ምዕራፍ 29
ንናብራ ስድራቤት ዕዉት ምግባር
1. (ሀ) ስድራቤት ብኸመይ ተጀመረ፧ (ለ) ዕላማ ኣምላኽ ብዛዕባ ስድራቤት እንታይ ነበረ፧
የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ፈጠሮም ስድራቤት ከቝሙ ኣሕበሮም። (ዘፍጥረት 2:21–24፣ ማቴዎስ 19:4–6) እዞም እተመርዓዉ ሰብኣይን ሰበይትን እዚኦም ተፋርዮም ክበዝሑ ዕላማ ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ። እቶም ደቂ ምስ ዓበዩ ኸኣ ተመርዕዮም ናይ ገዛእ ርእሶም ስድራቤት የቝሙ። ጸኒሑ ድማ ሕጕሳት ስድራቤታት ኣብ ኵሉ ቦታታት ናይ ምድሪ ክነብሩ ዕላማ ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ። ንዅላ ምድሪ ሓንቲ ውቅብቲ ገነት ክገብርዋ ነበሮም።—ዘፍጥረት 1:28
2, 3. (ሀ) ስለምንታይ ኢዩ ኣምላኽ ብናይ ስድራቤት ውድቀት ዘይሕመ፧ (ለ) ዕዉት ናብራ ስድራቤት ክህልወካ እንታይ የድሊ፧
2 ይኹን እምበር ሎሚ ስድራቤታት ይበታተና ኢየን ዘለዋ: እተን ገና ብሓደ ዘለዋ ኸኣ ሕጕሳት ኣይኰናን። ስለዚ ሓደ ሰብ ከምዚ ኢሉ ክሓትት ይኽእል ኢዩ:- ‘ስድራቤት ብሓቂ ብኣምላኽ እተገብረ እንተደኣ ኰይኑ ዝሓሸ ፍረዶ ክንጽበ ኣይግብኣናን፧’ ዝዀነ ዀይኑ ብናይ ስድራቤት ውድቀት ኣምላኽ ኣይሕመን ኢዩ። ንኣብነት ሓደ ኣቑሑ ዝሰርሕ ሰብ ነቲ ናውቲ ከመይ ገይርካ ከም እተዘውትሮ መምርሒ ይህብ። እቲ ዓዳጊ ነቲ መምርሒ ስለ ዘይተጠቕመሉ እቲ ናውቲ እንተ ተበላሸወ ናይቲ ሰራሒ ጕድለት ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይኰነን። እቲ ኣቕሓ ካብቲ ዝበለጸ ዓይነት እኳ እንተ ዀነ ከምቲ ዝግብኦ ገይርካ እንተደኣ ዘየዘውተርካዮ ከም ዝበላሾ ፍሉጥ ኢዩ። ኣብ ስድራቤትውን ከምኡ ኢዩ።
3 የሆዋ ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናብራ ስድራቤት ዝምልከት መምርሒ ሂቡና ኣሎ። እዚ መምርሒ እዚ ሸለል ምስ ዝበሃልከ እንታይ ይኸውን፧ ኣሰራርዓ ስድራቤት ፍጹም እኳ እንተዀነ ክብተን ግን ይኽእል ኢዩ። ሽዑ እቶም ኣባላት ስድራቤት ኣይሕጐሱን። በቲ ሓደ ወገን ከኣ እታ ስድራቤት በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተሓንጺጹላ ዘሎ መምርሒ ምስ እትመላለስ: እዚ ዕዉትን ሕጕስን ዝዀነ ስድራቤት ይሃንጽ። ኣምላኽ ነቶም እተፈላለዩ ኣባላት ስድራቤት ከመይ ገይሩ ከም ዝፈጠሮም ንነፍሲ ወከፎምውን እንታይ ግደ ከም ዝሃቦም ምፍላጡ ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ።
ኣምላኽ ነቲ ሰብኣይን ነታ ሰበይትን ብኸመይ ከም ዝፈጠሮም
4.(ሀ) ኣብ ሞንጎ ሰብኡትን ኣንስትን ከመይ ዝበለ ፍልልይ ኢዩ ዘሎ፧ (ለ) ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልልይ ዝፈጠረ ስለምንታይ ኢዩ፧
4 የሆዋ ኣምላኽ ንሰብኡትን ኣንስትን ሓደ ዓይነት ገይሩ ከም ዘይፈጠሮም ግሁድ ኢዩ። ሓቂ ኢዩ ብብዙሕ ወገናት ይመሳሰሉ ኢዮም። እንተዀነ ግን ኣብ ኣካላዊ ትርኢቶምን ጾታዊ ኣሰራርሓኦምን እተፈላለዩ ከም ዝዀኑ ርዱእ ኢዩ። እተፈላለየ ስምዒታዊ ባህርያት ኣለዎም። ስለምንታይከ ኢዮም ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልልይ ዘለዎም፧ ኣምላኽ ከምኡ ገይሩ ዝፈጠሮም ነፍሲ ወከፎም እተፈልየ ከም ዝገብሩ ግደ ኽገብሩ ንምኽኣል ኢዩ። ኣምላኽ ነቲ ሰብኣይ ምስ ፈጠሮ ከምዚ በለ:- “ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን: ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት [ከም መመላእታኡ ትሓዓ ] ክገብረሉ እየ።”—ዘፍጥረት 2:18
5. (ሀ) ሰበይቲ ንሰብኣይ “መመላእታኡ” ዝዀነት ብኸመይ ኢያ፧ (ለ) እቲ ቀዳማይ መርዓ ኣበይ ኢዩ እተፈጸመ፧ (ሐ) ከመይ ኢሉ ኢዩኸ መርዓ ሓደ ዘሐጕስ ስርዓት ክኸውን ዝኽእል፧
