ኤርምያስ
14 እቲ ብዛዕባ ደርቂ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል የሆዋ እዚ እዩ፦+
2 ይሁዳ ትሓዝን ኣላ፣+ ኣፍ ደገታታ ድማ ጸምልዮም ኣለዉ።
ጕህዮም ኣብ ምድሪ ወዲቖም ኣለዉ፣
ካብ የሩሳሌም ከኣ ኣውያት ይወጽእ ኣሎ።
3 ጐይተታ ንገላዉኦም* ማይ ኬምጽኡ ይልእኽዎም።
ናብ ጐዳጕዲ ማይ* ከይዶም፡ ማይ ኣይረኽቡን።
ንኣቕሑኦም ጥራዩ ሒዞምዎ ኸኣ ይምለሱ።
ሓፊሮምን ሓኒኾምን ኣለዉ፣
ርእሶም ከኣ ይጕልብቡ ኣለዉ።
5 ሳዕሪ ስለ ዘየልቦ፡
እራብ መሮር እኳ ንማሕስኣ ትሓድግ።
6 ኣእዱግ በረኻ ኣብ መላጥ ኵርባታት ደው ይብላ።
7 ስሕተትና ዚምስክረልና እኳ እንተ ዀነ፡
ኦ የሆዋ፡ ምእንቲ ስምካ ኢልካ ግበር።+
ጥልመትናስ ብዙሕ እዩ፣+
ንዓኻ ኸኣ ኢና በዲልና።
9 ስለምንታይ ኢኻ ኸም እተዓንደ ሰብ፡
ኬድሕን ከም ዘይክእል ጅግና ዝዀንካ፧
ኣይትሕደገና።
10 የሆዋ ብዛዕባ እዚ ህዝቢ እዚ ኸምዚ ይብል፦ “ኰለል ምባል ይፈትዉ እዮም፣+ ንኣእጋሮም ኣይቀየድወንን።+ ስለዚ፡ የሆዋ ብኣታቶም ባህ ኣይብሎን እዩ።+ ሕጂ ንስሕተቶም ኪዝክሮ፡ ብሓጢኣቶም ከኣ ተሓተትቲ ኺገብሮም እዩ።”+
11 የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “ንጽቡቕ እዚ ህዝቢ እዚ ኣይትጸሊ።+ 12 ብሰይፍን ብጥሜትን ብለበዳን* ከጥፍኦም እየ እሞ፡+ ኪጾሙ ኸለዉ፡ ልማኖኦም ኣይሰምዕን እየ፣+ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ኬቕርቡ ኸለዉ፡ ብእኡ ባህ ኣይብለንን እዩ።”+
13 ኣነ ኸኣ፡ “ኣየ፡ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ! እንሆ፡ ነብያት፡ ‘ኣብዛ ቦታ እዚኣ ናይ ሓቂ ሰላም ክህበኩም እየ እምበር፡ ሰይፊ ኣይትርእዩን፡ ጥሜት እውን ኣይኪመጸኩምን እዩ’ ይብልዎም ኣለዉ” በልኩ።+
14 የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “እቶም ነብያት ብስመይ ሓሶት ይንበዩ ኣለዉ።+ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን፡ ኣይኣዘዝክዎምን፡ ኣይተዛረብክዎምን።+ ናይ ሓሶት ራእያትን ከንቱ ጥንቈላን ተንኰል ልቦምን ደኣ ይንበዩልኩም ኣለዉ።+ 15 ስለዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ እቶም ኣነ ዘይለኣኽክዎም፡ ኣብታ ምድሪ ሰይፊ ዀነ ጥሜት ኣይኪኸውንን እዩ ዚብሉ ብስመይ ዚንበዩ ነብያት ከምዚ ይብል፦ ‘እዞም ነብያት እዚኦም፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ኪጠፍኡ እዮም።+ 16 ነቶም እተነበዩሎም ህዝቢ ኸኣ፡ እቲ ዚግብኦም መዓት ክኽዕወሎም እየ እሞ፡+ ብሰሪ እቲ ጥሜትን ሰይፍን፡ ንሳቶምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ዚቐብሮም ዘይብሎም+ ኣብ ጐደናታት የሩሳሌም ኪድርበዩ እዮም።’
17 “ነዚ ቓላት እዚ ተዛረቦም፣
‘ድንግል ጓል ህዝበይ ምሉእ ብምሉእ ተጨፍሊቓን ተሰይራን፡+
ኣዝዩ ብርቱዕ ቍስሊ ኸኣ ቈሲላ እያ እሞ፡
ኣዒንተይ ለይትን መዓልትን ከየቋረጻ ንብዓት የውሕዛ።+
18 ናብ መሮር እንተ ወጺአ፡
እንሆ፡ እቶም ብሰይፊ እተቐትሉ እርኢ ኣለኹ!+
ናብ ከተማ እንተ ኣትየ፡
ብጥሜት ዝሓመሙ እርኢ ኣለኹ!+
እቶም ነብያትን ካህናትንሲ ናብ ዘይፈልጥዋ ምድሪ ዞይሮም።’”+
19 ካንዶ ንይሁዳ ጠሪስካ ደርቢኻያ ኢኻ፧ ንጽዮንዶኸ ፈንፊንካያ ኢኻ፧*+
ስለምንታይ ከም ዘይንሓዊ ጌርካ ወቒዕካና፧+
ንሰላም ተስፋ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ጽቡቕ ኣይመጸን፣
ንግዜ ምሕዋይ ተስፋ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ሽበራ ዀይኑ!+
21 ስለ ስምካ ኢልካ ኣይትደርብየና።+
ነቲ ኽቡር ዝፋንካ ኣይትንዓቆ።
ነቲ ምሳና ዝኣቶኻዮ ኺዳን ዘክር እሞ ኣይተፍርሶ።+
22 ካብቶም ከንቱ ጣኦታት ኣህዛብ ዝናም ኬዝንም ዚኽእልዶ ኣሎ፧
ሰማያትከ ባዕላቶም ብርቱዕ ካፋ ኬኻፍዩ ይኽእሉዶ፧
ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ንስኻ በይንኻዶ ኣይኰንካን፧+
ንስኻ በይንኻ ነዚ ዅሉ ጌርካ ኢኻ እሞ፡
ብኣኻ ተስፋ ንገብር ኢና።