18-24 ሕዳር
መዝሙር 107–108
መዝሙር 7ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
1. “ንሱ ሕያዋይ እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ኣመስግንዎ”
(10 ደቒቕ)
የሆዋ ኸምቲ ንእስራኤላውያን ካብ ባቢሎን ዘድሓኖም፡ ንዓና እውን ካብ ናይ ሰይጣን ዓለም ኣድሒኑና እዩ (መዝ 107:1, 2፣ ቈሎ 1:13, 14)
ንየሆዋ ዘሎና ሞሳ ኣብ ጉባኤ ኸነወድሶ ይድርኸና (መዝ 107:31, 32፣ w07 15/4 20 ¶2)
ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበረልና ነገር ምስ እንሓስብ፡ ንየሆዋ ዘሎና ሞሳ ይዓዝዝ (መዝ 107:43፣ w15 15/1 9 ¶4)
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
መዝ 108:9—ሞኣብ ‘ኣምላኽ ምስ ዝሕጸበሉ ገበራ’ ምንጽጻሩ ንምንታይ የመልክት፧ (it-2 420 ¶4)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) መዝ 107:1-28 (th መጽናዕቲ 5)
4. ዝርርብ ምጅማር
(3 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 4)
5. ንግዱሳት ምክትታል
(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ነቲ ሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሉ መገዲ ንገሮ፡ ኣድራሻ ካርድ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ሃቦ። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 3)
6. መደረ
(5 ደቒቕ) ijwyp 90—ፍረ ነገር፦ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ብኸመይ ከወግድ እኽእል፧ (th መጽናዕቲ 14)
መዝሙር 46
7. ንየሆዋ ብመዝሙር ነመስግኖ
(15 ደቒቕ) ምይይጥ።
የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኻብቲ ሓያል ሰራዊት ምስ ኣድሓኖም፡ እቶም እተሓጐሱ ህዝቢ ብዓውታ ዘመሩ። (ዘጸ 15:1-19) ነቲ ሓድሽ መዝሙር ሰብኡት እዮም ኪዝምርዎ ጀሚሮም። (ዘጸ 15:21) የሱስን እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናትን ንኣምላኽ ብመዝሙር ወዲሶምዎ እዮም። (ማቴ 26:30፣ ቈሎ 3:16) ንሕና እውን ኣብ ኣኼባ ጉባኤ፡ ኣብ ኣኼባ ወረዳ፡ ኣብ ኣኼባ ዞባ ብምዝማር ሞሳና ንገልጽ ኢና። ንኣብነት፡ ካብ 1966 ጀሚርና ነታ “ነመስግነካ የሆዋ” ዘርእስታ መዝሙር ንዝምራ ኣለና።
ኣብ ገሊኡ ባህልታት፡ ሰብኡት ኣብ ቅድሚ ሰባት ምዝማር የሕፍሮም ይኸውን። ገሊኦም ድማ ጽቡቕ ድምጺ ኸም ዘይብሎም ስለ ዚስምዖም ምዝማር የሰክፎም ይኸውን። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ኣኼባታት ምዝማር ክፍሊ ኣምልኾና ምዃኑ ኽንዝክር ኣሎና። ኣብ ውድብ የሆዋ ብሉጽ መዝሙር ኣብ ምድላውን ንነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ዚኸውን መዝሙር ኣብ ምሕራይን ብዙሕ ጻዕሪ እዩ ዚግበር። ካባና ዚድለ፡ ፍቕርናን ሞሳናን ንምግላጽ ብሓድነት ምዝማር ጥራይ እዩ።
ነታ ግስጋሰ ታሪኽና—ውህበት መዝሙር፡ 2ይ ክፋል ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦
ብ1944 እንታይ ጕሉሕ ፍጻመ እዩ ኣጋጢሙ፧
ኣብ ሳይበርያ ዝነበሩ ኣሕዋትና ንመዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ዝነበሮም ሞሳ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧
መዝሙር ምዝማር ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 18 ¶6-15