5 መመላእታ ዝገጥም ነገር ወይ ከኣ ምስ ሓደ ኻልእ ነገር ዝሰማማዕ እሞ: ምሉእ ከኣ ዝገብሮ ማለት ኢዩ። ኣምላኽ ንሰብኣይ ነቲ ተፋሪኹም ንምድሪ ምልእዋን ተኸናኸንዋን ኢሉ ዝሃቦ ትእዛዝ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ እትድግፎ ብቕዕቲ መጋጥምቲ ሰበይቲ ሃቦ። ኣምላኽ ካብ መሰንገለ እቲ ሰብኣይ ወሲዱ ነታ ሰበይቲ ምስ ፈጠራ ‘ናብኡ ኣምጽኣ እሞ’ እቲ ቐዳማይ መርዓ ኣብ ገነት ኤደን ተፈጸመ። (ዘፍጥረት 2:22፣ 1 ቈረንቶስ 11:8, 9) ሰብኣይን ሰበይትን እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኣብ ንሓድሕዶም ደድልየቶም ከርውዩ ብዝኽእልሉ መገዲ ስለ እተፈጥሩስ መርዓ ንኣታቶም ዘሐጕስ ስርዓት ኢዩ። እቲ በበይኑ ዝዀነ ባህርያቶም ድማ ንሓድሕዶም የሰማምዖም። ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ንሓድሕዶም ዝረዳድኡን ዝማሳገኑን ምስ ዝዀኑ ከምኡ እውን በቲ እተዋህቦም ግደ ዝደጋገፉ ምስ ዝዀኑ ነፍሲ ወከፎም: ሕጕስቲ ስድራቤት ንምህናጽ እጃሞም ይገብሩ።
ግደ ናይ በዓል ቤት
6. (ሀ) (ሀ) ርእሲ ናይታ ስድራቤት ክኸውን እተመዘዘ መን ኢዩ፧ (ለ) እዚ ግቡእን ንቡርን ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
6 መርዓ ወይ ድማ ስድራቤት መምርሒ የድልዮ ኢዩ። እቲ ሰብኣይ ብዝያዳ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መሪሕነት ብዝበቅዕ ባህርያትን ሓይልን ኢዩ ተፈጢሩ። ስለዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ . . . ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ።” (ኤፌሶን 5:23) እዚ ተግባራዊ ኢዩ: ምኽንያቱ መሪሕነት እንተዘየለ ሽግርን ዕግርግርን ኣሎ። ርእሲ ዘይብላ ስድራቤት ከም መዘወሪ ዘይብላ መኪና ምዝዋር ክምሰል ይኽእል። ከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ኣብቲ ምምራሕ ናይታ ስድራቤት ክትወዳደሮ ምስ እትህቅንሲ ኣብ ሓንቲ መኪና ክልተ ዘወርቲ ከም ዘለዉ እሞ: ነፍሲ ወከፎም ድማ መመዘወሪኦም ሒዞም ናብ እተፈላለየ ዝመርሕዋ ክመስል ይኽእል።
7. (ሀ) ገሊአን ኣንስቲ ነቲ ርእስነት ናይ ሰብኣይ ዘይፈትውኦ ስለምንታይ ኢየን፧ (ለ) ነፍሲ ወከፍ ኣብ ልዕሊኡ ርእሲ ኣለዎዶ: ናይ ኣምላኽ ናይ ርእስነት ምድላው ጥበብ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
7 ይኹን እምበር ብዙሓት ኣንስቲ ነቲ ሰብኣይ ከም ርእሲ ናይ ስድራቤት ኰይኑ ክመርሕ ዝብል ሓሳብ ፈጺመን ኣይቅበላኦን ኢየን። ሓደ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ብዙሓት ሰብኡት ነቲ ርእሲ ንምዃን ብኣምላኽ እተዋህቦም መምርሒ ስለ ዘይስዕብዎ ኢዩ። ዝዀነ ዀይኑ ሓንቲ ማሕበር ብጽቡቕ ምእንቲ ክትዓይስ ሓደ መራሕን ናይ ዝዀነ ተግባራታውን ናይ መወዳእታ ውሳኔ ዝህብን ሰብ ከም ዘድሊ ፍሉጥ ነገር ኢዩ። ስለ ዝዀነውን መጽሓፍ ቅዱስ ብጥበብ “ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ: ርእሲ ሰበይቲ ሰብኣይ: ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ” ይዛረብ። (1 ቈረንቶስ 11:3) ኣብ ስርዓት ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ ርእሲ ዘይብሉ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ። ካልኦት ግን ኵሎም ሰብኣይ: ሰበይቲ: የሱስ ክርስቶስውን ከይተረፈ ንመሪሕነት ናይ ካልኦት ክእዘዙን ነቲ ክገብርዎ እተወሰነሎምውን ክቕበሉን ኣለዎም።
8. (ሀ) ሰብኡት ርእስነት ከዘውትሩ ኸሎዉ ናይ መን ኣብነት ኢዮም ክኽተሉ ዘለዎም፧ (ለ) ሰብኡት ካብቲ ኣብነት እቲ እንታይ ኢዮም ክማሃሩ ዘለዎም፧
8 እዚውን ሰብኡት ነቲ ከም በዓል ቤት ዘለዎም ግደ ክፍጽሙ ኸሎዉስ ንሳቶምውን ብወገኖም ርእስነት ናይ ክርስቶስ ክቕበልዎ ኣለዎም። ከምኡውን ልክዕ ከምቲ የሱስ ኣብ ርእሲ እታ ናይ ሰዓብቱ ማሕበር ዝገብሮ: ኣብ ኣንስቶም ርእስነት ከዘውትሩ ከለዉ ኣብነቱ ክስዕቡ ኣለዎም። ክርስቶስ ምስቶም ምድራውያን ሰዓብቱ ብኸመይ ተመላለሰ፧ ኵሉ ግዜ ብሕያውነትን ሓልዮትን ዘለዎ መገዲ ኢዩ ዝመርሖም ነይሩ። ነቲ መምርሒኡ ንምቕባል ዝሑላት እኳ እንተ ነበሩ ፈጺሙ ትርን ቍጥዓን ኣርእይዎም ኣይፈልጥን። (ማርቆስ 9:33–37፣ 10:35–45፣ ሉቃስ 22:24–27፣ ዮሃንስ 13:4–15) ምእንታኦም ፈትዩ ህይወቱ እኳ ደኣ ሃበ። (1 ዮሃንስ 3:16) ሓደ ክርስትያን በዓል ቤት ነቲ ኣብነት ናይ ክርስቶስ ተጠንቂቑ ከጽንዖ እሞ: ብዝከኣሎ መጠንውን ኣብቲ ምስ ስድራ ቤቱ ዝገብሮ ምምልላስ ክስዕቦ ይግባእ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ጨቋንን ስሱዕን ዘይሓልን ርእሲ ስድራቤት ኣይከውንን።
