ታሪኽ ህይወት
ብዕድመ ምስ ዝደፍኡ ለባማት ኣሕዋት እቀራረብ ነበርኩ
ኢልቫ ጀርዲ ዘዘንተወቶ
ኣስታት 70 ዓመት ይገብር፡ ሓደ ሰብኣይ ናብ ቤትና መጺኡ ንኣቦይ፡ ንህይወተይ ዝቐየሮ ነገር ነገሮ። ካብታ ፍልይቲ መዓልቲ እቲኣ ኣትሒዙ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ህይወተይ ጽልዋ ኣሕዲሮምለይ እዮም። ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ኣኽቢረ ዝርእዮ ባህ ዜብል ምሕዝነት እውን ክምስርት ክኢለ እየ። ብዛዕባ እዚ እስከ ኸዘንትወልኩም።
ብ1932 ካብቶም ኣብ ኣምላኽ ዚኣምኑ ግናኸ ናብ ቤተ ክርስትያን ዘይከዱ ወለዲ ኣብ ሲድኒ፡ ኣውስትራልያ እየ ተወሊደ። ኣደይ፡ ኣምላኽ ወትሩ ስለ ዚርእየና፡ እንተ ረቢሸ ኸም ዚቐጽዓኒ ትምህረኒ ነበረት። እዚ ኸኣ ንኣምላኽ ከም ዝፈርሆ ገበረኒ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ይስሕበኒ ነበረ። ሓትነይ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ኽትበጽሓና ኽትመጽእ ከላ፡ ብዙሕ ባህ ዜብል ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ትነግረኒ ነበረት። ነቲ ሓትነይ እትመጽኣሉ እዋን ብሃንቀውታ እየ ዝጽበዮ ነይረ።
ጐርዞ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣቦይ ነቲ ኣደይ ካብ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ናይ የሆዋ ምስክር እተቐበለቶ መጻሕፍቲ የንብብ ነበረ። በቲ ኣብቲ ክርስትያናዊ ጽሑፋት ዜንብቦ ዝነበረ ሓሳባት ኣዝዩ ስለ እተተንከፈ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ተሰማምዐ። ሓደ ምሸት፡ ኬጽንዕ ከሎ፡ ተሓቢአ ኽሰምዕ ከለኹ ረኣየኒ። ተመሊሰ ኸይደ ንኽድቅስ ምስ ነገረኒ፡ እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሓሉ ዝነበረ ሰብኣይ፡ “ንምንታይ ምሳና ኾፍ ኢላ ዘይትሰምዕ፧” ኢሉ ሓተቶ። እዚ ርእይቶ እዚ ድማ፡ ሓድሽ ህይወት ንኽጅምርን ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ንኽተዓራረኽን ዜኽእለኒ መገዲ ኸፈተለይ።
ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣነን ኣቦይን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንእከብ ጀመርና። እቲ ኣቦይ ኣብኡ እተማህሮ ኸኣ፡ ኣብ ህይወቱ ለውጢ ንኺገብር ደረኾ። ንቝጥዓኡ ኺቈጻጸሮ እውን ከኣለ። እዚ ኸኣ፡ ንኣደይን ነቲ ፍራንክ ዝስሙ ምዕባየይ ሓወይን ኣብ ኣኼባታት ንኺእከቡ ደረኾም።a ኣርባዕቴና ድማ ዕቤት ብምግባር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኴንና ተጠመቕና። ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ብዙሓት ኣሕዋት ኣብ ህይወተይ ብኣወንታዊ መገዲ ጸልዮምኒ እዮም።
ናይ ሞያ ምርጫ ኽገብር ከለኹ
