ኣምላኽ ብዛዕባኻ ይግደስ ኢዩ
ሜሪ እተባህለት ዕድሜኣ ኣብ መወዳእታ 40ታት ዝዀነት ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ኣብ ህይወታ ብዙሕ ስቓይ ኣሕሊፋ ኢያ። ሰብኣያ ስለ ዝዘመወ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ተፋቲሖም ኢዮም። ድሕርዚ: ከም ንጽል ወላዲት መጠን ነቶም ኣርባዕተ ደቃ ዘለዋ ሓላፍነት ንኽትፍጽም ተቓሊሳ ኢያ። ይኹን እምበር: ጌና ክሳዕ ሕጂ በይና ኢያ ዘላ: ሓድሓደ ግዜ ድማ እቲ ጽምዋ ዘይጽወር ኢዩ ዝመስል። ሜሪ ‘እዝስ ኣምላኽ ብዛዕባይን ብዛዕባ እዞም ኣቦ ዘይብሎም ደቀይን ኣይግደስን ኢዩ ማለት ድዩ፧’ ብምባል ትግረም።
ተመሳሳሊ ሽግር የሕልፍ ኣይተሕልፍ ብዘየገድስ: እዚ ናይ ሜሪ ስምዒታት ብርግጽ ከም እትድንግጽ ክገብረካ ይኽእል ኢዩ። ኵልና ፈታኒ ዝዀነ ኵነታት ተጻዊርና ኢና: ከምኡውን የሆዋ መዓስን ብኸመይን ኣብ ክንዳና ስጕምቲ ከም ዝወስድ ደንጽዩና ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ገለ ካብዚ ተመኵሮታት እዚ: ብቐጥታ ሕግታት ኣምላኽ ብምሕላውና ዝመጽእ ኢዩ። (ማቴዎስ 10:16-18፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:29) እቲ ኻልእ ጸገማት ድማ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ሓንቲ ብሰይጣን እትምራሕ ዓለም ዝነብሩ ዘይፍጹማት ሰባት ምዃንና ኢዩ። (1 ዮሃንስ 5:19) ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ብዘሎ እቲ ፍጥረት የስቈርቍርን ቅልውላው ሒዝዎን ኣሎ’ ኢሉ ጸሓፈ።—ሮሜ 8:22
ይኹን እምበር: ጽንኩር ፈተና ኣጋጢሙካ ማለት የሆዋ ደርብዩካ ወይ ኣብ ድሕንነትካ ኣይግደስን ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ብዛዕባ እዚ ከመይ ገይርካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል፧ ኣምላኽ ብዛዕባኻ ከም ዝግደስ ዘርኢ እንታይ ኢዩ፧
ጥንታዊ ኣብነት
መጽሓፍ ቅዱስ ናይቲ የሆዋ ንሰባት ከም ውልቀሰባት መጠን ዘለዎ ተገዳስነት ንጹር መረጋገጺ ይህብ ኢዩ። ንዳዊት ርአ። የሆዋ “ከም ልቡ ዝበለ ሰብኣይ” ብምርካቡ: ኣብዚ መንእሰይ ጓሳ እዚ ብሕታዊ ተገዳስነት ነይርዎ ኢዩ። (1 ሳሙኤል 13:14) ጸኒሑ: ዳዊት ምስ ነገሰ: የሆዋ ‘ኣብ ዝኸድካዮ ዘበለ ምሳኻ ክኸውን ኢየ’ ብምባል ተመባጽዓሉ።—2 ሳሙኤል 7:9
እዚ ግን ዳዊት ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ሽግር ናጻ ዝዀነ “ምቹእ” ህይወት የሕልፍ ነይሩ ማለት ድዩ፧ ኣይኰነን: ዳዊት ንጉስ ቅድሚ ምዃኑን ድሕሪኡን ጽንኩር ፈተናታት ኣጋጢምዎ ኢዩ። ንጉስ ቅድሚ ምዃኑ ንብዙሕ ዓመታት ብዘይዕረፍቲ በቲ ጨካን ንጉስ ሳኦል ተሃዲኑ ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ህይወቱ ግዜ ድማ ዳዊት: “ነፍሰይ ኣብ ማእከል ኣናብስ ኢያ: . . . ኣብ ማእከል እቶም ኣስናኖም ኲናትን ፍላጻን . . ዝዀነ ሰባት” ኢያ ኢሉ ጸሓፈ።—መዝሙር 57:4
