ንኣምላኽ ሓርነት ኣገልግሎ
“ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ፡ ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ።”—1 ዮሃ. 5:3።
ክትምልሶዶ ምኸኣልካ፧
ሰይጣን ንሕግታት ኣምላኽ ጾር ከም ዝዀነ ኣምሲሉ ዜቕርቦ ብኸመይ እዩ፧
ንኣመራርጻ ኣዕሩኽ ብዚምልከት ኣዚና ኽንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
ነቲ ኣምላኽ ሓርነት ወትሩ እሙናት ኴንና ንኸነገልግሎ እንታይ እዩ ዚሕግዘና፧
1. የሆዋ ንሓርነት ብኸመይ ይምልከቶ፧ ነዚኸ ምስ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ዝገበሮ ርክብ ብኸመይ እዩ ኣርእይዎ፧
ፍጹም ሓርነት ዘለዎ፡ የሆዋ ጥራይ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነዚ ሓርነት እዚ ብዘይ ግቡእ ኣይጥቀመሉን እዩ። ንዅሉ እቲ ኣገልገልቱ ዚገብርዎ ደቀቕቲ ነገራት ኣይቈጻጸሮን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንኣገልገልቱ ናይ ገዛእ ርእሶም ውሳነታት ንኺገብሩን ንዅሉ እቲ ግቡእ ባህግታቶም ንኼርውዩን ዜኽእሎም ሓርነት ወይ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂብዎም እዩ። ንኣብነት፡ ኣምላኽ ንኣዳምን ንሄዋንን ሓደ ነገር ከይገብሩ ጥራይ እዩ ኸልኪልዎም ነይሩ። “ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም” ጥራይ ከይበልዑ እዩ ኣዚዝዎም ነይሩ። (ዘፍ. 2:17) ፍቓድ ፈጣሪኦም ንኺፍጽሙ ዜኽእሎም ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ሓርነት ኰን እዩ ነይርዎም!
2. እቶም ቀዳሞት ወለድና ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ሓርነት ዜጥፍእዎ ስለምንታይ እዮም፧
2 ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ወለድና ብዙሕ ሓርነት ዝሃቦም ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ብመልክዑ እዩ ፈጢርዎም፡ ሕልና ኸኣ ሂብዎም እዩ። በታ ንፈጣሪኦም ዘላቶም ፍቕሪ ተደሪኾም ቅኑዕ ዘበለ ኺገብሩ ኸኣ ይደልዮም ነበረ። (ዘፍ. 1:27፣ ሮሜ 2:15) እቲ ዜሕዝን ግና፡ ኣዳምን ሄዋንን ንፈጣሪኦም ስለቲ ዝሃቦም ሓርነት ኣየማሰዉሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሰይጣን ሰሚዖም ቅኑዕን ጌጋን ብገዛእ ርእሶም ኪውስኑ መረጹ። እዚ ዝያዳ ሓርነት ዜምጽኣሎም ኰይኑ እኳ እንተ ተሰምዖም፡ ንዓታቶምን ንዘርኦምን ኣብ ባርነት ሓጢኣት ኣውደቖም፡ ስቓይን ሞትን ከኣ ኣስዓበሎም።—ሮሜ 5:12።
3, 4. ሰይጣን ብዛዕባ ስርዓታት የሆዋ እንታይ እዩ ኼእምነና ዚጽዕር፧
