“ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም”
“ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።” —2 ጴጥ. 1:21።
ክንሓስበሉ ዘሎና ነጥብታት
መልእኽቲ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ናብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሓላለፈ ብኸመይ እዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መጽሓፍ ከም ዝዀነ ዜረጋግጽ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧
ነቲ ንቓል ኣምላኽ ዘሎካ ሞሳ ምእንቲ ኽትዕቅቦ፡ መዓልታዊ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
1. እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧
ካበይ ኢና መጺና፧ ስለምንታይ ኢና ተፈጢርና፧ ናበይ ኢና እንኸይድ፧ ዓለም ከምዚ ሕጂ ዘላቶ ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ይሓቱ እዮም። እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ እንተ ዘይህልወና ነይሩ፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣገደስቲ ሕቶታት ዚኸውን መልሲ ኣበይ ምረኸብና፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘይህሉ ነይሩ፡ ብቐንዱ ኻብ ብሕታዊ ተመክሮና ጥራይ ምተመሃርና። ካብ ብሕታዊ ተመክሮ ጥራይ ንመሃር ኔርና እንተ ንኸውን ከኣ፡ ከምቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ብዛዕባ ‘ሕጊ የሆዋ’ እተሰምዖ ኺስምዓና ምኸኣለዶ፧—መዝሙር 19:7 ኣንብብ።
2. ነቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ሞሳ ንኽንዕቅቦ ኺሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧
2 እቲ ዜሕዝን ግና፡ ገሊኣቶም ነታ መጀመርታ ብዛዕባ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረቶም ፍቕሪ ኽትዝሕል ፈቒዶም እዮም። (ምስ ራእይ 2:4 ኣረኣኢ።) በቲ ንየሆዋ ዜሐጕስ መገዲ ኻብ ምምልላስ ኣቋሪጾም እዮም። (ኢሳ. 30:21) ንሕና ኸምዚ ኼጋጥመና ኣይንደልን ኢና። ነቲ ንመጽሓፍ ቅዱስን ንትምህርትታቱን ዘሎና ሞሳ ንኽንዕቅቦ ኽንጽዕር ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ፈቃር ፈጣሪና እተዋህበና ኽቡር ውህበት እዩ። (ያእ. 1:17) ነቲ ን“ቓል ኣምላኽ” ዘሎና ሞሳ ንኸነዕብዮ ኺሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ብቐዳምነት፡ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺጽሕፉ ብኸመይ ከም እተመርሑ ንሕሰብ። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መጽሓፍ ምዃኑ ዚሕብር መርትዖታት ንመርምር። ከምዚ ምስ እንገብር፡ ንቓል ኣምላኽ መዓልታዊ ንኸነንብቦን ንምኽሩ ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎን ክንድረኽ ኢና።—እብ. 4:12።
‘ብመንፈስ ቅዱስ እተመርሑ’ ብኸመይ እዮም፧
3. ነብያትን ጸሓፍትን መጽሓፍ ቅዱስ “ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም” ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ እዩ ዜመልክት፧
3 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ውሽጢ 1,610 ዓመታት፡ ማለት ካብ 1513 ቅ.ክ. ክሳዕ 98 ድ.ክ. ኣብ ዝነበረ ዓመታት ብ40 ዝዀኑ ሰባት እዩ ተጻሒፉ። ገሊኣቶም ‘ብመንፈስ ቅዱስ እተመርሑ’ ነብያት እዮም ነይሮም። (2 ጴጥሮስ 1:20, 21 ኣንብብ።) እታ “ተመሪሖም” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ካብ ቦታ ናብ ቦታ ተሰኪሞም ከይዶም” ዚብል ትርጕም ኪህልዋ ኸሎ፡ “ተደሪኾም ወይ ተደፊኦም፡ ብዚብል እተፈላለየ ቓላት እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ።”