ጐርዞ ኸለኹ፡ ምስቶም ኣብ ጉባኤና ዝነበሩ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣሕዋትን ኣሓትን እቀራረብ ነበርኩ። ሓንቲ ኻብኦም፡ እታ ኣሊስ ፕሌስ ዝስማ ንመጀመርታ እዋን ናብ ቤትና ዝመጸት ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ እያ። ልክዕ ከም ዓባየይ ገይረ እየ ዝርእያ ነይረ። ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኣሰልጢናትንን ናብ ጥምቀት ንኽበጽሕ ኣተባቢዓትንን እያ። ጓል 15 ምስ ኰንኩ ድማ ተጠመቕኩ።
ፐርሲ ዱናምን ማጅ [ማርጋሬት] ዱናምን ምስ ዚብሃሉ ኣረጋውያን ሰብ ሓዳር እውን እቀራረብ ነበርኩ። ምሳታቶም ዝነበረኒ ቕርርብ ድማ ኣብ መጻእየይ ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። ሕሳብ እፈቱ ስለ ዝነበርኩ፡ ብዛዕባ ሕሳብ ክምህር እየ ዝደሊ ነይረ። ፐርሲን ማጅን ብ1930ታት ኣብ ላትቭያ ሚስዮናውያን ኰይኖም ኣገልጊሎም ነይሮም እዮም። ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ኤውሮጳ ምስ ጀመረ ግና፡ ኣብቲ ኻብ ማእከል ሲድኒ ርሕቕ ኢሉ ዚርከብ ቤት-ኤል ኣውስትራልያ ኼገልግሉ ጻውዒት ቀረበሎም። ብዛዕባይ ድማ ይግደሱ ነበሩ። ሚስዮናውያን ከለዉ ብዛዕባ ዘጋጠሞም ባህ ዜብል ተመክሮታት ይነግሩኒ ነበሩ። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምምሃር፡ ሕሳብ ካብ ምምሃር ንላዕሊ ዕግበት ከም ዜምጽእ ድማ ተገንዘብኩ። ሚስዮናዊት ክኸውን ከኣ ወሰንኩ።
ፐርሲን ማጅን፡ ንዕዮ ሚስዮናውነት ምእንቲ ኽዳሎ፡ ፈላሚት ክኸውን ኣተባብዑኒ። ብ1948 ጓል 16 ምስ ኰንኩ ድማ፡ ኣብታ ኣብ ሀርትስቪል፡ ሲድኒ እትርከብ ጉባኤይ፡ ምስቶም ፈለምቲ ዝነበሩ ኻልኦት ዓሰርተ ኣሕዋትን ኣሓትን ኰይነ ፈላሚት ኰንኩ።
ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስን ኣብ ኲንስላንድን ኣብ ዚርከባ ኣርባዕተ እተፈላለያ ኸተማታት ኣገልገልኩ። ሓንቲ ኻብቶም ኣብ መጀመርታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመራሕኩሎም ሰባት፡ ቤቲ ሎው (ሕጂ ረምናንት) ትርከቦም። ቤቲ ኻባይ ብኽልተ ዓመት እትዓቢ ሓላዪት ጓል እያ ነይራ። ጸኒሑ ድማ ኣብታ ብሸነኽ ምዕራብ ሲድኒ ኣስታት 230 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ካውራ ብሓባር ፈለምቲ ዄንና ኣገልጊልና ኢና። እቲ ብሓባር ዘገልገልናሉ እዋን ሓጺር እኳ እንተ ነበረ፡ ክሳዕ ሎሚ ግና መሓዙት ኢና።
ፍልይቲ ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ምስ ተመደብኩ፡ ናብታ ብሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ ካውራ 220 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ነራንድራ እትብሃል ከተማ ገዓዝኩ። እታ ሓዳሽ መገላግልተይ፡ ጆይ ሊኖክስ (ሕጂ ሃንተር) ዝስማ ብኽልተ ዓመት እትዓብየኒ ቐናእ ፈላሚት እያ ነይራ። ኣብታ ኸተማ ድማ፡ ንሕና ጥራይ ኢና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኔርና። ሬይን ኤስተርን ምስ ዚብሃሉ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ዝዀኑ ሰብ ሓዳር ኢና ንቕመጥ ኔርና። ንሳቶምን ወዶምን ሰለስተ ኣዋልድ ደቆምን ድማ ብዛዕባ ሓቂ ተገዳስነት ነበሮም። ሬይን ወዱን ኣብ መንጎ ሰሙን ኣብቲ ኻብ ከተማ ወጻኢ ዚርከብ ሕርሻ ኣባጊዕን ስርናይን ይሰርሑ ነበሩ፣ ኤስተርን ደቃን ከኣ ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ መሕደር ኣጋይሽ የካይዳኦ ነበራ። ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ድማ፡ ኣነን ጆይን ንእንዳ ሬይን ንብምሉኦም እቶም ጠምዮም ዚመጹ ኣብ መገዲ ባቡር ዚሰርሑ ኣጋይሾምን ዓብዪ መኣዲ ነዳልወሎም ነበርና። እዚ ኸኣ፡ ብእተወሰነ ንኽራይ ገዛ ይሽፍነልና ነበረ። ምስ ኣጸራረና ድማ፡ ነቶም ስድራ ቤት ምቁር መንፈሳዊ ምግቢ ንቕርበሎም፡ ማለት ሰሙናዊ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ንመርሓሎም ነበርና። ሬይን ኤስተርን ኣርባዕቲኦም ደቆምን ከኣ ናብ ሓቂ መጹ፣ መስረትቲ እታ ኣብ ነራንድራ ዘላ ጉባኤ ድማ ኰኑ።
ብ1951 ኣብቲ ኣብ ሲድኒ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣኪበ ነበርኩ። ኣብኡ ኸኣ፡ ኣብቲ ምስቶም ሚስዮናውያን ኪዀኑ ዚደልዩ ፈለምቲ ዚግበር ፍሉይ ኣኼባ ተኣከብኩ። ቍጽሪ እቶም ኣብቲ ኣብ ቴንዳ እተገብረ ኣኼባ ዝነበሩ ኸኣ፡ ልዕሊ 300 ነበረ። እቲ ኻብ ቤት-ኤል ብሩክሊን ዝመጸ ናታን ኖር እዩ መደረ ኣቕሪቡ፣ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ብህጹጽነት ኪስበኽ ከም ዘለዎ ድማ ኣጕልሐ። ንዅሉ እቲ ዚብሎ ዝነበረ፡ ብዓብዪ ተገዳስነት ኢና እንሰምዖ ኔርና። ብዙሓት ሽዑ ዝነበሩ ፈለምቲ፡ ኣብ ደቡባዊ ፓሲፊክን ኣብ ካልእ ቦታታትን ብምኻድ ንዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ጀሚሮምዎ እዮም። ሓንቲ ኻብቶም ብ1952 ኣብ እተገብረ መበል 19 ኽፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ንኺካፈሉ ጻውዒት ዝቐረበሎም 17 ኣውስትራልያውያን ብምዃነይ ኣዝየ ተሓጐስኩ። ገና ጓል 20 ዓመት ከለኹ፡ እቲ ሚስዮናዊት ንክኸውን ዝነበረኒ ሕልሚ ተጋህደ።
ኣረኣእያይ ከተዓራሪ ምስ ኣድለየኒ
እቲ ኣብ ጊልዓድ እተመሃርክዎ ትምህርትን ምስ ካልኦት ዝነበረኒ ምሕዝነትን፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረኒ ፍልጠት ከም ዚውስኽን እምነተይ ከም እትድልድልን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣረኣእያይ እውን ከም ዚመሓየሽ ገይሩ እዩ። መንእሰይ ስለ ዝነበርኩን ኣብ ክውንነት ዘይተመርኰሰ ኣረኣእያ ስለ ዝነበረንን፡ ካብ ገዛእ ርእሰይን ካብ ካልኦትን ፍጽምና እጽበ ነበርኩ። ገሊኡ ኣረኣእያይ ኣመና ጥብቂ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ሓው ኖር ምስ መንእሰያት ቤት-ኤላውያን ኰይኑ ዅዕሶ ኺጻወት ከሎ ምስ ረኣኽዎ፡ ኣዝየ ሰምበድኩ።