3 ሰይጣን ነዞም ክልተ ፍጹማት ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሓያሎ መንፈሳውያን ፍጡራት እውን ንልዑላውነት ኣምላኽ ንኺነጽጉ ጽልዋ ገይሩሎም እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ንዓናውን ጽልዋ ኺገብረልና ኸም ዚኽእል ፍሉጥ እዩ። ሰይጣን፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ነቲ ቐደም እተጠቕመሉ ስልቲ ስለ ዚጥቀም፡ ንስርዓታት ኣምላኽ፡ ልክዕ ከም ሓደ ንሓርነትና ዚሰርቕ ጾር ጌርና ኸም እንርእዮ ኺገብረና እዩ ዚጽዕር። (1 ዮሃ. 5:3) ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ከምኡ እዩ ዚስምዖም፣ ንሕና እውን ኣዘውቲርና ምሳታቶም ግዜ ነሕልፍ እንተ ደኣ ዄንና ኣተሓሳስባኦም ኪጸልወና ይኽእል እዩ። ጾታዊ ርኽሰት ዝፈጸመት 24 ዓመት ዝዕድሚኣ ሓንቲ ሓብቲ፡ “ሕማቕ ዕርክነት ብርቱዕ ጽልዋ ገይሩለይ እዩ፣ ብፍላይ ከኣ ካብ መዛኖይ እተፈልየ ኣተሓሳስባ ኸይህልወኒ እፈርህ ነበርኩ” በለት። ንስኻ እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቕጢ መዛኑ ኣጋጢሙካ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
4 እቲ ዜሕዝን ግና፡ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ከይተረፈ ጸቕጢ መዛኑ ኼጋጥም ይኽእል እዩ። ሓደ መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር፡ “ገሊኦም መንእሰያት ምስ ዘይኣመንቲ ኣንጻር ጾታ ይተዓራረኹ ኸም ዝነበሩ እፈልጥ ነይረ እየ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ምሳታቶም እናተቐራረብኩ ምስ ከድኩ ግና፡ ኣነ እውን ከማታቶም ክኸውን ጀመርኩ። መንፈሳውነተይ ከኣ ኣብ ሓደጋ ወደቐ። እቲ ኣብ ጉባኤ ዚቐርብ ዝነበረ መንፈሳዊ ምግቢ የሰልችወኒ ነበረ፡ ኣገልግሎት እውን ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ኣይከይድን እየ ነይረ። እዚ ድማ፡ ምስቶም ኣዕሩኽ ንዝነበረኒ ምቅርራብ ከቋርጾ ኸም ዘሎኒ ዚሕብር ምልክት ስለ ዝዀነኒ፡ ዕርክነተይ ኣቋረጽክዎ” በለ። ኣዕሩኽካ ኽሳዕ ክንደይ ጽልዋ ኺገብሩልካ ኸም ዚኽእሉስ ኣስተውዒልካዶ፧ ምስ ግዜና ዚኸይድ ኣብነት መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ንርአ።—ሮሜ 15:4።
ልቦም ሰረቐ
5, 6. ኣቤሴሎም ንኻልኦት ሰባት ዘታለሎም ብኸመይ እዩ፧ ውዲቱኸ ሰሊጥዎዶ፧
5 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ካልኦት ሕማቕ ጽልዋ ዘሕደሩ ሰባት ዚገልጽ ሓያሎ ኣብነታት ሒዙ ኣሎ። ሓደ ኻባታቶም ከኣ ኣቤሴሎም ወዲ ንጉስ ዳዊት እዩ። ኣቤሴሎም ኣዝዩ ምልኩዕ ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ገለ ግዜያት ግና፡ ንሱ እውን ከም ሰይጣን ኣብ ልቡ ሕማቕ ትምኒት ኬሕድር ጀመረ። ንጉስ ኪኸውን መሰል እኳ እንተ ዘይነበሮ፡ ንሱ ግና ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪወርስ ተመነየ።a ነቲ ዝፋን እቲ መንዚዑ ምእንቲ ኺነግስ ድማ፡ ነቶም ህዝቢ ኺሕግዞም ከም ዚደሊ፡ ኣቦኡ ግና ቍሊሕ ከም ዘይብሎም ገይሩ ኣእመኖም። እወ፡ ልክዕ ከምቲ ድያብሎስ ኣብ ገነት ኤድን ዝገበሮ፡ ኣቤሴሎም ሓላዪ መሲሉ ብምቕራብ፡ ንኣቦኡ ብሓሶት ኣጸለሞ።—2 ሳሙ. 15:1-5።