a እዛ ቓል እዚኣ፡ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 27:15፡ ሓንቲ ጃልባ ብንፋስ ናብ ሓደ ቦታ ተደፊኣ ኸም ዝኸደት ንምግላጽ እውን ውዒላ ኣላ። ነብያትን ጸሓፍትን መጽሓፍ ቅዱስ “ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም” ኪብሃል ከሎ እምበኣር፡ ኣምላኽ በቲ ንጡፍ ሓይሉ ኸም እተዛረቦም፡ ከም ዝደረኾም፡ ከምኡውን ከም ዝመርሖም እዩ ዜመልክት። ስለዚ ድማ፡ ሓሳባቶም ዘይኰነስ፡ ሓሳባት ኣምላኽ እዮም ጽሒፎም ማለት እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ እተደረኹ ነብያትን ጸሓፍትን እቲ እተነበይዎ ወይ ዝጸሓፍዎ ነገራት እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። (ዳን. 12:8, 9) እወ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምሉኡ ‘መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጽሑፍ’ ደኣ እምበር፡ ሓሳባት ወይ ርእይቶ ሰባት ዝሓዘ መጽሓፍ ኣይኰነን።—2 ጢሞ. 3:16, 17።
4-6. የሆዋ በየናይ መገዲ እዩ ንመልእኽቱ ናብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘመሓላለፎ፧ ምሳሌ ሃብ።
4 ይኹን እምበር፡ መልእኽቲ ኣምላኽ ናብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ እተመሓላለፈ ብኸመይ እዩ፧ ቃላት ድዩ ተመሓላሊፉ፡ ወይስ እቶም ጸሓፍቲ ብናይ ገዛእ ርእሶም ቃላት ዚገልጽዎ ሓሳባት እዩ ተመሓላሊፉ፧ ሓደ ኣካያዲ ስራሕ ከመይ ገይሩ ደብዳበ ኸም ዚጽሕፍ ንርአ። ፍሉይ ቃላት ኣገዳሲ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ነታ ደብዳበ ባዕሉ ይጽሕፋ ወይ ከኣ ንጸሓፊቱ ቓላቱ እናነገረ የጽሕፋ። እታ ጸሓፊት ጽሒፋ ምስ ወደአት፡ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ነታ ደብዳበ ኽታሙ የንብረላ። ኣብ ካልእ እዋን ከኣ፡ ንጸሓፊቱ ነቲ ቐንዲ ሓሳባት ይነግራ፡ ንሳ ድማ ብናይ ገዛእ ርእሳ ቓላት ተጠቒማ ነታ ደብዳበ ትጽሕፋ። ድሕሪኡ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ነታ ደብዳበ ኣንቢቡ፡ ዜድሊ ምትዕርራይ ብምግባር ንጸሓፊቱ ኺመልሰላ ይኽእል እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ነታ ደብዳበ ኽታሙ የንብረላ፡ ሽዑ እታ ደብዳበ ኻብኡ ኸም እተላእከት እያ እትቝጸር።
5 ብተመሳሳሊ፡ ገሊኡ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ‘በጻብዕ ኣምላኽ’ እዩ ተጻሒፉ። (ዘጸ. 31:18) የሆዋ እውን ፍሉይ ቃላት ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋናት፡ ንጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቃላቱ እናነገረ ኣጽሒፍዎም እዩ። ንኣብነት፡ ዘጸኣት 34:27፡ “እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ በዚ ቓላት እዚ ምሳኻን ምስ እስራኤልን ኪዳን አትየ እየ እሞ፡ እዚ ቓላት እዚ ንኣኻ ጽሓፎ፡ በሎ” ትብል። የሆዋ ንነብዪ ኤርምያስ እውን፡ “ነዘን ዝነገርኩኻ ቓላት ኵለን ኣብ መጽሓፍ ጽሐፈን” ኢልዎ ነይሩ እዩ።—ኤር. 30:2።
6 መብዛሕትኡ ግዜ ግና፡ ፍሉይ ቃላት ዘይኰነስ፡ ሓሳባት እዩ ብተኣምራዊ መገዲ ኣብ ልብን ኣእምሮን ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚመሓላለፍ እተገብረ። ሽዑ፡ እቶም ጸሓፍቲ ነቲ ሓሳባት ብናይ ገዛእ ርእሶም ቃላት ይገልጽዎ ነበሩ። መክብብ 12:10፡ “እቲ ሰባኺ ባህ ዜብል ቃላት ኪረክብ ደለየ፡ እቲ ጽሑፍ ከኣ ቅኑዕን ቃላት ሓቅን እዩ” ትብል። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝዀነ ሉቃስ፡ ‘ንዅሉ ኻብ መሰረቱ ብልክዕ ብምምርማር፡ በብተራ እዩ ጽሒፍዎ።’ (ሉቃ. 1:3፡ NW) ኣምላኽ መልእኽቱ ብምኽንያት ዘይፍጽምና ሰባት ምእንቲ ኸይበላሾ፡ ብመንፈሱ ገይሩ ኣዕቚብዎ እዩ።
7. ኣምላኽ ብሰባት ተጠቒሙ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚጸሓፍ ብምግባሩ፡ ጥበቡ እተራእየት ብኸመይ እያ፧
