መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
1-7 ሰነ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 44–45
“ዮሴፍ ንኣሕዋቱ ይቕረ ኢሉሎም”
(ዘፍጥረት 44:1, 2) ነቲ ኣብ ልዕሊ ቤቱ እተሸመ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ፦ “ንኸረጺታት እዞም ሰባት እዚኦም ኪወስድዎ ዚኽእሉ ዘበለ ምግቢ ምልኣዮ፣ ገንዘብ ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ ኣፍ ከከረጺቱ ኣንብር። 2 ነታ ጽዋአይ፡ ነታ ጽዋእ ብሩር ድማ፡ ኣብ ኣፍ ከረጺት እቲ ሕሳስ ልደ ምስቲ ንእኽሉ እተባህለ ገንዘብ ግበራ።” ንሱ ኸኣ ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ገበረ።
“ኣነዶ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ እየ፧”
ዮሴፍ ቀጺሉ መጻወድያኡ ዘርግሐ። ንኣሕዋቱ ዚስዕቦም ሰብ ልኢኹ፡ ከም ዝተሓዙን ጽዋእ ብምስራቖም ከም ዚኽሰሱን ገበረ። እታ ጽዋእ ኣብ ከረጺት ብንያም ምስ ተረኽበት፡ ኵሎም ናብ ዮሴፍ ከም ዚምለሱ ተገብረ። ሕጂ ዮሴፍ፡ ኣሕዋቱ እንታይ ዓይነት ሰባት ምዃኖም ንኺርኢ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ረኸበ። ይሁዳ ኣፈኛኦም ብምዃን፡ ምሕረት ኪግበረሎም ሓተተ፣ ኵሎም እቶም 11 ኣሕዋት ኣብ ግብጺ ባሮት ኪዀኑ እውን ከይተረፈ ሓሳብ ኣቕረበ። ዮሴፍ ግና ብኣንጻሩ፡ ብንያም ባርያ ዀይኑ ኣብ ግብጺ ኺተርፍ፡ ዝተረፉ ኻልኦት ግና ኪኸዱ ነገሮም።—ዘፍጥረት 44:2-17።
ይሁዳ፡ ስምዒት ብዚትንክፍ ዘረባ ንኺምልስ ተለዓዓለ እሞ፡ “እዚ ድማ ካብ ደቂ ኣዲኡ በይኑ ተሪፉ፡ ኣቦኡ ኸኣ ይፈትዎ እዩ” ብምባል ተዛረበ። ዮሴፍ፡ በዅሪ ወዲ እታ ያእቆብ ዜፍቅራ ዝነበረን ንብንያም ክትሓርስ ከላ ዝሞተትን ራሄል ብምንባሩ፡ እዘን ቃላት እዚአን ንልቡ ተንኪፈናኦ ኪዀና ኣለወን። ልክዕ ከም ኣቦኡ፡ ዮሴፍ እውን ነቲ ብዛዕባ ራሄል ዝነበሮ ተዘክሮታት ኣኽቢሩ ይርእዮ ኸም ዝነበረ ንጹር እዩ። ዮሴፍ ንብንያም ኣዝዩ ኸም ዜፍቅሮ ዝገበሮ፡ ክልቲኦም ደቂ ራሄል ስለ ዝነበሩ እዩ ዚኸውን።—ዘፍጥረት 35:18-20፣ 44:20።
ይሁዳ፡ ዮሴፍ ንብንያም ባርያ ንኸይገብሮ ኺልምኖ ጀመረ። ኣብ ክንዲ ብንያም ንሱ ባርያ ኪኸውን እውን ከይተረፈ ፍቓደኛ ዀነ። ልቢ ብዚትንክፍ ለመና ኸኣ፡ “እዚ ወዲ ምሳይ ካብ ዘይህሉስ፡ ከመይ ኢለ ደኣ ናብ ኣቦይ ክድይብ እየ፧ እቲ ነቦይ ዚረኽቦ ኽፉእሲ ኣየርእየኒ” ብምባል ዘረባኡ ዛዘመ። (ዘፍጥረት 44:18-34) እዚ ድማ ይሁዳ ኸም እተለወጠ ዜረጋግጽ እዩ ነይሩ። ነስሓ ኣርእዩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም ሓልዮትን ዘይምስሳዕን ድንጋጽን ዝኣመሰለ ዚድነቕ ባህርያት እውን ኣንጸባሪቑ እዩ።
ዮሴፍ ልዕሊ እዚ ኺጻወር ኣይከኣለን። ነቲ ኣብ ውሽጡ ተደጒሉ ዝነበረ ስምዒት ምእንቲ ኺድርጕሖ፡ ኵሎም ኣገልገልቱ ኺወጹ ኣዘዘ። ድምጹ ኣብ ቤት ፈርኦን ክሳዕ ዚስማዕ ከኣ ዓው ኢሉ በኸየ። “ኣነ . . . ዮሴፍ ሓውኩም እየ” ብምባል ከኣ ኣብ መወዳእታ መንነቱ ገለጸ። ነቶም ቀዚዞም ዝተረፉ ኣሕዋቱ ሓቘፎም፣ ንዅሉ እቲ ዝገበርዎ ነገራት ከኣ ብሕያውነት ይቕረ በለሎም። (ዘፍጥረት 45:1-15) በዚ ኸምዚ፡ ንባህርያት እቲ ብልግሲ ይቕረ ዚብል የሆዋ ኣንጸባረቐ። (መዝሙር 86:5) ንሕናኸ፡ ከምዚ ንገብር ዲና፧
(ዘፍጥረት 44:33, 34) ሕጂ በጃኻ፡ እዚ ወዲ እዚ ምስ ኣሕዋቱ ምእንቲ ኺድይብ፡ ባርያኻ ኣብ ክንዲ እዚ ወዲ እዚ፡ ባርያ ጐይታይ ኰይኑ ይጽናሕ። 34 እዚ ወዲ እዚ ምሳይ ከየሎ፡ ከመይ ገይረ ናብ ኣቦይ ክድይብ እኽእል፧ እዚ መዓት እዚ ኣብ ኣቦይ ኪወርድ ከሎስ ክርኢ ኣይክእልን እየ!”
(ዘፍጥረት 45:4, 5) ዮሴፍ ከኣ ንኣሕዋቱ፡ “በጃኹም ናባይ ቅረቡ” በሎም። ንሳቶም ድማ ናብኡ ቐረቡ። ሽዑ፡ ከምዚ በሎም፦ “ኣነ ናብ ግብጺ ዝሸጥኩምኒ ዮሴፍ ሓውኩም እየ። 5 ንምድሓን ህይወት ኢሉ ኣምላኽ እዩ ቕድሜኹም ዝለኣኸኒ እሞ፡ ሕጂ ናብዚ ስለ ዝሸጥኩምኒ ኣይትጕሃዩን ኣይትወቓቐሱን።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘፍጥረት 44:13) ሽዑ፡ ክዳውንቶም ቀደዱ፡ ነፍሲ ወከፎም ኣኣድጎም ጽዒኖም ድማ ናብታ ኸተማ ተመልሱ።
it-2 813
ምቕዳድ ክዳን
ኣይሁድ ኰኑ ኻልኦት ሰብ ምብራቕ፡ ምናዳ ብዛዕባ መቕርባኦም መርድእ ኪሰምዑ ኸለዉ፡ ሓዘኖም ዚገልጹሉ ዝነበሩ ልሙድ ተግባር እዩ ነይሩ። ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት፡ ነቲ ኽዳኖም ብሸነኽ ቅድሚት ኣብ ኣፍ ልቦም ብኸፊል ጥራይ እዮም ዚቐድድዎ ነይሮም፣ ስለዚ፡ ድሕሪኡ ኸም ዘይክደንዎ ዀይኑ ምሉእ ብምሉእ ኣይትርባዕን እዩ ነይሩ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ ኸም ዝገበረ ንፈለማ ግዜ ተጠቒሱ ዘሎ፡ እቲ በዅሪ ወዲ ያእቆብ ዝዀነ ሮቤል እዩ። ሮቤል ናብቲ ጕድጓድ ማይ ተመሊሱ ንዮሴፍ ምስ ሰኣኖ፡ “እቲ ቘልዓ የሎን! ኣነ ደኣ እንታይ እየ ዝገብሮ፧” እናበለ ኽዳኑ ቐዲዱ እዩ። በዅሪ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ንእሽቶ ሓዉ ኺከታተል ሓላፍነት ነይርዎ እዩ። ኣቦኡ ያእቆብ እውን ወዱ ኸም ዝሞተ ምስ ተነግሮ፡ ክዳኑ ቐዲዱን ብሓዘን ማቕ ተዓጢቑን እዩ (ዘፍ 37:29, 30, 34)፣ ኣብ ግብጺ ድማ፡ ብንያም ከም ሰራቒ ጌርካ ምስ ተታሕዘ፡ ኣሕዋት ዮሴፍ ክዳውንቶም ቀዲዶም እዮም።—ዘፍ 44:13።
(ዘፍጥረት 45:5-8) ንምድሓን ህይወት ኢሉ ኣምላኽ እዩ ቕድሜኹም ዝለኣኸኒ እሞ፡ ሕጂ ናብዚ ስለ ዝሸጥኩምኒ ኣይትጕሃዩን ኣይትወቓቐሱን። 6 ኣብዛ ምድሪ፡ ጥሜት ካብ ዚኸውን እዚኣ ኻልአይቲ ዓመት እያ፣ ዘይሕረሰለን ወይ ዘይዕጸደለን ከኣ ገና ሓሙሽተ ዓመት ኣለዋ። 7 ግናኸ፡ ኣብ ምድሪ ተረፍ ምእንቲ ኼትርፈልኩም፡ ብዓብዪ ድሕነት ድማ ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩ፡ ቅድሜኹም ዝለኣኸኒ ኣምላኽ እዩ። 8 እምበኣር፡ ንፈርኦን ቀንዲ ኣማኻሪኡ፡ ንዅላ ቤቱ ጐይታ፡ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ገዛኢ ክኸውን ዝሸመኒ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን ናብዚ ዝለኣኽኩምኒ።
ብዘይ ምኽንያት ዚጽልኡ