ጌና ግን: ኣብዚ ዅሉ ሽግር እዚ: ዳዊት ብዛዕባ ናይ የሆዋ ብሕታዊ ተገዳስነት ይርዳእ ነይሩ ኢዩ። ንየሆዋ ኣብ ዘቕረቦ ጸሎት “ንስኻ ንምዅብላለይ ቈጸርካ” በለ። እወ: ዳዊት ንብምሉኡ እቲ መከራ የሆዋ ይምዝግቦ ከም ዝነበረ ኢዩ ዝስምዖ ነይሩ። ድሕርዚ ዳዊት ወሲኹ “ንንብዓተይ ኣብ ጭልፎኻ [“ሓርብኻ:” ትሓዓ ] አከብካዮ: ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተጻሕፈን፧” በለ።a (መዝሙር 56:8) ዳዊት በዚ ምስላ እዚ ገይሩ: የሆዋ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባ ዘስዕቦ ስምዒትውን ይግደስ ምዃኑ ተኣማንነት ከም ዘለዎ ኢዩ ገሊጹ።
ዳዊት ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይወቱ: ካብ ብሕታዊ ተመኵሮ ብምብጋስ “ስጕምቲ ሰብ ብእግዚኣብሄር ይጸንዕ: መገዱ ኸኣ ባህ የብሎ። እግዚኣብሄር ብኢዱ ይድግፎ እዩ እሞ: እንተ ተዐንቀፈ እኳ ፈጺሙ ኣይኪወድቕን እዩ” ኢሉ ክጽሕፍ ከኣለ። (መዝሙር 37:23, 24) ንስኻውን ፈተናታትካ ተደጋጋምን ቀጻልን እኳ እንተዀነ: የሆዋ ንተጻዋርነትካ ከም ዝዕዘቦን ዋጋ ከም ዝህቦን ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ጳውሎስ “ኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን” ኢሉ ጸሓፈ።—እብራውያን 6:10
ብተወሳኺ: የሆዋ ንዘጋጥመካ ዝዀነ ይኹን ዕንቅፋት ንኽትጻወር ሓይሊ ብምሃብ ኣብ ክንዳኻ ኰይኑ ክዓዪ ይኽእል ኢዩ። ዳዊት “ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ: እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 34:19) ብርግጽ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣዒንቲ የሆዋ ‘ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖም: ናብ ብዘላ ምድሪ ከም ዝዞራ’ ይነግረና ኢዩ።—2 ዜና መዋእል 16:9
የሆዋ ናብኡ ይስሕበካ ኢዩ
ናይ የሆዋ ብሕታዊ ተገዳስነት ዘርኢ ተወሳኺ መረጋገጺ: ኣብቲ ናይ የሱስ ቃላት ክርከብ ይከኣል ኢዩ። የሱስ “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ: ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን” በለ። (ዮሃንስ 6:44) እወ: የሆዋ ነቲ መስዋእቲ ክርስቶስ ዘምጽኦ ረብሓታት ምእንቲ ክጥቀምሉ ንሰባት በብውልቂ ይሕግዞም ኢዩ። ብኸመይ፧ ብዓቢኡ: በቲ ዕዮ ስብከት ናይታ መንግስቲ ገይሩ ኢዩ ዝሕግዞም። ሓቂ ኢዩ: እዚ ዕዮ እዚ “ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ” ይጠቅም ኢዩ: ጌና ግን ንሰባት ብውልቀሰብ ደረጃ ኢዩ ዝበጽሖም። ንመልእኽቲ ናይቲ ብስራት ጽን ምባልካን ምላሽ ምሃብካን ናይቲ የሆዋ ንዓኻ ዘለዎ ብሕታዊ ተገዳስነት መረጋገጺ ኢዩ።—ማቴዎስ 24:14
