ትሕዝቶ
15 ሓምለ 2015
© 2015 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
ዓንቀጻት መጽናዕቲ
31 ነሓሰ 2015–6 መስከረም 2015
ገጽ 7
7-13 መስከረም 2015
ገጽ 14
14-20 መስከረም 2015
ገጽ 22
21-27 መስከረም 2015
ገጽ 27
ዓንቀጻት መጽናዕቲ
▪ ንመንፈሳዊ ገነት ብዝያዳ ኸተጸብቖ ጽዓር
ህዝቢ የሆዋ ኣብ ውሽጢ ምድራዊ ኽፋል ውድብ ኣምላኽ ኣብ ዘሎ ፍሉይ መንፈሳዊ ገነት እዮም ዚርከቡ። ነዚ ኻብ የሆዋ ዝረኸብናዮ መሰናድዎ፡ ምሉእ ብምሉእ ከም እነማስወሉ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ እዚ ገነት እዚ ብዝያዳ ምእንቲ ኺጽብቕ፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ኽትምልሶ እያ።
▪ ‘ድሕነትኩም ቀሪቡ እዩ’
እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ ብሕጂ ዚፍጸም ዜደንቕ ፍጻመታት ትገልጽ። ብዘይካዚ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ብርቱዕ ጸበባ ብምሉእ ምትእምማን ኪጽበይዎ ዚኽእልሉ ምኽንያት እውን ትገልጽ እያ።
▪ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘሎካ ተኣማንነት ሓልዎ
ኣብዛ ሰይጣን ዚቈጻጸራ ዓለም፡ ሰባት ንኣምላኽ ዘይኰነስ ንኻልእ ነገራት እዮም እሙናት ዚዀኑ። ክርስትያናት ግና፡ ንየሆዋ እሙናት ኪዀኑ ቓል ኣትዮም እዮም። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ምስ ተቐናቐንቲ ስለምንታይ ወገን ክንሕዝ ከም ዘይብለና፡ ክርስትያናዊ ገለልትነትና ምእንቲ ኽንሕሉ ድማ ንኣእምሮናን ንሕልናናን ብኸመይ ከነሰልጥኖ ኸም እንኽእል ክንርኢ ኢና።
▪ እዚ ቦታ ኣምልኾና እዩ
ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ኣብ ዚቝጸር ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ካልእ መአከቢታትን ንኣምልኾ ይእከቡ እዮም። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እዚ መአከቢ ቦታታት ንኽብሪ የሆዋ ተባሂሉ ብኸመይ ኪርአን ኪምወልን ኪተሓዝን ከም ዘለዎ ንኽንርዳእ ኪሕግዘና ዚኽእል ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ተብርህ እያ።
ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ
12 ኣብተን ‘ክፉኣት መዓልትታት’ ንየሆዋ ምግልጋል
20 ንስራሕካ ዜስተብህለሉ መን ምዃኑ ኽሳዕ ክንድቲ ኣገዳሲ ድዩ፧
32 ትፈልጥዶ፧
ገበር፦ ኣባላት ሓንቲ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ኣብ ሳይበርያ ኣብ ዚርከብ ውሽጣዊ ኽፋላት ሓደ ሰፊሕ ክሊ ኼገልግሉ ድሕሪ ምጽናሖም ኪምስሑ ኸለዉ
ሩስያ
ብዝሒ ህዝቢ
143,930,000
ኣስፋሕቲ