15 በቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡና ንኸይንምረር ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ቀንዲ ጸላእትና ሰይጣንን ኣጋንንቱን ምዃኖም ኣይንረስዕ። (ኤፌሶን 6:12) ገሊኦም ሰባት ኰነ ኢሎም እናፈለጡ ዜሳጕጉና እኳ እንተዀኑ፡ ብዙሓት ካብቶም ንህዝቢ ኣምላኽ ዚጻረሩ ግን ብዘይ ፍላጥ ወይ ብኻልኦት ተደፋፊኦም እዮም ዚገብርዎ። (ዳንኤል 6:4-16፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:12, 13) የሆዋ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ምእንቲ ኪኽእል ኣጋጣሚ ኺህብ እዩ ዚደሊ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) አረ ቐደም ተጻረርቲ ዝነበሩ ገሊኣቶምሲ፡ ነቲ ሰናይ ኣካይዳና ብምርኣይ ክርስትያን ኣሕዋትና ዀይኖም እዮም። (1 ጴጥሮስ 2:12) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ካብቲ ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ ዝገደፎ ኣብነት ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ዮሴፍ ብሰንኪ እቶም በቦ ኣሕዋቱ ዝነበሩ ብዙሕ እኳ እንተ ተሳቐየ፡ ንዓታቶም ግን ኣይጸልኦምን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣብቲ ጕዳይ ኢድ የሆዋ ኸም ዘላን ዕላማኡ ንምፍጻም ድማ ነቲ ፍጻመታት ከም እትኣልዮን ኣስተውዒሉ ነበረ። (ዘፍጥረት 45:4-8) ኣብዚ ግዜናውን የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ዚወርደና ግፍዒ ንስሙ ኽብሪ ኸም ዜምጽእ ገይሩ ኺጥቀመሉ ይኽእል እዩ።—1 ጴጥሮስ 4:16
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘፍጥረት 45:1-15) ሽዑ፡ ዮሴፍ ኣብ ቅድሚ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣገልገልቲ፡ ርእሱ ኺቈጻጸር ኣይከኣለን። ዓው ኢሉ ኸኣ፡ “ንዅሎም ካብ ቅድመይ ኣውጽኡለይ” በለ። ዮሴፍ ንኣሕዋቱ፡ መንነቱ ኼፍልጦም ከሎ፡ ዋላ ሓደ ኻልእ ሰብ ምስኡ ኣይነበረን። 2 ድምጹ ዓው ኣቢሉ ድማ በኸየ፣ ግብጻውያን ከኣ ሰምዑ፡ ቤት ፈርኦን እውን ሰምዐት። 3 ዮሴፍ ድማ ንኣሕዋቱ፡ “ኣነ ዮሴፍ እየ። ኣቦይከ ገናዶ ብህይወት ኣሎ፧” በሎም። ኣሕዋቱ ግና ብሰንኩ ተደሚሞም ስለ ዝነበሩ፡ ኪምልሱሉ ኣይከኣሉን። 4 ዮሴፍ ከኣ ንኣሕዋቱ፡ “በጃኹም ናባይ ቅረቡ” በሎም። ንሳቶም ድማ ናብኡ ቐረቡ። ሽዑ፡ ከምዚ በሎም፦ “ኣነ ናብ ግብጺ ዝሸጥኩምኒ ዮሴፍ ሓውኩም እየ። 5 ንምድሓን ህይወት ኢሉ ኣምላኽ እዩ ቕድሜኹም ዝለኣኸኒ እሞ፡ ሕጂ ናብዚ ስለ ዝሸጥኩምኒ ኣይትጕሃዩን ኣይትወቓቐሱን። 6 ኣብዛ ምድሪ፡ ጥሜት ካብ ዚኸውን እዚኣ ኻልአይቲ ዓመት እያ፣ ዘይሕረሰለን ወይ ዘይዕጸደለን ከኣ ገና ሓሙሽተ ዓመት ኣለዋ። 7 ግናኸ፡ ኣብ ምድሪ ተረፍ ምእንቲ ኼትርፈልኩም፡ ብዓብዪ ድሕነት ድማ ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩ፡ ቅድሜኹም ዝለኣኸኒ ኣምላኽ እዩ። 8 እምበኣር፡ ንፈርኦን ቀንዲ ኣማኻሪኡ፡ ንዅላ ቤቱ ጐይታ፡ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ገዛኢ ክኸውን ዝሸመኒ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን ናብዚ ዝለኣኽኩምኒ። 9 “ቀልጢፍኩም ናብ ኣቦይ ደይቡ እሞ፡ ከምዚ በልዎ፦ ‘ወድኻ ዮሴፍ ከምዚ ይብል ኣሎ፦ “ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዅላ ግብጺ ጐይታ ገይሩ ሸይሙኒ ኣሎ። ናባይ ውረድ። ኣይትደንጒ። 10 ንስኻን ደቅኻን ደቂ ደቅኻን ጤለ በጊዕካን ከብትኻን ዘሎካ ዅሉን ኣብ ምድሪ ጎሼን ኣብ ጥቓይ ክትቅመጥ ኢኻ። 11 ገና ሓሙሽተ ዓመት ጥሜት ተሪፉ ኣሎ እሞ፡ ኣብኡ ኽምግበካ እየ። እንተ ዘይኰነስ፡ ንስኻን ቤትካን ዘሎካ ዅሉን ክትደኽዩ ኢኹም።”’ 12 ዝዛረበኩም ዘለኹ ኣነ ምዃነይ፡ ኣዒንትኹምን ኣዒንቲ ሓወይ ብንያምን ይርእያ ኣለዋ። 13 ስለዚ፡ ብዛዕባ ዅሉ ኣብ ግብጺ ዘሎኒ ኽብርን ብዛዕባ እቲ ዝረኣኹምዎ ዅሉን ንኣቦይ ንገርዎ። ንኣቦይ ከኣ ቀልጢፍኩም ናብዚ ኣውርድዎ።” 14 ሽዑ፡ ንሓዉ ብንያም ሓቚፍዎ በኸየ፣ ብንያም እውን ኣብ ክሳዱ በኸየ። 15 ንዅሎም ኣሕዋቱ ኸኣ እናበኸየ ሰዓሞም፣ ድሕርዚ፡ ኣሕዋቱ ምስኡ ተዛረቡ።
8-14 ሰነ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 46–47
“ካብ ጥሜት ምዕንጋል”
(ዘፍጥረት 47:13) እቲ ጥሜት ኣዝዩ ስለ ዝበርትዐ ድማ፡ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ እንጌራ ኣይነበረን፣ ምድሪ ግብጽን ምድሪ ከነኣንን ከኣ ብጥሜት ተወድኣ።
w87 1/5 15 ¶2
ብግዜ ጥሜት ህይወት ምድሓን
2 እተን ሸውዓተ ዓመት ጽጋብ ሓለፋ፣ ከምቲ የሆዋ እተነበዮ ድማ ጥሜት ጀመረ። እቲ ጥሜት ግና ኣብ ግብጺ ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ኣብ ልዕሊ ዅላ ገጽ ምድሪ” እዩ ነይሩ። እቶም ዝጠመዩ ህዝቢ ግብጺ እንጌራ ደልዮም ናብ ፈርኦን ምስ ጠርዑ፡ “ናብ ዮሴፍ ኪዱ እሞ፡ ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ግበሩ” በሎም። ዮሴፍ ከኣ ንግብጻውያን፡ ገንዘቦም ክሳዕ ዚውዳእ እኽሊ ሸጠሎም። ድሕሪኡ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ማሎም፡ እኽሊ ሃቦም። ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ህዝቢ ናብ ዮሴፍ መጺኦም፡ “ንዓናን ንምድርናን ብእንጌራ ዓድገና፣ ንሕናን ምድርናን ድማ ባሮት ፈርኦን ንኸውን” በለዎ። በዚ ኸምዚ፡ ዮሴፍ ንዅላ ምድሪ ግብጻውያን ንፈርኦን ክትከውን ዓደጋ።—ዘፍጥረት 41:53-57፣ 47:13-20።
(ዘፍጥረት 47:16) ዮሴፍ ከኣ፡ “ገንዘብኩም እንተ ተወዲኡ፡ ማልኩም ኣምጽኡ፡ ኣብ ክንዲ ማልኩም ከኣ እንጌራ ኽህበኩም እየ” በሎም።
(ዘፍጥረት 47:19, 20) ንሕናን ምድርናን ስለምንታይ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ እንመውት፧ ንዓናን ንምድርናን ብእንጌራ ዓድገና፣ ንሕናን ምድርናን ድማ ባሮት ፈርኦን ንኸውን። ብህይወት ክንነብር እምበር፡ ከይንመውት፡ ምድርና እውን ከይትባድምሲ፡ ዘርኢ ሃበና” በልዎ። 20 እቲ ጥሜት ኣዝዩ በርቲዑ ነበረ እሞ፡ ኵሉ ግብጻዊ ገግራቱ ስለ ዝሸጠ፡ ዮሴፍ ንዅላ ምድሪ ግብጻውያን ንፈርኦን ክትከውን ዓደጋ፣ እታ ምድሪ ድማ ናይ ፈርኦን ኰነት።
(ዘፍጥረት 47:23-25) ዮሴፍ ከኣ ነቶም ህዝቢ፡ “እንሆ፡ ሎሚ ንዓኻትኩምን ንምድርኹምን ንፈርኦን ዓዲገኩም ኣለኹ። እንሆልኩም ዘርኢ፡ ነታ ምድሪ ዝርእዋ። 24 ምስ ኣፍረየት ከኣ፡ ሓምሻይ ኣፍ ንፈርኦን ሃቡ፣ ኣርባዕተ ኢድ ከኣ ንዓኻትኩም፡ ንዘርኢ ግራትን ንቐለብኩምን ንቐለብ እቶም ኣብ ቤትኩም ዘለዉን ንቐለብ ቈልዑኹምን ኪኸውን እዩ” በሎም። 25 ንሳቶም ድማ፡ “ህይወትና ኣድሒንካያ ኢኻ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ጐይታይ ደኣ ሞገስ ንርከብ እምበር፡ ንፈርኦን ባሮቱ ኽንከውን ኢና” በሉ።
መንግስቲ ኣምላኽ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ትፍጽም
