ብዛዕባ ተኣማንነትን ምሕረትን የሆዋ ዘሎካ ግንዛበ ኣስፍሕ
“ዎ እግዚኣብሄር፡ ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን ኢኻ፡ ናባኻ ንዜእውዩ ዅላቶም ከኣ ብዓል ዓብዪ ምሕረት ኢኻ።”—መዝ. 86:5።
1, 2. (ሀ) እሙናትን ይቕረ በሃልትን ንዝዀኑ ኣዕሩኽና ኣኽቢርና እንርእዮም ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ነየኖት ሕቶታት ኢና ኽንምርምረን፧
ናይ ሓቂ ዓርኪ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ ሓንቲ ኣሽሊ ዝስማ ክርስትያን፡ “ንዓይ ከም ዚመስለኒ፡ ናይ ሓቂ ዓርኪ፡ ኵሉ ሳዕ ኣብ ጐድንኻ ዘሎን ክትጋገ ኸለኻ ይቕረ ዚብለልካን ሰብ እዩ” በለት። ኵላትና ነቶም እሙናትን ይቕረ ዚብሉን ኣዕሩኽና ኣኽቢርና ኢና እንርእዮም። ድሕንነት ከም ዚስምዓናን እተፈቐርና ዀይኑ ኸም ዚስምዓናን እዮም ዚገብሩ።—ምሳ. 17:17።
2 ተኣማንነትን ይቕረ ናይ ምባል ባህርይን ብምርኣይ ዝመጸ ንየሆዋ ዚወዳደሮ የልቦን። ልክዕ ከምቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝበሎ እዩ፣ ንሱ፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን ኢኻ፡ ናባኻ ንዜእውዩ ዅላቶም ከኣ ብዓል ዓብዪ ምሕረት [“ብተኣማንነት ፍቕሪ እተርኢ፡” NW] ኢኻ” በለ። (መዝ. 86:5) እሙንን ይቕረ በሃልን ምዃን እንታይ ማለት እዩ፧ የሆዋ እሙንን ይቕረ በሃልን ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ እሙናትን ይቕረ በሃልትን ብምዃን ዝመጸ ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚአን፡ ነታ ነቲ ዝበለጸ ዓርክና ዝዀነ የሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ኸም እትዓምቝ ኪገብራ እዩ። ነቲ ኣብ ንሓድሕድና ዘሎ ዕርክነት እውን ከም ዚድልድል ኪገብሮ እዩ።—1 ዮሃ. 4:7, 8።
የሆዋ እሙን እዩ
3. እሙን ምዃን እንታይ ማለት እዩ፧
3 ተኣማንነት፡ ተወፋይነትን ብቐጻሊ ንዚወሃብ ደገፍን እተጠቓልል ባህ እተብል ባህርይ እያ። እሙን ሰብ፡ ተለዋዋጢ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን እንተ ዀነ፡ ምስ ሓደ ሰብ (ወይ ነገር) ብፍቕሪ ይጣበቕ እዩ። እወ፡ የሆዋ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ “እሙን” እዩ።—ራእ. 16:5።
4, 5. (ሀ) የሆዋ እሙን ምዃኑ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ተኣማንነት የሆዋ ብዛዕባ ዜንጸባርቕ ግብርታት ምስትንታን፡ ብርታዐ ዚህበና ብኸመይ እዩ፧
4 የሆዋ እሙን ምዃኑ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ ነቶም እሙናት ኣምለኽቱ ኣይሓድጎምን እዩ። እቲ ሓደ ኻብቶም እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ ዝነበረ ንጉስ ዳዊት፡ የሆዋ እሙን ምዃኑ ርእዩ እዩ። (2 ሳሙኤል 22:26 ኣንብብ።a) ዳዊት ፈተናታት እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ የሆዋ ብተኣማንነት መሪሕዎን ኣዕቊብዎን ኣድሒንዎን እዩ። (2 ሳሙ. 22:1) ዳዊት፡ ተኣማንነት የሆዋ ኻብ ቃላት ንላዕሊ ኸም ዜጠቓልል ይፈልጥ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ምስ ዳዊት ኣብ ዝነበሮ ርክብ ተኣማንነት ዘርኣየ ስለምንታይ እዩ፧ ዳዊት ‘እሙን’ ስለ ዝነበረ እዩ። የሆዋ ንተኣማንነት ኣገልገልቱ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ፣ ንዓታቶም እሙን ብምዃን ድማ ዓስቦም ይህቦም እዩ።—ምሳ. 2:6-8።
