ኤርምያስ ትሕዝቶ 1 ኤርምያስ ነብዪ ዀይኑ ተሸመ (1-10) ራእይ ኦም ለውዚ (11, 12) ራእይ ቍራዕ (13-16) ኤርምያስ ንመዝነቱ መተባብዒ ተዋህቦ (17-19) 2 እስራኤል ንየሆዋ ሓዲጎም ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዱ (1-37) እስራኤል ከም ጓና ተኽሊ ወይኒ ዀነት (21) ወሰናስን ክዳና ብደም ተጸየቐ (34) 3 ደረጃ ኽሕደት እስራኤል (1-5) እስራኤልን ይሁዳን ብዝሙት በደልቲ ዀና (6-11) ጻውዒት ንስሓ (12-25) 4 ንስሓ በረኸት የምጽእ (1-4) ጥፍኣት ካብ ሰሜን ኪመጽእ እዩ (5-18) ኤርምያስ ብዚመጽእ ጥፍኣት እተሰምዖ ስቓይ (19-31) 5 እቲ ህዝቢ ተግሳጽ የሆዋ ምቕባል ኣበየ (1-13) ኪጠፍኡ፡ ግናኸ ጠሪሶም ኣይኪጸንቱን እዮም (14-19) የሆዋ ነቲ ህዝቢ ተሓታቲ ኺገብሮ እዩ (20-31) 6 ከበባ የሩሳሌም ቀረበ (1-9) ነድሪ የሆዋ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም (10-21) ሰላም ዘየልቦስ፡ “ሰላም!” ይብሉ (14) ካብ ሰሜን ዚመጹ ጨካናት ወረርቲ (22-26) ኤርምያስ መርማሪ ብረት ይኸውን (27-30) 7 ብቤተ መቕደስ የሆዋ ዚእመንዎ ናይ ሓሶት እምንቶ (1-11) እታ ቤተ መቕደስ ከም ሺሎ ኽትከውን እያ (12-15) ልባዊ ዘይኰነ ኣምልኾ ተዀነነ (16-34) “ንንግስቲ ሰማይ” ኣምለኽዋ (18) ኣብ ሂኖም እተገብረ መስዋእቲ ውሉዳት (31) 8 እቲ ህዝቢ ህቡብ መገዲ ሓረየ (1-7) ንቓል የሆዋ ንዒቕካስ እንታይ ጥበብ ኣሎ፧ (8-17) ኤርምያስ ብውድቀት ይሁዳ ሓዘነ (18-22) “በለሳንዶ ኣብ ጊልዓድ የልቦን እዩ፧” (22) 9 ዓሚቝ ጓሂ ኤርምያስ (1-3ሀ) የሆዋ ንይሁዳ ተሓታቲ ኺገብሮ እዩ (3ለ-16) ንይሁዳ እተደጕዓሉ ድጕዓ (17-22) ንየሆዋ ብምፍላጡ ይመካሕ (23-26) 10 ኣማልኽቲ ኣህዛብ ምስቲ ህያው ኣምላኽ ኪነጻጸሩ ኸለዉ (1-16) ኣንጸላልዩ ዘሎ ጥፍኣትን ምርኮን (17, 18) ኤርምያስ ጐሃየ (19-22) ጸሎት ነብያት (23-25) ሰብ ስጕምቱ ኬቕንዕ ኣይክእልን (23) 11 ይሁዳ ምስ ኣምላኽ ዝኣተዎ ኺዳን ኣፍረሰ (1-17) ኣማልኽትኻ ኽንዲ ኸተማታትካ (13) ኤርምያስ ናብ ማሕረዲ ምስ ዚውሰድ ገንሸል ተመሳሰለ (18-20) ንኤርምያስ ካብ ደቂ ዓዱ ዘጋጠሞ ምጽራር (21-23) 12 ጥርዓን ኤርምያስ (1-4) ምላሽ የሆዋ (5-17) 13 እታ ቕናት በፍታ ተበላሸወት (1-11) ኣጋንእ ወይኒ ኺስበር እዩ (12-14) እታ ዘይትዕረ ይሁዳ ናብ ምርኮ ኽትውሰድ እያ (15-27) ‘ኩሻዊዶ ቘርበቱ ኺልውጥ ይኽእል እዩ፧’ (23) 14 ደርቅን ጥሜትን ሰይፍን (1-12) ናይ ሓሶት ነብያት ተዀነኑ (13-18) ኤርምያስ፡ ሓጢኣት እቲ ህዝቢ ተኣመነ (19-22) 15 የሆዋ ንፍርዱ ኣይኪቕይሮን እዩ (1-9) ጥርዓን ኤርምያስ (10) ምላሽ የሆዋ (11-14) ጸሎት ኤርምያስ (15-18) ቃላት ኣምላኽ ምብላዕ ዜምጽኦ ደስታ (16) የሆዋ ንኤርምያስ ኣተባብዖ (19-21) 16 ኤርምያስ ከይምርዖ፡ ከይሓዝን፡ ወይ ናብ ድግስ ከይከይድ ተነግሮ (1-9) መቕጻዕትን ምምላስን (10-21) 17 ሓጢኣት ይሁዳ ሱር ዝሰደደ እዩ (1-4) ብየሆዋ ዚእመን ዚረኽቦ በረኸት (5-8) ጠላም ልቢ (9-11) የሆዋ፡ ተስፋ እስራኤል (12, 13) ጸሎት ኤርምያስ (14-18) ንሰንበት ምቕዳስ (19-27) 18 ካይላ ኣብ ኢድ ሰራሕ ካይላ (1-12) የሆዋ ንእስራኤል ዝባኑ መለሰሉ (13-17) ንኤርምያስ እተኣልመሉ ውዲት፣ ልማኖኡ (18-23) 19 ኤርምያስ ሳርማ ኺሰብር ተነግሮ (1-15) ደቆም ንበዓል ሰዊኦም (5) 20 ጳሽሑር ንኤርምያስ ወቕዖ (1-6) ኤርምያስ ስብከት ደው ኬብል ኣይከኣለን (7-13) መልእኽቲ ኣምላኽ ከም ዚነድድ ሓዊ (9) የሆዋ ኸም ዜፍርህ ጅግና (11) መረረት ኤርምያስ (14-18) 21 የሆዋ ንጼዴቅያስ ከም ልማኖኡ ኣይገበረሉን (1-7) እቲ ህዝቢ ኻብ ህይወትን ሞትን ሓዲኡ ይሕረ (8-14) 22 ናብ ክፉኣት ነገስታት እተላእከ መልእኽቲ ፍርዲ (1-30) ናብ ሻሉም (10-12) ናብ ዮያቂም (13-23) ናብ ኮንያ (24-30) 23 ሕያዎት ጓሶትን ክፉኣትን (1-4) ኣብ ትሕቲ እቲ “ጻድቕ ብቋል” ዚርከብ ደሓን (5-8) ናይ ሓሶት ነብያት ተዀነኑ (9-32) “ጾር” የሆዋ (33-40) 24 ጽቡቕ በለስን ሕማቕ በለስን (1-10) 25 የሆዋ ምስ ኣህዛብ ዘለዎ ነገር (1-38) ኣህዛብ ንባቢሎን 70 ዓመት ኪግዝእዋ እዮም (11) ጽዋእ ወይኒ ቝጥዓ ኣምላኽ (15) መዓት ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ የስፋሕፍሕ (32) ብየሆዋ እተቐትሉ (33) 26 ንኤርምያስ፡ “ክትመውት ኢኻ” ኢሎም ኣፈራርህዎ (1-15) ኤርምያስ ተናሕፈ (16-19) ትንቢት ሚክያስ ተጠቕሰ (18) ነብዪ ኡርያ (20-24) 27 ኣርዑት ባቢሎን (1-11) ንጼዴቅያስ፡ ንባቢሎን ኪግዛእ ተነግሮ (12-22) 28 ኤርምያስ ምስቲ ናይ ሓሶት ነብዪ ዝዀነ ሓናንያ እተመላለሶ ቓል (1-17) 29 ኤርምያስ ናብቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ምሩኻት ዝለኣኻ ደብዳበ (1-23) እስራኤል ድሕሪ 70 ዓመት ኪምለስ እዩ (10) ናብ ሸማዕያ እተላእከ መልእኽቲ (24-32) 30 ተስፋታት ምምላስን ምሕዋይን (1-24) 31 ተረፍ እስራኤል ኣብታ ምድሪ መሊሱ ኺሰፍር እዩ (1-30) ራሄል ንደቃ ትበኽየሎም (15) ሓድሽ ኪዳን (31-40) 32 ኤርምያስ ግራት ዓደገ (1-15) ጸሎት ኤርምያስ (16-25) ምላሽ የሆዋ (26-44) 33 ተስፋ ምምላስ (1-13) ኣብ ትሕቲ እቲ “ጻድቕ ብቋል” ዚርከብ ደሓን (14-16) ምስ ዳዊትን ካህናትን እተኣትወ ኺዳን (17-26) ንመዓልትን ንለይትን ዚምልከት ኪዳን (20) 34 ንጼዴቅያስ እተነግሮ መልእኽቲ ፍርዲ (1-7) ንባሮት ሓራ ንምግባር እተኣትወ ኺዳን ፈረሰ (8-22) 35 ሬካባውያን ኣብነታዊ ተኣዛዝነት ኣርኣዩ (1-19) 36 ኤርምያስ እናተዛረበ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኣጽሓፈ (1-7) ባሩኽ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ዓው ኢሉ ኣንበባ (8-19) ዮያቂም ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኣንደዳ (20-26) እቲ መልእኽቲ ኣብ ሓዳስ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ተጻሕፈ (27-32) 37 ከለዳውያን ንግዜኡ ኣንሰሓቡ (1-10) ኤርምያስ ተኣስረ (11-16) ጼዴቅያስ ምስ ኤርምያስ ተራኸበ (17-21) ንኤርምያስ እንጌራ ይውሃቦ ነበረ (21) 38 ኤርምያስ ናብ መዕቘር ማይ ተደርበየ (1-6) ዔቤድ-ሜሌክ ንኤርምያስ ኣድሓኖ (7-13) ኤርምያስ ንጼዴቅያስ፡ ኢዱ ኺህብ ተማሕጸኖ (14-28) 39 ውድቀት የሩሳሌም (1-10) ጼዴቅያስ ሃደመ፡ ድሕሪኡ ተታሕዘ (4-7) ንኤርምያስ ክንክን ኪግበረሉ ትእዛዝ ተዋህበ (11-14) ህይወት ዔቤድ-ሜሌክ ክትድሕን ምዃና ተነግረ (15-18) 40 ነቡዛራዳን ንኤርምያስ ፈትሖ (1-6) ገዳልያ ኣብ ልዕሊ እታ ምድሪ ተሸመ (7-12) ንገዳልያ እተኣልመሉ ውዲት (13-16) 41 እስማኤል ንገዳልያ ቐተሎ (1-10) ዮሓናን ንእስማኤል ኣህደሞ (11-18) 42 እቶም ህዝቢ ንኤርምያስ፡ መምርሒ ንምርካብ ኪጽልየሎም ሓተትዎ (1-6) የሆዋ፡ “ናብ ግብጺ ኣይትኺዱ” ኢሉ መለሰሎም (7-22) 43 እቶም ህዝቢ ምእዛዝ ኣብዮም ናብ ግብጺ ኸዱ (1-7) ኣብ ግብጺ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል የሆዋ (8-13) 44 ኣብ ግብጺ ናብ ኣይሁድ መዓት ከም ዚመጽእ ተነግረ (1-14) እቶም ህዝቢ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም መጠንቀቕታ ኣይሰምዑን (15-30) “ንንግስቲ ሰማይ” ኣምለኽዋ (17-19) 45 ካብ የሆዋ ናብ ባሩኽ እተላእከ መልእኽቲ (1-5) 46 ኣንጻር ግብጺ እተዘርበ ትንቢት (1-26) ግብጺ ብነቡካድነጻር ክትስዓር እያ (13, 26) ንእስራኤል እተዋህበ ተስፋታት (27, 28) 47 ኣንጻር ፍልስጥኤማውያን እተዘርበ ትንቢት (1-7) 48 ኣንጻር ሞኣብ እተዘርበ ትንቢት (1-47) 49 ኣንጻር ዓሞን እተዘርበ ትንቢት (1-6) ኣንጻር ኤዶም እተዘርበ ትንቢት (7-22) ኤዶም ደጊም ህዝቢ ኣይኪኸውንን እዩ (17, 18) ኣንጻር ደማስቆ እተዘርበ ትንቢት (23-27) ኣንጻር ቄዳርን ሓጾርን እተዘርበ ትንቢት (28-33) ኣንጻር ዔላም እተዘርበ ትንቢት (34-39) 50 ኣንጻር ባቢሎን እተዘርበ ትንቢት (1-46) ካብ ባቢሎን ህደሙ (8) እስራኤል ኪምለስ እዩ (17-19) ማይ ባቢሎን ኪነቅጽ እዩ (38) ባቢሎን ነባሪ ኣይኪህልዋን እዩ (39, 40) 51 ኣንጻር ባቢሎን እተዘርበ ትንቢት (1-64) ባቢሎን ብሃንደበት ኣብ ኢድ ሜዶናውያን ክትወድቕ እያ (8-12) መጽሓፍ ናብ ኤፍራጥስ ተደርበየት (59-64) 52 ጼዴቅያስ ካብ ባቢሎን ዓለወ (1-3) ነቡካድነጻር ንየሩሳሌም ከበባ (4-11) ጥፍኣት እታ ኸተማን እታ ቤተ መቕደስን (12-23) እቲ ህዝቢ ናብ ባቢሎን ተማሪኹ ተወስደ (24-30) ዮያኪን ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈትሐ (31-34)