11 ኣኽል ታርፍ። ዓለም ብመንፈሳዊ ጥሜት ትሳቐ ኣላ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ናብታ ሃገር ጥሜት ዝሰደለን መዓልትታት ኪመጻ እየን። ንምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር እምበር፡ ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ኣይኰነን” ኢሉ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ። (ኣሞ. 8:11) ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽከ ብጥሜት ይሳቐዩ ድዮም፧ የሆዋ ኣብ መንጎ ህዝቡን ጸላእቱን ብዛዕባ ዚህሉ ፍልልይ፡ “እንሆ፡ ባሮተይ ኪበልዑ፡ ንስኻትኩም ግና ክትጠምዩ ኢኹም፡ እንሆ፡ ባሮተይ ኪሰትዩ፡ ንስኻትኩም ግና ክትጸምኡ ኢኹም፡ እንሆ፡ ባሮተይ ኪሕጐሱ፡ ንስኻትኩም ግና ክትሐፍሩ ኢኹም” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 65:13) ፍጻመ እዘን ቃላት እዚአንሲ ተዓዚብካዶ፧
12 መንፈሳዊ መሰናድዎታት ከምቲ እናሰፍሐን እናዓመቘን ዚኸይድ ርባ ዀይኑ ይውሕዘልና ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሕታማትና፡—ከምኡ እውን ቅዳሓትን ቪድዮታትን፡ ሰሙናዊ ዀነ ዓበይቲ ኣኼባታትና፡ ኣብ ወብ ሳይትና ዚወጽእ ሕታማትና፡—ኣብዛ ብመንፈሳዊ ዓጸቦ እትጥቃዕ ዘላ ዓለም፡ ብቐጻሊ ዚውሕዝ ብርቱዕ ውሒዝ መንፈሳዊ ምግቢ ዀይኑ ኣሎ። (ህዝ. 47:1-12፣ ዮኤ. 3:18) ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ፡ ፍጻመ እቲ ኣኽል ታርፍ ከም ዚህሉ ዚገልጽ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋ ምርኣይካስ ኣየሐጕሰካንዶ፧ እሞኸ ኻብ መኣዲ የሆዋ ብስሩዕ ትምገብ ዲኻ፧
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘፍጥረት 46:4) ኣነ ባዕለይ ምሳኻ ናብ ግብጺ ኽወርድ እየ፣ ኣነ ባዕለይ ድማ ካብኡ ኸደይበካ እየ። ዮሴፍ ከኣ ኢዱ ኣብ ኣዒንትኻ ኼንብር እዩ” በሎ።
it-1 220 ¶1
ኣረኣእያን ኣካላዊ ምንቅስቓስን
ኢድ ኣብ ኣዒንቲ መዋቲ ምንባር። የሆዋ ንያእቆብ፡ “ዮሴፍ ከኣ ኢዱ ኣብ ኣዒንትኻ ኼንብር እዩ” ኺብሎ ኸሎ (ዘፍ 46:4)፡ ያእቆብ ምስ ሞተ ዮሴፍ ንኣዒንቱ ኸም ዚኸድነን እዩ ዚገልጸሉ ነይሩ፣ ከምዚ ምግባር ድማ ናይ በዅሪ ወዲ ሓላፍነት እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ የሆዋ ንያእቆብ፡ መሰል ብዅርና ናይ ዮሴፍ ኪኸውን ከም ዚግባእ ዚሕብሮ ዝነበረ እዩ ዚመስል።—1ዜና 5:2።
(ዘፍጥረት 46:26, 27) ኵሎም እቶም ካብ ያእቆብ እተወልዱ ናብ ግብጺ ዝኸዱ ሰባት፡ ብዘይካ ኣንስቲ ደቂ ያእቆብ፡ 66 ነበሩ። 27 ኣብ ግብጺ እተወልዱሉ ደቂ ዮሴፍ ከኣ ክልተ ነበሩ። ናብ ግብጺ ዝመጹ ዅሎም ሰባት ቤት ያእቆብ 70 ነበሩ።
nwtsty ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ግብ 7:14
ንዅሎም እቶም 75 ሰባት፦ እስጢፋኖስ ብዛዕባ ድምር እቶም ኣብ ግብጺ ዝነበሩ ቤተ ሰብ ያእቆብ 75 ምዃኖም ኪገልጽ ዘሎ፡ ካብ ሓደ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ፈልዩ ይጠቅስ ነይሩ ኸይከውን ይኽእል እዩ። እዚ ኣሃዝ እዚ ኣብቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ጽሑፍ ማሶራውያን ኣይርከብን እዩ። ዘፍ 46:26፡ “ኵሎም እቶም ካብ ያእቆብ እተወልዱ ናብ ግብጺ ዝኸዱ ሰባት፡ ብዘይካ ኣንስቲ ደቂ ያእቆብ፡ 66 ነበሩ” ትብል። ፍቕዲ 27 ድማ፡ “ናብ ግብጺ ዝመጹ ዅሎም ሰባት ቤት ያእቆብ 70 ነበሩ” ትብል። ኣብዚ እቶም ሰባት ብኽልተ በበይኑ መገድታት እዮም ተቘጺሮም። እቲ ቐዳማይ ኣሃዝ ነቶም ብስጋ ኻብ ያእቆብ እተወልዱ ናብ ግብጺ ዝኸዱ ዘርኡ ጥራይ ዜጠቓልል ኪኸውን ኣለዎ፣ እቲ ኻልኣይ ኣሃዝ ከኣ ድምር እቶም ኣብ ግብጺ ዝሰፈሩ ቤተ ሰብ ያእቆብ እዩ ዚሕብር። ኣብ ዘጸ 1:5ን ዘዳ 10:22ን እውን ብዝሒ ዘርኢ ያእቆብ “70” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። እስጢፋኖስ ንተወሰኽቲ ናይ ርሑቕ ቤተ ሰብ ያእቆብ ዜጠቓልል ሳልሳይ ኣሃዝ ሂቡ ኣሎ። ገሊኦም ንደቅን ንደቂ ደቅን እቶም ደቂ ዮሴፍ ዝዀኑ ምናሴን ኤፍሬምን ከም ዜጠቓልል ሓሳብ ይህቡ እዮም፣ ንሳቶም ድማ ኣብ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት ኣብ ዘፍ 46:20 ተጠቒሶም ኣለዉ። ገሊኦም ከኣ ነተን ኣብ ዘፍ 46:26 ከም ዘይተቘጽራ እተገልጻ ኣንስቲ ደቂ ያእቆብ ከም ዜጠቓልል ሓሳብ ይህቡ እዮም። ስለዚ፡ እቲ “75” ዚብል ኣሃዝ፡ ጠቕላላ ድምር ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ኣሃዝ እዚ ግና፡ ኣብ ቅዳሓት እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚርከብ ዝነበረ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እተመስረተ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ ናይ ግሪኽኛ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት፡ ኣብ ዘፍ 46:27ን ዘጸ 1:5ን “75” ዚብል ኣሃዝ ከም ዚርከብ ምሁራት ካብ ዚፈልጡ ሓያሎ ዓመታት ኰይኑ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ኣብ መበል 20 ዘመን፡ ዘጸ 1:5 ዝሓዘ ኽልተ ቝርጽራጽ ጥቕላል ምዉት ባሕሪ ብቛንቋ እብራይስጢ ተረኺቡ እዩ፣ ኣብኡ ድማ “75” ዚብል ኣሃዝ እዩ ዘሎ። እስጢፋኖስ ኣብ ሓደ ኻብዚ ጥንታዊ ጽሑፋት ተመርኲሱ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣየናይ ሓሳብ ልክዕ ከም ዝዀነ ብዘየገድስ፡ እቲ እስጢፋኖስ ዝጠቐሶ ኣሃዝ ንድምር ዘርኢ ያእቆብ ብኻልእ መገዲ ኸም እተቘጽረ ዜንጸባርቕ እዩ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘፍጥረት 47:1-17) ዮሴፍ ድማ ናብ ፈርኦን ከይዱ፡ “ኣቦይን ኣሕዋተይን ጤለ በጊዖምን ከብቶምን ዘለዎም ኵሉን ካብ ምድሪ ከነኣን መጺኦም ኣለዉ፣ ኣብ ምድሪ ጎሼን ከኣ ኣለዉ” ኢሉ ነገሮ። 2 ካብቶም ኣሕዋቱ ድማ ሓሙሽተ ወሲዱ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ኣቕረቦም። 3 ፈርኦን ከኣ ንኣሕዋቱ፡ “ስራሕኩም እንታይ እዩ፧” በሎም። ንሳቶም ድማ ንፈርኦን፡ “ገላዉኻ፡ ንሕናን ኣቦታትናን ጓሶት ኣባጊዕ ኢና” ኢሎም መለሱሉ። 4 ሽዑ፡ “ኣብ ምድሪ ከነኣን ጥሜት በርቲዑ እዩ እሞ፡ መጓሰ ገላዉኻ ዚጓሰያሉ ስለ ዘየልቦ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ጓኖት ኴንና ኽንነብር መጺእና ኣለና። ሕጂ ኸኣ በጃኻ ገላዉኻ ኣብ ምድሪ ጎሼን ይቀመጡ” በልዎ። 