7 ኣምላኽ ብሰባት ተጠቒሙ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚጸሓፍ ብምግባሩ፡ እታ ዓባይ ጥበቡ ተራእያ እያ። ቃላት፡ ሓበሬታ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ስምዒታት እውን የመሓላልፍ እዩ። የሆዋ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽሓፍ መላእኽቲ እንተ ዚጥቀም ነይሩኸ፧ መላእኽቲ ነቲ ኸም ፍርሂ፡ ሓዘን፡ ጓሂ ዝኣመሰለ ስምዒታት ደቂ ሰብ ኪገልጽዎ ምኸኣሉዶ ነይሮም፧ ኣምላኽ ንዘይፍጹማት ሰባት ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ዝነገሮም ሓሳባት ብናይ ገዛእ ርእሶም ቃላት ኪገልጽዎ ሳላ ዝፈቐደሎም፡ መልእኽቱ ንስምዒታት ሰባት ብዚትንክፍን ብዚማርኽን እተፈላለየ መገድታት ኪመሓላለፍ ክኢሉ እዩ።
ነቲ መርትዖ ወትሩ ኣስተውዕሎ
8. መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ሃይማኖታዊ መጻሕፍቲ እተፈልየ እዩ ኺብሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧
8 መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ምዃኑ ዚሕብር ሓያሎ መርትዖታት ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣምላኽ ስለ ዜፋልጠና፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ሃይማኖታዊ መጻሕፍቲ እተፈልየ እዩ። ንኣብነት፡ መጻሕፍቲ እምነት ሂንዱ፡ ብዛዕባ ኣብቲ እምነት ዘሎ ሃይማኖታዊ በዓላት፡ ፍልስፍና፡ ጽውጽዋይ፡ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት እዩ ዚገልጽ። መጻሕፍቲ እምነት ቡድህና ብዛዕባ እቲ ፈለስቲ ዚምርሑሉ ስርዓታት፡ ከምኡውን ብዛዕባ ሰረተ እምነት ቡድህናን ትምህርትታት ቡድሃን እዩ ዚገልጽ። ቡድሃ ንርእሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣይተዛረበን፣ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓሳባት እውን ዳርጋ የለን። መጻሕፍቲ እምነት ኮንፊሽን (ኮንፊሽኒዝም) ኣብ ዝሓለፈ ብዛዕባ እተፈጸመ ነገራት፡ ስርዓታት ስነ ምግባር፡ ጥንቈላ፡ ከምኡውን ብዛዕባ መዝሙር እዩ ዚገልጽ። መጽሓፍ እምነት ምስልምና ድማ፡ ሓደ ኣምላኽ ከም ዘሎን ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ ኸም ዚፈልጥን ዚምህር እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ኣሽሓት ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ስም ኣምላኽ፡ የሆዋ፡ ሓንሳእ እውን ይኹን ኣይጠቕሶን እዩ።
9, 10. ብዛዕባ ኣምላኽ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧
9 መብዛሕትኡ ዓበይቲ ሃይማኖታዊ መጻሕፍቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ብዙሕ ኣይገልጽን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ንየሆዋ ኣምላኽን ንባህርያቱን ንዅሉ ንጥፈታቱን ክንፈልጦ ይሕግዘና እዩ። እዚ መጽሓፍ እዚ፡ ንኣምላኽ ኵሉ ዚኽእልን ጥበበኛን ፍትሓውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዜፍቅረና ኣምላኽ ከም ዝዀነ እውን ይገልጾ እዩ። (ዮሃንስ 3:16፣ 1 ዮሃንስ 4:19 ኣንብብ።) ብተወሳኺ እውን፡ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል [ከም ዝዀነ] እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ” ይገልጽ እዩ። (ግብ. 10:34, 35) መብዛሕትኦም ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኪረኽቡ ዚኽእሉ ምዃኖም፡ ነዚ ሓቂ እዚ የረጋግጽ። ክኢላታት ቋንቋ ኸም ዚብልዎ፡ ካብቲ ሎሚ ኣብ ዓለም ዚዝረበሉ 6,700 ቋንቋታት፡ ዳርጋ 100 ዚኸውን፡ 90 ሚእታዊት ህዝቢ ዓለም ዚዛረቡሉ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብምሉኡ ወይ ገለ ኽፋሉ፡ ብልዕሊ 2,400 ቋንቋታት ተተርጒሙ ኣሎ። ስለዚ፡ ዳርጋ መብዛሕትኡ ህዝቢ ዓለም፡ እንተ ወሓደ ንገለ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋኡ ኼንብቦ ይኽእል እዩ።
