ይቕረ ዘይብሃል ሓጢኣት እንታይ እዩ፧
መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
ሓደ ሓጥእ ክፉእ ተግባር እንተ ገይሩ እሞ፡ ካብ ኣምላኽ ይቕረታ ኺረክብ ዘየኽእሎ ኣረኣእያ እውን እንተ ኣልይዎ፡ እቲ ሓጢኣቱ ይቕረ ዘይብሃል ሓጢኣት ኪብሃል ይከኣል። ግናኸ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣመለኻኽታ ኸመይ ኢሉ ኺምዕብል ይኽእል፧
ኣምላኽ ነቶም ካብ ሓጢኣቶም ዚንስሑን በቲ ስርዓታቱ ዚመላለሱን ብየሱስ ክርስቶስ ዚኣምኑን ይቕረ ይብለሎም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:19, 20) ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሰብ ብሓጥእ መገዱ ኺመላለስ ቈሪጹ እንተ ተላዒሉ፡ ኣረኣእያኡ ወይ ኣካይዳኡ ኸቶ ኣይቅይርን ይኸውን። ከምዚ ዝበለ ሰብ፡ ‘ብሓጢኣት ተታሊሉ ዝተረረ እኩይ ልቢ’ ኸም ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (እብራውያን 3:12, 13) ከምቲ ኣብ እቶን እተጠብሰ ኻይላ ቕርጹ ኺዕረ ዘይከኣል፡ ልቢ እቲ ሰብ እውን ንሓዋሩ ንኣምላኽ ዚጻረር ኰይኑ እዩ። (ኢሳይያስ 45:9) ነዚ ሰብ እዚ ይቕረ ንምባል ዚኸውን መሰረት ኪህሉ ኣይክእልን እዩ፣ ስለዚ፡ እቲ ሰብ እቲ ይቕረ ብዘይብሃል ወይ ምሕረት ብዘይግበረሉ ሓጢኣት ገበነኛ እዩ።—እብራውያን 10:26, 27።
ገሊኦም ብግዜ የሱስ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ይቕረ ዘይብሃል ሓጢኣት ገይሮም እዮም። የሱስ ንተኣምራቱ ብሓይሊ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚገብሮ እናፈለጡ ኽነሶም፡ ካብ ክፍኣት ተላዒሎም ብሓይሊ ሰይጣን ድያብሎስ ከም ዝገበሮ ገይሮም ተዛሪቦም እዮም።—ማርቆስ 3:22, 28-30።
ገለ ኻብቲ ይቕረ ኺብሃል ዚከኣል ሓጢኣት
ብዘይ ፍልጠት ዚግበር ጸርፊ ንኣምላኽ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሓደ እዋን ተጻራፊ እዩ ነይሩ፣ ደሓር ግና፡ “ብዘይ ፍልጠትን ብዘይ እምነትን ስለ ዝገበርክዎ፡ ተማሒረ እየ” ኺብል ክኢሉ እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 1:13።
ዝሙት። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ሓደ እዋን ዘመውቲ ብዛዕባ ዝነበሩ፡ ግናኸ ኣካይዳኦም ብዛዕባ ዝቐየሩን ካብ ኣምላኽ ይቕረታ ብዛዕባ ዝረኸቡን ሰባት ይሕብር እዩ።—1 ቈረንቶስ 6:9-11።
“ይቕረ ዘይብሃል ሓጢኣት ገይረ ደዀን እኸውን፧”
ነቲ ዝሓለፈ ሓጢኣትካ ኻብ ልቢ እንተ ጸሊእካዮን ክትልወጥ እንተ ደሊኻን፡ ይቕረ ዘይብሃል ሓጢኣት ኣይገበርካን። ልብኻ ንሓዋሩ ኽሳዕ ዘይተረረ፡ ዋላ እውን ንሓደ ሓጢኣት ደጋጊምካዮ ኽነስኻ፡ ኣምላኽ ይቕረ ኺብለልካ ይኽእል እዩ።—ምሳሌ 24:16።
ገሊኦም ሰባት ብናይ ጣዕሳ ስምዒት ብቐጻሊ ስለ ዚሽገሩ፡ ይቕረ ዘይብሃል ሓጢኣት ከም ዝገበሩ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ንስምዒታትና ወትሩ ኽንኣምን ኸም ዘይንኽእል ይምህረና እዩ። (ኤርምያስ 17:9) ኣምላኽ ንሓደ እኳ ኽንፈርድ፡ እንተላይ ንገዛእ ርእስና ኽንፈርድ ስልጣን ኣይሃበናን። (ሮሜ 14:4, 12) ዋላ እኳ ልብና እንተ ዀነነና፡ ንሱ ግና ይቕረ ኺብለልና ይኽእል እዩ።—1 ዮሃንስ 3:19, 20።
ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ይቕረ ዘይብሃል ሓጢኣት ገይሩ ድዩ፧
እወ፡ ከምኡ ገይሩ እዩ። ብስስዐ ተደሪኹ፡ ንቕዱስ ዕላማ ኻብ እተወፈየ ገንዘብ ሰሪቑ እዩ። ከም ሓቂ፡ ተወሳኺ ገንዘብ ኪሰርቕ ደልዩ ኽነሱ፡ ብዛዕባ ድኻታት ከም ዚሓሊ ኣምሲሉ ተዛሪቡ እዩ። (ዮሃንስ 12:4-8) ልቢ ይሁዳ በቲ ግጉይ መገዲ ንምምልላስ ምስ ሓለነ፡ ንየሱስ ብ30 ብሩር ኣሕሊፉ ኺህቦ ወሲኑ እዩ። ይሁዳ ነቲ ዝገበሮ ብሓቂ ኺንስሓሉ ኸም ዘይክእል የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ስለዚ ኸኣ፡ “ወዲ ጥፍኣት” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (ዮሃንስ 17:12) እዚ ድማ ይሁዳ ምስ ሞተ ንሓዋሩ ኸም ዚጠፍእን ተስፋ ትንሳኤ ኸም ዘይህልዎን የመልክት።—ማርቆስ 14:21።
ይሁዳ ብዛዕባ እቲ ሓጢኣቱ፡ ናይ ብሓቂ ኣይተነስሐን። ንኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ነቶም ምስኡ ውዲት ዝኣለሙ መራሕቲ ሃይማኖት እዩ ተናዚዙ።—ማቴዎስ 27:3-5፣ 2 ቈረንቶስ 7:10።