6 ኣቤሴሎም ውዲቱ ሰሊጥዎዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣቤሴሎም ከኣ ከምዚ እናገበረ ልቢ ሰብ እስራኤል ሰረቐ” ስለ ዚብለና ብመጠኑ ሰሊጥዎ እዩ። (2 ሳሙ. 15:6) ኣብ መወዳእታ ግና፡ ትዕቢቱ ናብ ውድቀት መርሖ። እቲ ዜሕዝን ድማ፡ ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቶም ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ብእኡ እተታለሉ ሰባት እውን ሞቱ።—2 ሳሙ. 18:7, 14-17።
7. ካብ ታሪኽ ኣቤሴሎም እንታይ ኢና እንመሃር፧ (ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ ርአ።)
7 እስራኤላውያን ብቐሊሉ እተታለሉ ስለምንታይ እዮም፧ ነቲ ኣቤሴሎም እተመባጽዓሎም ነገራት ተመንዮምዎ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ወይ ከኣ ምናልባት ብደጋዊ ትርኢቱ ተጽልዮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ንየሆዋን ነቲ ንሱ ዝሸሞ ንጉስን እሙናት ከም ዘይነበሩ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ሎሚ እውን ሰይጣን ንልቢ ኣገልገልቲ የሆዋ ንኺሰርቕ ዘመናውያን “ኣቤሴሎም” ይጥቀም እዩ። ዘመናውያን ኣቤሴሎም፡ ‘ስርዓታት የሆዋ ቐይድታት ዝበዝሖ እዩ፣ ንዅሎም እቶም ንየሆዋ ዘየገልግሉ ሰባት እሞ ርአ። ባህ ዜብል ጽቡቕ ግዜ እዮም ዜሕልፉ ዘለዉ’ ይብሉ ይዀኑ። ንስኻኸ፡ ከምዚ ምስ ዜጋጥመካ፡ ነዚ ሓሶት እዚ ኣለሊኻ ንየሆዋ እሙን ክትከውን ዲኻ፧ እቲ “ፍጹም ሕጊ” ዝዀነ ሕጊ ክርስቶስ ጥራይ ናብ ናይ ሓቂ ሓርነት ከም ዚመርሓካ ኽትግንዘብ ዲኻ፧ (ያእ. 1:25) ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ ሕጊ እቲ ኸም እትፈትዎ ኣርኢ፣ ንክርስትያናዊ ሓርነትካ ኸይተጥፍእ ከኣ ተጠንቀቕ።—1 ጴጥሮስ 2:16 ኣንብብ።
8. ንስርዓታት የሆዋ ዕሽሽ ብምባል ሓጐስ ኪርከብ ከም ዘይክኣል ዚገልጽ እንታይ ናይ ሓቂ ኣብነታት ኣሎ፧
8 ሰይጣን ብፍላይ ንመንእሰያት እዩ ኼታልሎም ዚደሊ። ሕጂ ኣብ 30ታት ዓመት ዕድሚኡ ዚርከብ ሓው፡ ኣብ ዕድመ ዀተቴ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዛዕባ ዝነበሮ ኣመለኻኽታ ኣብ ዝሃቦ ሓሳባት፡ “ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ፡ ከም መዕቈቢ ዘይኰነስ፡ ከም ቀይዲ ገይረ እየ ዚርእዮ ነይረ” በለ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ፡ ጾታዊ ርኽሰት ፈጸመ። ይኹን እምበር፡ ሓጐስ ኣየምጽኣሉን። “ንሓያሎ ዓመታት ጣዕሳን ጸጸትን ከም እተሰምዖ” ድማ ገለጸ። ሓንቲ ሓብቲ፡ ብዛዕባ እቲ ጐርዞ ኣብ ዝነበረትሉ ዓመታት ዝፈጸመቶ ዘኪራ፡ “ጾታዊ ርኽሰት ምስ ፈጸምካ፡ ቅዝዝ ትብል፡ ባዶነት ድማ ይስምዓካ። ኣብዚ ግዜ እዚ እውን ከይተረፈ፡ ድሕሪ 19 ዓመት፡ ሕማቕ ተዘክሮታት እናመጸ የሸግረኒ እዩ” በለት። ካልእ ሓብቲ ኸኣ፡ “ነቶም ዜፍቅሮም ሰባት ብተግባረይ ከም ዝደቘስክዎም ምፍላጠይ፡ ብኣእምሮኣውን ብመንፈሳውን ብስምዒታውን መዳያት ሃስዩኒ እዩ። ህይወት ብዘይ ሞገስ የሆዋ መሪር እዩ። ሰይጣን ብዛዕባ ሳዕቤናት ሓጢኣት ክትሓስብ ኣይደልየካን እዩ” በለት።