እቶም ናይ ነዊሕ እዋን ተመክሮ ዝነበሮም ኣስተውዓልቲ መምህራን ጊልዓድ፡ ነቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ ቓልሲ ስለ ዘስተብሃሉሉ፡ ብፍላይ ብዛዕባይ ይግደሱን ኣተሓሳስባይ ንኸተዓራሪ ይሕግዙንን ነበሩ። ቀስ ብቐስ ድማ፡ ንየሆዋ ኸም ተሪርን ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኽንገብር ከም ዚጽበን ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ከም ፈቃርን መማሰውን ገይረ ኽርእዮ ጀመርኩ። ገሊኦም መማህርተይ እውን ሓጊዞምኒ እዮም። ሓንቲ ኻብኣቶም፡ “ኢልቫ፡ ንየሆዋ፡ ሓለንጊ ሒዙ ኸም ዚቈጻጸረና ጌርኪ ኣይትርኣይዮ። ካብ ገዛእ ርእስኺ ፍጽምና ኣይትጸበዪ” በለትኒ። እቲ ንጹር ቃላታ ድማ ንልበይ ተንከፎ።
ካብ ጊልዓድ ምስ ተመረቕኩ፡ ኣነን ኣርባዕተ መማህርተይን ናብ ናሚብያ፡ ኣፍሪቃ ተመደብና። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ፡ ን80 ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመርሓሎም ነበርና። ንናሚብያን ንዕዮ ሚስዮናውነትን ኣዝየ እኳ እንተ ፈተኽዎ፡ ምስ ሓደ ናብ ስዊዘርላንድ እተመደበ ኣብ ጊልዓድ መማህርተይ ዝነበረ ሓው ፍቕሪ ሒዙኒ ነበረ። ኣብ ናሚብያ ሓደ ዓመት ምስ ገበርኩ ድማ፡ ናብቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዚነብር ሕጹየይ ከድኩ። ምስ ተመርዓና ኸኣ፡ ንሰብኣየይ ኣብ ዕዮ ወረዳ አሰንዮ ነበርኩ።
ዜጕሂ ዅነታት ምስ ኣጋጠመኒ
ኣነን ሰብኣየይን ኣብ ዕዮ ወረዳ ንሓሙሽተ ዓመት ተሓጒስና ምስ ኣገልገልና፡ ኣብቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዚርከብ ቤት-ኤል ከነገልግል ጻውዒት ቀረበልና። ኣብኡ ድማ በቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ብሱላት ዝዀኑ ኣረጋውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ስለ እተኸበብኩ፡ ኣዝየ ተሓጐስኩ።
ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ዜሰንብድ ነገር ኣጋጠመኒ። ሰብኣየይ ንዓይን ንየሆዋን እሙን ከም ዘይነበረ ፈለጥኩ። ድሕሪኡ፡ ራሕሪሑኒ ኸደ። ኣዝየ እየ ተደቚሰ። እቶም ኣብ ቤት-ኤል ዝነበሩ ብዕድመ ዝደፍኡ ፈተውተይ እንተ ዘይሕግዙኒ ነይሮም፡ ነቲ ዅነታት ብኸመይ ከም ዝዋጽኣሉ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ክዛረቦም ክደሊ ኸለኹ ጽን ኢሎም ይሰምዑኒ፡ ከዕርፍ ክደሊ ኸለኹ ድማ ይኸዱለይ ነበሩ። እቲ ዜጸናንዕ ቃላቶምን እቲ ለውሃት ዝመልኦ ተግባሮምን፡ ኣብቲ ብመሪር ሓዘን እተደቘስኩሉ እዋን ደጊፉንን ንየሆዋ ብዝያዳ ንክቐርቦ ሓጊዙንን እዩ።
ነቲ ነዊሕ እዋን ይገብር በቶም ብዙሕ ፈተና ዘሕለፉ ለባማት ኣረጋውያን እተነግረኒ ነገራት እውን፡ እዝክሮ እየ። ሓንቲ ኻብኣቶም፡ ማጅ ዱናም እያ። ሓደ እዋን፡ “ኢልቫ፡ ንየሆዋ ኸተገልግልዮ ኸለኺ፡ ብዙሕ ፈተናታት ኬጋጥመኪ እዩ፣ እቲ ኻብቶም ዚቐርቡኺ ሰባት ዚመጸኪ ፈተናታት ግና፡ ኪኸብደኪ ይኽእል እዩ። ከምኡ ኼጋጥመኪ ኸሎ፡ ንየሆዋ ቕረብዮ። ንዘይፍጹማት ሰባት ዘይኰነስ፡ ንዕኡ ኸም እተገልግሊ ኣይትረስዒ” በለትኒ። እቲ ማጅ ዝሃበትኒ ምኽሪ፡ ነቲ ጕህየሉ ዝነበርኩ እዋን ንኽዋጽኣሉ ሓጊዙኒ እዩ። ጌጋታት ሰብኣየይ ካብ የሆዋ ንኸይፈልየኒ ቘሪጸ እየ ነይረ።