5 ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ፡ “ኣቦኻን ኣሕዋትካን መጺኦምኻ ኣለዉ። 6 ምድሪ ግብጺ ኣብ ቅድሜኻ እያ። ንኣቦኻን ንኣሕዋትካን ኣብ ዝበለጸ ኽፋል እዛ ምድሪ ኣቐምጦም። ኣብ ምድሪ ጎሼን ይቀመጡ፣ ካባታቶም ክኢላታት ሰብኡት እትፈልጦም እንተ ኣልዩካ፡ ኣብ ልዕሊ ማለይ ሓላፍነት ሃቦም” በሎ። 7 ሽዑ፡ ዮሴፍ ንኣቦኡ ያእቆብ ኣምጺኡ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ኣቕረቦ፣ ያእቆብ ከኣ ንፈርኦን መረቖ። 8 ፈርኦን ከኣ ንያእቆብ፡ “ዕድሜኻ ኽንደይ እዩ፧” በሎ። 9 ያእቆብ ድማ ንፈርኦን፡ “ከርተት ዝበልኩለን ዓመታት 130 እየን። ዓመታት ህይወተይ ሒደትን ጭንቅን እየን፣ ክንዲ እቲ ዓመታት ህይወት ኣቦታተይ ብእዋን ከርተቶም ኣይኣኽላን እየን” በሎ። 10 ድሕርዚ፡ ያእቆብ ንፈርኦን መሪቑ ኻብ ቅድሚኡ ወጸ። 11 ዮሴፍ ድማ ንኣቦኡን ንኣሕዋቱን ኣስፈሮም፣ ከምቲ ፈርኦን ዝኣዘዞ ኸኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ፡ ኣብ ዝበለጸት ክፋል ምድሪ ራዕምሴስ ርስቲ ሃቦም። 12 ዮሴፍ ድማ ንኣቦኡን ንኣሕዋቱን ንብዘለዉ ቤተ ሰብ ኣቦኡን ከከም ብዝሒ ቘልዑኦም እንጌራ ይምግቦም ነበረ። 13 እቲ ጥሜት ኣዝዩ ስለ ዝበርትዐ ድማ፡ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ እንጌራ ኣይነበረን፣ ምድሪ ግብጽን ምድሪ ከነኣንን ከኣ ብጥሜት ተወድኣ። 14 ዮሴፍ ድማ ነቲ እኽሊ ኺሽምቱ ኸለዉ ዝሃብዎ፡ ኣብ ምድሪ ግብጽን ኣብ ምድሪ ከነኣንን እተረኽበ ዅሉ ገንዘብ ኣከበ፣ ዮሴፍ ከኣ ነቲ ገንዘብ ናብ ቤት ፈርኦን የእትዎ ነበረ። 15 ኣብ ምድሪ ግብጽን ኣብ ምድሪ ከነኣንን ዝነበረ ገንዘብ ድማ ተወድአ። ኵሎም ግብጻውያን ከኣ ናብ ዮሴፍ እናመጹ፡ “እንጌራ ሃበና! ገንዘብና ስለ እተወድአ፡ ስለምንታይ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ እንመውት፧” ይብልዎ ነበሩ። 16 ዮሴፍ ከኣ፡ “ገንዘብኩም እንተ ተወዲኡ፡ ማልኩም ኣምጽኡ፡ ኣብ ክንዲ ማልኩም ከኣ እንጌራ ኽህበኩም እየ” በሎም። 17 ማሎም ከኣ ናብ ዮሴፍ ኣምጽኡ፣ ዮሴፍ ድማ ኣብ ክንዲ ኣፍራሶምን ጤለ በጊዖምን ከብቶምን ኣእዱጎምን እንጌራ ሃቦም። በታ ዓመት እቲኣ ድማ ኣብ ክንዲ ዅለን ማሎም እንጌራ ሃቦም።
15-21 ሰነ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 48–50
“ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ዜካፍሉና ብዙሕ ነገር ኣለዎም”
(ዘፍጥረት 48:21, 22) ሽዑ፡ እስራኤል ንዮሴፍ፡ “እንሆ፡ እመውት ኣለኹ፣ ኣምላኽ ግና ብርግጽ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ፡ ናብ ምድሪ ኣቦታትኩም ድማ ኪመልሰኩም እዩ። 22 ኣነ ኸኣ ካብታ ኻብ ኢድ ኣሞራውያን ብሰይፈይን ብቐስተይን ዝወሰድክዋ ምድሪ ሓለፋ ኣሕዋትካ ሓደ ኽፋል ሂበካ ኣለኹ” በሎ።
it-1 1246 ¶8
ያእቆብ
ያእቆብ ቀቅድሚ ሙማቱ፡ ነቶም ደቂ ደቁ ዝዀኑ ደቂ ዮሴፍ መሪቕዎም እዩ፣ ብመለኮታዊ መሪሕነት ከኣ ነቲ ንእሽቶ ዝዀነ ኤፍሬም ካብቲ ዓብዪ ዝዀነ ምናሴ ኣቐደሞ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ዕጽፊ ግደ በዅሪ ውሉድ ዚቕበል ዮሴፍ፡ “ኣነ ኸኣ ካብታ ኻብ ኢድ ኣሞራውያን ብሰይፈይን ብቐስተይን ዝወሰድክዋ ምድሪ ሓለፋ ኣሕዋትካ ሓደ ኽፋል ሂበካ ኣለኹ” በሎ። (ዘፍ 48:1-22፣ 1ዜና 5:1) ያእቆብ ነታ ኣብ ጥቓ ሴኬም እትርከብ ግራት ብሰላም ካብ ደቂ ሓሞር ስለ ዝዓደጋ (ዘፍ 33:19, 20)፡ እዚ ንዮሴፍ ዘተስፈዎ ነገር ነቲ ያእቆብ ዝነበሮ እምነት ዜርኢ እዩ ዚመስል፣ ከመይሲ፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ዘርኡ ንከነኣን ዚወርሱሉ ተግባር፡ ብሰይፉን ብቐስቱን ድሮ ኸም እተፈጸመ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። (ኣብ “ኣሞራውያን” ርአ።) እቲ ዮሴፍ ካብታ ምድሪ ዝወረሶ ዕጽፊ ግደ፡ ነቲ ነገድ ኤፍሬምን ነገድ ምናሴን እተረስተይዎ ኽልተ ብጽሒት ዜጠቓልል እዩ ነይሩ።
(ዘፍጥረት 49:1) ያእቆብ ድማ ንደቁ ጸዊዑ ኸምዚ በሎም፦ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት እንታይ ከም እትዀኑ ኽነግረኩምሲ፡ ተኣከቡ።
it-2 206 ¶1
ዳሕሮት መዓልትታት
ያእቆብ ኣብ ኣጋ ሞቱ እተነበዮ ትንቢት። ያእቆብ ንደቁ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት [ወይ፡ “ኣብ ዚመጽእ መዓልትታት፡” ኣን ኣመሪካን ትራንስሌሽን] እንታይ ከም እትዀኑ ኽነግረኩምሲ፡ ተኣከቡ” ኺብሎም ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ቓሉ ኣብ ዚፍጸመሉ ናይ መጻኢ ግዜ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (ዘፍ 49:1) የሆዋ ልዕሊ ኽልተ ዘመን ኣቐዲሙ ንኣቦሓጎ ኣብራም (ኣብርሃም)፡ ዘርኡ ን400 ዓመት ከም ዚግፋዕ ገሊጹሉ ነይሩ እዩ። (ዘፍ 15:13) ስለዚ፡ እቲ ያእቆብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ ዝጸውዖ ናይ መጻኢ ግዜ፡ እቲ 400 ዓመት ዝንውሓቱ እዋን ግፍዒ ኸየብቅዐ ኺጅምር ኣይክእልን እዩ። (ብዛዕባ ዘፍጥረት 49 ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ብዛዕባ ደቂ ያእቆብ በብስሞም ዝወጸ ዓንቀጻት ርአ።) ነቶም መንፈሳውያን “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ዜጠቓልል ካልእ ፍጻመ እቲ ትንቢት እውን ክንጽበ ንኽእል ኢና።—ገላ 6:16፣ ሮሜ 9:6።
(ዘፍጥረት 50:24, 25) ዮሴፍ ከኣ ንኣሕዋቱ፡ “ኣነ እመውት ኣለኹ፣ ኣምላኽ ግና ብርግጽ ቈላሕታኡ ኺገብረልኩም እዩ፣ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ኸኣ ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ዝመሓለሎም ምድሪ ብርግጽ ኬደይበኩም እዩ” በሎም። 25 ዮሴፍ ድማ ንደቂ እስራኤል፡ “ኣምላኽ ብርግጽ ቈላሕታኡ ኺገብረልኩም እዩ። ንኣዕጽምተይ ከኣ ካብዚ ኣደይብዎ” ኢሉ ኣምሓሎም።
ኣረጋውያን ንመንእሰያት በረኸት እዮም
