ነቲ ኣድልዎ ዘየርኢ ኣምላኽና ትመስሎዶ ኣሎኻ፧
ኣድልዎ ዘይምርኣይ—ኣበይ ኢዩ ክርከብ ዝከኣል፧ ፈጺሙ ኣድልዎ ዘየርኢ: ኣቐዲሙ ብሕማቕ ዘይርኢ: ሓደ ካብቲ ሓደ ኣብሊጹ ዘይርኢ: ካብ ምፍልላይ ናጻ ዝዀነ ሓደ ኣካል ኣሎ። እዚ ኣካል እዚ እቲ ናይ ደቅሰብ ፈጣሪ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ። ብዛዕባ ደቅሰብ ግን: እቲ ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ዝነበረ: ቻርለስ ላምብ እተባህለ እንግሊዛዊ ጸሓፊ ብግልጺ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብንጹር ኣገላልጻ: ኣነ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ ዝዓብለለኒ—ምፍታውን ምጽላእን ዝመልኣኒ ሰብ ኢየ።”
እቲ ዘሕዝን ድማ: ብዛዕባ ኣድልዎ ዘይምርኣይ ዝመጸ ሰብኣዊ ርክባት ካብቲ ዝድለ ኣዝዩ ዝተሓተ ኢዩ። ብዙሕ ዘበናት ይገብር እቲ ናይ እስራኤል ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ይገዝእ” ምዃኑ ተዓዚቡ ኢዩ። (መክብብ 8:9 NW ) ዓሌታዊ ጽልኢ: ሃገራዊ ምስሕሓብ: ከምኡውን ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ዝርአ ጽልኢ እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ። ስለዚ: ሰባት ባዕላቶም ኣድልዎ ዘየርኢ ማሕበረሰብ ከማዕብሉ ይኽእሉ ኢዮም ኢልካ ምእማን ክውንነታዊ ድዩ፧
ኣረኣእያና ንምቍጽጻርን ገዛእ ርእስና ድማ ካብ ኣዕሚቑ ሱር ዝሰደደ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ ናጻ ንምግባርን ጥንቁቕ ጻዕሪ ዘድልዮ ኢዩ። (ኤፌሶን 4:22-24) ከይተፈለጠና ነቲ ኣብ ናይ ስድራቤትና: ዓሌትና: ከምኡውን ኣብ ሃገራዊ መበቈላትና እተመስረተ ብማሕበራውን ትምህርታውን ከባቢና ቅርጺ ዝሓዘ ኣረኣእያታት ክህልወና ይኽእል ይኸውን። እዚ ድሓን ዝመስል ዝንባለታት መብዛሕትኡ ግዜ ዓሚቝ ሱር ዘለዎን ኣድልዎ ናብ ምርኣይ ዝመርሕ ኣረኣእያታት ዘዕብን ኢዩ። ናይ ሕጊ ምሁርን ጸሓፍን ዝዀነ ሎርድ ፍራንሰስ ጄፈሪ እተባህለ ወዲ ስኮትላንድ እውን ከይተረፈ ከምዚ ብምባል ተኣሚኑ ኢዩ:- “ሰብ ንነዊሕ እዋን ፈጺሙ ክግንዘቦ ዘይከኣለ ነገር እንተሎ: እቲ ኣዕሚቑ ሱር ዝሰደደ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ዝንባለኡ ኢዩ።”
ሌና:a ነቲ ኣድልዎ ናይ ምርኣይ ዝንባለ ንምቅላስ ጥንቁቕ ጻዕሪ ከም ዘድሊ እተኣመነት ሰብ ኢያ። ነቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ስምዒታት ንምዕጋት “ብርቱዕ ጻዕሪ ኢዩ ዘሓትት: ምኽንያቱ ኣተዓባብያ ኣዝዩ ሓያል ጽልዋ ኢዩ ዘለዎ” ብምባል ትዛረብ። ሌና: ዘየቋርጽ መዘኻኸሪታት ኣድላዪ ምዃኑ እውን ኣፍልጦ ትህበሉ ኢያ።
ብዛዕባ ኣድልዎ ዘይምርኣይ ዝምልከት ጸብጻብ የሆዋ
የሆዋ ብዛዕባ ኣድልዎ ዘይምርኣይ ዝመጸ ፍጹም ኣብነት ኢዩ። ካብቲ ናይ መጀመርታ ገጻት መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብቲ ምስ ሰባት ዘነበሮ ርክብ ኣድልዎ ንዘይምርኣይ ብኸመይ ከም ዘንጸባረቖ ነንብብ ኢና። ካብዚ ብሉጽ ኣብነታትን መዘኻኸሪታትን እዚ ብዙሕ ክንማሃር ንኽእል ኢና።