9. (ሀ) ብዙሓት ኣንስቲ እንታይ ኢለን ኢየን ዘጕረምርማ፧ (ለ) ሰብኡት ርእስነት ከዘውትሩ ኸለዉ ኣብ ኣእምእሮኦም ክሕዝዎ ዘሎዎም እንታይ ኢዩ፧
9 ይኹን እምበር በቲ ሓደ ወገን ሰብኡት ብዛዕባ’ዚ ክሓሰቡ ይግብኦም:- በዓልቲ ቤትካ ከም ርእሲ ናይታ ስድራቤት ኴንካ ኣይትዓይን ኢኻ ኢላዶ ተጕረምርመልካ ኢያ፧ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ክፍጸም ዘለዎ ናይ ስድራቤት ንጥፈታት ምምዳብ ከምኡውን ናይ መወዳእታ ውሳኔ ንምውሳን ዘሎ ሓላፍነት ምዝውታር መሪሕ ኣይትወስድን ኢኻ ትብለካዶ ኢያ፧ እንተዀነ ግን ከም በዓል ቤት መጠን ኣምላኽ ኽትገብሮ ዝደልየካ እዚ ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: ሓሳባትን ድልየትን ናይ ካልኦት ኣባላት ስድራቤት ክትቅበል ጥበብ ኢዩ: ርእስነትካ ከተዘውር ከሎኻውን ነዚ ሓሳባት እዚ ኣብ ግምት ኣእትዎ። ከም ብዓል ቤት መጠን ኣብታ ስድራ እቲ ዝኸበደ ግደ ከም ዘሎካ ፍሉጥ ኢዩ። ነዚ ሓላፍነት’ዚ ክትፍጽሞ ኢልካ ብቕንዕና ምስ እትጽዕትሲ በዓልቲ ቤትካ ደገፋ ከም እተህበካ ርዱእ ኢዩ።—ምሳሌ 13:10፣ 15:22
ግደ ናይ በዓልቲ ቤት
10. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ንኣንስቲ ሓዳር ብኸመይ ክመላለሳ ኢዩ ዝላበወን፧ (ለ) ኣንስቲ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ሸለል ምስ ዝብልኦ እንታይ ኢዩ ከጋጥም ዝኽእል፧
10 መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝብሎ ሰበይቲ ንሰብኣያ ደጋፊቱ ኰይና ኢያ ተፈጢራ። (ዘፍጥረት 2:18) ምስቲ ግደ እቲ ብምስምማዕ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣትን ኣንስቲ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም” ኢሉ ይላቦ። (ኤፌሶን 5:22) ሎሚ ናይ ኣንስቲ ምድፋርን ምስ ሰብኡትውን ምውድዳርን ልሙድ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ኣንስቲ ሓዳር ግን ደፊአን ርእስነት ክወስዳ ምስ ዝፍትና: እቲ ተግባር ሽግር ከም ዘስዕብ ርግጽ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ብዙሓት ሰብኡት ‘ነቲ ቤት ከተመሓድሮ ካብ ደለየት ትኽኣሎ’ ይብሉ።
11. (ሀ) ሰበይቲ ሰብኣያ መሪሕነት ክወስድ ክትድግፎ እትኽእል ከመይ ኢላ ኢያ፧ (ለ) ሰበይቲ ነቲ ብኣምላኽ እተዋህባ ግደ ምስ እትፍጽም እዚ ኣብ ሰብኣያ እንታይ የስዕብ፧
11 ይኹን እምበር ሰብኣይኪ ነቲ ሓላፍነቱ ስለ ዘይፈጸሞ ባዕልኺ ክትገብርዮ ትግደዲ ትዀኒ። እንተዀነ ግን ነቲ ዘለዎ ናይ ስድራቤት ሓላፍነት ክፍጽም ክትድግፍዮ ዝያዳ ክትገብሪ ምኸኣልኪዶ፧ መሪሕነቱ ከም እትጽበዪ ተርእይዮዶ፧ ሓሳብን መሪሕነትን ትሓትዮዶ ኢኺ፧ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ነቲ ዝገብሮ ዘበለ ከይተቋናጽብዮ ትጥንቀቒዶ፧ ነቲ ብኣምላኽ ኣብ ስድራቤትኪ ክትገብርዮ እተዋህበኪ ግደ ብዝግባእ እንተደኣ ፈጺምክዮስ ሰብኣይኪውን ሓላፍነቱ ክጸውር ይጅምር ይኸውን።—ቈሎሴ 3:18, 19
12. ኣንስቲ ምንም እኳ ሓሳበን ምስቲ ናይ ሰብኡተን ዘይሰማማዕ እንተ ዀነ ርእይቶአን ከቕርባ ከም ዘለወን ዘረድኣና እንታይ ኢዩ፧