9. (ሀ) ብዛዕባ የሆዋን ሕግታቱን ስርዓታቱን ዘሎና ርእይቶ ንምግምጋም ንገዛእ ርእስና እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓታ ዘሎና፧ (ለ) ንየሆዋ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
9 እዚ ተመክሮታት እዚ ኸም ዚሕብሮ፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ዘይምሕላው ከቢድ ሳዕቤን እዩ ዘለዎ። ኣብ ሓቂ ዘለዉ ሓያሎ መንእሰያት፡ ዓበይቲ እውን ከይተረፈ፡ ከምዚ ዓይነት ሕማቕ ተመክሮ ምሕላፎም ዜሕዘን እዩ። (ገላ. 6:7, 8) ስለዚ፡ ንርእስኻ፡ ‘ነቲ ሰይጣን ንኼታልለኒ ኢሉ ዜቕርቦ ውዲቱ አለልዮ ድየ፧ ንየሆዋ ኸም ሓደ ዅሉ ሳዕ ሓቂ ዚዛረብን ንጽቡቐይ ጥራይ ዚሓስብን ናይ ቀረባ ዓርከይ ገይረ ድየ ዚርእዮ፧ ነቲ ብሓቂ ዚጠቕመኒ ነገርን ዓብዪ ሓጐስ ዜምጽኣለይን ነገር ፈጺሙ ኸም ዘይክልክለኒ ምሉእ ብምሉእ እኣምን ድየ፧’ ኢልካ ሕተታ። (ኢሳይያስ 48:17, 18 ኣንብብ።) ነዚ ሕቶታት እዚ ብምሉእ ልቢ፡ ‘እወ፡’ ኢልካ ምእንቲ ኽትምልሶ፡ ንየሆዋ ብላዕለ ላዕሊ ዘይኰነስ፡ ኣጸቢቕካ ኽትፈልጦ ኣሎካ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሕግታቱን ስርዓታቱን መግለጺ ፍቕሩ ደኣ እምበር፡ ንሓርነትካ ዚቕይድ ከም ዘይኰነ ኽትፈልጥ ኣሎካ።—መዝ. 25:14።
ጥበበኛን እዙዝን ልቢ ኺወሃበካ ጸሊ
10. ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን ንኽንቀድሖ ኽንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
10 ሰሎሞን መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ብትሕትና፡ “ኣነ ኸኣ መውጽእየይን መእተውየይን ዘይፈልጥ ንእሽቶ ጐበዝ እየ” ኢሉ ጸለየ። ኣስዒቡ እውን ጥበበኛን ኣስተውዓልን ልቢ ኺወሃቦ ጸለየ። (1 ነገ. 3:7-9, 12) የሆዋ ነቲ ሰሎሞን ዘቕረቦ ልባዊ ጸሎቱ መሊሱሉ እዩ፣ ነቲ ንስኻ—መንእሰይ ኩን ዓብዪ ብዘየገድስ—እተቕርቦ ጸሎት እውን ኪምልሶ እዩ። የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ ምስትውዓልን ጥበብን ከም ዘይህበካ ፍሉጥ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃት እንተ ኣጽኒዕካዮን መንፈስ ቅዱሱ ኺወሃበካ እንተ ጸሊኻን ነቲ ብክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቢሉ ዚወሃበካ መንፈሳዊ መሰናድዎታት ምሉእ ብምሉእ እንተ ተጠቒምካሉን ጥበብ ኪህበካ እዩ። (ያእ. 1:5) እወ፡ የሆዋ በዚ መገድታት እዚ ገይሩ፡ ነቶም ዜገልግልዎ መንእሰያት ካብ ኵሎም እቶም ንምኽሩ ዕሽሽ ዚብልዎ፡ “ካብ ብልህታትን ካብ ለባማትን” እዛ ዓለም እዚኣ እውን ከይተረፈ፡ ዚበልጽ ጥበብ ብምሃብ ኬለብሞም ይኽእል እዩ።—ሉቃ. 10:21፣ መዝሙር 119:98-100 ኣንብብ።
11-13. (ሀ) መዝሙር 26:4፡ ምሳሌ 13:20፡ ከምኡውን 1 ቈረንቶስ 15:33 እንታይ ጠቓሚ ትምህርቲ እየን ዜመሓላልፋልና፧ (ለ) ኣብተን ጥቕስታት እቲኣተን ንዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ትኽእል፧
11 ንየሆዋ ኣጸቢቕና ንኽንፈልጦ ኢልና መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕናን ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ምስትንታንናን እንታይ ረብሓ ኸም ዘለዎ ንኽንርዳእ፡ ነዚ ዚስዕብ ጥቕስታት ንመርምር። ነፍሲ ወከፍ ጥቕሲ፡ ንኣመራርጻ ኣዕሩኽ ብዚምልከት፡ ኣገዳሲ ዝዀነ መሰረታዊ ስርዓት ሒዛ ኣላ። መዝሙር 26:4፡ “ምስ ሓሰውቲ ሰባት ኣይተቐመጥኩን፡ ምስ ኣምሰሉታትውን ኣይከድኩን” ትብል። ምሳሌ 13:20 ድማ፡ “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን፡ ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን” ብምባል ትገልጽ። ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:33 ከኣ፡ “ኣይትታለሉ፡ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ” ዚብል ነንብብ።
12 ካብዚ ጥቕስታት እዚ እንታይ ጠቓሚ ትምህርቲ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧ (1) የሆዋ ንኣዕሩኽ ብዚምልከት መረጽቲ ኽንከውን ይደልየና እዩ። ብስነ ምግባርን ብመንፈሳውን መዳይ ኬዕቝበና እዩ ዚደሊ። (2) ኣዕሩኽና እንተ ብጽቡቕ እንተ ብሕማቕ ይጸልዉና እዮም። እዚ ዘይተርፍ ነገር እዩ። እተን ኣብ ላዕሊ እተጠቕሳ ጥቕስታት እተጻሕፋሉ መገዲ ኸም ዚሕብሮ፡ የሆዋ ልብና ኺትንክፍ እዩ ዚደሊ። ብኸመይ፧ ኣብ ኵለን እተን ጥቕስታት፡ ብቐሊሉ ዚርድኣካ ሓቅታት ደኣ እምበር፡ “እዚ ግበር” ወይ “እዚ ኣይትግበር” ዚብል ሕጊ ኸም ዘየሎ ኣስተብህል። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ የሆዋ፡ ‘እቲ ሓቂ፡ እዚ እዩ። እንታይ ምላሽ ኢኻ እትህብ፧ ኣብ ልብኻ እንታይ ኣሎ፧’ እዩ ዚብለና ዘሎ።
13 ብተወሳኺ፡ እተን ሰለስተ ቝጽርታት በቲ መገዲ እቲ ስለ እተጻሕፋ፡ ግዜ ዚሓልፈን ኣይኰናን፣ ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ንዘለዎ ሰባት እውን ኪዓይያ ይኽእላ እየን። ንኣብነት፡ ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ምስ “ኣምሰሉታት” ክራኸብ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧ ምሳታቶም ንኸይሓብርከ እንታይ ክገብር እኽእል፧ (ምሳ. 3:32፣ 6:12) እቶም የሆዋ ኽመሓዘዎም ዚደልየኒ “ጠቢባን” መን እዮም፧ እቶም ከርሕቖም ዚደልየኒ “ዓያሱ”ኸ መን እዮም። (መዝ. 111:10፣ 112:1፣ ምሳ. 1:7) ሕማቕ ዕርክነት ምስ ዝመርጽ እንታይ “ጽቡቕ ልማድ” እየ ዘጥፍእ፧ ኣብ ዓለም ጥራይ ድዮም ሕማቓት ኣዕሩኽ ዘለዉ፧ (2 ጴጥ. 2:1-3)’ ነዚ ሕቶታት እዚ እንታይ ምላሽ ኢኻ እትህበሉ፧
14. ኣብታ ኣምልኾ ስድራ ቤት እትገብሩላ ምሸት፡ እንታይ ምምሕያሽ ኢኹም ክትገብሩ እትኽእሉ፧