5 ተኣማንነት የሆዋ ብዛዕባ ዜንጸባርቕ ግብርታት ምስትንታን፡ ብርታዐ ኺህበና ይኽእል እዩ። ሓደ ሪድ ዝስሙ እሙን ሓው፡ “የሆዋ ንዳዊት ኣብ ግዜ ጸገም ብኸመይ ከም ዝሓዞ ምንባብ ሓጊዙኒ እዩ። ዳዊት ኣብ በዓቲ እናተሓብአን ናብ ካልእ ቦታታት እናኸደን ኪሃድም ከሎ እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋ ወትሩ ይከናኸኖ ነበረ። ነዚ ኸኣ ኣዝዩ ዜበራትዕ ኰይኑ እየ ረኺበዮ። ዝዀነ ይኹን ኵነታት እንተ ኣጋጠመኒ፡ ምድረ ሰማይ እውን እንተ ጸልመተኒ፡ ኣነ ንየሆዋ እሙን ክሳዕ ዝዀንኩ፡ ንሱ ኣብ ጐድነይ ከም ዚኸውን እዩ ዜዘኻኽረኒ” በለ። ንዓኻ እውን ከምኡ ኸም ዚስምዓካ ኣየጠራጥርን እዩ።—ሮሜ 8:38, 39።
6. የሆዋ እሙን ምዃኑ ዜርእየሉ ኻልእ መገዲ እንታይ እዩ፧ እዚኸ ንኣምለኽቱ ዚጠቕሞም ብኸመይ እዩ፧
6 የሆዋ እሙን ምዃኑ ዜርእየሉ ኻልእ መገዲ እንታይ እዩ፧ ንስርዓታቱ እሙን እዩ። “ክሳዕ እርግናኹም ኣነ እየ” ኢሉ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (ኢሳ. 46:4) ኣብቲ ንቕኑዕን ንጌጋን ዚምልከት ዘይለዋወጥ ስርዓታቱ ተመርኲሱ እዩ ውሳነ ዚገብር። (ሚል. 3:6) ብዘይካዚ፡ ንመብጽዓታቱ ብተኣማንነት ብምፍጻም፡ እሙን ምዃኑ የርኢ እዩ። (ኢሳ. 55:11) ስለዚ፡ ተኣማንነት የሆዋ ንዅሎም እሙናት ኣምለኽቱ ይጠቕሞም እዩ። ብኸመይ፧ ስርዓታት የሆዋ ኽንስዕብ ዚከኣለና ኽንገብር ከለና፡ ነቲ ኸም ዚባርኸና ዝኣተዎ መብጽዓ ኸም ዚፍጽሞ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ኢሳ. 48:17, 18።
ተኣማንነት ብምርኣይ ዝመጸ ንየሆዋ ምሰሎ
7. ተኣማንነት ብምርኣይ ዝመጸ ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእለሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧
7 ተኣማንነት ብምርኣይ ዝመጸ ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ሓደ መገዲ፡ ነቶም ኣጸጋሚ ዅነታት ዜጋጥሞም ዘሎ ብምሕጋዝ እዩ። (ምሳ. 3:27) ንኣብነት፡ ምናልባት ብምኽንያት ምስኣን ጥዕና፡ ምጽራር ስድራ ቤት፡ ወይ ውልቃዊ ድኽመት ተስፋ ዝቘረጸ ሓው ወይ ሓብቲ ትፈልጥዶ፧ ንምንታይ ተበግሶ ወሲድካ ነቲ ሰብ ‘ብጽቡቕን ብዜጸናንዕን ቃላት’ ዘይትዛረቦ፧ (ዘካ. 1:13)b ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ‘ካብ ሓው ኣብሊጹ ጥብቂ ዝዀነ’ እሙንን ናይ ሓቅን ዓርኪ ምዃንካ ኸተርኢ ኢኻ።—ምሳ. 18:24።
8. ኣብ ሓዳርና እሙናት ብምዃን ዝመጸ ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
8 ነቶም እነፍቅሮም ሰባት እሙናት ብምዃን ዝመጸ ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእለሉ ኻልእ መገዲ እውን ኣሎ። ንኣብነት፡ ሰብ ሓዳር እንተ ዄንና፡ ንመጻምድትና እሙናት ክንከውን ከም ዘሎና ንፈልጥ ኢና። (ምሳ. 5:15-18) ስለዚ፡ ካብቲ ናብ ዝሙት ኪመርሕ ዚኽእል ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ንርሕቕ ኢና። (ማቴ. 5:28) ብዘይካዚ፡ ካብ ሕሜት ወይ ጸለመ ብምርሓቕ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ኣሕዋትና ሕማቕ ወረ ብዘይምንዛሕ ወይ ኪዝረብ ከሎ ብዘይምስማዕ፡ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና እሙናት ከም ዝዀንና ኸነርኢ ንኽእል ኢና።—ምሳ. 12:18።