የሆዋ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ንሰባት ናብ ወዱን ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋን ይስሕቦም ኢዩ። እዚ ድማ: እተወርሰ ጕድለታትን ዘይፍጽምናን እኳ እንተሎ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ መንፈሳዊ ሓቅታት ንኽርዳእን ኣብ ግብሪ ንኸውዕሎን ዘኽእሎ ኢዩ። ብሓቂ: ሓደ ሰብ ብዘይ ሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ንዕላማታት ኣምላኽ ክርድኦ ኣይክእልን ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 2:11, 12) ከምቲ ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ ዝጸሓፈሎም “እምነት ናይ ኵሉ ሰብ ኣይኰነትን።” (2 ተሰሎንቄ 3:2) የሆዋ መንፈስ ቅዱሱ ዝህብ ነቶም ናብኡ ክመጹ ፍቓደኛታት ምዃኖም ዘርኣዩ ጥራይ ኢዩ።
የሆዋ ንሰባት ናብኡ ዝስሕቦም: ከም ውልቀሰባት መጠን ስለ ዘፍቅሮምን ድሕነት ክረኽቡ ድማ ስለ ዝደልዮምን ኢዩ። ከመይ ዝበለ ናይ የሆዋ ብሕታዊ ተገዳስነት ዘርኢ ጽኑዕ መረጋገጺ ኰን ኢዩ! የሱስ “ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ኺጠፍእ: ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም [“ኣቦይ:” ትሓዓ ] ኣይኰነን” በለ። (ማቴዎስ 18:14) እወ: ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከም ፍሉይ ውልቀሰብ መጠን ኣገዳሲ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ጳውሎስ “ንሱ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ” ኢሉ ክጽሕፍ ዝኸኣለ። (ሮሜ 2:6) ሃዋርያ ጴጥሮስ ድማ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን [ውልቀሰብ] እንተሎ: አብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ [የልቦን]” ኢሉ ጸሓፈ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35
ናይ የሱስ ተኣምራት
ናይ ኣምላኽ ብሕታዊ ተገዳስነት ልቢ ብዝትንክፍ መገዲ ኣብቲ ብወዱ: የሱስ: እተፈጸመ ተኣምራት ተራእዩ ኢዩ። እዚ ምሕዋይ እዚ ዓሚቝ ድንጋጽ እተሓወሶ ኢዩ ነይሩ። (ማርቆስ 1:40, 41) የሱስ “ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረአዮ እምበር: ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር [ስለ ዘይከኣሎ]:” እቲ ዘርኣዮ ድንጋጽ የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊኡ ዘለዎ ሓልዮት ዝገልጽ ኢዩ።—ዮሃንስ 5:19
