ኣድልዎ ብዘይምርኣይ ንየሆዋ ምሰልዎ
1 የሆዋ ብዛዕባ ሰባት ይሓሊ ኢዩ። ፍቓዱ ንዝገብር ዘበለ ዅሉ ብዘይኣድልዎ ይቕበል ኢዩ። (ግብ. 10:34, 35) የሱስ እውን ንሰባት ክሰብኽ ከሎ: ኣድልዎ ኣይገብርን ነበረ። (ሉቃ. 20:21) ከምቲ “ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ: ነቶም ዚጽውዕዎ ዅሎምውን ሃብታም እዩ” ኢሉ እተዛረበ ጳውሎስ: ኣብነት ናይ የሆዋን የሱስን ክንስዕብ ኣሎና።—ሮሜ 10:12
2 ንዅሎም እቶም እንረኽቦም ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምንጋር ንኣምላኽ ክብሪ ዘምጽእ ኢዩ። ናይ ካልኦት ሰባት ዓሌት: ማሕበራዊ ደረጃ: ትምህርቲ: ወይ ቍጠባዊ ኵነታት ብዘየገድስ ነዚ ዘደንቕ መልእኽቲ እዚ ብቐጻሊ ከነካፍሎም ኣሎና። (ሮሜ 10:11-13) እዚ ኸኣ ነቶም ዝሰምዑና ሰብኡት: ኣንስቲ: መንእሰያት: ከምኡውን ኣረጋውያን ምስባኽ ማለት ኢዩ። ኵሉ በዓል ቤት ሓቂ እንታይ ምዃና ንምስማዕ ኣጋጣሚ ምእንቲ ክረክብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ክንኵሕኵሕ ኣሎና።
3 ንዅሎም ሰባት ተገደሰሎም:- ሸቶና ብእተኻእለና መጠን ንዅሉ ሰብ ምርካብ ኢዩ። ገለ ኣስፋሕቲ ነዚ ኣብ ኣእምሮኦም ብምሓዝ ኣብ እንዳ ሓኪም: ሆስፒታላት: መእለዪ ኣረጋውያን: እንዳ ሓዘን: ናይ ተሃድሶ ማእከላት: ከምኡውን ኣብ ካልእ ትካላት ንዝርከቡ ሰባት ብምምስካር ዕዉታት ኰይኖም ኢዮም። ብተወሳኺውን: ገለ ኣስፋሕቲ ንናይ ቤት ትምህርቲ ተቘጻጸርትን ኣማኸርትን ከምኡውን ንዳኛታት መስኪሮም ኢዮም። ኣብ ቅድሚ ሰበ-ስልጣን ክትቀርቡ ከለኹም: ስለ እቲ ንህዝቢ ዝህብዎ ጠቓሚ ኣገልግሎት ሞሳኹም ምግላጽ ግቡእ ኢዩ። ኣኽብሮት ኣርእዩዎም: ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ዓይነት ስርሖምን ዘጋጥሞም ጸገማትን ዝገልጽ እዋናዊ ዓንቀጻት ምረጹ።
4 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ሓንቲ ሓብቲ ንሓደ ዳኛ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ከይዳ ኣዘራረበቶ። ጽቡቕ ምይይጥ ድሕሪ ምግባሮም ከምዚ በላ:- “ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፈትዎም ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጢዶ፧ ካብኡ ምንቕ ዘይብልሉ ጽኑዕ ስርዓታት ኣለዎም።” ነዚ ዓቢ ጽልዋ ዘለዎ ሰብ ጽቡቕ ምስክርነት ተዋሂብዎ ኢዩ።
5 ኣልባብ ሰባት ከነንብብ ኣይንኽእልን ኢና። እንተዀነ ግን: ንዝረኸብናዮ ዝዀነ ይኹን ሰብ ብምዝራብ: ኣምላኽ ዕዮና ንምምራሕ ክእለት ከም ዘለዎ ንኣምን ምዃንና ነርኢ። ብተወሳኺውን: ከምዚ ብምግባርና ሰባት መልእኽቲ ናይቲ ተስፋ ክሰምዑን ምላሽ ክህብሉን መሰል ይረኽቡ። (1 ጢሞ. 2:3, 4) ብእተኻእለና መጠን እቲ ብስራት ንዅሎም ሰባት ብምብጻሕ ንግዜና ብጥበብ ንጠቐመሉ: ነቲ ኣድልዎ ዘይብሉ የሆዋ ኸኣ ንምሰሎ።—ሮሜ 2:11፣ ኤፌ. 5:1, 2