9, 10. (ሀ) ብፍላይ ንመን ኢና እሙናት ክንከውን ዘሎና፧ (ለ) ትእዛዛት የሆዋ ምሕላው ወትሩ ቐሊል ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧
9 ልዕሊ ዅሉ፡ ንየሆዋ እሙናት ክንከውን ኣሎና። ብኸመይ፧ ከም ናቱ ዓይነት ኣረኣእያ ንምሓዝ ብምጽዓር ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና፣ እዚ ማለት፡ ነቲ ንሱ ዚፈትዎ ብምፍታውን ነቲ ንሱ ዚጸልኦ ብምጽላእን ምስኡ ተሰማሚዕና ብምምልላስን እዩ። (መዝሙር 97:10 ኣንብብ።) ንሓሳብናን ንስምዒትናን ብዝያዳ ምስ ሓሳባትን ስምዒትን የሆዋ እንተ ኣሳኒናዮ፡ ንትእዛዛቱ ኽንሕልዎ ኢና።—መዝ. 119:104።
10 ሓቂ እዩ፡ ትእዛዛት የሆዋ ምሕላው ወትሩ ቐሊል ኣይኰነን። እሙናት ንኽንከውን ክንቃለስ የድልየና ይኸውን። ንኣብነት፡ ገሊኦም ንጽል ዝዀኑ ክርስትያናት ኪምርዓዉ ይደልዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ መንጎ ኣምለኽቲ የሆዋ ንዕኦም ዚሰማማዕ መጻምድቲ ኣይረኸቡን ይዀኑ። (1 ቈረ. 7:39) ንሓንቲ ንጽል ሓብቲ፡ እተን ዘይኣመንቲ መሳርሕታ፡ ዓርኪ ኪዀና ምስ ዚኽእል ሰብ ኬራኽባኣ ይጽዕራ ይዀና። ንሳ እውን እንተ ዀነት ጽምዋ የሸግራ ይህሉ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ንየሆዋ ዘለዋ ንጽህና ኽትሕሉ ቘሪጻ እያ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ብሉጽ ኣብነት ተኣማንነት ብሓቂ ኢና እነማስወሉ። ብርግጽ ከኣ፡ የሆዋ ንዅሎም እቶም ጸገማት እናኣጋጠሞም ክነሱ ንዕኡ እሙናት ዚዀኑ ኣገልገልቱ ዓስቦም ኪህቦም እዩ።—እብ. 11:6።
የሆዋ መሓሪ እዩ
11. ምምሓር ወይ ይቕረ ምባል እንታይ ማለት እዩ፧
11 ሓደ ኻብቲ ተፈታዊ ባህርያት የሆዋ፡ መሓሪ ወይ ንይቕረታ ድሉው ምዃኑ እዩ። ይቕረ ምባል እንታይ ማለት እዩ፧ ይቕረ ንምባል ብቑዕ ምኽንያት ኣብ ዚህልወሉ እዋን፡ ንዝበደለ ሰብ ምሕረት ምግባር ማለት እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ይቕረ ዚብል ሰብ፡ ንበደል ዕሽሽ ይብሎ ወይ ከም ዘይተበደለ የምስል ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ቂም ኣይሕዝን እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ የሆዋ ነቶም ካብ ልቦም ዚንስሑ ሰባት ‘ይቕረ ኺብለሎም ድሉው’ ምዃኑ ይምህር እዩ።—መዝ. 86:5።
12. (ሀ) የሆዋ ይቕረ በሃሊ ምዃኑ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሓጢኣትና ‘ተደምሲሱ’ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
12 የሆዋ ይቕረ በሃሊ ምዃኑ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ የሆዋ ነቶም ዚንስሑ ሰባት “ኣዝዩ ይቕረ” ይብለሎም፡ ማለት ምሉእ ብምሉእን ንሓዋሩን ይምሕሮም እዩ። (ኢሳ. 55:7) የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ኸም ዚብል ብኸመይ ንፈልጥ፧ ነቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 3:19 ዚርከብ መረጋገጺ እስከ ንርአ። (ኣንብብ።) ሃዋርያ ጴጥሮስ ንሰማዕቱ፡ ‘ንኺንስሑን ንኺምለሱን’ ተማሕጸኖም። ሓደ ሓጥእ ካብ ልቡ ኺንሳሕ ከሎ፡ ነቲ ግጉይ መገዱ እዩ ዚጠዓሰሉ። ነቲ ሓጢኣት ንኸይደግሞ ኸኣ ይቘርጽ እዩ። (2 ቈረ. 7:10, 11) ብዘይካዚ፡ ናይ ሓቂ ንስሓ ነቲ ሓጥእ ‘ንኺምለስ፡’ ማለት ነቲ ግጉይ መገዱ ሓዲጉ ንኣምላኽ ብዜሐጕስ መገዲ ንኺመላለስ ይድርኾ እዩ። እቶም ንጴጥሮስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት ከምቲ ዝበሎም እንተ ዚገብሩ፡ ውጽኢቱ እንታይ ምዀነ፧ ጴጥሮስ፡ ‘ሓጢኣቶም ከም ዚድምሰሰሎም’ ነገሮም። እዛ መግለጺት እዚኣ፡ ካብታ “ኸም ዘይነበረ ገይሩ ኣጥፍአ፡ ሰረዘ” እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል ዝመጸት እያ። ስለዚ፡ የሆዋ ይቕረ ኺብል ከሎ፡ ልክዕ ከምቲ ብመደምሰስ ጌርካ ንሰሌዳ እትድምስሶ፡ ንሓጢኣትና ኸምኡ ገይሩ እዩ ዚድምስሶ። እወ፡ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ እዩ ይቕረ ዚብል።—እብ. 10:22፣ 1 ዮሃ. 1:7።
13. እተን፡ “ሓጢኣቶም . . . ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ” ዚብላ ቓላት እንታይ እየን ዜረጋግጻልና፧
13 የሆዋ ንሓዋሩ ይቕረ ኸም ዚብል ብኸመይ ንፈልጥ፧ ነቲ ኣብ ትንቢት ኤርምያስ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ምስ ቅቡኣት ክርስትያናት እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ፣ እቲ ኺዳን ነቶም ኣብ በጅነት የሱስ ዚኣምኑ ሰባት ናይ ሓቂ ይቕረታ ንኺረኽቡ የኽእሎም እዩ። (ኤርምያስ 31:34 ኣንብብ።) የሆዋ፡ “ኣነ ኣበሳኦም ይቕረ ኽብለሎም፡ ሓጢኣቶም ድማ ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ” ኢሉ ኣሎ። ስለዚ፡ የሆዋ ሓንሳእ ይቕረ እንተ ኢሉልና፡ ብሰንኪ እቲ ሕሉፍ ሓጢኣትና ኣብ ልዕሌና ስጕምቲ ኸም ዘይወስድ እዩ ኣረጋጊጹልና ዘሎ። መመሊሱ ንኪኸስሰና ወይ ንኪቐጽዓና ኢሉ ንሓጢኣትና ኸም ብሓድሽ ኣይዝክሮን እዩ። የግዳስ፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ይብለልናን ንሓዋሩ ይርስዖን እዩ።—ሮሜ 4:7, 8።
14. ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዜርእዮ ይቕረ ናይ ምባል ባህርይ ምስትንታንና ዜጸናንዓና ብኸመይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።
14 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዜርእዮ ይቕረ ናይ ምባል ባህርይ ብምስትንታን፡ ምጽንናዕ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት፡ ሓንቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኢሌን ኢልና ዝሰመናያ ሓብቲ፡ ካብ ጉባኤ ተወገደት። እተወሰነ ዓመታት ይገብር ድማ ተመልሰት። “ንገዛእ ርእሰይ ኰነ ንኻልኦት ሰባት የሆዋ ይቕረ ከም ዝበለለይ እነግሮም እኳ እንተ ነበርኩ፡ ካብ የሆዋ ዝረሓቕኩ ዀይኑ ይስምዓኒ ነበረ፣ ካልኦት ካባይ ንላዕሊ ንዕኡ ኸም ዚቐርብዎን ንዓታቶም ብዝያዳ ጋህዲ ኸም ዝዀነን ኰይኑ እውን ይስምዓኒ ነበረ” በለት። ይኹን እምበር፡ ኢሌን ነቲ የሆዋ ይቕረ ኸም ዚብል ዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስእላዊ ኣዘራርባ ብምንባብን ብዛዕባኡ ብምስትንታንን ተጸናንዐት። “ካብ ቅድሚኡ ንላዕሊ፡ የሆዋ ዜፍቅረንን ዚልውሃለይን ኰይኑ ተሰምዓኒ” ድማ በለት። ብፍላይ እቲ፡ “የሆዋ ንሓጢኣትና ይቕረ ኽብለልና ኸሎ፡ ኣሰር እዚ ሓጢኣትና ኣብ ምሉእ ህይወትና ተሰኪምናዮ ኸም እንነብር ኰይኑ ኽስምዓና የብሉን” ዚብል ሓሳብ ኣጸናንዓ።