ነቲ ኣብ ማርቆስ 7:31-37 ተመዝጊቡ ዘሎ: ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝፈጸሞ ተኣምራት ዝገልጽ ጸብጻብ ርአ። ኣብዚ ጸብጻብ እዚ የሱስ ንሓደ ጸማምን ናይ ምዝራብ ጸገምን ዝነበሮ ሰብኣይ ኣሕወዮ። መጽሓፍ ቅዱስ የሱስ “[ነቲ ሰብኣይ] ካብቶም ህዝቢ ንበይኑ [ወሰዶ]” ብምባል የዘንቱ። ድሕርዚ: “ናብ ሰማይ ቍሊሕ ኢሉ ኣተንፊሱ ኸኣ፤ ኤፋታ በሎ። እዚ፤ ተኸፈት: ማለት እዩ።”
የሱስ ነዚ ሰብኣይ እዚ ካብቶም ህዝቢ ንበይኑ ዝወሰዶ ስለምንታይ ኢዩ፧ ክዛረብ ዘይክእል ጸማም ሰብ ኣብ ቅድሚ ተዓዘብቲ እንታይ ኰን ይብሉኒ ይህልዉ ክብል ስለ ዝኽእል ኢዩ። የሱስ ናይዚ ሰብኣይ እዚ ጸገም ኣስተብሂልሉ ይኸውን ኢዩ: በዚ ኸኣ ኢዩ ኣብ ብሕቱ ገይሩ ከሕውዮ ዝመረጸ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር “ብምሉኡ እቲ ዛንታ: የሱስ ነቲ ሰብኣይ ከም ሓደ ሕሙም ጥራይ ከም ዘይቈጸሮ ዝያዳ ኣነጺሩ ዘርእየና ኢዩ፣ ከም ሓደ ውልቀሰብ ኢዩ ርእይዎ። እቲ ሰብኣይ ፍሉይ ድልየትን ፍሉይ ግድልን ኢዩ ነይርዎ: የሱስ ድማ ብኣዝዩ ለውሃት ዘለዎ ሓልዮት: ንስምዒታቱ ኣብ ግምት ዘእቱን ክርድኦ ብዝኽእል መገድን ኢዩ ርእይዎ” ይብል።
እዚ ጸብጻብ እዚ የሱስ ኣብ ሰባት ብሕታዊ ተገዳስነት ከም ዝነበሮ ዘርእየና ኢዩ። ብኣኻ ከም ዝግደስ ድማ ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ሓቂ ኢዩ: መስዋእታዊ ሞቱ ናይቲ ነዛ በጅነት ዘድልዮም ደቅሰብ ዝሓዘት ዓለም ዘለዎ ፍቕሪ መግለጺ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ከምቲ “ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ” ብምባል ዝጸሓፈ ጳውሎስ ዝገበሮ ነቲ ስጕምቲ እቲ ብብሕትኻ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። (ገላትያ 2:20 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ከምኡውን የሱስ “እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቦ ረአዮ” ኢሉ ስለ ዝገለጸ: የሆዋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣገልገልቱ ተመሳሳሊ ተገዳስነት ከም ዘለዎ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ዮሃንስ 14:9
የሆዋ ዓስቢ ዝህብ ኢዩ
ፍልጠት ኣምላኽ ምርካብ: ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ገይርካ ንነፍሲ ወከፍ መዳይ ናይ ባህርያቱ ምፍላጥ ዘጠቓልል ኢዩ። እታ የሆዋ እትብል ስም: የሆዋ ፍቓዱ ምእንቲ ክፍጽም እቲ ዝመረጾ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምምልካት “ከምቲ ዝኸውን ዘኽውን” ማለት ኢያ። ኣብ ብምሉኡ እዚ ዝሓለፈ ታሪኽ ከም ፈጣሪ: ኣቦ: ልዑል ጐይታ: ጓሳ: የሆዋ ጐይታ ሰራዊት: ሰማዕ ጸሎት: ፈራዲ: ዝዓበየ መምህር: ከምኡውን ተበጃዊ ዝብል መጸውዒታት ዘጠቓለለ እተፈላለየ ዕማማት ፈጺሙ ኢዩ።b