10 የሱስ፡ “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይገብር፡ ኣነውን እገብር አሎኹ” በለ። (ዮሃ. 5:17) የሆዋ ‘ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ኣምላኽ እዩ።’ ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ዅሉ ዝዓመሞ ነገራት እሞ ሕስብ ኣብል! (መዝ. 90:2) ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበሮን ሕጂ ዚገብሮ ዘሎን ኣብ ዚመጽእ ዚገብሮን ንጥፈታት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እዩ ኺነግረና ዚኽእል። ብዘይካዚ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ዜሐጕሶን ዜጕህዮን ነገራት ይምህረና እዩ፣ ብኸመይ ንየሆዋ ኽንቀርቦ ኸም እንኽእል ድማ ይገልጸልና እዩ። (ያእ. 4:8) ስለዚ እምበኣር፡ ዝዀነ ይኹን ዜገድሰና ወይ ዜጨንቐና ነገራት ካብ የሆዋ ኼርሕቐና ኣይነፍቅድ።
11. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ዝበለ ሰፊሕን ዜተኣማምንን ጥበብ እዩ ዚርከብ፧
11 እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሰፊሕን ዜተኣማምንን ጥበብ እውን፡ ምንጪ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ምዃኑ ዚሕብር እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንእግዚኣብሄር ኪምህሮ ኢሉ፡ ሓሳቡ ዝፈለጠኸ እንታዋይ እዩ፧” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረ. 2:16) ነዛ ሕቶ እዚኣ ኣብቲ ነብዪ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ እተዛረቦ ዘረባ ተመርኲሱ እዩ ጽሒፍዋ። ኢሳይያስ ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት፡ “ንመንፈስ እግዚኣብሄር ዝመርመረ፡ ወይስ መኻሪኡ ዀይኑ ዝመሀሮኸ መን እዩ፧” ኢሉ ሓቲትዎም ነበረ። (ኢሳ. 40:13) መልሱ፡ ሓደ እኳ የልቦን፡ ዚብል እዩ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓዳር፡ ቈልዑ፡ መዘናግዒ፡ ምሕዝነት፡ ትግሃት፡ ሓቀኝነት፡ ስነ ምግባር ዚህቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ክንረክብ እንኽእል እውን በዚ ምኽንያት እዚ እዩ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሕማቕ ምኽሪ ፈጺምና ኣይንረክብን ኢና። ሰባት ግና፡ ወትሩ ዚዓዪ ምኽሪ ንኺህቡ ዜኽእሎም ጥበብ የብሎምን። (ኤር. 10:23) መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ኣቐዲሞም ዝሃብዎ ምኽሪ ጕድለት ከም ዘለዎ ስለ ዚግንዘቡ፡ ነቲ ምኽሪ እቲ ኪቕይርዎን ኬመሓይሽዎን እዮም ዚረኣዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሓሳባት ሰብ ከንቱ ምዃኑ” ይገልጽ።—መዝ. 94:11።
12. ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምጥፋእ እንታይ ጻዕሪ እዩ ተገይሩ፧
12 ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ዚሕብር ካልእ መርትዖ ድማ፡ ታሪኽ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት፡ ሓያሎ ሰባት ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጥፍእዎ ጽዒሮም እዮም። ብ168 ቅ.ክ. ሶርያዊ ንጉስ ኣንታይከስ ራብዓይ፡ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ መጻሕፍቲ ሕጊ፡ ብሓዊ ኺቃጸል ኣዚዙ ነበረ። ብ303 ድ.ክ. ናይ ሮማ ሃጸይ ዳዮክሊሽያን፡ እቲ ክርስትያናት ዚእከቡሉ ዝነበሩ ቦታታት ኪዓኑን ቅዱሳት ጽሑፋቶም ብሓዊ ኺቃጸልን ከም ዘለዎ ዚገልጽ ኣዋጅ ኣውጽአ። እዚ ንዓሰርተ ዓመት ቀጸለ። ድሕሪ መበል 11 ዘመን ከኣ፡ ጳጳሳት፡ ሰባት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኸይፈልጡ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብቛንቋ ተራ ህዝቢ ንኸይትርጐም ኪቃለሱ ጸኒሖም እዮም። ሰይጣንን ወኪላቱን ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕሪ እኳ እንተ ገበሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ክሳዕ ግዜና ኣሎ። የሆዋ እዚ ንወዲ ሰብ ዝሃቦ ውህበት ኪጠፍእ ኣይፈቐደን።