የሆዋ ንነገራት ኣብ ምቍጽጻር ኣድልዎ ዘይብሉ ምዃኑ ኣርእዩ ኢዩ: ስለዚ ኸኣ ኢዩ እቲ ኣይሁዳዊ ዝነበረ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንቆርኔሌዎስን ንኻልኦት ኣህዛብን ብ36 ከ.ኣ.ዘ. ብስራት ዝኣወጀሎም። ኣብቲ ግዜ እቲ ጴጥሮስ ከምዚ በለ:- “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ [የለን]።”—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35
የሆዋ ኣብ ኵሉ እቲ ምስ ሰብኣዊ ዓሌት ዝነበሮ ርክባት: ኣድልዎ ዘይብሉ ምዃኑ ብቐጻሊ ኣርእዩ ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ኣቦኡ: “ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ: ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ” በለ። (ማቴዎስ 5:45) ንየሆዋ ኣድልዎ ከም ዘየርኢ ኣምላኽ መጠን ወሲኹ ክውድሶ ከሎ: ጴጥሮስ ከምዚ ብምባል ኣረጋገጸ:- “[ንሱስ] ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ: ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ።”—2 ጴጥሮስ 3:9
ኣብ ግዜ ኖህ: “ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሐን ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ከም ዝዀነ” ምስ ረኣየ: የሆዋ እታ ሽዑ ዝነበረት ናይ ደቅሰብ ዓለም ክትጠፍእ ወሰነ። (ዘፍጥረት 6:5-7, 11, 12) ይኹን እምበር: ኖህ ብትእዛዝ ኣምላኽን እቶም ኣብቲ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ብጋህዲ እናረኣይዎን መርከብ ሰሪሑ ኢዩ። ኖህን ደቁን ነታ መርከብ እናሰርሑዋ ከለዉ እውን: “ሰባኽ ጽድቂ” ነይሩ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 2:5) የሆዋ ናይቲ ሽዑ ዝነበረ ወለዶ ናይ እኩይ ልቢ ዝንባለ ይፈልጦ እኳ እንተ ነበረ: ኣድልዎ ከየርኣየ ንጹር መልእኽቲ ከም ዝበጽሖም ገይሩ ኢዩ። ንኖህ መርከብ ከም ዝሰርሕን ከም ዝሰብኽን ብምግባር ንኣእምሮኦምን ኣልባቦምን ዘለዓዕል ጻውዒት ኣቕሪቡ ኢዩ። መልሲ ንምሃብ ዘኽእሎም ብዙሕ ኣጋጣሚታት ነይርዎም እኳ እንተዀነ: “ማይ ኣይሂ መጺኡ: ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን።”—ማቴዎስ 24:39
የሆዋ ኣድልዎ ከም ዘየርኢ ዝገልጽ ከመይ ዝበለ ብሉጽ ኣብነት ኰን ኢዩ! ኣብዚ ጽንኩር ዝዀነ ዳሕሮት መዓልትታት: ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ልክዕ ከምዚ ዝበለ ኣድልዎ ናይ ዘይምርኣይ ኣገባብ ምስዓብ ነቲ ብስራት ናይታ መንግስቲ ክእውጅዎ የለዓዕሎም ኢዩ። ብተወሳኺ ድማ: ነታ መዓልቲ ሕነ የሆዋ ካብ ምእዋጅ ድሕር ኣይብሉን ኢዮም። ብጋህዲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኽሰምዖ ናይ የሆዋ መልእኽቲ ብዘይ ኣድልዎ የብጽሑ ኢዮም።—ኢሳይያስ 61:1, 2