12 እዚ ማለት ግን ሰበይቲውን ሓሳባታ ካብቲ ናይ ሰብኣያ እተፈልየ ምስ ዝኸውን ርእይቶኣ ክትገልጽ ኣይግባኣን ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ልክዕ ዝዀነ ኣረኣእያ ክህልዋ ይኽእል: በዓል ቤታ ጽን ኢሉ ምስ ዝሰምዓውን ስድራቤት ክትጥቀም ትኽእል ኢያ። ሳራ ሰበይቱ ንኣብርሃም ንሰብኣያ ምእዝዝቲ ስለ ዝነበረት ንክርስትያናት ኣንስቲ ሓዳር ከም ኣብነት ተጠቒሳ ኣላ። (1 ጴጥሮስ 3:1, 5, 6) ምስናይዚ ግን ሳራ ነቲ ኣብ ቤታ እተላዕለ ጸገም መፍትሒ ነገረት: ኣብርሃም ምስማዕ ምስ ኣበየ ኸኣ ኣምላኽ “ቃላ ስማዕ” በሎ። (ዘፍጥረት 21:9–12) እቲ ሰብኣይ ንሓደ ጉዳይ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ምስ ዝገብር ግን እታ ሰበይቲ ሕጊ ኣምላኽ ዘፍርስ ደኣ ኣይኹን እምበር ክትድግፎ ኢዩ ዘሎዋ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29
13. ሓንቲ ወረጃ በዓልቲ ቤት እንታይ ክትገብር ኢዩ ዝግብኣ: እዚኸ ኣብ ስድራኣ እንታይ የስዕብ፧
13 በዓልቲ ቤት ነቲ እተዋህባ ግደ ብዝግባእ እንተ ኣማሊኣቶ: ስድራ ቤታ ንምእላይ ብዙሕ ክትገብሮ እትኽእል ኣሎ። ንኣብነት: ጥዑም መግቢ ከተዳሉ: ቤታ ጽሩይን እርኑብን ገይራ ክትሕዝ: ኣብ ምምሃር ደቃውን እጃማ ከተበርክት ትኽእል። መጽሓፍ ቅዱስ ንምርዑዋት ኣንስቲ “እቲ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ከይጽረፍሲ ንሰብኡተንን ውሉደንን ኬፍቅራ: ነፍሰን ዚቐጽዓ: ንጹሃት: ቤተን ዚአልያ: ሕያዎት: ንሰብኡተን ዚእዘዛ” ክዀና ኢዩ ዝምዕደን። (ቲቶስ 2:4, 5) እታ ነዚ ኸምዚ ዝበለ ግቡእ እትፍጽም በዓልቲ ቤትን ኣደንሲ ነባሪ ፍቕርን ኣኽብሮትን ካብ ስድራ ቤታ ክትረክብ ኢያ።—ምሳሌ 31:10, 11, 26–28
ውሉዳት ኣብታ ስድራቤት ዘለዎም ቦታ
14. (ሀ) ግቡእ ቦታ ናይ ውሉዳት ኣብታ ስድራ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ቈልዑ ካብቲ ኣብነት ናይ የሱስ እንታይ ኢዮም ክማሃሩ ዝኽእሉ፧
14 የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን “ፍረዩን ተባዝሑን” ኢሉ መምርሒ ሃቦም። (ዘፍጥረት 1:28) እወ: ኣምላኽ ደቂ ክወልዱ ነገሮም። እቶም ውሉዳት ነታ ስድራቤት በረኸት ክዀኑ ነበሮም። (መዝሙር 127:3–5) ኣብ ትሕቲ ሕግን ትእዛዝ ወለዶምን ክዀኑ ስለ ዘለዎም: መጽሓፍ ቅዱስ ንውሉዳት ምስ ባሮት ኢዩ ዘመሳስሎም። (ምሳሌ 1:8፣ 6:20–23፣ ገላትያ 4:1) የሱስውን ቈልዓ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ንወለዱ ይእዘዝ ነበረ። (ሉቃስ 2:51) እዚ ኸኣ ነቲ ዝሃብዎ መምርሒ እናፈጸመ ይእዘዞም ነይሩ ማለት ኢዩ። ኵሎም ውሉዳት ከምኡ እንተደኣ ገይሮም: ንሓጐስ ናይታ ስድራቤት እጃሞም ክገብሩ ኢዮም።
15. ውሉዳት ንወለዶም መብዛሕትኡ ግዜ ጓሂ ልቢ ዝዀንዎም ስለምንታይ ኢዩ፧
15 ሎሚ ግን ውሉዳት ንስድራኦም ኣብ ክንዲ በረኸት ዝዀኑዎም: ምኽንያት ናይ ጓሂ ልቢ ኢዮም ኰይኖም ዘሎዉ። ስለምንታይ ኰን ይኸውን፧ ውሉዳት ይኹኑ ወይስ ወለዲ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናብራ ስድራቤት ዘሎ መምርሒ ኣብ ህይወቶም ንኸይትግብርዎ ስለ ዝሓመቑ ኢዩ። ገለ ካብዞም ሕግታትን ስርዓታትን ናይ ኣምላኽከ እንታይ ኢዮም፧ እስከ ገለ ካብኣቶም ኣብዚ ዝስዕብ ዘሎ ገጻት ንመርምሮ። ክንምርምር ከሎና ኸኣ: ምትግባሮም ንሓጐስ ናይ ስድራቤትካ ኣስተዋጽኦ ከም ዝገብር እንተ ዘይተሰማሚዑካ ርአ።
ንሰበይትኻ ኣፍቅራን ኣኽብራን
16. ሰብኡት እንታይ ክገብሩ ኢዮም ተኣዚዞም ዘለዉ: እዚ ትእዛዛት እዚኸ ከመይ ኢሉ ኢዩ ብግቡእ ኣብ ግብሪ ዝውዕል፧
16 መጽሓፍ ቅዱስ ብመለኮታዊ ጥበብ ገይሩ “ሰብኡትውን ከምኡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ” ይብል። (ኤፌሶን 5:28–30) ካብ ተሞኵሮ ከም ዝረኣናዮ በዓልቲ ቤት ሕጕስቲ ምእንቲ ክትከውን ትፍቀር ከም ዝዀነት ክስምዓ ኣለዎ። እዚ ድማ በዓል ቤት ንበዓልቲ ቤቱ ፍሉይ ምግዳስን ምርዳእን ምጽንናዕን እውን ክህባ ይግብኦ ማለት ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝብሎውን ‘ከኽብራ’ ይግብኦ። እዚ ኸኣ ኣብ ኵሉ እቲ ዝገብሮ ዘበለ ንዓኣ ኣብ ግምት ብምእታው ይገብሮ። በዚ መገዲ እዚ ድማ ንሳውን ብወገና ከተኽብሮ ኢያ።—1 ጴጥሮስ 3:7
ንሰብኣይኪ ኣኽብርዮ
17. ኣንስቲ እንታይ ክገብራ ኢየን ተአዚዘን ዘለዋ: ነዚኸ ብኸመይ ኢየን ዝገብርኦ፧