ንብዙሓት ዘእመነ መርትዖ
13. መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምዃኑ ዚሕብር እንታይ መርትዖ ኽንጠቅስ ምኸኣልና፧
13 መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምዃኑ ዚሕብር ካልእ መርትዖ እውን ኣሎ። እዚ ኸኣ ውሽጣዊ ስኒቱ፡ ስነ ፍልጠታዊ ልክዕነቱ፡ እተፈጸመ ትንቢታቱ፡ ቅንዕና ጸሓፍቱ፡ ህይወት ሰባት ናይ ምቕያር ክእለቱ፡ ታሪኻዊ ልክዕነቱ፡ ከምኡውን ነቲ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 1 ዝቐረበ ሕቶታት ዜዕግብ መልሲ ዚህብ ምዃኑ እዩ። ቀጺልና፡ ንገሊኦም ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ምዃኑ ንኺኣምኑ እንታይ ከም ዝሓገዞም ንርአ።
14-16. (ሀ) ንሓደ ኣስላማይ፡ ንሓንቲ ሂንዱ፡ ከምኡውን ንሓንቲ ብህልውና ኣምላኽ እትጠራጠር ዝነበረት ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ምዃኑ ዘእመኖም እንታይ እዩ፧ (ለ) ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ ኸም እተጻሕፈ ዚሕብር መርትዖታት፡ ኣብ ኣገልግሎት ነየናይ ክትጥቀመሉ ትደሊ፧
14 ኣንዋርb ኣብ ሓንቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትርከብ ሃገር፡ ኣስላማይ ኰይኑ እዩ ዓብዩ። ንግዜኡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኺነብር ከሎ ኸኣ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤቱ መጹ። ኣንዋር፡ “ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብምኽንያት ውግእ መስቀላውያንን ፍርዲ መናፍቓንን ብዛዕባ ሃይማኖታት ክርስትና ኣሉታዊ ርእይቶ እዩ ነይሩኒ። ይኹን እምበር፡ ብተፈጥሮይ ናይ ምፍላጥ ሃንቀውታ ስለ ዘሎኒ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ተሰማማዕኩ” በለ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ናብ ሃገሩ ተመልሰ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበሮ ርክብ ከኣ ተቛረጸ። ድሕሪ ገለ ዓመታት ናብ ኤውሮጳ ኸደ፡ እንደገና ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ጀመረ። ንሱ፡ “ፍጻመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ውሽጣዊ ስኒት ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮ ሓሳባት ዘይምህላዉ፡ ከምኡውን ኣብ መንጎ ኣምለኽቲ የሆዋ ዘላ ፍቕሪ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ኣእመነኒ” በለ። ብ1998 ከኣ ተጠምቀ።
15 ኢሻ ጓላ 16 ዓመት እያ፣ ስድራ ቤታ ኸኣ ሂንዱ እዮም። ኢሻ፡ “ቤተ መቕደስ ኪኸይድ ከለኹን ጸገማት ኬጋጥመኒ ኸሎን ጥራይ እየ ዝጽሊ ነይረ። ኣብ ህይወተይ ጽቡቕ ነገራት ኬጋጥመኒ ኸሎ ግና፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ሓሲበ ኣይፈልጥን እየ” በለት። ይኹን እምበር፡ ኣስዒባ ኸም ዝገለጸቶ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤታ ምስ መጹ፡ ህይወታ ምሉእ ብምሉእ ተቐየረ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዐት፡ ንኣምላኽ ድማ ዝያዳ ኽትፈልጦ ጀመረት። ግናኸ፡ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መጽሓፍ ምዃኑ ዘእመና እንታይ እዩ፧ ንሳ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንዅሉ ሕቶታተይ መሊሱለይ እዩ። ንኣምላኽ ከይረኣኹ፡ ማለት ናብ ቤተ መቕደስ ከይደ ንጣኦት ከይሰገድኩ እምነት ንኼጥሪ ሓጊዙኒ እዩ” ብምባል ገለጸት።