ድሕሪ ግዜ፡ ፈላሚት ኰይነ ኣብ ጥቓ ወለደይ ክነብር ስለ ዝወሰንኩ፡ ናብ ኣውስትራልያ ገዓዝኩ። ብመርከብ ክንጐዓዝ ከለና ድማ፡ ምስ ገሊኦም ተጓዓዝቲ ባህ ዜብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ እገብር ነበርኩ። ሓደ ኻብቶም ተጓዓዝቲ ዝነበረ ኣርነ ገርደ ዚበሃል ኖርወያዊ ሰብኣይ ድማ፡ ነቲ ዚሰምዖ ዝነበረ ፈተዎ። ጸኒሑ ኸኣ ኣብ ሲድኒ ንዓይን ንስድራ ቤተይን በጽሓና። ቅልጡፍ መንፈሳዊ ዕቤት ብምግባር፡ ናብ ሓቂ መጸ። ብ1963 ኣነን ኣርነን ተመርዓና፣ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ድማ ጋሪ ወድና ተወልደ።
ካልእ ዜሕዝን ነገር ምስ ኣጋጠመኒ
ኣነን ኣርነን ጋሪን ሕጉስ ስድራ ቤት እዩ ነይሩና። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣርነ ንቤትና ምስ ኣስፍሖ፡ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለደይ ምሳና ኺነብሩ ጀመሩ። ምስ ኣርነ ኻብ እንምርዖ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ግና፡ ካልእ ዜሕዝን ነገር ኣጋጠመ። ኣርነ መንሽሮ ሓንጎል ከም ዘለዎ ተፈልጠ። ነዊሕ እዋን ዚወስድ ብጸርጊ ዚግበር ሕክምና ኺገብር ከሎ፡ በብመዓልቱ ናብ ሆስፒታል እናኸድኩ እበጽሖ ነበርኩ። ንግዜኡ እኳ እንተ ሓሾ፡ ጸኒሑ ግና ኵነታቱ እናኸፍአ ኸደ፣ ወቕዒ ድማ ኣጋጠሞ። ንኺመውት ሒደት ሰሙናት ጥራይ ከም ዝተረፎ ኸኣ ተነግረኒ። ይኹን እምበር፡ ኣርነ መሊሱ ጠዓየ። ናብ ቤት ምስ ተመልሰ፡ ቀስ እናበልኩ እከናኸኖ ነበርኩ። ድሕሪ ግዜ፡ እንደገና ብእግሩ ኺንቀሳቐስን ሽማግለ ዀይኑ ኼገልግልን ከኣለ። እቲ ባህ ዜብል ኣረኣእያኡን ዋዛኡን ብዝያዳ ኸም ዚሕሾ ገበረ፣ ንዓይ እውን ዕዮ ኣቕለለለይ።
ዓመታት ጸኒሑ፡ ማለት ብ1986 ኣርነ እንደገና ኣዝዩ ሓመመ። ሽዑ ወለደይ ሞይቶም ስለ ዝነበሩ፡ ናብቲ ኻብ ሲድኒ ወጻኢ ዚርከብ ባህ ዜብል ሰማያዊ ኣኽራን ግዒዝና ነበርና፣ ናብ ፈተውትና ብዝያዳ ኸም እንቐርብ እውን ገበረና። ጸኒሑ፡ ጋሪ ምስ ሓንቲ ካረን እትብሃል ምጭውቲ መንፈሳዊት ሓብቲ ተመርዓወ፣ ኣርባዕቴና ኣብ ሓደ ቤት ክንነብር ከኣ ሓሳብ ኣቕረቡልና። ኣብ ውሽጢ ኽልተ ወርሒ፡ ካብቲ ኣነን ኣርነን እንነብረሉ ዝነበርና ቦታ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቤት ክንነብር ጀመርና።
ኣርነ ኣብተን ናይ መወዳእታ ዓመትን መንፈቕን ዓዲ ውዒል ስለ ዝዀነ፡ ዘየቋርጽ ክንክን የድልዮ ነበረ። ኣብ ቤት እውዕል ስለ ዝነበርኩ፡ በብመዓልቱ ንኽልተ ሰዓት፡ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን አጽንዕ ነበርኩ። ከጽንዕ ከለኹ ድማ፡ ንዅነታተይ ብኸመይ ክዋጽኣሉ ኸም ዝኽእል ዚገልጽ ጥበባዊ ምኽሪ እረክብ ነበርኩ። ኣብ ጉባኤና ዚርከቡ ተመሳሳሊ ፈተናታት ዘሕለፉ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ይበጽሑኒ ነበሩ። ኪበጽሑኒ ምምጽኦም፡ ንመንፈሰይ የሐድሶ ነበረ። ኣርነ ኣብ ሚያዝያ 2003 ሞተ፣ ኣብ ትንሳኤ ድማ ድልዱል ተስፋ ነበሮ።