እቲ የሆዋ ነቶም ርእሲ ኣቦታት ዝዀኑ ኣብርሃም: ይስሃቅ: ከምኡውን ያእቆብ ዝገበሮ መብጽዓ: ኣድልዎ ዘየርኢ ኣምላኽ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኢዩ። በቲ ናታቶም መስመር ውልድነት ኣቢሉ እቲ ‘ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብእኡ ክባረኹ’ እተሾመ ኣካል ክመጽእ ነበሮ። (ዘፍጥረት 22:18፣ 26:4፣ 28:14) እቲ እተሾመ ኣካል የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ተረጋገጸ። የሆዋ ብሞት የሱስን ትንሳኤኡን ገይሩ: ንዅሎም እዙዛት ደቅሰብ ዝኸውን መገዲ ድሕነት ኣዳለወ። እወ: ካብ ናይ ክርስቶስ በጅነታዊ መስዋእትታት ዝርከብ ጥቕምታት ብዘይ ኣድልዎ ክርከብ ዝከኣል ኢዩ።
ኣብ ግዜ ሙሴ: የሆዋ ኣድልዎ ዘየርኢ ምዃኑ ኣብቲ ምስ ኣዋልድ ጸሎፍሓድ እተተሓሓዘ ኵነታት ኣዝዩ ኣገዳሲ ብዝዀነ መገዲ ተራእዩ ኢዩ። እዘን ሓሙሽተ ኣንስቲ እዚኣተን ነቲ ኣብታ ምድሪ ተስፋ ዝነበረ ውርሻ ኣቦአን ዝምልከት መዋጥር ኣጋጠመን። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ: ኣብ እስራኤል ናይ መሬት ውርሻ በቶም ኣወዳት ዝዀኑ ውሉዳት ናይ ሓደ ሰብኣይ ኣቢሉ ክመሓላለፍ ኣለዎ ዝብል ልምዲ ስለ ዝነበረ ኢዩ። ይኹን እምበር: ጸሎፍሓድ: ዝወርሶ ወዲ ከይሓደገ ሞተ። ስለዚ እተን ሓሙሽተ ኣዋልድ ጸሎፍሓድ “ወዲ ስለ ዘይነበሮስ: ስለምንታይ ስም ኣቦና ኻብ ማእከል ዓሌቱ ዚጠፍእ፧ ኣብ ማእከል ሓወቦታትና ርስቲ ሀበና” ብምባል: ኣድልዎ ዘይብሉ ኣተሓሕዛ ክረኽባ ናብ ሙሴ ሕቶአን ኣቕረባ። የሆዋ ንልመንአን: ሰሚዑ ንሙሴ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ:- “ሰብ: ወዲ ኸይሐደገ እንተ ሞተ: እቲ ርስቱ ናብ ጓሉ ኣሕልፍዎ።”—ዘሁልቍ 27:1-11
ከመይ ዝበለ ኣድልዎ ዘይተራእየሉ ፍቕራዊ ፍጻመ ኰን ኢዩ! እቲ ናይ ሓደ ዓሌት ነገድ ናብ ካልእ ነገድ ምእንቲ ከይሓልፍ: እተን ኣዋልድ ጸሎፍሓድ ክምርዓዋ ከለዋ: “ካብ ዓሌት ነገድ ኣቦታተን ጥራይ” ክምርዓዋ ነበረን።—ዘሁልቍ 36:5-12
የሆዋ ኣድልዎ ዘየርኣየሉ ተወሳኺ ፍጻመ ድማ ኣብ ግዜ እቲ ፈራድን ነብዪን ዝነበረ ሳሙኤል ኢዩ። የሆዋ ካብ ዓሌት ይሁዳ ካብ ስድራቤት እሰይ በዓል ቤት-ልሄም ሓድሽ ንጉስ ክቐብእ ኣዘዞ። ይኹን እምበር: እሰይ ሾመንተ ኣወዳት ነበርዎ። መን ኢዩ ንጉስ ንምዃን ዝቕባእ፧ ሳሙኤል በቲ ናይ ኤልያብ ኣካላዊ ኣቃውማ ተሳሕበ። እንተዀነ ግን: የሆዋ ብደጋዊ ትርኢት ኣይጽሎን ኢዩ። ንሳሙኤል ከምዚ በሎ:- “ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቍመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን: ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ: እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ።” ዳዊት: እቲ ዝነኣሰ ወዲ እሰይ ድማ ተሓርየ።—1 ሳሙኤል 16:1, 6-13
ካብቲ ናይ የሆዋ ኣድልዎ ዘይምርኣይ ባህሪ ምምሃር
ክርስትያን ሽማግለታት ኣብቲ ናይ ሓደ ኣማኒ ብጻይ መንፈሳዊ ባህርያት ጥራይ ብምስትብሃል ንየሆዋ ምስ ዝመስልዎ ሰናይ ይገብሩ። ውልቃዊ ስምዒታት ነቲ እንህቦ ፍርዲ ከጸልምቶ ብምፍቃድ: ንሓደ ሰብ ባዕልና ብዘውጻእናዮ መዐቀኒታት ክንፈርዶ ቀሊል ኢዩ። ከምቲ ሓደ ሽማገለ “ኣብቲ ምስ ካልኦት ሰባት ዘሎኒ ርክብ: ኣቐዲመ ባዕለይ ኣብ ዘምጻእኩዎ ሓሳባት ተመርኲሰ ዘይኰነስ: በቲ ንየሆዋ ዘሐጕሶ መገዲ ክመላለስ ኢየ ዝጽዕር” ብምባል ዝገለጾ ኢዩ። ኵሎም ኣገልገልቲ የሆዋ ንቓሉ ከም መዐቀኒ ክጥቀምሉስ ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ኰን ኢዩ!