10 ኣረጋውያን ኣብ ኣመንቲ ብጾቶም እውን ሰናይ ጽልዋ ኼሕድሩ ይኽእሉ እዮም። እቲ ወዲ ያእቆብ ዝነበረ ዮሴፍ፡ ብዕድመ ምስ ደፍአ ሓንቲ እምነት እትሓትት ቀላል ነገር ገበረ፣ እዚ ድማ ኣብቶም ብድሕሪኡ ዝነበሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ዓሚቝ ጽልዋ ነበሮ። እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉ፡ ንኣዕጽምቱ ምስኦም ንኺማልእዎ “ብዛዕባ ኣዕጽምቱውን ትእዛዝ” ኪህብ ከሎ ወዲ 110 ዓመት ነበረ። (እብራውያን 11:22፣ ዘፍጥረት 50:25) እዚ ትእዛዝ እዚ፡ ኣብቲ ንሞት ዮሴፍ ስዒቡ ዝመጸ እስራኤላውያን ንብዙሕ ዓመታት ዘሕለፍዎ ኸቢድ ባርነት ከም ተወሳኺ ጩራ ተስፋ ዀይኑ ኣገልገለ፣ ምድሓኖም ከም ዚመጽእ ድማ መረጋገጺ ዀኖም።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘፍጥረት 49:19) “ንጋድ ዘማቲ ጭፍራ ኼጥቅዖ እዩ፣ ንሱ ግና እግሪ እግሮም ኬጥቅዖም እዩ።
እቶም ንኣምላኽ ክብሪ ዚህብዎ ብሩኻት እዮም
4 እቶም ሓደ ኻብ ነገዳት እስራኤል ዝነበሩ ደቂ ጋድ፡ ናብታ ምድሪ ተስፋ ቕድሚ ምእታዎም፡ ኣብቲ ብሸነኽ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዚርከብ ንማል ዚጥዕም ቦታ ኪቕመጡ ሕቶ ኣቕረቡ። (ዘሁልቍ 32:1-5) እቶም ኣብቲ ቦታ እቲ ዚቕመጡ ነገዳት ከቢድ ጸገማት የጓንፎም ነበረ። ነቶም ብምዕራብ ዝነበሩ ነገዳት ግን እቲ ንወተሃደራዊ ወራር ዕንቅፋት ዚኸውን ስንጭሮ ዮርዳኖስ ይከላኸለሎም ነበረ። (እያሱ 3:13-17) ይኹን እምበር፡ እታ ብጆርጅ ኣዳም ስሚዝ እተጻሕፈት ዘ ሂስቶሪካል ጂኦግራፊ ኦቭ ዘ ሆሊ ላንድ፡ ብዛዕባ እቲ ብምብራቕ ዮርዳኖስ ዝነበረ መሬት “ኣብ ልዕሊ እቲ ዋላ ሓደ ዕንቅፋት ዘይብሉ ሰፊሕ ከበሳ ዓረብ ተዘርጊሑ እዩ ዚርከብ። በዚ ምኽንያት እዚ ንወራራት እቶም ዝጠመዩ ሰበኽ-ሳግም እተቓልዐ እዩ ነይሩ፡ አረ ገሊኣቶምሲ መገሃጫ ደልዮም ኣብ ዓዓመት ይመጹ ነበሩ” በለት።
5 ነገድ ጋድ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘየቋርጽ ጸቕጢ ኺወርዶም ከሎ ብኸመይ ተጻዊሮምዎ፧ ሓያሎ ዘመናት ኣቐዲሙ ኣቦኦም ያእቆብ ኣብ ኣጋ ሙማቱ ኣብ ዝሃቦ ትንቢት “ንጋድ ጭፍራታት ኬጨንቕዎ እዮም፡ ንሱ ግና እግርእግሮም ኬጨንቖም እዩ” ኢሉ ነይሩ። (ዘፍጥረት 49:19) ነዘን ቃላት እዚኣተን ላዕለ ላዕሉ ኽትርእየን ከለኻ ኣሉታዊ ኺመስላ ይኽእላ እየን። ከም ሓቂ ግን ጋዳውያን እውን ሕነኦም ከም ዚፈድዩ ዚሕብራ እየን። ከምዚ እንተደኣ ገይሮም፡ ጋዳውያን ነቶም ወረርቲ እግርእግሮም እናኣጨነቑ ኣዋሪዶም ከም ዚመልስዎም ያእቆብ ኣረጋገጸሎም።
(ዘፍጥረት 49:27) “ብንያም ከም ተዅላ ኺሰላልዕ እዩ። ንግሆ ንግዳዩ ኺበልዖ፡ ምሸት ከኣ ምርኮኡ ኺመቅል እዩ።”
it-1 289 ¶2
ብንያም
ዘርኢ ብንያም ተዋጋእቲ ሰባት ከም ዚዀኑ፡ ኣብቲ ያእቆብ ኣብ ኣጋ ሞቱ እተነበዮ ትንቢት ተገሊጹ ኣሎ፣ ኣብኡ ብዛዕባ እቲ ዚፈትዎ ወዱ፡ “ብንያም ከም ተዅላ ኺሰላልዕ እዩ። ንግሆ ንግዳዩ ኺበልዖ፡ ምሸት ከኣ ምርኮኡ ኺመቅል እዩ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ዘፍ 49:27) ብንያማውያን ተዋጋእቲ ብየማኖምን ብጸጋሞምን እምኒ ወንጪፎም “ጸጕሪ ዘይስሕቱ” ብምንባሮም እዮም ዚፍለጡ ነይሮም። (መሳ 20:16፣ 1ዜና 12:2) እቲ ብዘመን መሳፍንቲ ንጨቋኒ ንጉስ ዔግሎን ዝቐተሎ ኤሁድ ዚብሃል ዓኼላይ እውን፡ ብንያማዊ እዩ ነይሩ። (መሳ 3:15-21) “ንግሆ፡” ማለት መንግስቲ እስራኤል ኣብ ዝቘመሉት እዋን፡ ዋላ እኳ ነገድ ብንያም “ካብቶም ዝነኣሱ ነገዳት” እንተ ነበረ፡ እቲ ቐዳማይ ንጉስ እስራኤል ዝዀነ ሳኦል ወዲ ቂስ ግና ካብቲ ነገድ እቲ እዩ ወጺኡ፣ ንሱ ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ዚዋጋእ ብርቱዕ ተዋጋኢ ዀነ። (1ሳሙ 9:15-17, 21) “ምሸት” ከኣ፡ ንግስቲ ኣስቴርን ቀዳማይ ሚኒስተር ማርዶካይን ካብ ነገድ ብንያም እዮም ወጺኦም፣ ንሳቶም እውን ነቶም ኣብ ትሕቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ዝነበሩ እስራኤላውያን ካብ ጥፍኣት ኣድሒኖምዎም እዮም።—ኣስ 2:5-7።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘፍጥረት 49:8-26) “ኣታ ይሁዳ፡ ኣሕዋትካ ኺውድሱኻ እዮም። ኢድካ ኣብ ክሳድ ጸላእትኻ ኽትከውን እያ። ደቂ ኣቦኻ ኺሰግዱልካ እዮም። 9 ይሁዳ ዅርኩር ኣንበሳ እዩ። ወደየ፡ ካብ ግዳይ ብርግጽ ክትድይብ ኢኻ። ንሱ ኸም ኣንበሳ ተዀርመየን በጥ በለን፣ ከም ኣንበሳኸ መን ደፊሩ የተንስኦ፧ 10 ሺሎ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ካብ ይሁዳ ዘንጊ፡ ካብ መንጎ ኣእጋሩ ኸኣ በትሪ ኣዛዚ ኣይኪፍለን እዩ፣ ተኣዛዝነት ህዝብታት ናቱ እዩ። 11 ንኣድጉ ምስ ተኽሊ ወይኒ፡ ንውላድ ኣድጉ ምስ ብሉጽ ተኽሊ ወይኒ ኣሲሩ፡ ልብሱ ብወይኒ፡ ክዳኑ ድማ ብደም ወይኒ ኺሓጽብ እዩ። 12 ኣዒንቱ ብወይኒ ኪቐይሓ፡ ኣስናኑ ኸኣ ብጸባ ኺጽዕድዋ እየን። 13 “ዛብሎን ኣብ ገምገም ባሕሪ፡ ጥቓ እቲ መራኽብ መልህቕ ዚድርብያሉ ገምገም ኪነብር እዩ፣ ጫፍ ዶቡ ኸኣ ናብ ሲዶን ኪኸውን እዩ። 14 “ይሳኮር ኣብ መንጎ ኽልተ እተወደነ ጽዕነት በጥ ዚብል ድልዱል ዝዓጽሙ ኣድጊ እዩ። 15 እታ መዕረፊት ጽብቕቲ፡ እታ ምድሪ ድማ ባህ እተብል ምዃና ኺርኢ እዩ። ንምጻር መንኵቡ ኼትሕትን ብግዲ ኺሽቅልን እዩ። 16 “ዳን ከም ሓደ ኻብ ነገዳት እስራኤል ኰይኑ ንህዝቡ ኺዳኒ እዩ። 17 ዳን፡ እቲ ኣብ ፈረስ ዚውጣሕ ንድሕሪት ምእንቲ ኺወድቕ፡ ሸዀናታት ፈረስ ዚነክስ ኣብ ደረት መገዲ ተመን፡ ኣብ ወሰን መገዲ ድማ ቀራን ተመን ይኹን። 18 ኦ የሆዋ፡ ንድሕነትካ ኽጽበ እየ። 19 “ንጋድ ዘማቲ ጭፍራ ኼጥቅዖ እዩ፣ ንሱ ግና እግሪ እግሮም ኬጥቅዖም እዩ። 20 “እንጌራ ኣሴር ብዙሕ ኪኸውን እዩ፣ ንንጉስ ዚበቅዕ ምግቢ እውን ኪህብ እዩ። 21 “ንፍታሌም ሽንቅጥ ዝበለት እራብ እዩ። ጥዑም ቃል ይዛረብ ኣሎ። 22 “ዮሴፍ ጨንፈር ፈራዪት ኦም፡ ጨናፍራ ኣብ ልዕሊ መንደቕ እተዘርግሐ ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ዘላ ፈራዪት ኦም እዩ። 23 ቀስተኛታት ግና ኣጨነቕዎን ወርወሩሉን ጸልእዎን። 24 ቀስቱ ግና ጸኒዑ ይነብር፣ ኣእዳዉ ድማ ድልዱልን ንጡፍን እዩ። እዚ ድማ ካብ ኣእዳው እቲ ናይ ያእቆብ ሓያል፡ ካብቲ ጓሳ፡ ካብቲ እምኒ እስራኤል እዩ። 25 ንሱ ኻብ ኣምላኽ ኣቦኻ እዩ፡ ንሱ እውን ኪሕግዘካ እዩ። ንሱ ምስቲ ዅሉ ዚኽእል እዩ፡ ንሱ ድማ ብበረኸት ሰማያት ላዕሊ፡ ብበረኸት መዓሙቝ ታሕቲ፡ ብበረኸት ኣጥባትን ማሕጸንን ኪባርኸካ እዩ። 26 በረኸት ኣቦኻ ኻብ በረኸት ዘለኣለማዊ ኣኽራን፡ ካብ ስልማት ነባሪ ዅርባታት ኪልዕል እዩ። ኣብ ርእሲ ዮሴፍ፡ ኣብ መንበስበስታ እቲ ኻብ ኣሕዋቱ እተፈልየ ኪኸውን እዩ።
22-28 ሰነ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 1–3
“ከምቲ ክዀኖ ዝደሊ ክኸውን እየ”
(ዘጸኣት 3:13) ሙሴ ግና ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ “ናብ እስራኤላውያን ከይደ፡ ‘ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናባኻትኩም ልኢኹኒ’ ምስ በልክዎም፡ ‘ስሙ መን እዩ፧’ እንተ ኢሎምኒ፡ እንታይ ክብሎም እየ፧” በሎ።