14 ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባኻ ወይ ብዛዕባ ስድራ ቤትካ ዘለዎ ኣተሓሳስባ ምእንቲ ኽትፈልጦ፡ በቲ ነዘን ጥቕስታት እዚአን እተረዳእካሉ መገዲ ጌርካ፡ ካልእ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ንምንታይ ዘይትምርምር፧b ወለዲ ዘበልኩም፡ ነዚ ጕዳይ እዚ ኣብታ ኣምልኾ ስድራ ቤት እትገብሩላ ምሸት ክትመያየጡሉ ትኽእሉ ኢኹም። ዕላማኹም ድማ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት፡ የሆዋ ሕግታትን ስርዓታትን ዝሃበና ኣዝዩ ስለ ዜፍቅረና ምዃኑ ንኸተርድእዎ ኪኸውን ኣለዎ። (መዝ. 119:72) እወ፡ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕቲ፡ ንዅሎም ኣባላት ስድራ ቤት ናብ የሆዋ ኸም ዚቐርቡን ንሓድሕዶም ከም ዚቀራረቡን ኪገብሮም ይግባእ።
15. ጥበበኛን እዙዝን ልቢ ተማዕብል እንተ ኣሊኻ ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧
15 ጥበበኛን እዙዝን ልቢ ተማዕብል እንተ ኣሊኻ ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧ ሓደ ኻብቲ ነዚ ኽትፈልጠሉ እትኽእል መገድታት፡ ንኣተሓሳስባኻ ምስ ኣተሓሳስባ እቶም ከም ንጉስ ዳዊት ዝኣመሰሉ ጥንታውያን እሙናት ሰባት ብምንጽጻር እዩ። ዳዊት፡ “ኣምላኸየ፡ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ፡ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ” በለ። (መዝ. 40:8) ብተመሳሳሊ፡ እቲ ንመዝሙር 119 ዝጸሓፈ ጸሓፊ፡ “ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ፡ ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ አሎኹ” በለ። (መዝ. 119:97) ከምዚኣ ዝኣመሰለት ፍቕሪ ብቐሊሉ እትርከብ ኣይኰነትን። ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ንኸተጥርያ፡ ብዕምቈት ከተጽንዕን ክትጽልን ከተስተንትንን ኣሎካ። ንስርዓታት ኣምላኽ ብምስዓብካ ንዝረኸብካዮ በረኸታት እውን ከተስተውዕለሉ ኣሎካ።—መዝ. 34:8።
ክርስትያናዊ ሓርነትካ ንኸይተጥፍእ ተቓለስ
16. ናይ ሓቂ ሓርነት ንኽንረክብ ኣብ እንገብሮ ቓልሲ፡ እንታይ ኢና ኽንግንዘብ ዘሎና፧
16 ኣብ ታሪኽ ከም እተራእየ መንግስትታት ምእንቲ ሓርነት፡ ኪቃለሳ ጸኒሐን እየን። ደቂ ሰብ ምእንቲ ሰብኣዊ ሓርነት ካብ ተቓለሱ፡ ንስኻ ግዳ ምእንቲ ክርስትያናዊ ሓርነትካ ኢልካ ብመንፈሳዊ መዳይ ክንደይ ዝያዳ ኽትቃለስ ዘይግብኣካ! ጸላእትኻ፡ ሰይጣንን እታ መርዛም መንፈስ ዘለዋ ዓለምን ጥራይ ከም ዘይኰኑ ፍለጥ። ምስ ዘይፍጽምናኻን ምስቲ ጐራሕ ልብኻን እውን ክትቃለስ ኬድልየካ እዩ። (ኤር. 17:9፣ ኤፌ. 2:3) ኰይኑ ግና፡ ብሓገዝ የሆዋ፡ ኣብቲ ቓልሲ ኽትስዕር ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቃልሲ እትረኽቦ ዓወት ድማ፡ እንተ ወሓደ ኽልተ ጥቕሚ ኣለዎ። ቀዳማይ፡ ንልቢ የሆዋ ተሐጕሶ። (ምሳ. 27:11) ካልኣይ፡ ነቲ ሓራ ዜውጽእ “ፍጹም ሕጊ ሓርነት” ምስ ኣስተማቐርካዮ፡ በታ ‘ቐጣን መገዲ’ ናይ ዘለኣለም ህይወት ጸኒዕካ ንኽትመላለስ ዝያዳ ቘራጽነት ክትገብር ኢኻ። ኣብ ዚመጽእ ድማ፡ ነቲ የሆዋ ንዅሎም እሙናት ኣገልገልቱ እተመባጽዓሎም፡ ሰፊሕ ሓርነት ክትረኽቦ ኢኻ።—ያእ. 1:25፣ ማቴ. 7:13, 14።