ነቲ ስም ኣምላኽ ሒዝዎ ዘሎ ምሉእ ትርጕም ምእንቲ ከነማስወሉ: ንየሆዋ ከም ዓስቢ ዝህብ ገይርና እውን ክንፈልጦ ኣሎና። ጳውሎስ “ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ: ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን: ኪአምን ይግብኦ እዩ” ኢሉ ጸሐፈ።—እብራውያን 11:6
የሆዋ ነቶም ሎሚ ንዕኡ ብምሉእ ልቢ ከገልግሉ ዝመረጹ ሰባት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ተመባጺዕሎም ኣሎ። እዚ ዓቢ መብጽዓ እዚ ክፍጸም ምጽባይ ስስዐ ኣይኰነን: ወይ ድማ ሓደ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ኣብኡ ከም ዝነብር ገይሩ ምሕሳብ ድርቅና ኣይኰነን። ሙሴ “ናብቲ ዓስቢ ጠመተ።” (እብራውያን 11:26) ጳውሎስ እውን ብተመሳሳሊ ነቲ ንእሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት እተዳለወሎም ናይ ኣምላኽ መብጽዓ ብሃንቀውታ ተጸብይዎ ኢዩ። “ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ አሎኹ” ኢሉ ድማ ጸሓፈ።—ፊልጲ 3:14
ንስኻውን ነቲ የሆዋ ነቶም ዝጽመሙ ክህቦም ተመባጺዕዎ ዘሎ ዓስቢ ብሃንቀውታ ክትጽበዮ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ዓስቢ እቲ ምጽባይ ዘይንጸል ክፍሊ ናይቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎካ ፍልጠትን ኣብ ኣገልግሉቱ እተርእዮ ምጽማምን ኢዩ። ስለዚ ኣብ ጸጽባሕ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዓቚሩልካ ዘሎ በረኸታት ኣስተንትን። እታ ኣብ መጀመርታ እተጠቕሰት ሜሪ: ነዚ ንምግባር ፍሉይ ጻዕሪ ገይራ ኢያ። ከምዚ ኸኣ ትብል:- “ኣብ ህይወተይ ንመጀመርታ ግዜ: ኣብዚ ቐረባ እዋን ናይ የሱስ በጅነታዊ መስዋእቲ ንዓይ ከም ዝምልከት ተረድኣኒ። የሆዋ ከም ሓንቲ ውለቀሰብ መጠን ይግደሰለይ ምዃኑ ክስማዓኒ ይጅምር ኣሎ። ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝኸውን ክርስትያን ኢየ ነይረ: ይኹን እምበር ኣብዚ ቐረባ ግዜ ጥራይ ኢየ ነዚ ክኣምኖ ጀሚረ።”
ሜሪን ካልኦት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባትን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕትን ብዛዕባኡ ድማ ዓሚቝ ምስትንታን ብምግባርን: የሆዋ ንህዝቡ ብጕጅለ ደረጃ ጥራይ ዘይኰነስ ብውልቀሰባት ደረጃ እውን ከም ዝግደሰሎም ተረዲኦም ኢዮም። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነዚ ኣዝዩ ይርድኦ ብምንባሩ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ: ንዅሉ ሓልዮትኩም [“ጭንቀትኩም:” ትሓዓ ] ኣብኡ [ኣብ ኣምላኽ] ኣውድቕዎ።” (1 ጴጥሮስ 5:7) እወ: ኣምላኽ ብዛዕባኻ ይግደስ ኢዩ!