ዝዓበየ ደገፍ
መንእሰይ ከለኹ፡ ኣብ ክውንነት ዘይተመርኰሰ ኣረኣእያ ነበረኒ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ህይወት ከምቲ ዝሓሰብናዮ ኸም ዘየጋጥመና ርእየዮ እየ። ማእለያ ዘይብሉ በረኸት ረኺበን ክልተ ዜሕዝን ነገራት ኣጋጢሙንን እዩ፣ ናይ መጀመርታ ሰብኣየይ ጠሊምኒ፣ እቲ ኻልኣይ ከኣ ብሕማም ሞይቱ። ይኹን እምበር፡ ካብ እተፈላለየ ምንጭታት፡ መምርሕን ምጽንናዕን ረኺበ እየ። ልዕሊ ዅሉ ዝደገፈኒ ግና፡ እቲ “ጥንታዊ ዝመዓልቱ” የሆዋ ኣምላኽ እዩ። (ዳን. 7:9) ምኽሩ ንባህርያተይ ኣመሓይሽዎን ኣብ ዕዮ ሚስዮናውነት ብዙሕ ባህ ዜብል ተመክሮታት ከም ዝረክብ ገይሩንን እዩ። ጸገማት ኬጋጥመኒ ኸሎ፡ ‘ጸጋኡ ደጊፉንን ምጽንናዑ ንነፍሰይ ኣሐጒስዋን እዩ።’ (መዝ. 94:18, 19) ስድራ ቤተይ ከምኡውን ‘እቶም ንመዓልቲ ጸገም እተወልዱ ናይ ሓቂ ፈተውተይ፡’ ፍቕሪ ኣርእዮምንን ደጊፎምንን እዮም። (ምሳ. 17:17) መብዛሕትኦም ከኣ ለባማት ኣረጋውያን እዮም።
እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ እዮብ፡ “ጥበብ ኣብ ሽማግሌታት፡ ምስትውዓልውን ኣብ ምንዋሕ ዕድመ እዩ” ኢሉ ነበረ። (እዮ. 12:12) ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ እዚ ሓሳብ እዚ ሓቂ እዩ። ብዕድመ ዝደፍኡ ለባማት ሰባት ዚህብዎ ምኽሪ ሓጊዙኒ እዩ፣ ምጽንናዖም ደጊፉኒ እዩ፣ ምሕዝነቶም ድማ ህይወተይ ዝያዳ ትርጕም ከም ዚህልዋ ገይሩ እዩ። ምሳታቶም ምቅርራበይ የሐጕሰኒ እዩ።
ሕጂ ጓል 80 ዓመት ስለ ዝዀንኩ፡ ኣነ ንባዕለይ ብዕድመ ደፊአ እየ። ዘሕለፍክዎ ተመክሮታት፡ ንኻልኦት ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ከም ዝርሕርሓሎም እዩ ዚገብረኒ። ንዕኦም ምብጻሕን ምሕጋዝን የሐጕሰኒ እዩ። ይኹን እምበር፡ ምስ መንእሰያት እውን ክቀራረብ እደሊ እየ። ጕልበቶም ባህ ይብለኒ እዩ፣ ዘለዎም ውዕዉዕ መንፈስ ድማ የተባብዓኒ እዩ። መንእሰያት፡ መምርሕን ደገፍን ደልዮም ኪቐርቡኒ ኸለዉ፡ ተሓጒሰ እየ ዝሕግዞም።
[እግረ-ጽሑፍ]
a እቲ ፍራንክ ላምበርት ዝስሙ ሓዋ ንኢልቫ፡ ኣብ ገጠራት ኣውስትራልያ ፈላሚ ዀይኑ ብቕንኣት ኣገልጊሉ እዩ። መጽሓፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር 1983 (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 110-112 ብዛዕባ ሓደ ኻብቲ ኣብ ዕዮ ስብከት ዝገበሮ ዜገርም ጕዕዞ የዘንቱ እዩ።
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]
ምስ ጆይ ሊኖክስ ኣብ ነራንድራ ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል ከለና
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ኢልቫ ብ1960 ምስ ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ስዊዘርላንድ እተሳእለቶ
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ንኣርነ ኣብ ግዜ ሕማሙ ኽኣልዮ ኸለኹ