ምሳሌ
3 ዜታልል ምግቢ እዩ እሞ፡
ነቲ ጥዑም ብልዑ ኣይትህረፎ።
ደው በል እሞ ኣእምሮ ግበር።*
6 ምግቢ ጠማዕ* ኣይትብላዕ፣
ነቲ ጥዑም ብልዑ ኣይትህረፎ።
7 ንሱስ ከም ተጸባጻቢ እዩ።*
“ብላዕ፡ ስተ” ይብለካ፣ ካብ ልቡ ግና ኣይኰነን።*
8 ነታ ዝበላዕካያ ዅላሶ ኽትተፍኣ ኢኻ፣
ናእዳኻ ድማ ከተባኽን ኢኻ።
10 ናይ ቀደም ምልክት ዶብ ኣይተግዕዝ፣+
ደረት ግራት ዘኽታማት ኣይትድፋእ።
12 ልብኻ ናብ ተግሳጽ፡
እዝንኻ ድማ ናብ ቃላት ፍልጠት ኣቕልብ።
ብሻቦጥ እንተ ገሪፍካዮ፡ ኣይመውትን እዩ።
18 ሽዑስ፡ ብሩህ መጻኢ ኺህልወካ እዩ፣+
ተስፋኻ እውን ኣይኪቝረጽን እዩ።
19 ወደየ፡ ስማዕ እሞ ጥበበኛ ኹን፣
ንልብኻ ኸኣ ብቕኑዕ መገዲ ምርሓዮ።
24 ኣቦ ጻድቕ ብርግጽ ይሕጐስ፣
ጥበበኛ ወዲ ዝወለደ ኸኣ ብእኡ ባህ ይብሎ።
25 ኣቦኻን ኣዴኻን ባህ ይብሎም፣
ወላዲትካ ድማ ትሕጐስ።
26 ወደየ፡ ልብኻ ሃበኒ፣
ኣዒንትኻ ኸኣ ብመገድታተይ ባህ ይበለን።+
28 ከም ከታሪ ተድቢ፣+
ቍጽሪ ጠለምቲ ድማ ተብዝሕ።
29 ወዮ ንመን እዩ፧ ጭንቂ ንመን እዩ፧
ባእሲ ንመን እዩ፧ መረረት ንመን እዩ፧
ብዘይ ምኽንያት ምቝሳል ንመን እዩ፧ ምፍዛዝ ኣዒንቲ ንመን እዩ፧
31 ንወይኒ ምቕያሑ፡
ኣብ ጽዋእ ምውዕዋዑን ሰተት ኢሉ ምውራዱን ኣይትርአ።
32 ኣብ መወዳእታስ ከም ተመን ይነክስ፡
ከም ኣፍዑት ድማ ሕንዙ ጺቕ ይብል።
34 ኣብ ማእከል ባሕሪ በጥ ከም ዝበለ፡
ኣብ ጫፍ ደቐል መርከብ ከም ዝደቀሰ ትኸውን።
ዘቢጦምንስ ኣይተፈለጠንን።
መዓስ ክነቅሕ እየ፧+
መሊሰ ኽሰቲ* እየ” ትብል።