17 ብዛዕባ ኣንስቲኸ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “እታ ሰበይቲ ንሰብኣያ ዓሚቝ ክብሪ ከተርእዮ ይግብኣ” ይብል። (ኤፌሶን 5:33 ትሓዓ ) ሓደ ኻብቲ በዓል ቤት ምስ በዓልቲ ቤቱ ዘጋጭዎ ቀንዲ ምኽንያት ነዚ ምኽሪ እዚ ሸለል ብምባላ ኢዩ። ሓንቲ በዓልቲ ቤት ንውሳኔታት በዓል ቤታ ብምድጋፍ ከምኡውን እቲ ናይ ስድራቤት ሸቶታት ክብጻሕ ብምሉእ ነፍሳ ብምትሕብባር ኣኽብሮት ተርኢ። ነቲ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ‘ሓጋዚቱን መመላእታኡን’ ክትኰኖ እተዋህባ ግደ ብዝግባእ ገይራ እንተደኣ ፈጺማቶ በዓል ቤታ ንኸፍቅራ ትሕግዞ።—ዘፍጥረት 2:18
ኣብ ንሓድሕድኩም እሙናት ኵኑ
18. ናይ መርዓ ብጾት ኣብ ንሓድሕዶም እሙናት ክዀኑ ዝግብኦም ስለምንታይ ኢዮም፧
18 መጽሓፍ ቅዱስ ‘ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ንሓድሕዶም እሙናት ክዀኑ’ ይእዝዝ። ነቲ ሰብኣይ “በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ . . . ስለምንታይ ጓና ሰበይቲ እተፍቅር፧ ሰበይቲ እማትካስ እትሓቍፍ፧” ይብሎ። (እብራውያን 13:4፣ ምሳሌ 5:18–20 ) እወ: ዝሙት ኣንጻር ሕጊ ኣምላኽ ኢዩ: ኣብ ሓዳርውን ናብ ሽግር ኢዩ ዝመርሕ። ሓንቲ ናይ መርዓ ምርምር እተካይድ “ብዙሓት ሰባት ዝሙት ንሓዳር ከመቅሮ ይኽእል ኢዩ ኢሎም ይሓስቡ” ትብል: ወሲኻ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ግን “ናይ ሓቂ ሽግር ኢዩ” ዘምጽእ ትብል።—ምሳሌ 6:27–29, 32
ንብጻይካ ባህ ከተብሎ ጸዓር
19. ናይ መርዓ ብጾት ካብ ጾታዊ ርክብ እቲ ዝለዓለ ሓጐስ ክረኽቡ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
19 ሓዲኦም ናይ በይኑ ጾታዊ ባህታ ጥራይ ከዕግብ ዝደሊ እንተደኣ ኰይኑ ሓጐስ ክርከብ ኣይክእልን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ከመይ ገይሩ ከም ዘሐጕሶ ምስ ዝጽዕር ኢዩ ዝርከብ። መጽሓፍ ቅዱስ “ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግብኣ ይግበረላ: ከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ” ኢዩ ዝብል። (1 ቈረንቶስ 7:3) ኣብዚ እቲ ምግባር: ወይ ምሃብ ኢዩ ጐሊሑ ዘሎ። ብምሃብ ድማ እቲ ዝህብውን ንርእሱ ናይ ሓቂ ሓጐስ ይረክብ። እወ: ከምቲ የሱስ ክርስቶስ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ዝበሎ ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35
ገዛእ ርእስኻ ንደቅኻ ሃብ
20. ምስ ውሉድካ ሓድሓደ ነገራት ምግባር ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
20 ሓደ ሸሞንተ ዓመት ዝዕድሜኡ ቈልዓ ከምዚ ይብል:- “ኣቦይ ኵሉ ግዜ ኢዩ ዝሰርሕ። ኣብ ቤትውን ፈጺሙ ኣይርከብን ኢዩ። ገንዘብን ብዙሕ መጻወትን ይህበኒ: ገጹ ግን ዳርጋ ኣይረኣኽዎን: አፍቅሮ ኢየ: ኵሉ ግዜ ምእንቲ ክርእዮውን ብዙሕ እንተ ዘይሰርሕ ምፈተኹ ነይረ።” ወለዲ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ንደቆም ኣብ ቤት ኮፍ ምስ በሉ ኣብ መገዲ ክኸዱ ኸሎዉ ኣብ በጥ ምባሎምን ኣብ ምትንሳኦምን ክምህርዎም’ ተዋሂቡዎም ዘሎ ትእዛዝ ኣብ ግብሪ እንተደኣ ኣውዒሎምዎ ናብራ ናይታ ቤት ክሳዕ ክንደይ ኰን ዝሓሸ ምዀነ! ገዛእ ርእስኻ ንደቅኻ ምሃብ: ዝበለጸ ግዜ ምስኦም ምስ እተሕልፍ ንደቅኻ ብብዙሕ መገዲ ክትረብሖም ትኽእል: ከምዚ ምግባር ንሓጐስ ናይታ ስድራ ቤት ኣስተዋጽኦ ከም ዝህልዎ ርግጽ ኢዩ።— ዘዳግም 11:19፣ ምሳሌ 22:6
ዘድሊ ተግሳጽ ሃቡ
21. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ንውሉዳት ምቕጻዕ እንታይ ይብል፧