እዚ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነታት: ነቲ ትልኽ ዝብል ዓሌታዊ ወይ ሃገራዊ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ስምዒታት ክንቃለሶ ይሕግዘና ኢዩ። ነቲ ናይ የሆዋ ኣድልዎ ዘይምርኣይ ባህሪ ብምቕዳሕ: ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ካብ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ: ምፍልላይ: ከምኡውን ሓደ ካብቲ ሓደ ኣብሊጽካ ካብ ምርኣይ ንከላኸለላ።
ሃዋርያ ጴጥሮስ “ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ” ተማሂሩ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34) ሓደ ካብቲ ሓደ ኣብሊጽካ ምርኣይ: ናይ ኣድልዎ ዘይምርኣይ መቓርንቲ ኢዩ: ነቲ ናይ ፍቕርን ሓድነትን ስርዓታት ድማ ዝጥሕስ ኢዩ። የሱስ ንድኻታት: ንድኹማት: ንታሕተዎት ሰባት ጸዊዕዎም: ጾሮም ድማ ኣቕሊልሎም ኢዩ። (ማቴዎስ 11:28-30) ምስቶም ከቢድ ናይ ሕግታት ጾር እናኣሰከሙ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ጐይቶት ኰይኖም ዝነበሩ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ክነጻጸር ከሎ ሰማይን ምድርን ኢዩ ነይሩ። (ሉቃስ 11:45, 46) ከምዚ ምግባር: ነቶም ሃብታማትን ኣውራታትን ድማ ኣብሊጽካ ምርኣይ ምስ ትምህርትታት ክርስቶስ ፈጺሙ ኣይሰማማዕን ኢዩ።—ያእቆብ 2:1-4, 9
ሎሚ: ክርስትያን ሽማግለታት ንርእስነት ክርስቶስ ይግዝኡ: ንዅሎም ውፉያት ህዝቢ የሆዋ ድማ ኣድልዎ ኣየርእዩን ኢዮም። ‘ነቲ ምስኦም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ክጓስይዎ’ ከለዉ: ብምኽንያት ቁጠባዊ ደረጃ: ናይ ባህሪ ፍልልያት: ወይ ናይ ስድራቤት ምትእስሳር ሓደ ካብቲ ሓደ ኣብሊጽካ ካብ ምርኣይ ይሕለዉ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 5:2) ክርስትያን ሽማግለታት ነቲ ኣድልዎ ዘየርኢ ኣምላኽ ብምምሳልን ነቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ኣብሊጽካ ናይ ምርኣይ ተግባራት ከይንፍጽም ዝህቦ መጠንቀቕታ ብምቕላብን: ኣብ ውሽጢ እታ ጉባኤ ኣድልዎ ናይ ዘይምርኣይ መንፈስ የዕብዩ ኢዮም።
እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤ ኣህጉራዊ ሕውነት ዘለዎ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሱስ ክርስቶስ ካብ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይን ካብ ኣድልዎን ናጻ ዝዀነ ማሕበረሰብ ክህሉ ከም ዝከኣል ህያው መርትዖ ኢዩ። እቶም መሰኻኽር ‘እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ለቢሶም’ ኢዮም። (ኤፌሶን 4:24) እወ: ካብቲ ፍጹም ኣብነት ናይቲ ኣድልዎ ዘየርኢ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ይማሃሩ ኣለዉ: ኣብታ ካብ ኵሉ ዓይነት ኣድልዎ ናጻ ዝዀነት ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ድማ ኣለዎም።—2 ጴጥሮስ 3:13
[እግረ-ጽሑፍ]
a እተቐየረ ስም ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ከም ዘየለ ተማሂሩ ኢዩ