰባት ኣብ ምድሪ ብሰላምን ብርግኣትን ምእንቲ ኺነብሩ፡ ንዅሉ ነገራት ኪቈጻጸሮ ይኽእል እዩ።—መዝሙር 37:11፣ 115:16።
ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ለውጢ ዜምጽእ ብኸመይ እዩ፧ ከምቲ ኣብታ ኻልአይቲ ዓንቀጽ እተገልጸ፡ እዚ ኣብዚ ግዜና ዜጋጥም ዘሎ ዜፍርህ ነገራት፡ “ትእምርቲ” “መወዳእታ ዓለም” እዩ። የሱስ፡ “ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዀይኑ ኽትርእዩ ኸሎኹም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ” ኢሉ ነበረ። (ማቴዎስ 24:3፣ ሉቃስ 21:31) መንግስቲ ኣምላኽ፡ ማለት ብኣምላኽ እተመስረተት ሰማያዊት ምምሕዳር፡ ኣብዛ ምድሪ ዓብዪ ለውጢ ኸተምጽእ እያ፣ ንባህርያዊ ባእታታት እውን ክትቈጻጸሮ እያ። የሆዋ ነዚ ዅሉ ባዕሉ ኺገብሮ ይኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ዕዮ ንወዱ ኺህቦ እዩ መሪጹ። ነብዪ ዳንኤል ብዛዕባ ወዲ ኣምላኽ ኪገልጽ ከሎ፡ “ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኬገልግልዎስ፡ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተዋህቦ” በለ።—ዳንኤል 7:14።
እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ ነዛ ምድሪ እዚኣ ባህ እተብል ቦታ ንኺገብራ ዜድልዮ ሓይሊ ተዋሂብዎ እዩ። ክልተ ሽሕ ዓመት ይገብር ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ ንባህርያዊ ባእታታት ኪቈጻጸሮ ኸም ዚኽእል ኣርእዩ ነይሩ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ንሱን ደቀ መዛሙርቱን ብጃልባ ገይሮም ኣብ ባሕሪ ገሊላ ኺጐዓዙ ኸለዉ፡ “ህቦብላን ብርቱዕ ንፋስን . . . ኰነ፡ እታ ጃልባ ኽሳዕ እትመልእ፡ ማዕበል ናብታ ጃልባ አተወ።” እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነዚ ምስ ረኣዩ፡ ኣዝዮም ፈርሁ። ንየሱስ ድማ፡ ኪሕግዞም ለመንዎ። እሞኸ የሱስ እንታይ ገበረ፧ “ተንሲኡ ንንፋስ ገንሖ፡ ንባሕሪ ድማ፤ ስቕ በሊ፡ ህድኢ፡ በላ። እቲ ንፋስ ዝግ በለ፡ ዓብዪ ህድኣትውን ኰነ።” እቶም ደቀ መዛሙርቲ በዚ ተደኒቖም፡ “እዚ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዙሉስ መን ኰን እዩ፧” ኢሎም ሓተቱ።—ማርቆስ 4:37-41።
ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፡ የሱስ ናብ መንፈሳዊ ዓለም ተመሊሱን ዝለዓለ ሓይልን ስልጣንን ተዋሂብዎን እዩ። ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን፡ ደቂ ሰብ ኣብ ምድሪ ብሰላምን ብህድኣትን ንኺነብሩ፡ ዜድሊ ለውጢ ናይ ምግባር ሓላፍነትን ክእለትን ኣለዎ።
ይኹን እምበር፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ፡ ጠንቂ መብዛሕትኡ ጸገማትን ሓደጋታትን፡ ሰብ ዜምጽኦ እዩ፣ ስሱዓት ውልቀ ሰባት ዚገብርዎ ብዝበዛ ኸኣ መሊሱ እዩ ዜጋድዶ። መንግስቲ ኣምላኽ ነቶም ብሕማቕ ተግባሮም ዚቕጽሉን ንዘይልወጡን ሰባት እንታይ ክትገብሮም እያ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ መላእኽቲ ስልጣኑ . . . ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም እዩ” ይብል። እወ፡ የሱስ ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ኼጥፍኦም እዩ።’—2 ተሰሎንቄ 1:7, 8፣ ራእይ 11:18።
ድሕሪኡ፡ እቲ “ንጉሰ ነገስት” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ ንዅሉ ባእታታት ምድሪ ኺቈጻጸሮ እዩ። (ራእይ 19:16) ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብባህርያዊ ሓደጋታት ከም ዘይጕድኡ ኺገብር እዩ። ኵነታት ኣየርን ወቕትታትን ንደቂ ሰብ ብዚጠቅም መገዲ ምእንቲ ኺሰርሕ፡ የሱስ ንሓይሉ ተጠቒሙ ኺቈጻጸሮ እዩ። ሽዑ እቲ የሆዋ ቕድሚ ነዊሕ እዋን ንህዝቡ ዘተስፈዎም፡ “ኣነ ዝናምኩም ብጊዜኡ እህበኩም። ምድሪ ድማ እኽላ ኽትህብ እያ፡ ኣእዋም መሮር ከኣ ፍሬኤን ይህባ” ዚብል ተስፋ ኺፍጸም እዩ። (ዘሌዋውያን 26:4) ሰባት ከኣ ብዘይ ፍርሂ፡ ኣባይቲ ኺሰርሑ እዮም፣ “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ፡ ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም።”—ኢሳይያስ 65:21።
እንታይ ክትገብር ይግብኣካ፧
ንስኻ እውን ከም ካልኦት፡ ኣብታ ባህርያዊ ሓደጋታት ዘይብላ ዓለም ክትነብር ከም እትደሊ ኣየጠራጥርን እዩ። ኰይኑ ግና፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ እቶም ‘ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን’ ‘ንወንጌል ዘይእዘዙን’ ሰባት ኣብታ ባህርያዊ ሓደጋታት ዘይህልወላ ዓለም ኪነብሩ ስለ ዘይፍቀደሎም፡ ሕጂ ብዛዕባ ኣምላኽ ክትመሃርን ንመንግስቲ ኣምላኽ ክትግዛእን ኣሎካ። እወ፡ ኣምላኽ ንዕኡ ኽንፈልጦን ንብስራት እታ ብወዱ እትምራሕ መንግስቲ ኣምላኽ ክንእዘዞን ይደልየና እዩ።
ከምኡ ኽንገብረሉ እንኽእል ዝበለጸ መገዲ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ከመይሲ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህዱእ ከባቢ ኺነብሩ ዚደልዩ ሰባት ኬማልእዎ ዘለዎም መምርሒታት ንረክብ ኢና። ንምንታይ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህሩኻ ዘይትሓትቶም፧ ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ንኣምላኽ ክትፈልጦን ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክትእዘዞን እንተ ጽዒርካ፡ እቲ ኣብ ምሳሌ 1:33 ዚርከብ፡ “እቲ ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብር፡ ንኽፉእ ከይፈርሄ ኸኣ ኪሀድእ እዩ” ዚብል ቃላት ኣባኻ ኺፍጸም ከሎ ኽትርኢ ኢኻ።