21 ሰማያዊ ኣቦና ንህዝቡ ዝእርም መምርሒ ወይ ተግሳጽ ብምሃብ ንወለዲ ግቡእ ኣብነት ሰሪዑሎም ኣሎ። ውሉዳት ድማ ተግሳጽ የድልዮም ኢዩ። (እብራውያን 12:6፣ ምሳሌ 29:15) ነዚ ብምፍላጥ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ንወለዲ “ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብዩዎም” ይብሎም። ወለዲ ንደቆም ተግሳጽ ምሃብ: ዋላ እኳ ሸቦጥ: ወይ ከኣ መሰል ምኽላእ እውን እንተ ኣጣመረ ከም ዘፍቅርዎም ዘርኢ መርትዖ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ‘ንውሉዱ ዜፍቅሮ ኣንጊሁ ይቐጽዖ’ ይብለና።—ኤፌሶን 6:4፣ ምሳሌ 13:24፣ 23:13, 14
መንእሰያት—ንዓለማዊ መገድታት ተቓወምዎ
22. መንእሰያት እንታይ ግዴታ ኢዩ ዘለዎም: ምፍጻሙኸ እንታይ ዘጣመረ ኢዩ፧
22 ዓለም መንእሰያት ሕጊ ኣምላኽ ከም ዘፍርሱ ክትገብር ኢያ እትጋደል። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎውን “ንልቢ ቈልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ አሎ።” (ምሳሌ 22:15) ስለዚ ቅኑዕ ነገር ምግባር ቃልሲ ኢዩ። እንተዀነ ግን መጽሓፍ ቅዱስ “ኣቱም ውሉድ: እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ ንወለድኹም ክትእዘዝዎም ክርስትያናዊ ግቡእኩም እዩ” ይብሎም። እዚ ኸኣ ብዙሕ ዓስቢ የምጽእ። ስለዚ ኣቱም ውሉዳት ጥበበኛታት ኵኑ። ነቲ “ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ” ዝብል ምኽሪውን ስምዕዎ። ነቲ ወልፊ ሓሽሽ ስኽራን ምንዝርን ካልእ ኣንጻር ሕጊ ኣምላኽ ዝዀነ ነገራትን ክትገብሩ ፈተና ክበጽሓኩም ከሎ ተቓወምዎ።—ኤፌሶን 6:1–4፣ መክብብ 12:1፣ ምሳሌ 1:10–19፣ ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን
ሓቢርኩም መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዑ
23. ስድራቤታት ሓቢሮም መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽንዖም እንታይ ረብሓ ይረኽቡ፧
23 ሓደ ኣባል ስድራቤት መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዕ ኣብ ግብሪ ድማ ዘውዕሎ ምስ ዝኸውን ንሓጐስ ናይታ ስድራቤት ኣስተዋጽኦ ይገብር። እንተዀነ ግን ብምሉኦም—በዓል ቤት: በዓልቲ ቤት ከምኡውን ቈልዑ—ዝገብርዎ እንተደኣ ኰይኖምሲ ኣየ ከመይ ዝበለት ሕጕስቲ ስድራቤት ኰን ኢያ እትዀኖ! ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት ነቶም ካልኦት ንየሆዋ ከገልግሉ ክሕግዞም ክፍትን ከሎ ምዉቕን ጥብቅን ዝዀነ ዝምድናን ክፉት ርክብን ክህሉ ኢዩ። ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓባር ምጽናዕ ናይ ስድራቤት ልምዲ ግበርዎ!—ዘዳግም 6:4–9፣ ዮሃንስ 17:3
ናይ ስድራቤት ሽግር ብዓወት ምጥጣእ
24. ስለምንታይ ኢዮም ናይ መርዓ ብጾት ኣብ ንሓድሕዶም ጌጋ እኳ እንተ ኣለዎም ሸለል ክብሉ ዘለዎም፧
24 ኣብተን ተሓጒሰን ዝነብራ ስድራቤታትውን ጸጸኒሕካ ግድላት ይለዓል ኢዩ። እዚ ዝዀነሉ ኸኣ ኵላትና ዘይፍጹማትን ጌጋ እንገብርን ስለ ዝዀንና ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኵላትና ብዙሕ ግዜ ንስሕት” ኢና ይብል። (ያእቆብ 3:2) ስለዚ ናይ መርዓ ብጾት ካብ ንሓድሕዶም ፍጽምና ክጽበዩ የብሎምን። ኣብ ክንድኡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ጌጋኡ ከሕልፈሉ ኣለዎ። ስለዚ ዋላ ሓደ ካብቶም ብጾት ፍጹም ዝዀነ ሕጕስ ሓዳር ክጽበ የብሉን: ምኽንያቱ ዘይፍጹማት ሰባት ነዚ ክበጽሕዎ ኣይክእሉን ኢዮም።
25. ከመይ ኢሉ ኢዩ ናይ መርዓ ሽግራት ብፍቕሪ ክፍታሕ ዝኽእል፧
25 ርግጽ ኢዩ በዓል ቤትን በዓልቲ ቤትን ነቲ ሓደ ብጻይ ዝጸልኦ ነገር ንምውጋድ ክዓዩ ይደልዩ ኢዮም። ይኹን እምበር ክሳዕ ክንደይ ይጽዓሩ ብዘየገድስ ሓድሓደ ግዜ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ዘጕህዮ ይገብሩ ኢዮም። እሞኸ: ጸገማት ብኸመይ ክጣጣእ ይግባእ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ” ኢሉ ኢዩ ዝመኽረና። (1 ጴጥሮስ 4:8) እዚ ማለት ድማ ዝፋቐሩ ብጾት ነቲ እተፈጸመ ጌጋታት ዘዘኪሮም ኣይወቓቐሱሉን ኢዮም ማለት ኢዩ። ብሓቂውን ፍቕሪ እንተደኣ ኣልያ ‘እወ ንስኻ ተጋጊኻ ኢኻ: እንተዀነ ግን ንሓንሳእ ኣነውን እጋገ እየ። ስለዚ ኣነ ጌጋኻ ሸለል ክብሎ እየ: ንስኻውን ነቲ ናተይ ሸለል በሎ’ ኢያ እትብል።—ምሳሌ 10:12፣ 19:11
