መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ግን.
“ሞት ውሉድ ንወለዲ ኸቢድን ዘይርሳዕን ሓዘን እዩ ዜስዕበሎም። ምጽንናዕ ካበይ ኪረኽቡ ዚኽእሉ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ሮሜ 15:5 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ኣምላኽ ነቶም ዝሓዘኑ ምጽንናዕ ዚህበሉ ገለ መገድታት ትገልጽ።”
Awake! May
“ኣምላኽ ንተግባራትናን ናይ መጨረሽታ ዕድልናን ኣቐዲሙ ዝወሰኖዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብመሰረት እዛ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ: ኣምላኽ ንሰባት ብኸመይ ከም ዚነብሩ ኺመርጹ ፈቒዱሎም እዩ። [ዘዳግም 30:19 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ።” ነታ ኣብ ገጽ 12 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርእዮ።
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ግን.
“ነዛ ሕቶ እዚኣ እንታይ ኢልካ ምመለስካያ፧ [ኣብ ገበር ዘላ ሕቶ ኣንብብ። ብድሕሪኡ መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ንኽንገብር ምኽንያት ይህበና እዩ። [ማቴዎስ 6:9, 10 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኸም እትፍጽም ትገልጽ።”
Awake! June
“ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እዚኣ እንታይ ርእይቶ ኸም ዘሎካ ኽሰምዕ ምደለኹ። [1 ጢሞቴዎስ 6:10 ኣንብብ።] እቶም ንገንዘብን ንስጋዊ ጥሪትን ኢሎም ዚነብሩ ሰባት ብሓቂ ስቓይ ዜሕልፉ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ደድሕሪ ሃብቲ ምስዓብ ዘለዎ ሕማቕ ውጽኢት ትገልጽ።”