ነቲ ዓብዪ ስም የሆዋ ኣኽብሮ
4 ዘጸኣት 3:10-15 ኣንብብ። ሙሴ ወዲ 80 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣምላኽ፡ “ንህዝበይ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ኸተውጽኦም [ኢኻ]” ዚብል ከቢድ ትእዛዝ ሃቦ። ሙሴ ንኣምላኽ ኪምልሰሉ ኸሎ፡ ብኣኽብሮት፡ ዓሚቝ ትርጕም ዘለዋ ሕቶ ሓተቶ። ‘እስራኤላውያን፡ ስምካ እንተ ሓቲቶምኒ፡ እንታይ ክብሎም እየ፧’ በሎ። ስም ኣምላኽ ቅድሚኡ ነዊሕ ይገብር ይፍለጥ ካብ ነበረ፡ ሙሴ ኸምኡ ኢሉ ኺሓትት ከሎ እንታይ እዩ ኺፈልጥ ዚደሊ ነይሩ፧ ብዛዕባ እቲ በቲ ስም እቲ ዚጽዋዕ ኣምላኽ ኪፈልጥ ከም ዝደለየ ርዱእ እዩ። እወ፡ ኣምላኽ ብሓቂ ኼድሕኖም ከም ዚኽእል ኬእምኖም እዩ ዚደሊ ነይሩ። እስራኤላውያን ንገለ ግዜያት ባሮት ስለ ዝነበሩ፡ ሙሴ ብዛዕባ እዚ እንተ ተጨነቐ ዜገርም ኣይኰነን። እስራኤላውያን፡ ኣምላኽ ኣቦታቶም ብሓቂ ኼድሕኖም ዚኽእል እንተ ዀይኑ ይጠራጠሩ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ገሊኣቶም እሞ ኸኣ ንኣማልኽቲ ግብጺ የምልኹ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።—ህዝ. 20:7, 8።
(ዘጸኣት 3:14) ኣምላኽ ከኣ ንሙሴ፡ “ከምቲ ክዀኖ ዝደሊ ክኸውን እየ” በሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ንእስራኤላውያን፡ ‘እቲ ክኸውን ናባኻትኩም ልኢኹኒ’ በሎም” በሎ።
kr 43፡ ሳጹን
ትርጕም ስም ኣምላኽ
እቲ የሆዋ ዚብል ስም፡ “ምዃን” ካብ ዚብል ግሲ እብራይስጢ ዝመጸ እዩ። ገሊኦም ምሁራት፡ ኣብዚ መዳይ እዚ እቲ ግሲ ብመልክዕ ኣግብሮ ኸም ዘሎ እዩ ዚስምዖም። ስለዚ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ስም ኣምላኽ፡ “የኽውን” ዚብል ትርጕም ከም ዘለዎ እዩ ዚርድኦም። እዚ ትርጕም እዚ፡ ምስቲ የሆዋ ኸም ፈጣሪ ዘለዎ ግደ ኣጸቢቑ ዚሰማማዕ እዩ። ኵሉ ግኡዝ ፍጥረትን ኣስተውዓሊ ፍጥረትን ናብ ህልውና ኸም ዚመጽእ ገይሩ እዩ፣ ፍቓዱን ዕላማኡን ከኣ ከም ዚፍጸም ይገብር ኣሎ።
ነቲ የሆዋ ኻብ ሙሴ ሕቶ ምስ ቀረበሉ ዝሃቦ ኣብ ዘጸኣት 3:13, 14 ተመዝጊቡ ዚርከብ ምላሽ ደኣ ብኸመይ ኢና ኽንርድኦ ዘሎና፧ ሙሴ “ናብ ደቂ እስራኤል መጺኤ፡ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናባኻትኩም ልኢኹኒ ምስ በልክዎም፡ ስሙ መን እዩ እንተ በሉንስ፡ እንታይ ክብሎም እየ፧” ኢሉ ሓተተ። ሽዑ፡ የሆዋ፡ “ከምቲ ክዀኖ ዝደሊ፡ ክኸውን እየ” (NW) ኢሉ መለሰሉ።
ሙሴ ንየሆዋ፡ ስሙ ኺነግሮ ይሓትቶ ኸም ዘይነበረ ኣስተብህል። ሙሴን እስራኤላውያንን ንስም ኣምላኽ ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም። ሙሴ ንየሆዋ፡ እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ምዃኑ ዚሕብር እምነት ዜደልድል ነገር፡ ኣብ ትርጕም ስሙ እውን ኪንጸባረቕ ዚኽእል ነገር ኪገልጽ እዩ ዚሓትቶ ነይሩ። ስለዚ፡ የሆዋ፡ “ከምቲ ክዀኖ ዝደሊ፡ ክኸውን እየ” ኢሉ ኺምልስ ከሎ፡ ባህ ዜብል መዳይ ባህርዩ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ኣብ ኵሉ ዅነት፡ ዕላማኡ ንምፍጻም ዜድሊ ዘበለ ይኸውን እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንሙሴን ንእስራኤላውያንን፡ መናገፍን ወሃብ ሕግን ናባይን ካልእ ብዙሕን ኰይኑሎም እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ባዕሉ እውን ተስፋታቱ ንህዝቡ ንምፍጻም፡ ዝደለዮ ዘበለ ይኸውን እዩ። ይኹን እምበር፡ ስም የሆዋ ነዚ ሓሳብ እዚ ዜጠቓልል እኳ እንተ ዀነ፡ ኪዀኖ ዚደልዮ ኣብ ምዃን ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። ዕላማኡ ኣብ ምፍጻም፡ ንፍጥረቱ ንዜዅኖ ወይ ከም ዚኸውን ንዚገብሮ እውን ዜጠቓልል እዩ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘጸኣት 2:10) እቲ ሕጻን ምስ ዓበየ፡ ናብ ጓል ፈርኦን ኣምጽኣቶ፣ ወዳ ድማ ኰነ። “ካብ ማይ ስለ ዘውጻእክዎ” ኢላ ስሙ ሙሴ ኣውጽኣትሉ።
g04 4/8 6 ¶5
ሙሴ—ብሓቂ ነይሩ ድዩ ወይስ ብጽውጽዋይ እተማህዘ፧
ግናኸ፡ ጓል ንጉስ ግብጺ ንሓደ ሕጻን ከም ወዳ ገይራ ኸተዕቢ ዚብል ዛንታ ግና ዘይመስል ደይኰነን፧ ኣይፋልን። ከመይሲ፡ ናብ ሰማይ ንምእታው፡ ከምኡ ዓይነት ተግባራት ከም ዜድሊ ሃይማኖት ግብጻውያን ይምህር ነይሩ እዩ። ብዛዕባ ርዕመት፡ ማለት ንዘይውሉድካ ኸም ውሉድካ ጌርካ ብዛዕባ ምዕባይ ከኣ፡ ጆይስ ቲልደስሊ እትብሃል ተመራማሪት ስነ ጥንቲ ኸምዚ ትብል፦ “ግብጻውያን ኣንስቲ ምስ ግብጻውያን ሰብኡት ማዕርነት ነይርወን እዩ። እንተ ወሓደ ብኽልሰ ሓሳብ ማዕረ ሕጋውን ቍጠባውን መሰላት ነይርወን እዩ፡ . . . ኣንስቲ ውሉድ ኪርዕማ ይኽእላ ነይረን እየን።” ሓደ ናይ ጥንቲ ጳጲሮስ ርዕመት፡ ሓንቲ ግብጻዊት ሰበይቲ ንባሮታ ኸም ዝረዓመቶም ሰኒዱ ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ኣደ ሙሴ እተጥቡ መጕዚት ኰይና ኸም እተቘጽረት ዚገልጽ ዛንታ ድማ፡ ዘ ኣንከር ባይብል ዲክሽነሪ ኸምዚ ይብል፦ “ወላዲት ሙሴ ኸም እተጥቡ መጕዚት ኰይና ዚኽፈላ ዓስቢ . . . ልክዕ ምስቲ ኣብ ውዕል ርዕመት መሶጶታምያ ዘሎ ስርዓታት ይመሳሰል እዩ።”
(ዘጸኣት 3:1) ሙሴ ድማ መጓሰ ሓሙኡ የትሮ እቲ ኻህን ሚድያን ይጓሲ ነበረ። ነተን መጓሰ ናብቲ ናብ ምዕራብ ሸነኽ እቲ በረኻ ኺመርሐን ከሎ፡ ናብ ከረን እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ናብ ሆሬብ መጸ።
ካብ ኦሪት ዘጸኣት ዚጐልሕ ነጥብታት
3:1—የትሮ እንታይ ዓይነት ካህን እዩ ነይሩ፧ ብዘመነ ኣበው እቲ ርእሲ ስድራቤት ነታ ስድራቤቱ ኸም ካህን ኰይኑ የገልግል ነበረ። የትሮ ብርግጽ ርእሲ ሓንቲ ነገድ ሚድያናውያን እዩ ነይሩ። ሚድያናውያን ከኣ ኣብርሃም ካብ ቄጡራ ዝወለዶም ብምንባሮም፡ ብዛዕባ ኣምልኾ የሆዋ ይፈልጡ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።—ዘፍጥረት 25:1, 2።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘጸኣት 2:11-25) በተን መዓልትታት እቲአን፡ ሙሴ ምስ ዓበየ፡ ነቲ ብርቱዕ ሽቕለቶም ኪርኢ ናብ ኣሕዋቱ ወጸ። ሓደ ግብጻዊ ንሓደ እብራዊ፡ ንሓደ ኻብ ኣሕዋቱ፡ ኪወቕዖ ድማ ረኣየ። 12 ናብዝን ናብትን ግልጽ ግልጽ ኢሉ፡ ሓደ እኳ ኸም ዘየልቦ ምስ ረኣየ፡ ነቲ ግብጻዊ ቐቲሉ፡ ኣብ ሑጻ ሓብኦ። 13 በታ እትቕጽል መዓልቲ ድማ ወጸ፡ ክልተ እብራውያን ሰብኡት ከኣ ይብኣሱ ነበሩ። ነቲ ዝዓመጸ፡ “ስለምንታይ ንብጻይካ እትወቕዖ፧” በሎ። 