ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ራእይ 17-19
ንዅሉ ውግኣት ዚዛዝም ውግእ ኣምላኽ
እቲ “ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን” ዝዀነ የሆዋ፡ ነቲ “መስፍን ሰላም” ዝዀነ ወዱ ኺዋጋእ ዝመዘዞ ስለምንታይ እዩ፧—2ቈረ 13:11፣ ኢሳ 9:6።
የሆዋን የሱስን ጽድቂ ይፈትዉ፡ እከይ ከኣ ይጸልኡ
ነባሪ ሰላምን ፍትሕን ዚህሉ፡ እኩያት ምስ ጠፍኡ ጥራይ እዩ
እቶም ናይ ኣምላኽ ሰራዊት ሰማይ፡ ጻዕዳን ጽሩይን ቅጭን በፍታ እተኸድኑ ምዃኖምን ኣብ ኣምበሎት ኣፍራስ ምውጣሖምን ‘ብጽድቂ ኸም ዚዋግኡ’ የመልክት
ካብዚ ወሳኒ ውግእ ከም እንድሕን ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧—ጸፎ 2:3