26. ገለ ጸገም ምስ ዝለዓል: ነቲ ጉዳይ ንምጥጣእ እንታይ ይሕግዝ፧
26 ሰብኣይን ሰበይትን ጌጋኦም ክቕበሉ ፍቓደኛታት ምስ ዝዀኑ ከምኡውን ክእርምዎ ምስ ዝፍትኑስ ብዙሕ ቈየቛን ጓሂ ልብን ክውገድ ምተኻእለ ነይሩ። ሸቶኦም ሽግር ምፍታሕ ደኣምበር ኣብቲ ክርክር ምስዓር ክኸውን የብሉን። እቲ ብጻይካ ኣብ ጌጋ እኳ እንተሃለወ ሕያውነት ብምርኣይ ነቲ ሽግር ንምፍታሕ ኣቕልሎ። እንተደኣ ግጉይ ኴንካ: ብትሕትና ምሕረት ጠይቕ። ግዜ ኣይተሕልፍ: ከይደንጔኻ ነቲ ሽግር ኣጣጥኣዮ። “ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም።”—ኤፌሶን 4:26
27. ነየናይ ምኽሪ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ተኸተሉ ኢዮም ናይ መርዓ ብጾት ግድላቶም ክፈትሑ ዝኽእሉ፧
27 ምርዑው እንተደኣ ኴንካ ነቲ “ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዝሔሾ ኣይጠምት” ዝብል ስርዓት ክትስዕብ የድልየካ። (ፊልጲ 2:4) ነቲ “ምሕረት ልቢ ለውሃት ትሕትና ዓቕሊ ትዕግስቲ ልበሱ። ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ ይቕረ ተባሃሃሉ። ከምቲ [የሆዋ ትሓዓ] ይቕረ ዝበለልኩም ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪ [ፍጽምቲ ማእሰር ሕብረት ትሓዓ] እያ እሞ ልበስዋ” ዝብል ትእዛዝ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክትእዘዝ የድልየካ።—ቈሎሴ 3:12–14
28. (ሀ) ፍትሕ ነቲ ኣብ ሓዳር ዝለዓል ሽግር ይፈትሕ ድዩ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ንሓደ ሰብ ተፋቲሑ እንደገና ንኽምርዖ ዘኽእሎ ሓደ ምኽንያት እንታይ ኢዩ ይብል፧
28 ሎሚ ብዙሓት ሰብ ሓዳር ነቲ ኣብ ናብራኦም ዝለዓል ህውከት በቲ ኣምላኽ ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ዝሃቦም ምኽሪ ገይሮም ኣብ ክንዲ ዘደቅስዎ ፍትሕ ይደልዩ። ኣምላኽ ንፍትሕ ከም ሽግር እተደቅሰሉ መገዲ ገይሩዶ ይቕበሎ ኢዩ፧ ኣይፋሉን: ኣይቅበሎን ኢዩ። (ሚልክያስ 2:15, 16) መርዓ ንምሉእ ህይወት ክኸውን ዝኣመሞ ምድላው ኢዩ። (ሮሜ 7:2) መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ሰብ ተፋቲሑ ንክምርዖ ዘፍቅደሉ ሓደ ምኽያት ጥራይ ኢዩ። እዚ ኸኣ ምንዝር (እታ ናይ ግሪኽ ፖርንያ: ዓቢ ጾታዊ ብዕልግና) ኢዩ። ምንዝር እንተደኣ ተፈጺሙ እቲ ንጹህ ብጻይ ፍትሕ ክጥይቕ ወይ ትም ክብል ክውስን ይኽእል ኢዩ።—ማቴዎስ 5:32
29. (ሀ) ናይ መርዓ ብጻይካ ኣብ ክርስትያናዊ ኣምልኾ እንተ ዘይሓበረካ እንታይ ምገበርካ፧ (ለ) ክኸውን ዝኽእል ውጽኢትከ እንታይ ኢዩ፧
29 ናይ መርዓ ብጻይካ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከይገብር እንተ ኣበየ ወይ ድማ ነቲ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ዝጻረር ምስ ዝኸውን እንታይ ይኹን፧ ኣብዚውን እንተዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ብጻይካ ክትነብር እምበር ምፍልላይ ካብ ሽግርካ ክትናገፈሉ እትኽእል ዝቐለለ መገዲ ገይርካ ከይትርእዮ ኢዩ ዘተባብዕ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእስኻ ጠባይ ዝብሎ ብምትግባር: ነቲ ኣብ ቤትካ ዘሎ ኵነታት ንምምሕያሽ ብወገንካ ክትገብሮ እትኽእል ግበር። ሓደ ግዜ ብምኽንያት ክርስትያናዊ ኣካይዳኻ ንብጻይካ ትረብሕ ትኸውን። (1 ቈረንቶስ 7:10–16፣ 1 ጴጥሮስ 3:1, 2) ፍቕራዊ ትዕግስትኻ በዚ መገድ’ዚ እንተደኣ ዓስቢ ረኺቡስ ኣየ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኢዩ!