14 ንሱ ድማ፡ “መን መስፍንን ፈራድን ገይሩ ኣባና ሸይሙካ፧ ከምቲ ነቲ ግብጻዊ ዝቐተልካዮዶ ኽትቀትለኒ ደሊኻ፧” በሎ። ሽዑ፡ ሙሴ ፈርሀ፡ “እዚ ነገር እዚ ብርግጽ ተፈሊጡ እዩ” ድማ በለ። 15 ፈርኦን ከኣ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ሰሚዑ፡ ንሙሴ ኪቐትሎ ደለየ። ሙሴ ግና ካብ ፈርኦን ሃዲሙ፡ ኣብ ምድሪ ሚድያን ኪቕመጥ ከደ፣ ኣብ ጥቓ ዒላ ኸኣ ኮፍ በለ። 16 ካህን ሚድያን ድማ ሸውዓተ ኣዋልድ ነበራኦ፣ ንሳተን ከኣ መጺአን ንመጓሰ ኣቦአን ኬስትያ ኢለን፡ ማይ ቀዲሐን ነቲ ጋብላታት መልኣኦ። 17 ጓሶት ግና ከም ልማዶም መጺኦም ሰጐጕወን። ሽዑ፡ ሙሴ ተንሲኡ ረድአን፡ መጓሰአን እውን ኣስተየ። 18 ናብ ኣቦአን ረዑኤል ምስ መጻ ኸኣ፡ ንሱ፡ “ሎሚ ደኣ ኸመይ ኢልክን ቀልጢፍክን መጺእክን፧” በለን። 19 ንሳተን ድማ፡ “ሓደ ግብጻዊ ኻብ ኢድ እቶም ጓሶት ኣናጊፉና፡ ማይ ቀዲሑ እውን ንኣባጊዕና ኣስትዩልና” በላኦ። 20 ንሱ ኸኣ ንኣዋልዱ፡ “ኣበይ ደኣ ኣሎ፧ ስለምንታይከ ነቲ ሰብኣይ ሓዲግክናኦ፧ እንጌራ ኺበልዕ ጸውዓኦ” በለን። 21 ድሕርዚ፡ ሙሴ ምስቲ ሰብኣይ ኪቕመጥ ፈተወ፣ ንሱ ኸኣ ጺጶራ ጓሉ ሰበይቱ ኽትኰኖ ንሙሴ ሃቦ። 22 ወዲ ድማ ወለደት፣ “ኣብ ምድሪ ጓና፡ ጓና ዀይነ” ኢሉ ስሙ ጌርሾም ኣውጽኣሉ። 23 ድሕሪ ብዙሕ እዋን፡ ንጉስ ግብጺ ሞተ። እስራኤላውያን ግና ብሰንኪ ባርነቶም እህህ ይብሉን ይጭርሑን ነበሩ፣ እቲ ብሰንኪ ባርነቶም ዜእውይዎ ኣውያት ድማ፡ ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ደየበ። 24 ኣምላኽ ከኣ ቍዝማኦም ሰምዐ፣ ኣምላኽ ድማ ነቲ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዝኣተዎ ኺዳን ዘከረ። 25 ስለዚ፡ ኣምላኽ ናብ እስራኤላውያን ረኣየ፣ ኣምላኽ ድማ ኣስተብሃለ።
29 ሰነ–5 ሓምለ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 4–5
“ክትዛረብ ከለኻ ምሳኻ ክኸውን እየ”
(ዘጸኣት 4:10) ሙሴ ድማ ንየሆዋ፡ “ኣይትሓዘለይ ደኣ እምበር የሆዋ፡ ኣነ ኣፈይ ወታእ፡ ልሳነይ ኰርታዕ እየ እሞ፡ ቅድሚ ሕጂ ዀነ፡ ሕጂ ንጊልያኻ ኻብ እትዛረቦ ንነጀው፡ ክኢላ ተዛራቢ ኣይኰንኩን” በሎ።
(ዘጸኣት 4:13) ንሱ ግና፡ “ኣይትሓዘለይ ደኣ እምበር የሆዋ፡ በጃኻ እትልእኮ ደኣ ልኣኽ” በሎ።
ምኽኒት—የሆዋ ብዛዕባ እዚ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧
“ኣይበቅዕን እየ።” ኣገልጋሊ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኴንካ ንኽትዓዪ ኸም ዘይትበቅዕ ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ገሊኦም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን፡ ነቲ የሆዋ ዝሃቦም ዕዮ ንኺፍጽሙ ኸም ዘይበቕዑ ተሰሚዕዎም ነይሩ እዩ። ንሙሴ ኸም ኣብነት ንውሰድ። የሆዋ ፍሉይ ተልእኾ ምስ ሃቦ፡ “ኣየ ጐይታይ ኣነ ኣፈይ ወታእ፡ ልሳነይ ኰርታዕ እየ እሞ፡ ትማሊ ዀነ፡ ቅድሚ ትማሊ ዀነ፡ ሕጂ ንባርያኻ ምስ ተዛረብካኒውን፡ ኣነ ተዛራቢ ሰብ ኣይኰንኩን” በለ። የሆዋ መተባብዒ እኳ እንተ ሃቦ፡ “በጃኻ ጐይታይ፡ በቲ እትልእኮ ደኣ ልአኽ” ኢሉ መለሰ። (ዘጸ. 4:10-13) የሆዋኸ እንታይ ምላሽ ሃቦ፧
(ዘጸኣት 4:11, 12) የሆዋ ኸኣ፡ “ንሰብ ኣፍ ዝገበረሉ መን እዩ፧ ወይ ከኣ፡ ዓባስ ወይ ጸማም ወይ ብንጹር ዚርኢ ወይ ዕዉር ዚገብሮ መን እዩ፧ ኣነ የሆዋ ደይኰንኩን፧ 12 ስለዚ፡ ኪድ እሞ፡ ክትዛረብ ከለኻ ምሳኻ ክኸውን፡ እቲ እትብሎ ድማ ክምህረካ እየ” በሎ።
“ነቲ ዘይርአ” ትርእዮ ዲኻ፧
5 ሙሴ ናብ ግብጺ ቕድሚ ምምላሱ፡ ኣምላኽ ኣገዳሲ ስርዓት መሃሮ። እቲ ስርዓት እቲ፡ ‘ፍርሃት የሆዋሲ ጥበብ እዩ’ ዚብል እዩ፣ ሙሴ ነዚ ስርዓት እዚ፡ ኣብ መጽሓፍ እዮብ መዝጊብዎ ኣሎ። (እዮ. 28:28) የሆዋ ንሙሴ ኸምዚ ዓይነት ፍርሃት ንኼሕድርን ብጥበብ ንኺመላለስን ንኺሕግዞ ኢሉ፡ ኣብ ቅድሚ ሰባትን እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽን ዘሎ ፍልልይ ከምዚ ብምባል ኣነጺሩ ገለጸሉ፦ “ንሰብ ኣፍ ዝገበረሉ መን እዩ፧ ወይ ዓባስ ወይ ጸማም ወይ ዚርኢ ወይ ዕውር ዝገበሮኸ መን እዩ፧ ኣነ እግዚኣብሄርዶ ኣይኰንኩን፧”—ዘጸ. 4:11።
6 ካብዚ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧ ሙሴ ኺፈርህ ኣየድልዮን እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ የሆዋ እዩ ልኢኽዎ፣ ንሙሴ መልእኽቱ ናብ ፈርኦን ንኼብጽሓሉ ዜድልዮ ዘበለ ሓይሊ ኸም ዚህቦ ድማ ተመባጺዑሉ ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ፈርኦን ምስ የሆዋ ኺወዳደር ከሎ ኣብ ቍጽሪ ዚኣቱ ኣይነበረን። ቅድሚ እዚ እውን፡ እቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ግብጺ ዚነብሩ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ኣብ ዜስግእ ኵነታት ዝወደቑሉ እዋናት ነይሩ እዩ። ምናልባት ሙሴ፡ የሆዋ ንኣብርሃምን ንዮሴፍን ንዕኡ ንሙሴ እውን ከይተረፈ፡ እተፈላለዩ ፈርኦናት ኣብ ዚገዝኡሉ ዝነበሩ እዋናት ብኸመይ ከም ዘዕቈቦም ኣስተንቲኑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘፍ. 12:17-19፣ 41:14, 39-41፣ ዘጸ. 1:22–2:10) ኣብቲ “ዘይርአ” የሆዋ ብምእማን ከኣ፡ ብትብዓት ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ቀረበ፡ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ቓል ድማ ኣወጀ።
(ዘጸኣት 4:14, 15) ሽዑ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ ሙሴ ነደደ፣ ከምዚ ድማ በሎ፦ “ኣሮን እቲ ሌዋዊ ሓውካዶ የሎን፧ ንሱ ንፉዕ ተዛራቢ ምዃኑ እፈልጥ እየ። ኪቕበለካ ኸኣ ናብዚ ይመጽእ ኣሎ። ምስ ረኣየካ፡ ልቡ ኺሕጐስ እዩ። 15 ስለዚ፡ ተዛረቦ፡ ኣብ ኣፉ እውን ቃላት ኣንብር። ክትዛረብ ከለኻ ድማ፡ ኣነ ምሳኻን ምስኡን ክኸውን እየ፣ እንታይ ከም እትገብሩ ድማ ክምህረኩም እየ።
ምኽኒት—የሆዋ ብዛዕባ እዚ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧
