ትምህርቲ 20
ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ እያ ተወዲባ፧
የሆዋ ናይ ስርዓት ኣምላኽ እዩ። (1 ቈረንቶስ 14:33) ስለዚ፡ ህዝቡ ብእተወደበ መገዲ ኺዓይዩ ኢና እንጽበዮም። እሞ ደኣ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ እያ ተወዲባ፧ ንኣሳልጦኣ ኣበርክቶ ኽንገብር እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧
1. ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ መን እዩ፧
“ክርስቶስ ርእሲ ጉባኤኡ” እዩ። (ኤፌሶን 5:23) ካብ ሰማይ ከኣ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዚግበር ንጥፈታት ህዝቢ የሆዋ ይመርሖ እዩ። የሱስ፡ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ሸይሙ ኣሎ፣ እዚ ባርያ እዚ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ ኰይኑ፡ ብሒደት ብሱላት ሽማግለታት ዝቘመ እዩ። (ማቴዎስ 24:45-47 ኣንብብ።) ከምቲ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን መምርሒ ዚህቡ ዝነበሩ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል እውን ኣብ ብዘላ ምድሪ ንዘለዋ ጉባኤታት መምርሒ ይህብ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:2) እዞም ሰባት እዚኦም ግና መራሕቲ እቲ ውድብ ኣይኰኑን። ካብ የሆዋን ካብ ቃሉን እዮም መምርሒ ዚደልዩ፣ ንርእስነት የሱስ እውን ይግዝኡ እዮም።
2. ሽማግለታት እንታይ ግደ ኣለዎም፧
ሽማግለታት ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚምህሩ፡ ንህዝቢ የሆዋ ብምሕጋዝን ብምትብባዕን ከኣ ዚጓስዩ ብሱላት ክርስትያናት እዮም። ተኸፊልዎም ኣይኰኑን ዚዓይዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብፍታው” እዮም ዜገልግሉ፣ ብዘይካዚ፡ “ብሃንቀውታ እምበር፡ ንዘይግቡእ ረብሓ” ኣይኰኑን ዜገልግሉ። (1 ጴጥሮስ 5:1, 2) ሽማግለታት ካብ ኣገልገልቲ ጉባኤ ሓገዝ ይረኽቡ እዮም፣ ኣገልገልቲ ጉባኤ እውን ጸኒሖም ሽማግለታት ንምዃን ብቕዓት የጥርዩ እዮም።
ኣመሓዳሪ ኣካል ንገሊኦም ሽማግለታት፡ ሓለውቲ ወረዳ ኪዀኑ ይሸሞም እዩ። ንሳቶም ከኣ ንእተፈላለያ ጉባኤታት እናበጽሑ፡ መምርሕን መተባብዕን ይህቡ እዮም። ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ንዜማልኡ ሰባት ድማ፡ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኪዀኑ ይሸምዎም እዮም።—1 ጢሞቴዎስ 3:1-10, 12፣ ቲቶስ 1:5-9።
3. ነፍሲ ወከፍ ናይ የሆዋ ምስክር እንታይ ግደ ኣለዎ፧
ኵሎም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት፡ ከከም ኵነታቶም ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ኣብ ኣገልግሎት ወፍርን ብምስታፍ፡ “ንስም የሆዋ [ይውድስዎ]” እዮም።—መዝሙር 148:12, 13 ኣንብብ።
ኣዕሚቝካ ዅዓት
የሱስ እንታይ ዓይነት መራሒ ምዃኑ፡ ሽማግለታት ብኸመይ ኣብነቱ ኺስዕቡ ኸም ዚጽዕሩ፡ ንሕና ኸኣ ምስ የሱስን ምስ ሽማግለታትን ብኸመይ ክንተሓባበር ከም እንኽእል ፍለጥ።
4. የሱስ ለዋህ መራሒ እዩ
የሱስ ማራኺ ጻውዒት ኣቕሪቡልና ኣሎ። ማቴዎስ 11:28-30 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
የሱስ ብዛዕባ መሪሕነቱ እንታይ እዩ ኺስምዓና ዚደሊ፧
ከመይ ገይሮም እዮም ሽማግለታት ኣብነት የሱስ ዚስዕቡ፧ ቪድዮ ኣጻውት።
ሽማግለታት ብኸመይ ዕዮኦም ኪዓይዩ ኸም ዚግባእ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይምህር እዩ።
ኢሳይያስ 32:2ን 1 ጴጥሮስ 5:1-3ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ሽማግለታት ከም የሱስ ንኻልኦት ምንጪ ዕረፍቲ ኪዀኑ ኸም ዚደልዩ ምፍላጥካ፡ እንታይ ስምዒት ይፈጥረልካ፧
ሽማግለታት ንየሱስ ኪመስልዎ ዚኽእሉሉ ኻልእ መገድታት እንታይ እዩ፧
5. ሽማግለታት ብኣብነት ይምህሩ
ሽማግለታት ንዕዮኦም ብኸመይ ኪርእይዎ እዩ የሱስ ዚደሊ፧ ቪድዮ ኣጻውት።
የሱስ ነቶም ኣብ ጉባኤ ዚመርሑ ክርስትያናት ስርዓት ሰሪዑሎም ኣሎ። ማቴዎስ 23:8-12 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ነቲ ንሽማግለታት እተሰርዐ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ ኣብ መራሕቲ ሃይማኖት እተዓዘብካዮ ነገር ከተነጻጽሮ ኸለኻ፡ እንታይ ፍልልይ ተዓዚብካ፧
ሀ. ሽማግለታት ንመንፈሳውነቶምን ንመንፈሳውነት ስድራ ቤቶምን የደልድሉ
ለ. ሽማግለታት ንዅሎም ኣብ ጉባኤኦም ዘለዉ ክርስትያናት ይሓልዩሎም
ሐ. ሽማግለታት ኣዘውቲሮም ይሰብኩ
መ. ሽማግለታት መምህራን እዮም። ኣብ ጽሬትን ኣብ ካልእ ዕዮታትን እውን ይሳተፉ
6. ምስ ሽማግለታት ክንተሓባበር ንኽእል ኢና
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስ ሽማግለታት ክንተሓባበር ዚድርኽ ኣገዳሲ ምኽንያት ይህበና እዩ። እብራውያን 13:17 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ዚመርሑና ኽንእዘዞምን ክንግዝኦምን ምትብባዑስ ግቡእ ድዩ፧ ስለምንታይ፧
ሉቃስ 16:10 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ንኣሽቱ ኣብ ዚመስል ጕዳያት እኳ ምስ ሽማግለታት ምትሕብባር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ኣባል ሓደ እተወደበ ሃይማኖት ክትከውን ኣየድልየካን እዩ።”
ሓደ ሰብ ክፍሊ ጉባኤ ዀይኑ ንኣምላኽ ምስ ዜምልኾ፡ እንታይ ጥቕምታት ዚረክብ ይመስለካ፧
ጽማቝ
የሱስ ርእሲ ጉባኤ እዩ። ምስቶም ኣብ ትሕቲኡ ዀይኖም ዜገልግሉ ምንጪ ዕረፍቲ ዚዀኑልናን ብኣብነቶም ዚምህሩናን ሽማግለታት ተሓጒስና ንተሓባበር ኢና።
ክለሳ
ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ መን እዩ፧
ሽማግለታት ንጉባኤ ዚሕግዙ ብኸመይ እዮም፧
ነፍሲ ወከፍ ኣምላኺ የሆዋ እንታይ ግደ ኣለዎ፧
ዳህስስ
ኣመሓዳሪ ኣካልን ካልኦት ሽማግለታትን ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት ኣጸቢቖም ከም ዚሓልዩሎም ርአ።
ብዛዕባ እቲ ሓለውቲ ወረዳ ዚገብርዎ ዕዮ ፍለጥ።
ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጉባኤ ብዛዕባ ዘለወን ግደ ኣንብብ።
“ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝዀና ኣገልገልቲ ኣለዋኦም ድየን፧” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 መስከረም 2012)
ሽማግለታት ንክርስትያናት ብጾቶም ንምትብባዕ ክሳዕ ክንደይ ኣበርቲዖም ከም ዚዓይዩ ርአ።
“ክርስትያን ሽማግለታት—‘ምእንቲ ኽንሕጐስ ሓቢሮምና ዚዓይዩ’” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 15 ጥሪ 2013)