c ከምዚ ድማ በለት፦ “የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ኺብለለይ ከም ዚኽእል ገይረ እኣምን ከም ዘይነበርኩ ተገንዘብኩ፣ ነቲ ጾር ኣብ ምሉእ ህይወተይ ተሰኪመዮ ዝነብር እዩ ዚመስለኒ ነይሩ። ሕጂ ግና፡ ግዜ ዚወስድ እኳ እንተ ዀነ፡ ናብ የሆዋ ክቐርብ ዝኽእል ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ፣ ካብ ዝባነይ ዓብዪ ሸኽሚ ዘውረድኩ ዀይኑ ድማ እዩ ተሰሚዑኒ።” እቲ እነገልግሎ ኣምላኽሲ ኸመይ ዝበለ ፈቃርን ይቕረ በሃልን ኰን እዩ!—መዝ. 103:9።
ይቕረ ብምባል ዝመጸ ንየሆዋ ምሰሎ
15. ይቕረ ብምባል ዝመጸ ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
15 ይቕረ ንምባል ዜኽእል መሰረት ኪህሉ ኸሎ ንሓድሕድና ይቕረ ብምብህሃል፡ ንየሆዋ ኽንመስሎ ንኽእል ኢና። (ሉቃስ 17:3, 4 ኣንብብ።) የሆዋ ይቕረ ኺብል ከሎ፡ ንሓጢኣትና ኸም ዚርስዖ፡ ማለት ብሰንኪ ሕሉፍ ሓጢኣትና ኸም ዘይቀጽዓና ንዘክር። ንሕና እውን ንኻልኦት ይቕረ ኽንብለሎም ከለና፡ ነቲ ጕዳይ ኣብ መጻኢ እንደገና ብዘይምልዓል ክንርስዖ ኣሎና።
16. (ሀ) ይቕረ በሃሊ ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ በደል ሸለል ንብሎ ወይ ካልኦት ኪብለጹልና ኸለዉ ስቕ ንብል ማለት ድዩ፧ ግለጽ። (ለ) ኣምላኽ ይቕረ ኺብለልና እንተ ደሊና፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
16 ይቕረ በሃሊ ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ በደል ሸለል ንብሎ ወይ ካልኦት ኪብለጹልና ኸለዉ ስቕ ንብል ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ቂም ኣይንሕዝን ማለት እዩ። ብፍላይ ግና፡ ኣምላኽ ይቕረ ኺብለልና እንተ ደሊና፡ ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ ይቕረ በሃልቲ ብምዃን ንየሆዋ ኽንመስሎ ኣሎና። (ማቴ. 6:14, 15) የሆዋ፡ “ሓመድ ምዃንና” ስለ ዚዝክር እዩ ዚድንግጸልና። (መዝ. 103:14) ንሕና እውን ብድንጋጽ ተደሪኽና ንዘይፍጽምና ኻልኦት ሰባት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብ ልብና ብናጻ ይቕረ ኽንብለሎም ኣሎና።—ኤፌ. 4:32፣ ቈሎ. 3:13።
17. ሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና ምስ ዚጐድኣና፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