የሆዋ ነቲ ሙሴ ዘቕረቦ ምኽኒት ኣይተቐበሎን። ይኹን እምበር፡ ንሙሴ ኣብቲ እተዋህቦ ዕዮ ምእንቲ ኺሕግዞ፡ የሆዋ ንኣሮን መዘዞ። (ዘጸ. 4:14-17) ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓመታት፡ የሆዋ ኣብ ጐድኒ ሙሴ ብምዃንን ነቲ ዝሃቦ መዝነት ንኺፍጽም ዜኽእሎ ነገራት ብምቕራብን፡ ሓጊዝዎ እዩ። ሎሚ እውን፡ ነቲ እተዋህበካ ኣገልግሎት ክትፍጽም ምእንቲ ኺሕግዙኻ፡ ተመክሮ ንዘለዎም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትካ ኸም ዜለዓዕሎም ክትተኣማመን ትኽእል ኢኻ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ነቲ ኽንገብሮ ዝኣዘዘና ዕዮ ብቑዓት ንኽንከውን ከም ዚሕግዘና፡ ቃል ኣምላኽ የረጋግጸልና እዩ።—2 ቈረ. 3:5፣ ነታ “ኣብ ህይወተይ ልዕሊ ዅሉ ዘሐጐሳኒ ዓመታት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘጸኣት 4:24-26) ኣብ መገዲ ኣብ ሓደ መሕደሪ፡ የሆዋ ተራኸቦ፡ ኪቐትሎ እውን ደለየ። 25 ሽዑ፡ ጺጶራ ጽንጽሕለ ወሲዳ፡ ንወዳ ገዘረቶ፣ እቲ ዕልቦኡ ንኣእጋሩ ኸም ዚትንኪ ምስ ገበረት ከኣ፡ “ንስኻ ንዓይ ናይ ደም መርዓዊ ስለ ዝዀንካ እዩ” በለት። 26 ንሱ ድማ ሓደጎ። ሽዑ፡ ብምኽንያት እቲ ግዝረት፡ “ናይ ደም መርዓዊ” በለት።
ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
እቲ “ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ” ብምባል እተዛረበቶ ዘረባ ዘይልሙድ መግለጺ እዩ። እዚ ኣዘራርባ እዚ ብዛዕባኣ እንታይ እዩ ዚሕብር፧ ነቲ ኺዳን ግዝረት ብምፍጻማ፡ ምስ የሆዋ ኺዳን ከም እተኣታተዉ ኣፍልጦ እያ ሂባ። ጸኒሑ ኣብቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝኣተወሎም ሕጊ ኺዳን፡ ንሱ ኸም ሰብኣይ፡ እቲ ምስኡ ኺዳን ዚተኣታቶ ድማ ከም ሰበይቲ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣነጺርዎ ኣሎ። (ኢሳይያስ 54:5) ስለዚ፡ ጺጶራ ንየሆዋ (በቲ ወኪልዎ ዝመጸ መልኣኽ ገይራ) “ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ” ምባላ፡ ነቲ እቲ ኺዳን ዝኣዘዞ ነገራት ክትግዛእ ኸም ዘለዋ ኣፍልጦ ዝሃበት እዩ ዚመስል። ኣብቲ ኺዳን ግዝረት ንሳ ናይ ሰበይቲ ቦታ ኽትሕዝ ከላ፡ የሆዋ ኣምላኽ ድማ ናይ ሰብኣይ ቦታ ኸም ዝሓዘ ዜመልክት እዩ ኪኸውን ዚኽእል። ዝዀነ ዀይኑ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሓተቶ ብቕዓት ንምምላእ ብተኣዛዝነት ወሳኒ ስጕምቲ ብምውሳዳ፡ ህይወት ወዳ ኻብ ሓደጋ ደሓነ።
(ዘጸኣት 5:2) ፈርኦን ግና፡ “እቲ ቓሉ ተኣዚዘ ንእስራኤል ዝሰድዶስ፡ የሆዋ መን እዩ፧ ንየሆዋ ኣይፈልጥ፡ ንእስራኤል እውን ኣይሰድድ” በለ።
it-2 12 ¶5
የሆዋ
እምበኣር፡ “ምፍላጥ” ኪብሃል ከሎ፡ ንሓደ ነገር ተለልዮ ማለት ጥራይ ኣይኰነን። እቲ ዓሻ ዝነበረ ናባል ንስም ዳዊት ይፈልጦ እኳ እንተ ነበረ፡ “ዳዊት መን እዩ፧” ኢሉ ሓቲቱ እዩ፣ እዚ ድማ፡ “እንታይ ዝዀነ እዩ፧” ከም ምባል እዩ ነይሩ። (1ሳሙ 25:9-11፣ ምስ 2ሳሙ 8:13 ኣረኣኢ።) ፈርኦን እውን ንሙሴ፡ “እቲ ቓሉ ተኣዚዘ ንእስራኤል ዝሰድዶስ፡ የሆዋ መን እዩ፧ ንየሆዋ ኣይፈልጥ፡ ንእስራኤል እውን ኣይሰድድ” ኢልዎ እዩ። (ዘጸ 5:1, 2) ከምዚ ኺብል ከሎ ድማ፡ ንየሆዋ ኸም ናይ ሓቂ ኣምላኽ ወይ ኣብ ልዕሊ ንጉስን ጕዳያትን ግብጺ ስልጣን ከም ዘለዎ ገይሩ ኸም ዘይፈልጦ፡ ነቲ ብሙሴን ብኣሮንን እተዘርበ ፍቓዱ ንምፍጻም ዜኽእል ሓይሊ ኸም ዘለዎ ገይሩ እውን ከም ዘይፈልጦ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ድሕርዚ ግና፡ ፈርኦንን ኵላ ግብጽን፡ እንተላይ እስራኤላውያን፡ ናይ ሓቂ ትርጉም እቲ ስም ወይ መንነቱ ፈሊጦም እዮም። ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝገለጸሉ፡ ንእስራኤል ዘለዎ ዕላማ ብምፍጻም፡ ማለት ንእስራኤል ሓራ ብምውጻእን ምድሪ ተስፋ ብምሃብን ነቲ ንኣቦታቶም ዝኣተዎ ኺዳን ብምፍጻምን እዩ መንነቱ ዜፍልጥ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እቲ ኣምላኽ፡ “ኣነ . . . የሆዋ ኣምላኽኩም ምዃነይ ድማ ብርግጽ ክትፈልጡ ኢኹም” ዝበሎ ይፍጸም።—ዘጸ 6:4-8፣ ኣብ “ኵሉ ዚኽእል” ርአ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘጸኣት 4:1-17) ሙሴ ግና፡ “ንሳቶም፡ ‘የሆዋ ኣይተራእየካን’ ኢሎም እንተ ዘይኣመኑንን ንቓለይ እንተ ዘይሰምዑንከ፧” ኢሉ መለሰ። 2 የሆዋ ድማ፡ “እታ ኣብ ኢድካ ዘላ እንታይ እያ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “በትሪ” በለ። 3 ንሱ ድማ፡ “ናብ ምድሪ ደርብያ” በሎ። ንሱ ኸኣ ናብ ምድሪ ደርበያ፡ ተመን እውን ኰነት፣ ሙሴ ኸኣ ካብኡ ሃደመ። 4 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ኢድካ ዘርጊሕካ ብጭራኡ ሓዞ” በሎ። ኢዱ ዘርጊሑ ኸኣ ሓዞ፣ ኣብ ኢዱ ድማ በትሪ ዀነ። 5 ሽዑ፡ ኣምላኽ፡ “እዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን ከም እተራእየካ ምእንቲ ኺኣምኑ እዩ” በሎ። 6 የሆዋ ድማ መሊሱ፡ “በጃኻ ኢድካ ናብ ላዕለዋይ ዕጻፍ ክዳንካ ኣእቱ” በሎ። ንሱ ኸኣ ኢዱ ናብ ላዕለዋይ ዕጻፍ ክዳኑ ኣእተወ። ምስ ኣውጽኣ ድማ፡ ኢዱ ብደዌ ኸም ውርጪ ጻዕድያ ነበረት። 7 ድሕርዚ፡ “ኢድካ ናብ ላዕለዋይ ዕጻፍ ክዳንካ ምለስ” በሎ። ንሱ ኸኣ ኢዱ ናብ ላዕለዋይ ዕጻፍ ክዳኑ መለሰ። ካብ ክዳኑ ምስ ኣውጽኣ ድማ፡ መሊሳ ኸምቲ ኻልእ ስጋኡ ዀነት። 8 ንሱ ኸኣ፡ “እንተ ዘይኣሚኖምኻ ወይ ነቲ ቐዳማይ ትእምርቲ እንተ ዘየቕሊቦምሉ፡ ነቲ ዳሕረዋይ ትእምርቲ ብርግጽ ኬቕልቡሉ እዮም። 9 ነዚ ኽልተ ትእምርቲ እዚ እንተ ዘይኣሚኖምሉ፡ ቃልካ ኸኣ እንተ ዘይሰሚዖም፡ ካብ ፈለግ ኒል ማይ ውሰድ እሞ፡ ኣብ ንቑጽ ምድሪ ኣፍስሶ፣ እቲ ኻብ ኒል ዝወሰድካዮ ማይ ከኣ፡ ኣብቲ ንቑጽ ምድሪ ደም ኪኸውን እዩ” በሎ። 10 ሙሴ ድማ ንየሆዋ፡ “ኣይትሓዘለይ ደኣ እምበር የሆዋ፡ ኣነ ኣፈይ ወታእ፡ ልሳነይ ኰርታዕ እየ እሞ፡ ቅድሚ ሕጂ ዀነ፡ ሕጂ ንጊልያኻ ኻብ እትዛረቦ ንነጀው፡ ክኢላ ተዛራቢ ኣይኰንኩን” በሎ። 11 የሆዋ ኸኣ፡ “ንሰብ ኣፍ ዝገበረሉ መን እዩ፧ ወይ ከኣ፡ ዓባስ ወይ ጸማም ወይ ብንጹር ዚርኢ ወይ ዕዉር ዚገብሮ መን እዩ፧ ኣነ የሆዋ ደይኰንኩን፧ 12 ስለዚ፡ ኪድ እሞ፡ ክትዛረብ ከለኻ ምሳኻ ክኸውን፡ እቲ እትብሎ ድማ ክምህረካ እየ” በሎ። 13 ንሱ ግና፡ “ኣይትሓዘለይ ደኣ እምበር የሆዋ፡ በጃኻ እትልእኮ ደኣ ልኣኽ” በሎ። 14 ሽዑ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ ሙሴ ነደደ፣ ከምዚ ድማ በሎ፦ “ኣሮን እቲ ሌዋዊ ሓውካዶ የሎን፧ ንሱ ንፉዕ ተዛራቢ ምዃኑ እፈልጥ እየ። ኪቕበለካ ኸኣ ናብዚ ይመጽእ ኣሎ። ምስ ረኣየካ፡ ልቡ ኺሕጐስ እዩ። 15 ስለዚ፡ ተዛረቦ፡ ኣብ ኣፉ እውን ቃላት ኣንብር። ክትዛረብ ከለኻ ድማ፡ ኣነ ምሳኻን ምስኡን ክኸውን እየ፣ እንታይ ከም እትገብሩ ድማ ክምህረኩም እየ። 16 ንሱ ኣብ ክንዳኻ ንህዝቢ ኺዛረብ እዩ፣ ኣፈኛ ድማ ኪዀነካ እዩ፣ ንስኻ ኸኣ ከም ኣምላኽ ክትኰኖ ኢኻ። 17 ነዛ በትሪ እዚኣ ድማ ኣብ ኢድካ ኽትወስዳን ብእኣ ትእምርትታት ክትገብርን ኢኻ።”