[እግረ-ጽሑፋት]
a ሓርቢ ከም በዓል ማይ: ዘይቲ: ጸባ: ወይኒ: ጠስሚ: ከምኡውን ኣጅቦ ዝኣመሰሉ ነገራት ንምሓዝ ዝጠቅም ካብ ቈርበት እንስሳ ዝዳሎ መትሓዚ ኢዩ። ናይ ጥንቲ ሓርብታት ብዓቐንን ቅርጽን ብዙሕ ይፈላለ ኢዩ: ገለ ካብኣቶም ናይ ቈርበት ሳንጣታት ክዀኑ ከለዉ ካልኦት ድማ መዕጸዊ ዘለዎም ጸቢብ ዝኣፎም መትሓዚታት ኢዮም።
b መሳፍንቲ 11:27፣ መዝሙር 23:1፣ 65:2፣ 73:28፣ 89:26፣ ኢሳይያስ 8:13፣ 30:20፣ 40:28፣ 41:14፣ ርአ። ከምኡውን ኣብቲ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመ: መወከሲ ዘለዎ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም (እንግሊዝኛ): ኣብቲ ተወሳኺ መሓበሪ 1J ገጽ 1568 ርአ።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]
ትንሳኤ—ኣምላኽ ከም ዝግደስ ዘርኢ መረጋገጺ
ኣምላኽ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ውልቀሰብ ይግደስ ምዃኑ ዘእምን መረጋገጺ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዮሃንስ 5:28, 29 ይርከብ ኢዩ:- ‘ኣብ መቓብር [“ናይ ዝኽሪ መቓብር:” ትሓዓ ] ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ናይ የሱስ] ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ: ኺወጹ እውን ኢዮም’
ዘገርም ድማ: ኣብዚ እታ ታʹፎስ (መቓብር) እትብል ቃል ዘይኰነትስ እታ ምነ·ሜየʹኦን (ናይ ዝኽሪ መቓብር) እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ኢያ ኣትያ ዘላ። እታ ታʹፎስ እትብል ቃል ብሓጺሩ ናይ ምቕባር ሓሳባት ኢያ እተመሓላልፍ። እታ ምነ·ሜየʹኦን ግን እቲ ዝሓለፈ ኵነታት ናይቲ ዝሞተ ሰብ ከም ዝዝከር እትሕብር ኢያ።
በዚ መዳይ እዚ ክርአ ከሎ: ትንሳኤ ንየሆዋ እንታይ ከም ዝሓቶ እሞ ሕሰብ። ንሓደ ሰብ ናብ ህይወት ክመልሶ እንተድኣ ኰይኑ: ብዛዕባ እቲ ሰብ ነፍሲ ወከፍ ነገር: እቲ ዝወረሶ ወይ ዝወረሰቶ መለለዪ ጠባይን ምሉእ መዘከርታን እውን ሓዊስካ: ክፈልጦ ኣለዎ። ከምዚ ምስ ዝኸውን ጥራይ ድማ ኢዩ እቲ ሰብ እቲ ዝነበሮ መንነት ሒዙ ክምለስ ዝኽእል።
ርግጽ ኢዩ: እዚ ብዓቕሚ ሰብ ክርአ ከሎ ዘይከኣል ኢዩ: ይኹን እምበር “ንኣምላኽ ኵሉ ይከአሎ እዩ።” (ማርቆስ 10:27) ነቲ ኣብ ልቢ ሓደ ሰብ ዘሎ እውን ከይተረፈ ክፈልጦ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ሰብ ንብዙሕ ዘበናት ሞይቱ እንተ ጸንሐ እውን ኣምላኽ ብዛዕባኡ ዘለዎ መዘከርታ ኣይጠፍእን ኢዩ፣ ኣይሃስስን ኢዩ። (እዮብ 14:13-15) በዚ ኸምዚ: የሱስ ካብቲ ዝሞቱሉ ግዜ ድሕሪ ብዙሕ ዘበናት እውን ከይተረፈ ብዛዕባ ኣብርሃም: ይስሃቅ: ከምኡውን ያእቆብ ክጠቅስ ከሎ: ንየሆዋ “ዅሎም ህያዋን እዮም እሞ: ንሱስ ናይ ህያዋን እምበር: ናይ ምዉታት ኣምላኽ ኣይኰነን” ክብል ይኽእል ነይሩ ኢዩ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ሉቃስ 20:38
ስለዚ: ሞይቶም ዘለዉ ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ምስ ምሉእ ዝርዝራቶም ኣብ መዘከርታ የሆዋ ኣምላኽ ኢዮም ዘለዉ። እዝስ ኣምላኽ ብደረጃ ውልቀሰብ ይግደስ ምዃኑ ዘርኢ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ መረጋገጺ ኰን ኢዩ!
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ነቶም ዘሕወዮም ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርእይዎም ኢዩ