17. ክንጋገ ኸለና ተስፋ ኽንቈርጽ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ የሆዋኸ እንታይ ሓገዝ እዩ ዚህበና፧
17 ኵላትና ሓድሓደ ግዜ ኸም እንጋገ ፍሉጥ እዩ። (መክ. 7:20) ከምዚ ኼጋጥመካ ኸሎ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ ወይ ከም ዘይትረብሕ ኰይኑ ኣይሰማዕካ። ተዓንቂፍካ እንተ ወዲቕካ ተንሲእካ ጕዕዞኻ ቐጽል፣ ምናልባት እውን ናብ ሽማግለታት ቀሪብካ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ከምቲ ያእቆብ ዝበሎ፡ “እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ።” (ያእ. 5:15) እወ፡ ኣምላኽ ብሓቂ መሓሪ ምዃኑን ኣባኻ ጽቡቕ ነገር ብምርኣዩ ናብታ ጉባኤ ኸም ዝሰሓበካን ፈጺምካ ኣይትረስዕ። (መዝሙር 103:8, 9 ኣንብብ።) ስለዚ እምበኣር፡ ንየሆዋ ብምሉእ ልብኻ እንተ ኣገልጊልካዮ፡ ንሱ ፈጺሙ ኣይኪሓድገካን እዩ።—1 ዜና 28:9።
18. ምስቲ ኣብ ዮሃንስ 17:15 ተመዝጊቡ ዘሎ ጸሎት የሱስ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
18 የሱስ ኣብታ ቐቅድሚ ሞቱ ዝነበረት ምሸት ምስቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ ዀይኑ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት፡ “ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም” ኢሉ ምእንታኦም ለመነ። (ዮሃ. 17:15) ንሱ ንሃዋርያቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሎም ሰዓብቱ ይሓልየሎም እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ንጸሎት የሱስ ሰሚዑ፡ ኣብዘን ጽንኩራት መዓልትታት ከም ዚሕልወና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። የሆዋ ‘ንመገዲ እቶም ቅዱሳኑ ይሕልዋ፡ ነቶም ብዘይ ጽያፍ ዚመላለሱ ኸኣ ዋልታኦም እዩ።’ (ምሳ. 2:7, 8) ብመገዲ ንጽህና ምምልላስ ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ናብቲ ናይ ሓቂ ሓርነትን ዚመርሕ መገዲ ግና ንሱ ጥራይ እዩ። (ሮሜ 8:21) ሓደ እኳ ኻብዚ መገዲ እዚ ኼውጽኣካ ኣይተፍቅድ!
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ንዝፋን ዳዊት ዚወርስ “ዘርኢ” ንዳዊት እተመባጽዓሉ ድሕሪ ውለደት ኣቤሴሎም እዩ። ስለዚ፡ ኣቤሴሎም ንዳዊት ተኪኡ ንኺነግስ የሆዋ ኸም ዘይመረጾ ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።—2 ሳሙ. 3:3፣ 7:12።
b እታ ጳውሎስ ብዛዕባ ፍቕሪ መብርሂ ዝሃበላ 1 ቈረንቶስ 13:4-8፡ ከምኡውን እታ ንሕግታት የሆዋ ብምእዛዝ ብዙሕ በረኸት ከም ዚርከብ እትገልጽ መዝሙር 19:7-11፡ ነዚ ጽቡቕ ኣብነት ዝዀና ጥቕስታት እየን።
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]
ንዘመናውያን ኣቤሴሎም ብኸመይ ከነለልዮም ንኽእል፧ ብኣታቶም ምእንቲ ኸይንጽሎኸ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