30. ወለዲ ንደቆም ሰናይ ኣብነት ክሰርዕሎም ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
30 ሎሚ ብዙሕ ናይ ስድራቤት ሽግር ንውሉዳት ዝምልከት ኢዩ። ኣብ ስድራቤትካ ከምዚ እንተደኣ ኰይኑስ እንታይ ምተገብረ፧ ቅድሚ ዅሉ ከም ወለዲ መጠን ኣብነት ክትሰርዑ ኣሎኩም። ምኽንያቱ ድማ ቈልዑ ነቲ እትብሎ ዘይኰነስ ብዝያዳ ነቲ እትገብሮ ኢዮም ዝቐድሑ። እቲ እትገብሮ ድማ ምስቲ እትብሎ ዘይሰማማዕ ምስ ዝኸውን ቈልዑ ቀልጢፎም ኢዮም ዝዕዘብዎ። ስለዚ ደቅኻ ብሰናይ ክርስትያናዊ መገዲ ክነብሩ ትደልዮም እንተደኣ ዄንካ ባዕልኻ ኣብነት ዅኖም።—ሮሜ 2:21, 22
31. (ሀ) ቈልዑ ምኽሪ ወለዶም ክእዘዙ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ንውሉድካ እቲ ኣይትመንዝር ዝብል ሕጊ ኣምላኽ ምእዛዙ ጥበባዊ ከም ዝዀነ ብኸመይ ከተረድኦ ምኸኣልካ፧
31 ከምኡውን ምስ ቈልዑት ምርድዳእ የድልየካ። ነቶም መንእሰይ ‘ምንዝር ጌጋ ኢዩ እሞ ክትምንዝር ኣይደልን ኢየ’ ጥራይ ክትብሎም ኣኻሊ ኣይኰነን። ከም ምንዝር ዝበለ ነገራት እቲ ዝፈጠሮም የሆዋ ኣምላኽ ጌጋ ከም ዝብሎ ከተርእዮ ከድሊ ኢዩ። (ኤፌሶን 5:3–5፣ 1 ተሰሎንቄ 4:3–7) እዚውን ንርእሱ እኹል ኣይኰነን። ብዘይዚውን ውሉዳት ስለምንታይ ሕጊ ኣምላኽ ከኽብሩ ከም ዘለዎምን እዚ ከመይ ኢሉ ንጥቕሞም ከም ዝዀነን ከተረድኦም የድልየካ። ንኣብነት: ነቲ መንእሰይ ውሉድካ ከመይ ኢሉ ሓደ ሕጻን ብዘርኢ ናይ ሰብኣይን እንቋቕሖ ናይ ሰበይትን ብዘገርም መገዲ ዝድኰን ምዃኑ ከም ዘስተውዕለሉ ግበር እሞ ከምዚ ኢልካ ሕተቶ:- ‘እቲ ነዚ ኸምዚ ዝበለ ተኣምራት ናይ ምውላድ ከም ዝህሉ ዝገበረ ነቲ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ ናይ ምፍራይ ሓይሊ ከመይ ገይሮም ከም ዝጥቀምሉ ብዝበለጸ ዝፈልጥ ኣይመስለካንዶ፧’ (መዝሙር 139:13–17) ወይ ድማ ከምዚ ኢልካውን ክትሓቶ ትኽእል:- ‘እዚ ዓብዪ ዝዀነ ፈጣሪና ኣብ ህይወት እንረኽቦ ሓጐስ ከሕድግ ኢሉ እዚ ሕጊ እዚ ዝሰርዕዶ ይመስለካ፧ ኣብ ክንድኡስ ነቲ ዝሃበና ሕጊ ብምእዛዝና ክንሕጐስዶ ኣግብኣናን፧’
32. (ሀ) ውሉድካ ምስቲ ሕጊ ኣምላኽ ዘይሰማማዕ ርእይቶ ምስ ዝህልዎ ኣመለኻኽታኻ እንታይ ኢዩ ክኸውን ዝግባእ፧ (ለ) ውሉድካ ጥበብ ናይቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ክርድኦ ብኸመይ ክሕገዝ ምተኻእለ፧
32 ከምዚ ዝበለ ሕቶታት ውሉድካ ሕጊ ኣምላኽ ብዛዕባ መፋረዪ ኣካላት ብኸመይ ክጥቀመሉ ከም ዝግብኦ ክመራምር ከም ዝጅምር ይገብሮ። ርእይቶታቱ ተቐበል። ከምቲ ንስኻ እትደልዮ እንተ ዘይኰነውን ኣይትቈጣዕ። እቲ ወድኻ ዘለዎ ወለዶ ካብቲ ትምህርቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቑ ዘቢሉ ከም ዘሎ ክትርዳእ ፈትን እሞ: እዞም ኣብዚ ናቱ ወለዶ ዘለዉ ብዕሉግ ተግባራት ዕሽነት ከም ዝዀኑ ክትገልጸሉ ፈትን። ምናልባትውን ፍሉይ ኣብነት ናይቲ ብዕልግና ዘስዓቦ ብወሰን ምውላድ: ሕማም መውስቦን ካልእ ጸገማትን ጥቐሰሉ። በዚ መገድ እዚ ድማ ምኽንያታውነትን ልክዕነትን ናይቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ንኽርዳእ ክትሕግዞ ኢኻ።
33. እቲ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ዘሎና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ዕዉት ስድራቤት ንኽንሃንጽ ዝድግፈና ስለምንታይ ኢዩ፧
33 ብሕልፊ ድማ እቲ ኣብ ምድሪ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ምንባር ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ዕዉት ናብራ ስድራቤት ክንምስርት ይድግፈና ኢዩ። ስለምንታይ ከምኡ ይኸውን፧ ኣብቲ ሓድሽ ናይ ኣምላኽ ኣገባብ ክንነብር ንደሊ እንተደኣ ዄንና ከምቲ ሕጂ ክንነብሮ ተስፋ እንገብሮ ክንነብር ክንጽዕር ኢና። እዚ ድማ ካብ ሕጂ ኣትሒዝና ነቲ የሆዋ ኣምላኽ ዝሃበና ትእዛዛትን መምርሕን ጠቢቕና ክንስዕቦ ኢና ማለት ኢዩ። ናይዚ ፍረ ኸኣ ኣምላኽ ነዚ ናይ ሎሚ ሓጐስና ብናይ ዘለኣላማዊ ህይወትን ብዙሕ ሓጐስን ገይሩ ንዘለኣለም ክኽልሎ ኢዩ።—ምሳሌ 3:1–18