16 ፖላ፡ ካቶሊክ ኰይና እኳ እንተ ዓበየት፡ ዓባይ ጓል ምስ ኰነት ግና ብህልውና ኣምላኽ ክትጠራጠር ጀመረት። ብዛዕባ እቲ ቐጺሉ ዜጋጠማ ነገር ግና ከምዚ ብምባል ተዘንቱ፦ ‘ምስ ሓደ ንኣዋርሕ ዚኣክል ተጣፊእና ዝነበርና ፈታውየይ ተራኸብኩ። ኣነን ንሱን ኣብቲ ሓያሎ ሰባት ጸጕሮም ኣንዊሖም፡ ሓሽሽ ዚወስዱሉ ዝነበሩ እዋን ኢና እንነብር ኔርና። ክሳዕ ክንደይ ከም እተቐየረ፡ ማለት ጸጕሩ ተቐምቂሙ፡ ሕጉስ ኰይኑ ምስ ረኣኽዎ፡ “እንታይ እዩ ኣጋጢሙካ፡ ኣበይከ ኢኻ ኔርካ” ኢለ ሓተትክዎ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዕ ከም ዝነበረ ነገረኒ፡ መስከረለይ ድማ።’ እዛ ቕድም ብህልውና ኣምላኽ እትጠራጠር ዝነበረት ሰብ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ንሰባት ናይ ምቕያር ክእለት ከም ዘለዎ ምስ ረኣየት፡ ኣብ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ከተሕድር ጀመረት፡ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መጽሓፍ ምዃኑ ኸኣ ተቐበለቶ።
‘ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ እዩ’
17. ንቓል ኣምላኽ መዓልታዊ ምስ እተንብቦን ምስ እተስተንትኖን ብኸመይ ኢኻ እትጥቀም፧
17 መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ዘሰናደዎ ዜደንቕ ውህበት እዩ። ስለዚ፡ መዓልታዊ ኣንብቦ፡ ንዕኡን ንደራሲኡን ዘሎካ ፍቕሪ ድማ ኪዓቢ እዩ። (መዝ. 1:1, 2) ንነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ ብጸሎት ጀምሮ፣ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ንሓሳባትካ ኺመርሖ ሕተቶ። (ሉቃ. 11:13) መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት ኣምላኽ ዝሓዘ መጽሓፍ እዩ፣ ስለዚ፡ ንትሕዝቶኡ እንተ ኣስተንቲንካሉ፡ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ኪህልወካ ይኽእል እዩ።
18. ወትሩ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመሃር እትደሊ ስለምንታይ ኢኻ፧
18 ብፍልጠት ሓቂ እናወስኽካ ኺድ፡ ነቲ እተመሃርካዮ ኸኣ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። (መዝሙር 119:105 ኣንብብ።) ልክዕ ኣብ መስትያት ትርኢ ኸም ዘሎኻ ዄንካ፡ ንርእስኻ ብቕዱሳት ጽሑፋት ጌርካ ርኣያ። ገለ ምትዕርራይ ክትገብር ከም ዘሎካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ምትዕርራይ ግበር። (ያእ. 1:23-25) ንቓል ኣምላኽ እምነትካ ንምክልኻልን ካብ ልቢ ትሑታት ሰባት ከኣ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ንምምሓውን ከም ሰይፊ ጌርካ ተጠቐመሉ። (ኤፌ. 6:17) ከምዚ ኽትገብር ከለኻ ድማ፡ ነብያትን እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፉ ሰባትን ብሓቂ “ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም” ስለ ዝዓየዩ ኣመስግን።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኤ ግሪክ-ኢንግሊሽ ሌክሲኮን ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት አንድ ኣዘር አርሊ ክርስትያን ሊትረቸር።
b ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
መጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ኣንብብ እሞ፡ እታ ንደራሲኡ ዘላትካ ፍቕሪ ኽትዓቢ እያ
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ሓደ ሰብ ንሓንቲ ደብዳበ ኽታሙ ምስ ዜንብረላ፡ እታ ደብዳበ ኻብኡ ኸም እተላእከት እያ እትቝጸር