17 ይቕረ ምባል ወትሩ ቐሊል ከም ዘይኰነ ኣይከሓድን እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ገሊኦም ቅቡኣት ክርስትያናት እውን እንተ ዀኑ፡ ፍልልያቶም ምፍታሕ ኣጸጊምዎም ነይሩ እዩ። (ፊል. 4:2) እሞኸ ሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና ምስ ዚጐድኣና፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ንእዮብ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። እቶም ኤልፋዝን ቢልዳድን ሶፋርን ዚብሃሉ “ፈተውቱ፡” መሰረት ዘይብሉ ኽሲ ምስ ከሰስዎ ኣዝዩ ጕህዩ ነበረ። (እዮ. 10:1፣ 19:2) ኣብ መወዳእታኡ፡ የሆዋ ነዞም ናይ ሓሶት ክሲ ዘቕረቡ ሰባት ገንሖም። ናብ እዮብ ከይዶም መስዋእቲ ሓጢኣት ኬቕርቡ ድማ ኣዘዞም። (እዮ. 42:7-9) ኰይኑ ግና፡ ንእዮብ እውን ገለ ነገር ኪገብር ነጊርዎ ነበረ። እንታይ ኪገብር እዩ ነጊርዎ፧ ምእንቲ እቶም ከሰስቱ ኺጽሊ ኣዘዞ። እዮብ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ገበረ፣ የሆዋ ድማ ንእዮብ፡ ይቕረ ናይ ምባል መንፈስ ስለ ዘርኣየ ባረኾ። (እዮብ 42:10, 12, 16, 17 ኣንብብ።) እዚ እንታይ እዩ ዚምህረና፧ ስለ እቶም ዝበደሉና ምጽላይ፡ ቂም ንኸይንሕዝ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።
ኣዘውቲርካ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ዘሎካ ግንዛበ ምሉእ ብምሉእ ኣስፍሕ
18, 19. ኣዘውቲርና ብዛዕባ እቲ ተፈታዊ ባህርያት የሆዋ ዘሎና ግንዛበ ኸነስፍሕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
18 ብዛዕባ እተፈላለየ ተፈታዊ ባህርያት የሆዋ ምምርማርና ብሓቂ ዜነቓቕሕ እዩ። የሆዋ፡ ተቐራብን ዘየዳሉን ለጋስን ልዙብን እሙንን ይቕረ በሃልን ምዃኑ ርኢና ኢና። ሓቂ እዩ፡ እዚ ኻብ ባሕሪ ብጭልፋ ጥራይ እዩ። ንዘለኣለም ብዛዕባ የሆዋ እናተመሃርና ብሓጐስ ክንነብር ንኽእል ኢና። (መክ. 3:11) ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ንሰማማዕ ኢና፣ ንሱ፡ “ወዳጀ፡ መዓሙቝ ሃብትን ጥበብን ፍልጠትን ኣምላኽ!” በለ። እዚ ኸኣ ንፍቕርን ነተን ሕጂ ዝመርመርናየን ሽዱሽተ ባህርያትን ዜጠቓልል እዩ።—ሮሜ 11:33።
19 ኵላትና ኣዘውቲርና ብዛዕባ እቲ ተፈታዊ ባህርያት የሆዋ ዘሎና ግንዛበ ኸነስፍሕ ኣሎና። ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ብምፍላጥን ብምስትንታንን ኣብ ናብራና ኽንመስሎ ብምጽዓርን ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 5:1) ከምኡ እንተ ጌርና፡ ምስቲ፡ “ንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ” ዝበለ ጸሓፍ መዝሙር ክንሰማማዕ ኢና።—መዝ. 73:28።
a 2 ሳሙኤል 22:26 (ትርጕም 1990)፦ “ምስቶም እሙናት ዝኾኑ እሙን ኢኻ፥ ምስቶም ፍጹማት ዝኾኑ ፍጹም ኢኻ።”
b ሓጋዚ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ኣብ ናይ 15 ጥሪ 1995 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ዝወጸት፡ “ኣብ ቀረባ እዋን ዘጸናናዕካዮ ሰብ ኣሎዶ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ከምኡውን ነታ ኣብ ናይ 1 ሚያዝያ 1995 ዝወጸት፡ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንነቓቓሕ—ብኸመይ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
c ኣብታ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 26፡ ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ።